ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰለስተ ኣንቴኖቭ ነፈርቲ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ሰሙናት ኣሕሊፉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰለስተ ኣንቴኖቭ ነፈርቲ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ሰሙናት ኣሕሊፉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ኣረጋጊጾም። እተን ኣንቴኖቭ ዝዓይነተን ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸዓና ነፈርቲ ጸላም ተጎልቢበን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሓይሊኣየር ኤርትራ

ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብሰለስተ ኣንቴኖቭ ነፈርቲ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ሰሙናት ኣሕሊፉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ኣረጋጊጾም።

እተን ኣንቴኖቭ ዝዓይነተን ፍሉይ ኣሃዱ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝጸዓና ነፈርቲ ጸላም ተጎልቢበን ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ሓይሊኣየር ኤርትራ ከምዝዓረፋ እቶም ምንጭታት የረድኡ።

እቲ ሓበሬታ ካብ ዝበጽሓና ክልተ ሰሙን ኳ እንተሕለፈ፡ ከነረጋግጾ ግዜ ከምዝሓተተና ነዘኻኽር።

እቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ብዘይ ዝኾነ ቅጥዕን ወግዓውነትን ብኢደ ወነኑ ምስ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ርክብን ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ስምምዓትን ነቲ ምእንቲ ናጽነቱ ከቢድ መስዋእቲ ዝኸፈለ ህዝቢ ኤርትራ ኣቖጡዑዎ ብምህላዉ፡ ስልጣኑ ንምሕላው ካብ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ኢምፖርት ምግባሩ ብህዝቢ ኤርትራ ክጽወር ዘይግብኦ ኳ እንተኾነ ዘገርም ኣይኮነን።

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ዘለዎ ምትእምማን እናጥፍአ ዝመጽአ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቶም ኣብ ኤርትራ ዘሰልጥኖም ዝነበረ ከም ደምሒት ዝኣመሰሉ ዕጡቓት ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ሓለዋ ዶብን ግፋ ኤርትራውያን መንእሰያትን የዋፍሮም ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ንሱ፡ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ላል ዘበለሉ `ዶባት ከይተሓንጸጸ  ምስ ኢትዮጵያ ርክብ ምግባር ዘበት` ዝብል ፈኸራ ዓጺፉ ብውልቃዊ ውሳኔኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ሃንደበት ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ፡ ንኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣኪቡ `ድሕሪ ሕጂ ንስኻትኩም ኣይተድልዩን ኢኹም እዋንኩም ኣብቂዑ `ዩ` ከምዝበሎም `ውን ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ፡ እቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምስጢር ናብ ኤርትራ ዝጓርት ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቶም ህዝባዊ ሰራዊት ብዝብል መጸውዒ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብረት ኣዕጢቑዎም ዝነበረ ክሳብ 65 ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዝርከቡዎም ኤርትራውያን ብረቶም ከረክቡ መመርሒ ኣመሓላሊፉሎም ከምዘሎ `ውን ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

እቲ ብረት ናይ ምእካብ መስርሕ ብዞባ ማእከል ተጀሚሩ ከምዘሎ `ውን ተፈሊጡ።

እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናዕደምካ ዕጥቂ ኤርትራውያን ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ`ዚ `ውን ነቲ ውዲተኛ ኢሳይያስ ሓዲሩዎ ዘሎ ዘይምትእምማንን ፍርሕን ዘንጸባርቕ እዩ።

እቶም ቀደም ስልጣን ኢሳይያስ ንምሕላው ተገዲዶም ብረት ዝዓጠቑ ኤርትራውያን ግን፡ ኣብዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ብውዲት ኢሳይያስ ሃገሮም ብሰላሕታ ዝወረሉ፡ ናጽነት ኤርትራ ዝድፈረሉ ዘሎ እዋን ብረትና ኣይነወርድን ኢሎም ብምቅዋም ልኡላውነቶም ኣብ ምኽባር ክጥቀሙሉ እዩ ዝግባእ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሓደ ስድራ ሰለስተ ኣርባዕተ ኣሰዊኡ ዝረኸቦ ናጽነትን ዝዓቀቦ ልኡላውነትን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ውዲትን ጥልመትን ከዕንዎ፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ ነቲ ንወዱ ኣብርሃም ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ወራሲ ዓራት ክገብሮ ንነዊሕ እውን ብምስጢር ከሳልጦ ዝጸንሐ ውጥን ከግህድ ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ስቕ ኢሉ ፈዚዙ ምዕዛቡ ንገዛእ ርእሱ ጥልመት ሕድሪ ሰማእታት ኤርትራ ዘመልክት፡ መጻእቲ ወለዶታት ኤርትራ ብሕፍረትን ውርደትን ክዝክሩዎ ዝነበሩ ታሪኻዊ ዕዳ እዩ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Danilo October 9, 2018

    ሰላሕታ ወራር ብሓዲሽ መልክዕ ይካየድ ኣሎ።ይኹን እምበር እዚ’ውን ክሓልፍ እዩ።
    እሰያስ ክሞውት እዩ።ዓቢይ ኣሕመድ’ውን ኣሰር ሃይለስላሰን መንጉስቱን ክስዕብ እዩ።ብርግጽ!!!

    • Danilo October 9, 2018

      I am optimistic some devoted army offers will react very soon. Despite many grave yards a flower flourish on our land of promise.
      Death to Ethiopia, long live Eritrea. Any one who oppose me get hell!

      • Bini October 9, 2018

        And any one who support you go to heaven!!!!! Btw, which HELL do you belong to???

  • Futsum October 9, 2018

    Bud fate!

  • AHMED SALEH !!! October 9, 2018

    Sorry assenna
    Some times to consider unfounded rumors as true news can mislead readers .

  • Genet Original October 9, 2018

    is there is any reason for that type of aircraft to be in another country’s base in the dead of the night?

  • Simon G. October 10, 2018

    If this is true, I think it is, my beloved country is gone, again.
    It is pathetic.

    • Bereket S October 10, 2018

      Time to sing ‘don’t cry for me Argentina – don’t cry for me my beloved Eritrea’, finito/adios Erena!!

      • Danilo October 10, 2018

        No no, non ‘e! it is the opposite Ethiopia will die but not Eritrea. History speaks by it self. Once the people understand will fight for sacred existence. Here is the renewed slogan “ሓዲኣ ክትወልድ እያ”።

  • Wedi Hagher October 10, 2018

    There is no way to keep an Antonov plane offloading something in the middle of the night in Asmara. We have to be very careful in reporting military and security issues.
    An Ethiopian military intervention would be a grave and an unprecedented escalation.
    Ethiopians know very well what can follow …..
    Eritreans are scattered all over the world, but remain strongly determined to protect their country.
    Eritrean nationalism, despite attempts by Iseyas and his likes to weaken it, is very strong.
    Eritreans may have many issues about which they argue and differ, but the most important ones like Eritrea’s sovereignty and territorial integrity are sacred and holy like Koran and Bible. True Eritreans are ready to do anything to defend them.

    • k.tewolde October 10, 2018

      Love your optimism Wedi Hagher,though Eritrean nationalism is still alive and kicking and going through its historical peak and trough challenged by those who abhor it,today it feels like deja vue ,the process of annexation is already underway, only this time to exonerate those who perpetrated the crime of the century upon their people and reward those who can’t stand to see a sovereign Eritrea and are salivating to take a dip at her waters and bask at her beaches at the expense of those who fell gallantly to liberate it.This is a moment of reckoning for every genuine Eritrean to say the least.

  • Tesmin October 10, 2018

    Already a move is taking place inside Eritrea probably where very ‘unexpected roccaforte which is not necessary to say but many guns and ammunitions are there waiting who can hold it. Besides, if Sudan gives help as traditional allay of Eritrean people, at least minimal, the rest could be done easily. Death abi and essu!

POST A COMMENT