Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከተማ ሎንዶን ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ - ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከተማ ሎንዶን ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ. ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዘተየ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና። ብሰንኪ ዶባዊ ግጭት፥ ኣብ ልዕሊ

ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያከተማ ሎንዶን

ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ፥ ትማሊ ዕለት 23 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ. ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዘተየ ሕዝባዊ ኣኼባ ኣካዪድና።

ብሰንኪ ዶባዊ ግጭት፥ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣደራዕ ብሓጺር ቃላት ክግለጽ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ግጭት ብልዝብ፡ ብጥበብ፡ ብሕጋዊ ኣገባብ ስለዘይተፈትሔ፥ ኣብ ከቢድ ህልቂት ወዲቕና። እቲ ክትርድኦ ዜጸግም ኣዕናዊ ኩናት፡ ደው ካብ ዝብል እነሆ 16 ዓመት ኮይኑ። ንኽንድዚ ዝነውሕ ግዜ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጠንቀቕ ኣለኻ ተባሂሉ፥ ብረት ከልዕል ዝኽእል ዘበለ ኣብ ዕርድታት ክነብር ጸኒሑ። እዚ ማለት ድማ፥ ህዝብና፡ ከይፋርን፡ ወሊዱ ከየዕብን ተኸልኪሉ፡ እቲ ክመሃርን ክሰርሕን ኬፍርን ዝግባእ ዝነበረ መንእሰይ ተኾሊፉ እዩ ዘሎ። ሕጅውን ጥበብን ኣላዝቦን ስለዝተሳእነ፡ መላእ ህዝቢ ኤርትራ ተስፋ ስኢኑ ጸኒሑ። ማእለያ ዘይብሉ ክፋል መንእሰይ ኤርትራ ካብ ሃገር ጠፊኡ፡ ተሰዲዱ፡ ሞይቱ፡ ተዓሚጹ፡ ተዋሪዱ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ኣብ ኣጻምእ ጠፊኡ። ሕዝቢ ኤርትራ ዝሓልየሉ ስኢኑ ክብተን ጸኒሑ ኢዩ። ማእለያ ዘይብሉ ኤርትራዊ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ሕጊ ይበሊ ኣሎ።

ናይ`ዚ ኩሉ ወሪዱና ዘሎ ስቓይን፡ ውርደትን፡ ጥፍኣትን መሰረቱ፥ ስእነት ሕግን፡ ቅዋማዊ መንግስትን እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኻየደ ኩናትን ብድሕሪኡ ዝሰዓበ ኩነታትን ዓቢ እጃም ከምዘለዎ ዝፍለጥ ኢዩ። ስለዚ፥ ህዝቢ ኤርትራ ንሰላም ክጽውዕን ክምህመለን ነዊሕ ዓመታት ከምዝገበረ ዘይፈልጥ ሰብ ዳርጋ የልቦን። ኣብ`ዚ ኣኼባ`ዚ ብዛዕባ ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝለዓለ ኣተኩሮ ተዛቲናሉ።

ዋላኳ እንተ ደንጎየ፡ እዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቕሪቡዎ ዘሎ መጸዋዕታ ሰላም፡ ብእወታ ገምጊምና፥ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብገዛእ ፍቃዱ ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ጉጅለ ሂቡዎ ዘሎ መተምባህታን፡ ኣፋፍኖት ሰላምን ዉን ንህዝቢ ካብ ዝጸንሖ ኲናት ወረ ኲናት ወጺኡ ቃል ተስፋ ዝህብ ብምዃኑ ክታባባዕ ከምዝግብኦ ተበግሶ ኮይኑ ረኺብናዮ። መሪሕነት ክልቲኤን ሃገራት፡ ብሰላማዊ መገዲ ጸገማቶም ክፈትሑ፡ ንህዝብና ኣዝዩ ዝጠቕሞን፡ ናብ ንቡር ክምለስ ዘኽእሎን ስለዝኾነ፥ ተስፋ ሂቡና ኣሎ።

እዚ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዋሂቡና ዘሎ ናይ ሰላም ተስፋ፡ ብጥበብን ብልቦናን ተታሒዙ ኣብ ፍረ ዘለዎ ዉጽኢት ክሰጋገር ዘሎ ተኽእሎ ዓቢ ምዃኑ ፡ ኣኼበኛ ትምኒቱ ገሊጹ ኢዩ። ኣብቲ ዝካየድ ዝርርብን፡ ኣብቲ ዝግበር ውዕላትን፡ ብግሉጽነትን ብሕጋዊነት ክትግበር ከም ዝግባእ ኣኼበኛ ኣድሚቑ ካብ ዘስመረሎም ነጥብታት ኔሩ። ሕግን ግሉጽ ኣገባብን እንተ ተኸቲሉ፡ ንህዝብና ዝጎድእ ውሳኔ ኣይክውሰድን ኢዩ ዝብል እምነት ኣለና።

እቲ ኣብ ኤርትራ ስልጣን ሒዙ ዝርከብ ጉጅለ፡ ካብቲ ከምባህሊ ሒዝዎ ክጓዓዝ ዝጸንሐ ካብ ህዝቡ ተሓቢኡ ዝገብሮ ዉዕላት፡ ግብዝ ዝኾነ፡ ምስጢራዊ ኣገባብ፡ ንህዝብና ዝጎድእ ውሳኔ ከይወስድ ስክፍታን መጠንቀቕታን እውን ተዋሂቡ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንኩሉ ሕሰሙን ኣደራዑን ተጸሚሙ ክጓዓዝ ዝሓረየ ብቀንዱ ጉዳይ ልኡላዉነትን ሃገሩ ክብል እዩ። ጉዳይ ዶብ፡ መሓንቆ ብዙሕ ካልእ ምዕባሌታት ኮይኑ ብምጽንሑ፡ ኣብ ዝሓጸረ፡ ኣብ ግቡኡ ምዕለቢኡ ክበጽሕ እሞ፡ ህዝቢ ንቡር ሰላማዊ ናብራኡ ክጅምር ብሃንቀውታ ዝጽበዮ ነገር እዩ።

ነዚ ተጀሚሩ ዘሉ ናይ ሰላም ጩራ፡ ደገፍናን ለበዋናን ብወግዒ ክንገልጽ፥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ድማ ክንላዘብ ተሰማሚዕና። በዚ መሰረት፥

  • ንመንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ፥ ነዚ ናይ ሰላም መስርሕ ብጽፈትን፡ ብግሉጽነትን፡ ብምልኣተ-ሕጊ፥ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክፍጸም፡ ዜድሊ ሓገዝ ኬበርክቱ፡ ክንምሕጸን፣
  • መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ኣትዩዎ ዘሎ መብጽዓ፥ ንኽልቲኡ ኣህዛብ ነባሪ ሰላም መታን ከምጽእ፥ ብዘይተጒላባነት፡ ሕጊ ተኸቲሉ፡ ክፍጽሞ ክንምሕጸን፣
  • ነዚ ናይ ሰላም መስርሕ፥ ንሕዝብና ዜርብሕ ክኾነልና፡ ብቕልጡፍ ክሳለጠልና ዝጽውዕ ዝድግፍን ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከነካይድ። ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ደቂ ሃገርና እውን ተማሳሳሊ ድፍኢት ክገብሩ ንላቦ።

ንሕና ኤርትራውያን፥ ቀንዲ ሽግርና፡ ጉድለት ሕግን፡ ሕጋዊ መንግስትን ስለዝኾነ፡ ቅዋምና ክትግበረልና፡ ግዝኣት ሕጊ ክረጋገጽ፡ ደያኑ ብርትዒ ክፈርዱ፡ ፡ እሱራትና ክፍትሑልና፡ ምስ ጎረባብትና ብሰላም ክንነብር፡ ኣብ ስደት ዘለዉ ኤርትራውያን ንዓዶም ክምለሱ፡ ዘማሓድሩ ሰልፍታት ክንቀያይር ክንበቅዕ፡ መሰልና ኢዩ። እዚ ክነረጋግጽ ድማ፥ ኩላትና ኤርትራውያን፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ብሓደነት ንግዝኣተ ሕግን፡ ፍትሕን ክንጽዕረሉ ከምዝግባእን፡ ኣኼበኛታት ተላብዮም።

ንሕዝብና ዝጠቅም ፍታሕ መታን ክርከብ፡ ብዓለም-ለኻዊ ደረጃ ዝነጥፍ ኣካል እነቑመሉ ግዜ እዋኑ ዝለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ኣብ ዘለና ንሃሉ፡ ተጠሪፍና፡ ብሓባር እንሰርሓሉ መገዲ ክንድሊ ግዜ ይሓተና ኣሎ።

 

ኣሕዋትኩም ኮሚቴ ሓድነት ኤርትራውያን ንፍትሒ – ዓባይ ብሪጣንያ

24 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ.

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Michael Tesfamariam July 1, 2018

    Hahahah hahahah, please Assenna.com, don’t simply keep duped by this nonsense, you have been delivering tremendous service to the men and women who are suffering under Issais at home, don’t let your services blown in order to indulge non-existing “opposition”. If you keep wasting your time and energy to serve and promote a hallow call from these sick and disgusting group of outdated and dead wood of our society, you will eventually destroy your reputation as brave and selfless Eritrean fighter, try to Keep doing what you were supposed to do as the voice for the victim not the abusers of the victim.

POST A COMMENT