Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ግዕዙይ ዲፕሎማሲ ህግደፍ ሓቢርና ንጉሓፎ

ድሕረባይታ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘነጽሮ ኣብ ዝሓለፉ መዋእላት ናብራኡ ኣብ ምክብባር፣ ምትሕግጋዝን ሰናይ ጉርብትና ዝልለ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ዝፈጸሞ ኣብ ታሪኽ ዝሰፈረ ጸሊም ታሪኽ የብሉን። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ናይ መግዛእቲ

ድሕረባይታ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘነጽሮ ኣብ ዝሓለፉ መዋእላት ናብራኡ ኣብ ምክብባር፣ ምትሕግጋዝን ሰናይ ጉርብትና ዝልለ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣህዛብ ዝፈጸሞ ኣብ ታሪኽ ዝሰፈረ ጸሊም ታሪኽ የብሉን። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታት ናይ መግዛእቲ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ግፍዕን መከራን ክሳብ እዚ ንዓና ዘይውክል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ህዝቡ ዝወረደ ግፍዕን በደላትን ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰብኣዊ መሰላትን ክብርታትን ኣዝዩ ክብ ዝበለ ፍልጠት ከምዝነበረና ኣብቶም ጥንጡዋት ዝተደብተሩ ያታውያን ሕጊ እንዳባ ተወቂሮም ንረኽቦም። እቶም ህሉው ስልጣነ ኣብ’ዚ እዋን ደረጃ ፍልጠቶም ኣበሪኹ ተባሂሉ ዝተጠቐሱ ኣብነታውያን ሕግታት ንዓናን ንወለድናን ኣይሕድሱናን እዮም። ወለድና ይትረፍ ንፍጡር ክቡር ወዲሰብ ንእንስሳታትን ዘራእትን ከይተረፈ መሰላት ዝሕሉው ውሃ ዘበለ ሕጊ ኣንጺፎምልና ሓሊፎም እዮም። እንተኾነ ኣብ’ዚ እዋን ዘራጊ ማይ እንከሎ ጽሩይ ማይ ኣይስተይን ከምዝበሃል እዚ ሕያዋይ፣ ክቡርን ሕፉርን ህዝቢ፣ ኣብ ስልጣን ብሓይሉን ቀቲሉን ዝተቀመጠ ውልቀ መላኺ ኢሰያስን ዓሳክሩ ህግደፋውያን ክብርና ተደዊኑ ይርከብ። እዞም ካብ ብርኪ ኤርትራ ዝወጹ ዋላ’ዉን ኩላቶም እንተዘይኮኑ እዞም ውሑዳት ናይ’ቲ ጸይቂ ልኡኻት ግን ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘይነበረ ግዕዘይን ነውራምን ስራሕ ክሰርሑ ተዋፊሮም ይርከቡ። ኣብ’ዚ ጽሑፍ ድማ ድሕሪ 2001 ዓ/ም ብደሓር ኣብ ዲፕሎማስያዊ ሸነኻት ስርዓት ህግደፍ ባይታ ዘቢጡ ከምዘሎ ኩላትና ንሰማማዓሉ እዩ። ንድሕረ ባይታ ኣፍልጦና ግን ዲፕሎማሳዊ ተግባር እንታይ ምኻኑን ምስ ካልኦት ሃገራት ተግባራን ኣብ መወዳእታ ድማ ክንገብሮ ዘለና ሓቢርና ንርአ።
1. ዲፕሎማስያዊ ርክባት፣ ብቀንዱ ኣብ ሞንጎ ኣሓት ሃገራት ዘለወን ፖለቲካዊ ሸነኻት ዓባይን ንእሽተይን ብዘይብሉ ተኸባቢረን ልዕላውነተን ዓቂበን ይመሓዘያሉ ርክብ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ታሪኻዊ ርክብ፣ ጉርብትና፣ ሓደ ፖለቲካዊ ራኢ፣ ባህላዊ ዝምድና ወይ ቁጠባዊ ምድግጋፋትን ብተበግሶ ሓንቲ ሃገር ተበጊሱ ሰናይ ምሕዝና ይፍጠር። እዚ ድማ ክሳብ ገንዘባዊ ሓገዝ፣ ልምዓታዊ ወፍሪ፣ ምድግጋፍ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክሳብ ኣብ ግዜ ባህርያዊ ሓደጋ ኮነ ሰብ ዝብገስ ሓደጋታት ይደጋገፋ። ኣብ ገለ ሃገራት ድማ ክሳብ ስነ-ፍልጠትን እዋናዊ ምዕብለን ሓቢረን ዝሰርሓሉ ኣማእኪለን ይሰርሓ። ኪኖ እዚ ድማ ኣብ ህሉው ፖለቲካዊ ሰረት ሃገረን ኣብ ስርዓተ ሕጊ፣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሰላም ዜጋታተን ብመትከል ይደጋገፋ። ብዝያዳ ሃገራት ምስ መን ዝያዳ ዲፕሎማሲያዊ ርክባት ይምስርታ ኣብ ድልየታተን ዝምርኮስ እንተኾነ ትገብሮ ርክባት መርኣያ ትኽተሎ ስነ-ሓሳብን ኣንፈት ፖለቲካዊ ዝባሌኻ መግለጺ እዩ። ዲፕሎማሲያዊ ሽርክና ናይ ነዊሕ ዓመት ዝኸይድን ብቀሊሉ ተገላባጢ መርገጺ ትሕዘሉ ስጒሚ ኣይኮነን። ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ብቀጥታ ካብ ርክባት መራሕቲ ክሳብ ታሕተዎም ኣህዛብ ብፍቕሪ ክንጸባረቕ ይረአ እዩ።

2. ኣብ ዝሓለፈ ናይ 18 ዓመታት ህግደፍ ዝመስረቶ ርክባት እንተተመልከትና ነዛ ምዕርግቲ ሃገርና ምስላን ርክባታን ደዊኑዋ እዩ። ስርዓት ህግደፍ ምስ ሓንቲ ሃገር ስጡም ፍቕርን ምክብባርብን ሓንቲ ዓመት ዝኸደ ርክባት ኣይፈጠረን። ምስሊ ኤርትራ ንመጻኢ ኣብ’ዚ ደረጃ ከብጽሖ ብማለት ዘቐመጦ ብሩህ ራኢ የብሉን። ሎሚ ይመሓዘ ጽባሕ ኣብ ዲቕ ዝበለ ኩራን ጸርፍን ይኣቱ። መብዛሕትኡ ርክባቱ ኣብ ሃገር ዘየገድሱ ኣብ ዞባዊን ኣህጉራውን ዓለማዊ ውግዘት ዘስዕብ ነውራማት ስራሕ ዕግርግር ይሳተፍ ጸኒሑ። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ጣልቃ እናኣተወ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያቶም ሰላሞም ክዘርግን ጸኒሑ። ቅልጽም፣ ሓይሊን ፍልጠትን ቊዋምን ስርዓተ-ሕጊ ዘይብሉ ስርዓት ኣብ መኽሰብ ዘይረኽበሉ ጉዳያት ኣንጻር ዝተተኽሉ መንግስታትን ስርዓተ ሕጊን ዝቃለሱ ውዱባት ኣብ ምዕጣቕ ጎብለል እዩ። ኣብ መወዳእታ ድማ ባዕሉ ዘናኸሶ ሓዊ ከም ሸዊት ዕፉን ጠቢሱ ይበልዕ። ድሕሪ ሞትን ገዚፍ ክሳራን ካልኦት ለባማት ኣማእኪሎም ክዕረቑ እንከለዉ ከም ቆልዓ ኮርዩ ከቆናጽብን ክዘርግን ትዕዘቦ። ዓቢ ኣብነት ዝኾነና ሱዳን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ኢትዮጵያ፣ ዲሞክራስያዊት ኮንጎ፣ (ትማሊ ዛየር) ዕጡቓት ሶማል (እስላማዊ ቤት ፍርዲ) እዞም ኣብ ኣህጉራውያን መትከላትን ሕግታትን ዝሰፈሩ ዘይቕየድ ስርዓት ካብዞም መትከላት ሪሒቑ ኣብ ምብራዝን ምጽያቕን ሃሱሳትን ልኡዃቱን ዘይተኣደነ ገንዘብ መጢዉ የዋፍር። ከም ንቡር ካልኦት ሃገራት ዝገብረኦ ስሩዕ ናይ ዲፕሎማሲ ርክባት ኣይገብርን። ንጹር ራኢ ዘለዎ ህዝቢ ዝጠቕም ውዕላትን ስምምዓትን ኣይፍጽምን። እንተሳተፈ ድማ ኣወንታዊ ኣጠማምታ ኣይኽተልን። ኤርትራ ድሕሪ ማእሰርቲ ጎብለላት ሚኒስተራት ጉዳያት ኤርትራ ጴጥሮስ ሰሎሙን ሃይለ ወልደትንሳኤን ኣብ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ዘለዋ ምስሊ ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ዝኾነ ማዕከናት ዜና ሸፈነ የለን። ይውፈሩ ይእተዉ ትም ተባሂሉሎም። ርክባት ምስ ሃገራት ዘይትካላውን ህዝቢ ዘይፈልጦን ከም ናይ ሰራቕን ዑዋላን ርክባት ክፍጽም ዝውዕል። ኣብቶም ቅቡላት ናይ ቪየና ንኣህጉራውያን ፕሮቶኮላዊን ዲፕሎማስያውን መትከላት ኣብ ጓሓፍ ካብ ዝድርብዮም ዓመታት ኣቕጺሩ እዩ። ዝርከቦም ኣብ ኤምባሲታት ኣብ ክንዲ ናይ ዜጋታቶም መሰልን ክብርን ከኽብሩ ዝቓለሱ ከም ሓደ መውፈሪ ቅትለት፣ ጭውያን፣ ምሻጥ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርት፣ መሓውር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ኣብ ምስላይን ምግፋዕን ህርኩታትን ግዱሳትን ዜጋታቶም መደበር ተቐይሩ።

3. ኤርትራ ሓንቲ ሳንቲም ረብሓን ኣብ ዘይርከቦ ብዕሉግ ስርሓትን መሳርሒ ጉጅለ ኢሰያስ ተቐይሩ ኣብ ዘለወሉ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ናይ’ዚ እኩይ ስርዓትን ተለኣኽቲ ሓሶት ንውልቀ መላኺ ኢሰያስን ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ምእካብን ምምጣውን ዝተዋፈሩ እዮም። ኣብቶም ቅኑዓትን ኩነታት ሃገሮም ዘሕምሞም ዜጋታት፣ ኣብ ህሉው ኣካይዳ ለውጢ ክግበር ዝጽውዑን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውን ዝወርድ ግፍዕታት ዝጣበቑን ወገናቶም ክረድኡ ዝወፈሩ ኣብ ምቕንጻልን ምስጓግን ከም ቀንዲ ተልእኾአን ዝሓዛ እየን። ኤምባሲታት ካልኦት ሃገራት ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝጠቕም ከም ንህቢ ሓርኮት ኢሎም ዝወፍሩሉ ዘመን ኤምባሲና ብብልሽውና ጠስጢሱ፣ ሞት ዕሸላት ደቓን ኣብ ዘጋጥመሉ ግዜ ናይ ጓይላን ከንቱ ፈንጠዝያን ኣዳራሻት ተቐይረን ይርከባ። ኣብ ፍቐዶ ሃገራት ህርኩታት ዜጋታትና ዘጥረዩዎ ሃብቲ እናተዘመቱ፣ ብከተርትን ግፍዐኛታትን እናተንከላበቱ፣ ወረቀት ሲኢኖም ኣብ መሸጎር ኣብ ዝወድቕሉ፣ ኣብ ቀጽሪ ቤቶም ቀሪቦም ብሓለውቲ ኤምባሲ ኤርትራ ብኣባትር ዝቅተሉሉ፣ ሬሳ የሕዋቶምን ወለዶምን ክቐብሩ ተጸፊዖም ዝስጎጉሉ ዲፕሎማሲ ህግደፍ ብሩህ ኣብነት እዩ። እዞም ብገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ ዝቆሙ ኣብያተ ጽሕፈታት ቀንዲ መሳርሒ ስለያ ኮይኖም ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝገብሩ ብልሽውናን ዝሙትን መዋደዲ እዮም። እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ሃገር ዘርብሕ ተግባር ክፍጽሙ ኣይረኣዩን ብኣንጻሩ ናይ ካልኦት ሃገራት ዜጋታት ብገንዘብ ኤርትራዊ ዲፕሎማስያዊ ፓስፖርትን ከይተረፈ መሸጢ እንዳ ድኳን ተቀይሩ ይርከብ። ኣብ ዓለም ዝድለዩ ዕሉላት ገበነኛታት መኸወልን መህደምን ዲፕሎማቲ ፓስፖርት ኤርትራ ተጠቂሞምሉ እዮም። ኩሎም እዞም ልእላውነት ኤርትራ ዘይኣምኑ ተቓወምቲ ውዱባት ኢትዮጵያ ከም በዓል እንዳርጋቸው ጽገ ኣብነታት እዮም። እዚ ሰብ’ዚ ኣብ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ምስ በዓል ሶፊያ ተስፋማርያም ክስዕስዕን ክጭፍርን ዝሓድር እዩ። ካብ ውዱቕ ዲፕሎማሲ ኤርትራ ዝረብሐ እንተሃለወ እዚ ቀታሊ ብጾቱን ከዳዕን ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ጥራይ እዩ። ኣብ ኤምባሲ ቀሪቦም መሰላቶምን ግቡእ ኣገልግሎትን ዝረኽቡ ኣብ ልዕለኦም ዘይወዓሉዎ ገበናትን ጠቐንን ይዘንቦም። ብብላዕን ብምትሕብባር ጸጥታ ኣባላት ድኹማት ሃገራትን ከንቱ ረብሓ ዝመሓዘየን ሃገራት ድማ ኣብ ከቢድ ማእሰርቲ፣ ሞትን ጭውያን ግዳያት ኮይኖም እዮም። ጭዋ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይወዓሉዎ ገበናት ጥሩፍነትን ግብረ ሽበራውያን ጠቂኖም ዜጋታትና ኣብ ዘይወጹዎ መጻብቦ ሸጒሮሞ እዮም።

4. እዞም ድኹማትን ትሕተ-ሃገራዉያን ዲፕሎማት ተባሂሎም ዝተመዙ ንጉንዖ ሞቕሽሽን ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ተዓሲቦም ዝሰርሑ ከዳዓት ህዝቢ እዮም። ሓንቲ ሰናይ ዲፕሎማስያዊ ኣበርክቶ ከመዝግቡ ተመልኪትና ኣይንፈልጥን። ኤምባሲታት ኤርትራ ገንዘብ ህዝቢ ተጠቂሞም ደማዊ ሓድሕድ ኲናትን ዘይምርግጋእን ክፈጥሩ ዝነቕሉ ዕሱባት መዋፈሪ ተቀይረን። ኤርትራውያን ዝኸፍሉዎ ግዱድ ሰፍ ዘይብል ክፍሊታት ፈጺሙ ማዕረ እንግዶት ልኡኻት ጥፍኣት ኣይረኸቡን እዮም። እዞም ብባርኾት ኢሰያስ ከም ኣምባሳደራት ዝተመዙ ውይጦት ናብ ህዝቢ ክንሶም ናይ ሓደ ግዕዙይ ቀታሊ ህዝቢን መዕነው ኤርትራን ልኡኻት ተቀይሮም ይርከቡ። እምበር’ሲ ኣምባሳደራት ካልኦት ሃገራት ትሑታት ኣገልገልቲ ህዝቦም፣ ኣድማሳዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ምኽባር ሰላምን ምስፋን ስርዓተ ሕግን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ዓዲ ግደ ክጻወቱ ንምልከቶም ኣለና። እዞም ህዝቢ ዘይውክሉ ብውልቀ መላኺ ብዘይ ንቡር ስርዓት ዝለኣኹ ቀተልቲ ሰብ እምበኣር ውጹዓት ዜጋታትና ሓገዝ ኣይምጡዉን።

5. ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝምድና ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ምስተን ስርዓተ-ሕጊ ዘይብለን፣ ብውልቀ መለኽቲ ዝመሓደራ፣ ስርዓተ ዲሞክራሲ ዘይተኸላ፣ ቁጠባ ዝወደቓን ኣብ ሓድሕዳዊ ኲናት ዝተሸማ ሃገራት ብጽዑቕ ተመሓዝዩ። ኣብተን ኤርትራ ክትረብሓለን ወይ ገዚፍ ኩሉ ዓይነታዊ ደገፍ ክምጡዋ ዝኽእላ ሃገራት ምዕራብ ብሰንኪ እኩይ ጸገማቱ ኣይተመሓዘየን። ኩላተን ብፖለቲካ፣ ብቁጠባን ሳይንስን ቴክኖሎጂ ዝሰጎማ ሃገራት ኤውሮፓን ኣመሪካን ሃገራት ኮነ ርሑቕ ምብራቕን ስጡም ርክብ ዘይብሉ ወይ ፍጹም ኤምባሲ የብሉን። ወይድማ ሓደ ድኹም ዕሱብ ኣምባሳደር መዚዙ ኣብ ዓሰርተታት ሃገራት ይሰርሕ። ኣብ ንቡር ዲፕሎማሲ ድማ ፍጹም ክሳተፍን ክጎይን ኣይረኣይን። ነቶም ጽቡቕ ድልየትን ሰናይ ባህጊ ኤርትራን ክሕግዙን ዝደልዩን ኣብ ምስጓግን ምስላይን ዝዋፈር እዩ። ከምቶም ካልኦት ሃገራት ውዕላት ክፍርም፣ መራሕቲ ሃገራት ክዕድም፣ ቁጣባዊ ሓገዝ ሒዙ ክኣቱው፣ መትከላት ዲፕሎማሲ ክኽተል ኣይተረኣየን። እዚ ውልቀ መላኺ ስርዓት ብሰንኪ ዝኽተሎ ጨፍላቕን ቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ኣብ ዲፕሎማሲ ተኸቲሉ ዝረኸበቶ መኽሰብ ወልሓደ የለን። እታ ዓባይ ሃገር ኣመሪካ ርክባት ካብ ዝብተኽ ክንደይ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። እቶም ፍልጠቶም ንዋቶም ክሕግዙና ዝፈተኑ መዓጾ ተኸሊኦም ተዋሪዶም ተመሊሶም። ብሰንኪ ዘለዎ ናይ ጸይቕን ስርዓተ-ሕጊ ዘይተኸተለ ኣካይዳ ኣደዳ እገዳን ውግዘትን ኣብ መዝገብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ተደዊኑ ይርከብ። እዚ ካብ ጌጋታቱ ዘይመሃር ስርዓት ኣብ መድረኻት ዓለም ዘመዝገቦ ዓወታት ዘይብሉ ክንሱ ብብደዐን ዓሻ ግትርናን ምኽሪ ለባማት ክሰምዕ ኣይከኣለን። ኤርትራ ኣብ መድረኻት ዲፕሎማሲ መወራዘዩ ተቐይራ ትርከብ።

6. ኣብ ዝሓለፈ 18 ዓመታት ርክባት ኤርትራ ካብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ተነጸለት ሃገር ኮይና ክትስጉም ዘላ። እዚ ኤርትራ ኣብ ሞንጎ ሃገራት ዓለም ማዕረ ከይትስጉም ዝገበረ ኣካይዳ ዝኾረየ ቈልዓ ኮይኑ ኣብቶም ዓበይቲ ኣኼባታት፣ ዋዕላታትን ስምምዓትን እናሓንገደ ከይተሳተፈት ኣሕሊፋቶ። እቶም ምዕርጉን ሰናይን ኣድማዒ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ ልኡኻት ገዲፉ ኣቤል ዙረትን ህያብ ካልእ ጸይቂ ጉኖዖኦም ክሳተፉ ይገብር። ኣብ ክንዲ ንሃገርን ህዝብን ዝጠቕም ተሳትፎ ዝገብሩ ክወፍሩ ብኣቤል ክኣትዉ ከም ነጋዶ ገዚፍ ሳንጣ ተሰኪሞም ንብረት ኮንትሮባንዶ ኣእትዮም ጁባኦም ዘይህጥሩሉ ዕዮ እዩ። ብተደጋጋሚ ኣብ ማዕከን ሓሶት ወጺኡ ዘይተኣደነ ብባዶ ፍልጠቱን ትዕቢቱን ዝተረፎ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ምንሻውን ንምእእኣስን ክዛረብ ክንደይ ግዜ ሰሚዕናዮ ኢና። ሃገራት ዘይተኣደነ ገንዘብን ፍልጠትን ፈሲሱዎ ዝካየድ ኣኼባታት ውዱብ ሕቡራት ሃገርት፣ ውድብ ሕብረት ኣፍሪቃን ኣንጊሁ ከም ደርሆ ኣብ ፈለማ ናጽነት ክነቕፎም ከምዘይተረኣየ ድሒሩ ዝነበሩ ዓመታት ኣብተን ፍሹላት ማሕበራት ውልቀመለኽቲ ከም ምትእኽኻብ ሳህለ-ሰሃራ ኮነ ኢጋድ ተጓይዩ። ምስሊ ኤርትራ እምበኣር በዚ ውልቀ መላኺ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ መሪቱ ከምዘሎ ኩላትና ንግንዘቦ ነጥቢ እዩ።

7. ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዝኾነ ማሕበራትን ውድባትን ኮነ ዋዕላታትን ክትኣሊ ወይ መንበር ክትሕዝ ኣይከኣለትን። እቲ ብምኩራትን ፍቕሪ ሃገሮም ዝነዱ ኣባላት ዝሟሞቐ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣባላቱ እናኣሰረ፣ እናቀተለ፣ እናጨወየን እናሰመመን ኣዳኺሙዎ እዩ። ኣብ ዝኾነ መድረኻት ፖለቲካዊ ዓለም ብዝኽተሎ ዕንወት ሃገረ ኤርትራ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንነት ቅልውላው ዘልዎም ዕሱባትን እናጠፍጠፈ ናይ’ዚ ሕጂ ልሙስ ሚኒስትሪ ብጭራም ወረቀት እናሓንጠጠ ዝልእኮ ልኡኻት ዕማማቱ ዘሳሊ። ኣብ ሃገሩ ሰባት ብርእሰ ተኣማማንነት ዘይረግጹዋ ሃገር ተቓውምቲ ውዱባት ኢትዮጵያ ሸናዕ ክብሉን ክሳብ ደምሒት ክሳብ ኮብለሉ መንእሰያት ኣብ ምጭውቲ ኣስመራ ክገፉና ፊቲኖም እዮም። እምበር ኩላትና ደቂ ሃገር ከምዝበርሃልና ኣብ ዓለማዊ ተሳትፎኣ ደሚቓ ከይትረአ በቶም ልሙሳት ቀተልቲ እናተወከለት ንጓዳ’ኮ ግቡእ ሓሳባቶምን መልእኽቶምን ከመሓላልፉ ቋንቋ ዝሓጽሮም እናተወከልት ክትሕዞ ዝግበኣ መንበራትን ትውክልትን ተኸሊኣ ኢያ።

8. እዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ቁም-ነገር ብዘይብሉ ስራሕ ኣብ ፍቐዶኦ ዘይንቡር ኣብያተ ጽሕፈት ኣስመራ፣ ባጽዕ፣ ዓዲ ሃሎ፣ ገርገራን ፍቐደኡ መታን ክውዕልን ሰባት ከበሳብስን ከም ሰበኽ ሳግም ክዝውን ክዕውልን ዝውዕል ውልቀ-መላኺ ሰብ እምበኣር ስራሕ ፈቲሑ እዩ። ኤርትራ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ፣ ባህርያዊ ሃብቲን ምቅሉል ህዝብን ኣብ ዝበረኸ ደረጃ ክትበጽሕ ግዜ ኣይመድላያን። እዚ ካብ ዓለም ዘለዉ መራሕቲ ድሕሪት ዝስራዕ ውልቀ መላኺ ግን ዕድል ኣይገበረትን። ኣብ ዲፕሎማሲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተሓጺሩ ኣብ ምቕታል እንተወጸ ተጻሪፍካኣ ወይ ኣዳራሽ ረጊጽካ ምውጻእ ስርሑ። ኣብዘን ዝሓለፈ ዓመታት ኤርትራ ብኣድማዕነት ዝተሳተፈተን ዋዕላታት ወይ ርክባት መራሕቲ ሃገራት የለን። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝኾነ ሓደ ናይተን ምዕቡላት ሃገራት ብክብሪ ዓዲሙ ዝተቀበሎ የብሉን። ሕጂ’ኸኣሞ ኣብ ሩባ ዓዲ ሃሎ መዋዕቲ ደርሆ-ማይን ካኹን ከምዝኸውን ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ። ነቶም ከንቱ ኣብ ካቢነ-ሚኒስተራት ዝዓጒዎ ሕጂ’ስ መኒዩዎም ግዲ ኾይኑ ናይ በይኑ ሃገር ከስምዕ ከምቶም መዛኖም ክሓብሩ ኸማን ብስእሊ ግዜ ኸሊኡዎም ይርከብ።
9. ኤርትራ ኣባል ናይ ማህበረሰብ ዓለም ከም ሙኻና መጠን ኣብ’ዞም ማሕበራት ዘይተኣደኑ መኽባት ክትረኽቦም ዝገብኣ ኣለዋ። ብኣባልነት ምዃና ጥራይ ክትረኽቦ ዝግበኣ መኽሰብ ብሰንኪ ድኹም ስርዓተ ሓበሬታ፣ ብቕዓት ዘይብሉ ጸብጻብ፣ ግሉጽነት ምውዓል ሓገዛት፣ ምብኻን ገንዘብን ዘይምኻባር መምርሒታት ዓለምለኻውያን ማሕበራት ኤርትራ ገዚፍ ክሳራ ወሪዱዋ እዩ። እዛ ብድሕነት ትሳሓግ ዘላ ኤርትራ፣ ብዕሸልነት ኣእምሮኡ ዜጋታት ክደኽዩን ክግዝኡን መታን ርእሰ-ምርኮሳ እናበለ ሃገር መታልሓ ሰቢሩዋ እዩ። ነቶም ዝምድናኡን ኣካይድኡን ከም ኩለን ሃገራት ዓለም ዝመዓዱዎን ዝመኸሩዎን ገለ ድማ ዝነቐፉዎ ብኩራ ሓቢጡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ቀጥታዊ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ናቱ ኢድ ኣእታውነት ካብ እከለ ኣይትቀበሉ ወይ ናይ ገለ ኣይድልየናን እናበለ ኤርትራ ከም ሃገር ዝግበኣ ደገፋት ኣኽሊኡዋ እዩ። ኤርትራ ኣብ ዝኽተሎ ዝንቡዕ ምዕናዋን ፖሊሲታቱ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ዝነበራ ቁጠባዊ ልምዓት ምሒር ከምተድሓርሕር ጌሩ። ናይ’ዚ ጨፍላቂ ስርዓት ኣካይዳ እምበኣር ኤርትራ መቀጸልታ ናይ’ቲ ዝኽተሎ ምጽናት ደቂ ሃገርን ምድምሳስ ሃገረ ኤርትራ እዩ።

10. ኣብ’ዚ እዋን ኤርትራ ከምተን ብርዱእ ጸገማት ድኹማት ዝበሃላ ሃገራት ዝመጣጠን ዲፕሎማሲ ዝርጋሐን ዕብየትን የብላን። እዚ ንጹል ውልቀ መለኺ ኣብ ዝሰርሖ ከንቱ ዲጋ ኩለንተናዊ ዲፕሎማሲ ስራሕ በዚ ዕሱብ ተላኣእኺ ማንኪ (የማነ ገብረኣብ) ዝተማእከል እዩ። ብስሙ ወጻኢ ጉዳይ ዝበሃል ዑስማን ሳልሕ’ዉን ፖስጣ ከይከፈተ ከበጻጽሕ ዝውዕል ባንቡላ እዩ። ሚኒስትሪ ትምህርቲ ረሚሱ ከብቕዕ እዚ ብቕዓትን ፍልጠትን ዝሓጽሮ ሰብ ኣንጻር እቶም ምዑታት ለውጢ ዝጠለቡ ገዳይም ተጋደልትን ጋዜጠኛታትን ውፉያት ደቂ ሃገርን ክእሰሩ ደጊፉ ዝተመጽወተሉ ሓላፍነት እዩ። እዚ ስም ውልቀ መላኺ ሰሚዑ ዝርዕድን ዝጽሕጽሕን ሰብ ሓንቲ መዓልቲ ከምዚ ክኸዉን ኢሉ ዲፕሎማሲ ኤርትራን መጻኢኣን ሰናይ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። “ኣነ ዝፈልጦ የብለይን ደብዳቤ ኣብጽሕ ተባሂለ፣” እናበለ ዘማኻንይ። ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ክትሕወስን ክብራን ምስላን ክድወን ዝጎዪ ይውዕል ኣሎ። ኢትዮጵያውያን ኤርትራ ባሕራ ልእላውነታን ክደፍሩን ብዓውታ ዝምድሩሉ ዘለዉ ተረፍ-መረፍ ኣምሓሩ ተዓዚቡ ፍሽሕ እናበለ ናይ ክድዓት ደብዳቤ ውልቀ መላኺ ከበጻጽሕ ይውዕል ኣሎ። እዚ ፍጹም ስዉኣት ሓደራን ዕላማን ዝሰሓተ ዑስማን ሳልሕ ውልቀ መላኺ ዝህቦ ጉኑዖን ኣቤል መህጠሪ ጁባኡ ሃገር ከዕኑው ተዓሲቡ ይርከብ። ኣብ’ዚ ከም ቀንዲ ናይ’ዚ እኩይ ስራሕ ኣማኻርን ኢደ በዣን ኮይኑ ዝሰርሕ የማነ ማንኪ’ዉን ውልቀ መላኺ ስርዓት ዕድመ ክሰኩዕ ምስሊ ክኮሓሕል ይውዕል ኣሎ። እዚ ኣብ ውሽጢ ዓድን ግዳምን ምስ ኣመንዝራታት ክዓብድ ዝውዕል ማንኪ ኤርትራውያን ኣብ ምጽናትን ምስሊ ኤርትራ ኣብ ምዕናው ዝተዋፈረ ከዳዕ ሰብ እዩ።

11. ኣብ ዝኾነ ሃገር ወኪልካ ዝግበር ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ብቀንዱ ናይ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክባት ተባሂሉ ዝግበር ስለዚ ይዕበ ይንኣስ ኣብ እዋኑ ኩሉ ዝርዝራዊ ርክባት ዝፍጸም ህዝቢ ክፈልጦ ይግበር። ዲፕሎማሲ ኣህዛብ ረብሓ ዝግበርን ነባርን ስለዝኾነ ኩሎም ኣህዛብ ድላዮም ሕቶታት ካልኦት ኣህዛብ ክሓቱን ይረኣዩ። ኣብ’ዚ ብዕሽነቱን ባዶ ትዕቢቱን ዝልለ ውልቀ መላኺ ስርዓት ግን ከም ብሕታዊ ዋኒኑ ህዝቢ ዘይፈልጦ ዘይተኣደነ ኣብዛ ፋሕ ብትን ዘበላ ባይቶን ዓውዲ ዘይብላን ኤርትራ ክፍጽም ቀጻሊ ንምልከቶ ኣሎና። እዚ ካልኦት ሃገራት ተሞክሮን ተግባራት ዘይመሃር ውልቀ መላኺ ስርዓት ህዝቢን ባይቶን ከይጸደቐ ዝገብሮ ውዕላትን ዲፕሎማስያዊ ርክባትን ዓሻ ስብእና ይቆጽሮ። ቊጽሪ ዘይብለን ሃገራት ድማ ኣካይዳኡ ቅርዑው ስለዘይኮነ ዲፕሎማሲ ካብ ምፍጻም ተሓሪመን እየ። እቲ ዘሕዝን ኣብተን ካልኦት ሃገራት ዝገብረኦ ጋዜጣዊ ቃለ መሕትት ከይገብሩ ብሑጋ ዝሞልቑ። እዞም ህዝቢ ኤርትራ ክውክሉ ብቕዓት ዘይብሎም ነብሶም ኣሕሲሮም ህዝቢ ኤርትራ ስሙ ኣነዊሮሞ ይርከቡ።
12. ኣብ ሃገርና ኤርትራ ህዝቢ ዝወረደ ግፍዕን መከራን ብዙሕ እዩ። እዞም ኣብ ሃገርና ኤርትራ ተወኪሎም ዝመጹ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ወከልቲ ካብ ኣስመራ ቀጽሪ 10 ኪሎ ሜተር ዝርሕቕ ተኸልኪሎም ይርከቡ። ኣብ ዝኾነ ክፋል ዓለም ዘየለ ነውራም ስራሕ እገዳ ዲፕሎማት ምንቅስቓስ ህዝቢ ዘሕልፎ ዘሎ መከራን ኣደራዕን ከይፈልጡ ዝገበሩዎ እዩ። እቲ ሓቂ ግን በቲ ፍሹል እኩይ ተግባራቶም ሳላ ቴክኖሎጂ ዝኽወሎም ሓበሬታ የለን። እምበርሲ ነቶም ኣብ ሓርነትን ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ስርዓተ-ሕጊ ዝሰፈኖ ሃገር ወኪሎም ዝመጹ ሕፉራት ኣምባሳደራት ከም እሱራት ከይወጹን ከይንቀሳቐሱን ምግባሮም ካብቲ ኣህጉራዊ ውዕላትን ፕሮቶኮላትን ዝጠሓሰ ተግባር እዩ።

13. ኣብ መብዛሕተአን ሃገራት መራሕቲ ሃገራት ኮነ ወኪሎም ዝመጹ ዲፕሎማስያውን ልኡኻት ኣብቲ ንቡርን ቀንዲ ኣብያተ ጽሕፈት ሃገራት ክፍጸም ዝረአ። ምኽንያቱ ካብ ነዊሕ እዋን ከም ልምድን ስርዓትን ዝተኣተወን ዝረዓመን መትከላት ኣለዉ። እንተኾነ ግን ኣብ’ዛ ምስላ ብውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝተደወነ ኤርትራ ካብ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ክሳብ ታሕተዎም ልኡኻት ዝተፈላለ ሃገራት ክብሪን ስድነትን ዝተሓወሶ ግብረመልሲ ክረኽቦም ተሓሲሙ እዩ። እዞም ብፍልጠት፣ ዕብየት፣ ብትምህርቲ ኮነ ካልእ ተግባራቶም ኣብ ዓለም ዝተመዝገበ ብቕዓት ዘይጸሓፉ ወይጦት ስድነቶም ኣብ ዓለም ተሰኒዱ ይርከብ። ክሳብ ልኡኻት ኤውሮፓዊ ሕብረት ክሕግዙን ደገፍ ክገብሩን ዝመጹ ካብ ርእሰ-ከተማ ወጺኦም ዓዲ ሃሎን ኣብ ዲጋን ኣብ ዳንጎላን ተቀሚጦም ርክብ ክገብሩ ተዓዚብና ኢና። ወለዲ ክምስሉ ክቡር የኽብረካ መጠን ክብረቱ ሕሱር ሕስረካ ማዕረኡ ከምዝተባህለ ፈጺሞሞ እዮም። ድፕሎማት ዝተፈላለያ ሃገራት ካብቲ ግቡኡን ንቡርን ኣካይዳ ወጻኢ ክብሮም ደፊሮሞም እዮም። ኣብ ቀረባ እዋን እዚ ብህዝቢ ኤርትራ ዘይተመርጸ ስርዓት ኣብ ኣዳራሻት ምምሕዳር ከተማ፣ ቤተ-መንግስቲ ኤርትራን ኮነ ኣብ ዓደ-ኣምሓራ ዝገብሮ ነውራም ተግባር ተመልኪትና ኢና። ካብ ሓደ መራሕ ሃገር ክገብሮ ዘይግበኦ ዕሸላዊ ዘረባ፣ ኣከዳድና ኣካይዳን ምንቅስቓሳትን ክሳብ ክንደይ ሕሱር ምኻኑ ዓቢ ትምህርቲ እዩ። ይተረፍ መራሕ ሃገር ተራ ወዲ ሃገር ዘይትጽበዮ ስራሕ ድፍረት ሃገርን ልእላውነትን እናፈጸመ ምስ ሎቅመጽመጹ ተመልኪትናዮ ኢና። ከም ሳንጣ ጁባኡ ድማ ነቶም ደመኛታት ጸልእትታትና ቀተልቲ ህዝብና ስርዓት ኢትዮጵያ ኣብ ኣዳራሻቶም ምስልታቶም ክብርታቶም ከወድስ ተመልኪትና። ነዛ ዘይትብጸሖ ሃገር ኤርትራ ከም መፍትሕ ድማ ንባዕዲ ከመሓድራን ስልጣን ዋንነት ክህቦም ቃል ኣትዩሎም። እዚ ኣተዓባብዩኡ ዝበደሎ ቅምተኛታት ቀታልን እምበኣር ክብሪ ዘይብሉ ሰብ ምኻኑ ካልእ መርትዖ ነቕርበሉ የብልናን።

14. ኣብ መብዛሕቱኡ እዋናት ዲፕሎማት ክትምዝዝ እንከለኻ ኣብ ሃገሮምን ካልእ ዓለም ህዝቢ ዝጠቕም ኣበርክቶ ዘለዎም ሰባት ዝምዘዙ ምኽንያቱ ወከልቲ ናይ ሚልዮናታት ኣሃዛብ ወከልቲ ስለዝኾኑ። ኣብዛ ሕማቕ እምበር ጽቡቕ ብኢድ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዘይትርእየላ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ናጽነት ብፍላይ ድሕሪ 2001 ኣብ ናይ ውልቁ ኣጀንዳ ዝለኣኹ፣ ሃገር ዝሸጡን ንካልእ ነውራም ቅትለትን ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ደቂ ዝተዋፈሩ የዕሲሉዎም። እዞም ዝተላእኩዎ ካብ ምፍጻም ዘይዓርፉ ብጉኖዖን ረብሓን ዝምደቡ ኣብ ሃገር ዝኾነ ኣበርክቶ ዘይብሎም ብስሙ ስራሕ ዲፕሎማሲ ዘይፈለጡ ሃገራት ሕንፍሽፍሽ ክፈጥሩ ዝዋፈሩ፣ ዘይሕጋዊ ስራሕን ገንዘብን ከሰጋግሩ ዝተዋፈሩ እዮም። እዞም ሰባት’ኮ ዝሞተ ዜጋ ኣብ ሃገሩ ከይቕበር ዝክልኩሉ እንስሳ ዘይገብሮ ስራሕ ዝፍጽሙ እዮም። ኣብ ሓደ ቦታ ምስ ተመደቡ ድማ ብኣቤል ገንዘብን ህዝቢ እናኮማስዑ ጸይቂ ኢሰያስ ክፍጽሙ ዓመታት ረፋዕ ምስ በሉ ዘይትንስኡ እዮም። ስለዚ ኣምባሳደራት ርእሲን ሕልናን ዘይብሎም ከም ባምቡባ ዘረባኡ ክደግሙን ምስሊ ኢሰያስን ዝኮሓሕሉን ሃገር ዘዕንዉን ዘለዉ እዮም። እዛ ምስ ወላዲኣ እግሪ ጃንሆይ ሃይለስላሴ ክትስዕምን ዝኾነ ኣብ ብረታውን ድሕሪ ናጽነትን ንህዝባ ሳንቲም ዘየበርከተት ስም ኣምሓሩን ጎይተታ ክትዘልል ዘሕልፈቶ ዕድመአ ሶፊያ ተስፋማርያም ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ምምዛዙ ሓደ ናይ’ቲ እኩይ ኣጀንዳ ኢሰያስ ኣብነት እዩ። እዛ ቋንቋኣ ዘይመለኸት ውሽማ ኢሰያስ እምበኣር ሓንቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝኾነ ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ኤርትራ ኣፍልጦ ፍትሒ ዝደልዩ ክትጻረፍ ዝተዓሰበት ሰብ እያ። ውልቀ መላኺ ግን ንዝዓበየ ኣጀንዳኡ ምሻጥ ልእላውነት ኤርትራ ዝሓረያ ሰብ እያ። እምበር’ሲ እዛ ምስ ልእላውነት ባሕሪን ኤርትራ ዘይኣምኑ ኣማሓሩ ክትጭፍርን ክትስዕስዕ ትሓድርን ኣብ ሞትን ስደትን ዜጋታትና ከተባጩ ትውዕል ሰብ እያ። እዞም ሕሱራት ኣምባሳደራት ኢሰያስ እምበኣር ስቕያትን ሞት ዜጋኦም ቅንጣት ሓገዝ ዘይምጡዉን ኣብ ልዕሊ ቁስሊ ኤርትራውያን ጮው ዝንስንሱ እዮም።

ብኣጠቓላሊ ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ሸሞንተ ዓመት ዲፕሎማሲ ኤርትራ ካብ ዝበሃል ቁልዕነት ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ዝስራሓሉ ርክብ ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። ዲፕሎማሲ ኤርትራ ናይ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ከም ድላዩ ተዋስኦ ዝጻወተሉ ሕሱር መድረኽ ተቀይሩ። ኤርትራ ምስ ጎሮባብታ ካልኦት ሃገራት ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ትረኽቦ ክብሪ ተደዊኑ እዩ። እዞም ካብ ዓሰርተታት ውፉያት፣ ብዴክስን ስትራተጂያዊ መጽናዕቲን ክንደይ ፈተውቲ ሃገሮም ዝቆመ ትካል ሕቆኡ ተሰይሩ እዩ። ሕጂ ድማ ፍጹም ኣብ ሓደ ውልቀ መላኺ ክብርን ስብእናን ዘይብሉ ኢሰያስ በይናዊ ዕማም ተለዊጡ በዞም ክልተ ሸየጥቲ ሃገር ማንኪን ዝንቡዕ ዑስማን ሳልሕን ተላእኽነት ዝፍጸም ዘሎ ሕሱር ስራሕ እዩ።

ንሕና ከም ኤርትራውያን ክንገብሮ ዘለና

1. ዲፕሎማሲ ማለት ናይ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዕዮ ስለዝኾነ ነፍሲ ወከፍና ደረጃና ፍልጠትና ኮነ ድሕረባይታና ብዘየገድስ ኣምባሳደራት ኤርትራ ኢና። ስለዚ ኣብ ዝኾነ ንነጥፈሉ ዓውዲ ንመላእ ሕብረተሰብ ዓለም መንነትና ዘሰክመና ሓላፍነት ብኣድማዒ ክንዋሳእ ኣለና። ዲፕሎማሲ ናይ ውሱናት ሰባት ዕዮ ኣይኮነን ኩላትና ዝምልከት ረዚን ሓላፍነት ስለዝኾነ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ ዕዮታትና ሓቕን ህሉው ኲነታት ሃገርና ተቢዕና ክንገልጽ ኣለና። እዞም ህዝቢ ሓንሳብ’ዉን ዘይመረጾም ጨፍሊቑ ዝገዝእ ዘሎ ኣብ ስልጣን ህዝቢ ዘጽንቱ ዘለዉ በዲህና ናብ ባዕልና መኣዝን ሃገርና መጻኢት ንሓልማ ሃገርና ኤርትራን ዝምልከት ብዓውታ ክንዛረብን ኩሎም ወገናት ክድግፉና ክፈልጡን ክንዕድሞም ኣለና። ዲፕሎማሲ መላእ ሕብረተሰብ ዝሓትት ሃገራዊ ዕማም ኮይኑ ኩሉ ብቅኑዕ መርገጺናን ኩነታትና ዝግደሱን ዜጋታትና ይኹኑ ወጻእተኛታት ዝከኣሎም ሓገዝ ከበርክቱልና ንዓድሞም ንግለጸሎም። ኣብ ኩሉ መኣዝናት ጽልዋ ክንፈጥር ንጽዓት፣ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ድማ ተደርዑሚ ክወድቕ እዩ።

2. ኣብ ኩሉ መሳኹቲ ማዕከናት ዜና ኮነ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ህዝባዊ ኣጋጣሚታትን ንሕና ኤርትራውይን ህሉውን መጻኢ ባህግናን ንገብሮ ቃልሲ ፍትሒን ራሕዋን ሰባት ክፈልጡዎ ንጽዓር። እዚ ድማ ህሉው ዝተኸፈተ መራኸቢታት ሳይተላይትን ማሕበራዊ መድያን ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ትልሚ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ምብርዓን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ እዩ። ስለዚ ንሓባራዊ ዕላማ ኩሎም ነዚ ሃገራዊ ሓላፍነት ዝተሰከሙ ብንዋትን ሞራልን ኩሉ ዝከኣለና ክሳብ ሓቐኛ ሓበሬታ እናሃብና ነተባብዓዮምን ንደግፎምን። እምበር’ሲ ህዝቢ ኣታሊሉ ከም ቊልዋ ስጋ ባሕርናን ልእላውነት ምሻጥ ንስክላ ዲሒና። ሕጂ’ዉን ከም ዝብኢ ምቹእ ግዜ ብዞባዊ ውህደት’ዶ ሽርክነት እናበለ ኣብዚ ሰላም ዘይብሉ ዞባ ኣመሳሚሱ ኣጀንዳኡ ክገብር ብውሽጢ ውሽጢ ይህንድስ ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ደቂ ሃገር ብከቢድ መስዋእትን ስንክልና ዝመጸት ሃገር ከነድሕን ኣብ ዝኾነ ርክባት ክንሳተፍ እንታይ ይግበር ኣሎ ክንፈልጥ፣ ሃገርና ንምውሓስ ብዛዕባ ሃገርና ዝሕሰብ ክንፈልጥ ክንጽዕርን ሓርኮትኮት ንበልን። ኣብ ኩሉ ንገብሮ ድማ ሓቕነት፣ ርትዕን መርትዖን ኣሰኒና ነዚ ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ከነፍሽሎ ንተዓጠቕ። ብሓቂ ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ዝኾነ ዝግበር ኣኼባታት ዋላ እንተዘይምልከተና በቶም ተሳተፍቲ ኲንታት ሃገርና ኤርትራ ዝምልከት ክሕብሩና ክንገብር ክንኽእል ኣለና። እዚ ውጉዝ ስርዓት ሓንቲ መዓልቲ’ዉን ትኹን ንህዝቢ ሓበሬታ ክህብ ኣይተራእየን ምኽንያቱ ካብ ህዝብና ዝሓብኦ ጉድ ኣለዎ። ስለዚ ኣብ ኩሎም ኣኼባታት፣ ዋዕላታትን ርክባትን ከም ረብሓ ሃገርና ዝትንክፍ ጉዳይ ምኻኑ ኣሚና ናተይ ናትካ ከይበልና ክንቃለስ ኣለና። ኩላትና ኢደይ ኢድካ ምስ ንብል ነዚ ነውራም ስርዓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝገብሮ ኣሻጥር ዲፕሎማሲ ኣብ ዝሓጸረ ከነፍሽሎ ኢና።

3. እዚ ዘይሕጋውን ውልቀ መላኺ ስርዓት ንውሽጥን ግዳይም ብዘይሕጋዊ ተግባራት ዝተጠፍጠፈ እዩ። ምኽባር ስርዓተ ሕጊ ዘይረኣየሉ ስርዓት ስለዝኾነ ካብ ዝደቀቐ ክሳብ ዝዓበየ ዝፈጸሞ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ንሕና ድማ ኩሎም ንፈልጦም ፍጸምቲ ገበናት ነዚ ክትግበር ዝእዝዙ ኩላቶም ብቀረባ ሓላፍነት ዝወስዱ ስለዝኾኑ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ከነቕርቦ ንጽዓር። እዞም ከበድቲ ገበናት ግድነት በቶም ተበደሉ ክቀርቡ ኣለዎም ዝበሃል ስለዘይኮነ ኩላትና ሓላፍነት ስለዝኾነ ኩሎም ምስ’ዚ ስርዓት ብቀጥታ ብተዘዋዋርን ኣብ ገበን ዝሳተፉ ዘለዉ ኣብ ፍርዲ ከነቕርቦም ኣለና። ክሳብ ሕጂ ብሰንኪ ሕመቕና ኣብቲ ስልጡን ዓለም ከይተረፈ ቀሪቦም ክምድሩን ሰባት ከፈራርሑን ይረኣዩ ጸኒሖም ኣለዉ። እንተኾነ እዚ ብራዕዲ ተሓሚሱ ዘሎ ስርዓት ኣብ ትሕቲ ጽላል “ይኣክል” ከይተሓጸርና ኣብ ዝምልከቶም መጋባኣታት ዓለማዊ ቤት ፍርዲ ኮነ ዞባውያን ኣብያተ ፍርዲ ከነቕርቦም ተባዕ ተበግሶ ንውሰድ። ነቶም ካብ ውልቀ መላኺ ክሳብ ታሕተዎ ኣካላት ምንቅስቓሶም ብምክትታልን ነብሶምን ስድራኦምን ክሃድሙ ከነፍቕድ የብልናን። ስለዚ ኩላትና ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሕና ዘለና ኤርትራውያን እዞም ዜጋታትና ዘጽንቱ ዘለዉ ኢደይ ኢድካ ኢልና ክሳዶም ሓኒቕና ኣብ ቅርዓት ቤት ፍርዲ ዓለም ነቕርቦም። ክንደይ ንጹሃት ረሺኖምን ኣሕቂቖምን ኣብ ከውሊ ክሕብኡ ከነፍቕደሎም የብልናን። ነቶም ብሰንኪ ግፉዓትን ውጹዓትን ኤርትራውያ ዑቕባ ረኺቦም ተገልቢጦም ደለይቲ ፍትሕን ራህዋን ኤርትራ ምፍርራሕን ምጒዕባዕን ዝፍጽሙ ዘለዉ ክሳብ እቶም ከበድቲ ገበናት ዝፈጸሙ ኣናዲና ኣብ ክፉት መጋባኣታት ነድንኖም።

4. ካብ ውሽጢ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንትን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን ዝሎሓኸ ሓበሬታ ከምዝሕብሮ እቲ ንህላወኡ ትልኽ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ብውሽጢ ውሽጢ ናይቶም ናይ ኣምሓራ ተቓለስቲ ውዱባት ኣቢሉ ኢትዮጵያ ዝደልዮ ስርዓት ንምትካል ከምቲ ዝደልዮ ኣይሰለጦን። ብደገን ውሽጥን ከቢድ ተቓውሞ ስለዘስዓበሉ ኤርትራ ግኑዖ ሓይሊ ባሕሪ ወይ ውዕላት ክገብር ይደናደን ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ነዞም ጣቋ ዘይብሎም ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ዝመላለሱ ኮነ ዝተሰዓሩ ናይ ኣምሓራን ካልኦትን ውዱባትን ኣንጻር ኤርትራን ልእላውነት በርቲዕና ክንብድሆምን ክቆጦቡን ከቢድ መጠንቀቕታ ክንህቦም ኣለና። ናይ ደለይቲ ፍትሒ ቃልሲ ተቀጻጺሉ ኣብ ዘለወሉ ከይተዛነኻ ኣብ ኩሉ መኣዝን ጽልዋኡ ከዛይድ ኣለና። ብፍላይ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ከም ነፋሒቶ ዝቀያየሩ ዘለዉ ውልቀ መላኺ ዝሃቦም ምትብባዕ ካብ ስሩ ክንቋወሞም ኣብ ዝኾነ ርክባትና ከም ዜጋታት ክልተ ልእላውያን ሃገራት እምበር “የሕዋት ኢና ወይ ሓደ ህዝቢ እናበልካ ብውሽጢ ክፍኣት ዝተበዓጠ ውደሳ ንሕና መንነትናን ሃገርና ዝመጸና ከይዘይንጻወሮ ተቢዕና ክንሕብሮም ኣለና። ኩሉ ዓቕምና ዝፈቕዶ ኣብ ዝኾነ ክፍል ዓለምን ቦታን ግዜን ብስውኣት ዝተረከብናያ ሃገር ክብረታ ንምሕላው ብምድማቕን ኩሉ ዲፕሎማስያዊ ዕዮና በርቲዕና ክንዓዪ ኣለና።

ስዉኣትና ብፍትሕን ራህዋን ኤርትራ ንደብሶም!!
ህምዲፍ ኣስመራ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT