Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለው ባሕሪ

ሃለው ባሕሪ   (ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልብወለዳዊት) (1ይ ክፋል) ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን ካብ ናቕፋ ዝተበገሰት ቶዮታ ፒክ-ኣፕ ክትቅብቅበና ሓዲራ ኣብ ምውግሑ ጃኒ ኣተና። ኣድካሚ ‘ኳ እንተነበረ ካብ ካልእ ጉዕዞታት ብዙሕ ዝፈልዮ ኣይነበረን። ብጻብራ ገይርና ንጎላጉል

ሃለው ባሕሪ  

(ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልብወለዳዊት)

(1ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ካብ ናቕፋ ዝተበገሰት ቶዮታ ፒክ-ኣፕ ክትቅብቅበና ሓዲራ ኣብ ምውግሑ ጃኒ ኣተና። ኣድካሚ ‘ኳ እንተነበረ ካብ ካልእ ጉዕዞታት ብዙሕ ዝፈልዮ ኣይነበረን። ብጻብራ ገይርና ንጎላጉል ኣዶብሓ ንየማን ገዲፍና፡ ሩባ ሓስታ ሰንጢቕና ሩባ ዓንሰባ በጻሕና። ካብ ዝሰጋእናዮ ኣይደሓንናን። ሩባ ዓንሳባ ሓውሲ መሊኡስ እተን ተረኛ ኦራላት ንመካይን ጎቲተን ከሳግራ ጸኒሓናና። ገሊአን ድሮ ሰጊረን ገሊአን ግን እምቢ ኢለን። ልብሶም ደርብዮም ሕፍረቶም ብኮስትሞ ጥራይ ዝሸፈኑ ኣጓብዝ ምስ ሩባ ዓንሰባ ገጢሞም ሒኵ ክብሉን እቲ ንከበሳታት ኤርትራ ዘዕረቐ ውሕጅ ብዘገምታን ህድኣትን ንሰሜን ክለምም እንክትርእን፡ “ ከምዚ ከ ገድሊ ኣሎ ድዩ ደቀይ” ዘብል እዩ ነይሩ። ክራማት 1983 ናይ መወዳእታ ጠሉ ይዘቁቕ ነይሩ።

ባሕሪ ካብ መኪንኡ ወሪዱ ሽጋርኡ ወሊዑ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጽምዶ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይዘራረብ ነይሩ። ስግኣትና መሬት ከይወግሕ እሞ ንነፈርቲ ከይንቃላዕ እዩ ነይሩ። እተን ነፈርቲ ነታ መንገዲ ኣጸቢቐን ይፈልጥኣ እየን። ኣንጊሀን እየን ካብ ኣስመራ ዝብገሳ። ኣብ ምትንሳእ መቸም እንሓሳብስ ነህባይ እውን ይቅድማ እየን። ካብ ኣስመራ ተበጊሰን ብልዕሊ ዝባን ቦጎስ በሪረን ንሸጋሊ ይንቆታ እሞ ሩባ ኣስማጥ-ዛራ ስትይ ኣቢለን ኣብ ዛራ ምስ በጽሓ ኣንፈተን ንምብራቕ የስተኻክላ። ሩባ ዓንሳባ ኣብኣ እዩ። እንሓንሳብ ሩባ ዓንሳባ ዘሰነፈን ተረፍ መረፍ መካይን ይረኽባ እየን። እዚ ግን ዕድለኛታት እንተኮይነን እዩ እምበር ተጋዳላይ ድቃሱ መኒኑ ክሳብ ጽሓይ ተተዓርቖ ሓጎግ ክብል እዩ ዝሓድር። ደሓን ይእቶ እቲ ባሕሪ ክዛረቦ ዝጸንሐ ብጻይ ንኣገዳስነት ኩነታትና ርእዩ ግዲ ኮይኑ ቀዳምነት ሂቡና። ኦራል ሒዙ መጺኡ ብዘይጸገም ኣስጊሩና። ባሕሪ ድማ ሰለስተ- ኣርባዕተ ሽጋራ ደርበየሉ። ዛራ ምስ በጻሕና ኣንፈትና ንደቡብ ሩባ-ሩባ ናብ ጃኒ እዩ ነይሩ። እቲ ከባቢ ማርያ ጸላም ይበሃል። ነበርቱ እውን ብደቂ ማርያ ጸላም እዮም ዝፍለጡ።  ኣሕዋቶም ማርያ ቀያሕ፡ ካብ ዝባን ዓስርተ ክሳብ ሓልሓል ይዝርግሑ።

ብሓልሓል መጺኡ ኣንጻር ኣንፈትና ንሰሜን ንዝጓዓዝ ሰብ፡ መለብሶ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ዓስርተ ምስ በጽሐ፡ ሃንደበት ገምገም ጸድፊ ይረግጽ። እቲ ቅርጺ መሬት ልክዕ ፊደል “ሀ” ይሕዝ። ኣብታ መራኸቢት/ልሕምቲ ክፋል ኮይንካ ንሰሜን ምስ እትጥምት፡ ብየማንካ ናብ በዓል ሻካ-ወግሬት ብጸጋምካ ድማ ናብ እሮታ ገጹ ዘሳፍሕ ሰንሰለት ኣኽራንን ዝባውንትን ክህሉ ከሎ፤ በታ ሃጓፍ ንሰሜን ንዝንቆት ሰብ ድማ ንዓቐብ ዓስርተ ወሪዱ፡ ሩባ ሸጋሊ ተኸቲሉ ንኣስማጥ ሓሊፉ ናብ ጃኒ ይበጽሕ። ባሕሪ ምስ ኩሎም ኦፐረታራቱ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ብምጉዓዝ እዩ ንጃኒ ኣትዩ። ስለዚ፡ ብየማኑ ሰንሰለት ጎቦታት እሮታ ብጸጋሙ ድማ እቲ ካብ ጎቦታት እሮታ ዘይሓምቕ ሰማይ ጠቐስ ብራኼ ሻካ ወግሬት ዓቅሉ ከም ዘጻብቡሉ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። በሪኽን ኣዛዚ ቦታን ንዝለመዱ ባሕርን ብጾቱን ሩባ ጃኒ ዓፋኒ  ‘ዩ ነይሩ።

እቲ ብመጋቢት ብሰላሕታ ጀሚሩ ከሳፍሕን ክጭበጥን ዝጸንሐ ግንባር ሓልሓል ቀዋሚ ቅርጺ ሒዙ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣቓልቦ ረኺቡ ዝይነበረ ሰፊሕ ዞባ ማርያ ጸላም፡ ብምብራቕ ሩባ ዓንሳባ ሰጊሩ ብሮራታት ላባ ኣቢሉ ምስ ግንባር ናቕፋ፡ ብምዕራብ ድማ ናብ ጎላጉል ባርካ ገጹ ዝምጠጥ ሂር ዝበለ ግንባር ኮይኑ እዩ። ስልቲ ጸላኢ ንህዝባዊ ሰራዊት ምምጣጥን ምልሕላሕን እዩ ነይሩ። እዚ ምስ ገበረ ነተን ኣዝየን ዝላሕለሓ ቀለቤታት መከላኸሊ ህ.ሰ. በጣጢሱ ንህ.ግ. ንሓንሳብን ንሓዋሩን ( ለኣንድና ለመጨረሻ) ብስዕስዕ ኣቢልካ ምብልዑ። ከምቲ ብጥሜት ሃነፍነፍ ዝብል ዝብኢ ዘርእዮ ባህሪ ኢዩ ነይሩ እቲ ነገሩ። ኣብ 6ይ ወራር እታ ስጋ ብሽታ ጥራይ ዝይኮነስ ብዓይኑ ርእይዋ ነይሩ። “ናቕፋ ትታየኛለች” ኢሉ። ሽዑ ዋዕዋዕን ዳንኬራን ኣብዚሑ። ኣብ መወዳእታ፡ ሕሳብካ ጸብጽብ ምስ ኮነ፡ መሰኻኽር ዓወቱ ክኾኑ ንዝዓደሞም ኣጋይሽ ውድቀቱ ብከመይ ከምዝገልጸሎም ሓርበቶ። ብልክዕ ድማ፡ 6ይ ወራር ናይ መጀመሪ እምበር ናይ መዛዘሚ ዳንኬራ ኣይተገብረሉን። ስለዚ ‘ዩ ነዚ ወራር እዚ ብሰላሕ ክገብሮ ወሲኑ። ኩሉ ነገር ብሰላሕ ክኸውን ነይርዎ፤ ኣናብስ ከተንስእ የብሉን።  ካብ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ክልቲኡ ወገናት ላዕለዋይ ኢድ ክረኽቡ ኣብ ቀጻሊ ርብርብ ኢዮም ጸኒሖም። እቲ ቀንዲ ሓይሉ ኣብቲ ማእከላይ ወገን ማለት ነቲ ልጉብ ክፋል ናይቲ ፊደል”ሀ” ገጢሙ ‘ኳ  እንተነበረ፡ እቲ ናይ እሮታ ክንፉ ዝያዳ ንቅድሚት በሊዑስ ምስቲ ብይካርዕን ሂምቦልን  ከርከበትን ዝነበረ ግንባራት ተኣሳሲሩ ስለዝነበረ፡ ነቲ ደጀን ናይቲ ግንባር፡ ማለት ከባቢ ዛራ፡ ኣዝዩ ኣስጋኢ ነይሩ።

ጸላኢ ንዝባውንቲ እሮታ ምሉእ ብምሉእ ከይቆጻጸሮ፡ ተጋዳላይ ጫፍ ገደል ነኺሱ ንኣዋርሕ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ከካይድ ጸኒሑ። ምኽንያቱ፡ ጸላኢ ዝባን እሮታ እንተተቆጻጺሩ፡ ነቲ ማዕድኡ ዝነበረ ማንታ ክንፉ (ሻካ ወግሬት) ከምኡ እውን ግንባር ዓስርተን ብድሕሪት ክህድድ ይኽእል። ንመስመር ዛራ-ኣስማጥ ተቆጻጺሩ ናይ ሎጂስቲክን ወሃብቲ ደገፍ ኣሃዱታትን ከሰናኽል ይኽእል።ነቲ ብከርከበት ተጠውዩ ኣብ ከባቢ ሕሩም ተቀርቂሩ ዝነበረ ወገኑ፡ ጠዊቑዎ  ንዝነበረ ጸቕጢ ብምፍዃስ፡ ንመስመር ህዝባዊ ሰራዊት  በሲዑ ዛራ ክቆርጽ ይኽእል። ብፍላይ ነዚ ናይ ሕሩም ሓይሊ ዝያዳ ሓደገኛ ዝገብሮ ብቀዳምነት ቅርበቱ ንዛራ ክኸውን ከሎ፡  ጽርግያ ከርከበት-ዛራ  እውን ንረብሐኡ ዘሳልጥ ‘ዩ ክኸውን። መካናይዝድ ኣሃዱታት  ጸላኢ ሓንሳብ ነቲ ጸቢብ ቦታ እንተሓሊፉ ብፍጥነት ንቅድሚት ገስጊሱ፡ ኣብ ዛራ ቆሪጹ፡ ነቶም ኣብ ጎቦታት ሻካ-ወግሬት፡ ዓስርተን ጎቦታት እሮታን ሩባታት ኣስማጥ-ዛራን ዝነበሩ ኣዱታትና ክኽርድን ይኽእል።  ስለ’ዚ ክንጸል ነይርዎ። ባሕሪ ነዚ ከቢድ ዕማም ክፍጽም እዩ ካብቲ ንዓመታት ዝተዋግኣሉ ግንባር ናቕፋ ተጸዊዑ።

ኣብ ጃኒ፡ ድሕሪ ሓጺር ዕርፍትን ሻህን ነብስና ክፈዅሰልና ናብቲ ሓቒቕ ዝመስል ዛራ ማይ ጃኒ ተኣለኽና።

“ስማዕ’ስከ ሃብቶም፡ እዞም ኣብዚ ዝነብሩስ ዓይኖም ክረኣዩ ኣለዎም” በለኒ ባሕሪ ንሰማይ እንዳ ጠመተ።

“እንታይ ማለትካ እዩ?” ሓተትክዎ።ግን  ከይመለሰ ኣብ መንጎ፡ ክልተ ሚግ 23 ብወገን ኣስማጥ ለጥ ኢለን ንዛራ ሓለፋ። ትሕቲ ፍርቀ-ብራኼ ክልቲኡ ጎቦታት እየን ነይረን። ወረ ንፓይሎት ናይታ ሓንትስ ዝረኣኽዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ባሕሪ ንሕቶይ ሰሚዕዋ ኣይሰምዓን እውን ኣይፈለጥኩን።

“ወይለይ ሎምስ ኣባ  ብኳለታና….” ኢሉ ከይወደአ ድምጺ ነትጒ ሰማዕና።

“ዛራ እየን ዝኾና” በለ ብምሽጥ ምስቲ ተሪር ጽጉሩ እናተቓለሰ።

“ ብዛዕባ ዓይኒ ጀሚርካ ነይርካ” ኣዘኻኸርክዎ።

“ እወ ማለትስ፡ ኣብዚ ዝቕመጥ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ሓጺር ርሕቐት እዩ። ረአ እሞ የማነ-ጸጋም፡ ክኢላ ነዳቓይ ብጥንቃቕ ዝሃነጾ መናድቕ ይመስል። ምስ ሰማይ ዝሰጠመ እዩ ኢኻ ትብሎ- ግርም በለፎን።  ሕጂ ካብዚ ጫፍ ጎቦ ናብዚ ጎቦ’ዚ ንውሓቱ ክንደይ ይኸውን ኢልካ ትግምት። ብሰማይ-ሰማይ ማለተይ እዩ” በለ ገጹ ካብ ብራኼ ሻካ-ወግሬት ናብ እሮታ እንዳኣዞረ። ግምታዊ ትኽ ዝበለ መስመር ተራእየኒ።

“ምናልባት ዓስርተ ኪሎመተር” በልክዎ።

“ ዓቕልካ እዩ ዘጽብበልካ” መለሰ ባሕሪ ኣብቲ ኣእጋርካ ዘነድድ ሑጻ ተቀቢሩ ዝነበረ ክዳውንቱ ኣናነገፈ። “ቁማል ሎሚ ኣይመዓልቶምን” በልኩ ብልበይ። ብዝጸንሓና ላዕልን ታሕትን ክዳውንትና ከይሓጸብና ሰሙናት ኮይኑ ‘ዩ። ድሕሪ እዛ ዕድል እዚኣ ምሕጻብ መዓስ ከም ነርክበሉ መን ይፈልጥ። ወላ ባሕሪ እውን ዝፈልጣ ኣይመስለንን። ናይ ዝኽሪ ነገር ኮይኑ ከይተፈለጠኒ ብሓሳበይ ናብ ሚርያም ሰበይቱ ሳጎምኩ። እወ እታ ለዋህ ሚርያም። ልብምናን ጽባቐን ኣዛኒቑ እዩ ዓዲልዋ።  እንታይ ‘ሞ ይገበር፡ ካብ ትስዋእ  ኣዋርሕ ገይራ ነይራ። ጥይት ጸላኢ ክተሻሩ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ንጽቡቓትን ክፉኣትን፡ ንሓጸርትን ቆማታትን፡ ንዓበይትን ነኣሽቱን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ብዘይ ድሎ እያ ትወስድ። እምበር ሚርያም ደኣ መን ምስምቀዘፋ። “ወይዘሮ ዓለም” ‘ኳ ምተባህለት። እንተሓመቐት ከኣ ነዘን ሞደላት ኢና ዝብላ ኣብዚ ትረፋ ምበለተን። ማዕረ ቁንጅንኣ ለባምን ለዋህን ጅግናን እያ ነይራ። “ ኣየ ወዲ ሰብ፤ ሚርያም ኣብ ገሊኡ ሓመድ ጸቒጥዋ ኣሎ ማለት ‘ዩ” ትብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎለይ  ከትመላለስ ዕርፍቲ ከሊኣትኒ። እታ ዘይትተረፍ “ ዝክረሰማእታት” ተጌራትላ ትኸውን። ካብኣ ሓሊፉ፡ ኣብ ናይ ተጋዳላይ ዓለም ብሂወትካ ዘይረኸብካዮ ሓለፋ ምስ ሞትካ ኣይርከብን። እታ ሓንቲ ሓለፋ እታ ንክሉ ምዉት ተጋዳላይ እትወሃብ “ስዉእ/ስውእቲ” እትብል ስም እያ። ብንእሽቶይ ከለኹ ኣባ ቀሺ ብካልእ ትርጉም እዮም ኣረዲኦምኒ። ተጋደልቲ ግን ብከመይ ከምዝበሓትዋ ቀሰይ ኢለ ከረጋግጾ ዝነበረኒ ጉዳይ እዩ።

ናይ ቁማል ነገር፡ እስትሕያ ወይ ኣኽብሮት ዝበሃል ዘይብሎም ምኻኖም እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ “ ኤእ ዒብ ግበሩ እዚ ባሕሪ እዩ” ክትብሎም። ኣይከኣልን። ብወገነይ እውን ኣሽጊሮምኒ ቀንዮም፤ ደሓን ትእቶ ጸሓይ ማርያ ጸላም። መቸም ቁማል መናብርትና እንድዮም ኔሮም፤ ንሶም ዘበግስዎም ሕክያታት እውን ብዡሓት እዮም። ሓደ ግዜ ሚርያም  ንዕርፍቲ መጺኣ ከላ፡ ንባሕሪ ኣብቲ ሑቝፋ ኣጋዲማ ጸጕሩ ትፍትሽ ነይራ። ኩነታት ጥዑይ ኣይጸንሓን መስለኒ “ንስኻ ነዚ ቅድምኻ ተገቲሩ ዘሎ ጸላኢ ክተጽንዕን ኣቅታትልኡ ክተክፍእን ለይትን መዓልትን ትሓስብ፡ ወዮም ሽግርካ ዘይርደኦም ቁማል ካልእ ግንባር ፈጢሮም። ወሪሮምካ። ጥይትስ ብታይፈስ ክትቅደም እያ መስለኒ። ኣይረድ” ክትብሎ ተዘኪሩኒ። እቲ ገጹ ገጽ-ወተሃደር ዝመስል ባሕሪ፡ ኣብ ሚርያም በጺሑ ናብ ሕጉስ ቆልዓ እዩ ዝቕየር ነይሩ። ንበይኑ ዓይነት ፍቕሪ ‘ዩ ነይርዎም። እቲ ክቱር ፍቕሮም ዘይፈልጥ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ካብ እንዳ ዜና ከቲታ ኣሃዱኣ ጽቡቕ ገይራ ከይፈለጠት እያ ተሰዊኣ። ክትስዋእ ከላ እውን ከብኡ ርሕቕቲ ኣይነበረትን። ብ/77 ክንሕግዝ ተደሪብናዮም ኔርና። እታ ዝተረድኣ መዓልትን ዝተነኽነኾን ኣብ ሓንጎለይ ሓድሽ ኔሩ። ገና እውን ኣብ ሓዘን እዩ ነይሩ። ግን ጸዋር ነብሲ ነይርዎ። ቃንዝኡ እቶም እንቀርቦ ጥራይ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና።

“ስማዕ ‘ስከ ገለ ‘ዶ ወስወስ ኣይጀመርካን? ምሽ እዘን መሳቱኻ መሊአን እየን?” በለኒ ከም ከሕፍረኒ ደልዩ። “ወይለይ፡ እዛ ሰብኣይ ደኣ ከመይ ኢላ ኢያ ብዛዕባ ፍቕራ እሓስብን እጕህን ከም ዘለኹ ፈሊጣ?” በልኩ ብልበይ። ሃንደበት እዩ ወዲቑኒ። ከምዚ ልበይ ዘንበበ መሲሉኒ። ምስ ባሕሪ ካብ ዝምደብ ብዙሕ ገይረ ነይረ። ዝምድናታትና ዳርጋ ከም ኣያን ንእሽቶ ሓውን እምበር ከም ኣዛዚ ብርጌድን ምልክቱን ኣይነበረን። ንነኣሽቱ ክሉ ግዜ ምስ ሓለየ እዩ። ኣብቲ ዘገድሰካ ነገራት ከም መሰትኡ እዩ ዝዛረበካ። ኣኽብሮት ሰብ መሊእዎ እዩ። ሚርያም ካብ ትስዋእ ድማ እቲ ሰብኣዊ መዳይ ናይ ጠባዩ እንዳ ጎልሐ መጺኡ። ካብ መጠን ንላዕሊ መናን ኮይኑ። ብነብሱ ብዙሕ ኣይግደስን። ኩነታት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ካብ ሓደጋ ክኽወል ምዝኽካሩ ከም ካልኣይ ዕማምና ኮይኑ ነይሩ። “ እዚ ቦታ’ዚ ተፈሊጡ ኣሎ ንቐይር። ቀልጢፍካ ስገር ተኣሲርዎ ኣሎ….ወዘተ” ክነተሓሳስብ ኢና ንውዕል። ኩነታት ጀሚሩ ራድዮታት ጫውጫው ክብላ ከለዋ፡ ንባሕሪ ካብ ኣሽሓት ኢኻ ትፈልዮ። ኣብዚኣ መጺኡ ዝቐየሮ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ኲናት ኣዝዩ ህዱእ እዩ። ብፍጥረቱ እውን ብወተሃደራዊ ብልሑን ዓቕሉን እምበር ብዘረባታት ኣይኮነን ዝልለ። ካልእ ዝፈልዮ ጠባይ፡ ብስርሑ ኣዝዩ እዩ ዝተኣማመን ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ብትሕትኡ ንዝነበሩ ኣዘዝቲ ናጽነት ስራሕ ዝህብን ንውሳኔታቶም ዘኽብርን ‘ዩ ነይሩ። ርእሰ-ምትእምማኑ ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ምስ ኣዘዝቱ የጓፍጦ ከምዝነበረ ብቐረባ ንዕዘቦ ነይርና። ሕጂ ግን ዕማም ኣለዎ። ኩሉ ኣድህቦኡ ናብኡ ከምዝነበረ ከብቲ ኣብ ሳዓት-ሳዓት ዝመጽእን ዝምልሶን ዝነበረ መልእኽትታት ንፈልጦ ነይርና። ጸላኢ ንምድንጋር ብኮድ ስም ‘ዩ ዝጽዋዕ ነይሩ- ባሕሪ። ኣብ ሳውራ፡ ንኩኑታት ማዕረ ኣዛዚኻ ምፍላጥ ሓንቲ ካብተን ኦፐረተር ብምዃን እትረኽበን ሓለፋታት እያ ነይራ።

ንጽባሒቱ፡ ባሕሪ ምስ ኦፐረታቱ ዓቐብ እሮታ ብጊሓቱ ኢና ጀሚርናዮ። ሓጺር ቁመቱን ተረርቲ ደናጉኡን ንዓቐብ እሮታ ዝተፈጥራ እየን ዝመስላ። ኣብ ፍርቂ እቲ ኣንቃዕሪርካ ክትጥምቶ ዘሸግር ጎቦ ምስ በጽሓና፡ ብየማንና ዕብይ ዝበለ ጉጅለ ኣህባይ ከምዝነበረ ተዓዘብና። ሓደ ተስተስትሮን ዝሃወጾ ጋውና ሰላም ከሊኡና። ናባና ይጎዪ ‘ሞ ወስ ከየበልና ንድሕሪት ይሃድም። ደኺምና ስለዝነበርና ኣቓልቦ ግዲ ከሊእናዮ ድሕሪ ቅሩብ ምምልላስ ትሃኑ ናብታ መስኪነይቲ ብጨይቱ ይገብሮ። ነጽዩ-ነጽዩ ወደኣ። ንሕና እውን ክነዕርፍ ንውስን።

“ እንታይ ደኣ ደሮና ዝገብሮ፡ ምስ መን ይገጥም ከምዘሎ ጠፊእዎ ድዩ?” ይብል ተጫራቓይ ወዲ መጎስ። ወዲ መጎስ ‘ውን ምስ ባሕሪ ካብ ዝሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ንፉዕ ኦፐረተር እዩ ነይሩ። ድኽም ውዒልካ ዝጫረቕን ላዕልን ታሕትን ዝብልን ጥዑም ብጻይ ነይሩ።

“ ኣታ ወዲ፡ እተን ኣህባይ ከይሰምዓኻ ኣባ። ደርጊ ‘ኮ ኣብ ናቕፋ ከምዘሎና እዩ ዝፈልጥ። እዘን ኣህባይ ከኣ ናይ ኤርትራውነት ደኣ ቅሩብ ምስጢር ይዕቅባ ይኾና ‘ምበር፡ መውቀፍ ‘ኮ የብለንን። ሎሚ ምሳኻ ኣለዋ ጽባሕ ደንበ ይቕይራ። ናብ እንዳ በቀለ የብላ። ጉስማጥ ከኣ ይረኽባሎም ይኾና። ተጋዳላይ ንሓመዱ ደኣ እንታይ ክረኽባሉ ኮይነን” በለ ወዲልጃም፡ ሳልሳይና ኦፐረተርና። ወዲልጃም እውን ፍቱው ኦፐረተር ባሕሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ኮታስ ስድራ ኢና ንመስል። ከም ስድራ ከኣ ኢና ንተሓላለ።

ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ እሮታ ኣሎ፡ ጽባሕ ነገር ኣሎ ። ‘ባሕሪ’ መጸውዒ ኮድ ጅግና ኢሰያስ ተወልደ(ወዲ ፍላንሳ) እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ቅድምኡ ኣሳፊሑ ዘሎ ግንባር ጸላኢ ክፍንቅል እዩ መጺኡ። ካብ ዝባን እሮታ ንሓዋሩ ክብንቅሶ፡ ሕማቕ ኣቀታትላ ክቐትሎ እናተዳለወ ‘ዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የማናይ ግንባር ሓልሓል ሓዊ ክከዓዎ እዩ። ብርግጽ፡ ብዙሓት መንእሰያት ክረግፉ እዮም። ገሊኦም፡ ድሕሪ ዜሮ-ሳዓት ዘላ መዓልቲ ይኹን ትመጽእ ሳምንቲ ኣይክርእዩወን እዮም። ድሮ ዘፍቀሩ እንተለዉ፡ ፍቕሮም ኣይክርእዩን እዮም። ምላድን ሓድግን ኳ ግደፎ። ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን። ሕጂ ኩሉ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብወገን ጸላኢ እውን ምድላው ኣይተርፍን። ምንቅስቃሳትና ክከታተልዎ ቀንዮም ይኾኑ ‘ዮም። “ ዳህና ሁንልኝ ፍቅርዬ” ዝበሉን ስእልታት ኣፍቀርቶም ዝሰዓሙን ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብርግጽ፡ ደም ክፈስስ እዩ። እዚ ከባቢ እዚ ለሚድዎ እዩ። ን22 ዓመታት ደቂሰባት ክተሓረዱሉ ጸኒሖም እዮም። ከም ልሙድ ስራሕ እዩ ተወሲዱ። ናይ ሎሚ ዓራርቦ ሰማይ ከይተረፈ ዘይከም ንቡር ኣዝዩ ደም ሰሪቡ ኣሎ። ሕማቕ ፋል። ነገራቱ ክሉ ንሞት የዘኻክር። እቲ ኣየር እውን ደም-ደም ይሽትት ኣሎ። ሃለው ባሕሪ……….

ተራኺ፡ ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ፡ ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • mahmud saleh December 19, 2013

    To All;
    Habtom and I read your comments and appreciate your inputs.
    Thanks.

  • Tekluu Gubtaan December 20, 2013

    Well done Mahamud,

    Amazing, brilliant skill of writing and description for me even the globally recognized writers and presenters(Devid Atonbrough..) are not better than you Ato Mahamud.
    As to the contents of the history its just touching .Youngster need to learn on seeking justice and liberation at present ,from their elders who,had gave every thing to freedom.
    Nothing can be achieved easily , toppling Issyas requires more loyalty and commitment than those our elders accomplished to overthrew invaders. Bcs local enemy is worst to fight with than foreigner .

  • haile-ab December 20, 2013

    degagime nebibeyo gn trgum ayrekebkulun,geyrna mebeli mewedi qrban iyu

  • MightyEmbasoyra December 20, 2013

    Who came with this “Nebibeyo” term instead of “Anbibeyo”. I am sure someone could say that since we say Tsihifeyo, why not call it Nebibeyo. However, it doesn’t work that way. Why not? Well, let’s take one example: Temesihe, Tederire but not not Tekorise – it is is Korise. You see what I mean?

    • TwoWayStreet December 23, 2013

      Noooooooooooooooooo.

  • hanna December 24, 2013

    good job habtom and Mahmud…..waiting for the second part.

Post a Reply to TwoWayStreet Cancel Reply