Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፈስቲቫል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣትላንታ ብተሳታፍነት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሰሜን ኣመሪካ እንተላይ ካናዳ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን ትማሊ 3 ነሓሰ ድሕሪ ቀትሪ ተኸፊቱ።

  ስቲቫል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣትላንታ ብተሳታፍነት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሰሜን ኣመሪካ እንተላይ ካብ ካናዳ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን ትማሊ ዓርቢ 3 ነሓሰ 2018 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድሕሪ ብኣቦ ወንበር ኤርትራውያን ኣመሪካውን ኮሚኒቲ ኣትላንታ፡ ኣብ ኣዳራሽ

 

ስቲቫል ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኣትላንታ ብተሳታፍነት ካብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሰሜን ኣመሪካ እንተላይ ካብ ካናዳ ዝመጽኡ ግዱሳት ኤርትራውያን ትማሊ ዓርቢ 3 ነሓሰ 2018 ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ድሕሪ ብኣቦ ወንበር ኤርትራውያን ኣመሪካውን ኮሚኒቲ ኣትላንታ፡ ኣብ ኣዳራሽ Eritrean American Community Centre Atlanta ብወግዒ ተኸፊቱ ይቕጽል ኣሎ።

እቲ ሎሚ 4 ነሓሰ `ውን ቀጺሉ ዝውዕል ፈስቲቫል; ብቐጥታ ኣማኻሪት ጥዕና መንእሰይ ኣድሓነት ዘርኣብሩኽ ኣብ ኦቲዝምን PTSD ን ብምትኳር ብዘካየደቶ ጥዕናዊ ሰሚናር እዩ ንጥፈቱ ጀሚሩ።

ኣብቲ ብዝርርብ ተሳተፍትን `ታ ኤርትራዊት ኣማኻሪትን ጥዕናን ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ወለዲ ካብ ቀጥታዊ መክሮኦም ዝተበገሰ ሕቶታት ብምቕራብ መረዳእታን ምኽርን ረኺቦም። ኣማኻሪት ጥዕና ኣድሓነት ኣብ መወዳእታ፡ ኤርትራውያን ወለዲ ኣብ ኩነታት ጥዕና ደቆም ግዱሳት ኳ እንተኾኑ፡ ሓገዝ ዝርከበሉ ማእከላት ብግቡእ ካብ ዘይምልላይ፡ ብናይ ቋንቋን ያታዊ ዕቃበታትን ዕንቅፋታት፡ ብዓውታ ሓገዝ ካብ ምሕታት ከምዝቑጠቡ ብምጥቃስ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታት ነቲ መጻኢ ምዕባለ ደቆም ዘዐንቅፍ ዓይነት ሕማማት ካብ ምፍዋስ ክዓግቶም ከምዘይግባእ ኣዘኻኺራ።

ካብዚ ቀጺሉ ብኣላይነት ጋዜጠኛ ቴድሮስ መንግስቱ ዝተኻየደ እንተላይ ካብ ካናዳ ዝመጽኡ ወከልቲ ፖለቲካውያን ውድባት ዝተሳተፉዎ ዘተ፡ ተሳተፍቲ ዕላማን ምንቅስቓስን ውድባቶም ብመንጽር ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ከብርሁ ዕድል ተዋሂቡዎም። ተሳታፊ ህዝቢ፡ ውድበይ ውድብካ ገዲፎም ብስምረት ክሰርሑ ንዘቕረበሎም ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ብኣውንታ ብምቕባል ከኣ፡ ውሳኔ ክወስዱ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም።

ንምሸቱ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝርከቡ ሓያለ ውሩያት ስነጥበባውያን ንተሳተፍቲ ፈስቲቫል ብዝተፈላየ ሃገራዊ ዜማታት ኣዘናጊዖም።

ፈስቲቫል ኣትላንታ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ናይ ሎሚ ቀዳም መደቡ ዘተ ሲቪካውያን ማሕበራት ዘጠቓለለ ጽዑቕ መደባት ብምክያድ፡ ሎሚ ቀዳም `ውን ንተሳተፍቲ ሰፊሕ ናይ ሙዚቃን ትልሂትን እንግዶት ብምቕራብ ክዛዘም እዩ።

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT