Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓባይ መስትያት ኢሳይያስ እያ፣ ኢሳይያስ ግን ፎብያ መስትያት ኣለዎ።

ኢሳይያስ ንኹሉ ህንዱድ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ፣ እንተላይ ነቲ ኣብ ሰሃራን ሲናይን ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘህለቐ ንኤርትራውያን ከም ዜጋታት ዘድንነናን ዘሕነኸናን ታሪኻዊ ውርደት፣ ከምኡ ‘ውን ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ላምፐዱዛ 357 ህይወት ኤርትራውያን ኣብ

ኢሳይያስ ንኹሉ ህንዱድ ሽግራት ህዝቢ ኤርትራ፣ እንተላይ ነቲ ኣብ ሰሃራን ሲናይን ኣሽሓት ኤርትራውያን መንእሰያት ዘህለቐ ንኤርትራውያን ከም ዜጋታት ዘድንነናን ዘሕነኸናን ታሪኻዊ ውርደት፣ ከምኡ ‘ውን ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ላምፐዱዛ 357 ህይወት ኤርትራውያን ኣብ ሓደ ወጋሕታ ዝቐዘፈ ንመላእ ዓለም ዘንቀጥቀጠ ጅማላዊ ጥፍኣት ክሑዱዎ እዩ። ንሱ፣ ነዚ ኹሉ ሓቅታት ንግዚኡ ገዲፉ፣ ሓንሳብ ንሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ከም መስትያት ቀሪቡ እንተዝጥምታስ፣ ኣበራቱ ደኾን ቁሩብ ምተሰቆሮ?

እወ፣ እዞም ናብ ኣህጉራዊ ውድድራት ዝለኣኹ ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ካብ ሓፋሽ መንእሰይ ኤርትራ ብተዛማዲ ቁሩብ ፍንቃቕ ትንፋስን ናጽነትን ክህልዎም ኢኻ እትጽበ። ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ግዜ ንዘዝረኸቡዋ ቀዳመይቲ ዕድል ናብ ኤርትራ ከም ዘይተምልስ ትኬት one way ticket ክጥቀሙላ ከለዉ፣ ኣሽንባይዶ ንሓደ ሃገር ይመርሕ ኣለኹ ዝብል ኣካል፣ ብማዕዶ ንዝዕዘብ ወጻእተኛ ‘ውን፣ ንምኽኑይነት ናይቲ ግዳያት ሲናይን ላምፐዱዛን ዝወሰዱዎ ቅብጸታዊ ስጉምቲ ኣመት ዝህብ ተርእዮ እዩ።

እቲ ከሓዲ ኢሳይያስ ግን፣ መስትያት ኣይፈቱን እዩ። ከምዚ ናይ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ እታ መስትያት ከም ጅሮሎ ባዕላ ኮረር ኢላ ኣብ ፊቱ እንተመጸቶ ‘ውን፣ ሓሙኽሽቲ ኣብዒጡ ክለኽያ እምበር፣ ገጹ ክርእየላ ኣይደልን። ጌግኡ ክቕበል ትብዓት ዘይብሉ፣ ባዕሉ ኣብ ዝፈጠሮ ብዓቲ ፍርሒ ዝነበር በትኪ ፍጡር ስለዝኾነ።

በዚ ምኽንያት ከኣ’ዩ፣  እታ ስለ ኢሳይያስ ኢላ ናብ 5 ዓመት ክትምጠጥ ዘይትኽእል ዓመታዊት ውድድር ኩዕሶ Cecafa፣ ኤትራውያን ስፖርተኛታት ስለምንታይ ብቐጻሊ ድሓን ኩን ይብሉዎ ከምዘለዉ ከይገምገመን ፍታሕ ከይረኸበሉን፣ ግዜኣ ሓልያ ህሩግ ምስበለቶ ኣብ መዋጥር ኣትዩ ከዕለብጥ ዝቐነየ።

ንሲኣይያስ ኣብ ውድድር Cecafa ምስታፍ ኮነ ምስታፍ ኩሉ ወዮ እዩ። ምኽንያቱ፣ እንተተረፈ ስለምንታይ፣ ተሳቲፉ ከምዚ ትማሊ ቀዳም ዝገበሩዎ ኣባላት ጋንታ ኤርትራ መሊቖም እንተተሸርቡ ድማ ስለምንታይ ንእትብል ሕቶ፣ ከምታ መስትያት ከሽክዓ  ኣይክእልን እዩ። ኢሳይያስ ነታ መስትያት፣ ብሓሙኽሽቲ ዝቐሸሻ ይመስሎ ይኸውን። ነታ መስትያት ግን፣ እቲ ሓሙኽሽቲ ኢሳይያስ ረቂቕ መጋረጃ እዩ፣ ክፍት ኣቢላ፣ ከም ቆልዓ “እምባሕ ኢሱ፣ ኣለኻ ዶ” ምባላ ከኣ ኣይተርፋን።

ስለዚ፣ እቶም ወጽዓን ዓመጽን ከም መዛኑኦም ዘሰንበሮም ተጻወቲ ኩዕሶ ኤርትራ፣ ወትሩ ካብ ዝወስዱዎ፣ ናብታ ስለምንታይ እትብል ሕቶ ዝውጥጦ ስጉምቲ ዑቕባ ከምልጥ፣ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ወጻኢ ኣብ ስደት ብዝነብሩ ኤርትራውያን ከምእትዕብለል ገይሩ፣ ውሑዳት እሙናት ዝብሃሉ ካብ ውሽጢ ብጥንቃቐም መሪጹ ኳ እንተፋነዋ፣ እታ መስትያት ኣብ የዒንቱ ተደፍዲፉ ዘሎ ኣበራት ካብ ምንጽብራቕ ኣይበኾረትን። ካብ ውርደት ኣይተገላገለን። ምስዚ ኩሉ ጥንቃቒኡ ካብቶም እሙናት ኢሉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘካየዶ ሕርያ ዘፋነዎም ሽዱሽተ፣ ክልተ እንተረጥሪጦሞ፣ ድሮ ልዕሊ 30 ሚእታዊት ሽንዲሖሞ ኣለዉ ማለት እዩ። እቶም ዝትረፉ ኣርባዕተ ተጻወቲ ዋላ ናብ ኤርትራ እንተተመለሱ ‘ውን እምነት ኢሳይያስ መሊሱዎም ክብሃል ናይ ግድን ኣይኮነን።

በቲ ኾይኑ በቲ ኢሳይይስ፣ ነቲ ሓሲኹ ዘሎ ልቡ ኣቸቶ ኣብ ክንዲ ዝኽዕወሉ፣ መስትያት ሓሙዅሽቲ ብምልባጥ ካብቲ ንኤርትራውያን ዘድልየና መሰረታዊ ፍታሕ ተሓቢኡ ክነበር ኣይክእልን እዩ። ወዮ ደኣ ግዜ ሓሊፉዎ፣ ዕብዳኑ ሳዕሪሩ እምበር፣ ሽግራት ብቕንዕና ፊትንፊት ገጢምካ ጽጹይ ገምጋም ብምክያድ፣ መሰረታዊ ፍታሕ ብምንዳይን ጥራይ እዮም ዝፍትሑ። በዚ ኮስሞቲክ ዝኾነ ጥበብ ድዉያት፣ ኣብ ኮስሞቲካዊ ሓይሊ ዘለዎ ቀይቃይ ወንበር ጥራይ እዩ ክጸንሕ ዝኽእል። ወንበሩ እትርዅመሸሉ ዕለት ከኣ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ቀሪባ ‘ላ። ሓቢርካ ኡፍ ምባል ጥራይ እዩ ዘድልያ።

ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዘለና ሓደ ካልእ ካብ ኢሳይያስን ተንኮላቱን ዝዓበየ ጉዳይ ግን ኣሎ። እዚ ዜና ምስላም ኤርትራውያን ስፖርተኛታት፣ ንዓና ንመርበብ ኣሰና ኮነ ንህዝቢ ኤርትራ ብስራት ኣይኮነን። ኣብ ዜናታትና ከነንጸባርቖ ኸለና፣ እቲ ስጉምቲ ንኢሳይያስን ጉጅሊኡን ጽፍዒት ኳ እንተኾነ፣ ንኤርትራ ከም ሃገር ክሳራ ምዃኑ ንግንዘቦ ኢና። ብሰንኪ እዚ ካብ ናይ ኤርትራን ህዝባን ረብሓ ውልቃዊ ጥሙሑ ዝዓጅቦ ስሱዕ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ስፖርት ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ኩሉ መዳያት፣ ዓቕምን ሞያን ኤርትራውያን ፈቐዶ ኩርናዓት ዓለም ተበታቲኑ ይባኽን ምህላዉ ዘሕዝን እዩ። ይኹንእምበር፣ ነፍጺ ኤርትራዊ ካብ ሃገር ኣብቂዑ፣ በንጻሩ እቲ ዝተሰደ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ መሓውርን ዓንድን ኤርትራ ክኸውን፣ እዚ ሃገር ረሚሱ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ካብ ገጽ ኤርትራ ተኣልዩ፣ መሰረታዊ ለውጢ ዘረጋግጽ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክጣየስ ኣለዎ። ምእንቲ’ዚ ኩላትና ኤርትራውያን ተወፋይነት ከነርኢ፣ ሕቡር ጸዓትን ቃልስን ከነካይድ ኣለና። ነዚ ዕማም’ዚ ብዓወት ከይፈጸምና ብስራት ዝብሃል የልቦን፣ ኩሉ መርድእ እዩ’ ሞ ህዝብና ከነበስር ንኹላትና ልብን ሓይልን ይሃበና።

ምልኪ ይፈርስ ሕጊ ይንገስ

ኣማኑአል እያሱ

2 ታሕሳስ 2013

aseye.asena@gmail.com

Review overview
15 COMMENTS
  • Galiano December 2, 2013

    Galiano

    Zey kemakh ebay sahel hager yemahdur alewo nska gn hdemka kdeka kem nay aboka raza nay aba ahza.

    • Awet December 2, 2013

      Galiano:
      Kemaka wedi kemakan eyom hager zebalashuwulina zelwu. Abi netsa eritrea bota yebilikan, mikiniyatu eritrawuyan ayikonikan.

      Niminay wedi Tukabo wetsiyou tibil?

    • Hara December 2, 2013

      If you love the Government and support how it is governed why don’t you go there and live with them.

  • windshield December 2, 2013

    Ayeeeee Amanuel!!!!!! stop pestering us with your dirty propaganda….when will you write something good about Eritrea.
    As the saying goes…”Sometimes the best thing you can do is keep your mouth shut & your eyes open. The truth always comes out in the end”…..Mandy Hale

    • i and i December 2, 2013

      eritrea lost both games 3-0 with sudan and 3-0 with Uganda.
      somalia lost 1-0 and 2-0.

    • Ermias December 2, 2013

      Ata dirbay entay ilu kixihif tixibeyo aleka eta ab bayta zela eyu ko aqemitulka gna beal nisikatkum kemey gieru emo kiridiakum …lomi diyu nay mejemerta texaweti ganta eritrea zihadmu zelewu ? Ali Abdu,Wedi Tukabo,Kbrom Dafla,Miceal Adonay……………kindey kiniblom terifukum zelo Wedi MEDHIN BERAD tiray eyu..Aymeslekan ? Ember Amanuiel Eyasu kem hade Eritrawi ejamu eyu zeberkit zelo eti ab bayta zelo haqi eyu zihibir zelo ember hageru ahlifu zihib kemzeykone eti nay timali jigninetu ab gedli kelo yimiskirelu koynu gin kem Asmelash Abreha zitewahbo ziena kenbibelka aytixebeyo. MILKI YIFRES HIGI YINGES !!!

  • thige December 2, 2013

    asena kulu gizeye dimsi kum tesfa harinet zensebarik iyu edme yihabkum naytie leytin maaltin teiwiyulu zelekum fithi zisaane zisake zelo hizbikum mirka yibsahkum amlak misakum yukun
    awet misakatkum

  • ERITRAWIT December 2, 2013

    Aman, voice for voice less zeyhlele Eritreawy zega!!!!!!!!!!!!

  • abebahagos17 December 2, 2013

    Amanuel Dimtsi wutsat eka emo nayzom skay hizbom zeygdsom belaiti seb aytigedeselom ika Ketsilo tiray!!!!!!!!!!!!!!!!!!KEEP IT ON!!!!!!!!!!!!!!

  • halal December 2, 2013

    ሃለቃ ኣማኑኤል ዕደ በኣል ኒሲካ ደኣ ካብ መኣስ ኢካ ብ ሃገር አሪትራ ዚሃለካ፣ ከምዚ ኪቲረኪብ ከለካ ኢካ እኮ ደስ ዝብለካ። ለክባት ሎክመኛ፣ ኒኣካ ኩሉ ዜጋ ኢንተወስእ ኣዪንታይካን ኢዩ። ሚኪኒያቱ መምልኢ ጁባካ ሲለ ዚኮነ። አምበር ጽቡክ ናይ ኤርትራ ኒኣካ ሕማም ሪእሲ ኢዩ። ጊና መዓልቲ ኣሎ ዋጋ ናይዚ ኩሉ ክሕደትካ ትረክበሉ። ቆንዳፍ ሓሳዊ ። long live to wedi afom. hriiirrrrrrrr dea belu. lol

    • Ermias December 2, 2013

      Ata fesfas Long live to WEDI MEDHIN BERAD maletka diyu qeribkum ikum Mereb ktisegeru.Seb nab sebu zbEi nab gerebu sle zikone Hagos kisha,Yemane charlie, wedi Kassa….nisika dima Halal ….niqlo akila.. ni Tenbienkum !!!
      MILKI YIFRES HIGI YINGES !

  • Galiano December 2, 2013

    Amanuel eko keda wedi kada eyu abou wodo geba eyo Raza nay aboa haza.

  • Galiano December 2, 2013

    I love the goverment of Eritrea and i visit Eritrea every six month 2015 will go back to Eritrea forgood hrerrrrrrrrrrrrrrr da belu

  • belay nega December 3, 2013

    “ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ዓባይ መስትያት ኢሳይያስ እያ፣ ኢሳይያስ ግን ፎብያ መስትያት ኣለዎ።”

    እቲ ዘገርም ንስኻ ንኢሰያስ ክም ሜስትያት ዘይምጥቃምካ እዩ::ጉዳይ ኤርትራ ናህሩ ክምዝወደአ አይተሰቆረካን::

  • Galiano December 3, 2013

    Belay Halay

    mestiat eko ntelamat, nkedat, ntehtehgraweian.nrequanat eyu

POST A COMMENT