Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃለው ባሕሪ

ሃለው ባሕሪ   (ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልብወለዳዊት) (1ይ ክፋል) ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን ካብ ናቕፋ ዝተበገሰት ቶዮታ ፒክ-ኣፕ ክትቅብቅበና ሓዲራ ኣብ ምውግሑ ጃኒ ኣተና። ኣድካሚ ‘ኳ እንተነበረ ካብ ካልእ ጉዕዞታት ብዙሕ ዝፈልዮ ኣይነበረን። ብጻብራ ገይርና ንጎላጉል

ሃለው ባሕሪ  

(ኣብ ሓቀኛ ተዘክሮታት ሃብቶም ዝተመርኮሰት ልብወለዳዊት)

(1ይ ክፋል)

ማሕሙድ ሳልሕን ሃብቶም ጸጋይን

ካብ ናቕፋ ዝተበገሰት ቶዮታ ፒክ-ኣፕ ክትቅብቅበና ሓዲራ ኣብ ምውግሑ ጃኒ ኣተና። ኣድካሚ ‘ኳ እንተነበረ ካብ ካልእ ጉዕዞታት ብዙሕ ዝፈልዮ ኣይነበረን። ብጻብራ ገይርና ንጎላጉል ኣዶብሓ ንየማን ገዲፍና፡ ሩባ ሓስታ ሰንጢቕና ሩባ ዓንሰባ በጻሕና። ካብ ዝሰጋእናዮ ኣይደሓንናን። ሩባ ዓንሳባ ሓውሲ መሊኡስ እተን ተረኛ ኦራላት ንመካይን ጎቲተን ከሳግራ ጸኒሓናና። ገሊአን ድሮ ሰጊረን ገሊአን ግን እምቢ ኢለን። ልብሶም ደርብዮም ሕፍረቶም ብኮስትሞ ጥራይ ዝሸፈኑ ኣጓብዝ ምስ ሩባ ዓንሰባ ገጢሞም ሒኵ ክብሉን እቲ ንከበሳታት ኤርትራ ዘዕረቐ ውሕጅ ብዘገምታን ህድኣትን ንሰሜን ክለምም እንክትርእን፡ “ ከምዚ ከ ገድሊ ኣሎ ድዩ ደቀይ” ዘብል እዩ ነይሩ። ክራማት 1983 ናይ መወዳእታ ጠሉ ይዘቁቕ ነይሩ።

ባሕሪ ካብ መኪንኡ ወሪዱ ሽጋርኡ ወሊዑ ምስ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ጽምዶ ዝነበሩ ተጋደልቲ ይዘራረብ ነይሩ። ስግኣትና መሬት ከይወግሕ እሞ ንነፈርቲ ከይንቃላዕ እዩ ነይሩ። እተን ነፈርቲ ነታ መንገዲ ኣጸቢቐን ይፈልጥኣ እየን። ኣንጊሀን እየን ካብ ኣስመራ ዝብገሳ። ኣብ ምትንሳእ መቸም እንሓሳብስ ነህባይ እውን ይቅድማ እየን። ካብ ኣስመራ ተበጊሰን ብልዕሊ ዝባን ቦጎስ በሪረን ንሸጋሊ ይንቆታ እሞ ሩባ ኣስማጥ-ዛራ ስትይ ኣቢለን ኣብ ዛራ ምስ በጽሓ ኣንፈተን ንምብራቕ የስተኻክላ። ሩባ ዓንሳባ ኣብኣ እዩ። እንሓንሳብ ሩባ ዓንሳባ ዘሰነፈን ተረፍ መረፍ መካይን ይረኽባ እየን። እዚ ግን ዕድለኛታት እንተኮይነን እዩ እምበር ተጋዳላይ ድቃሱ መኒኑ ክሳብ ጽሓይ ተተዓርቖ ሓጎግ ክብል እዩ ዝሓድር። ደሓን ይእቶ እቲ ባሕሪ ክዛረቦ ዝጸንሐ ብጻይ ንኣገዳስነት ኩነታትና ርእዩ ግዲ ኮይኑ ቀዳምነት ሂቡና። ኦራል ሒዙ መጺኡ ብዘይጸገም ኣስጊሩና። ባሕሪ ድማ ሰለስተ- ኣርባዕተ ሽጋራ ደርበየሉ። ዛራ ምስ በጻሕና ኣንፈትና ንደቡብ ሩባ-ሩባ ናብ ጃኒ እዩ ነይሩ። እቲ ከባቢ ማርያ ጸላም ይበሃል። ነበርቱ እውን ብደቂ ማርያ ጸላም እዮም ዝፍለጡ።  ኣሕዋቶም ማርያ ቀያሕ፡ ካብ ዝባን ዓስርተ ክሳብ ሓልሓል ይዝርግሑ።

ብሓልሓል መጺኡ ኣንጻር ኣንፈትና ንሰሜን ንዝጓዓዝ ሰብ፡ መለብሶ ሓሊፉ ኣብ ከባቢ ዓስርተ ምስ በጽሐ፡ ሃንደበት ገምገም ጸድፊ ይረግጽ። እቲ ቅርጺ መሬት ልክዕ ፊደል “ሀ” ይሕዝ። ኣብታ መራኸቢት/ልሕምቲ ክፋል ኮይንካ ንሰሜን ምስ እትጥምት፡ ብየማንካ ናብ በዓል ሻካ-ወግሬት ብጸጋምካ ድማ ናብ እሮታ ገጹ ዘሳፍሕ ሰንሰለት ኣኽራንን ዝባውንትን ክህሉ ከሎ፤ በታ ሃጓፍ ንሰሜን ንዝንቆት ሰብ ድማ ንዓቐብ ዓስርተ ወሪዱ፡ ሩባ ሸጋሊ ተኸቲሉ ንኣስማጥ ሓሊፉ ናብ ጃኒ ይበጽሕ። ባሕሪ ምስ ኩሎም ኦፐረታራቱ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ብምጉዓዝ እዩ ንጃኒ ኣትዩ። ስለዚ፡ ብየማኑ ሰንሰለት ጎቦታት እሮታ ብጸጋሙ ድማ እቲ ካብ ጎቦታት እሮታ ዘይሓምቕ ሰማይ ጠቐስ ብራኼ ሻካ ወግሬት ዓቅሉ ከም ዘጻብቡሉ ፍሉጥ እዩ ነይሩ። በሪኽን ኣዛዚ ቦታን ንዝለመዱ ባሕርን ብጾቱን ሩባ ጃኒ ዓፋኒ  ‘ዩ ነይሩ።

እቲ ብመጋቢት ብሰላሕታ ጀሚሩ ከሳፍሕን ክጭበጥን ዝጸንሐ ግንባር ሓልሓል ቀዋሚ ቅርጺ ሒዙ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣቓልቦ ረኺቡ ዝይነበረ ሰፊሕ ዞባ ማርያ ጸላም፡ ብምብራቕ ሩባ ዓንሳባ ሰጊሩ ብሮራታት ላባ ኣቢሉ ምስ ግንባር ናቕፋ፡ ብምዕራብ ድማ ናብ ጎላጉል ባርካ ገጹ ዝምጠጥ ሂር ዝበለ ግንባር ኮይኑ እዩ። ስልቲ ጸላኢ ንህዝባዊ ሰራዊት ምምጣጥን ምልሕላሕን እዩ ነይሩ። እዚ ምስ ገበረ ነተን ኣዝየን ዝላሕለሓ ቀለቤታት መከላኸሊ ህ.ሰ. በጣጢሱ ንህ.ግ. ንሓንሳብን ንሓዋሩን ( ለኣንድና ለመጨረሻ) ብስዕስዕ ኣቢልካ ምብልዑ። ከምቲ ብጥሜት ሃነፍነፍ ዝብል ዝብኢ ዘርእዮ ባህሪ ኢዩ ነይሩ እቲ ነገሩ። ኣብ 6ይ ወራር እታ ስጋ ብሽታ ጥራይ ዝይኮነስ ብዓይኑ ርእይዋ ነይሩ። “ናቕፋ ትታየኛለች” ኢሉ። ሽዑ ዋዕዋዕን ዳንኬራን ኣብዚሑ። ኣብ መወዳእታ፡ ሕሳብካ ጸብጽብ ምስ ኮነ፡ መሰኻኽር ዓወቱ ክኾኑ ንዝዓደሞም ኣጋይሽ ውድቀቱ ብከመይ ከምዝገልጸሎም ሓርበቶ። ብልክዕ ድማ፡ 6ይ ወራር ናይ መጀመሪ እምበር ናይ መዛዘሚ ዳንኬራ ኣይተገብረሉን። ስለዚ ‘ዩ ነዚ ወራር እዚ ብሰላሕ ክገብሮ ወሲኑ። ኩሉ ነገር ብሰላሕ ክኸውን ነይርዎ፤ ኣናብስ ከተንስእ የብሉን።  ካብ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ክልቲኡ ወገናት ላዕለዋይ ኢድ ክረኽቡ ኣብ ቀጻሊ ርብርብ ኢዮም ጸኒሖም። እቲ ቀንዲ ሓይሉ ኣብቲ ማእከላይ ወገን ማለት ነቲ ልጉብ ክፋል ናይቲ ፊደል”ሀ” ገጢሙ ‘ኳ  እንተነበረ፡ እቲ ናይ እሮታ ክንፉ ዝያዳ ንቅድሚት በሊዑስ ምስቲ ብይካርዕን ሂምቦልን  ከርከበትን ዝነበረ ግንባራት ተኣሳሲሩ ስለዝነበረ፡ ነቲ ደጀን ናይቲ ግንባር፡ ማለት ከባቢ ዛራ፡ ኣዝዩ ኣስጋኢ ነይሩ።

ጸላኢ ንዝባውንቲ እሮታ ምሉእ ብምሉእ ከይቆጻጸሮ፡ ተጋዳላይ ጫፍ ገደል ነኺሱ ንኣዋርሕ ናይ ሞትን ሕየትን ጥምጥም ከካይድ ጸኒሑ። ምኽንያቱ፡ ጸላኢ ዝባን እሮታ እንተተቆጻጺሩ፡ ነቲ ማዕድኡ ዝነበረ ማንታ ክንፉ (ሻካ ወግሬት) ከምኡ እውን ግንባር ዓስርተን ብድሕሪት ክህድድ ይኽእል። ንመስመር ዛራ-ኣስማጥ ተቆጻጺሩ ናይ ሎጂስቲክን ወሃብቲ ደገፍ ኣሃዱታትን ከሰናኽል ይኽእል።ነቲ ብከርከበት ተጠውዩ ኣብ ከባቢ ሕሩም ተቀርቂሩ ዝነበረ ወገኑ፡ ጠዊቑዎ  ንዝነበረ ጸቕጢ ብምፍዃስ፡ ንመስመር ህዝባዊ ሰራዊት  በሲዑ ዛራ ክቆርጽ ይኽእል። ብፍላይ ነዚ ናይ ሕሩም ሓይሊ ዝያዳ ሓደገኛ ዝገብሮ ብቀዳምነት ቅርበቱ ንዛራ ክኸውን ከሎ፡  ጽርግያ ከርከበት-ዛራ  እውን ንረብሐኡ ዘሳልጥ ‘ዩ ክኸውን። መካናይዝድ ኣሃዱታት  ጸላኢ ሓንሳብ ነቲ ጸቢብ ቦታ እንተሓሊፉ ብፍጥነት ንቅድሚት ገስጊሱ፡ ኣብ ዛራ ቆሪጹ፡ ነቶም ኣብ ጎቦታት ሻካ-ወግሬት፡ ዓስርተን ጎቦታት እሮታን ሩባታት ኣስማጥ-ዛራን ዝነበሩ ኣዱታትና ክኽርድን ይኽእል።  ስለ’ዚ ክንጸል ነይርዎ። ባሕሪ ነዚ ከቢድ ዕማም ክፍጽም እዩ ካብቲ ንዓመታት ዝተዋግኣሉ ግንባር ናቕፋ ተጸዊዑ።

ኣብ ጃኒ፡ ድሕሪ ሓጺር ዕርፍትን ሻህን ነብስና ክፈዅሰልና ናብቲ ሓቒቕ ዝመስል ዛራ ማይ ጃኒ ተኣለኽና።

“ስማዕ’ስከ ሃብቶም፡ እዞም ኣብዚ ዝነብሩስ ዓይኖም ክረኣዩ ኣለዎም” በለኒ ባሕሪ ንሰማይ እንዳ ጠመተ።

“እንታይ ማለትካ እዩ?” ሓተትክዎ።ግን  ከይመለሰ ኣብ መንጎ፡ ክልተ ሚግ 23 ብወገን ኣስማጥ ለጥ ኢለን ንዛራ ሓለፋ። ትሕቲ ፍርቀ-ብራኼ ክልቲኡ ጎቦታት እየን ነይረን። ወረ ንፓይሎት ናይታ ሓንትስ ዝረኣኽዎ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ባሕሪ ንሕቶይ ሰሚዕዋ ኣይሰምዓን እውን ኣይፈለጥኩን።

“ወይለይ ሎምስ ኣባ  ብኳለታና….” ኢሉ ከይወደአ ድምጺ ነትጒ ሰማዕና።

“ዛራ እየን ዝኾና” በለ ብምሽጥ ምስቲ ተሪር ጽጉሩ እናተቓለሰ።

“ ብዛዕባ ዓይኒ ጀሚርካ ነይርካ” ኣዘኻኸርክዎ።

“ እወ ማለትስ፡ ኣብዚ ዝቕመጥ ሰብ ክርእዮ ዝኽእል ሓጺር ርሕቐት እዩ። ረአ እሞ የማነ-ጸጋም፡ ክኢላ ነዳቓይ ብጥንቃቕ ዝሃነጾ መናድቕ ይመስል። ምስ ሰማይ ዝሰጠመ እዩ ኢኻ ትብሎ- ግርም በለፎን።  ሕጂ ካብዚ ጫፍ ጎቦ ናብዚ ጎቦ’ዚ ንውሓቱ ክንደይ ይኸውን ኢልካ ትግምት። ብሰማይ-ሰማይ ማለተይ እዩ” በለ ገጹ ካብ ብራኼ ሻካ-ወግሬት ናብ እሮታ እንዳኣዞረ። ግምታዊ ትኽ ዝበለ መስመር ተራእየኒ።

“ምናልባት ዓስርተ ኪሎመተር” በልክዎ።

“ ዓቕልካ እዩ ዘጽብበልካ” መለሰ ባሕሪ ኣብቲ ኣእጋርካ ዘነድድ ሑጻ ተቀቢሩ ዝነበረ ክዳውንቱ ኣናነገፈ። “ቁማል ሎሚ ኣይመዓልቶምን” በልኩ ብልበይ። ብዝጸንሓና ላዕልን ታሕትን ክዳውንትና ከይሓጸብና ሰሙናት ኮይኑ ‘ዩ። ድሕሪ እዛ ዕድል እዚኣ ምሕጻብ መዓስ ከም ነርክበሉ መን ይፈልጥ። ወላ ባሕሪ እውን ዝፈልጣ ኣይመስለንን። ናይ ዝኽሪ ነገር ኮይኑ ከይተፈለጠኒ ብሓሳበይ ናብ ሚርያም ሰበይቱ ሳጎምኩ። እወ እታ ለዋህ ሚርያም። ልብምናን ጽባቐን ኣዛኒቑ እዩ ዓዲልዋ።  እንታይ ‘ሞ ይገበር፡ ካብ ትስዋእ  ኣዋርሕ ገይራ ነይራ። ጥይት ጸላኢ ክተሻሩ ርእየ ኣይፈልጥን እየ። ንጽቡቓትን ክፉኣትን፡ ንሓጸርትን ቆማታትን፡ ንዓበይትን ነኣሽቱን፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ብዘይ ድሎ እያ ትወስድ። እምበር ሚርያም ደኣ መን ምስምቀዘፋ። “ወይዘሮ ዓለም” ‘ኳ ምተባህለት። እንተሓመቐት ከኣ ነዘን ሞደላት ኢና ዝብላ ኣብዚ ትረፋ ምበለተን። ማዕረ ቁንጅንኣ ለባምን ለዋህን ጅግናን እያ ነይራ። “ ኣየ ወዲ ሰብ፤ ሚርያም ኣብ ገሊኡ ሓመድ ጸቒጥዋ ኣሎ ማለት ‘ዩ” ትብል ሓሳብ ኣብ ሓንጎለይ  ከትመላለስ ዕርፍቲ ከሊኣትኒ። እታ ዘይትተረፍ “ ዝክረሰማእታት” ተጌራትላ ትኸውን። ካብኣ ሓሊፉ፡ ኣብ ናይ ተጋዳላይ ዓለም ብሂወትካ ዘይረኸብካዮ ሓለፋ ምስ ሞትካ ኣይርከብን። እታ ሓንቲ ሓለፋ እታ ንክሉ ምዉት ተጋዳላይ እትወሃብ “ስዉእ/ስውእቲ” እትብል ስም እያ። ብንእሽቶይ ከለኹ ኣባ ቀሺ ብካልእ ትርጉም እዮም ኣረዲኦምኒ። ተጋደልቲ ግን ብከመይ ከምዝበሓትዋ ቀሰይ ኢለ ከረጋግጾ ዝነበረኒ ጉዳይ እዩ።

ናይ ቁማል ነገር፡ እስትሕያ ወይ ኣኽብሮት ዝበሃል ዘይብሎም ምኻኖም እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ “ ኤእ ዒብ ግበሩ እዚ ባሕሪ እዩ” ክትብሎም። ኣይከኣልን። ብወገነይ እውን ኣሽጊሮምኒ ቀንዮም፤ ደሓን ትእቶ ጸሓይ ማርያ ጸላም። መቸም ቁማል መናብርትና እንድዮም ኔሮም፤ ንሶም ዘበግስዎም ሕክያታት እውን ብዡሓት እዮም። ሓደ ግዜ ሚርያም  ንዕርፍቲ መጺኣ ከላ፡ ንባሕሪ ኣብቲ ሑቝፋ ኣጋዲማ ጸጕሩ ትፍትሽ ነይራ። ኩነታት ጥዑይ ኣይጸንሓን መስለኒ “ንስኻ ነዚ ቅድምኻ ተገቲሩ ዘሎ ጸላኢ ክተጽንዕን ኣቅታትልኡ ክተክፍእን ለይትን መዓልትን ትሓስብ፡ ወዮም ሽግርካ ዘይርደኦም ቁማል ካልእ ግንባር ፈጢሮም። ወሪሮምካ። ጥይትስ ብታይፈስ ክትቅደም እያ መስለኒ። ኣይረድ” ክትብሎ ተዘኪሩኒ። እቲ ገጹ ገጽ-ወተሃደር ዝመስል ባሕሪ፡ ኣብ ሚርያም በጺሑ ናብ ሕጉስ ቆልዓ እዩ ዝቕየር ነይሩ። ንበይኑ ዓይነት ፍቕሪ ‘ዩ ነይርዎም። እቲ ክቱር ፍቕሮም ዘይፈልጥ ሰብ ዝነበረ ኣይመስለንን። ካብ እንዳ ዜና ከቲታ ኣሃዱኣ ጽቡቕ ገይራ ከይፈለጠት እያ ተሰዊኣ። ክትስዋእ ከላ እውን ከብኡ ርሕቕቲ ኣይነበረትን። ብ/77 ክንሕግዝ ተደሪብናዮም ኔርና። እታ ዝተረድኣ መዓልትን ዝተነኽነኾን ኣብ ሓንጎለይ ሓድሽ ኔሩ። ገና እውን ኣብ ሓዘን እዩ ነይሩ። ግን ጸዋር ነብሲ ነይርዎ። ቃንዝኡ እቶም እንቀርቦ ጥራይ ኢና ንፈልጦ ዝነበርና።

“ስማዕ ‘ስከ ገለ ‘ዶ ወስወስ ኣይጀመርካን? ምሽ እዘን መሳቱኻ መሊአን እየን?” በለኒ ከም ከሕፍረኒ ደልዩ። “ወይለይ፡ እዛ ሰብኣይ ደኣ ከመይ ኢላ ኢያ ብዛዕባ ፍቕራ እሓስብን እጕህን ከም ዘለኹ ፈሊጣ?” በልኩ ብልበይ። ሃንደበት እዩ ወዲቑኒ። ከምዚ ልበይ ዘንበበ መሲሉኒ። ምስ ባሕሪ ካብ ዝምደብ ብዙሕ ገይረ ነይረ። ዝምድናታትና ዳርጋ ከም ኣያን ንእሽቶ ሓውን እምበር ከም ኣዛዚ ብርጌድን ምልክቱን ኣይነበረን። ንነኣሽቱ ክሉ ግዜ ምስ ሓለየ እዩ። ኣብቲ ዘገድሰካ ነገራት ከም መሰትኡ እዩ ዝዛረበካ። ኣኽብሮት ሰብ መሊእዎ እዩ። ሚርያም ካብ ትስዋእ ድማ እቲ ሰብኣዊ መዳይ ናይ ጠባዩ እንዳ ጎልሐ መጺኡ። ካብ መጠን ንላዕሊ መናን ኮይኑ። ብነብሱ ብዙሕ ኣይግደስን። ኩነታት ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ካብ ሓደጋ ክኽወል ምዝኽካሩ ከም ካልኣይ ዕማምና ኮይኑ ነይሩ። “ እዚ ቦታ’ዚ ተፈሊጡ ኣሎ ንቐይር። ቀልጢፍካ ስገር ተኣሲርዎ ኣሎ….ወዘተ” ክነተሓሳስብ ኢና ንውዕል። ኩነታት ጀሚሩ ራድዮታት ጫውጫው ክብላ ከለዋ፡ ንባሕሪ ካብ ኣሽሓት ኢኻ ትፈልዮ። ኣብዚኣ መጺኡ ዝቐየሮ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ኲናት ኣዝዩ ህዱእ እዩ። ብፍጥረቱ እውን ብወተሃደራዊ ብልሑን ዓቕሉን እምበር ብዘረባታት ኣይኮነን ዝልለ። ካልእ ዝፈልዮ ጠባይ፡ ብስርሑ ኣዝዩ እዩ ዝተኣማመን ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ብትሕትኡ ንዝነበሩ ኣዘዝቲ ናጽነት ስራሕ ዝህብን ንውሳኔታቶም ዘኽብርን ‘ዩ ነይሩ። ርእሰ-ምትእምማኑ ሕልፍ-ሕልፍ ኢሉ ምስ ኣዘዝቱ የጓፍጦ ከምዝነበረ ብቐረባ ንዕዘቦ ነይርና። ሕጂ ግን ዕማም ኣለዎ። ኩሉ ኣድህቦኡ ናብኡ ከምዝነበረ ከብቲ ኣብ ሳዓት-ሳዓት ዝመጽእን ዝምልሶን ዝነበረ መልእኽትታት ንፈልጦ ነይርና። ጸላኢ ንምድንጋር ብኮድ ስም ‘ዩ ዝጽዋዕ ነይሩ- ባሕሪ። ኣብ ሳውራ፡ ንኩኑታት ማዕረ ኣዛዚኻ ምፍላጥ ሓንቲ ካብተን ኦፐረተር ብምዃን እትረኽበን ሓለፋታት እያ ነይራ።

ንጽባሒቱ፡ ባሕሪ ምስ ኦፐረታቱ ዓቐብ እሮታ ብጊሓቱ ኢና ጀሚርናዮ። ሓጺር ቁመቱን ተረርቲ ደናጉኡን ንዓቐብ እሮታ ዝተፈጥራ እየን ዝመስላ። ኣብ ፍርቂ እቲ ኣንቃዕሪርካ ክትጥምቶ ዘሸግር ጎቦ ምስ በጽሓና፡ ብየማንና ዕብይ ዝበለ ጉጅለ ኣህባይ ከምዝነበረ ተዓዘብና። ሓደ ተስተስትሮን ዝሃወጾ ጋውና ሰላም ከሊኡና። ናባና ይጎዪ ‘ሞ ወስ ከየበልና ንድሕሪት ይሃድም። ደኺምና ስለዝነበርና ኣቓልቦ ግዲ ከሊእናዮ ድሕሪ ቅሩብ ምምልላስ ትሃኑ ናብታ መስኪነይቲ ብጨይቱ ይገብሮ። ነጽዩ-ነጽዩ ወደኣ። ንሕና እውን ክነዕርፍ ንውስን።

“ እንታይ ደኣ ደሮና ዝገብሮ፡ ምስ መን ይገጥም ከምዘሎ ጠፊእዎ ድዩ?” ይብል ተጫራቓይ ወዲ መጎስ። ወዲ መጎስ ‘ውን ምስ ባሕሪ ካብ ዝሰርሕ ጸኒሑ እዩ። ንፉዕ ኦፐረተር እዩ ነይሩ። ድኽም ውዒልካ ዝጫረቕን ላዕልን ታሕትን ዝብልን ጥዑም ብጻይ ነይሩ።

“ ኣታ ወዲ፡ እተን ኣህባይ ከይሰምዓኻ ኣባ። ደርጊ ‘ኮ ኣብ ናቕፋ ከምዘሎና እዩ ዝፈልጥ። እዘን ኣህባይ ከኣ ናይ ኤርትራውነት ደኣ ቅሩብ ምስጢር ይዕቅባ ይኾና ‘ምበር፡ መውቀፍ ‘ኮ የብለንን። ሎሚ ምሳኻ ኣለዋ ጽባሕ ደንበ ይቕይራ። ናብ እንዳ በቀለ የብላ። ጉስማጥ ከኣ ይረኽባሎም ይኾና። ተጋዳላይ ንሓመዱ ደኣ እንታይ ክረኽባሉ ኮይነን” በለ ወዲልጃም፡ ሳልሳይና ኦፐረተርና። ወዲልጃም እውን ፍቱው ኦፐረተር ባሕሪ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ገይሩ እዩ። ኮታስ ስድራ ኢና ንመስል። ከም ስድራ ከኣ ኢና ንተሓላለ።

ድሕሪ ናይ ሳዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ ባሕሪ ኣብ ዝባን እሮታ ኣብ መኣዘዚ ቦትኡ በጺሑ። ባሕሪ ኣብ እሮታ ኣሎ፡ ጽባሕ ነገር ኣሎ ። ‘ባሕሪ’ መጸውዒ ኮድ ጅግና ኢሰያስ ተወልደ(ወዲ ፍላንሳ) እዩ ነይሩ። ነዚ ኣብ ቅድምኡ ኣሳፊሑ ዘሎ ግንባር ጸላኢ ክፍንቅል እዩ መጺኡ። ካብ ዝባን እሮታ ንሓዋሩ ክብንቅሶ፡ ሕማቕ ኣቀታትላ ክቐትሎ እናተዳለወ ‘ዩ። ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት የማናይ ግንባር ሓልሓል ሓዊ ክከዓዎ እዩ። ብርግጽ፡ ብዙሓት መንእሰያት ክረግፉ እዮም። ገሊኦም፡ ድሕሪ ዜሮ-ሳዓት ዘላ መዓልቲ ይኹን ትመጽእ ሳምንቲ ኣይክርእዩወን እዮም። ድሮ ዘፍቀሩ እንተለዉ፡ ፍቕሮም ኣይክርእዩን እዮም። ምላድን ሓድግን ኳ ግደፎ። ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን። ሕጂ ኩሉ ኣብ ተዳሎ እዩ ዘሎ። ብወገን ጸላኢ እውን ምድላው ኣይተርፍን። ምንቅስቃሳትና ክከታተልዎ ቀንዮም ይኾኑ ‘ዮም። “ ዳህና ሁንልኝ ፍቅርዬ” ዝበሉን ስእልታት ኣፍቀርቶም ዝሰዓሙን ከምዝህልዉ ፍሉጥ እዩ። ብርግጽ፡ ደም ክፈስስ እዩ። እዚ ከባቢ እዚ ለሚድዎ እዩ። ን22 ዓመታት ደቂሰባት ክተሓረዱሉ ጸኒሖም እዮም። ከም ልሙድ ስራሕ እዩ ተወሲዱ። ናይ ሎሚ ዓራርቦ ሰማይ ከይተረፈ ዘይከም ንቡር ኣዝዩ ደም ሰሪቡ ኣሎ። ሕማቕ ፋል። ነገራቱ ክሉ ንሞት የዘኻክር። እቲ ኣየር እውን ደም-ደም ይሽትት ኣሎ። ሃለው ባሕሪ……….

ተራኺ፡ ሃብቶም ጸጋይ

ጸሓፊ፡ ማሕሙድ ሳልሕ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
19 COMMENTS
  • abeba December 18, 2013

    ayewe GEGNINET halifu .

  • True Eritrea December 18, 2013

    very touching

  • windshield December 18, 2013

    Very touching story!!!! keep it up bro.

  • asmat December 18, 2013

    Jigninet nblash yehwatna lekimkumlna ziterefkum dima leqleqti.getskum trhaq

    • Belay Tewlede December 18, 2013

      ነዚ ንተጋደልቲ ዝጻረፍ ዘሎን ነቶም ኣንጻር ተጋደልቲ ኣብ ፈስይስቡክ ዘመተ ተካይዱ ዘለኹም መልሲ።
      ተጋደልቲ ህግሓኤ ልክዕ ከምቶም ሲቪል ደገፍቲ ህግደፍን ተቓወምትን ተባሂልኩም ትኽፈሉ እዮም። ንሱ ጥራይ ግን ኣይኮነን። ዝኾነ ማሕበራዊ ኮም ወይ ጕጅለ ንህግደፍ ክሳብ ዝተቓወመ ብዝደለዮ ኣገባብ ክውደብ መሰል ኣለዎ። ሕጂ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ተጋደልቲ ነበር ህግሓኤ እንተ ተወዳደቡ እንታይ እዩ እቲ ጸገም? ብሰንኪ ውሑዳት ተጋደልቲ ንምሉእ ተጋዳላይ ክሳብ ክንድዚ ሓጢያት ምስካም ፍጹም ርዱእ ኣይኮነን። ብድሕሪት ዝዝውሮ ጸረ ደሞክራሲ ዝኾነ ሓይሊ ከይህልው እውን ዘስግእ እዩ። ሓደ ሰብ እኮ ደሞክራስያዊ እየ ክብል እንተ ኾይኑ ናይ ካልኦት መሰል ዘኽብር ክኸውን ክኽእል ኣለዎ። እዚ ሕጂ ንርእዮ ዘለና ዝንባሌ ግን ካልእ ንህግደፍ ዘርብሕ ዕላማ ዝሓዘ እዩ ዝመስል። ተጋዳላይ ስለ ዝተጋደለ ስለምንታይ ክንድዚ ኣባትር ይወርዶ? ገበን ዝፈጸመ እንተ ኣልዩ ከም ሰቡ ክሕተት እዩ። ንዝኾነ ተጋዳላይ ምስቶም ኣእዳዎም ብደም ዝጨቀየ ገበነኛታት ለኪምካ ምውንጃል ግን ንባዕሉ ገበን እዩ። ሓደ እቃለስ ኣለኹ ዝብል ሰብ ድማ ቅድም ግቡኡ ምስ ፈጸመ እዩ ብዛዕባ ካልኦት ክገብሩዎ ዘለዎም ክዛረብ ዝኽእል። ንኣንጻር ኣባት ጦር ዝተቓለሱ ተጋደልቲ ኣባት ጦር ምባል፡ ንሳቶም ዝሸገጡዎ መፍትሕ ክንከፍት ንቃለስ ኣለና ኢልካ ምዝራብ፡ ምውርዛይ ወይ መልሓስ ምንዋሕ ጥራይ እዩ ክኸውን ዝኽእል። ተጋዳላይ እንተ ዘይጋደልን ዘስዋእን ዘይስንክልን እዞም መልሓስ ትውርውሩ ዘለኹም ናይ ኣደባባይ ጀጋኑ ሎሚ ኣበይኮን ምሃለኹም? ኣብ ክንዲ ትግርኛ ኣምሓርኛ፡ ኣብ ክንዲ ከምዚ ሕጂ ኣፍልብኹም ነፊሕኩም ነሕዋትኩም ምውንጃል፡ ኣንጻር ወተሃደራት ኢትዮጵያ እምኒ ምድርባይ’ውን ንጋዳ ምኾነኩም ነይሩ። እስኪ ተጋዳላይስ ፈሪሑ፡ ኣይተረድኦን፡ መሳርሒ ኢሳያስ ኮይኑ ግቡኡ ኣይፈጸመን ንበል። ካብዞም ኩላትኩም ንኢሳያስ ከቃብጽ ዝኽእል ሓደ ሓሞት ዘለዎ ድዩ ተሳኢኑ? ኣብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ኮፍ ኢልካ ኣብ ካፌታት ሃምበርገር እናበላዕካን ቢራ እናሓንፈፍካን ንተጋደልቲ ምጽራፍን ምውንጃልን ደኣ ቀሊል’ንድዩ። ንሕና ክንቃለስ ከለና ከምኡ ኣይነበረን። ብዘይካ ኣብ ፓልቶክ ተሓቢእኩም ምጽራፍከ ዛጊት ኣንጻር ኢሳያስ እንታይ ገበርኩም? ኣብ ነንሓድሕድኩም ብስልጣን ክትበኣሱን ንስኻ ህግደፍ ኢኻ! ንስኻባ ዓጋመ ክትበሃሃሉን ብስልጣን ክትበኣሱን ከም ደቂ ዛግራ ብኣውራጃን ጸቢብ ወገንነትን ፋሕ ጭንግራሕ ክትብሉን ንርእየኩም ኣለና። ካብኡ ሓሊፉ ግን ዝገበርኩሞ ቍምነገር ዛጊት ኣይረኣናን። ስለዚ፡ ኣብ ክንዲ ንተጋደልቲ ብምውንጃል መፍቶ ህግደፍ ትኾኑ፡ ምስቶም ኣንጻር ህግደፍ ደው ዝበሉ ደሞክራስያውያን ተጋደልቲ ሓቢርኩም ኣንጻር ህግደፍ ክትቃለሱ ፈትኑ። መንእሰይ ንቕድሚት ይስጕም’ምበር ንድሕሪት ዘልሓጥሓጥ ኣይብልን እዩ። ኣብ ግዜና ከማኻትኩም ኣይነበርናን። ኣብ ማእከል ከተማ ንጦር ሰራዊት ኢና ብረቶም ነሕድጐም ኔርና። ምዝራብ ቀሊል ስለ ዝኾነ ግን ኣፍኩም ዝሃበኩም ትዛረቡ፡ ኢድኩም ዝሃበኩም ድማ ትጽሕፉ ኣለኹም። ኣብ ክንዲ ምዝራብ ግን ብጭቡጥ ምቅላስ እዩ ዝሓሸ። ንቕድሚት ምሕሳብ፡ ደሞክራስያዊ ባህልን ተጻዋርነትን ምትእትታው። ኣብ ሓንጐልኩም ጸረ ደሞክራሲ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ተሰሚሩ ስለ ዘሎ ግን ትሰምዑ ኣይትመስሉን ኢኹም።

    • luna December 19, 2013

      Asmat:
      Please, make a habit of using appropriate words instead of writing profane language. What you said doesn’t contribute anything positive to the ongoing dialog besides leaving behind bad taste in our mouth. Do you have any other message besides what you wrote? Words matter in the course of any conversation.

  • ወዲ ከረን December 18, 2013

    ሃብቶም ማሕሙድ ቀጽልዎ መን እዩ ንዓኩም ታሪክ ክነግረኩም ዉዒልክምዎ እንዲኩም መስዋእቲ ናይ ብዓል ወዲ ፍላንሳን ኩሎም ስዉኣትና ንምንታይ እዩ ነይሩ? ብከንቱ ከይትርፍ ታሪኮም ምጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ ሕጂ እንታይ ይገበር ታሪክ ጀጋኑ ተጋደልቲ ስነ ምግባርን ብኣምለክቲ ዉልቀሰብ ዝብሩቃትን ክጨወ እንከሎ ኣብ ከባቢኩም እንታይ ይስምዓኩም ብዙሓት ከማኩም ዝኣመሰሉ ክምዘልዉ ፍሉጥ እዩ Let not pretenders steal your gallantly and history.

  • Meretse Asmelash December 18, 2013

    ኣቶ ማሕሙድ ሳልሕ ፡
    ቀጺለ እዚ ዝተንተንክዮ ታሪክ-ቃልሲ ክዝከር ዘሎዎ እዩ ኢለ ይኣምን። ከመይሲ- ነቶም ብዙሓት ኤረታራ፡ ኤረትራ… እናበልና ኣብ ምዝማር እንውዕልን እንሓድርን፡ ዋጋ ናጽነት ኤረትራ ክሳብ ክንደይ ክቡር ከምዝነበረ ዝምስክርን ዘዘካክርን ሓቀና መርትዖ እዩ። “ነጻነት ኤረትራ” ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ፡ ምድሪ ኣካላታ ብከምዝን፡ ወዲ ከምዝን ዝተዛመደ ቃልሲ ጌራ እያ ተረኪባ። ህዝቢ ኤረትራ ንኤረትራ ዝተከፍላ ዋጋ ግርም ጌሩ እንተፈልጡ እዩ ከኣ ከስቖርቑረላ ዝክእል። ብከምዚ ዓይነት ምረት ቃልስን መስዋእትን መውጋእተን ዝመጸት ኤረትራ፡ ብምንም ተኣምር ፍልይቲ ውህብቶ (Special Gift) ናይ እንኮ ሰብ ክትከውን ኣይግብኣን። ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዘገርም ነገር እንትሃልዩ፡ ኣይኮነንዶ እቲ ዘይውዓለስ፣ እቲ ዝወዓለ’ውን ዝረስዖ እዩ ዝመስል። እዚ ዝካረ መሪር ሕልፈት’ዚ፡ ብሕሽዅታ ዘይኮነስ “ብዓውታ ተንስኡ” ዝብል መልእክቲ ዘመሓላልፍ ኮይኑ ስለ ዝስምዓኒ፡ ንኡድ ተዘክሮ፣ ኢለ ክሓልፍ ይመርጽ ።
    ቀጻሊ ጽሑፍ ታሪክ ንምንባብ ኣብ ትጽቢት፡-
    ብዝተረፈ ኣቶ ማህሙድ ሳልሕ፡ ኣብ ጎቦ ዝጸንሐ ንፋስ ይሰዶ ፣ ኣብ ሩባ ዝጸንሐ ውሕጅ ይሰዶ። ኣይትስሕቶን!

  • luna December 19, 2013

    Yes, putting historical realities in words like the one above is wonderful. The coming generation can read it and learn out of it. The read is pleasant with a rich choice of and appropriate vocabulary. It shows how Tigrigna can be used in historical literature as well. Reading has a role in building the human character. That is why reading is so vital beginning from childhood. Such expression must be encouraged among us. Hope to read more similar accounts as above. Thanks for the piece.

    The bitter struggle and the price paid by Eritreans was and is huge. Thus, it needs to be told and passed on to the young generation. Only then, can we learn and refrain from making the same mistake twice. Never again, must we fall into the ditch by total trust we placed on leadership. At the same time, challenge characters who display negative inputs from the get go. Small transgressions when not confronted early grow to be major setbacks bringing the entire nation down. That is a good example of what we see in today’s Eritrea. Each individual has responsibility which falls on his/her shoulder to speak truth rather than choosing silence in the face of injustice. Remember, situations evolve and change everyday. Inaction and notinvolving on its own can be seen similar to a crime. Nothing stands still the way it is. So, timely action saves the day!

    • Genet December 20, 2013

      Luna
      Well said!
      The dictator used many tactics to subdued many brave Eritreans for more that 50 years. they became paralyzed with confusion. instead of challenging his actions, they started to question their commitment to their people and country. The master of manipulation, Afewerik used tactics and behaviors such as hot and cold; manic and depressed; and many more ambiguous behaviors. The smart and brave Eritreans allowd themselves to be corupted and confused. Challenging once’s idea and questioning once’s motive is the only way to have once’s power in check. Un-checked power = dictatorship. As the old saying go.. FOOL ME ONCE, SHAME ON YOU, FOOL ME TWICE SHAME ON ME. Luna, I agree with your point, “Inaction and not involving on its own can be seen similar to a crime”
      Genet

  • ahmed saleh December 19, 2013

    For some reason when I see such kind of above pictures I feel depressed for some reason .
    Eritreans heroism history had been hijacked by crooked no good fellow Eritreans . It is
    not late time will tell us all in detail .

  • MightyEmbasoyra December 19, 2013

    መሳጢ ጽሑፍን ታሪኽን። ቀጽል!

  • TwoWayStreet December 19, 2013

    Well done bros. A start that should be encouraged by all and followed by those who experienced the struggle for Eritrean independence. Our history is the SUM of the history of individuals.
    In the eyes of PFDJ supporters, there was only one “HERO” in the struggle for independence, and that is ISSAYAS. He is doubling down on this, by burying and ignoring individual achievements, making “ISSAYAS” and “THE ERITREAN PEOPLE” the only names in the history of the Eritrean struggle. You can not recognize the achievement of the Eritrean fighters and at the same time ignore the achievement of the individuals who made up the group.

    And a small suggestion for the writers;: it would be nice if a person with no military/Ghedli background read your article before you post it and see if s/he understands it clearly. As for me it is crystal clear.

POST A COMMENT