Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽባሕ ከይከልእዎም! – ካልኣይ ክፋል፥

ጽባሕ ከይከልእዎም! ካልኣይ ክፋል፥ ‘ናይ ደሓን ደኣ’ሞ ብንግሆኡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ትኸዳ ኣለኽን?’ በልኩወን ደጊመ ብምሕታተይ እናተሰከፍኩ። “እዋእ! ብደሓንዶ ትኸዶ እኻ ነዚ ሽግረኛ መንግስቲ’ዚ፡ ነቲ ጸኒሑ ዝፈጥረለይ ሽግር ክፈትሕ’ምበር!” ምስ በላኒውን ነቲ ጽሙእ ገጸን ጸዊገን፡ ‘እንታይ ሽግሩ?’ በልኩወን

ጽባሕ ከይከልእዎም!
ካልኣይ ክፋል፥
‘ናይ ደሓን ደኣ’ሞ ብንግሆኡ ናብ ኤምባሲ ኤርትራ ትኸዳ ኣለኽን?’ በልኩወን ደጊመ ብምሕታተይ እናተሰከፍኩ።
“እዋእ! ብደሓንዶ ትኸዶ እኻ ነዚ ሽግረኛ መንግስቲ’ዚ፡ ነቲ ጸኒሑ ዝፈጥረለይ ሽግር ክፈትሕ’ምበር!” ምስ በላኒውን ነቲ ጽሙእ ገጸን ጸዊገን፡ ‘እንታይ ሽግሩ?’ በልኩወን ቅልጥፍ ኢለ።
“ክልተ ካብ ሚእቲ (2%) ናይ ደቀይ ክኸፍል ይኸይድ ኣለኹ”
‘እዋእ! ደቅኽን ደኣ ባዕላቶም ዘይከፍሉ? ደሓር ከኣ ክልተ ካብ ሚእቲ ምኽፋል ደኣኸ እንታይ ዘሸግር ኣሎዎ?’ በልኩወን ግርህ ኢለ።
“ኦይ! ንሳቶም ደኣ ከመይ ጌሮም ክኸፍሉ፡ ኣይተማሃሮ እንድዮም” ምስ በላኒ ደረቕ ፍሽኽታ ኣሰንየን፡ ‘ተማሃሮ ደኣሞ ካብ መዓስ ክልተ ካብ ሚእቲ ይኸፍሉ?’ ሓተትኩወን።
“እዋእ! ምኽፋልስ ኣይከፍሉን’ዮም እወ፡ ግን ከምዚ ትሪአና ዘለኻ ኣደታትኩም፡ ኣብራኽና ክሳብ ደው ምባል ዝኸልኣና ኣቑሑት እንዳማትና ሓጺብናን ሳንቲም ወዲ ሳንቲም ኣዋሊድናን ዝሰራሕናዮ ገዛ፡ ብሰንኪ’ዚ ጠገለ ዘይብሉ፡ ሕሰም ዝሕላገቱ ኣብ ሃገርና ዘሎ መንግስቲ፡ ናብ ዓድና ተመሊሽና ከይንሰፍሮ፡ ትርእዮ ኣለኻ ህጻን ተሓዚሉ፡ ኣራጊት ምስ ምርኩሱ፡ ካብ ሃገሩ ይስደድ ኣሎ። ንኣኣቶም ዘይጠዓመቶም ዓዲ ኸኣ ንኣና ክትጥዕመና ኣይትኽእልን’ያ። ኮይኑ ተሪፉ እዚ ሰብኣይ’ዚ ከማና ኣሪጉ ምስ ሞተ፡ ብድሕሬና ደቅና እንተ ሰፈርዎ ኢለ’የ ሕጂ ክኸፍል ዝኸይድ ዘለኹ” በላኒ ካብ መዓሙቕ ልበን እናኣተንፈሳ። ‘እዋይ! ኣንትን ኣደይ ወጋሕታ መዓረይ እንታይ ጌርናክን፡ ቅድሚኡ’ባ ይርህወና ይኸውን። ከምኡ ኣይትበላ። ደሓር ከኣ እቲ ክልተ ካብ ሚእቲ’ኮ ንኣኽን’ምበር ንደቅኽን ኣይምልከትን’ዩ። ስለዚ ሕጂ ናታቶም ዘኽፍል ምኽንያት እንታይ ኣለክን!?’ ምስ በልኩወን።
“ኣየ ንስኻ፡ ኣነውን’ኮ ስለ ዝምልከተኒ ኣይኮንኩን ዝኸፍል ዘለኹ። ስለ ዝተገደድኩ’ዩ!” ምስ በላኒ፡ ‘ኣይፋሉን፡ እንታይ ግዴታኡ፡ ንሕና ደኣ ብሕልና’ምበር ብግዴታ መዓስ ኴንና ነታ ብሰሪ መግዛእቲ ዝዓነወት ሃገርና ዳግም ንምህናጽ፡ እጃምና ነወፊ ዘለና!’ ምስ በልኩወን፡
“ኣንታ መንእሰይዶ ኣይኮንካን እኻ!? ህሉው ዘይተጋናዝብ! እ? ልክዕ’ዩ ፈለማ ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ዝኸውን መሺሉና ሕሉብናን ንጹፍናን ንሃገርና ኣወፊና። እንተኾነ እታ ክትህነጽ ዝደለናያ ሃገርን እቲ ክሓልፈሉ ዝሓገዝናዮ ድኻ ህዝብናን ካብቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዝነበሮ ሕሰም፡ ብዕጽፊ ክብእሶ’ምበር ክቃለለሉዶ ትሪኦ ኣለኻ እኻ!?” ምስ በላኒ ዕትብ ኢለን፡ ‘ንሱስ ሓቅኽን ዘምጽኦ ለውጢ የለን! የግዳስ መንግስቲ ተጻብኦ ስለ ዝበዝሖ፡ ቀሲኑ ኣብ ልምዓት ስለ ዘይተዋፈረ ስለ ዝኾነ’ዩ እምበር ካልእ ኣይኮነን ኢለ’የ።’ ምስ በልኩወን።
“ኣንታ ወደይ ኣባሎም ድኻ?” በላኒ ገጸን እስር ኣቢለን።
‘ኣነ? ኣይኮንኩን።’ መለስኩ ቅልጥፍ ኢለ።
“እሞ እንታይ ደኣ እቲ ንሳቶም ወገሐ ጸብሐ ዝነግሩና ጽውጽዋይ ትደግመለይ ኣለኻ? ሰብዶ ኲናት፡ ወራር፡ ክተት… እናበለ መዋእሉ ይነብር’ዩ!? ሕራይ ደሓን ከኣ ኣብ ግዳምስ ጸላእቲ ይሃልዉዎ ንበል፡ ኣብ ውሽጢኸ ኣታ? ንሕና እንታይ ስለ ዝገበርና እና ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት ከም ዝብሃል፡ ብኹሉ ምሉ ሓኒቑ ሰላም ዝኸልኣና? ካባና ሓሊፉ ናብ ደቅና ስለ ዘርከበ እኮ ኢና ጽባሕ ንግሆ ብድሕሬና ነቲ ደቅና ኣዕሪቕናን ንነብስና ከይተረኣናን ዝሃነጽናዮ ገዛ፡ ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይከፈልኩምን ኢሎም ከይከልእዎም ብጋንኡ ክንከፍል ንኸይድ ዘለና!” ምስ በላኒ፡ ‘እዋእ!’ በልኩወን ብስንባደ። ‘ጽባሕ ንግሆ ብድሕሬኽን ‘ክልተ ካብ ሚእቲ ኣይከፈልኩምን’ ኢሎም ገዛ ወላዲቶም ንደቅኽን ከይከልእዎም ኢልክን ኢኽን ሕጂ ክትከፍላሎም ትኸዳ ዘለኽን!?’ በልኩወን ተገሪመ ዓይኒ ዓይነን እናጠመትኩ።
“እወ። እንታይ ደኣ፡ ገንዘብ በዚሑኒ መሹሉካ? እምበርከ ወዮ ደኣ ገንዘብ ስለ ዘውጻእናሉ ኢና’ምበር ልቺ፡ ማይ፡ ሽቓቕ፡ ተለፎን ይኹን ጽርግያ ዘይብሉ ገዛስ ሰብ ክነብሮዶ ይኽእል’ዩ መሹሉካ?” ምስ በላኒ ብምግራም፡ ‘ስለምንታይ ደኣ እዚ መሰረታዊ ዝኾነ ትሕተ ቅርጺ ዘይብሉኸ? ውዕልክን ምስ መንግስቲ እንታይድዩ ነይሩ?’ በልኩወን ህውኽ ኢለ።
“እዋእ! ውዕልና ደኣ ንኹሉ ኣማሊኦም፡ ጐደና ጸሪጎም ብቕጥራን ብምልባጥ፡ መልክዕ ከተማ ኣትሒጆም፡ ኩሉ ዘማልአ ገዛ ጌሮም ከረክቡና’ዩ ነሩ። ንኸምኡ ኢናውን ኣሻሓት ዶላራት ከፊልናሉ። ግን እንታይ ክንብል! ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ ኮይኑና፡ ነገሩ ኣርሚሙና! እነናልካ ዕጹው ገዛ ካብ ሰረቕቲ ክንሕሉ ዳሕራዩ ከፊኡና! ኣብ ጸገም ንነብር ኣለና! ምዃን ከኣ ይመስገን ፈጣሪ! ካብቶም ብድሕሬና ዝተዓሸውስ ንሕና ንሓይሽ! ናትናስ’ኳ ብውሕዱ ህንጻኡ ተፈጺሙስ መፍትሕ ተረኪብና። እቶም መሰረት ሰሪቶም ፍርቂ ምስ ኣብጽሕዎ ዝኸልከሉዎምከ እንታይ ይበሉ? ይዋኣዮም መሳኪን!” በላኒ ከናፍረን እናረምጠጣ። ‘ዝገርም’ዩ! ተጨውዮም መሳኪን! ግን’ኮ ኣደይ ወጋሕታ፡ እዚ ሽግር’ዚ እኮ ብሰንኪ እቶም ዋላ ሓንቲ ክእለት ዘይብሎም ‘ነዳቖ ኢና! ተኾናተርቲ’ ኢና!’ ኢሎም ሰባት ዘዳናገሩ ውልቀ ሰባት ዝተፈጥረ ሽግር’ዩ እምበር መንግስቲ ዘምጽኦ ኣይኮነን።’ ምስ በልኩወን።
“ኣንታ ወደይ እንታይ እኻ ኴንካ? ዜርካ ዜርካስ ናብታ ዳዊት ናይዚ መንግስቲ ትምለስ? ባዕልኻ ኩነታትን ፍጻመታቱን ኣገናዚብካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ገምጋም ክትወስድ ኣይትኽእልን ድኻ? ከመይ ገሩ’ዩ ብሰንኪ ሓደ ክልተ ዉልቀ ሰባት ህንጸት ሃገር ምሉእ ደው ዝብል? እንታይ ዘረባኡ’ዩ እዚ!? ነዚ ዘይንቡር ነገር’ምበር ንቡር ወሲድኩሞ! ከምዚ ትብሎ ዘለኻ ዝገበሩ ዉልቀ ሰባት እንተልዮም እውን’ኮ ንኣኣቶም ናብ ሕጊ ኣቕሪብካ ዝግብኦም እርማት ብምሃብ፡ ብኻልኦት ከተስርሖ’ዩ ዝግባእ!” በላኒ ቁጥዕ ኢለን መመልከቲቶ ኣጻብዕተን ናባይ እናኣወጣወጣ።
‘ጽቡቕ ኣለኽን ኣደይ ወጋሕታ። ከምኡ ክግበር ምተኻእለ’ወ። እሞ ነዚ ኩሉ ሽግር ሃገርና ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብላ?’ በልኩወን ብኣድናቖት ዓይኒ ዓይነን እናጠመትኩ። ብልበይውን ኣየ ኣደታት ኤርትራ፡ መቸም ንኣኻትክን ብግቡእ ዝፈልጥ ሰብ፡ ከማኻትክን ዝበለት ጓል ኣንስተይቲ ኣብዛ ንነብረላ ዘለና ዓለም ኣላ ኢሉ ኣፉ መሊኡ ኪዛረብ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ፡ ፍጥር ካብ ትብላ ኣትሒዝክን፡ ኣይ ካብ ትምህርቲ፡ ኣይ ካብ ምዑዝ ምግቢ፡ ኣይ ካብ ቅሳነት፡ ብኹሉ ሰብኣዊ ጠለባት ተወጺዕክን ዝዓበኽንን ዘለኽንን ክንስኽን ልዕሊ’ተን ብምቾት ዝነብራ ቅሱናት፡ ሕንቁቓትን ምሁራትን ክትሓስባን ክትሰርሓን ምርኣይ፡ ዘየደንቕ ኣይኮነን በልኩ። ነቲ ካብ ቲቪ ኤረ፡ ድምጺ ሓፋሽን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራን ርእየ፡ ሰሚዐን ኣንቢበን ዝረኸብኩዎ ቃላት ፕሮፖጋንዳ ህግደፍ፡ ድኹም ኣፍልጦ ሒዘ ክምጉተን ምፍታነይውን ኣመና ኣሕፈረኒ! ንሓንቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ገለ መርበብ ሓበሬታ ኤርትራውያን ዘንበብኩዋ ከምዚ ትብል ግጥሚ ዘኪረ ኸኣ ብልበይ ንገለ ክፋላ ደገምኩዋ።
ናብራ ናይዚ ህዝቢ ከምኣ ኢላ እንድያ ዘላ
ዝጠመየት ከብዱስ መዓስ ተዓንጊላ
ቅድሚ ዕስራ ዓመት ዘስፈያ ነጸላ
ቅያር ከይረኸበት ኣብ ዝባኑ ኸላ
መሮር እናውዓለ ከናዲ *ደገላ     *ኣብ መሮር ባዕሉ ዝበቊል ዓነት ዳጒሻ
ሓሊፍሉ ትብል ወይልኻ ጒሒላ
መሬት ክትርሁ’ያ ጽባሕ ንእኡ ኢላ!
3ይ ክፋል
ይቕጽል፥
ካብ ሓውኹም መሲናስ 15-03-2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT