Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገረይ – ሃገር ኩንኒ! ታደሰ ኪዳነ – በርሚንግሃም

ሃገረይ፣ ኣብቲ ንኡስ ዕድመይ ‘ክጋደል’ ኢለ በረኻ ክወጽእ ከለኹ፣ ሕማቕ ተማሃራይ ኣይነበርኩን። መምሃሪ’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ልዕሊ መሓዙተይ ንፉዕ፣ ፈታው ትምህርትን ፈታው መጻሕፍትን ኢየ ነይረ። 1ይ 2ይ 3ይ ዲግሪ ሰቒለ፣ ዶክተር ፕሮፈሰር ምኾንኩ። ምስ ብርቱዕ ድርኺትን

ሃገረይ፣ ኣብቲ ንኡስ ዕድመይ ‘ክጋደል’ ኢለ በረኻ ክወጽእ ከለኹ፣ ሕማቕ ተማሃራይ ኣይነበርኩን። መምሃሪ’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ልዕሊ መሓዙተይ ንፉዕ፣ ፈታው ትምህርትን ፈታው መጻሕፍትን ኢየ ነይረ። 1ይ 2ይ 3ይ ዲግሪ ሰቒለ፣ ዶክተር ፕሮፈሰር ምኾንኩ። ምስ ብርቱዕ ድርኺትን በሊሕ ኣእምሮን ኢየ ኣቋሪጸ። ሃገረይ – ምእንታኺ ኢየ ከርቲተ።

ሕማቕ ሓረስታይ’ውን ኣይነበርኩን፣ ዝሕረስ መሬት’ውን ኣይሰኣንኩን። እኳ’ድኣ ዕርፈይ ዓቲረ፣ ነዊተይ ወልዊለ፣ ጽምዲ ብዕራይ ወኒነ፣ ዱዃን ዋላኻን ኢየ ዝሓርስ ዝነበርኩ። ሓጋይ ዛልየ፣ ጽድያ ዘሪአ፣ ክረምቲ ጻህየ፣ ቀውዒ ምህርተይ ዝሓፍስ፣ ህርኩት ሓረስታይ ኢየ ነይረ። ስድራይን ወለደይን ክናቢ፣ ደቀይን ኣሕዋተይን ከዕቢ፣ ዓቕሚ ነይሩኒ። ሃገረይ ምእንታኺ‘ዩ መስዋእተይ።

ሕማቕ ጓሳ’ውን ኣይነበርኩን። ጥሪተይ ዘብልዓሉ ልሙዕ መሬት ኣይሰኣንኩን። ጠለ-በጊዐይ ብዙሓት፣ ከብተይ ዓራዶን ብጋይትን ኢየን ነይረን። ብጸበአን ተዓንጊለ ብጠስመን ዓጊበ፣ ንፉዕ ጓሳ ከኣ ኢየ ነይረ። ማይ ዝነጥቦ፣ ለምዒ ዝቦቕሎ ቦታ ኣለልየ ኢየ ዝፈልጥ። ዘረናጡን መኻኽትን ሸይጠ፣ ዝራብዓትን ተስቶትን ለዊጠ፣ ስድራይን ወለደይን ክናቢ ኣይጸገመንን። ሃገረይ – ምእንታኺ‘ዩ ስንክልናይ።

ስራሕ ኣይሰኣንኩን፣ ክራይ ገዛ ኣይከበረንን። ኣዕሩኽተይን መተዓብይተይን ኣማኺረ ስራሕ ክረክብ፣ ብዓቕመይ ሰሪሐ ደቀይን ወለደይ ክናቢ ኣይተሸገርኩን። ባራቶሎ ሰሪሐ፣ ዓሊ-ግድር ጡጥ ኣርየ፣ ኣብ ወደብ ረፊዐ ምንባር ኣይሸገረንን። ክዳነይ ጽፉፍ፣ ደሞዘይ ጽቡቕ፣ ብስርሐይ ዕጉብ ኢየ ነይረ። ሃገረይ – ከይጠልመኪ‘ለ እንዳኣለይ።

ነጊደ ክነብር ኣይጸገመንን፣ ዝሽቀጥ ኣይሰኣንኩን። ክጥዕመኒ ብመኪና፣ ከምኡ እንተኾነ ብገመል፣ እንተጸገመኒ ብኣድጊ ካብን ናብን ንብረት ከመላልስ ኣይምተሸገርኩን። ሕሳብ ዘወራርድ፣ ዕዳጋ ዝፈልጥ – ኪኢላ ነጋዳይ ኢየ ነይረ። ሃገረይ – ንዓኺ ኢየ ወፊየዮ እቲ ኩሉ ዓቕመይ።

ትምርዓወኒ ኣይሰኣንኩን፣ ንመርዓ’ውን ዓቕሚ ኣይሓጸረንን። ቆንጆ ጓል ሃገረይ፣ እዝውቲ ጓል ዓደይ – ሃረር እናበልኩወን ኢየ ገዲፈየን ወጺአ። ዕሰል’የ ክብሉለይ፣ መርዓ ክወርዱለይ፣ ወለድይ መሪቖም ክቡኒ ዘይበሃግኩ መኣስ ኮይነ። ክወልድ ክዝምድ ኣይጸላእኩን፣ ዝወለድኩዎም ከዕቢ ኣይምተሸገርኩን። ሃገረይ – ናባኺ ኢዩ ነይሩ እቲ ኩሉ ቀልበይ።

ሃገረይ፣ መወዳእታ ኣይነበሮን ዕድለይ። ተስፋይ ብዙሕ፣ መጻኢየይ ብሩህ ኢዩ እኳ ነይሩ። ነዚ ኩሉ ክገብር ግን ሽግር ነይሩኒ። ተጸጊመ። ምስ ተጸገምኩ‘የ ድማ ናባኺ ጠሚተ፣ ንዓኺ ክረክብ ሽግረይ ክፍታሕ። በቃ ለምለም ክትኮንለይ። ሃገረይ – ‘ኩለንተናይ ንዓኺ’ ኢለ እየ ናባኺ ኣቋሚተ።

እወ፣ ጦር-ሰራዊት ዝበሃሉ፣ ቀጠልያ ክዳን ዝተኸድኑ፣ ብሳንጃ ዝዝልዝሉ፣ ብኤርትራውነትካ ዝጥርጥሩ፣ ጠርጢሮም ዝኣስሩ – ዝቐትሉ፣  ጠለ-በጊዕ ዝዘርፉ፣ ከብተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ሓሪዶም ዝበልዑ፣ ንሓፍተይ ኣብ ቃልዕ ዝዕምጹ፣ ድሕሪኣ ናብ ኣደይ ዝሰግሩ ወሪሶሙኒ። ሃገረይ – ንሶም ኢዮም ነይሮም ሽግረይ፣ ዝቐየሩ ቀልበይ። ከይሓርስ ግራውተይ ብፈንጂ ተዘሪኡ፣ ከይነግድ ብሎኮታት ተዓጽዩ፣ ሸቂለ ከይበልዕ ጎደናታትኪ ዘየቕስን ኮይኑ። ሃገረይ – ናተይ ኩኒ፣ ከምቲ ዝደለኹኺ ድለይኒ።

ንዓኺ ምስ ወረሩ ናቶም ክገብሩኺ፣ ዜጋታተይ ብስልኪ ምስ ተሓንቁ፣ ሓንሳብ ምስ ተወስዱ ደሃይ ምስ ኣጥፍኡ፣ ኣብ በረኻ ተቐቲሎም ንኣዛብእ ምስ ተዋሃህቡ፣ ጨኪነ ሃገረይ ከርተት መሪጸ ንዓኺ ክደሊ።

ንስለኺ ክጋደል ክኽርትት፣ መርዓ ገዲፈዮ መሪጸ ክጸንት። ወለድይ ገዲፈ ነቶም ዘዕበዩኒ፣ ንበረኻ ከይደ- ስለኺ ተሰዲደ። ኣብቲ ዝኸድኩዎ ገድሊ፣ ነብሰይ ከይሓባእኩ ተጋዲለ፣ ፈንጅታት ሰጊረ፣ ንዓታቶም ዓጺደ መዓስከሮም ደምሲሰ፣ ዕጥቆም ሰሊበ፣ ናጽነትኪ ኣዕቲረ። ሃገረይ- ኣነ’እኳ ኢየ ሃገር ገይረኪ። ሎሚ ኣይትጥለምኒ፣ ሕቖኺ ኣይትሃብኒ።

ነዚ ኩሉ ክገብር ግን ብዘይ ዋጋ ኣይነበረን። ሰንኪለ ሓንቲ እግረይ ከይዳ፣ ዓዊረ ዓይነይ ተወሲዳ፣ ኣእዛነይ ጸሚሙ ምንጋጋይ ተሰይሩ፣ መዓንጣይ ሓመድ ልሒሱ፣ ሓንጎለይ ብስኩጆ ፈሲሱ። ስጋይ ብሓዊ ተቓጺሉ-ተጠቢሱ፣ ሬሳይ ንቡር ስኢኑ ንኣሞራ ኮይኑ። ሃገረይ- ዋጋ እዚ ኩሉ መስዋእተይ ስደት ኮይኑ ዕድለይ።

ሃገረይ – ድሕሪ ኩሉ ድኻም፣ እዚ ኩሉ መስዋእቲ/ ስንክልና፣ ረኺበኪ ኢለ ተሓጒሰ፣ ነጢረ ዘሊለ። በቃ ናኣሽቱ ኣሕዋተይ ሓሊፉሎም፣ ሽግሮም ኣነ ወዲአሎም – ኢለ ተተስፍየ። መሬትና ክለምዕ ጥሪትና ክበዝሓ፣ ህዝበይ ክቐስን፣ ዓመጽ ግፍዒ ተወዲኡ ኢለ ኣሚነ። ሃገረይ ሃየ’ባ ዘክርኒ- ኣለኹ በልኒ።

እቶም ትማሊ እምነት ዝሃብኩዎም፣ ኣነ ክሓልፍ ንስኻትኩም ጽናሑ ዝበልኩዎም፣ ዕላማና ከይጠልሙ ዝተላበኹዎም፣ ኣሳዲዶሙኒ ቁማር ኢሎሙኒ። ሃገረይ – ኣምጺአኪ ኢለ እናተነየትኩ፣ ብዝኣመንኩዎም ተጠሊመ፣ ካልእ ሃገር ክደሊ ተሰዲደ። መቃልስተይ ብቓጻ ተቐቲሎም፣ ገሊኦም ኣብ ጎዳጉዲ ሰፊሮም። ዝወለድኩዎም ቆልዑ እሶኽ ኮንኪዮም – ገንዘብ ከፊለ ካባኺ ኣህዲመዮም፣ ኩሉ ዝተወልደ- ዕድሚኡ ዘእከለ፣ ሕቖኡ ሂቡኲ- ኩቦ ደርብዩልኪ፣ ካልእ ሃገር ክደሊ ወጺኡ ገዲፉኲ። ሃገረይ – እንታይ ድዩ ወሪዱኲ፣ ብሰብ ዲኺ ብኣምላኽ ተጠሊምኪ።

ጳጳስ ተኣሲሩ- ጀነራል ለሚሱ፣ ሚኒስተር ደኒኑ- ሽማግለ ረጊሙ፣ ወላዲት ‘ኤህ’ ኢላ – ንሰማይ ጠሚታ ንኣምላኽ ነጊራ። መንእሰያት ‘ኡይ’ ኢሎም – ምእመናን ጸሊዮም፣ ሃገረይ – ንዓኺ ኢዮም ደልዮም ኣለኹ በሊዮም።

ትማሊ ኩልንተናይ ንዓኺ ዝሃብኩ፣ ሎሚ ‘ክልተ ካብ ሚእቲ መልእ’ ተባሂለ። ደመይ ናብ ሰሜንቶ ቀይረ፣ ኣዕጽምተይ ናብ ተንዲኖ ለዊጠ – ኣደልዲለ ሃኒጸኪ እናበልኩ፣ ‘ኩረት መልእ’ ኢሎሙኒ። ምልእቲ ሃገር ገይረኪ- ምስ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ጸንቢረኪ እናበልኩ፣ ‘ከዳዕ – ወያነ’ ኮይኑ ስመይ።

እቶም ትማሊ ኣብ ጎድነይ ንስለኺ ዝተጋደሉ – ሎሚ ‘ንሕና ኢና ንሳ’ ክብሉኒ ሰሚዐዮም። ሃገረይ ምእንታኺ ተጋዲለ – ሰንኪለ፣ ሎሚ ብሰንክኺ ተሰዲደ፣ ባሕሪ ተሳጊረ – ኣማዕድየ ክጥምት ናባኺ፣ ከምዛ ጓና – ከምዛ ዘይፈልጠኪ፣ ፍጹም ፈሪሐኪ – ከመይ ኢለ ክቐርብ ናባእኺ።

ኤረይ – ከምቲ ምእንታኺ ዝኸርተትኩ – ንእስነተይ ዝሃብኩዂ፣ ከምቲ ካብ ከርስኺ ተወሊደ – ሓመድኪ ቁሒመ ዝዓበኹ፣ ቀይሕ ደመይ ኣባኽን ምእንታኽን’ዩ ውሒዙ፣ ገለ ክፋል ኣካላተይ’ውን ኣባኺ – ኣብ ከርስኺ ተቐቢሩ ኢየ ገዲፈዮ። ሕጂ ድማ ኣማዕድየ እጥምተኪ ኣለኹ – ናተይ ክትኮንኒ – ናትካ ኢየ ክትብልኒ። ክቐርበኪ ቅረብኒ – ናትኪ ኢየ’ሞ ናተይ ኩኒ… ናትኪ ኢየ’ሞ ናተይ ኩኒ።

 

ታደሰ ኪዳነ

በርሚንግሃም

aseye.asena@gmail.com

Review overview
23 COMMENTS
  • ida June 16, 2013

    There are also very brave eritreans whom I love to acknowledge: to Emanuel and all the assena staff, who fight injustice, expose lies, and bring news from our people around the world, especially from the Sinai, to the brave Meron Estifanos, Dr. Alganesh, Elsa Chyrum, and many other heroes. Now, I finally want to thank the author of the greatest literature I have ever read Mr. Tadesse Kidane, you are my hero. You inspired me to write this much. That’s all folks! Bye!

    • Zaul June 16, 2013

      Ida habtey,
      It will dawn, just pay attention and always use your mind.

  • Eritrea super power June 16, 2013

    ኢትዮጵያ ኣብ ምውድኣ ዝበጽሔት ትመስል ።ኣብ ሰነ ሓደ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ብስም ዘይሃይማኖታዊ ፓርቲ ይትሓተት እምበር ብመንግስቲ ሱዳን ዝርከቡ ምስሪ ትደፋፍኦም ሓይሊ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ እስላማዊ ጋቢ ኣወንዚፎሞ።ክሳዕ ሚእቲ ሽሕ ዝኾኑ ተሳቲፎሞ።ፕረሲደንት በሺር ናይ ሱዳን ምስሪ ብዝልኣኸቶ መጠን ኢትዮጵያ ሸቖቕ ትብለሉ ስትራተጂ እናወጸ እዩ።ኣብ ሰነ ኣርባዕተ ሚኒስተር ምክልኻል ሓይሊ ንሶማል ከይዱ፣ ሶማልያ ንሶማሊ ላንድ መሊሳ ብሓይሊ ክትቋጻጸራ ወሃደራት ኣሰልጢና ክትመርሓ ምዃና ተገሊጹ።እዚ ንኢትዮጵያ ነቲ ወደብ በርበራ ንኸይትጥቀመሉ ክኸልኣ እዩ። ኢትዮጵያ ዓቕሚ እንተልይዋ ድማ ሽዑ ክርኤ እዩ። ወት ሃደራት ኤርትራ ብናይ ምስሪ ኣሰልጠንቲ ተሰንዮም ብባድመ ንሓይሊ ኢትዮጵያ ክሳዕ ወሎ ኣብጺሖም ንደምሒት ናይ ትግራይ ክህብዎ እዮም።ኣወንዘፍቲ ካፒታል (ኢንቨስተርስ)ካብ ኢትዮጵያ ሃዲሞም ክኸዱ እዮም ።እቶም ስደተኛታት ተመሲሎም ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኤርትራውያን ድማ ካብ ሕቡእ ሴላቶም ወጺኦም ከጥቅዑ እዮም።ኢትዮጵያ ዘብቅዔት ትመስል።ናብ ድኽነታ ገጻ ድኣ ከይትኸውን ይብሉ ተንተንቲ ።እቲ ዓቢ ሓጽቢ ክዳውንቲ ክሓጽቡሉ እምበር ምንም ኣይከርብሖምን እዩ ንኢትዮጵያውያን።ድኽነት ዶ ኾን ተዓዲልዎም ኮይኑ፣ ይብሉ ተንተንቲ።እቲ ብሓይሊ ዝሓዝዎ መሬትና ድማ ተዓጻጺፉ ክምለሰና እዩ።ኣብ ባድመ ሓንቲ ዓውዲ ኵናት ምስዓር ነቲ ውግእ ኣይዛዝሞን።ነቲ ውግእ ኤርትራእያ ት ስዕሮ ይብሉ ተንተንቲ።

    • Eritrea super power June 16, 2013

      ….. ነዚ ከቀነባብር ድማ ሱዳናዊ ፕረሲደንት በሺር ኣብ ኤርትራ ሓሙስ ኣትዩ።

  • Eritrea super power June 16, 2013

    Happy Fathers day Eritreans

  • Yemane Johar June 17, 2013

    I hope this deep and touching message is already broadcasted by Radio assenna if not i strongly vote for it! A job well done!

  • oromay June 17, 2013

    Dear Tadesse, thank you for message. When I read your article, I tried to back my tears. You are hero and patriot who gave his blood, sweat and tears to beautiful Eritrea. Your sacrifice for freedom wasnot in vain. You fought the enemy with great determination, valor, perseverance, endurance, courage, bravery , selflessness, and dedication for national cause. We are proud of you and others who gave their lives for the sake of Eritrean generation.Be patience , there is time for everthing.

  • Tes June 17, 2013

    Dear Tadesse,

    Jegna Wedi Jeganu! Wedi maekel, Anta wedi Bahta Hagos wedi Raesi Tesema, wedi Sokar Bahro don’t give up hope. It will get better hopefully soon. Those who are betrayed the whole nation will be judged in front of the victims. Your blood and many others blood won’t be spieled in vain. At the end of the day, the truth will prevail and justice will win over injustice. As for those who are dancing with the devil what can I say God will take care of them they deserve all punishment in both in hell and on earth. They have no shame what so ever they will be in front line on June 20 on the day of Martyrdom. They do mockery of those who wounded and scarified for the liberation of the land. This is the present Eritrea but I can assure you that it won’t go like this any more. Most Eritreans are aware of their trick and the deceptive nature of HGDEF and their blind followers. The clear face of Junta HGDEF is clearly exposed to all Eritreans. As usual the will show they real color a crocodile tears.
    So bro you are not alone on this be strong they will be a light at the end of the tunnel. God bless you and your family.

  • Hawileto June 17, 2013

    Weldone Mr. Tadesse Kidane that is the truth!!!!

    I would like to say that the youth of Eritrea should acknowledge that history of heroes and make sure their plight is achieved.

    EYSNS is in that road for informatiom if you don’t have knowledge of that. The youth is ready to pay price for that of ayatatna.

  • Semere June 17, 2013

    Thank you Tadesse,
    Extremely touching poem. I wish all our tegadelti get the chance to read your poem. I am sure your dreams will be true sooner than later. Things are too obvious now and those who betrayed our nation will fall one by one. We shall celebrate our “true” freedom! God is in our side!!

  • Eritrea Super Power June 19, 2013

    I truly believe that the current ethiopian government fell in to the same amhara mentality of expansionism ,I believe it is our right to work hand in hand with Cairo.

  • Eritrea Super Power June 19, 2013

    I truly believe that the current ethiopian government fell in to the same amhara mentality of expansionism ,I believe it is our right to work hand in hand with Cairo.

POST A COMMENT