Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃሜንነታዊ ፍልስፍና ዶክቶር አቢይን ሃሜንነታዊ ፍልስፍንኡን

ዶክቶር አቢይን ሃሜንነታዊ ፍልስፍንኡን 21/07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ) ሃሜንነታዊ (Utopian) ፍልስፍና ዶክቶር ኣቢይ ምሁር ብምዃኑ ንብዝሓት ከም ዘደናገረ ንዕዘቦ ዘለና እዋናዊ ዜና ኰይኑ ኣሎ። ንኽልተ ነጻ ዝዀና ሃገራት ብ “ምድማር” ዝብሃል ፍልስፍና ፍቕሪ ሰላም ሓድነት ጭርሖ ተጠቒምካ ሓደ ኰንና ኣለና

ዶክቶር አቢይን

ሃሜንነታዊ ፍልስፍንኡን

21/07/2018 ረድኢ ክፍለ (ባሻይ)

ሃሜንነታዊ (Utopian) ፍልስፍና ዶክቶር ኣቢይ ምሁር ብምዃኑ ንብዝሓት ከም ዘደናገረ ንዕዘቦ ዘለና እዋናዊ ዜና ኰይኑ ኣሎ። ንኽልተ ነጻ ዝዀና ሃገራት ብ “ምድማር” ዝብሃል ፍልስፍና ፍቕሪ ሰላም ሓድነት ጭርሖ ተጠቒምካ ሓደ ኰንና ኣለና ኢልካ ጫውጫውን ናይ ውራያት ምቅብባልን ንሰምዖን ንርእዮን ኣለና።

እዚ ናይ ለንቅነ ዘመቻ ናይ ዶክቶር ኣቢይ ንብዙሓት ኣቋራጭ መንገዲ ንመንግሰተ-ሰማያት ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ፡ ንዕምቈት ዘለዎም ፖለቲከኛታት ግን ሃሜንነታዊ፡ ገነታዊ፡ መጨበጢ ዘይብሉ ባዶ ጭርሖ ስለዝዀነ መተካእትኡ ይምረር ’ምበር ቃልሲ ጥራይ ምዃኑ ብግስ ከይበለ ኣለልየሞ ስለዘለዉስ ድሮ ናብቲ ዘዋጽኦም ኣድሂቦም ኣለዉ።

ከምዚ ናይ ዶር ኣቢይ ጥቕመ-ፈሊጣዊ በናኒ ፍልስፍና ኣብ ታሪኽ ሃሰስ እንተድኣ ኢልና ወይ ተወኪስና ብ 18 ክፍለ-ዘመን ከም ብዓል ሮበርት ኦወን (Robert Owen ) ዝበሃሉ ንሃሜንነታዊ ደስነት ላዕልን ታሕትን ኢሎም ፈሺሎም ኢዮም። ጥጡሕ ወይ ምዕሩይ ንዕኡ ዝኸውን ናይ ምዕባለ ሰረት ብኹሉ ሸነኻት ማለት ብፖለቲካዊ፡ ቍጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ ወዘተ…እንተዘይሃሊዩ ብሃቦ-ተረከቦ ናይ ፍቕሪ ጭርሖታት ኮሚርካ እወንታዊ ውጽኢት ክህልዎ ስለዘይክእል ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ብግእዝ “በከንቱ ጻሜኩ” ማለት ንኸንቱ ደኺመ ዝበሎ ኤሳው ካብ ምዃን ሓሊፉ ኣብ ዘብጽሕ የብሉን።

ብ ኣርትፍሻላዊ “ምድማር ምጒዳልን ጭርሖታት ፍቕርን ሰላምን” ዝመጽእ ናይ ሃገራት ሓድነት ነይሩ እንተዝኸውን፡ ቅድሚ ኹሉ ንሰላምን ፍቕርን ኣዕሚቖም ዝትንትኑዋ ክልተ ሽሕ ዓመታት ዝገበረ መጻሕፍቲ ናይ መንፈስ ዝውንኑ ተመራመርትን ሰበኽትን ኣቦታት ኣዴታትን ናይ መንፈስ ምኣኸሉና ነይሮም። መንፈሳዊ ኣከያይዳ ርእሱ ዝኸኣለ ምንገዲ ኰይኑ ፖለቲካዊ ኣከያይዳ ድማ ክምኡ ርእሱ ዝኸኣለ መንገዲ ክህልዎ የግባእ። ስለዚ’ዩ ክኣ ብምዕባሌ ፖለቲካ ካብ ሃይማኖት ወይ ካብ እምነት ክፍለ ዝኸኣለ። ዶክቶር ኣቢይ ከም ምሁርን ዘመናውን መጠን ሓዲኡ መንገዲ ክሕዝ ምተገብአ ነይሩ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን ንምዕባለ ሕብረተ-ሰብ ክጥቀመሉ ስለ ዘይመረጸ ናብ ሃሜንነት ወዲቑ ይርአ ኣሎ።

ዶክቶር ኣቢይ ብሓደ ወገን ንፍቕርን ሰላምን እንዳተጣበቐ ከሎ፡ በቲ ካልኣይ ወገን ድማ መስ ህልም ዝበለ ዲክታቶር ኢሳያስ ንኢትዮጲያን ኤርትራን ዘብረሰ ተመሻጢሩ ሕልሚ ዝኣረገን ዝተሳዕረን ናይ ጎበጣ መልእኽቲ ምዕራባውያን ኣብ ግበሪ ክትርጒም ህርድግ ይብል ኣሎ። ስለ’ዚ ብሓደ ጎንኻ ሰላም በቲ ካልኣይ ጎንኻ ክኣ ጸላም እንድሕሪ ኮይኑ ስራሕካ፡ ኣብ መንጎ ተቐርቂርካ ትርጉም ዘይብልካ ኰንካ ኢኻ ትተርፍ። ሰላም ኣብ መንጎ ኢትዮጲያን ኤርትራን ክዕንብብ ዝኽእል፡ ምዕባለ ክልቲኡ ሃገራት ብነጻ ኣተሃላልዋ ኣብ ዕግበታዊ ምቅርራብ ምስ ዝበጽሕ ጥራይ ኢዩ።

ሓድነት ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ ብበዓል ኒክሩማ፡ ሃይለ-ስላሴ፡ ከንያታ፡ ጀማል ዓ/ናስር ወዘተ…፡ ዓበይቲ መራሕቲ ናይቲ ግዜቲ ተጀሚሩ፡ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ቍምነገር ክገብር ዘይክኣለ ምኽንያት ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሃገር በቲ ዝድለ ናይ ምዕባሌ ረቛሒታት ፍቕርን ሰላምን ክዕንብብ ስለ ዘይክኣለ ኢዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ክፍለ-ዓለማዊ ጥዕና ክህልወካ እንተድአ ኰይኑ፡ መጀመርያ ሃገራዊ ጥዕና ክህልወካ ኣለዎ። ብዝተረፈ ኣብ ኣፋዊ “ሰላምን ፍቕርን” ኣዕናዊ ዕግርግርን ውግእን ወረ-ውግእን ጥራይ ኢኻ ትነብር። እዚ ኣዕናዊ ሂወት ክኣ ኣብ ድሑራት ሃገራት ኣብ ቅድሜና ንርእዮን ንሰምዖን ዘለና ዘይተሰወረ ተርእዮ እዩ።

ካብ ኢሳያስ ንጽበዮ ነገር ከምዘየለ ምናዳ ሎሚ ንኹሉ ኣእምሮ ዘለዎ ሰብ ግልጺ ኰይኑ ኣሎ፡ እንተ ካብ ዶክቶር ኣቢይ ግን ዘገርም ኢዩ እንተበልካ ዝመስል ኣበሃህላ ኤዩ። ዶክተር ኣቢይ ሎሚ ብ”ፍቕርን ሰላምን” ሸፋፊኑ ምስ ዝብሎ ዘይፈልጥ ናይ ሓላፍነት ቦትኡ ዘየለሊ ሕፍረት ዝተጋረዶ ኢደ ወነናዊ ተዓራሪኹ ንኤርትራ ክጎብጥ ላዕልን ታሕትን ክብል ከሎ ብምስላ ናይ ኣምሓርኛ “የቆጡን ኣወርዳለሁ ብላ የብብትዋን ጣለች” ማለት ኣብቲ ላዕሊ ዘሎ ከተውርድ ክትብልሲ ናይ ትሽቱሻ ተውድቕ ዝብል ምስላ ትዝ ይብለካ።

ንተግባራት ናይ ብዓል ሃይለስላሴን ደርግን ብፎርሙላ ናይ መጨበጢ ዘይብሉ “ፍቕርን ሰላምን” (ዲያቆናዊ) ናይ “ምድማር” ፍልስፍናን ጌርካ ንህዝቢ የማነ-ጸጋም ከም ዝከላበት ምግባር ኣዚዩ ወረ ኣዚዩ ታሪኻዊ ገበን ስለዝዀነ ዘየስተውዓለ ከስተውዕል ዝግብኦ ናይ ፖሊቲካ ሕልኽልኽ መድረኽ በጺሕና ከም ዘለና ክንግንዘብ ይግበና።

ሓያላን መንግስታት ድላዮም ክውንኑ ንዓለም ክገዝኡዋ ዝተፈላለየ ምንገዲ ክጥቀሙ ናይ ቀደምን ሕጅን ኣሰራርሕኦምን ሃንቀውትኦም ኢዩ። ንሕና ዘይማዕበልና ሃገራት ግን ንዓና ዘዋጽኣና ጥበብ ወይ ሜላ ከነማዕብል እንተዘይክኢልና ፍቕርን ሰላምን ዝበሃል ክንረኽቦስ ይትረፍ ከም ህዝቢ’ውን ዕድልና ምብትታን ክኸውን ምዃኑ ክንዝንግዖ የብልናን። እዚ ድማ ኣብ ቅድሜና ዝረኣየና ዘሎ ኲነታት ኢዩ።

ኣይተ ኢሳያስ ትንፋስ ዝረኽበሉ ሰዓታት ንሕና ድማ ኢትዮጲያውያን ንኹን ኤርትራውያን ኣብ ዝበኣሰ ጠለቃ እንሰጥመሉ ደቓይቕ ቂም-ቂም ይብል ኣሎ። በዚ ሃሜንነታዊ ፍልስፍና ናይ ዶክቶር ኣቢይ ዕድል ቀርኒ ኣፍሪቃ ዕድል ማእከላይ ምብራቕ ከይከውን ናብ ቅኑዕን ዝሰርሕ ዝምድናን ገጽና ክንጥምትን ክንቃለስን ናይ ድሕነት ጠለብ ኰይኑ’ሎ። ምናልባት ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በዚ ኣንቀድዓዊ (Idealistic) ፍልስፍና ናይ ዶክቶር አቢይ ተታሊሎም ይሰራሰሩ ይህልዉ፡ ግን ቍሩብ ምልስ ኢሎም ክጥምቱ እንተዘይክኢሎም ታሪኽ ኣልቦ ዳንኬራ ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን።

ባሕሪ ኤርትራ ካብ ንትዮጵያ ምግልጋል ሓሊፉ ናብ ዘብሎ የብሉን። ግን! ብኣገባብ፡ ብስዕረት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስን ብዲሞክራሲያዊ ቁዋማዊ ስርዓት ህዝቢ ኤርትራን ምስ ዝኸውን ጥራይ ኢዩ ነባሪ ሰላምን ፍቕርን ክወልድ ዝኽእል። ዶክተር ኣብይ ብመዝሙር ኢሳያስ ተማሪኹ ምስ ኩሉ ሕጽረታቶም ብዘየገድስ ነቶም ኣብ ኢትዮጲያ መስኮት ናይ ዲሞክራሲ ዝኸፈቱን ንባዕሉ ናብዚ ደረጃ ናይ መራሕ መንግቲ ንኽድይብ ናይ ምርጫ ደሞክራሲያዊ መደያይቦ ዝሃንደሱን ሰጊሩ፡ ምስ ቆጺርካ ዘይውዳእ ናይ ንበረትን ሂወትን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዕንወት ዝፈጸመ መላኺ ስርዓት ኢሱ ወዲ ኣፎም እንዳበለ ማይን ጸባን ክኸውን ከሎ ከይጀመረ ኣብ ፖለቲካዊ ሕንፍሽ-ፍሽ ይኣቱ ምህላዉ ተገንዚብና ካብዚ ሃሜንነታዊ ዘይትርጐም ፍቕሪ ምእንቲ ክንድሕን ኩላትና ዓገብ ክንብል ከድልየና እዩ። እዚ ብሓፈሻ ንኹሉ ኢትዮጵያዊን ኤርትራውን ክኸውን ከሎ፡

እንተ ብዛዕባ ንሕና ኤርትራውያን ግን ኩሉ ግዜ ጎበጣ ካብ ግዳማውያን፡ ክሕደት ክኣ ካብ ውሽጥናን ክርሕቕ ስለ ዘይክኣለ ጭቁናት ከም ምዃንና መጠን ንጭቁን ካብ ምቅላስ ሓሊፉ ካልእ ምርጫ የብሉን። ብርግጽ እዚ ዘለናዮ መድረኽ መሪርን ተሪርን ኢዩ፡ ግን ካብ ኩሉ ውልቀ-ሰብኣውን ውልቀ-ውድባውን ሃንቀውታ ወጺእና ንባዕልና ካብ ገነታውን ኣንቀድዓውን (Utopian and Idealistic) ኣተሓሳስባ ሓራ ኰንና ነዚ ‘ምድማር” ዝብሃል ብቕኑዕ ትርጉሙ ክንጥቀመሉ እንተኽኢልና ክንዕወት ምዃንና ዘጠራጥር የብሉን። ኤርትራውያን ብዙሕ ምዕራፋት ዘለዎ ናይ ቃልሲ መጽሓፍ ስለ ዘለና ነቲ ዘየድሊ ሸነኻቱ ወጊንና ነቲ ኣድላይን ትምህርታውን ሸነኻቱ ክኣ ሰኒቕና ክንቃለስ ጽባሕ ድሕሪ ጽባሕ ዘይበሃሎ ናይዚ ምድረኽ’ዚ ጠለብ ኢዩ።

ምኩራት ቀዳሞት መራሕቲ ተቓለስቲ ሰውራና ሓቂ ክዛረቡ ይጀማምሩ ኣለዉ። ኣበይ ድኣ ኔርኩም እዚ ኩሉ ዓመታት ኢልና እንደገና ኣፎም ክም ዝዕጾ ክንገብር የብልናን። እንደገና ኣጸቢቖም ኣፎም ክኸፍቱን ናይ ቃልሲ ዕጥቂ ዝኸውን ሓቀኛ ታሪኽ ነዚ መንእሰይና ከስንቕዎን ብምክብባርን ብውሕልነትን ከከም ኩነታቱ ከነመስግኖምን ክንምክቶም ከድልየና ኢዩ።

ኢሳያስን ምስጢራዊ መላኺ ሰክዔታቱን ንህዝቢ ኤርትራ ብራዕዲ ከምዘንቀጥቅጥ ገሪዎ እዩ። ምናልባት እዞም ዓበይቲ መራሕቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ናይታ ምስጢራዊት መሕበር ተባሂላ እትጽዋዕ ስለዝነበሩ ኩሉ ዝፈልጡ ይመስሎም ነይሩ ይኸውን፡ እቲ ታሪኽ ዝሕብረና ዘሎ ጉድ ግን ካልእ ሚስጢራዊት ማሕበር ናይ ኢሳያስ ነዞም ኣብ ናይ ብሕሶት ፓርቲ መሳርሒ ኰይኖም ዝነበሩ ኣብ ዝዀነ ስዓት እትምንቍሶም ከም ዝነበረት ኢዩ። በዛ መሳርያ እዚኣ ገይሩ ክኣ ኢዩ ኢሳያስ ንሕዝብናን ተጋደልትናን ከብርሶ ዝኸኣለ። ኢሳያስ፡ መራሕቲ ይኹኑ ተመራሕቲ፡ ህዝቢ ይኹን ሰራዊት ንሓቅን ንመሰሉን ፍሕት-ሕት ክብል ከሎ ብዘይ ታሕዋኽ ዝግ ኢሉ ኢዩ ዝርእን ዝሰምዕን፡ ኣብ ሳልስቲ ክአ በዛ ዝጠቐስኩዋ መሳርያ ገይሩ ይምንቍሰካ።

ዶክተር ኣቢይ ምስ ክምዚ ዝኣመሰለ ኢሰብኣዊ ዝዀነ ፍጥረት ተመሓዚዩ ከቕጽል እንተድኣ ኰይኑ ደሞክራሲ ናይ ኢትዮጵያ ክንዲ ናብ ምዕባለ (Progress) ናብ ጒተታ (Retrogress) ክምለስ ኢዩ። እዚ ክምዚ ዝኣመሰለ ኲነታት ክኣ ንኢትዮጲያ ጥራይ ዘይኮነስ ንኤርትራን ነቲ ዞና ብዓቢኡን ምስ ማእከላይ ምብራቕ ዝመሳሰል ሕንፍሽ-ፍሽ ክፈጥር ስለ ዝኽእል ብእዋኑ ከነስተባህለሉ ከድልየና ኢዩ። ድሕሪ ደጊም ኤርትራውያን ካብቲ ኢሳያስ “ኦም ብሓኽላ ዝብል” ምስላ ተጠቒሙ ዘብረሰና ተማሂርና ብሃጠው-ቀጠው ክንፈላለ ዘይኮነስ ይዕበ ይንኣስ ዘለና ዓቕምታት ኣዋህሊልና ብዘይምዕሩይ ኣበሃህላን ኣተረጓጒማን ናይ ዶክቶር አቢይ “ምድማር” ዘይኰነስ፡ በቲ ዝሰርሕ ትርጒሙ ቀደምትነትና ሰሪዕና ንስርዓት ኢሳያስ ክንምንቍስ ክንዕጠቕ ኣለና እምበር ናብ ጸኒሕና ከነርክበሉ ንኽእል ጒዳያት የማን ጸጋም ክንብል የብለናን። መሰረታዊ ማሕለኻ ናይ ሃገርና ስርዓት ኢሳያስ ኢዩ። ኩሎም ጥዑማት ሓረጋት ብድሕሪኡ ብትምኒት ዘይኰነስ ብተግባር ከም ዕንባባ ክንዓትሮም ኢና።

ክንዲ ንቕድሚት ኣርሒቖም ዝርእዩ

ክዕንቀፉ ንድሕሪት ዝጎዩ

ሓመድ ድበ ወዲእና እንዳበልና

ንኻልኣይ ቀብሪ ተዓዲምና

ዶክተር ኣቢይ ንጉስ ናይ ለንቅነ

ዝኸርም ዘይከርም ማይ ለመነ

“ክውዒ ብማንካ ክዝሕል ብኢድካ”

ተጠቐመሉ’ባ ልቂነትካ

ወዮ ነቓዕ ማዕጾ ናይ ሸፋቱ

ዓጺናዮ ኔርናስ ተኸፊቱ

ፍቕሪ እንተልካስ መሲልካና ርግቢት

ዶክቶር ኣቢይ መኻዚኖ ውዲት

“ፍቕሪ” ንግበር ኢልካ ትምህረና

ጽልኢ እንዳሓፈስካ ኣብ ቅድሜና

ታሪኽ ህዝቢ ኩሉ ንዒቕካዮ

ኢሳያስ መሪጽካ ሕማም ንፍዮ

ማይዶ ጸባ ናይ ትማል ረሲዕካ

ሃገርና ክትዘምት ተበጊስካ

ሕጂ’ውን ተመለስ ኣይትጋገ

ሽዳ ኤርትራውያን ከይኣረገ።

ረድ ክፍለ (ባሻይ)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
12 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! July 22, 2018

    If Issaias was a true leader with vision for peace , justice and prosperity to his people , we can
    join the slogan of MEDEMER in horn
    of Africa on common interest .
    Eritrea is a sovereign nation that has been recognized by United Nations .
    Neither Issaias nor Abiy can change
    reality unless they ignore our past
    history .
    Don’t underestimate Eritrean people.

  • Thomas July 22, 2018

    Patriotic Eritreans

    We have to be vigilant more than ever. Now it has become clear like a daylight that the dictator has started the final phase of his evil mission.

  • Gezae July 22, 2018

    PLEASE- DO NOT CRY ANY MORE-THE GAME IS OVER- ACCEPT YOU LOST IT.
    S’IL VOUS PLAIT- FIN DU JEU VOUS AVEZ PERDU,[Vous êtes priés de le partie terminée.]

    • Danilo July 22, 2018

      Sei arreso Gezae, la partita non è finita, mi capi o no imbecile? Che cosa stai aspettando dopo mamma Ethiopia controllando tutto? Cresci pupi!

    • AHMED SALEH !!! July 22, 2018

      Keep dreaming , we might look humble people but we watch our back .

  • Danilo July 22, 2018

    ልዑል ምስጋና ንባሻይ
    ኣብየት ሽሻይ፡ፍጹም መዓዳይ
    በትባቲ ሚስጥር መዓር ጭደናይ
    ኣቢልካዮም ስዮማይ።
    —ቀጽል ኣይትተሓለል
    ወገንካ ክጠልል
    ጸላኢኻ ይጸለል።
    —ቀጽል!!!

  • meretse July 22, 2018

    ብምክንያት ግዜ ሪኢቶይ ከም ዝደለክዎ ኣይክሰፍሕን ኢዩ። ይኹን’ምበር ሓው ረድኢ ፡ መልእክትካ ከም ቀደሙ መልእክቲ ሃገር’ዩ። ዶተር ኣቢይ “ ሓበን ኢትይጵያ” ክገልጽ እንከሎ ፡ ኣብ ዝከዶ ሕ/ሰብ እዚ ዝስዕብ ኢዩ ዝምድር ዝነበረን ክሳብ ሕጂ ዘሎን። ኣቦታትና ንክብሪ ሃገርና ኢትይጵያ ከየድፍሩ ብሓደ ኮይኖም ንጣልያን ኣብ “ኣብ ኩናት ዓድዋ” እንታይ ከም ዝገበርዎ ኣይንረስዕ። ንሕና እንከሎና ኢትይጵያን ምስ መትና ከኣ ኢትይጵያ ኢና። ማሕረ እዚ ፈልጥ እዚ ኣብ ኢትይጵያ ጥራሕ ከም ዝሰርሕ ዘረጋገጸሉ መን ኢዩ። ዶክተረ ንዓና ንኤረትራውያን እውን እቲ ንሰላሳ ዓመት ዘካየድናዮ ቃልሲ “ኣምሳያ ኩናት ዓድዋ” ኢዩ። ንክትፈልጥ ናይ ስም ኣጸዋውዓ ጥራሕ ኢዩ ዘሎዎ። ብኣጸዋዓና “ኩናት ሓርነት” ንብሎ። ስለዚ ኩናት ሓርነት ንዓና ከምቲ ንስካ “ኩናት ዓድዋ” ኢልካ ኣፍካ መሊእካ እትምድረሉ ኢዩ። ኣብ ዝኮነ ግዜ ግን “ኣዎኣሎም ኣሎ” ንኣውዓሎም ክትወስዶ እንተ ደሊካ ሓላል ይግበረልካ። ንሱ እንተ ጌርካ ብዝያዳ መርኣያ ናይ ሰላም መራሒ ምዃንካ ዘረጋግጽ ኢዩ። ካብ’ዚ ሓሊፉ ግን ከምቲ ሓው ረድኢ ዝበሎ፡ “የቖጥን ኣውርዳለሁ ብላ፡ የብብትዋን ጣለች” ከይኮነካ ናብ ልብካ ተመለስ። ክገርመካ እቶም ኣኣብ ሕቝፊ ኣቦታቶም ዝዓበዩ ኣምሓሩ’ውን ንከም’ዚ ናትካ ጉዕዞ ዝገልጽሉ ሓጸርቲ ምሳሌታት ኣሎውዎም። ኣይትፈልጦን ክብል ኣይደፍርን፤ ኮነ ኢልካ ዘዋሰንካዮም ሓደ ክልተ ብሂላት ወስ ከብለልካ– ኣቦታትካ “ የኔ ቶሎ ቶሎ ቤት ግድግዳው ሰንበሌጥ” ፣ “የጅብ ችኮላ ቀንድ ይንክሳል” ኢሎም ክምስሉ እንከሎውስ ንከመይ ዝኣመሰለ ከይዲ ክገልጹ ድዮም ዝጥቀምሎም ኔሮም። እግሪ ቆልዓ ኣይትግበሮ። እቶም ለኣክትካ ግደፍዶ ሎሚ ክልተ ጸጉሪ ኣብቚልና ፡ ቀደም ብእግሪ ተክልና ኢና ንፈልጦም። ብገንዘብ ክበልጹና ይክእሉ ይኮኑ፡ ግን ንዓና ዝሕሸና ግን ካባና ንላዕሊ ክፈልጡልና ኣይክእሉን። ወዮ ተፋሊጥናስ ተዋዲቅና። ንእሶም ንዝኣረገ ታሪክ “ሓድሽ ቐሚሽ” ኣልቢስካ ክትደግም ኣይትፈትን። መሬት መሊኢካ እንተዘይ ከድካ ጉዕዞ ማንቲለ ክኮነካ ኢዩ።

  • meretse July 22, 2018

    ንስካ ካብ ሚኢቲ ዓመት ንላዕሊ ዘቁጸረ ብታሪክ “ኩናት ዓድዋ” ክትሕበን ፡ ንሕና ገና ደሙ ብዘይነቀጸ “ታሪክ ቃልሲ ሓርነት” ክንሕበን ከም እንክእል ከመይ ጠፊኢካ? መኣስ ንሱ ጥራሕ ፡ ወረ ናትናስ ሓለፋ ኣሎዎ። ሓለፍኡ — ናትና ገና ምስ ሕይወቱ ኢዩ ዘሎ። ትማሊ ዝተወለደ ቆልዓ ኣቦይ እግርካ ናበይ ከይዱ? ኣደይ ንምንታይ ሓደ ኢድኪ፡ ሓደ ዓይንኪ? ሓውበይ ንምንታይ ሰንኪልካ? ኣደይ ኣቦይ ናበይ ከይዱ?……………… ዝብሉ ሕቶታት ገና ምስ ሕወቶም ኢዮም ዘሎዉ። ዶክተረ ታሪክና ዝሓደረን ዝወኦኣለን ኣይኮነን። ንስካ በዓል ልቢ ስለ ዝኮንካ ይርድኦ ይከውን ዝብል ግምት ኔሩና። ግን ወዲ መን ኮንካ ክትሓልየልና። የቀንየልና ዝሓወይ ። ከይሓረካ እቲ ኣብ እቶን ዘእተካዮ ሊጥካ ተከታታል ። ብዝተረፈ ንእሽቶ ምክሪ — ተው ይሻልሃል!

  • k.tewolde July 22, 2018

    As my recent post states, it feels like 1961 again only this time with different characters putting the nation on the bargaining table,who is going to emerge as the young,new and modern Idris Awate is yet to be seen,if there is any gas left in the tank of the beguiled nation.Yep,the tyrant can say “game over” because for him over half of a century of political and armed struggle,over a million lives lost and displaced for Eritrean nationhood is a mere game.He spoke to early. Wedi Bashai summarized it eloquently,…. “ዶክተር ኣቢይ ምስ ክምዚ ዝኣመሰለ ኢሰብኣዊ ዝዀነ ፍጥረት ተመሓዚዩ ከቕጽል እንተድኣ ኰይኑ ደሞክራሲ ናይ ኢትዮጵያ ክንዲ ናብ ምዕባለ (Progress) ናብ ጒተታ (Retrogress) ክምለስ ኢዩ።”

  • Degoli July 22, 2018

    ብዛዕባ “ዓድዋ” ገና ትግዕር ኣለኻ? ብዝበለየ ዜና? ጀብሃን ቅያዳ ኣል ዓማን ክንደይ ሰብ ቀጢለን ሓሪደን፧
    ሰብ ኣብ ዝበለየ ፖለቲካ ኣይነብርን እዩ። በጃኻትኹም ሓራ ሰባት ኩኑ ፥ ቅድሚ ንኻለኦት ሓራ ምውጻእ።

  • Degoli July 22, 2018

    Courtesy of BT,
    መብዛሕትኡ እዚ ኣንጻር ኢሳያስ ዝጸሓፍ ዘሎ ነቲ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ሰላም ውዕል ንምዕንቃፍ እኳ እንተኾነ። ኢሳያስ ኣብዚ መስርሕ እዚ ኣዝዩ ከም እተዓወተ ዝኽሕድ ሕልንኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኵውንነት ኣብ ጽልኢ እተላዕጠጠ ንኤርትራውያን ሰላም ከምጽእ ዘይክእል ድኹም ኣእምሮ ዝወለዶ እዩ።
    ኢሳያስ ብዙሕ ዘኽስሶ ገበናት እንከለዎ ፤ “ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌሩ” ኢልካ ሃለውለው ምባል ፖለቲካዊ ውድቀትካን ስንፍናኻን ክሽፍን ኣይከኣልን።
    ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ከምዝደሊ ኣብቲ ግንባራት ዘሎ ኩሉ መስኪርዎ እዩ። ሰላም ኣይደለኻን ፣ ነቲ ጎዳጉዲ ወኻሩ ንዓመታት ዝንበረ መንእሰይ ኬድካ ኣብርዮ።
    ብመስኮት ኮምፒተር ተሓቢእካ እተምጽኦ ሰላምን ፍትሕን የለን። ስረ እንተለካ ከምቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስረ ዓጢቑ መሰሉ ዝመለሰ ምሰል።
    “ናይ ወያነ ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ። ባዕልና ብስሬና ንኢሳያስን ህግደፍን ክንኣልዮም ኢና:” ትብሉዶ ኣይነበርኩምን?
    ሕጂ ተሓቢእካ ነቲ ሓራ ከውጸኣካ እየ ኢልካ እትሽቅጠሉ ዝነበርካ ምስኪን ኤርትራዊ ፣ ኣብ ኣሜሪካ ኣውሮጳ ኣውስትራሊያ ተሓቢእካ ትጻረፍ ኣለኻ። ፈሽኳል! ነዚ ፈሊጡ እዩ ድማ ዘይሰዓበካ።

  • meretse July 23, 2018

    ኣቢይ ሓቂ እንተዝነብሮ፡ ገጸበረክት ናይ ኢሰያስ {ዒሉ ወዲ ዒሉ፤ ገዲፉ ሓደ ካብቶም ኣዝብእ ሃረር ክህቦ ነይርዎ። ብዝተረፈ ሰላም ምስ ኤረትራ ዝደሊ እንተኮይኑ፡ ኢሂን ሚሂኑ፡ ምስ ሰላም ዝደሊ ህዝቢ ክከውን ኣሎዎ

POST A COMMENT