Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል)

ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል) (ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልበወለዳዊት) ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን ዝሓለፈ 1ይ ክፋል ባሕሪ በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ዛዚሙ ነይሩ። “ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ

ሃለው ባሕሪ (2ይ ክፋል)

(ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልበወለዳዊት)

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ዝሓለፈ 1ይ ክፋል ባሕሪ በዚ ዝስዕብ ሕጥበ ጽሑፍ ዛዚሙ ነይሩ።

“ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ እሮታ ኣሎ፡ ጽባሕ ነገር ኣሎ ። ‘ባሕሪ’ መጸውዒ ኮድ ጅግና ኢሰያስ ተወልደ(ወዲ ፍላንሳ) እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ቅድምኡ ኣሳፊሑ ዘሎ ግንባር ጸላኢ ክፍንቅል እዩ መጺኡ። ካብ ዝባን እሮታ ንሓዋሩ ክብንቅሶ፡ ሕማቕ ኣቀታትላ ክቐትሎ እናተዳለወ ‘ዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የማናይ ግንባር ሓልሓል ሓዊ ክከዓዎ እዩ። ብርግጽ፡ ብዙሓት መንእሰያት ክረግፉ እዮም። ገሊኦም፡ ድሕሪ ዜሮ-ሳዓት ዘላ መዓልቲ ይኹን ትመጽእ ሳምንቲ ኣይክርእዩወን እዮም። ድሮ ዘፍቀሩ እንተለዉ፡ ፍቕሮም ኣይክርእዩን እዮም። ምላድን ሓድግን ኳ ግደፎ። ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን። ሕጂ ኩሉ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብወገን ጸላኢ እውን ምድላው ኣይተርፍን። ምንቅስቃሳትና ክከታተልዎ ቀንዮም ይኾኑ ‘ዮም። “ ዳህና ሁኝልኝ ፍቅርዬ” ዝበሉን ስእልታት ኣፍቀርቶም ዝሰዓሙን ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብርግጽ፡ ደም ክፈስስ እዩ። እዚ ከባቢ እዚ ለሚድዎ እዩ። ን22 ዓመታት ደቂሰባት ክተሓረዱሉ ጸኒሖም እዮም። ከም ልሙድ ስራሕ እዩ ተወሲዱ። ናይ ሎሚ ዓራርቦ ሰማይ ከይተረፈ ዘይንቡር ኣዝዩ ደም ሰሪቡ ኣሎ። ሕማቕ ፋል። ነገራቱ ክሉ ንሞት የዘኻክር። እቲ ኣየር እውን ደም-ደም ይሽትት ኣሎ። ሃለው ባሕሪ………..”

2ይ ክፋል ይቅጽል፡

ዝኽርታት ግንባር ናቕፋ

ብ1981 ካብ ቤ/ት/ሰውራ ናብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተወዚዐ። ንክልተ ዓመታት  ኣብ ሓይልታት ድሕሪ ምጽናሕ ድሮ ሰላሕታ ወራር ምስ ስዉኣት ብጾት ሃይለ መጎስን  ሃብተልኡል ልጃምን ኦፐረተራት ወዲ ፍላንሳ ክንከውን ተመደብና። ሃይለን ሃብተልኡልን ክልቲኦ ም ዕባያት ቤ/ት/ሰውራ ብምንባሮም ጽቡቕ ሌላ ነይሩና። ወዲ ፍላንሳ እውን ኣየጋየሸናን። ውሩይ መራሕ ኲናትን በዓል ዝናን ስለዝነበረ፡ ሓቂ ይሓይሽ ኩርዓት ተሰሚዑና። ተጋደሊት ሚርያም(ሰይቲ ወዲ ፍላንሳ) ኣብተን ንወዲ ፍላንሳ ክትበጽሕ ዝመጸትለን ውሑዳት እዋናት ነቲ ኣሃዱ ዘይሃስስ ጦብላሕታ ገዲፋትሉ እያ። ርእሳ ዝኸኣለት ጅግና ነይራ።

ሓደ ግዜ ሚርያም ገና ኣብ እንዳ ዜና ኮላ ክትበጽሓና ትመጸእ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ናይ ሓንቲ ቦጦሎኒ ምዝንጋዕ ነይሩ’ሞ ናብኡ ንኸይድ። እቲ ናይ መርኢት ቦታ ኣብ ጸግዒ ድፈዖም ዝተደኮነ ዳስ ኮይኑ፡ ኮፍ መበልኡ ብኣእማን ዝተሰርሐ ክባዊ ሪጋታት ዝሓዘ፡ ኣብ ቅድሚት ድማ ነቶም ስነጥበኛታት እተገልግል ብርኽ ዝበለት መድርኽ ነይሩዎ። ንእሽቶ ትያትር ጥንታዊት ሮማ ይመስል።  ንእሽቶ እፎይታ ኣብ ትርከበሉ ግዜ ከምዚታት ዓይነት መደባት ልሙድ እዩ። ኵናት ወላ ነቲ ብዘይክኡ ካልእ ዋኒን ዘይፈልጥ ሰብ የስልኪ እዩ። እቲ ልሙድ ግጥምታትን ኮሞዲታትን ደርፍታትን ዝሓቖፈ ዕሙር ምርኢ ጀሚሩ። ተዋሳእትን ደረፍትን ንሕጽረት ኣልባሳትን ካልእ መሳርሒታትን ዝምልከት ሽግራት ብጥበብ ፈቲሖሞ መሳጢ መዘናግዒታት የቕርቡ ነይሮም ። ወዲ ፍላንሳ ሕልፍ ዝበለ ፍቕሪ ድራማን ሙዚቓን ነይርዎ። ጽሑፋት የበርክት ከምዝነበረ እውን ሰሚዐ ኣለኹ። ብዝኾነ፡ ኣብዛ መዓልቲ’ዚኣ ወዲ ፍላንሳ ሓንቲ ከብተን ድራማታት ኣዝያ መሲጣቶ መስለኒ ንመንከሱ ብኢዱ ደጊፉ ኣዕንቱ ቀው ኣቢሉ ይዕዘብ ነይሩ። በታ ድራማ ዝተማረኻ ኣዕንቱ ጸጸኒሑ ዝለዓል ዝነበረ ደሮና እውን ከሸግረን ኣይተራእየን። ኣብ ጎኑ ዝነበረት ሚርያም ንደቃይቕ ድሕሪ ምዕዛባ ” በል ኣፍካ ሃመማ ከይኣትዎ” ኢላ ብሞንኩባ ድፍእ ኣበለቶ። ወዲ ፍላንሳ ነቲ ዝዕዘብ ዝነበረ ሰብ ብዓይኑ ኮሊሉ ናብ ሚርያም ምልስ ኢሉ ” ኣይኩላ እንድያ ማዕጾ ኣፋ ኣርሕያ ዘላ። ንምዃን፡ እንዳ ዜና ፊልምታት ኣይትስእኑን ትኾኑ። ንሕና’ኮ እዚ እዩ ሲነማና። ርኣዪ’ሞ ተጋዳላይ!  ኣብ ማእከል ኲናት ብዛዕባ መጻኢት ኤርትራ ይሓልም። ኣይግበሮ’ምበር፡ ጽባሕ ነዞም መንእሰያት’ዚኦም ዘናሽዉን ልዕልኦም ዝምድሩን ኣይክሰኣኑን ይኾኑ። ካብኡ ዝኸፍአ ከኣ፡ ስልጣን ምስ ጠዓሞም ኣሉ ቀጣን ምስ ዝብሉና’ዩ። ነዚታት ሲ ጽቡቕ ክተንጸባርቕዎ ኣለኩም። ንገርዮ ንሸሪፎ” በላ። እቲ ድራማ ብዛዕባ’ታ ተጋዳላይ መታን ከረጋግጻ ዝዋደቐላ ዝነበረ  መጻኢት ኤርትራን ብዛዕበኣ ዝነበሮ ራእይን ሃንቀውታን ዝገልጽ ‘ዩ ነይሩ። ወዲ ፍላንሳ ምስ ተጋዳላዩ ዝነበሮ ቅርበት ዘርኢ ኣጋጣሚ እዩ ነይሩ። ጸገሞም ጸገሙ ነይሩ፤ ሕልሞም ሕልሙ። ኣብ ውትህድርና ወተሃደር ‘ኳ እንተነበረ፡ ሽግር ተጋደልቲ ክርዳእን ክፈትሕን ዝጽዕር ከምዝነበረ ኣብተን ምስኡ ዘሕለፍክወን ኣዋርሕ ክርእዮ ክኢለ። ተጋደልቲ ብሽሙ ክጽውዕዎ፡ እንዳኸደ ደው ኣቢሎም ክዛረብዎን ክጫረቑዎን ተዓዚበ እየ።

ኣብ ካልእ እዋን፡ ኣብ ድሮ ሰላሕታ ወራር ወዲ ፍላንሳ ንሓንቲ ጦሎኒ ሒዙ ናብቲ ብሸነኽ ዓንሳባ እናጎሃረ ዝመጽእ ዝነበረ የማናይ ክንፊ ግንባር ናቕፋ ተንቀሳቀስና። ኣብዚ ወራር እዚ ጸላኢ ነቲ ናቕፋ ንምሓዝ ደጋጊሙ ዝፈሸለሉ ግንባራዊ መጥቃዕቲ ገዲፉ ጎናዊ/ክንፋዊ ፈተነታት የካይድ ነይሩ። ቀንዲ ስልቲ ጸላኢ ምምጣጥን ምልሕላሕ መስመር ህ.ሰ. ነይሩ። እቲ ብሓልሓል ዝኸፈቶ ሓድሽ ግንባር እውን ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር እዩ ነይሩ። ከምዝዝክሮ ንብ/77 ክንድርብ ኣብዚ ሓድሽ ቦታ ማለት ሮራ ላባ ምስ መጻእና እቲ ቦታ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ርሱን እቶን ተቐየረ። ተጋዳልይን ጸላእን ኣብ ዘየቋርጽ ህልኽ ዝመልኦ መጥቃዕትን ጸረ መጥቃዕትን ተጸሚዶም። ኣብ ሮራ ላባ ኣባላት ፖ/ቤት ጽሕፈትን ኣዘዝቲ’ቲ ግንባርን ዝርከብዎም ብዙሓት ሓለፍቲ ነይሮም። ብዙሓት መሳትኡ መራሕቲ በራጊድ ኣብቲ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ግንባር ዝነበርዎ ጎቦ ክነብሩ ከለዉ፡ ንሕና ግን ንበይንና ኣብ ንእሽቶ ታባ መኣዘዚ ቦታ ሓዝና። ኣብ ስራሕ ዲስፕሊን ከምዝነበሮን  ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ የኽብሮም ከም ዝነበረን ኣየጠራጥን ‘ዩ። ብደረጃ ውልቃዊ ጉዳያት ግን ምስቶም ሓለፍቲ ሕጉስን ሕዉስን ከምዘይነበረ ንዕዘብ ነይርና።

ሓደ እዋን፡ ናይ ንእስነት ነገር ኮይኑ ምስቶም ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሰንዮም ዝነበሩ መተዓብይትና ኦፐረተራት ክንከውን ስለዝደለኹ፡ መልእኽቲ ድሕሪ ምሃበይ “ንምንታይ ምስኦም ዘይንኸውን?” ኢለ ሓተትክዎ። ከም ወትሩ ፍሕሽው ኢሉ ናባይ ድሕሪ ምጥማቱ ፍሽኽ በለ።

“ እሂ ተጋግየ ድየ?” ሓተትክዎ።

“ ኖኖ ኣይተጋገኻን። ግን ግዜ ምስ ኣኸለ ክበርሃልካ እዩ። ሕጂ ግን ሬድዮኻ ተኸታተል” በለኒ።

ድሕሪ ቅሩብ ኣዋርሕ፡ ወራር ጸላኢ ዘፍ ስለዝበለ ናብ ቦታና ናብ ናቕፋ ተመለስና። ምክትል ወዲ ፍላንሳ ዝነበረ ሃይለ ቻይና ኣዛዚ ግንባር ሓልሓል ኮይኑ ናብኡ ተቐዪሩ። ወዲ መጎስ መቸም ተጫራቃይን ቅሩብ ድፍር ዝበለን እንድዩ ነይሩ፡ ሓደ መዓልቲ ንወዲ ፍላንሳ ክፈታትን ደልዩ። “ ወይለይ፡እዛ መሳልል ደኣ ከመይ ድያ? ምክትል ብርጌድ ንመራሕ ብርጌድ ዝእዝዘሉ ግዜ ግዲ ክንርኢ ኢና። ቻይና ኣዛዚ ግንባር ሓልሓል ኮይኑ ሰሚዕና” በሎ ከም ጸወታ ኣምሲሉ። ወዲ ፍላንሳ ከም ኣመሉ ፍሽኽ እና በለ “ ኣንታ ቆልዓ ቅሩብ እንዶ ኣይጎየኻን። ሎሚ  ከኣ ኣዘዝቲ ግንባራት ክትሽይምን ክተወርድን ጀሚርካ!! ኤእ ቅሩብ ዓመታት ከድልየኪ እዩ” ኢሉ ንጭርቃን ወዲ መጎስ ብጭርቃን መለሶ። ብርግጽ እንታይ ተሰሚዕዎ ከምዝነበረ ክንፈልጥ ኣይንኽእልን ግን ክዛረበሉ ዘይደሊ ምዃኑ ተረዲእና።

ሓደ ካልእ መዓልቲ ኣብቲ ከባቢና  ዝነበሩ ኣዘዝቲ ግንባርን ካልኦት መራሕትን ስጋ ሓሪዶም ስዋ ክሰትዩን ወጃዕጃዕ ክብሉን ይጸንሑና። ኣነ “ሎሚ ተረኽበት” ኢለ ተሓጎስኩ። ወዲ ፍላንሳ ግን ዘምጸኦ ጌሩ “ተበገስ” በለኒ። ገሪሙንን ተኸኽ ኢለን። ካብቲ ቦታ ፍልይ ምስ በልና ሓደ ዝፈልጦ ኣባል ፖሊት ቢሮ “ ወዲ ፍላንሳ…ወዲፍላንሳ” ህውኽ ህውኽ ኢሉ እንዳጸወዐ ሰዓበና። ተጸቢናዮ። “ እንታይ ደኣ ምሳና ዘይተምሲ?” ኢሉ ንወዲ ፍላንሳ ሓተቶ። ሰብኣይ ቅሩብ ሞይቅዎ ከምዝነበረ ርኡይ ነይሩ። ወዲ ፍላንሳ ዓይነ-ዓይኑ ጠሚትዎ” ኣንታ ታኵላ ነተን ኣጣል ወዲእካስ ነዓይ ዲኻ ክትደግመኒ ደሊኻ?” መሊስሉ ገዲፍዎ ተበገሰ። ሽዑ እቲ ድፍረቱ ገሪሙኒ። ግዜ እና ወሰድኩ ግን ንወዲ ፍላንሳ ክመሃሮ ክኢለ። ብሱሩ ፍሊ ዝበለ ሰብ እዩ ነይሩ። ብርእሱን ስርሑን ዝተኣማመን፡ ወካዕካዕን ግበረለይ-ክገብረልካን ዘይፈቱ ተባዕ ተጋዳላይ ምንባሩ እዕዘብ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣብቲ ከባቢ ስዋታትን ምስኡ ዝኸይድ ሕማቕ ጠባያትን ይረአ ነይሩ ‘ዩ። ወዲ ፍላንሳ ከብዚ ናጻ እዩ ነይሩ። ብዘይካ እታ ንስራሕ ትወሃቦ ሻህን ሽጋራን ካልእ ብፍሉይ ዝረአ ሓለፋታት ርእየሉ ኣይፈልጥን።

ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ፍጹም ዘይትርሰዓኒ እታ መስዋእቲ ሚርያም ዝሰምዓኩላ መዓልቲ እያ። ወዲ ፍላንሳ ብከመይ ከም ዝሰምዐ ኣይፈልጥን። መልእኽቲ ከብጽሓሉ ምስ መጻእክዎ ክነብዕ ጸኒሑኒ። ጥራዝ መልእኽተይ ኣብ ኣፍ ልበይ ጌረ “ ወዲ ፍላንሳ ደሓን ዲኻ” ሓተትክዎ።  ናባይ እናጠመተን ዕግትዕግት እናበለን “ ሚርያም ተሰዊኣ።ቀዲማትኒ ሚርያም” በለኒ። እብ መንጎና ሱቕታ ሰፈነ። እንታይ ከምዝብሎ ሓርበተኒ። ንሱ ግን ገጸይ ምስ ረኣየ  “ ኣጆኻ፡ ደሓን ዘይኩላትና ሓለፍቲ ኢና” ኢሉ ኣተባብዓኒ። ናብ ሃይለ መጎስ ድማ ተመለስኩ። ሃይለ መጎስ ዓይነይ ዓዝዒዙ ምስ ረኣየ ገለ ዝኾንኹ መሰሎ’ሞ “ እንታይ ዲኻ ኮይንካ ሃብቶም? ደሓን ዲኻ?” ኢሉ ተረቢሹ። ምስነገርክዎ ንሱ’ውን ካባይ ገደደ። “ እዋይ ሚርያም ኣላ እንዳበልና..” ኢሉ ክንኽነኽ ጀመረ። ኩነታት ክትእየድ ምስ ረኣየ መስኪን ወዲ ፍላንሳ ነብሱ ተቆጻጺሩ ኣብ ምእባድና ኣተወ። ብዛዕባ መስዋእቲ ከኣ ክምድረና ጀሚሩ። መጀመርያ ኣጸጊምዎ ነይሩ ደሓር ግን ድምጹን ንብዓቱን ተቆጻጺሩስ ነዊሕ ተዛሪቡና። ግዜ ምስ ሓለፈ፡ ኣነ እውን መስዋእትታት ዝፈትዎም ብጾተይ ምስ ረኣኹ ንወዲ ፍላንሳ  ናይ ብሓቂ ንኢደዮ። ኣብ ግዜ ሓዘን ከም ሰብ መጠን ነቢዑ ክንሱ፤ ትርን ጽንዓትን ኣብ ዝደለናሉ ግዜ ግን ከም ተጋደልቲ መጠን ክንጸንዕን ክንክእሎን ምዒዱና። ከም ኣቦ ማሙቕ ኮይንና። እቲ ካብ ዝስለፍ ኣትሒዙ ክሳብ’ታ ዕለት’ቲኣ ብጾቱ ክቀብርን ክስጉምን ዝነብር ዝነበረ ወዲ ፍላንሳ፤ እቲ ንህ.ሰ. ሃኒጹን ከተማታት ሓራ ኣውጺኡን ንሳሕል ዝተመልሰ ምዑት ሽደን፤ እቲ ስሙን ዛንትኡን ካብ ስምን ዛንታን ግንባር ናቕፋ ክትንጽሎ ዘጸግም ጅግና፤ እቲ ኣብ ሓምሻይ ወራር ብበጦሎኒ ዘይኣክሉ ጀጋኑ ተጋደልቱ ንግብረሃይል ዝኣክል ሓይሊ ጸላኢ ኣብ ግንባር ዓገት ገጥ ድሕሪ ምባል  ምስ ኣዛዝኡ ዝደምሰሰ ናይ ወተሃደር ወተሃደር፤ እቲ ብ1979 ኣብ ኢትትሓለብ (ኢትሓልበብ) ንውሑዳት ኣባላቱ ሒዙ ብዘይሕሰብ ጸድፊ ብድሕሪት ሓዂሩ ንጸላኢ ብኳለትኡ ዓትዒቱ ዝማረኸ ጀግና ይከኣሎ፡ ኣብ ሚርያም በጺሑስ ኣይከኣሎን። ለካስ ተጋደልቲ የፍቕሩ እዮም………….ኣብ ኲናት፡ ፍቕሪ ኣሎ፤ ኣብ መንጎ’ቲ ዘናውጽ ሃሚ መዳፍዕ፡ ሱቕታ ኣሎ፤ ኣብ እዋን ነድርን ቁጥዐን ፡ ህሞታት ሓዘንን ለውሃትን ኣሎ። ወዲ ሰብ ወዲሰብ ምዃኑ ኣይተርፎን። ብዙሕ ገጻት ኣለዎ። ሃለው ባሕሪ……………..ናብ ግንባር ሓልሓል ክንምለስ።

ባሕሪ ኣብ ግንባር ሓልሓል

ብርጌድ 58 ናብ ሓልሓል ምስ ተጸወዐ ንኣዛዝኡ ወዲፍላንሳ ሓድሽ መጸወዒ ኮድ እዩ ተዋሂብዎ-ባሕሪ። እቲ ተመዲቡ ዝነበረ መጥቃዕቲ በዳሂ ከምዝኸውን ፍሉጥ ነይሩ። እሮታ ገዛኢ ቦታ እዩ። ንግንባር ዓስርተ/ሓልሓል ምስቲ ብምዕራብ ምስ ይካርዕን ሕሩምን ተዓጺፉ ዝነበረ ግንባር ይኣስሮ። እቲ ቦታ ብኩሉ ወገኑ ተወቃዒ እዩ። ብብዝሒ ፈንጅታት ተዘሪእዎ ነይሩ። ምዉት መሬትን ኮረብታን ዝበዝሖ ኮይኑ፡ ድፋዓት ጸላኢ ነንሕድሕዱ ከም ዝሕሉን ዝሽፍንን ኮይኑ እዩ ተሰሪቱ ነይሩ። ስለ’ዚ ከም ሓድሽ ኣሃዱ መጠን  ነቲ ዝጥቃዕ ዞባ መታን ክነጽነዖ ብሳልስቱ  ጠገለ ዘይብሉ ምንቅስቓሳት ክንገብር ጸኒሕና። ወዲፍላንሳ እቲ ዝወጸ ውጥን መጥቃዕቲ ታሕተዎት ኣዘዝቲ ኣሃዱኡ ከምዝርድእዎ ከረጋግጽ ኔርዎ። ብኡ መሰረት ቀጻሊ ኣኼባታት ሓለፍቲ ናይቲ ብርጌድ ይካየድ ነይሩ። እቲ መጥቃዕቲ ንኹሉ እቲ ግንባር ስለዝሽፍን ካልኦት ብርጌዳት እውን ብጸጋምና ነይረን እየን። ስለ’ዚ ምስኣተን ምትእስሳርን ምውህሃድን እውን የድሊ ነይሩ።

ንቅርጻ መሬት ይኹን ንኣወዳድባን ኣተሓሕዛን ጸላእን ከምኡ’ውን ሓይሊ ቶኽሱ ብሞደል እንዳተሰነየ ንታሕተዎት ሓለፍቲ ገለጸ። ሸቶታቶም ከምዘፈልጡን ከምዘጽንዕዎን ተገብረ። ንዞባ ስርሒቱ ኣብ ነእሽቱ ቁንጮ-ቁንጮ መቃቀሎ። ነተን ቆራሪጹ ኣሃዱታት ዝወሰነለን ዞባታት ስርሒት እቶም ሓለፍቲ ዝርድእዎ ኣስማት ሃበን- ደንደን፡ ሓሬና፡ ጻብራ፡ ዓራግ…ወዘተ። ወተሃደራዊ ኣሃዱ ልክዕ ከም መኪና ክምሰል ይከኣል። ጽቡቕ ዝተቀብአ/ ዝተዘየተ መኪና ንነዊሕ ከስረሓካ ይኽእል። ዝፋለጥን ዝተወሃሀደን ኣሃዱ ከኣ የድምዕ። ኣብዚ ስራሕ እዚ ውህደትን ምትእምማን ወሳኒ እዩ። ናብ ዝተወሰነልካ ሽቶ ክትግስግስ ኮለኻ ብየማነ-ጸጋምካ ዘሎ ክፋል ኣሃዱኻ ክትኣምን ኣሎካ።  ወዲ ፍላንሳ ኣሃዱኡ ከም ሓደ ኣካል ከም ዝስጉም ገይሩ እዩ ሃኒጽዎ።

ነብሰ-ወከፍ ምዕራፍ ናይቲ ውግእ ብግዜን ቦታን ተኣሲሩ ተቐሚጡ። እሃዱታት ኣብ ዝተወሰነ ዕለትን ሳዓትን ኣበይ ክበጽሓ ከምዝግበአን ተነጺሩ። ኣብ ህ.ሰ. እታ ዝተሓተት ኣሃዱ መስርዕ እያ። ሰለስተ መሳርዕ ንጋንታ፤ ሰለስተ ጋንታታት ንሓይሊ፤ ሰለስተ ሓይልታት ንበጦሎኒ፤ ሰለስተ በጦሎኒታት ድማ ንብርጌድ የቑማ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብርጌድ እታ ዝለዓለት ኣሃዱ ህ.ሰ. እያ ነይራ። ናይቲ ግዜ ብርጌድ ከባቢ 1000 ተጋደላይ ትሕዝ ትኸውን። ካልኦት ተደረብቲ ኣሃዱታት ከም ሕክምና፡ ኤምዳድ፡ ከቢድ ብረት፡ ሃንደሳ፡ ስለያ…ወ.ዘ.ተ እውን ኣለዋ። እቶም መራሕቲ ባዕሉ ዝመልመሎም ስለዝነበሩ ጽቡቕ ውህደት ስራሕ ነይርዎም። ኣብ ቅድምኡ ዝነበሩ ኣዘዝቲ ጸላኢ እውን ኣብ በበይኑ ውግኣት ዝገጠሞም ስለዝነበሩ፡ ድኽመቶምን ሓያል ጎኖምን ይፈልጦ ነይሩ።  ወስ እንተቢሉ እንታይ ዓይነት ምዩቕታ ከም ዘርእዩ ደሓን ዝኾነ ግምት ነይርዎ። ስለ’ዚ ናይ ምግጥጣምን ምጥዕዓምን ስራሕ እዩ። ኣየነይቲ ኣሃዱኻ ነየነይቲ ኣሃዱ ጸላኢ ትገጥም። ምስ ናይ ፓዝል ስራሕ እዩ ዝመሳሰል።

ሰራዊት ብከብዱ እዩ ዝማረኽ ይበሃል። እዚ ኣብ ተጋዳላይ ኤርትራ ዛጊት ዘይሰርሐ ‘ኳ እንተነበረ፡ እቲ ዝጽበየና ዝነበረ ስራሕ ግን ጎቦታትን ሰናጭሮን ዘጠቓለለ ሰፊሕ ቦታ ስለዝነበረ ደገፍቲ ኣሃዱታት ደድሕሪ ተዋጋኣይ ሰራዊት ክስዕባ ክኽእላ ነይሩወን። ብፍላይ ናይ ቀዳማይ ረድኤት ኣሃዱታት። ወዲ ፍላንሳ ዓወት በቲ ናጻ ዘውጸኦ ኩርባን ጎቦን ዘይክነ ብመጠን ዕቃቤ ሂወት ተጋደልቱ እዩ ዝልክዖ ነይሩ። ዝኽፈል ሂወት መታን ክውሕድ ታሕተዎት ሓለፍቲ ስልቶም ከመሓይሹን ክጣበቡን እዩ ዝምህርን ዝከታተልን ነይሩ። ስለ’ዚ፡ ኣብዚ ኣኼባታት’ዚ እውን እቲ ቀንዲ ዛዕብኡ ከመይ ገይሩ ብዝወሓደ ክሳራ ዕላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ይወቅዕ ‘ዩ ነይሩ።  ናይ ዕጥቅን ስንቅን ጸገም ዝበዝሕ ግዜ ንእግረ መገድኻ እዩ ዝፍታሕ። ቀዳማይ ድፋዕ ምስ ፈረሰ ናይ ፈኮስቲ ኣጽዋር ሽግር ይቃለል። ቅሩብ ምስ ደፋእካ ነዋሕቲ ማሽንጋናትን ነኣሽቱ ሞርታራትን ዘለዎ ቦታታት ትሕዝ። መዓልትኻ እንተጸበቐ ከኣ ብእዋኑ ነቲ ከበድቲ መዳፍዕን ናይ እዚ ቦታ ዘሎዎ ደጀናትን ትቆጻጸር። ኣብኡ መካዚኖታት ኣሎ-ሽሻይ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ሓለፍቲ መብርሂታት ናይ ብምልኡ ብርጌድ ኣኼባ ተኻየደ። ሓጻር መግለጺ እዩ ሂቡ። “ ብጾት ሕጂ’ውን ታሪኽ ክንሰርሕ ኢና። ነዚ ኣብ ቅድምና ዘሎ ጸላኢ ጸራሪግና ከረን ከንእትዎ ኢና” ኢሉ እቲ ሓፈሻዊ ንምውህሃድን ቅልጣፈን ተወፋይነትን ዝምልከት ለበዋታት ሃበ።ንኣእዛን ዘናውጽ ጣቕዒትሰዓበ። ኣኼባ ምስ ተዛዘመ ተጋዳላይ ኣብ ምስዕዓም ኣተወ። ብኣፎም ደኣ ኣይበሉዎ’ምበር ናይ ምፍናው ከምዝነበረ ዝጠራጠር ሰብ ነይሩ ኣይብልን። ኣብታ ድሕሪ’ዚ ውግእ’ዚ እትግበር ኣኼባ ዘይርከቡ ብጾት መን ምዃኖም ብልክዕ ዝፍለጥ ‘ኳ እንተዘይኮነ፡ ካብቶም ዝሰዓዓሙ ዝነበሩ ተጋደልቲ ገሊኦም ከምዘይርከቡስ ብሩህ እዩ ነይሩ። ንሓዋሩ ክፍለዩ እዮም። ስለ’ዚ ከኣ እዮም እቶም ተጋደልቲ ድሕሪ’ቲ ኣኼባ ከምቲ ንዓመታት ዝተናፈቑ ኣዕሩኽ ዝገብርዎ ወካዕካዕ ንነዊሕ ዘዕለሉን ዝተጫረቑን። ይቕረ ዝተበሃሃሉ’ውን ኣይሰኣኑን። ብሓንጎሎም ናይ መወዳእታ ምስልታት ብጾቶም ዝቐርጹ ዝነበሩ  ይመስሉ። ዝኽርታቶም የትርፉ ነይሮም። ካብ እንስሳታት እቲ ሞት ከምዘሎ እናፈለጠ ዝመውት ወዲሰብ ጥራይ እዩ። ኩነታቶም ዘይተረድአ’ሞ ፍሕሽው ገጾምን ፍሽኽተኦምን ጥራይ ዘንበበ ሰብ እዞም መንእሰያት’ዚኦም ናብ ኲናት ክብገሱ ተነጊርዎም ከምዝነበረ ክኣምን መጸገሞ ነይሩ። ውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝዓሰሎ ዓለም ኣብ መንጎ ሂወትን ሞትን ሓጎስን ጓህን ዘላ ደረት ኣዝያ ቀጣን እያ። ምፍልሳፍ ግዜ ኣለዎ። ሕጂ ግን ግዜ ውግእ እዩ። ነብሰ-ወከፍ ታባን ሕሉምን ዋጋ ከምትጠልብ ፍሉጥ ነይሩ። ነብሰ-ወከፍ ኪሎመተር ደም ክሓትት ‘ዩ። ኲናት ክፉእ እዩ። ግንባር ሓልሓል ጸሊም ደበና ይንጥልጠሎ’ሎ። ጽባሕ ነገር’ሎ።  ሃለው ባሕሪ……….

ይቅጽል

ተራኺ= ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ= ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
37 COMMENTS
  • belay nega December 27, 2013

    Dear Mighty,

    “What is that Ethiopians question & how should we address it?”

    ሕቶ ኢትዮጵያውያን አፍደገ ባሕሪ እዩ::ንሕና ክአ ክልተ አማራጺ አለና
    1)ልክዕ ከምቲ ንሳቶም ክሳብ ዝጥዕሞም አብ ሪፈረንዱም “ምእንቲ መጎጎ ትሕለፍ አንጭዋ” ዝገበርዎ ምግባር
    2)መጎጎና ብሐጺን ሰሪሕና ዘዝመጸት አንጭዋ ምቍላብ

  • marsa December 27, 2013

    Why is Teweldemedhin so mad about the writer is there something behind it , Why did he want to look more concerned from the rest of us.let me tell you something we have a lot of brothers and sisters who lost their lives on struggle and still we do not know how they die, I could have given a lot of names beginning with my brother but we can’t say any thing before we get a prove all we hear is rumors.

    • ተወልደመድኅን December 27, 2013

      ዝኾነ ነገር ኣስተውዒልካ ኣንተሪኢካዮ ጥራሕ ኢካ ትርጉም ትረክበሉ።ንስካ ትብሎ ዘሎካ ንሕና ብዙሓት ንትረኻ ሃብቶምን ን ኣጸህህፋ ማሕሙድ ክንንእድ እንከሎና ስለምንታይ ከማና ዘይከውን’ዩ።ብሕጽር ዝበለ ካል ኦት ክገብሩዎ ከለው ንስካ ስለምንታይ ዘይትገብሮ ንነዊሕ ኦኣመታት ኣብ ውሽቲ ህዝብና ዝሕንብስ ዚነበረ ፍርሂ’ዩ ኣረኣኣያካ።ግድን ኣይኮነን ከምቲ ንስካ ትሃስቦ ክሃስብ፡ነዚ ኣገባብዚ ዝቕበል ህግደፋዊ ምልካዊ ጸቓጢ ኣገባብ ጥራሕ’ዩ።…..ብዛዕባ ብዙሃት ኣሃት ከምዘለውካ ይፈልጥ።ኣነውን ካብቶም ብዙሃት ህልዋት ኣሕዋት ክከውን ይኽእል።ኣነ ጸላኢ ወይ ወያነ ወይ ኣምሃራይ ኮይነ ኣይኮነን ርእይቶይ ወስ ዘበልኩ፡ሃዊቶም ስው ኣት’የ።እቲ ንሶም ዝተሰዋሉ ኦላማ ክትቀመሉ ኣሎኒ።ንሳቶም ንነጻነት ፈሪሀ ርእይቶይ ከይቀትል ርእሰይ ከር ኣቢለ ክከይድ ኢዮም ተሰዊኦም።ናተይ ርእይቶ ፍሉይን ኣጣራታሪ ኣይኮነን።ርግጽ ንሃደ ጉዳይ በብናትና ኦኣቕምን ክእለትን ምስ ኩነታት ኣነባባርና ተተሃሂዙ ካብ ዝመንጨወ ኩነታትን ኅልናን ገይርና ኢና ንመዝኖ።ብ ኡ መሰረት ከ ገምጋምና ንህበሉ፡ንርደኦ ከኣ።ስለዚ ነቲ ኣገላልጻ ንስውኣት ምዝካር ገይርካ ወሲድካዮ።እዚ ግን ከም ኡ ኣይኮነን።ብፍላኡ ሽም ሓደ ስዉእን ታሪኹን ክተዘንቱ ናቱ ኣገባብ’ምበር ናትካ ምህዞ ኣየድልንዩ።ኣነ ዝበልኩ ከኣ ልቢ ወለድ ገይርኩም ኣይተዘንትው’የ ዝበልኩ።ስለዚ ኣጸቢቅካ ተረዳኣዮ፡እንተደ ካልእ ኣናሃሰብካ ፈለማ ምስ ዝመጻካ ሃሳብ ተቐዳዲምካ ትጽሕፍ ኣሎካ ትጋገ ከይትህሉ ህስበሉ።ኣነ ነቲ ቀዳማይ ጽሑፍ ደጋጊመ ኣንቢበዮ ኢየ

      • mahmud saleh December 27, 2013

        ሓው ተወልደመድህን፡ እቲ ዝኽርታት ሓቀኛ እዩ። ዝተማህዘ የብሉን። ብምሉአን ኣብ ጠቕሲ ኣትየን ዘለዋ ሃብቶም ዝዝክረን ሓቀኛ ዕላላትን ኣጋጣሚታት(conversations/incidents) እየን። ብሙሉአን። “ልብ ወለድ” ናተይ ሓሳብ እያ ነይራ ‘ምበር ሃብቶም ኣይፈተዋን። ኣነ ድማ እቲ ስዉእ ኣብ ውሽጢ ግዚኡን ኩነቱን(situation)ክርእዮ ብኣኡ ኣቢለ ንመጋደልቱን ሂወቶምን ክገልጽ ደልየ። ጽሑፍ ሕቶታት ከልዕል ከሎ ‘ዩ ጽቡቑ እሞ ስለ ‘ቲ ተገዲስካ ትህቦ ዘለኻ ርኢቶ ናይ ብሓቂ የመስግን። ልዕሊ ዓቕምና ኣይተሓተናን ትኸውን። ኣነ ቅድሚ ሕጂ ከምዝሓበርኩኻ ንወዲ ፍላንሳ ኣይፈልጦን እየ። ዝንኡ ግን ከይተሰወአ ኣሰምዕ ነይረ። እቲ ዝተሰወኣሉ ግንባር ክምስረት ከሎ ብ1983 ኣብኡ ነይረ፡ ብ1988 ክፈርስ ከሎ እውን ኣብ ክፍልታት ኣብቲ ከባቢ ነይረ። ግዜ ወሲደ እየ ኩሉ ዝተጸሓፈ ካብ ጠባይን መንፈስን እቲ ስዉእ ከይርሕቕ። ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዝሓበርኩኻ እውን እዚ ታሪኹ ይኹን ካልእ ምስ መስዋእቱ ዝለዓል ሕቶታት ክምልስ ዝተበገሰ ኣይኮነን። ክንዝክር ደሊና ዓቕምና ዘፍቅዶ ከኣ ንገብር ኣለና። ብምልኡ ኣብ ጠቕሲ ኣትዩ ዝሎ ይኹን እተን ዝክርታት ሃብቶም ከምዝዝክረን ናይ ብሓቂ ምኳነን ከረጋግጸልካ እፈቱ። ኩሉኽምን ኣሕዋት ድማ፡ ክትዕ ኣይጽላእን እዩ ምኽንያቱ እዚ ፎሩም እዚ ንዕኡ ከገልግል ዝተፈጥረ ስለዝኾነ።

        • abraha Hagos December 28, 2013

          ን ኢሳያስ ትፈልጦ ትመስል።ካብ ነዊሕ ትስልዮን ቅርብ ኢልካ ትርእዮ ምንባርካ’ዩ ዘምስል ጽሑፍካ ወይ ባዕልካ ዝሰናዕካዮ ኢዩ።

  • marsa December 27, 2013

    I admire Habtom and muhamud at least they are writtening what they know about our fallen heroes. Tell me mr teweldemedhin what you do in your part beside undermining people.

  • marsa December 27, 2013

    The problem with your favored writer Tadse Is singling people from certain region and slandering them , and he wants us to believe him certain region where being abused by the system.

  • TwoWayStreet December 27, 2013

    Let me guess,
    Teweldemedhin = E.L.I.A.S.

  • Truly Truly i say to you December 27, 2013

    The most ridiculous news i ever i heard is someone under tile,” Does Eritrea Really Need Ethiopia to Use its Assab Port? “In Madote com he written article says this. “Ethiopia so that to use Eritrean port freely like before, must first back out fro occupied territory”What a ridicules! What an insult! This stupid shoud be Woyane or one of Isayas´s adviser who all time working for benefit of Ethiopia.

  • Birhan jeganu keytitefie nkales December 28, 2013

    Harbenga aynebirin eyu, birhan weliu eyu zihalif. Entay emo jeganu ziweliewo birhan endomo Isayasn seabtun tsiliglig abilomo.

  • hanna January 2, 2014

    i am still waiting for the third part……i really admired when wedi finansa said…ayegebero emeber xsebah nezom meneeseyat ziom zenashewun leeliom zemederun ayekeseanun yekonu….wow heji beayenena nereeyo alena.tegadalay zehaserelu zeben……tegadalay zewaredelu zeben mexsiu.aye sereat hegedef netegadalay guhifu abey kem zeneberu zeyfeletu akakibu adi yetefea alo.kab zetegadeles zewedeledele eyu mo zebenu.ajona keribu yu ezi sereat kewedek hadenet semeret teray eyu zewaxsee.thanx nezi xsehuf zebereketekum habtom and mahmud.