Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃቀነ ስርዓት ህግደፍ፡ ፍርያም ሓመድ ጉሒፍካ ኣብ ከውሒ ፈልሲ ምትካል’ዩ!

ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንህዝባዊ ግንባር ክነቅፍ እንከለኹ፡ ነቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ ዘዳኽር ዘሎ ውሑድ ክፋል’ቲ ስርዓት እምበር፡ ነቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ፡ ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ኮይኑ ዘሎን ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበን ዝምልከት ኤርትራዊ ከምዘይኮነ፡ ኣቀዲመ ኣንበብትን ሰማዕትን ክግንዘቡለይ

ኣብዚ ጽሑፍ’ዚ፡ ንህዝባዊ ግንባር ክነቅፍ እንከለኹ፡ ነቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ ዘዳኽር ዘሎ ውሑድ ክፋል’ቲ ስርዓት እምበር፡ ነቲ ሓፋሽ ተጋዳላይ፡ ግዳይ ግፍዕታት ህግደፍ ኮይኑ ዘሎን ንለውጢ ብሃንቀውታ ዝጽበን ዝምልከት ኤርትራዊ ከምዘይኮነ፡ ኣቀዲመ ኣንበብትን ሰማዕትን ክግንዘቡለይ እላቦ። ኣብ 1978፡ ብሰንኪ ምትእትታው ሕብረት ሶቭየት፡ ካብተን ብህዝባዊ ግንባርን ተጋድሎ ሓርነትን ሓራ ዝወጻ ከተማታት ምንስሓብን ንሳሕል ምምላስን ምስኮነ፡ ስርዓት ደርግ፡ ብቀበሌ ዝፍለጣ ምምሕዳራት ብምምስራትን ብረት ብምዕጣቅን ኣንጻር’ተን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ ዝንቀሳቀሳ ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ምህዳን ጀመረ። ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ድማ፡ ጸላኢ ኣብ ዝቆጻጸሮ ቦታታት ሰሊኾን ብምእታው፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ምስ ጸላኢ ብምውጋን ኣንጻር ሰውራ ደው ዝበሉን ልቦም ዘትረሩን ናይ ቅንጸላን ምእሳርን ስጉምቲ ወሰዳ። ነቶም ኣብ ትሕቲ ጸላኢ ኮይኖም ዘዕገርግሩ ዝነበሩ ድማ፡ “ኢድ ሰውራ ነዊሕ’ዩ፡ ሓለንጊ ሰውራ ከርክበልኩም’ዩ” ዝብል ካብ ተግባራቶም ክቁጠቡ፡ ምኽርን መጠንቀቅታን ተዋህቦም። ሎሚ ኣብ 2018፡ ነቲ ቅድሚ 40 ዓመት፡ ህዝባዊ ግንባር ኣንጻር መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝጥቀመሉ ዝነበረ ራዕድን ሽበራን፡ ደለይቲ ፍትሒ ንምህዳንን ህዝብና ንምምላኽን ይደግም’ሎ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገረብ ብሓኽላ ራዕድን ሽበራን ምፍጣር። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብጥሜትን ሕማምን እናተሳቀየ እንከሎ፡ ነቶም ገርሀኛታት ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብቲ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራን ደለይቲ ፍትሕን ዝካየድ እከይ ተግባራት ከም መሳርሒ ክጥቀመሎም፡ ንመእከቢ ኣዳራሽ፡ ንሆቴል፡ ንመጓዓዓዚ፡ መግቢ/መስተ ኣበልን ሚልዮናት ዶላራት ብምውጻእ፡ ከምኡ’ውን፡ ካብ ደለይቲ ፍትሒ ተቃውሞ ንምዕጋት ትካላት ጸጥታ ብኣሽሓት ዶላራት ብምኽታብን’ዩ። ብዙሓት ካብዞም የማነ ማንኪ ዘሰልጥኖም ዘሎ መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዋፍሪም፡ ነቶም ፍትሒ ዝጠልቡን ሓቀኛ ባህርያት ስርዓት ህግደፍ ዘቃልዑ ውድባትን ውልቀሰባትን፡ ኣጽያፍን ሕሱርን ቃላት ብምጥቃም ሰባት ክዝልፉን ክነብሑን ግዜኦም ዘባኽኑ’ዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ሰብ ከይለበመ እንከሎ፡ ንዓመታት “ብስም መንካዕ፡ የሚን፡ ፋሉል፡ ኣድሓርሓርቲ፡ ጅሃድ፡ ጀብሃ” ኣብ መሬት ኤርትራ፡ ኣብ ሱዳንን ካልእ ኩርናዓት ዓለምን፡ ንንጹሃት ዜጋታት፡ ሃለዋቶም ምጥፋእ፡ ምቅንጻል፡ ምስማም፡ ምጭዋይን ምፍርራሕን ካብ ቀዳምነታቱ’ዩ። ኣብ ወጻኢ ዝምልምሎም ዘሎ መንእሰያት፡ መታን ስልጣኑ ከደልድል ኣንጻር ህዝቦም ክስለፉን ብዓቢኡ ድማ ኣብ ስደት፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ኣንጻር ደለይቲ ፍትሒ ብኣነዋርን ኣጸያፍን ቃላት ክጉስጉሱ፡ ክድህሉን ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ክዘርጉን’ዮም። እዚ ሰንካም ውጥን ህግደፍ ድማ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ክነቅሓሉን፡ ነቶም ኣንጻር ረብሐኦም ዝመራስሑ ዘለዉ መንእሰያት ልቢ ክገብሩ ክጽዕር ይግባእ። መንእሰያት ሃነጽቲ ሃገርን ሓብሓብቲ ዝወለዶምን ዘዕበዮምን ህዝቦም እምበር፡ ኣገልገልቲ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንትን ጸጋታታ ዝጉሕጉሕን ዘሎ ጨካን ስርዓት ህግደፍ ክኾኑ ኣይግባእን። እቶም ሓደ ክልተ ሰብ ፍሉይ ረብሓ፡ ኣብ ቁጠባዊ ትካላት ህግደፍ ብርኪ ዝውንኑን ንነብሶም ከም ውጹኣት ሃገራውያን ዝሓስብዋን ብዕድመ ዝሸምገሉ ተላኣኣኽቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ካብ ሓተላን ቃርማን ሕብረተሰብ ምባል ካልእ ትርጉም ዝወሃቦም ኣይኮነን ብሩህ መጻኢ’ውን የብሎምን። ስርዓት ህግደፍ ዘምሕረሉን ፍትሓውን ስጉምቲ፡ ንመናውሒ ስልጣኑን መኻዕበቲ ሃብቱን ንመዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያት ብመታለሊ ቃላት ምምልማልን ምትላልን ዘይኮነ፡ ነቲ ገባትን ዝጠስጠሰ ኣተሓሳስብኡን ፍልስፍናታቱን ቀይሩ፡ እቶም ንፍርቂ ዕድሚኦም ኣብ ስልጣን ኣሪጎም ዘለዉን ንምዕባለ ኤርትራ ንድሕሪት ዝመልሱ ሰበስልጣንን ብዘይ ምስምስ ስልጣኖም ናብ ሓድሽ ወለዶ ምስግጋር’ዩ። ንሱ’ዩ ሓልዮት ሃገርን ህዝብን ከምዘለካን ተባዕ ምዃንካን ዘምዝነካን ለባም ስጉምቲ።

ምናልባት ብፍልስፍና ስርዓት ህግደፍ ልሙዕ መሬት ኣቃዲርካ፡ ፍርያምነት ዘለዎ ሓመድ ጉሒፍካ ኣብ ከውሒ ፈልሲ ተኺልካ ካዕበት ምህርቲ ክትሓፍስ ዝከኣል እንተኾይኑ ግን ይፍትሓላን ሓቢርና ንርኣዮን። ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ቀታሊ ደቁን ዘማቲ ንብረቱን ዳግማይ ክኣምን ዘኽእል ልቦናን ትዕግስትን የብሉን። ስርዓት ህግደፍ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሒዙ ንመግዛእቲ ኢትዮጵያ ምስ ስዓረ፡ ኣበራቱ ብዓወታት ተጎልቢቡን ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ “ብደቅና ሕሰም ኣይንረክብን” ዝብል እምነት ስለዝነበሮን፡ ንዓመታት ከደናግር ዕድል ረኺቡ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ሃይማኖት ዘይብሉ፡ ንበዓል ውዕለቱን ፈታዊኡን ዝጠልምን ህይወት ሰብ እናኣጥፍአ ዝነብር ፍጡር ምዃኑ ንኸይፍለጥ ግዜ ወሲዱ። ስርዓት ህግደፍ፡ እቶም ዝቀደሙ፡ ብመን ሕራይ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም፡ ውልቃዊ ንብረቶምን መደባቶምን ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝተበጀዉ ዜጋታት ኣበይ ኣለኹም ዘይተባህሉ፡ ከም ገበነኛታት እናተሃድኑን ግዳያት ትካላት ጸጥታ ህግደፍ ኮይኖምን እንከለዉ፡ ንትሕተ ዕድመ መንእሰያት ሓንጎሎም መሪዝካን ብመሳጢ ቃላት ኣታሊልካን፡ “ኣብ ምህናጽ ሃገር፡ ምውሓስ ልኡላውነት ኤርትራን ምውራስን ቅያ ታሪኽናን ሓላፍነት ናባኹም’ዩ” ኢልካ ምግዓር መን ክኣምኖ ይኽእል? ኣለው’ኮ ብህይወቶም፡ እቶም ቀደም ብኣጉል መብጽዓ ካድራት ህግደፍ ዝተደናገሩን ፍትሒ ይንገስ ስለዝበሉ ብኽድዓት ዝተኸሱን። እቶም ወረስቲ ዝብሃሉ ዘለው መንእሰያት’ከ ወለዶምን መዘናታቶምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተዳጉኖም፡ ብስእነት ምስ ዕድሎም እናኣማረሩ፡ ወይ ኣብ ስደት ሕሱም ናብራ ኣናኣሕለፉ ብኸመይን ካብ መንን’ዮም ታሪኽ ክወርሱን ክሕበኑን? እቶም ታሪኽ ዘውርሱ፡ ሳላ ሰንካማት ኣእዳው ስርዓት ህግደፍ የለዉን፡ ወይ’ውን ሓቂ ከይዛረቡ ተሓሪሞም’ዮም። ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ብእከይን ኣዕናዊ ተግባራቱን ብህዝቢ ኤርትራ ተፈንፊኑን ተጸሊኡን ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ መደበር ታዕሊም ሳዋ፡ ብሓለፍቲ’ቲ መደበር፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ድማ ብፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ተወዲቡ፡ በብዓይነቱ ጭርሖታትን ሕብራዊ ካናቲራታትን ተኸዲንካን ባንዴራ ተሰኪምካን፡ ዋዕላ፡ ሰሚናራትን ጓይላን መንእሰያትን የካየድ ኣሎ። እቲ ኣንጻር ጸላኢ ቃታ ስሒቡ ዘይፈልጥ የማነ ገብረኣብ፡ ምስ ጽራይ ነይሮም ምስሓተላ ተሪፎም ዘለዉ ከምእኒ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣሕፈሮም ተወልደ፡ ኣምባሳደር እስቲፋኖስ ሃብተማርያም (ወዲ በላዒ ጣዕዋ)፡ ዘምህረት ዮውሃንስን ድማ፡ ገለ ካብቶም፡ መሳቶኦምን መሳርሕቶምን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናበለዩ ብሒም ዘይበሉን ቅያን ጅግንነትን ህግደፍ ናብ ሓንጎል መንእሰያት ፈርፊሮም ከእትዉ ጎስጓሳት ዘካይዱ ዘለዉን፡ ልኡዃት ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳያስ’ዮም።

ህዝባዊ ግንባር፡ ሳላ ህዝቢ ኤርትራ ምሩጻት ደቁ ዝሃቦ፡ ሳላ ዝሓብሓቦ፡ ሳላ ጸይርዎ ዝተጓዕዘን ከብዱ ገዲፉ ዘዐንገሎን፡ ቅያ ፈጺሙን ባዕዳዊ መግዛእቲ ካብ መሬት ኤርትራ ተጸሪጉን። ስርዓት ህግደፍ ግን፡ ናጽነት ኤርትራ፡ ልዕሊ ዝኾነ ኤርትራዊ በይኑ ሓለፋ ከምዝፈጸመ ይምካሕን ኤርትራ ከም ናይ ብሕቱ ገይሩ ይወስዳን፡፡ ንኣብነት፡ ታሪኽ ሰውራ ኤርትራ ናብ መንእሰያት የውርስ ኣለኹ ኢሉ ክሰብኽ እንከሎ፡ ነቲ ካብ 1961 ክሳብ 1970 ዝነበረ ጉዕዞ ሰውራ ኤርትራ፡ ከምጸልማትን ጥፍኣትን እምበር ኣብ ምምካት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣወንታዊ ተራ ከምዝነበሮ ኣይገልጽን’ዩ። ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ኣዳል፡ ሓልሓል፡ ተጎርባ፡ መንደፈራ፡ ዓዲ ቀይሕ፡ ባረንቱን ስርሒት ከተማን ካልእ ቦታታትን፡ ጅግንነት ከምዝተፈጸመ ክጠቅሶ ኣይደልን’ዩ። ተጋድሎ ሓርነት፡ ህዝቢ ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ዕዙዝ ተራ ከምዝነበራ ዕሽሽ ይብሎ። መግዛእቲ ኢትዮጵያ ንምምካት ዝሰንከሉ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርድነት፡ ከም ውጉኣት ሓርነት ኣይኣምነሎምን ጥራይ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ መዓሰከራት ስደተኛታት ሱዳን ከምዝኣርጉን ከምዝቅበሩን ድሌቱ’ዩ። ዘይምሕር ሕማም ስርዓት ህግደፍ፡ ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ዘለዎም ዜጋታት፡ “ከድዓትን ትሕተ ሃገራውያንን” ኢሉ ይውንጅሎም፡፡ ኣብ ክንዲ ንዕርቅን ዘተን ዝዕድም፡ ንቅንጸላን ማእሰርትን ቀዳምነት ይህብ። ኤርትራውያን መንእሰያት፡ መሪሕ እንተረኺቦም፡ ተረከብቲ ሕድሪ፡ ሓለውቲ ልኡላዊት ሃገር፡ ኣፍረይትን ተመራመርትን ከምዝኾኑ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ይኹን እምበር፡ ብሰሪ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ፖሊሲታት ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ክንዲ ተረከብቲ ሕድሪ፡ ሃነጽቲ ሃገርን ተመራመርትን ዝኾኑ፡ ኣብ ውትህድርና ተጸሚዶም፡ ብስእነት ስራሕ ለሚሶም፡ ናብ ስደት ነፊጾም ተስፋ ኣልቦን ተጸበይትን ኮይኖም። ነቶም ብዛዕባ ኤርትራ ዝኾነ ኣፍልጦ ዘይብሎም ሓንጎሎም ንምሕጻብ፡ ዝበዝሑ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህሉው ኩነታት ብዘይካ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ዝህቦም ዝንቡዕ ሓበሬታ ዘይፈልጡን መንእሰያት፡ “ዶብና ኣይተሓንጸጸን፡ መሬትና ብኢትዮጵያ ተጎቢጡ’ሎ፡ ምዕራባውያን ሃገራት ይዘርያና ኣለዋ፡ ኤርትራ ኣብ ጎደና ልምዓት ትርከብ፡ መንእሰያት ወረስቲ ሕድሪ’ዮም” እናበለ’ዩ ሓቅታት ክጥምዝዝ ዝህቅን። ወዮ ድኣ ለባማትን ደፋራትን ሓተቲ ኣይረኸቡን እምበር፡ ቀዳምነትን ጸገማትን ህዝቢ ኤርትራ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘይምሕንጻጽ ዘይኮነ፡ ቅዋም ዘይምህላው፡ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ብዘይ ፍርዲ ምእሳር፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን፡ ስእነት ስራሕን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዝብሉ ጉዳያት’ዮም ቀንዲ ጸገማት ህዝብና።

ስለዚ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመንእሰያት “ክብርታት ህዝባዊ ግንባር ክዕቀብ ኣለዎ” ክብል እንከሎ፡ ኣየናይ ክብርታት ህዝባዊ ግንባር’ዩ ዝዕቀብ ፈለማ ባዕሉ ክምልሶ ኣለዎ። እዚ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ መንእሰይ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይኑን ኣብ መዓልታዊ ህይወቱን ኣብ ነብሱን ስድራቤቱን ዘጋጥሞ ዘሎ፡ ስደት፡ ድኽነት፡ ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ሕማም፡ መወዳእታ ዘይብሉ ውትህድርና፡ ማእሰርቲ፡ ሰበይሰብካ፡ እምበር፡ ቅንዕና፡ ፍትሒ፡ ቅሳነት፡ ብልጽግና፡ ፍልጠት፡ ብቅዋም ትምእዘዝን ዝተበደለ ዝዳነየላን ሃገር ኣይርኣየን። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ስልጣን ንኽቅጽልን ሃብቲ ኤርትራ ክመጽን፡ ንመወዳድርቱ ኣጽኒቱን ኣጸሊሙን ከምዘረጋገጽ፡ ካብ ዝፍጠር ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ከምዘሎን ምስጢር ኣይኮነን። ንመንእሰይ ኤርትራ፡ ኣብ ክንዲ ብመስዋእትን ስንክልናን ኣሕዋቱን ወለዱን ዝሕበንን ብሩፍታ ዝነብርን፡ “ዘይትወድአ ናጽነት ኣምጺኹምልና፡ ኣሕዋትና ንኸንቱ ተሰዊኦም” ብምባል’ዩ ዘስተማስል ዘሎ። ኤርትራ፡ ምስሊ ጀጋኑን ሰራሕቲ ቅያን፡ ካብ ገጽ ህዝብና ከምዝሕከኽ፡ ሞያኦም ከምዝርሳዕ ካብ ዝገልገለ’ስ ኣብ ቆውዒ ሰፍኢ ዘቀበለ ዝስመየላ ሃገር’ያ። ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ልዑል ተራ ዝነበሮም ዜጋታት እንተላይ እቶም ኣብ ሰውራ ተወሊዶም ኣብ እዋን ናጽነት ተሓንጊሮም ኣስመራ ዝኣትዉን ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱን፡ ናብ ስደት ኣምሪሖም፡ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተጸሚዶም፡ ወይ ድማ ኣብ ኤርትራ ብድኽነት፡ ጭንቀትን ሕማምን ከርፋሕ ናብራ የሕልፉ ኣለዉ። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ መሪሕ ተራ ዝነበሮም ህይወቶምን ንብረቶምን ዘወፈዩ ኣብ ግንባር ኩናትን ኣብ ውሽጢ ጸላኢ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ዝነበሩ ዜጋታት ጉሒፉን ረሲዑን፡ ነቶም “ኣይፋል ጉድለታትና ንኣርም ትርግታን ኣዉያትን ህዝብና ንስማዕ፡ ሕድሪ ስውኣት ንተግብር” ዝበሉ ዜጋታት፡ ብምእሳር፡ ካብ ስራሕ ብምብራር፡ ከድዓትን ዕሱባትን ዝብል ስም ብምጥማቅ’ዩ ዝግብል ዘሎ። ድሕሪ ናጽነት፡ ህዝብና፡ ብልጽግቲ፡ ሰላም ዝሰፈና፡ ደቃ ትሓቁፍ ኤርትራ ክርኢ ልዑል ባህጊ ነይርዎ። ኣብ ወጻኢ፡ ንዓመታት ኣብ ስደት ዝነበረን ንናጽነት ሃረር ዝበለን ኤርትራዊ፡ ንብረቱ ሸይጡን ጠቅሊሉን ብዓቢ ተስፋ ናብ ሃገሩ ክምለስ ጀሚሩ፡፡ ሰብ ጸጋ ድማ ኣብ ኤርትራ ወፍርታት ከካይዱን ኣብታ ብኩናት ዝዓነወት ሃገሮም ኣብ ዳግመ ህንጻ ክዋፈሩን እጃሞም ከበርክቱን ተሃንጠዩ፡፡ ብዕሙትን ስሱዕን ቁጠባዊ ሜላታት ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ሕልምታቶም ምስበነነ ግን፡ “ቶባ ደጊም” ኢሎም ዝሃርፍዋ ሃገሮም ሕቆኦም ሂቦም ናብ ስደቶም ተመሊሶም። ድሕሪ ማይ ኣብ በዓቲ ከምዝብሃል፡ 10 ሚእታዊት ካብ ሓፈሻዊ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደት ምስሰፈረ፡ ድሕሪ ርብዒ ዘመን፡ የማነ ማንኪ፡ ኣብ ውዕላ መንእሰያት ህግደፍ ሃገራት እስካንድናቭያን “ሎሚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ለውጢ ዝመጸሉ መድረኽ’ዩ፡ ጸጋታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ንልምዓት ክንጥቀመሉ ይግባእ፡ ሕጂ ናይ ትምህርቲ፡ ናይ ሞያ፡ ናይ ፍልጠት ናይ ተክኖሎጂ እዋን’ዩ፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ለውጢ ዝመጸሉ መድረኽ’ዩ” ክብል ንየዋሃት መንእሰያት ምዒዱ። የማነ ገብረኣብ ብስም፡ “ዋዕላን ሰሚናራትን መንእሰያት ተረከብቲ ሃገር” መንእሰያት ንምሓዝ ዝውጥኖን ዝኣልሞን ተንኮላት፡ ንምኩራት ኣያታቶም ብኽድዓት ከሲሱን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክሓቁ ስድራቤቶምን ወለዶምን ክዝኽትሙ ናብ ስደት ሃጽ ክብሉ፡ ጠንቂ ኮይኑ’ሎ። ዝቀደሙ ሰብ ውዕለት ክብረት ከይሃብካ፡ ንዕሸላት መንእሰያትን ንእናሰምዑ ዝጸመሙን “ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ንዓኹም’ዩ ዝጽበ ዘሎ” ምባል ድማ፡ ፍረ ዝህብ ሓመድ ጉሒፍካ ኣብ ከውሒ ፈልሲ ምትካል’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 11 ግንቦት 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde May 12, 2018

    Can you imagine ypfdj taking the helm back home as promised by their spokesman “monkey”,can you imagine the culture shock! it is like asking Tiffany Hadish to stand up in front of the adi Abeito prisoners and tell jokes right out south Compton,can you imagine the reaction from the audience. Probably she will end up saying,”Was up wichu niggas,you don have no sense of humour,shiiiiiiiiiii!”Thanks Tsilal. Just throwing it out there.

  • Samuel May 24, 2018

    Yes all the message is Really!

  • Samuel May 24, 2018

    How we can be Unity to Fight the hgdef regim?

POST A COMMENT