Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን

ታሕሳስ 01/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)  ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን ክብል ከለኹ (ናይ ገንዘብ ክፍሊትን ናይ ሓሳባት ክፍሊትን (investment of money and investment of ideas) ማለተይ ኢየ። ናተይ ኣበሃህላ ስለ ዝዀነ ከም መጽናዕታዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ቃል ጌርኩም ኣይትውሰድዎ። ንኣበሃህላይ

ታሕሳስ 01/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

 ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን ክብል ከለኹ (ናይ ገንዘብ ክፍሊትን ናይ ሓሳባት ክፍሊትን (investment of money and investment of ideas) ማለተይ ኢየ። ናተይ ኣበሃህላ ስለ ዝዀነ ከም መጽናዕታዊ ተቐባልነት ዘለዎ ስነ-ቃል ጌርኩም ኣይትውሰድዎ። ንኣበሃህላይ ክትርድኡኒ ግን እላቦ።

 ኣብ ሂወት ይኸብርን ይሓስርን እምበር ብጥራዩ ዝርከብ ንብረት የለን። እቲ ዝለዓለ ዋጋ ዝኽፈሎ ግን ምግዳል ኢዩ። ምግዳል ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን  ክሳዕ መስዋእቲ ዝሓትት ክፍሊት ኢዩ። እታ እትኽፈል ክብርቲ ዋጋ ክብርቲ እትዀነሉ ምኽንያት ብብዙሕ ረቛሒታት እኳ ትትመን እንተዀነት ብሓጺር ንምርድኣ ዝኣክል ግን ካብ ዘሎ ንብረትካ ክሳብ እታ ሂወትካ እንሃልኩም ኢልካ ብዕግበት ምእንቲ ውጹዕ ህዝቢ እትዕደል ተወፋይነት ብምዃና ኢዩ። ተጋዳላይ ክቡር ሰብ ብዘይካ ሰላምን ክብረትን ህዝቢ ውልቀ ምሃያ ዘይጽበ ዘይክፈል ብጥራዩ እትዕደሎ ህያብ ሃገር ኢዩ። ተጋደላይ በጃ ህዝቢ ዝሓልፍ እንተተጠሊሙ፡ ሃገር ተጠሊማ ማለት’ዩ። ታሪኽ ዘየናሕሲ መምህር እንሆ ነዚ ሓቂ’ዚ የረድኣና ኣሎ።

 

እወ “ ናይ ውግእ ጽቡቕ ከምኡ ድማ ናይ ሰላም ሕማቕ የለን” ዝበሃል ኣዘራርባ ናይ ገለ ሓሰብቲ’ሎ፡ ብመትከል ዝንጸግ ኣበሃህላ ኣይኰነን። ብተግባር ክትርእዮ ከለኻ ግን ናይ ውግእ ባህርያት ኣብ ግምት ዘየእቱ፡ ሰላም ብጥራዩ ዘይትርከብ ምዃና ሸለል ኢሉ ዝሓልፍ ከምኡ ድማ ትርጒም ናይ ምግዳልን ጠንቅታቱን ሰለ ዘየጠቓልል፡ ትምኒታዊ ኣብ ክውንነት ዘይተመርኰሰ ዕግበት ዘይርከቦ ኣበሃህላ ኢዩ። ውግእ ቃሕ ኢሉካ እትኣትዎ ሃልሃልታ ኣይኰነን። ሰውራና ኣብ ጣሻ ተሓቢእና’ምበር ኣብ ቅርዓት ኰቦሮ እንዳሃረምና ኣይጀመርናዮን።

 

ኣብ መባእታዊ ብርኪ ተመኲሮ ናይ ደምበ ተቓውሞና እንተድኣ ዘኪርና ኣንጻር ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ በየናይ ኣገባብ ንቃለስ ኣብ ዝብል ኣረኣእያ፡ ገሌና ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ገሌና ድማ በዘይጎነጻዊ ክንብል ዘጥፋእናዮ ግዜን ጒልበትን ንብረትን ሕድሕዳዊ ዘይምቅድዳውን ክንድዚ ክበሃል ኣይከኣልን። ንዝርስዑ ቀሊል ይመስል፡ ንዝዝክሩ ግን ልቢ ዘቝስል መድረኽ ኢዩ ነይሩ።

 

ተመኲሮና ከም ዝምስክሮ ጸላኢና ዲክታቶረያዊ ስርዓት ኢሳያስ ክሳብ ሕጂ ብኹሉ ዓይነት ኣገባብ ዝገደፈልና የብሉን። ንሕና ግን ናብ ዳኛ ዘይብሉ መጎተ ተጸሚድና ናብቲ ዝወርደና ዝነበረ ጸላእትና ዝጥቀምሉ ኣገባብ ንጥምት ኣይነበርናን። ምርጫ ናይ ኣገባብ ቃልሲ እቲ ባህሪ ናይቲ ግርጭት ገዲዱካ ትኣትዎ ሕሰም እምበር ጎነጽ ስለዝፍቶ ኣይኰነን። ጎነጽ ክመጸካ ኸሎ ወይ ጥዕጠቐሉ ወይ ክኣ ክሳዕ ዝጥዕመካ ተንሰሕበሉ እምበር ኣየናይ ይሓይሽ ክትብል ኣብ ዝበኣሰ ታኼላ ክሳዕ ትኣቱ ኣብ ትርፊ ዘይብሉፍሰ-ሓሳባትን ፍሰ-ማልን ኰለል ክትብል ኣብ ክሳራን ዕርበተ ሕልናን ኣይትኣቱን ኢኻ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ብዙሓት ምሁራት ዓበይቲ፡ ተጣበቕቲ ናይ ብዘይጎነጻዊ ኣገባብ ብማለት ዝምድሩን ዝጽሕፉን ዝነበሩ፡ ኣቱም ሰባት እዚ ስርዓት’ዚ ገለ ድፍኢት እንተዘይተገይሩሉ ብጥራዩ ዝኸይድ ኣኰነን ክብሉ ይረኣዩን ይስምዑን ኣለዉ። “ድሕሪ ማይ ናብ ብዓቲ” ዝብሉ መሰልቲ እዝን ወድ ኸምዝን ምስ ተረኽበ ኢዩ። ድሓን እንተተማሂርናሉ ንብድሕሪ ሕጂ ይጠቕመና።

 

ምስ’ዚ ኹሉ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልኩዎ ምግዳል ዝለዓለ ዋጋ ዝኽፈሎ ስለዝዀነ ተጋዳላይ ንምምራር ተጸሚሙ ክሳዕ ዝዕወት ዋጋ ንምኽፋል ዝተፈጥረ ወፉይን ፍሉይን ፍጥረት ስለዝዀነ ነቲ ምግዳል ይቕጽሎ’ሎ። ሎሚ ነዚ ስርዓት’ዚ እንታይ ንግበሮ ከመይ ጌርና ካብ ስልጣን ንእለዮ ኢልና እንተንሓትት፡ እንታይ መልሲ ምረኸብና? ኣቱም ሰባት ካን ነዚ ዝኸውን ሓደ ሰብ ተሳኢኑ እንዳበልናስ ንስኻትኩም ክኣ ተራእይኩም እንጣጢዕ ንዘርእ ኣለና ትብሉ ዝብሉ ሰባት ኣእዛንና ክሳዕ ንጸምም ዓቕልና መጽበቡልና ነይሮም።

 

ብዓል ወዲ ዓሊ ታንክታት ሒዞም ክምርሹ ኸለዉ ነቲ ዝወሰድዎ ኣገባብ ብዘይ ኣፈላላይ ብጅግንነት ንዝክሮን ንቕበሎን፡ ኣብ ፖለቲካዊ ዕላልና ክኣ ንርስዖ። ናትና ነገር ምሉእ ዘይብሉ ኰይኑ ኣብ ኰለል ከም ዘብለየና ከንመሃር ሎሚ ክፉት ዕድል ረኺብና’ለና። ንመሃር’ሞ ተማሂርና ክኣ ንጋደል። ንውልቀ ምሃያ ዘይብሉ ተጋዳላይና ካብ ዝግባእ ዋጋ ንላዕሊ ኣይነኽፍሎ። እዚ ምእንቲ ከይከውን ፍሰ-ማልናን ፍሰ-ሓሳባትናን ኣብ ምንታይ ክውዕል ከም ዝግብኦ ኣርቂቕና ክንፈላሰፈሉ ከም ዝግብኣና ንፍለጥ።

 

ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን ተኣሳሲሮም ዝኸዱ ጥምሮ ሓሳበት ክዀኑ ከለዉ፡ እቲ ዝዓበየ ወሳኒ ተራ ዝጻወት ግን ኣብ ምግዳል ይኹን ኣብ ንግዲ ፍሰ-ሓሳባት ኢዩ። ተጋዳላይ ረቂቕ ትኩር ንዕላማ ናይ ምግዳል ዘጽንዐ ንኣፈታትሓ ግርጭት ብመጽናዕታዊ ምርምር ዘለለየ ምስ ዝኸውን ፍሰ-ማል ንፍሰ-ሓሳበት መሳለጥያ ብምግባር ኣብ ንግዲ መኽስብ ኣብ ገድሊ ክኣ ዓወት ከም ዝርከብ ይገብር። እዚ ጥምሮ ሓሳባት’ዚ ኩሉ ህዝብን ኩሉ ተጋዳላይን ብማዕረ ንኽፈልጦ ቀሊል ኣይኰነን። ገስገስቲ መራሕቲ ንኽፈልጥዎ ግን ናይ ግድን ወይ ኣድላይነት (necessity) ክኸውን ኣለዎ።

 

ምዓላ ናይ ፍሰ-ማልን ፍሰ-ሓሳባትን ማለት ኣተገባብርኡ ዘጽንዑ ተጋደልትን መራሕትን እንተዘየፍሪኻ ፍረ የብልካን። ከምቲ ናይ ፖለቲካ ተንታኒ ሊዮነል (Lionel) ዝበሎ “If you do not have a product to sell, you are the product” “እንድሕሪ ዝሽየጥ ፍረ ዘይብልካ ንስኻ ኢኻ ዝሽየጥ ፍረ ትዀወን።ብኻልእ ኣዘራርባ ዝሽየጥ ስለ ዘይብልካ ንስኻ ኢኻ ትሽየጥ ማለት’ዩ። ኣብ ተመኲሮና እዚ ስለ ዘጓነፈ ኢዩ ሎሚ ሃገርና ነመሸጣ ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ ዘላ። ብብሱል ፍሰ-ሓሳበትን ፍሰ-ማልን ተቓሊስና እንተንኸውን ግን ሃገርና ወኒንና ፍረ ሃገርና ክኣ ክንጥቀመሉ ምኽኣልና ኔርና።

 

መላኺ ስርዓት እሳያስ ካብ ህንጸቱ ጀሚሩ ንፍሰ-ሓሳባት ተጋደልትና እንዳደርበየ ናይ ግዳማወያን ኣዘዝቱ ፍሰ-ሓሳባት እንዳተጠቕመ ንፍሰማል ህዝብና ከሳብ መስዋእቲ እንዳመዝመዘ ኣብዚ ደረጃ’ዚ በጺሑ። ኤርትራውያን ነዚ ስርዓት’ዚ ክንደይ ገንዘብን ንብረትን ደምን ከፊሎሞ? ክንደይ ፍሰ-ማል ንጹህ ህዝብን ተጋደልትንከ ኣብደይ ምዓልኡ ውዒሉ ባኺኑ?

 

ኣበሃህላይ ንምንጻር ብቐረባ ንምርኣዩ ሕጂኸ እንታይ ኢና ንገብር ዘለና ክብል ስለዝደለኹ ኢየ። ፍሰ-ሓሳባትናን ፍሰ-ማልናን ተኣሳሲሩ ንረብሓ ኹላትና ይውዕል እንተልዩ ንርኣዮ ማለተይ ኢየ። ብርእይቶይ ፍሰ-ሓሳባትና ኣቐዲምና ፍሰ-ማልና ማለት ኩሉ ገንዘብናን ትሕዝቶናን ነቲ ናይ ሓባር እንደልዮ ኣወዳድባ ከምዘገልግል ንገብር ኣለናዶ የለናን ንማለት ዘምጽኦ ዘለኹ ሓሳባት ኢዩ። ብዙሕ መዲርናሉ መንገዲ ኣይሓዘን።

 

ካብ ድኽመትና ዝኣክል ኩሉ ከም ዝፈልጦ ኣወዳድባና ከም ቀደሙ ክሳዕ ሕጂ ነንፋንጣኻ ኢዩ ዘሎ። ናይ ስምረት ፈተነታት ናይ ንጒሆ ተወሊዱ ናይ ምሸት ክመውት ንርእዮ ኣለና። ትሕተ-ባይታዊ ወይ ሚሰጢራዊ ፍሕት-ሕት ኣይተመንወን። ከዳዕ ኢያ ዘመን’የ ዝኣመንኩዋ ድሙስ ተምጽኣለይ ተመን’የ ዝብሃል ደርፊ ኣብ ቦትኡ ኣሎ። ውድባትና ጥራይ ዘይኰና ናይ ዘና ማዕከናትና ምስቲ ኹሉ ዝንኣድ ኣበርክቶአን ኣብ ናይ ሓባር ውደባ ክበጽሓ ኸለዋ ኣብ ነናይ ገዛእ ርእሰን እምባገነንነት ተጸሚደን ንሓባራዊ ኣገባብ ኣቀላልሳ ኣቓልቦ ኣይሃብኦን። ክንዲ ዝቀራረባ ገሊአን ሕሞራ ገሊኤን ክአ መጠራ ኰይነን ፍሰማል ኤርትራውያን (ገንዘባዊ ሓገዝ) ክምእርራ ህርድግ ክብላ ይርከባ ኣለዋ።

 

ኣነ ብወገነይ ንሓይሊ ጋዜጠኛታትን ናይ ዜና ማዕከናትን ደጋጊመ ካብ ዘድንቕን ዝምስክርን ነዊሕ ጌረ እንተበልኩ ካብ ሓቂ ኣይረሓቕኩን። ኣብ ቃልሲ ብፍላይ ኣብዚ ዘለናዮ ኲነታት ናይ ሓባር ኣሰራርሓን ማእካላዊ ቅርጻን ንውድባት ጥራይ ዝምልከት ኣይኰነን ብማለት ደጋጊመ ርእይቶይ ሂበ ኢየ። ነዚ ለበዋ’ዚ ኣመት ዝገብረሉ ኣሰራርሓ ግን ክሳዕ ሕጂ ኣይርኣኹን።

 

ኣብ ምግዳል ዘይተማእከለ ኣወዳድባ ውድባትን ናይ ዜና ማዕከናትን እንተድኣ ነጊሱ ፍሰ-ሓሳባት ማለት ሃናጽን ኣዐዋትን ርእይቶታት ቦታ እንዳስኣነ ብውልቀ-ውድባትን ውልቀ ናይ ዜና ማዕከናትን እንዳተዓብጠ ታሪኽ ከይተረፈ ኣብ ፋሕ ዝበለ ዝምባለታት ከም ዝኣቱ ስለዝኸውን ህዝቢ ሓቅታት ስለ ዝስወሮ ካብ ውደባ ከምዝሃድም ይኸውን። ናይ ፖለቲካ ሓድነት ብናይ ጓይላ ሓድነት ይትካእ። ህግደፍን ተቓወምትን ኣብ ቃልሲ’ምበር ኣብ ጓይላ ኣይተፈላለናን።

 

ዝምባለ ዘይብሉ ሰብ የለን። ንናይ ሓባር ርብሓ ዝቃለስ ተቓላሳይ ግን ንዝምባሌ ብሓይሊ ንቕሓት ኣብዝተሓተ ደረጃ ከምዝጽቀጥ ገይሩ ንዘተ መንገዲ ይኸፍት። እቶም ዝሓየሉ ንቑሓት ለባማት መራሕቲ ንዝምባሌኦም ኣሸኒፎም ንናይ ሓባር ህዝባዊ ረብሓ ናይ ዘተ መንገዲ ምስ ዝኸፍቱ ታሪኽ ብሕያዎት ኣዒንቲ ከምዝጥመቱ ትገብሮም። ንውሉድ ወለዶ ክኣ ምማህራን ናይ ህልዋት ይዀኑ።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ዜና ማዕከናት ዝያዳ ካብ ቅደሚ ሕጂ ላዕልን ታሕትን ይብላ ኣለዋ። እንተዀነ ግን ውልቀ ምቅድዳመን ናብ መልክዕ ናይ ኩባንያታት ይሕዝ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ ሂወተን ብዝነበረ ደምን ብዝነበረ መትንታትን ከም ዝካየድ ይኸውን ኣሎ። ኣነ ብወገነይ ሓድሽ ደምን ሓድሽ መትንታትን ክርኢ ዝከኣለኒ ብምግባር ሓደ ካብቶም ብህርፋን ክጽበ ዝጸናሕኩ እኳ እንተዀንኩ ገና ኣይሰለጠን። ፍሰ-ሓሳባት ዕድል እንዳስኣነ ፍሰ-ማል ክኣ ኣብ ፋሕ ዝበለ ካሳታት እንዳተኸዝነ ክኸይድ ጥራይ ኢየ ዝዕዘብ ዘለኹ። ሞኖፖል ናይ ዜና ምስ ሞኖፖል ናይ ስልጣን ዓቢ ዝምድና ስለዘለዎ ኣብ መስርሕ ሃገራዊ ዕረቂ ዓቢ እንቅፋት ምዃኑ ካብ ሕጂ ነለልዮ። ወይ ዝበሉኻ ግበረሎም ወይ ዓዶም ልቐቐሎም ዝብሉ ጋዜጠኛታትን ናይ ዜና ማዕከናትን እንድሕሪ ኣብ ደምበ ተቓውሞና ገኒኖም፡ ደሞክራሲያዊ መልእኽቲ ናብ ህዝቢ ክባጻሕ ዕድል ኣይክረክብን ኢዩ። ኢዶም ክህቡ ዘይደልዩ ደረስቲ ሸውሃቶም ክዕጾ ይኽእል ኢዩ።

 

ከይደንጎና ናይ ሓባር ዘማእክለና ውደባ ብኹሉ ሸነኻት ብዝያዳ ክኣ ዓርሞሽሻውያን ናይ ዜና ማዕከናት ነዚ ሕጽረት’ዚ ክፈትሕኦ እንተዘይክኢለን፡ ናብ ሲነማታት እንዳተቐየራ ስለዝኸዳ ከከም ትሕዝቶኻን ኣረኣእያኻን ነናብ ዝዓጀበካ ምኻድ ክቕጽል ኢዩ።  ፍሰ-ማል ፍሰ-ሓሳባት እንድሕሪ ስኢኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ቀጻልነት የብሉን። ክምዕብል ዝኽእል ኣሰራርሓ ስለ ዘይኰነ ንዓወትና የርሕቖ እምበር ቀረባ ከምዝኸውን ኣይገብሮን ኢዩ። መጻኢት ኤርትራ ክኣ ዋላ ቅዋም እንተሃለዋ ካብ ኣፍሪቃዊ ዕግርግር ክትድሕን ኣይክትክእልን ኢያ። ኣዕጋቢ ሃገራዊ ስልጣን ኣብ ምህናጽ ክትጽገም ስለ እትኽእል ካብ ሕጂ ክንዳሎ ኣለና።

 

ካብዚ ከቢቡና ዘሎ ሓደጋታት ካብ ልቢ ብንጽህና ብንቕሓት ነጻ ክንወጽእ ክንጋደል ቅሩባት እንተዀንና ኩለንተናዊ ኣወዳድባና ከምዝቕየር ከንገብር ኣለና። በበይንኻ ፍሕትሕት ዘዋጽእ ኣይኰነን። ድሮ እቲ ናይ ዘይግሁድ በበይንኻ ፍሕት-ሕት እንዳተኸሽሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ክበራበር ዝጸንሐ ህዝቢ እንዳ ኣንጸርጸረ ክኸይድ ጀሚሩ ኣሎ።

 

ነዚ ዘሎ ነጸብራቓት ህዝብና መልሲ ክንህበሉ ንእወድ ምዃንና ንፍለጥ። ግሉጽነት ክዕንብብ ኣለዎ፡ ካብ ነቐፌታን ነብሰ ቐፌታን ክንሃድም የብልናን። ንታሪኽናን ንህልዊ ኣቀላልሳናን ከምዝነበረታን ከም ዘላታን እምበር ከምዝደለናያ ከነንብባ የብልናን። ንብሑት ዝምባሌና ነሸንፎ፡ ንዘተ መንገዲ ንኽፈት፡ ናይ ሓባር መለኸት ናይ ገድሊ ይነፋሕ፡ ናይ በበይንኻ እምብልታ ናይ ማዕዶ-ማዕዶ የላኻ ከምዝተርፍ ንግበር፡፡

 

ብዝኣረገ መሃንድስነት ዝተሃንደሰ ናይ ኤርትራ ናይ በርሊን መንደቕ ከነፍርሶ ናይ ሕልና ቅሩባት ንኹን። ህዝቢ ክበራበር ክጅምር ከሎ ገና ነዚ መድረኽ ዝጥቀምሉን ዝምዝምዝዎን መራሕቲ ኣየጥረናን። ግን ኣይንኽእልን ኢና ማለት ኣይኰነን። ናይ ፕረዚደንት ኦባማ ጭርሖ ክጥቀም ንኽእል ኢና “YES WE CAN”ብዓል ምሉእ ተስፋ ክኣ ኢየ።

 

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde December 5, 2018

    “ንታሪኽናን ንህልዊ ኣቀላልሳናን ከምዝነበረታን ከም ዘላታን እምበር ከምዝደለናያ ከነንብባ የብልናን። ንብሑት ዝምባሌና ነሸንፎ፡”>>>words from the wise for those who are willing to put it to practice.Thanks Bashai.

POST A COMMENT