Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንመበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ርሑቕን ቀረባን ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጆሃንስበርግ ብምትእኽኻብ ብይኣክል ዝብል ቴማ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ብምዝታይ ጸንቢሎም። ኣብቲ ቀዳም

ጽንብል መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ

ኤርትራውያን ነበርቲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንመበል 28 ዓመት ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ርሑቕን ቀረባን ከተማታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ጆሃንስበርግ ብምትእኽኻብ ብይኣክል ዝብል ቴማ ብዛዕባ ጉዳይ ሃገሮም ብምዝታይ ጸንቢሎም። ኣብቲ ቀዳም 25 ግንቦት ዝገበርዎ ጽንብል፡ ኣብ ክልተ ኣርእስታት ዘተኮረ ክልተ ሰሚናራት ንተሳተፍቲ ቀሪቦም።

መጀመርያ ዝቐረበ ሰሚናር ብዶር ኣዳነ ገብረመስቀል ጂኦ ፖለቲካ ናይ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ናይ ሰላም ስምምዕ ዝፈጠሮ ሓዲሽ ኩነታትን፡ ብኸመይ ነዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስን ነቲ ኣብ ኤርትራ ክመጽእ ንደልዮ ለውጢን ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ክጸልዎ ይኽእል ብዝብል ኣርእስቲ ዝቐረበ እዩ ነይሩ።

ኣብ መግለጺኡ ዶር ኣዳነ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ገለ ዓመታት ብምኽንያት ኣብ የመን ዝተባርዐ ኩናት ብዙሓት ሃገራት ናይቲ ዞባ ይኹና ሓያላን መንግስታት ረብሓታተን ንምሕላው ኣብቲ ውግእ ይቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ጣልቃ ኣትየን ይርከባ። እዚ ድማ ነቲ ነዳድን ካልእ ናይ ንግዲ ኣቅሑ ዝመሓላለፉሉ ወሽመጥ ባብ ኤልመንደብ ዘይተደልየ ሓይሊ ከይቆጻጸሮን ንቀረብ ነዳዲ ኣብ ዓለምና ከየመዛብልን ዝብል ፍርሒ ዝተሓወሶ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል። ስርዓት ኢሰያስ ኣብዚ ኩናት የመን ኢዱ ኣርሲሑ ከምዘሎ ኩላትና ክንግንዘቦ ዘሎና እዩ። ምስተን ዞባዊ ሓይልታት እንታይ ዓይነት ውዕላት ይገብር ኣሎ? ብኸመይከ ንኤርትራን ረብሓታታን ብኣወንታዊን ኣሉታውን ይጸልዎ ዝብል ሕቶ ክንሓትት ኣገዳሲ ይኸውን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ናይ ሰላም መስርሕን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ናይ ኢሰያስን ዶር ኣብዪን ግልጹነትን ትካላዊ ኣሰራርሓ ዘይተኸተለን ምሕዝነትን፡ ጉዳይ ህወሓት፡ ጉዳይ ዘይምሕንጻጽ ዶብ፡ ካልእን ንኤርትራዊ ኣሻቒልዎ ዝርከብ ጉዳይ ከምዝኾነ፡ እዚ ኹሉ ኣብ ግምት ኣትዩ ከኣ ነቲ ንደልዮ ዝሓሸ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ንምምጻእ ብኸመይ እዚ ናይ ይኣክል ምንቅስቓስ ተወዲቡ ነዞም ኣብዚ ጂኦ-ፖለቲካ ናይቲ ዞባ መሪሕ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ባእታታት ረኺቡ ኣብ ነዊሕ ዝጠመተ ረብሓን ሰላምን ናይቲ ህዝብታት ዘተኮረ ስምምዓት ዝኽተመሉ ዕድላት ንምፍጣር ካብ ሕጂ ኣብ ኣጀንዳኡ ኣእትዩ ክሰርሓሉ ከምዘለዎ ኣገንዚቡ።

እቲ ካልእይ ሰሚናር ከኣ ብኣቶ በረኸት ገብሩን ዶር ሚኪኤል ባይሩን፥ ማሕበራዊ ጥምረት ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ኮይኑ ጽሟቕ ትሕዝቶ ከምዚ ዝስዕብ ነይሩ። ሓደ ሕብረተ-ሰብ ስጡምን ጥሙርን ክብሃል እንተዀይኑ ንናይ ኣባላቱ ድሕነት ዝሰርሕ፡ ንተንጽሎ ዝቃለስን ዘየፍቅድን፡ ኣንጻር ምፍልላይ ዝሰርሕን ንነፍሲ-ወከፍ ኣባል ብኹርዓት ኣካል ናይ’ቲ ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ምዃኑ ብምግላጹ ዘሐብንን ኢዩ። ሓደ ጥዑይ ሕብረተሰብ ሓቢሩን ተኸባቢሩን ብምትሕልላይን ስለዝነብር ኣባላቱ ዝወሓደ ናይ ሕድሕድ ምርጻም ዕድል ኣለዎም። ማሕበራዊ ጥምረት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ምዕዋት ናይ ሓባር ዕላማ ብምትእምማን፣ ብስጥመትን ብዋንነትን ይሰርሕ። ነዚ ጥምረት ክመጽእ ዝሕግዝ ከኣ እቶም ኣባላት ማሕበራዊን፡ ቁጠባዊን ሽግራቶም ንምፍታሕ ሓቢሮም ክሰርሑ ምስ ጀመሩ መን እንታይ ኣለዎ እንታይከ ይጎድሎ ብቐሊሉ ክግንዘቡ ክመላልኡን ይኽእሉ። እዚ ድማ ምትእምማን ፈጢሩ እቲ ሕብረተሰብ ዝለዓለ ቁጠባዊ ሓይሊ ክድልብ ይድርኽ። ሓደ ቁጠባዊ ሽግራቱ ዝፈትሐ ሕብረተሰብ ከኣ ንዝኾነ ዝገጥሞ ፖለቲካዊ ሽግር ብስጡም ሓሳባትን ብውሕሉል ኣገባብን ኣብ ሓጺር ግዜን ብዝወሓደ ክሳራን ናይ ምፍዋስ ብቕዓት ከምዘለዎ ተገሊጹ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ካብዚከ ናበይ ኣብ ዝብል ሓሳቦምን ርእይቶታቶምን ኣካፊሎም። ኩነታት ሃገርና ናይ ህጹጽ (emergency) እዋን ምዃኑ ተገንዚብና ነቲ ንገብሮ ስጉምቲ ድማ ህጹጽነት ተሰሚዑና፡ ብዝተዓጻጸፈ ተወፋይነት ከነተግብሮ ክንጅምር ተላብዮም። ስርዓት ህግደፍ እቲ ቀንቲ ከም መናውሒ ዕምሩ ዝጥቀመሉ ሜላ ማሕበራዊ ጥምረት ናይ ኤርትራውያን ምድኻም ምዃኑ ካብ ኣለለናዮ፡ ሕጂ እምበኣር ንማሕበራዊ ጥምረትና ዘደንፍዕ ግብራዊ ስጉምቲ ክገብሩ ከምዘለዎም ተሰማሚዖም።

 

ኣማኻሪት ሽማግለ

ግንቦት 30 – 2019

ጆሃንስበርግ – ደቡብ ኣፍሪቃ

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT