Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግህዶ’ዩ!

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ) 20/07/15   ተንስእ ተበራበር እናበለ ዝንቁ ደርሆ ኣብ ጥዑም ድቃሰይ ጋሕጋሕ ንግሆ ኣይሰማዕክዎን ሎሚ ረፋድ ካብ ጉዩይ ምዓል ምሓዝ-ክሳድ፣   ግህዶዩ  ኣይኮነን ሕልሚ ነጻ ወጽየ ማለትዩ ሎሚ ኣቲ ነብሰይ ክሓዲ እመኒ ሞቑሐይ በቲኸዮ እመስለኒ፣   ክብል ይደሊኣሎኹ እሱር ብጻይ ነጻ ክወጸለይ ካብ ተጻይ ብዘይ ገበን ብዘይ ፍርዲ ዝተሓየረ

ብጴጥሮስ ተኽሉ፡(ሓላዪ) 20/07/15

 

ተንስእ ተበራበር እናበለ ዝንቁ ደርሆ

ኣብ ጥዑም ድቃሰይ ጋሕጋሕ ንግሆ

ኣይሰማዕክዎን ሎሚ ረፋድ

ካብ ጉዩይ ምዓል ምሓዝ-ክሳድ፣

 

ግህዶዩ  ኣይኮነን ሕልሚ

ነጻ ወጽየ ማለትዩ ሎሚ

ኣቲ ነብሰይ ክሓዲ እመኒ

ሞቑሐይ በቲኸዮ እመስለኒ፣

 

ክብል ይደሊኣሎኹ እሱር ብጻይ

ነጻ ክወጸለይ ካብ ተጻይ

ብዘይ ገበን ብዘይ ፍርዲ

ዝተሓየረ ኣብ ናይ ዓመጽ ዕርዲ፣

 

ካብ ስቓይ ክመሓር

እቲ ብሕልናኡ ዝመሃር

ስለዝበለ መሰል ንሰብ!

ተሓይሩ ሰብ ከምዘይሰብ፣

 

ነቲ ዘይሕከምሰብ በሰላዓመጽ ተሰከመ

መዋዕሉ ዝነብር እንዳሓመመ

 

ነቲ ውጹዕ ዝጎደሎ መሰል

ነቲ ዝሓሰሞ ዝመሰለ ኸሰል፣

 

ነዊሕ ስቓይ ጸላም ክወግሕ

ነቲ ዝመረሮ ዝመሰሎ ዘይወግሕ

ምሕረቱ ረኺቡ ሰላም ክሓቊፍ

ንሰማማዕ ክርሁሞ ክብል ኩሉሓልፍ!!

    ከም ስርሒት ጀነቭ ንኹሉ ነሰልፍ።

 

ዘመን መጸ ዘይቀየረ ልምዲ

ዋላ ኣብ ገጠር ይኹን ከብዲ ዓዲ

ባንዩ’ሎ ክወግሕ’ዩ እንዳበለ ኣንጋዲ

ተንስእ! ኢሉ ዝሕብር መንገዲ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT