Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሂወት ስዒራ

ኣለኹ በል ኣብ ህጉም ዘለኻ ኣብ ምድረበዳ ኣጻምእ፡ በረኻ ጸጋም እንተበልካ ነቕጺ የማን እንተበልካ ነውጺ ጽሓይ ህሮርማ ነራእስ ፈላጺ ቍሪ ለይቲ ንጸጕሪ ዝላጺ ማሕቡስ ዒራዒሮ የብሉን መግለጺ ማእሰርቲ ናዅራ የብሉን መግለጺ ዓዲ ኣበይቶ’ኸ እንታይ’ኺ ትገልጺ፧ ዛንታኺ ንገሪ ብዙሕ ኣይትምጸጺ መንዩ ዓጽሚ ዝሰብር ዘሎ ኣእጋር ሰብ

ኣለኹ በል ኣብ ህጉም ዘለኻ

ኣብ ምድረበዳ ኣጻምእ፡ በረኻ

ጸጋም እንተበልካ ነቕጺ

የማን እንተበልካ ነውጺ

ጽሓይ ህሮርማ ነራእስ ፈላጺ

ቍሪ ለይቲ ንጸጕሪ ዝላጺ

ማሕቡስ ዒራዒሮ የብሉን መግለጺ

ማእሰርቲ ናዅራ የብሉን መግለጺ

ዓዲ ኣበይቶ’ኸ እንታይ’ኺ ትገልጺ፧

ዛንታኺ ንገሪ ብዙሕ ኣይትምጸጺ

መንዩ ዓጽሚ ዝሰብር ዘሎ ኣእጋር ሰብ ዝቖጺ

መንዩ ዝፈትሕ፡ መን’ዩኸ ንሞት ዝሓጺ

ቂዕ በሊ፡ ኣተንብሂ፡ ሃቢ ድምጺ

ሰራው እኳ ተላሒጹ ዘውጽእ ልሕጺ

ኣነስ ንነብሰይ ይብላ ኣለኹ ውጺ፡ ውጺ

ጽናሕ ኢላትኒ በቲ ትሑት ድምጺ

ልሒጋ ኣብ ርሖይ ከም ኣዝማ ትፋጺ

ኣንታ ሕማም ዓሶ‘ድየ ተታሒዘ ሕማም ለምጺ

ዋላ‘ስ ሕማም ዓባይ ሰዓል ንሂወት ዓማጺ

ሎሚ‘ስ ዋሕስ ትኸልለይ ንቤት ፍርዲ ውጺ

 

ኣለኹ በሊ እስርቲ ኣብ ብዓቲ

ጽሓይኪ ዘይትዓርብ ኢላ ፍቲ

ከውታኺ ዘይትነግህ ብለይቲ

ባሕሪ ስቓይኪ ትቐድሒ ብሕፍንቲ

ቃንዛኺ ብጅርባ ትጓርቲ

ሰማይ ተትኸውን ብራና፡

ውቅያኖስ ቀለም ናይ ታሪኽና

ኣየወ ፍትሒ ወጺኣ ምሬኤና

ጸልማት ምኣተዎ መብራህቲ

ብርዒኺ ምጻሓፈ መጻሕፍቲ

መዘንተኺ ኵሉ በብሓንቲ

ናይ ዘሎ ይኹን ናይ መዋቲ

ምተኸፍተ ነይሩ መዛግብቲ

ንፋስ ምኣተዎ ኣጋንእቲ

ጸበል ምሰተና ኣብ ቅርዓት መስዋእቲ

 

ንስኻ‘ኸ መኒኻ፧

ኣእጋርካ ዝተኣስራ በቲ ጥሉል ላኻ

ኣእዳውካ ዝሓለፈን ሞቑሕ ብሰሎኻ

ሄሊኮፕተር እዩ እቲ ሳጓኻ

ኣልማዝ ኢሎም‘ዮም ዝሰምዩኻ

ወረ ገለስ ክርስቶስ እዮም ዝብሉኻ

ተጠውዩ ዝሽንከር መስማር ዕንጨይትኻ

እስከ በል ተዛረብ ባዕልኻ፡ መን ኢኻ፧

ኣብታ ዓባይ ካርሸሊ ትነብር ዘለኻ

ኣቦን ኣደን‘ከ ኣሎዉኻ ዲኻ፧

ድቃስ ዝሰኣኑ ምስ ከድካ በረኻ

ድቃስ ተወዝ ኢላ ዘይትኣትዎም፡ ሶሊዃ

ጨኪና’ዲያ ሓኒኻ

ሂወት ከይደቀሰት ይብልዋ ሓርኒኻ

ክኣሎ እምበር ግርምቢጥ’ዩ ዝሕምብጥ ዘሎ ኣብ ገዛኻ

ምድርቤትካ ኣጋዕዝዩ፡ ዘርከሰ ውሻጤኻ

 

ጓሂኹም ይጐዪ ኣሎ እንዳነሃረ

መከራኹም ይቕልጥፍ ከም በቕሊ እንዳሰገረ

ማሕለኻ ከይብተኽ ብድርብ ተኣስረ

ብሓያላት ኣእዳው ዝተቖጽረ

ብተረርቲ ልቢ ዝኸኸረ

ንብዓትኩም ልሒኹ ምስ መረብ ሓበረ

ዝነቐጸ ከጠጥዕ፡ ነዊሕ ዝሓረረ

ወዮ ሰሃሮኹም ንሳሃራ ሰገረ

መሬት ዓደቦኹም ካብ ኰነትኩም ጸረ

ጭዓ እተብቍል፡ እሾዅ ዳንዴር፡ ዕረ

ዑናታት ኣፍርያ፡ ዑናታት ዘይዕረ

ንዋያት ኣብሪሳ ንዋያት ዘይጥረ

ስጋ ደቃ ትበልዕ ኣላ፡ ዘይተጠብሰ ጥረ

ሓሞት ደቃ ትሰቲ እቲ ኣላ ዝመረረ

ኣምዑት ደቃ ትፈትሕ ኣብ ሳሕል ዝተቖጽረ

ገለ’ኽኣ እልል ይብላ መርድእ ከሎ እቲ ወረ

 

በሉ ኣስምዑና ጥዑም ወረ

መታን ከተጽውዩ እንዳበልኩም ነበረ

እሱራን ትንሳኤ ሙታን ኣሰርዎ ለሰይጣን

ሂወት ስዒራ፡ ሞት ፈሺላ፡ ኣደ ተበሲራ

ክትብሉ ኣምሳዪኡ ወዲ ሰብ ወጺኡ ሓራ

 

ኣለኹ በሊ ሂወት ሕጂ’ውን እንተኾነ

ጸላኢ ካበብዛሕኪ ንዓኺ ዝምነ

ሞት ይቃጸ ኣሎ ክፈድየኪ ሕነ

ኔው ነጀው እንዳለ ነዊሕ ዝሓንሓነ

ብዘረፋ ክወስደኪ ቃሬዝኡ ወደነ

እንሆ ኣብ እንዳኺ ኣእጋሩ ኣጋሕተነ

ሕሾ ከኾልሰኪ ስሚ ዝተጻዕነ

ጽዋእ ከስትየኪ ብስሚ ዝተሓቝነ

ከቶ ኣይትተሃመሊ፡ ውጽዮ እቲ ፈተነ

ዓንዲ ጠጠው ኣይብልን’ዩ ምስ ቆንቆነ

ምስ ሞት ተሓጺኑ የለን ዝደሓነ

ፈላሲ’ኳ ካብ ሞት ዝሃድም፡ ከሎ ዓለም ዝመነነ

ብያ በልያ ንሞት፡ በልያ፤ ክነብርየ እየ ኣነ

ክድሕንየ ከም ኢሳቕ ዝደሓነ

ካራ ተሳሒሉ ኣብ ክሳዱ ምስ ቀነነ

 

ሰለሙን ይከኣሎ

April 2017

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT