Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጸብጻብ ፈስቲቫል ይኣክል ማኒቶባ ካናዳ 2019

ጸብጻብ ፈስቲቫል ይኣክል ማኒቶባ ካናዳ 2019 ፈስቲቫል ይኣክል ማኒቶባ ካናዳ ኣስታት 400 ካብ ዊኒፔግ፡ ብራንዶንን ዊንክለርን ዝመጹ ህዝብን ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ብውዕውዕን ድሙቅን ኣገባብ ቀዳም ዕለት 28 መስከረም 2019 ኣብ ከተማ ዊኒፔግ ካናዳ

ጸብጻብ ፈስቲቫል ይኣክል ማኒቶባ ካናዳ 2019
ፈስቲቫል ይኣክል ማኒቶባ ካናዳ ኣስታት 400 ካብ ዊኒፔግ፡ ብራንዶንን ዊንክለርን ዝመጹ ህዝብን ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽበሉ ኣጋጣሚ ብውዕውዕን ድሙቅን ኣገባብ ቀዳም ዕለት 28 መስከረም 2019 ኣብ ከተማ ዊኒፔግ ካናዳ ተኻይዱ።
እቲ ፈስቲቫል ብዝክረ ሰማእታት ድሕሪ ምኽፋቱ ግዝያዊት ሽማግለ ይኣክል ከተማ ዊኒፔግ ንጉዕዞን ገስጋስን ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለታት ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ከተማ ዊኒፔግ ዘብርህ መደረ ንኣጋይሽን ዕዱማትን ድሕሪ ምቅራባ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽቡ ዕዱማት ኣጋይሽ ናይ ደገፍ መልእኽታት ብምቅራብ ቀጺሉ። መጀመርያ ኣባል ፓርላማ ካናዳ ሚስተር ሮበርት ፋልኮን ኦውለት ቀጺሉ ውን ካብ ኤውሮፓ ስዊዘርላንድ ዝመጸ ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላትን ናይ ሕጊ ምሁርን ዶ/ር ዳኒኤል ረዘነ ናይ ደገፍ ቃሎም ድሕሪ ምስማዕ ንጽላል ካናዳ ሓቆፍ ዝምልከትቦ ኣባል እቲ ጽላል ኣቶ ገዛኢ ሓጎስ ንዘሎ ምዕባለታትን መደባትን ምንቅስቃስ ይኣክል ብደረጃ ካናዳ መብርሂ ሂቡ። ብምቅጻል ኣብ ከተማ ዊኒፔግ ብዝተፈላለየ ውዳበታት ብደረጃ ወለዲ ፡ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ተጠርኒፎም ኣብ ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ንምዕዋት እጃሞም ዘበርክቱ ዘለዉ ማሕበራት ዝውክሉ ወከልቲ ሓጸርቲ መልእኽታቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ኣብዚ ዝካየድ ናይ ደለይቲ ፍትሒን ለውጥን ምንቅስቃስ ከይተሓለሉ ነዚ ቃልሲ ንምዕዋት ብልዑል ጻዕርን ተወፋይነትን ክንቀሳቀሱ ዝጸንሑ ዜጋታት ኣቶ ናይዝጊ ባህላይ፡ ወይዘሮ ፋጥማ ኣብዱራሽድ፡ ወይዘሮ ሉላ ክፍሎምን ድማ ናይ ምስጋናን መተባብዕን ህያባትን ብቐሺ ጴጥሮስ ሓጎስን ቐሺ ዜናዊ ባሊሆን ኣቶ ጀሚል ጴጥሮስን ተዋሂቦም። ቐሺ ጴጥሮስ ሓጎስ ድማ ንምንቕስቓስ ይኣክል ምትብባዕ መንፈሳዊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ብዝነበረ ስሩዕ መደባት ፈስቲቫል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ዝመጹ ውሩይ ስነ ጥበባዊ ዮውሃንስ ትካቦን ሙዚቀኛ ኣሮን ብርሃነን ከምኡ ውን ኣብ ዊኒፔግ ብዝቅመጡ ዉፉያት ስነጥበባውያን ተሰንዮም ንደለይቲ ፍትሒ ምራልን ፍናንን ዘበርኽ ዜማታት ብዝተፈላለየ ቃንቃታት ብምቅራብ ብድሙቅ ጋይላ ንተሳተፍቲ ናይ’ዚ ፈስቲቫል ኣዘናጊዖም። ኣብ ሞንጎ ውን ንሓድነትን ለውጥን ዝጽውዕ ግጥምታት ቀሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ግዝያዊት ሽማግለ ይኣክል ከተማ ዊኒፔግ ከም መቀጸልታ ናይቲ ከተካይዶ ዝጸንሐት ዝተዋህባ ዕማማት ኣብ መዓልቦኡ ንምብጻሕ ንቀዳም 12 ጥቅምቲ 2019 ቅዋም ማሕበር ንምጽዳቅን ምርጫ ቀዋሚት ሽማግለ ይኣክል ዊኒፔግ እተካይድ ኣምራጺት ኮሚተ ንምቃምን ከምኡ ውን ነቲ ኣብ 2 ሕዳር 2019 ዝካየድ ምርጫ ቀዋሚት ሽማግለ ይኣክል ዊኒፔግ ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ህዝቢ ከም ኣብ ዝሓለፈ እዋናት ማዕበል ህዝባዊ ምንቅስቃስ ይኣክል ብናህሪ ክቅጽል ዝገበሮ ተሳትፎ ኣብ ዝቅጽሉ መደባት ውን ብዕቱብ ክሳተፍ ለበዋ ብምትሕልላፍ ፈስቲቫል ይኣክል ማኒቶባ ካናዳ 2019 ብናይ ዓወት መንፈስ ተዛዚሙ።
ክፍሊ ዜና ሽማግለ ይኣክል ዊኒፐግ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT