Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፑቲን ሲ ኣመሪካ ክትዕንጅለሉ ‘ቪቫ ትራምፕ!’ ይብል ይህሉ፣ ደገፍቲ ህግደፍ ከ እንታይ እዩ ጣቍኦም?

ኣመሪካ ገና ጎብለል ዓለምና ከም ምህላዋ መጠን፣ እቲ ጽባሕ 8 ሕዳር 2016 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫኣ ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዓጀበኒ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ጽባሕ ንሂላሪ ክሊንተን ወይ ዶናልድ ትራምፕ ከም

ኣመሪካ ገና ጎብለል ዓለምና ከም ምህላዋ መጠን፣ እቲ ጽባሕ 8 ሕዳር 2016 ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫኣ ዓለም-ለኻዊ ኣቓልቦ ክስሕብ ባህርያዊ እዩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት ዝዓጀበኒ ሓደ ነገር እንተሃልዩ፣ ህዝቢ ኣመሪካ ጽባሕ ንሂላሪ ክሊንተን ወይ ዶናልድ ትራምፕ ከም ፕረዚደንት ንምምራጽ ድምጹ ክህብ ተዋዲዱሉ ኣብ ዘለወሉ ናይ ዜሮ ሰዓት፣ ብፍላይ እቶም ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ፣ ድምጺ ናይ ምሃብ ዕድል ዘለዎም ኤርትራውያን፣ ብዝያዳ ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ፣ ብኣጠቓላሊ ክርአ ኸሎ መብዛሕትኦም ናብ ዶናልድ ትራምፕ ምዝንባሎም፣ ምስ ሓፈሻዊ ርእይቶ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ስደተኛታት ኮነ ትጽቢትን ድሌትን ግሎባዊ ማሕበረሰብ ዝጻረር ስግንጢራዊ ፖለቲካዊ ኣንፈት ከምዘለዎ ስለዘስተብሃልኩ እየ ትዕዝብተይ ወስ ዘብል ዘለኹ።

ርእይቶይ ኣብ ሓፈሻዊ ትዕዝብቲ ዝተመርኮሰ፣ ኣብዚ እዋናዊ ሰዓት ዝርርብን ክትዕን ንምልዓል ዝኣመተ ደኣምበር ስነፍልጠታዊ መጽናዕቲ ዝሓበሮ ትንታነ ከምዘይኮነ ኣቐዲመ ክጠቅስ እፈቱ። ይኹን’ምበር፣ ነቲ ካብ ነዊሕ እዋን ዝተዓዘብኩዎ፣ መብዛሕትኦም ደገፍቲ ህግደፍ፣ እንተስ ፍርሒ፣ እንተስ ተመሳስልካ ምሕዳር ጸቒጡዎም ከዘውትሩዎ ዝጸንሑ፣ በቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ብሪሞት ዝቕለስ ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ተቐይዶም፣ ነቲ ኣብ ሃገርና ዝተኾነነ፣ ኣብ ስደት ክጥቀሙሉ ዘለዎም ኣእምሮኻ ብነጻ ናይ ምጥቃም ዕድል ይኸስሩዎ ምህላዎም ‘ውን ድርኺት ኮይኑኒ እዩ።

ነቲ ደቒቕ ብደቒቕ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካን ዓለምን ትከታተሉዎ ዘለኹም፣ ንባህርያት ‘ዞም ፕረዚደንታዊ  ሕጹያትን ፖሊሲታቶምን ኮነ መስርሕ ናይቲ ምርጫ ዝምልከት ትንተናታት ደጊመ ከናውሓልኩም ኣይደልን። ብሓጺሩ ግን፣ እታ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ናይ ፈለማ ጓል- ኣንስትይቲ ፕረዚደንት ክትከውን ትጽቢት ዝግበረላ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ተመክሮ ዘለዋ ናይ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሕጽይቲ ሂላሪ ክሊንተን፣ ኣብ ቁጠባን ንግድን፣ ኣገልግሎት ጥዕና፣ ምቍጽጻር ጠበናጁ ዘለዋ ፖሊስታት፣ ብሰፊሑ ከም መቐጸልታ ናይቲ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ከሰላስሎ ዝጸንሐ ጽገናታት ዝርአ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ጉዳያት ወጻኢ፣ ብኣንጻር ናይቲ ፕረዚደንት ኦባማ ብተዛማዲ ክወስዶ ዝጸንሐ ጥንቁቕ ስጉምታት፣ መሪሕነት ኣመሪካ ዳግም ስምብራት ከምዝህልዎ ዝገብር ዕቱብ ምንቅስቓስ ከተሰላስል ትጽቢት ይግበረላ። ብፍላይ ኣብቲ ንኤርትራውያን ኣመሪካውያንን ንዕኦም ዝመስሉ ስደተኛታትን ዘገድስ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ካብቲ ናይ ተጻያ ዶላንድ ትራምፕ ኣዝዩ ሊበራል ዝኾነ ንሕግታት ስደተኛታት ብሰብኣዊ መንገዲ ዘተግብር ፖሊሲ ኣለዋ። ንሳ፣ ኣብ ከም ፕረዚደንት ዋይት ሃውስ ክትኣቱ ዕድል እንተደኣ ረኺባ፣ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ነቶም ኣብ ኣመሪካ ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ዝቕመጡ ዘለዉ ስደተኛታት ዜግነት ክረኽቡ ዕድል ዝፈጥር ባይታ ከተጣጥሕ ምዃና ትመባጻዕ። ስድራቤት ኣመሪካውን ዜጋታት ንዝኾኑ፣ ናይ ምስጓጕ ስጉምቲ ኣብ ዝባኖም ተንጠልጢሉ ዘሎ ወለዲ ሓራ ዝገብር መደብ ከምዘለዋ ‘ውን ትዛረብ። ስደተኛታት ምስ ሕብረተሰብ ኣመሪካ ብቐሊሉ ዝወሃሃዱሉ ስጉምታት ክትወስድ ምዃና ኸኣ ትእምት።

በቲ ኻልእ ወገን፣ እቲ ንሰልፊ ሪፓብሊካን ወኪሉ ሕጹይ ክኸውን ዝበቕዐ፣ እንተኾነ ግን ብወጅሃላይ ፖሊሲታቱን ኣቀራርባኡን ብዙሓት ፍሉጣት መራሕቲ ናይቲ ሰልፊ ደገፍ ዝነፈጉዎ፣ ሕዱር ፖለቲካ ኣመሪካ ኮነ ብሕታዊ ቁጠባዊ ኩነታቶም ዘየዕገቦም፣ ኣብ ዋንነት ጠበናጁ ምቍጽጻር ዘይፈትዉ፣ ጽልኢ ስደተኛታት ዘለዎም ተባሂሎም ዝግመቱ ጸዓዱ ኣመሪካ ብሓፈሻ፣ ከም “ነጻን ዝተርእዮ ዝዛረብን ሕጹይ” ርእዮም ብስምዒታዊ መንገዲ ይድግፉዎ ምህላዎም ዝንገረሉ ቢልዮነር ብዓል ሃብቲ ዶናልድ ትራምፕ፣ ስደተኛታት ኣመሪካን መብዛሕትኡ ማሕበረሰብ ዓለምን፣ ብኣንጻር ጭርሖኡ ንኣመሪካ ናብ ጸላም ክመልሳ እዩ ዝብል ስግኣት ዘለዓዓለ ፖሊሲታት እዩ ዘለዎ።

ኣርእስተ ዜና ዝበሓተ ፖሊሲኡ፣ ስደተኛታት ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ 1900 ማይልስ ዝነውሓቱ በሪኽ መንደቕ ኣብ ዶብ መክሲኮን ኣመሪካን ክተክል ምዃኑ ክኸውን ከሎ፣ እቲ 10 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ዕዳ መስርሒ ናይቲ መንደቕ መንግስቲ መክሲኮ ኽኸፍሎ ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ። ኩሎም ኣመንቲ ምስልምና ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ክዓግቶም ምዃኑ ‘ውን መብጽዓ ኣትዩ ኣሎ። ኣብ ርእሲ’ቲ ጸረ ስደተኛታት ዘለዎ ዕጹውን ጥሩፍን ፖሊሲኡን ንዕቀትን ብድዐን ደቀንስትዮ ዘንጸባርቕ ባህርያቱ ኣስዒቡሉ ዘሎ ክዕበት፣ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ‘ውን ኣመሪካ ንኣባላት ኔቶ ብኡንብኡ ክትከላኸለለን ከምዘይብላ ምእማቱ፣ ንታሪኻዊ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝጻረር ስጉምቲ ምዃኑ ብብዙሓት ክንቀፍ ከሎ፣ ነቲ ምድኻም ኔቶ ኣብ ሃገራት ባልቲክ ንዘለዎ ረብሓ ዘረጋግጸሉ ፕረዚደንት ፑቲን ናይ ራሻ ባህ ኣቢሉዎ ይርከብ። እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ንያታዊ ፖሊሲታት ኣመሪካ ዝጻባእ ፖሊሲታቱ፣ ራሻ ንክረይምያ ንምቝራን ዘለዋ ድሌት ኣፍልጦ ከምዝህቦ ምእንፋቱ፣  ከምኡ ‘ውን ዝምድና ኣመሪካን ራሻን ንምሕያል ክሰርሕ ምዃኑ ዘሐጎሶ ፑቲን፣ ጎስጓስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሂላሪ ክሊንተን ብምዝራግ ኣብ ፖለቲካ ኣመሪካ ጽልዋ ንምሕዳር ካብ ኮምፒተራት ሰልፊ ዲሞክራሲ ተጸናጺኑ ዝረኸቦ ኣሽሓት ኢመይላት ናብ ቃልዕ ከምዘውጽአ ብመንግስቲ ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ክንቀፍ ጸኒሑ ‘ሎ።

እቶም ንፕረዚደንታዊ ሕጹያት ኣመሪካ ሂላሪ ክሊንተንን ዶናልድ ትራምፕን ዝፈልዩዎም ሓፈሻዊ ፖሊስታት ከምዚ ዝጠቐስናዮም ክኾኑ ከለዉ፣ ብሓፈሻ ክርአ ኸሎ፣ ናይ ሂላሪ ክሊንተን ፖሊሲታት ናይ ተስፋ፣ ናይ ዶናልድ ትራምፕ ከኣ ናይ ቅብጸት ተባሂሉ ክግለጽ ይከኣል። እቲ ዋይት ሃውስ ንምቍጽጻር ክካየድ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዘመተ ግን፣ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ኣዝዩ ፈላላዪ ምዃኑ ብኹሉ ተኣሚኑሉ፣ ኣብ ክልቲኦም ሕጹያት ብቐሊሉ ዘይሕከኽ ማክያ ከምዝገደፈ ይፍለጥ።

ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ እምብኣር፣ እቲ ኣብ ርኡይ ረብሓ ዝተመርኮሰ ምስግሳግ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ዶላንድ ትራምፕ ምኽንያቱ ርኡይ ኮይኑ፣ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ሚልዮናት ስደተኛታትን ህዝቢ ዓለም ብሓፈሻን ዶላንድ ትራምፕ ድርኵዂት ዋይት ሃውስ ከይረግጽ ከብዶም ሓቝፎሙሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ ኣንጻር ርእይቶ ዓለምን ስደተኛታትን ዘስርዖም መጎት እንታይ ምዃኑ ዘገርም እዩ።

ጉጅለ ስርዓት ህግደፍ ዓወት ዶላንድ ትራምፕ ዝብህግሉ ምኽንያት ከም ናይ ፑቲን ርኡይ ኣይኮነን። ምናልባት ነቲ ኣብ ሃገርና ባዕላቶም ዘስዓቡዎ ሕምስምስ ዝበለ ፖለቲካዊ ኩነታት ጠንቁ ኣመሪካ ምዃና ንምምኽናይ ንመዋእሎም ዘቕርቡዎ ምስምስ ዘህጥር ካሕሳ ኮይኑ ተሰሚዑዎም፣ ንውልቃዊ ስምዒታዊ ዕግበት፣ ምድዋን መልክዕ ኣመሪካ ባህ ከብሎም ይኽእል ይኸውን። እቶም ፖሊስታት ፕረዚደንት ክሊንተን ይኹን ትራምፕ፣ ንሕማቕን ጽቡቕን ብቐጥታ ዝጽለዎም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ግን፣ ኣምሮኦም ዲሞርክዮ ናይቲ ዝሞሽምሞሸ ርእሲ ስርዓት ህግደፍ ካብ ምግባር ሓራ ኣውጺኦም፣ ካብቲ ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ እልይ ብምባል፣ ነቲ ህዝብና ስኢኑዎ ዘሎ፣ ብግቡእ እንተተጠቒሞምሉ ክቡር ዋጋ ክህልው ዝኽእል ድምጾም፣ ጽባሕ 8 ሕዳር፣ ንገዛእ ርእሶምን መጻኢ ዕድል ደቆምን ብዘውሕስ ልቦና ክጥቀሙሉ ይግባእ።  ኣብ ኣኼባታት ህግደፍን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፣ ልባዊ እምነቶም ብዘየገድስ፣ ንግዚኡ ንምብላጽ ዘድልዮም ተኣማንነት ንምግላጽ ዘዘውትሩዎ ምስሉይነት ፍሉጥ እዩ። ኣብታ ርኣዩለይ ስምዑለይ ዘይብላ ጽምው ዝበለት መጋረጃ ድምጺ ግን ነታ ወትሩ ዘሳቐየቶም ጉጅለኣዊ ኣተሓሳስባ ኣጽምዮም ክቐትሉዋ፣ ክዕወቱላ ኣለዎም። መን ይፍለጥ፣ ፈላሚት ስጉምቲ ናብ ምሉእ ኣእምሮኣዊ ሓርነት እንተኾነቶም።

ኣማኑኤል ኢያሱ

ንዘተ ኣብ ፈይስቡክ ዝቐረበ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Wedihanis November 9, 2016

    Note,Trump means A disaster to the Opama foreign policy,to ur master weyane,to ur crooked mate Sheila,Elsa,Meron,Keshi hatiat musie,on top of that to ur narrow mentality. So u r Right if u worried about the outcome of Trump Election.minimumly No more sunction to our beloved Eritrea!!!!!!

  • Gura November 9, 2016

    ኣቶ ዶናልድ ትራምፕ፣ ብናቱ መንነት ቋንቋ ባህሊ ታሪኽ ዝሕበን፤ ብታሪኽ ኣባሓጎታቱን እኖታቱን ዝኾርዕ። ናይ ኣቦታቱ ቋንቋ፣ ዉርሻ፣ ቅርስታት፣ ታሪኽ፣ ሃይማኖት፣ ሰንደቕ ዝዕቕብ እምበር፣ ከምቶም ባራዩ ዓቢድ ክኾኑ ህርድግ ዝብሉ ሓሰውቲ ነቲ ናቱ ብሓዊ ዘየቓጽል ዘይፍንፍን፣ ብናይ ክራይ መንነት ዘይውደኽድኽ ሰብ እዩ።
    ኣቶ ዶናልድ ትራምፕ፣ ነቶም ንዓለምናን ከባቢናን ቃንዛን ህውከትን፣ ዕንውትን ሞትን፣ ራዕድን ሽበራን፣ ማሕርደትን ህልቂትን፣ ባርነትን ዓቢድነትን፣ ዘዋፍሩ ዘለዉ ጂሃዳውያን እስላማውያን ፈገረግር ወሃብውያን፣ መራዛም ፈውሶም … እዩ።
    ኣሜሪካ ሎሚ ሰብኣይ ወሊዳ፣ ከም ኣቶ ብላድሚር ፑቲን: ናይ ሩስያ: ንጸላትኦም ንዘደፍርዎም ሓዊ ዝተፍእ። ስለዚ ንኣቶ ትራምፕ ነቶም ንኤርትርውያንን ኣግኣዝያናውያንን ንዕቕ ኣቢሎም ዝኣስርዎም፣ ንዓረባዊ ጂሃዳዊ ዓቢድነት ዝሸጥዎም ዘለዉ፣ ኩሊቶም ዓይኒ ብሌኖም ዝምዝሕቑ ዘለዉ፣ ንባርነት ዓረብ ዝሸጡን ዝልዉጡን ዘለዉ፣ ብባርዕ ሓዊ፣ ብነዳዲ ዲንን ክላስተርን ከብርሶምን ካብ ገጽ መሬት ከጥፍኦምን፣ ማርያም ኣስመረይቲ፣ ማርያም ጽዮን ትሓግዞ።

  • awget November 13, 2016

    What do you know about american politics ?Your comment makes me sick.you only look good when you comment about president Essayas death wish..AMERICA don’t ever talk about AMERICA again .LOOSER.

POST A COMMENT