Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ መኸተ ዘንቅል፡ ምልኪ ዝፍንቅል – ህያብ ሓደ መስከረም ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ንህዝቢ ኤርትራ!

ሃገራዊ መኸተ ዘንቅል፡ ምልኪ ዝፍንቅል ህያብ ሓደ መስከረም ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ዝሓለፈ 3-4 ወርሒ፡ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተዋስኦ ተቐይሩ፡ ኣቢይን ኢሳይያስን ከኣ፡ ቀንዲ ተዋሳእን ተሓጋጋዝን ኮይኖም፡ ብሕልፊ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢትዮጵያ ተዃሊሉ መዓልታዊ ብዝምለጽእ

ሃገራዊ መኸተ ዘንቅል፡ ምልኪ ዝፍንቅል

ህያብ ሓደ መስከረም

ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ንህዝቢ ኤርትራ

ኣብዚ ዝሓለፈ 3-4 ወርሒ፡ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ተዋስኦ ተቐይሩ፡ ኣቢይን ኢሳይያስን ከኣ፡ ቀንዲ ተዋሳእን ተሓጋጋዝን ኮይኖም፡ ብሕልፊ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢትዮጵያ ተዃሊሉ መዓልታዊ ብዝምለጽእ ኣርእስተ ዜናታት ልቡ ድፍን ድፍን እናበሉ፡ ምድማርን ምጒዳልን ክሳብ ዘደናግሮ ከዐውኑዎ ኣብ ወፍሪ ከምዝቐነዩ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሊፉ ኣብ መላእ ዓለም ዝበጽሐ ወቕታዊ ፖለቲካዊ ድራማ ኮይኑ ቀዊዑ `ሎ።

`ኤርትራ ተደሚራ ዓሰብ ተመቒላ` ተባሂሉ፡ ውክልና ኣቢይ ኣሕመድ ብዘይቃልዓለም ብኢሳይያስ ተመሪቑ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተራእየ ንዕቀትን ብድዐን ዝተንጸባረቐሉ ጽላለ ኣስመራን ኣዋሳን ምስ በነነ፡ ብቴለቭዥን `ጽርግያ ዛላምበሳ ሰንዓፈ ይጽረግ ኣሎ` እናተባህለ፡ እቶም ሕምባሻ ተሰኪሞም ቆጽሊ ኣውሊዕ እናወዛወዙ ብመንገዲ ኣድጊ ዝገሹ ልኡኻት ሰላም ዛላምበሳ ግን ሰርሓ ክበጽሑ ኣይተፈቕደሎምን። እቲ ካብ ኣዋሳ መቐለ ዝረሓቐቶ ኢሳይያስ፡ ንመቐለ ብተምሳል መርከብ ባጽዕ ኣምጺኡዋ `ውን ተባሂሉ። ብሓጺሩ፡ እቲ ምድንጋር ንቡር ስኢኑ፡ እቲ ማዕረ ንሕጸ ሽልማት ኖቤል ሰላም ዘወናወነ ተዋስኦ ብሃማት፡ እቲ ብወረ፡ ልቢ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃወጸ፡ ህላዊኡ ኣብ ባይታ ሃሰስ ኢሉ ዝሰኣኖ ሰላም ዝብል ኣርእስቲ ዝተዋህቦ ድራማ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ብምኽንያት ሓደ መስከረም ሓንቲ ሽምዓ ምስ ኣብርሃሉ ጥራይ ንተዋሳእቱ ለኪሙ መኺኹ።

እዚ ድማ ፖለቲካዊ ለውጢ ካብ ቤትካ ክጅምር ከምዘለዎ፡ ዘቤታዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ከይጠዓየ ዝግበር ግዳማዊ ፖለቲካን ዲፕሎማስን ካብ ዜናዊ ሃልኪ ከምዘይሓልፍ ብጭብጢ ዘረጋግጽ እዩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ `ዩ፡ ኣብ ዓሰብ ዝዓለበ 1ይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኢሳይያስ ተቐቢሉዎ፡ ፕረዚደንት ሶማል ተደሚሩዎም፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ን10 ዓመት ዝጸንሐ ግጭትን ወጥርን ኤርትራን ጅቡትን ናይ ምፍታሕ ኣንፈት ኣርእዩ እናተባህለ፡ ድራምኦም ብዘይካኦም ተዓዛቢ ስኢኑ፡ ኣቓልቦ ህዝቢ ኤርትራ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣብ መልእኽቲ መኸተን ፍትሕን ለውጥን ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ተጸሚዱ ዘሎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሃምን ቀልብን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝጠፍኦ ኣይኮነን፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነት ዝጠልቦ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ለውጢ ዕሽሽ ኢሉ ወሰን ወሰን ምስ መራሕቲ ሃገራት ሕግብግብ ዝብል ዘሎ። `ንህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ዝኣኽሎ ኣዳኺመዮ እየ፡ ኣብ ዝበጽሖ የብሉን` ኢሉ፡ ነቲ ምስ ኩሎም ጎረባብቲ ሃገራት ዝጸንሖ ህልኽ ደማሚሩ ክጽዕኖ ውዲት ኣሊሙ ይሰርሓሉ ምህላዉ እዩ እቲ ጸገም።

እንተኾነ ግን፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኢሳይያስ ከምዝጠለሞ፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ የእትዎ ከምዘሎ ኣብ መደምደምታ ክበጽሕ ግዜ `ኳ እንተወሰደሉ፡ ጭብጢ ኣብ ዝረኸበሉ ሰዓት፡ ካብ ሓሙኹሽቲ ሓዊ ክፈጥር ዝኽእል ድጉል ሓይሊ ከምዘለዎ፡  እንሆ፡ በዚ ናይ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ተባዕ ስጉምቲ ኣረጋጊጹዎ።

ብዛዕባ እኪትን ውዲትን ኢሳይያስ ብዙሕ ተዛሪብና፡ ህዝቢ ኤርትራ `ውን ኣጸቢቑ ነቒሑሉ ስለዘሎ፡ ኣብ ናይ ሎሚ መልእኽትና፡ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣበርኪቱሉ ዘሎ ወርቃዊ ህያብ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ግቡእ ሃገራዊ መዓላ ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ምዝኽኻር እዋናዊ እዩ።

ደቂ ሰብ ሰብዓታት ኣብ ዝረግጹሉ እዋን፡ ብልሙድ ናብ ቤተክርስትያን ኮነ መስጊድ እናተመላለሱ ብጸሎትን ምህለላን ምስ ኣምላኾም ብምርኻብ ኣብቲ ሰማያዊ ዓለም ዝህልዎም መጻኢ ከጣጥሑ እዮም ዝረኣዩ። ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ 74 ኣብ ዝረገጸሉ ዕድመ፡ ብናይ መንእሰይ ሓይልን ነድርን ከምዚ ዝኣመሰለ ተባዕን ኣብነታውን መኸተ ምርኣዩ ግን ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጸላእቱ እንተኣለልዩ፡ ካብ ሞት ንላዕሊ ምብኻን ዕላማ ዘፍርሖ፡ ምእንቲ ሓቅን መጻኢ ወለዶን መስዋእቲ ክፍጽም ዝተቐረበ ዘይጸዓድ፡ መካቲ ህዝቢ ምዃኑ ዘረጋግጽ እዩ።

ብውሑዱ ድሕሪ ናጽነት፡ ከም ተቓውሞ ተጋደልቲ፡ ኣካለ ስንኩላን፡ ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ኣባላት ባይቶ፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን፡ ወዲ ዓልን ብጾቱን፡ ከምኡ `ውን ናይ ኣቦና ሓጂ ዓሊ ዝኣመሰሉ ዕድላት ሓሊፎምና ክብሃሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ወሲዱዎ ዘሎ ተባዕ ስጉምቲ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናይ ኣስታት 60 ዓመት ቃልሲ ናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝጠለመ ከዳዕ ምዃኑ ዘረጋግጽ ጭብጥታት ተጋሂዱ፡ ህዝቢ ኤርትራ  ንኢሳይያስ ከም ጸላኢኡ ኣለልዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን ምኽሳቱ ግን፡ ፍሉይ ብልጫ ኣለዎ። ስለዚ በንጻር ናይቲ ዝሓለፈ ተመክሮ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ተኣዊጁ ዘሎ ናይ መኸተን ብድሆን ዕድል ህዝባዊ ብምግባር፡ ንውዲት ኢሳይያስ ሓምሺሹ ዋና ናጽነቱን ልኡላውነቱን ክኸውን ብሓደ ክለዓል ኣለዎ።

ኣዘዝቲ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን፡ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኮይኖም ኣብ ሰራዊት ዝርከቡ መንእሰያት ኤርትራን `ውን፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ብርዑ ሴፍ ተቐይራ ኣብ ክሳድ ውልቀምልኪ ዓሊባትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ እቲ ሃገር ንምክልኻል ዓጢቖሞ ዘለዉ ኣጽዋር፡ ከምቲ ግቡኡ፡ ሃገርን ህዝብን ኣብ ምድሓን ከውዕሉዎ ኣለዎም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስን በጻብዕ ዝቑጸሩ ጭፍርኡን፡ ከም ተኸላለልቲ ልኡላውነት ኤርትራ ንዓኻ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘደናገሩሉ እዋን፡ ሓይሎም ንስኻ ኔርካ፡ ብዘይካኻ ቅልጽምን ዳንጋን የብሎምን። ኣብዚ ፖለቲካዊ ማስኬራኦም ተቐንጢጡ፡ በንጻሩ ተጻባእቲ ናጽነት፡ ጠለምቲ ሕድሪ ሰማእታት ምዃኖም መንነቶም ተቓሊዑሉ ዘሎ እዋን፡ ሓይልኻ ወኒንካ ሓንሳብን ንሓዋሩን እንተጸፊዕካዮም ከኣ መላሲ የብሎምን።

እቲ ሓይሊ ንስኻ ስለዝኾንካ፡ ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ብተዘዋዋሪ ካብ ምትንዃል ሓሊፉ፡ ብቀጥታ ስጉምቲ ክወስደሉ ከቶ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ርእሲኡ፡ ዝኾነ ስጉምቲ እንተወሲዱ፡ ብዘይካ`ቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ከይመጽኦ ዝፈርሖ፡ ቁጡዕ ህዝባዊ ግብረመልሲ፡ እቲ 4 ኣዋርሕ ዝተዋስኣሉ፡ ንዓለም ዘማተአ ድራማ `ውን ኣብ ማይ ክኣቱ ስለዝኾነ ኣብ መንቀራቕሮ እዩ ዝርከብ ዘሎ። ስለዚ፡ ላዕለዋይ ኢድ ናትካ እዩ።

ዝኸበርካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ታሪኽ ሓርነታዊ ቃልስና ኣብ ዝነተጎሉ ዕለት 1 መስክረም ዘወፍዮ ህያብ ጻውዒት መኸተን ትንሳኤን፡ ካብ ጅብኡ ኣውጺኡ ኣይኮነን ዝምጽውተልካ ዘሎ። ዋንኡ ንስኻ ኢኻ። ነቲ ናትካ እዩ ዝመልሰልካ ዘሎ`ሞ፡ ብኽልተ ኢድካ ዓትዒትካ ኣብ ስዓቱ ንድሕነትን ትንሳኤን ሃገር ተጠቐመሉ። ዋንነቱ፡ መሰልካ ጥራይ ዘይኮነ ሓላፍነታዊ ግዴታኻ `ውን እዩ።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

ዓርቢ 7 መስከረም 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • Genet Original September 8, 2018

    Amanuel,
    My brother you said it well.!!!!
    This is our time to show DIA how we hate and absolutely despise him. He killed our people since the 1970s. This has to be absolutely the end of him. As you said, we had multiple opportunities in the past we didn’t take. Now, he did the unthinkable. No Eritrean citizen will agree. Finally, he showed his true color for everybody to see. There is no option, but to destroy him. We need to remember our family members who died for our people and country. We can’t let their sacrifice be for nothing..
    We need to stand with our Eritrean hero without delay,
    GOD save our people and country.
    We shall overcome!!!

  • Amare Resom September 8, 2018

    ተዓወት! ተዓወት! ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ! ሎሚ ከም ብሓድሽ ተወሊድካላ’ዛ ሃገር! ብመስሓፍካን መልእኽትኻን፡ ህዝብኻ ክዝክሮ ዝነብር ታሪኽ ሰሪሕካ! ‘ንኢሳያስ፣ ይኣኽለካ! ስልጣን ህዝቢ ኣረክብ! ዋና ኣለዋ’ዛ ሃገር! ንበይንኻ ምስ ሃገራት ትፍጽሞ ርክብን ውዑላትን ሕጋውነት ስለ ዘይብሉ ኣቋርጽ!’ ብማለት ኣሰሚዕካ!’ ንህዝብኻ፣ እንታይ ክሳብ ትኸውን ትጽበ! ዝግበር ግበር! ዝብል ምሕንታ ኣመሓላሊፍካ። ነዞም ሃገር እናተዘምተ፡ ህዝብና እናጠፍአ ንዝደቀሰና፡ ጉድጓድና ተፋሒሩ እናረኣና፡ እናሰማዕና፡ ናብ ነብሎ ጠፊኡና፡ ኢድና ኣጣሚርና ንሞት ንጽበ ዘለና፡ ዘበራብር፡ ተስፋ ዝህብ፡ ሞራል ዘስንቕ፡ ናይ ዓወት ነጋሪት ኣመሓላሊፍካ። ካባና’ምበር ካባኻ ዝተረፈ የለን። ሎሚ ጻዊዕትካ ሰሚዑ ዘይልዓል ሲቪል ኮነ ወተሃደር ከኣ ብደዉ ዝመተ’ዩ ክብሃል ዝከኣል።

    ኣቶ ኣማኑኤል ኢያሱ ዓወት ተደረር! ብመርበብ ሓበረታ ኣሰና ዶት ኮም፡ ነዚ ንህዝብና ካብ ስቓይ ከናግፍን ናብ መገዲ ዓወት ክመርሕ ዝኽእልን መጸዋዕታ ኣቶ ብርሃነ:

    “ሃገራዊ መኸተ ዘንቅል፡ ምልኪ ዝፍንቅል ህያብ ሓደ መስከረም ተባዕ ሓርበኛ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ንህዝቢ ኤርትራ:: ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣበርኪቱሉ ዘሎ ወርቃዊ ህያብ ብዘይ ወዓል ሕደር ኣብ ግቡእ ሃገራዊ መዓላ ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ምዝኽኻር እዋናዊ እዩ።”

    ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ዘዘለናዮ ኮንና ሰሚዕና እጃምና ክንፍጽምን፡ ህዝቢ ሰሚዑ፡ ፈሊጡ፡ ንምትግባሩ ክዕጠቕን ተካይዶ ዘለኻ ጻዕሪ ዝነኣድ ኢዩ።

  • Hara September 8, 2018

    ኤማ ወዲ ህዝቢ፡ ከማካ ይብዝሑልና።ህዝብና ኣጆካ ዝብሎ ዝጉስጉሶ ኢዩ ዘድልዮ ዘሎ።ስጋብ ሎሚ ብግዳም ተጻባእቲ ዶ ልዕላውነት ተደፊሩ ዶ
    ብማለት ህዝቢ ኤርትራ ልቢ ኣዕብዩ ትምም,,,
    ኢሉ ጸኒሑ፡ ሕጂ ግን ተላዓል ክባሃል ናይ ግድን ኢዩን ኣለዎን።ንልዕላውነትናን ንሓርነትናን አንተዘይተሲእና ኩሉ ጥፋኣት ኢዩ ዝጽበየና ዘሎ ።ካብ ብናይ ትማሊ ጽላእትና ምጥፋእ ፡ከም እዚ ጂግና ሓርበኛ ብርሃነ ኣብርሀ ስለ ሃገርና ወገንና ምትሳእ የድልየና፡ኣሎ።፡ኣጆና,,ኣምላክ ንኤርትራን ህዝባን ይባርክ።

  • k.tewolde September 9, 2018

    You doing a tremendous work Amanuel given the limited resources at your disposal comparing to the enemy who is robbing the people in broad daylight and has access to the ATM of the gulf states.It feels like the old field days David against Goliath.Like G.O. atoned,we shall overcome!!!

POST A COMMENT