Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገረይ! ኣጆኺ ዶ ክብለኪ በጃኺ!?

  ይበነልኪ ደኾን ‘ቲ ቐታሊ ስሚ ብንፋስ ሓርነት ይዕዘር ጠላሚ ይሕሸኪ ደኾን ሎሚ ካብ’ቲ ዓሚ እንተተጸበኹ ብተስፋ ምስ ሕልሚ ሃገረይ፣ እንትርፎ ቀታሊ ስኢንኪ ሓካሚ ቁስልኺ ይረክስ ኣሎ ልብኺ ይደሚ፣   ኣጆኺ ዶ በጃኺ ኢዋኣኺ ዶ ወይልኺ፣ ኣየኒኡ ከምዝብሃል ጠፊኡኒ ደጊም ከበሮን ብኽያትን ሓደ ኾይኑ ዳሶም።   ንምዃኑ ይሰምዕ ዶ

 

ይበነልኪ ደኾን ‘ቲ ቐታሊ ስሚ

ብንፋስ ሓርነት ይዕዘር ጠላሚ

ይሕሸኪ ደኾን ሎሚ ካብ’ቲ ዓሚ

እንተተጸበኹ ብተስፋ ምስ ሕልሚ

ሃገረይ፣

እንትርፎ ቀታሊ ስኢንኪ ሓካሚ

ቁስልኺ ይረክስ ኣሎ ልብኺ ይደሚ፣

 

ኣጆኺ ዶ በጃኺ

ኢዋኣኺ ዶ ወይልኺ፣

ኣየኒኡ ከምዝብሃል ጠፊኡኒ ደጊም

ከበሮን ብኽያትን ሓደ ኾይኑ ዳሶም።

 

ንምዃኑ ይሰምዕ ዶ ‘ሎ እዝንኺ

“ኣለኹ” ‘ባ በሊ፣ ብሓቂ እንተሊኺ!

 

ዋላ እንተሰካሕኩ ብቐዳማይ ጥልመት

ሕድሪ ‘ኮ ኣይረሳዕኩን ‘ተረከብኩዎ ቀለቤት፣

ጥንቃቐ ነፍየሉ ግርህናይ

ዋሕስ ተኺለሉ ልበይ

እምበር፣ ኣነስ ኣለኹ ኣብ ዕላማይ

ኣይበልኩን እሮማይ።

ሃገረይ፣

ተበራበሪ ደኣ ‘ቲ ሞትኪ ይኮለፍ

በጃኺ ይስጥሓኒ ‘ለ ኣብ ባይታ ክንጸፍ

ዕድል ጥራይ ሃብኒ ክደግም መብጽዓ

ብኡ ኣቢላ ‘ንተቐጸለት ‘ታ ሩሕኪ ከተንስኣ።

 

ሓገዝ ‘ተደሊኺ ምርኩስ

ኣዕጽምቲ ደቅኺ እንሆ ይንቀሳቐስ

መሬት ከይረግአ ‘ዶ ‘ቲ ጉድጓድ ቀሲኑ

ሃሰስ በልዮም ‘ምበር ኣለዉ ደያኑ።

 

እወ

ብእይድታ መሬት ብቶኽስን ፈኸራን

እዉጅ ኵናት ከሎ ሰላም ኣልቦ እዋን፣

ምጾታት ዝመስል ዝነውሐ ለይቲ

ጸሓይ ዝኣሰረ ኣብ ጸቢብ ብዓቲ፣

እወ፣ ቀትሪ ናብ ለይቲ ተደሚሩ

ምብራቕን ምዕራብን ተዘናቢሉ

ዓንዳፍ ‘ኳ ረሲዑዎ ኣመሉ

ተለኺቱ ኸሎ ኣንጊሁ ከይንቁ

የዒንተይ ‘ዶ ኣይኮነን ካብ ኮኾብ ደሚቑ

ድቕድቕ ጸላም ሰንጢቑ

ንምልዖ መልክዕኪ ዝረኣዮ ኣጸቢቑ፣

 

ከመይ ‘ሉ ደኣ ሕጂ ትርኢትኪ ጸጊሙዎ

ነቲ ግዜ ወጊሑ እዩ እናበሉዎ?

 

ተንስኢ ‘ባ ሃገረይ ብድድ በሊ

ዕንጉለ ወትፍሉ ንኣፍ መታለሊ

ሓቢርና ክንርእያ ነታ ጥፍሒ ሕድሪ፣

 

እምበር ዶ ወጊሑ ‘ዩ ጸላም ተገሊሁ

ወይስ ጥሩምባ ሓሶት ‘ዩ ተነፊሑ፣

ነቲ ናብ ሲኦል ዝኣተወ ንጹሃን ጎይሑ

ጻድቃናት ኣሲሩ ሰይጣውንቲ ኣምሪሑ፣

ነቲ ቦኽሪ ጋኔን ዝዘቕበበ ዓገብ

ከመይ ‘ሎም ‘ዮም ዝቖጽሩዎ ምስ ሰብ፣

ንኣርሓ ሽፍትነት፣ ፕረዚደንት

ንደግሲ ባርነት፣ ናጽነት

ነቲ ምንጪ ስደት፣ ሽምፕዮና ልምዓት

ንሕጊ ኣልቦነት፣ ናይ ፍትሒ ኣብነት፣

ዝብሉዎስ

ዓይኖም ዲዩ ዓፊኑዎ ዑረት

ልቦም ተደፊኑ ብስብሒ ዕሽነት

መዓስ ‘ዮም ወሪዶም ካበየነይቲ ፕላኔት፣

 

ነቲ ውጹዕ ህዝቢ ኮብኵቦም ከም ምሩኽ

ዑብ ካብ ዝብሉሉ ኣብ ናይ ሓሶት መድረኽ፣

እንታይ ኮን ነይሩዎ

ከማይን ከማኽን

ነቲ ጽሑፍ ከምዘለዎ፣ እንተዘንብቡዎ?

 

ንምዃኑ፣

ህዝቢ ከይሓዝካ ዶ ይግበር ‘ዩ ብዓል

መንእሰይ ቃፍላዩ መራሒኡ ስንኩል

ይስደድ ‘ንድዩ ዘሎ ባሕርታት ይዘልል

ዓዲ ዝተረፈስ መዓስ ረኺቡ ዲል

ሬሳ ዘይመልስ ሞት ገይሩዎ ሰንፈላል

ኣበይ ኣርኪቡሉ ናይ መጽረርቲ ጽምብል

ምስ ቆልዑ ምትራፍኪ መዓስ ኮይኑ ምስጢር

እንሆ ‘ንዶ ዳሶም ብዓውታ ይምስክር፣

 

ኣንቲ ኣርድኢ ‘ባ ኣሰር ሂወት ከሎ

ካምሲን መለኽቲ ሓመድ ከይቀበሮ፣

እታ ሰዓት ድያ ቀይራቶ ቀስቲ

ወይስ ‘ቶም ሰባት ‘ዮም ኣብቍሎም ኣቕርንቲ፣

እንታይ ወረዶ ግዜ ክንድ’ዚ ጸንኪሩ

‘ታይ ኣቢሱ ፍጡር ክንድ’ዚ ሓሲሩ

ስቕ እንተበዚሑ ሽግር ብመሪሩ

ንቡር ‘ዩ ዝመስል መዓት ብድርድሩ።

 

ሃገረይ፣

ደቒቕ ካብ ጸናሕኪ ተንሲእኪ ንኻልኢት

ኣብ መንጎ እተዊ ኩንልና ፈራዲት፣

 

እንተፈተኹኪ ሓለፋ ኣሚነይ

ሓዲሱኒ ፍቕሪ ዝበልኩ ሃነይመነይ

ወይስ ዕሸል ኮይነ ልበይ ኣብ ደረተይ

ዘማርር ዘለኹ ዘራባ ዘጻርይ

ሓላፊ መንገዲ ከይመስለኪ ኤረይ፣

 

ብ’ወርቂ-ሚለነይ’ ጀሚረ ዝበልኩ ‘ለሚነይ’

ኪኖ ገዛእ ነብሰይ ዘፍቀርኩ ሃገረይ

ተረፍ ሓደራ ‘የ ሻቕሎት ድራረይ

ኣፍልጥኒ ደኣ ጀርምታት ሕማመይ

መን ‘ዩ ዘየግሃዶ ዝኣገዶ ሕልመይ

ሓግዝኒ ደኣ ፍትሕዮ ጸገመይ

መልሲ ይደሊ ‘ለኹ ኣነ ከም ዓለመይ።

 

ካብ ኩሎም ጓይላታት ጓይላኺ ዓብሊሉ

ካብ ኩሎም ውራያት ውራይኪ ዓሚሩ

ኩሉ ተሓጕሱ መርዓዊ መሲሉ

ፍሽኽታኺ ዶ ኣይረኣኹዎን ኳዕ ኢሉ፣

እንታይ ሻቡ ደኣ ፍትሕ ተቖጺሩ

ዳስኪ ከይፈረሰ ነገር ተጀሚሩ።

 

ዓሚጹኪ ዶ ‘ንቲ ስሪአለ

ተጋሲሱኪ ወድኺ ‘ናበለ

ሰትዩዎ ንብዓትኪ ኣዕቍሩ ‘ብ ብርለ፣

ኣፍኪ ዓቢሱ ከይተስምዒ ደሃይ

ከብድኺ ረጊጹ ደፊሩኪ መንደላይ፣

ደቅኺ ኣሲሩ ከይትረኽቢ ዘራይ

እሾኽ ዘሪኡሉ ማህጸንኪ ከይጸፊ

ጥዑይ ከይወልዲ መናገፊ!

 

ንመን ‘ሞ ክሕሾ፣ ሃየ ‘ባ ንገሪ

ካብ ርሱን መንከሽከሽ ከም ዕንባባ ዝለሊ

ጥንስኺ ብግሁዱ ዓማጺ ኣይትስተሪ

ተዛረቢ፣ ኣይትውሓጥዮ’ቲ ቓንዛ

ዒሕታኺ ከይጅምር ኣብቲ ፍሩስ ገዛ፣

 

ስቕ እንተልኪሉ ደኣ ነቲ ልውሃት ኣልቦ

ብራኸ ምልኦኺ ኣበይ ከይዓጅቦ

ፋሕተርተር ክብል’ዩ ዳግም ክድይቦ

መዓስ ሕንኽ ይብል ይሕዞ ናይ ኣቦ፣

ባህታ ፈጢሩሉ ‘ንድዩ ብኽያትኪ

ቀጺሉ ዝንሆ ናብ ምቕንጻልኪ

ግለጽዮ ‘ቲ ሓቂ፣ ክትረኽቢ ዓራቒ ።

 

ትማሊ ‘ኮ ስለ ዘእወኺ ‘ዩ ሓሊፉ

ጓሳ ኣሓኡ ራሕሪሑ፣ ተማሃራይ መጽሓፍ ዓጺፉ

ብዓል ሓዳር ኪዳንኪ ከጽንዕ፣ ኪዳኑ ገዲፉ

ጎርዞ ስዒባቶ ቁጹር መርዓ ተሪፉ፣

እንታይ ደኣ ‘ዩ ዝዓብሰኪ ሎሚ

ሳንጃ ኮይኑ ኸሎ፣ ለዘበን ካብ ዓሚ።

 

እቲ ድምር ሕብሪ እቲ ውቁብ መልክዕ

ኣሽሓት ዝመነኑዎ ውጅህኺ ክለምዕ

ዝውስኸሉ ‘ምበር ከይርከብ ዝንኪ

ሕድሪ ዝበሉዎ ምሒሎም ብስምኪ፣

እንተመስኪርኪ ጥራይ ‘ዩ ዝምለሰኪ

ሓቂ ትውጻእ ብስቕታ ኣይትትከኺ!

እወ፣ 24 ግንቦት ገይራ 24 ዓመት

ኣበይ ‘ሞ ሰጕምኪ እነኺ ኣብ ድሕሪት

24 ዙርያ ቆጺሩ ወለዶ ጊላነት

ብስም ናጽነት ሳዕሪሩ ባርነት

ደቅኺ በጺሖም 124 ሃገራት

መራሕቲኺ ጸብጺቢቦም 24 ሓጥያት

ንሱ ‘ኳ ብፍቕዲ የዋሃት፣

 

በጃኺ ዝበልና ዝለመና ቓልኪ

ኦክስጅን ክትረኽቢ ምስ ተኸፍተ ኣፍኪ

እንድኣልና ምበር፣ መዓስ ጠፊኡና ሓቂ፣

ሃገረይ፣

ማዳኺ ከይቆሰለ ፈርምልና ተሎ

ዳምዳም ክንብል ክንገብር ንኽእሎ

ሕማም ምስ ተፈልጠ ‘ዩ ዝርከብ መድሃኒት

ምጭብጫብ ጀምሪ ይኣኽለኪ ብርሰት

ቅዋምኪ ኣቐዲምኪ ዓንዲ ሕጋውነት

ሓደ ኢልኪ ጀምሪ ስጉምቲ ናጽነት

ኤርትራ “እንሄለት” ክንብል ኣብ ክንዲ “ነበረት”።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

ግንቦት 24, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • robi May 24, 2015

    AJoka Ema! kndi million nska hade!! ybel gtmi! ajoki bela neza brkti meriet. Ajoki Erey!

  • ሳረል ኣምያፕ May 24, 2015

    ዝሰምዖ እንተረኺቡስ ልቢ ዝንቕንቕ ግጥሚ፡ ጸባ ስተ።

  • hadenkun May 25, 2015

    hadnet ngber keytefelalena n redadae n simerr bejana

  • meharenazghi Merhawi May 26, 2015

    ኣማኑኤል “ንስኻ” ነዚ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ስቅያት ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ ተስፋ፣ነዞም ኣብ ስደት ዘሎና እናረኣና ዝዓወርና ብርሃን፣ናይዞም እናሰማዕና ዝጸመምና መጉልሕ ድምጺ ብምዃን ነቲ ጨሪሹ ጸሚሙ ተለዂኹ ዝነበረ ኣእዛን በብቑሩብ ትኸፍቶ ስለ ዘሎኻ፣ጻማ ጻዕርኻ ድማ መስተርሆ ናይቲ ኣብ ኣርዑት ጭቆና ዝነብር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝኾነ በርትዕ ቀጽሎ።ዝጸዓረ ከም ዝዕወት እቲ ኣብ ነጻነት ዘብጸሐ ቃልሲ ኤርትራ ናይ ሓቂ ምስክር ስለ ዝኾነ፣ንስኻን ጭቁን ህዝብኻን ኣብ ሓጺር ግዜ ከም እንዕወት ዘጣራጥር ኣይኮነን። እዛ “ሃገረይ ኣጆኺ -ዶ- ክብለኪ- በጃኺ” እትብል ግጥምኻ ናይ ብሓቂ ተዋዳዳሪ ዘይብላ እተስተንትን እተብኪ መሳጢት ግጥሚ ስለ ዝኾነት ኣብ ወብ ሳይትካ ብጽሑፍ እንተ ትዝርግሓ ቀዲሕና ከም ዶኩመንት ምሓዝናያ.

POST A COMMENT