Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ፖለቲካዊ ማራቶን ኤርትራዊ መንእሰይ ሚያዝያ 14/2019 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ታሪኽ ከም ዝሕብረና ብ 490 ቅ.ል.ክርስቶስ (490 B.C.)  ንወረራ ፈሪሳውያን ኣብ ምክልኻል ኣብ ዝተገብረ ኲናት ኣተናውያን (Athenians) ንዘመዝገብዎ ዓወት ንኸበስር ፊዲፒደስ (Pheidippides) ካብ ከባቢ ማራቶን ናብ ኣተንያ ን 25 ማይልስ (25 miles) ድሕሪ መጒያይ ብድኻም

ታሪኽ ከም ዝሕብረና ብ 490 ቅ.ል.ክርስቶስ (490 B.C.)  ንወረራ ፈሪሳውያን ኣብ ምክልኻል ኣብ ዝተገብረ ኲናት ኣተናውያን (Athenians) ንዘመዝገብዎ ዓወት ንኸበስር ፊዲፒደስ (Pheidippides) ካብ ከባቢ ማራቶን ናብ ኣተንያ ን 25 ማይልስ (25 miles) ድሕሪ መጒያይ ብድኻም ላህሊሁ ዝዓረፈሉ ናይ ጅግነት ተዘክሮ ኢዩ። ስለዚ ዓወታት’ውን ይትረፍ ኣብ ውግእ ተሳቲፍካ ብስራት ንምዝርጋሕ’ውን ዝኽፈል ዕዳ ከም ዘሎ ታሪኽ ይነግረና።

እቶም ንታሪኽ ዘዋስኑን፡ ዝዝንግዑን፡ ዘሊሎሞ ዝሓልፉን፡ ክዘልዎ ዝህቅኑን፡ ኣብ ቅልውላው ናይ መንነት (crisis of identity) ዘንከባልሉ ድኹማን ኢዮም። መለኽቲ ስርዓታትን ደድሕሪኦም ጎተት ዝብሉ ከድዓትን ኣብ ናይ መንነት ሸገርገርን ዘይቀዋሚ ኣተሓሳስባን ዝነብሩ እንዳ-ኣልቦ፡ ሃገር-ኣልቦ ናይ መዋቲ (moribund) ፖለቲካ ሰበኽ-ሳግማት ኢዮም።

ኢሳያስ “ኣፈ-ወርቅ” ሓደ ካብዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ኣጻብዕ ስለዝዀነ ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐ ናይ ኤርትራ ሕማም መንሽሮ ኰይኑ ተጋሂዱ ኣሎ። ኢሳያስ ኤርትራዊ ክኸውን ፈታቲኑ፡ ኣይሰርሓሉን፡ ትግራዋይ ክኸውን ብዙሕ ፋሕተርተር ኢሉ፡ ይርሓሰና ዝብሎ ኣይረኸበን፡ ኢትዮጲያዊ ክኸውን ኣግሂዱ ጨሪሑ፡ ኣይሰለጦን። ስለ’ዚ እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጽሑፋተይ፡ መለኽቲ ዓዲ የብሎምን፡ ኢሳያስከ? ኢለ ዓዲ ከምዘይብሉ ዘብራህኩዎ ኣብ ቦትኡ ኣሎ ማለት ኢዩ። ዝያዳ ንምብራህ ኢሳያስን ስዓብቱን ብናይ መንነት ቅልውላው ዝሳቐዩ ኣብ ናይ ዕንወት፡ ሕፍረት፡ ናይ ሕልና ቤት ማእሰርቲ፡ ሞት ወዘተ… ማራቶን ዝቀዳደሙ ሕሱራት ምዃኖም ብፍላይ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ብሩህ ኰይኑ’ሎ ማለት ኢዩ።

ናይ መንነት ቅልውላው ምንጭታቱ ብዙሕ ኢዩ። ኣብ ግዜ ህጻንነትካ ዝውህለል ኣብ እዋኑ ከተምልጠሉ ዘይትኽእል ዘይቅዱው ኣነባባርን ኣተዓባብያን፡ ካብ ዘይስልጡን ሕ/ሰብ ዝምንጩ ዘይምዕቡል ህዝባዊ ጸለመ፡ ኣብ ግዜ ንእስነትካ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ኣብ ኣእምሮኻ ዝጽፈ ካብ ባዕልኻ ዘይተበገሰ ዕላማ ቀዳሞት ዓሌታውን ወገናውን ሃይማኖታውን መስፍናዊ ጸጊዕ፡ ኣብ ብሱል ዕድሜኻ እተማዕብሎ ዘይርጉእ ቅሳነት-ኣልቦ፡ ብሕቱው ተጠራጣሪ መንፈስን ህልኻዊ ስጒምትታትን ዝያድኡን የጠቓልል። ኢሳያስ በዞም ዝተባህሉ ረቓሒታት ዝኣክል ኣእምሮኡ ዝተመቝሐ ፍጥረት ኢዩ። መለኽቲ ስርዓታት ኩሎም ተመሳሳሊ ሽግር ኣለዎም። ብኸምዚ ዝኣመሰለ ሕማም ዝሳቐ ሰብ፡ ብዝዀነ ይኹን ኲምራ ናይ ሃብቲ፡ ወይ ኲምራ ናይ ስልጣን ዝዓግብ ኣይኰነን። ስለ’ዚ ክኣዩ ንመለኽቲ ይኣኽለኒ ስለዘይፈልጡ ይኣኽለኩም ክበሃሉ ግድን ዝኸውን።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ታሪኻዊ ምንጻፍ ኰይኑ፡ እቲ ንዓይ እዋናዊ ኣገዳስነት ጌረ ዝወስዶ ግን፡ እቲ ከም ኣርእስቲ ተጠቒመሉ ዘለኹ ፖለቲካዊ ማራቶን ኤርትራዊ መንእሰይ ኢዩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓንቀጸይ ትውልዲ ነብሪ ጐልጐል ኢለ ዝሰመኹዎ (Cheetah generation) ክንደይ ማይል ወይ ክንደይ ኪሎሜተር ኢዩ ክጐይ? እንታይ ኢዩኸ ከበስር? ንመን’ዩኸ ዘበስር?

ርሕቀት ወይ ቅርበት ናይ ፖለቲካዊ ማራቶን መዐቀኒኡ ማይል ወይ ኪሎሜተር ኣይኰነን። እቲ ወሳኒ ነጥቢ ነቲ ኣብቲ ማራቶን ዘሎ ፖለቲካዊ ሕልኽልኽ ክሳዕ ክንደይ ተረዲእካዮን ተዳሊኻሉን ኣለኻ ኢዩ። ነዚ ነገር’ዚ ንምፍታሽ መጀመርያ ክውንነትካ ምፍታሽ ኣገዳሲ ኢዩ። ምሁራዊ ዓቕሚ ሃገር፡ ዓቕሚ ክኢላ ሰራሕተኛ፡ ዓቕሚ ሰብ ንብረት፡ ሃገራዊ ምንጭታት ዕብየትን ህንጻን ሃገር፡ ተበታቲኑ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ጒዕዞና ካበይ ናበይ ምዃኑ ክርድኣናን ግምት ክህበናን ይኽእል ኢዩ።

ኤርትራዊ ዓቕሚ ፈቖድኡ ተበታቲኑ (Eritrean power resources dispersal) ብጋሻ ውሕጅ ዝዀነ ሰብኣዊ ዓቕምታት ኣብ ዝትክኣሉ ዘሎ እዋን፡ ርሕቀት ፖለቲካዊ ማራቶን ነብሪ ጐልጐል ኤርትራ (መንእሰይ) ክሳዕ ክንደይ ምዃኑ ኣብ ኣእምሮና ክስኣል ይኽእል ኢዩ። ርሑቕ ከይከድና ክውንነት ኤርትራ ምስ ክውንነት ሃገራት ኣፍሪቃን ብሓፈሻ፡ ምስ ክውንነት ጎረቤትና ሱዳንን ክኣ ብፍላይ ክንመዝኖ እንተፈቲንና ርሕቀት ማራቶን መንእሰይ ኤርትራ ኣጸቢቑ ክበርሃልና ይኽእል ኢዩ።

ኣነባባር ህዝቢ ሱዳን መብዛሕትኡ ከተማዊ ስለዝዀነ ምስ ዕዳጋ ዘለዎ ቅርበት ካብ ሕ/ሰብ ኤርትራ ንላዕሊ ኢዩ። እዚ ማለት ናይ ዕዳጋ ቀጨውጨው ንህዝቢ ሱዳን ዝያዳ ካብ ንህዝቢ ኤርትራ ይስምዖ ማለት’ዩ። ብዝሒ ምሁራት ሱዳን ብዓቐን ይኹን ብዓይነት ታሪኻዊ ዕድል ስለዘጋጠሞም ኣብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ኣብ ወጻኢ ካብ ናይ ኤርትራ ንላዕሊ ጸብለል ዝበሉ ኢዮም። ተመኲሮ ወተሃደራት ሱዳን ካብ ተራ ክሳዕ ጀነራላታት ብኸፊል ህዝባዊ ጠባይ ዘጠቓልል ኢዩ። ንጀነራል ሱዋር ኣል ደሃብ ምዝካርን፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ዘይርጉእ ባህራሪ ውረድ ደይብ ናይ ጀናራላትን፡ ንባዕሉ ምስ ህዝባዊ ንሕስያን ፍርሃትን ዝተኣሳሰረ ጠባያት ከም ዘለዎም ኢዩ ዝሕብር። እዚ ክውንነት እዚ ንሰላማዊ ሰልፍታት ስለዘተባብዕ ነቲ ማራቶን ናይ ሱዳናዊ መንእሰይ ግዜ ከምዘይወስድ ይገብሮ።

ናይ ሱዳን ክውንነት ካብ ውሽጢ ሃገር ነቒሉ ንግዳማዊ ዓቕሚ ዝጽውዕ ኢዩ። ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ኲነታት ካብ ግዳም ንውሽጢ ጸልዩ ውሽጣዊ ናይ ስጒምቲ ውሳኔ ዝጽበ ኢዩ። እዚ ክውንነት እዚ ነቲ ናይ ነብሪ ጐልጐል ማራቶን ክሳዕ ክንደይ ውረድ ደይብ ይፈጥረሉ ኣብ ግምት ከነእቱ ይግብኣና።

ኤርትራዊ ነባር ወለዶ (ናተይ ወለዶ) ምሁራቱ ዋላ ትሕዞ ጸኒሓዊ ሕማም ይሃልዎም ብዘየገድስ ፖለቲካዊ ንጥፈታቶም ልሙስ ወይ ዝሕቱል ኢዩ። ብኣንጻሩ ናይ ሱዳን ምሁራት ትሕዞ ጸኒሓዊ ሕማሞም እንዳሃለወ ኸሎ ነቲ ሓድሽ ወለዶ ንምድጋፍ ንጡፋት ኢዮም። እዚ ኲውንነት ናይ ሱዳን ነቲ መንእሰይ ወለዶ ናብ ዲሞክራስያዊ ራኢ ንኸድህብ ሸውሃት ይኸፍተሉ። በዚ ምኽንያት’ዚ ክኣዩ ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይ ሱዳን ብመብጽዓ ወትሃደራት ክዓግብ ዘይክኣለ።

ኣብ ኣልጀርያ ዝኸይድ ዘሎ ክውንነት ምስ ናይ ሱዳን ይመሳሰል ኢዩ። ቡተፈሊካ ወረቐት ናይ ስልጣን ምርካብ ከቐብል ዝጽግሞ “መራሒ” ድሕሪ ምውራዱ፡ ህዝቢ ኣልጀርያ ከም መባእታዊ ስጒምቲ እምበር ከም ዕግበታዊ መደምደምታ ኣይወሰዶን። ስለዝዀነ ድማ ገና እቲ ውግእ ኣይተዛዘመን ብማለት ቃልሱ ይቕጽል ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ነዚ ዝተዳለወ ኣእምሮ ኣይሰሰነን። ስለዚ እቶም ቀዳሞት ከምዚ ከማይ ተዓደይቲ ምዃንና ክንፈልጥ ይግባእ። እዚ ዕዳ’ዚ ክኣ ነዚ ኤርትራዊ ነብሪ ጎልጎል ፖለቲካዊ ዕጥቂ ምልጋስ ኢዩ።

መንእሰይ ኤርትራ፡ ናይ ግብጺ፡ ናይ ሊብያ፡ ናይ ሶርያ፡ ናይ ዒራቕ፡ ናይ የመን ወዘተ… ርሑቕ ከይከድና ኣፍሪቃውን ማእከላይ ምብራቓውን ሸንኰለል፡ ማለት ተሓድሶ መለኽቲ (ደጋምነት) ከየጋጥሞ እግረ-እግሩ እንዳ ሰዓብና ክንምልምሎ ከድልየና ኢዩ። ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ምንቅስቓሳዊ ተርእዮን ፓርታዊ ተርእዮን ብመድረኻዊ ጠለብ ፈላሊና ክንርድኦም ይግባእ። ህዝባዊ ምንቅስቓስ ናይ ሓባር እዋናዊ ወፈራ ክኸውን ከሎ፡ ፓርታዊ ሂወት ግን ኣብ ደሞክራስያዊ መስርሕ ዘልኣለማዊ ናይ ኣነ ይበልጽ ውድድር ወይ ቅድድም ኢዩ። ስለዚ ክኣዩ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ኣብ ሓደ ውሱን መድረኽ ህዝባዊ ጠለብ ኣብ ዘድልየሉ እዋን ከም ህቦቡላ ማለት ፐለቲካዊ ሱናሚ ኰይኑ ንመለኽቲ ዓቕሎም ዘጽብበሎምን ኢዶም ክህቡ ክኣ ዝግደዱን። ንኹሉግን ስጡም ውደባ ስለ ዘድልዮ፡ ኤርትራዊ ነብሪ ጎልጎል ኣብ ጭርሖን ዓውዓውታ ናይ ሕርቃንን ተወሲኑ ክተርፍ የብሉን።

እዚ ማራቶን ናይ ኤርትራዊ መንእሰይ ንፖለቲካዊ ኣግእዞ ዝዓለመ እንተድኣ ኰይኑ፡ ካብ ንዱይ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ነጻ ክኸውን የድሊ። እዚ ማለት ካብ ምርኲሰኛ፡ ተጸባይነት ግዳማዊ ሓይልታት፡ ማለት ካብቲ ንሃገራት ኣፍሪቃ ዝረመሰ ሂወት ሓድሽ መግዛእቲ (neo-colonialism) ነጻ ክኸውን ኣለዎ። ድሌት መራሕቲ ምስ ድልየት ህዝቢ ዘይተኣሳሰር ስርዓታት ኣኽቲሙ ብሓድሽ ስርዓት ምዕባሌ ምትእስሳር መራሕትን ረብሓ ህዝብን ክትካእ ከሎ ኢዩ ሰውራ ወይ መሰረታዊ ለውጢ ተኻይዱ ክበሃል ዝክኣል።

ይኣክል ነጸላ መንደቕ ጥራይ ኣይኰነን። ይኣክል ድርብ መንደቕ ኰይኑ ንስርዓት ኢሳያስ ምውዳቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቲ ድሑርን ቍሸታዊ ትሕዞ ጸኒሓዊ ጻህያይ ፖለቲካዊ እንታይነት ደምበ ተቓውሞ’ውን መንቍስካ ናብ ደረት ምድርባይ ዘጠቓለለ ምዃኑ እዚ መንእሰይ ኤርትራ ኣጻርዩ ክፈልጦ ከም ዘለዎ ክንገብር ኣለና። እዚ ክውንነት ኢዚ’ዩ ነቲ እንታይነት ባህሪ ማራቶን መንእሰይ ኤርትራ ክሕብረና ዝኽእል። ሎሚ ብንቕሓት’ምበር ብሃሰሰ ለባም ንዑናይ ጥራይ ዘዋጽእ መገሻ ኣይኰነን።

ነባር ምሁራት ሽማግለታት (ናተይ ወለዶ) ኣብ ናይ ቀረባ እዋን መደረታቶም፡ ማዕረ ኤርትራ ባህሪያዊ ሃብቲ ከምዘይብላ ገይሮም ዘቕርቡ ኣለዉ። እዚኣቶም ንኣበሃህላ ሃጸይ ሃይለስላሴ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ዘድልየና ኣይኰነን” ዝብል ታሪኻዊ ሰነድ’ውን ከስተብህልሉ ዘይክኣሉ ኣብ ዝፈሸለን ዝኣረገን ኣበሃህላ ዝነብሩ ንሰውራና ዘነኣእሱ፡ ንብረትና ዝግምጥሉ፡ ዘይተበጽሐ ጠለባት ዝሓልሙ፡ ኣብ ጽግዕተኛ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ዝተቐየዱ፡ ናይ ፖለቲካዊ ራኢ ዘኽታማት ስለዝዀኑ፡ መንእሰይ ብሽም ምሁር ክፍሊ መንነቶም ክዝንግዕ ከምዘይብሉ ዝክኣለና መኸተ ከነካይድ ኣለና። ዋእ! ኤርትራ ባህርያዊ ጸጋታት እንድሕሪ ዘይብላ ጸላእትና ንህዝብና ኣጽኒቶም ናመሬትናን ባሕርናን ክጎብጡ እንታይ ጸደፍደፍ ዘብል ኣለዎም? ብሩህ ስለዝዀነ ካብዚ ንላዕሊ ክውጥጥ ግዜ የብለይን።

እዝን ወድ-ኸምዝን ኣብ ግምት ብምእታው ፖለቲካዊ ማራቶን መንእሰይ ኤርትራ (ነብሪ ጎልጎል ኤርትራ) ጥራይ ጒያ ክኸውን የብሉን። እዚ ማለት ውድቀት ኢሳያስ ንመንእሰይና ማለት ነዚ ተካኢ ሓይሊ፡ ሃንደበታዊ (spontaneous) ክኸውን ኣይግባእን።

ኣብዚ እዋን’ዚ መንእሰይና ንስርዓት ኢሳያስን ዝለዓሉን ዝተሓቱን መሻርኽቱን፡ ንስርዓት ዶ/ኣቢይን ዝነኣሱን ዝዓበዩን ኣማኸርቱን ውሽጣዊ ኢትዮጲያዊ ክውንነት ክቕበሎም ስለዘይክኣለ፡ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ሂወት ኢትዮጲያ፡ ሓደ ካብቲ መቐጸልታ ኣፍሪቃዊ ድሕረታዊ ኣመራርሓ ከም ምዃኑ መጠን፡ ዕንቅፋት ናይ ምዕባሌ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣሎ።

በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ምኽንያት ድማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝወሓዘ እንተውሓዘ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያን መሰጋገሪ እምኒ (stepping stone) ካብ ምዃን ሓሊፋ ካልእ ትርጒም የብላን። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ንመንእሰያታ ከተዕቍብ ዘይክኣለት፡ ንመንእሰይ ኤርትራ ከተሳሲ ክውንነታ ዘይፈቕደላ ምዃኑ ስዉር ፖለቲካዊ ሃለዋት ኣይኰነን። ብመጽናዕታዊ ጸብጻብ እኳ ኣየቕርቦ’ምበር፡ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ካብ ኤርትራውያን ንላዕሊ ዘርኢ ምድሪ ዓለም ኰይኖም ከምዘለዉ ከከባቢኻ ብምርኣይ ክግመት ዝክኣል ኢዩ።

እምብኣር ዕጥቂ መንእሰይ ኤርትራ ነዚ ኹሉ ዝጠቐስክዎ ኣብ ግምት ብምእታው ንዘለዎ ፖለቲካዊ ማራቶን ብትሕዝቶን ውደባዊ ቅርጻን ኣሰኒዩ ምሰቲ ኣካሉ ዝዀነ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ጠበቓ ውጹዓት ክዀነና እንጽበዮ ብምትእስሳር ነቲ ዕማም ናይ ለውጢ ጥምጥም ሓዝ ኣይትግደፍ ክተሓሓዞ እንዳተላበኹን እንዳተሓባበርኩን፡ በዛ ብግዜ ብዓል ወዲ ዓሊ ብ ጥሪ 28/ 2003 ዝደርስኩዋ ሰራዊትና ጠበቓ ውጹዓት እትብል ግጥመይ ኣሰኒየ ርሑስ ድሮ ጒንበት 24 ብዓል ሃገራዊ ናጻነት ኤርትራ ብማለት ክፋነወኩም ኢየ።

ሰራዊትና ጠበቓ ውጹዓት

ጥሪ 28/2003 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ጠሓሒሳ እምኒ መደረጋሕ

ቀሪብካ’ምበር ከተብላ ወጋሕ

ኣታ ኲዓዒታ ዓቢ ’ፍራዛ

ቀሪብካ’ምበር ከተርሕዎ ገዛ

ኣንታ ዘይርበሽ ርጉእ መንፈስ

ማህጸን ጅግና ቀሪቡ ክድበስ

ጠበቓ ውጹዓት ኣበካቶ

ብበሪኽ ዝጅምር ዝባን ፎርቶ

ፈዳይ ሕነ ከም ነብሪ ዝውንጨፍ

ይትረፍ ቀትሪ ብለይቲ ዘይዕንቀፍ

ወራስ ንእዲ ብዓል ጻዕዳ ማእሲ

ንስኻስ ክትስእን መደቀሲ!

ኣንታ ፈታው ህዝቡ ብዓል ወኒ

ሓንቲ ዝማሕልኡ ትሕረመኒ

ምእንቲ ሃገሩ ደም ዝነብዕ

ንመስዋእቲ ዝፍርም ኣጻብዕ

እንካ  ብላዕ ‘ተበሉ ‘ኣኽለኒ

ትቕድሞ ብረተይ ሃቡኒ

ስለ ህዝቡ ኣርሒቑ ዝጥምት

እንካ ተኲስ ‘ተበሉ ዝጭምት

ሰራዊት ሃገረይ ብዓል ስረ

ተሰካማይ ኣርዑት ማዕረ-ማዕረ

መስዋእቲ ‘ተርከበ መጸዋዕታ

ሃገርካ ተፍርዮም መተካእታ

መስለኲ ዘይስእን ለዃዂቶ

ኣንቃዕሪርካ ኣቲኻያ ፎርቶ

ዓቐበት ደይብካ ካብ ትኣትዎ

ቍልቍለት ድኣ’ሞ ‘ታይ ኣለዎ?

ኣንታ ጓህሪ ሰራው ናይ ዓድና

ቆሪርና ጸኒሕናስ ኣሚቝካና

ሕጸስ ኣስሚዕካና ምስ ናፍቖት

መርዓ ድማ ጽባሕ ምስ ሕጽኖት

ኣንታ ስየ ለይለይ ጠጥዓለ

ንግደትካ ቀሪቡ ተሓምበለ

ጐደና ሓርነት ትዓዘቢ

ፎርቶ’ኮ በጺሑ ዋሕስ ህዝቢ

መንእሰይ ሃገረይ ብዓል ወኒ

ከም ‘ተርክብ ምዓስ ጠፊኡኒ

ጀጋኑኻ ዝሰፈሩ ‘ብ ታሕቲ

ባዕልኻ ትሰርሖ ‘ቲ ሓወልቲ

ኤርትራ ሀገረይ በራኽ ዋላ

ተቐዲሓ ዘይትጐድል ዒላ

ከይሓወየ ናይ ቅድም በሰላ

ኣብ ውሽጢ ‘ንድዩ ጸኒሑ ሓበላ

ተሃራፊት ኣንቲ መርዓት ሕንኪ

ኣብታ ሕጽኖትኪ ትዓይንኪ

ብዓልቲ እድያት ጽቡቕ ዒላም

ሰዋድያ ትወልድ ፈራይት ላም

ይትረፍ ህግደፍ ናይ ውሻጠ መፍለስ

ደርጊ ኣባሪርክዮ ከምዘይምለስ

ትወልድዮም ዝናር ዝዕጠቑ

ከም ፍረ ጨው ጸላእቲ ዘሕቅቑ

ህግደፍ ዶብ ክሕንጽጽ ሓሶት ሕልሙ

ወኪልና ክኸውን ሓኽሊ ድሙ

ስንቂ ህግደፍ ጥራዩ ተሪፉ

መሶብ ኣህባይ ኰይኑ ቍልቍል ኣፉ

ጅግና ሰራዊትና ‘ንድዩ ነቢሑ

ስዉእ ዝነቓንቕ መቓልሑ

ኣንታ ዋሕስ ህዝቡ ሰፊሕ ልቡ

ፈዲሕካዮም ብዶብ ዘሳብቡ

ፍሽኽታ ሃበኒ ስኒ ርበ

ጸባ ለዋህ ጸጊቡ ዝዓበ

ደሞክራሲ ንዓኻ ትጽበ

ኣርእየኒ ግዜ ከየርከበ።

ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT