Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም! – ሳልሳይ ክፋል፥

ጽባሕ ከይከልእዎም! ሳልሳይ ክፋል፥ “መፍትሒ ሽግርናዶ

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ሳልሳይ ክፋል፥
“መፍትሒ ሽግርናዶ…” ኢለን ሕቶይ ክምልሳ ምስ ጀመራ ኣደይ ወጋሕታ፡ ክሳደን ኣንቃዕሪረን ንገለ ካሊኢታት ናብቲ ናሕሲ ናይታ ተሳፊርናያ ዝነበርና ባቡር ገጸን እናጠመታ ዝን በላ’ሞ ዘረባአን ብምቕጻል፥
“መፍትሒ ናይዚ ኩሉ ሽግር ደኣ ዝወደይ፡ ኣብዛ ብሽፍታ ትመሓደር ዘላ ዓዲ፡ መንግስቲ ምትካል ጥራይ እዩ። ምኽንያቱ ዝወደይ፡ መንግስቲ እንተ ደኣ ኾይኑ፡ ዋላ እቲ ዝሓመቐ ዝብሃልውን እንተኾነ፡ ሕግን ስርዓትን ኣሎዎ። ዓዲ ከኣ ብሕጊን ስድብን (ቅዋምን) እያ ትመሓደር። ሕጊ ኣብ ሃገርና ስለ ዘየለ ኢና’ኮ ንሕናውን ሎሚ፡ ነዚ ወሪዱና ዘሎ በደል፡ ዋሕስ ኣግብእ ከይበልናሉ፡ ሓያል ብዝፈረደና ጥራይ፡ ርእስና ኣድኒንና ንነብር ዘለና። ስማዕ ዝወደይ! እዚ ኹሉ ወጽዓታት ህዝቢ እናሃለወ፡ ብዋጋ ሕሰም ህዝቢ፡ እዛ ሃገር ካብቲ ወዲቓቶ ዝነበረት ባይታ፡ ቊሩብ ፍሕት እንተ ትብልውን’ኮ ኣይምተጸልአን። ግን ትሪኣ ኣለኻ እዛ ዓዲ፡ ብኹሉ ምሉ’ያ ረማዕ ኢላ ዘላ!” ብምባል ርእሰን ንየማነ ጸጋም እናነቕነቓ እንደገና ኣስተንተና። ዘረብአን ብምቕጻል ከኣ ኣደይ ወጋሕታ፥
“ሰሚዕካ ዝወደይ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ንክልቲኦም ደቀይ፡ ዓዶም ክሪኡን ምስ ስድራኦም ክላለዩን ኢለ ንዓድና ንሓደ ወርሒ ሒጀዮም ከይደ ነረ’የ። ትፈልጥ ድኻ ኣብ ሰሙኖም እንታይ ከም ዝበሉኒ? ምሸት ምሸት ብሽምዓን ላምባዲናን ጨለም ክንብል ምስ ረኣዩና፡ ‘ማማ ኣበይ ኢና ዘለና? ንኺድ’ባ ናብ ኤርትራ?’ ኢሎሙኒ። ዝምልሰሎም ጠፊኡኒ! ብጓሂ መዓንጣ ከብደይ ሕርር ኢለ! ‘ሕራይ እዞም ደቀይ ብሩኻት ክንከይድ ኢና፡’ ኢለዮም ትም ኢለ። ደጋጊሞም ብሕቶ ጦቕ ምስ ኣበሉኒን ምግቢ ምብላዕ ምስ ኣበዩኒን ግን ብጥምየት ከይሓሙኒ ስለ ዝፈራህኩ፡ ከይፈተኹ ኣብ ክልተ ሰሙነይ፡ ‘ናብ ኤርትራ ትኸይድ ነፋሪት ስለ ዝተባላሸወት፡ ካልእ ግዜ ኢና ናብ ዓድና ንኸይድ፡ ሕጂ ግን ናብ ገዛና ክንምለስ ኢና’ ኢለ፡ ምስቲ ኩሉ ጸጽብቑ ኣብ ኤርትራ ኣሎ እናበልኩ ዝነግሮም ዝነበርኩ ብምዝካር፡ ሃገሮም ምእንቲ ከይጸልኡ ኢለ፡ ብሓሶት ኣደናጊረ ሒጀዮም ናብዚ ዓዲ ሕግን ክብርን ተመሊሸ። ሓጥያትና ይቕረ ይበለልና ፈጣሪ ኩሉ ኣለም! መቸም ብሰንኪ’ዚ ሰይጣን’ዚ ኣብ ሓጥያት ዝኣቱ ዘሎ ኤለትራዊ ውሑድ ኣይኮነን!”
“እ? እዚ ዓማጺ ሰብኣይ፡ ትማሊ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ዝበሎ ኸኣ ሰሚዕካዮ ኣለኻ። መራሒ ሃገር ተባሂሉ፡ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ፡ ‘ፍርጅኩምዶ ክትሰርሕ ይሕሸኩም ወይስ ፋብሪካ ስሚንቶ?’ ኢሉ ክሓተናሲ እዚ ምስ ምንታይ ክቑጸር ይኽእል። ዓይነይ ብርሃን ክርኢ’ኮ ጠለብ ኣይኮነን ዝወደይ። መሰል’ዩ። መሰል ግን ኣይፈልጥን’ዩ እዚ ርጉም ሰብ!” በላኒ ኣስናነን እናሓርቀማ። ኣይተጋገኽንን ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ፡ ጽቡቕ ኣለኽን። መሰረታውያን ጠለባት፡ መሰል’ዮም። እንተኾነ መንግስቲ ኣብ መንጎ ከተማን ገጠርን ዘሎ ጋግ ንምጽባብን ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን ዘሎ ፍልልይ ንምምዕርራይን ይሰርሕ ስለ ዘሎስ ንኹሉ ንምብጻሕ ኢሉ’ዩ ዝኸውን ከምኡ ዚገብር ዘሎ። ምኽንያ… ምስ በልኩ፡ ብሃንደበት ኣብ መንጎ ዘረባይ ብምእታው፡
“እዋእ! ኣንታ ወደይ፡ መን እኻ’ሞ ዝበልካኒ ስምካ?” ብምባል ዘረባይ ኮለፋኒ።
ሽዑ ኣነ ነቲ ኣቐዲመ፡ ብሓሶት ህግደፍ ተደናጊረ፡ ክምጉተን ምፍታነይ ከም ዘሕፈረኒ ረሲዐ፡ ዳግም ከመኽኒ ብምፍታነይ ስለ ዘሰከፈኒ፡ እቲ ብቲቪ ኤረ ዝመሓላለፍ ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ንሓንጎለይ ክሳብ ክንደይ ብሓሶት ጸሊዩዎ ከም ዘሎ ከገናዝብ ጀመርኩ’ሞ እዞም ኣብ ደገ ዘለዉ ኤርትራውያንሲ ሓቃቶም’ዮም ክሳዕ ሕጂ ነዚ ሃገርና ኣባዲሙ ህዝብና ዘጽንት ዘሎ ምልካዊ ጉጅለ ዝድግፍዎ ዘለዉ! ብምባል ብጥፍኣት ናይ ብዙሓት የዋሃት ኤርትራውያን ብምሕዛን፡ ናብተን ሽመይ ክነግረን ዝጽበያኒ ዝነበራ ኣደይ ወጋሕታ ምልስ ኢለ፡ ኣነ ተስፋማርያም’የ ዝብሃል ኣደይ ወጋሕታ በልኩወን።
“ኣበይ ድኻ ትሰርሕ ተስፊት ወደይ? ተማሂርካ ድኻኸ?” ድማ በላኒ ቀው ኢለን ዓይኒ ዓይነይ እናጠመታ። እወ ተማሂረ’የ። ኣብ ሆስፒታል’የ ዝሰርሕ። ናይ እንስሳታት ሓኪም’የ። ምስ በልኩወን፡
“ሕራይ ጽቡቕ። ተስፊት ወደይ፡ ኣቦታትና ክምስሉ ከለዉ እንታይ ይብሉ ይመስለካ፥ ‘ካብ ምህሮስ ኣእምሮ!’ እዮም ዝብሉ። ሓቃቶም’ዮም። ኣነ ኣደኻ እኳ ብዘይካ ስመይ ካልእ ጽሒፈ ዘየንብብ ማሃይም ክነሰይ፡ ኣካይዳ’ዚ መንግስቲ ከስተውዕል ዝኸኣልኩስ ንስኻ ክሳዕ ዶክተር ትበጽሕ ተማሂርካ ከለኻ በዚ ክትደናገር ኣታ!? ዘሕፍር’ዩ!” ምስ በላኒ ገጸን እስር ኣቢለን። ኣይተርደኣንን ኣባሃህላኽን ኣደይ ወጋሕታ፡ በልክወን ርእሰይ ንየማነ ጸጋም እናነቕነቕኩ።
“ከመይ ኢሉ’ሞ ክርደኣካ? እንተ ዝርደኣካስ ከምዚውን ኣይምበልካንን።” ምስ በላኒ ደጊመን።
ኖኖ፡ ኣባሃህላኽን እኮ’ዩ ዘይተረደኣኒ ኣደይ ወጋሕታ። በልኩወን ኣነውን ደጊመ።
“ፈሊጠ። ኣበሃህላይ ኣይተረደኣካን’ወ። ከመይ ጌሩ ክርደኣካ! እንታይ ድኻ ትብለኒ ዘለኻ ዝወደይ? እንታይ ከም ዝበልካኒስ ኣይተረደኣካን? መንግስቲ ከተማን ገጠራትን ንምድልዳል፡ ንከተማታት ምዕናው፣ ጋግ ሃብታምን ድኻን ንምጽባብ ድማ ንሃብታማት ኣብ ምጥፍእ ንዝወሰዶ ኣዕናዊ ስጉምቲ እኮ ኢኻ ቅኑዕ’ዩ ትብለኒ ዘለኻ።! ኣንታ! እምበርዶ ነስመራ ቅድሚ ናጽነት፡ “ኣስመራ ጻዕዳ” ክትብሃል ከላ ትፈልጣ እኻ!? ኣንታ ሎሚ’ኮ ዓዲ ግራት ትበልጽ ካብኣ! ድሕሪ 30 ዓመት ተመሊሸ ምስ ረኣኹዋ’ኮ ‘አይ አይ ኢለ’የ ኣልቂሰላ!’ ኣስመራ’ኮ ቅስሚ ህዝቢ ኤለትርያ እያ! እዚ ሰብኣይ’ዚ ከኣ ቅስምና’ዩ ዝሰብር ዘሎ! ብኣኣ እኮ ኢና ንንየት ነርና!” በላኒ እተን ጨምጫማት ግን ከኣ ኩሑላት ኣዒንተን ናብ ግምባረይ ተኺለን።
“ደሓር ከኣ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከተማ ኣስመራ ዝስተ ማይ ስኢኑ፡ ቦጣት ኣብ ጐደናታት ዘርጊሑ፡ ኣብ ግዳም እናሓደረ ከሎ፡ ኣብ በረኻታት ባርካ ዝርከቡ፡ ካብ ሩባ ናብ ሩባ እናተዛዋወሩ ማሎም ዝጓስዩ ሚእቲ ዘይበጽሑ ሰባት፡ መታን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ከእትዎም ኢሉ ‘ንዑ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ጽሩይ ማይ ቀሪበልኩም ኣለኹ’ እናበለ ብገበርቲ ሰናይ ዝተዃዕተ ዒላ ኣብ ተለቪዥን እናርኣየ፡ ‘ንህዝቢ ርሑቕ ገጠራት ጽሩይ ማይ ዝስተ ቀሪበ’ እንተ በለስ፡ ነዚ ድኻ፡ ሃብታምን ድኻን ምድልዳል ሓሲብካዮ!? ኣብ መዓልቲ ኣማኢት መኻይንን ኣሻሓት ሰባትን ክንቃሳቀሱሉ ዝውዕሉ ጽርግያታት ከተማ ኣስመራ ሩባ መሲሉ ከሎ፡ ኣብ ኣጻድፍ ፍሸ ምራራ፡ ኣብ ወርሒ ዓሰርተ መኻይን ዘይንቀሳቀሳሉ ጽርግያ ስለ ዝሰርሐስ፡ ነዚ ከተማን ገጠርን ምድልዳል’ዩ ኢልካዮ!? ብኣሻሓት ዝቑጸር ኣብ ርእሰ ከተማ ሃገር ዝነብር ህዝቢ፡ ግቡእ ዓይኒ ምድሪ ብምስኣኑ፡ ብቀልቀልን ሽንትን ንሕማም እናተቓልዐ ከሎ፡ ኣብ በረኻ መጎራይብ መንግስቲ ዝኣክል ን50 ገባር፡ ጉድጓድ ኩዒተ፡ ‘ዓይኒ ምድሪ ሰሪሐ’ እንተ በለስ፡ ነዚ ምምዕርራይ ሓሲብካዮ!? ኣንታ! ኣይምሁር እንድኻ፡ ቊሩብ ዘይትሓስብ?” ምስ በላኒ ሽክና ርእሰን ደጋጊመን ንየማነ ጸጋም እናነቅነቓ።
ጽቡቕ ኣለኽን ኣደይ ወጋሕታ፡ ሓቂ ይሓይሽ ከምዚ ኢለስ ኣየመዛዘንኩን። ብዛዕባ ሽግር ሃገርና እንተ ተዛሪብና ግን ብሓቂ እዚ ቀቀሊሉ’ዩ ክብሃል ዝከኣል! እቲ ጸገም መወዳእታ የብሉን። ኣውዒሉ ከሕድረና’ዩ! ካልእውን ኣሎ ካብዚ ዝኸፍአ ሽግር ዘየልዓልናዮ! ኤርትራዊ ሎሚ ካብ እንስሳ፡ ማለት ካብ ጤለ በጊዕ ንታሕቲ’ዩ ሓሲሩ ዘሎ! ብህይወቱ እናረኣየ እናሰምዐ ኩሊቱ ጠቢሕካ ብምውጻእ፡ ኣብ ዕዳጋ ይሽየጥ ኣሎ! ብተደጋጋሚ ስለ ዝተዘርበሉ ግን ከም ኖርማል ፍጻመ ኪረአ ጀሚሩ ስለ ዘሎ፡ ከም ንቡር ከይውሰድ ዘፍርሕ’ዩ። ምስ በልኩወን።
“እሞ እንታይ ደኣ ትብል ኣለኻ ዝወደይ? ሎሚ’ኮ ኣብዛ ዓድና ዘይተነግረ’ምበር ዘይተገብረ የለን። እቲ ወለድና ዘዘንተዉልና ግዝኣት ቱርኪውን ከምዚ መሪር ነሩ ክንብል ኣይንኽእል እና። ናይ ሎሚ’ኮ መዘና የብሉን ዝወደይ። ብውሑዱ ሻቡስ፡ ወለዲ ዉሉዶም ሓቊፎም’ኳ ይነብሩ ነሮም። ብውልዶም ኣዕሪፎም፡ ገርሁኦም ኣላሳሊሶም ብምዝራእ ከኣ ቀለብ ዓመቶም የእትዉ ነሮም’ዮም ዝወደይ! ሎሚኸ? ቀለብ ወርሒ’ኳ ኣይረኽቡን ኣለዉ! ጎበዝ ዱኻ መሬት ዶዃዕኳዕ ኣቢሉ ብምሕራስ፡ ዘይዘረኦ ግራትከ ከመይ ኣቢሉ’ዩ ፍረኡ ክህብ? በቃ ኣደዳ ጻህያይ ኮይኑ፡ እኽሊ ሃጒጉ’ዩ ዝተርፍ ዘሎ! ከምዚ ከማይን ከማኻን ኣብ ሰላምን ራህዋን ዘሎዎ ዓዲ እንነብር ዘለና ሰቦም፡ ነርና ነርና ወስ እንተዘይነብሎሎም’ኮ ቀደም መይቶም ምሃለዩ!”
ከመይ ጌሩ ህዝቢ ጸጊቡ ኪሓድር
ኣራዊት ነጊሱ ኣፍረይቲ ዝሕይር!
ብኸመይ መንገድስ ክትምዕብል ኤርትራ
ምልኪ እናገዛኣ ዘይብሉ *ሓገራ!        *ትልሚ፡ ውጥን፡ ባህጊ፡ ሓሳብ
በየናይ ተኣምር ክትጭብጦ ራህዋ
ዘዝመልመለቶም እናራሕርሑዋ!
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 17-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • selam March 17, 2013

    Mesinas – lack of water, electricity and other social services in Asmara and some cities is just the tip of the problem.

    I hope in your next article, you will address the crux of the Eritrean problem – issues of human right and democracy! I think Eritreans would tolerate lack of development had they have a democratic system.

    But what can be said? Eritreans themselves contributed to this crisis. Until they woke up recently, they worshiped EPLF/PFDJ and its reckless dictator! This leadership can not live in peace mode. To exist, it needs ‘war mode’.

    That is what dictators are! They have no ear to democracy so they have to create enemies everywhere and fight everyone. They are always in retaliation mode. The worst is yet to come. Does anyone know why Isayas is refusing to talk to the new PM of Ethiopia. He has yet to retaliate TPLF for ‘Operation Sun Set!!! He is gathering every Ethiopian opposition, in particular TPDM. Most of TPDM are not even Tigreans but other Ethiopians and good number of Eritrean Defense Forces!

    Eritreans and Ethiopians, Tigrigna speakers in particular on both sides of the river, will have yet to pay more price to satisfy the bloodshed and evil spirit of spirit! Count on this and time will prove whether I am correct or wrong!!!

  • senay March 18, 2013

    I am not sure whether to complement you or feel sorry for your unfortunate remarks. I am sure you wrote this article with good intention. But good intentions sometimes could get in a way of your main message. I was impressed with the clarity and consciousness of the mother who earned a title “Ade”. Despite she is illiterate; she was able to articulate the desperate situation back home eloquently. For me that was sort of a fresh air for a change, since most women are exploited for their good heartiness and emotionally manipulated for dubious purposes.

    Thus, your use of an elderly woman to narrate the sad state of Eritrea was brilliant until you became a little bit over zealous. The good woman said, she took her children to Eritrea and she was too embarrassed to tell them that this is their homeland for lack of electricity and she has to cut her vacation short. When I read that line, many questions just jumped off my head. How can a grown woman with the title “ade” end up with small children (which is biologically impossible)? how do you fly kids from Europe to Eritrea without preparing them? When she flew the kids to Eritrea, did they meet their relatives or they were locked in a suitcase for two weeks? How do you end up with kids who cannot tell between Eritrea and Disney Land? Whose fault is it to raise such mindless kids filled with fairy tales? Did she neglect her kids while she was consumed with Eritrean problems? And many, many….. more …..

    This is very tiring. Embellishing stories doesn’t help your cause. it simply derails the main message. Also please, do not assume that all readers enjoy fairy tales either. Please give your readers some credit.

    Thanks,

  • Amir Akeza April 18, 2013

    Your critics are valid from literature perspectives. But the writer reflected the following facts: A little consciousness than attending academic classes. Many educated individuals are observed not to accept reality in Today’s Eritrea for whatever motives they may have by blindly blessing, justifying and stubbornly standing for all the indefinite blunders being committed. It is my advice they remain silent and passive, if they have worries to tell the truth. Dear Senai, Don’t you think that the reader can possibly that the “Ade” was with her grandchildren? I have the reservation that literature based critics like this may detract the intention of the active contributors from the real national agenda that should focus on concerted efforts towards fixing the problems before everything is late and see the demise of the national integrity.

POST A COMMENT