Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ሃገራዊ ባህርያትና

ኣማኑኤል ሳህለ ብ 1871 ሃገር ኢጣልያ ነቶም ገዛእታ ሰጒጓ ናጻ ምስ ወጸት: ኢጣልያስ ከም ሃገር ተፈሊጣ: ኢጣልያውያን ግን ከም ህዝቢ ተፈጢሮም ዲዮም? ዚብል ዘረባ ይቃላሕ ነይሩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ: ነታ ሓዳስ ሃገር ኣብ ሓድነትን ራእይን እተመርኮሰ

ኣማኑኤል ሳህለ

ብ 1871 ሃገር ኢጣልያ ነቶም ገዛእታ ሰጒጓ ናጻ ምስ ወጸት: ኢጣልያስ ከም ሃገር ተፈሊጣ: ኢጣልያውያን ግን ከም ህዝቢ ተፈጢሮም ዲዮም? ዚብል ዘረባ ይቃላሕ ነይሩ። ከምዚ ኪብሃል ከሎ: ነታ ሓዳስ ሃገር ኣብ ሓድነትን ራእይን እተመርኮሰ ፍሉይ ባህርይ ወይ መንነት ዘልብሱዋ ህዝቢ ምስኣ ተፈጢሮም ዲዮም ከም ምባል እዩ ነይሩ።

ሃገር ማለት: ካብዝን ካብትን ኣህዛብ ኣኻኺብካ: ዶብ ሓናጺጽካ: ባንዴራ ተኺልካ ጥራይ ዚስራሕ ኣይኮነን። ምናልባት ብኸምዚ መገዲ እተደኮና ሃገራት ይህልዋ ይኾና: ማለት: ሕደ ራእይን ዕላማን: ተመሳሳሊ ሕሉፍ ተመክሮታትን ስለ ዘሎካውን ህዝቢ ኣኻኺብካ ነቲ ዝጻባኣካ ሓይሊ ሰጒግካ: ሃገር ዘይትድኮነሉ ምኽንያት የልቦን። ዝበዝሓ ኣብ ደቡብን ሰሜንን ኣመሪካ ዘለዋ ሃገራት: ነዚ እተጠቕሰ ዓይነት ኣፈጣጥራ ዘንጸባርቓኦ ይመስላ።

ሓደ ዓርከይ ኣሎ: ኩሉ ግዜ: ንሕና (ኤርትራውያን) ካበይ ዝመጻእና ህዝቢ ኢና? እናበለ ዝሓተኒ። ኣነ ግን ነዛ ካበይ ዝመጻእና ኢና እትብል ሕቶ ብዙሕ ኣይግደሰላን እየ: ከመይሲ እቲ ቀንዲ ዘገድስ ካበይ ከም ዝመጻእና ዘይኮነስ: ኣብዚ ግዜዚ እንታይ ኢና? ብኸመይ መገዲኸ ንምራሕ ኣሎና? እንታይ እዩኸ መጻኢ ዕድልና?… ዚብል ሕቶታት ኮይኑ ይስመዓኒ።

ካበይ ከም ዝመጻእና ምፍላጥ እኮ ጽቡቕ እዩ። ግን ብመጀመርታ ከምዚ ዝበለ ሕቶ ንኣንትሮፖሎጂስት (ብዛዕባ ወድሰብ ዘጽንዑ ሊቃውንቲ) እንተ ገደፍናሎም ይሓይሽ። እንተ ዘይኮይኑ: እቲ ብግምት ዚወሃብ መልስታት ኣብ ምፍልላይን ኣብ ዘየድሊ ስምዒታትን ቅርሕንትን ከእትወና ስለ ዚኽእል ክንጥንቀቕ ይግባእ።

ኣብዚ እዋንዚ: ኣብቲ ብዲ ኤን ኤ (DNA) ዚግበር ዘሎ መጽናዕቲ እንተ ተመልከትና: ብዛዕባ ወድሰብ ዘስደምም ሓበሬታ ክንረክብ ንኽእል። ምናልባት ኣነ ካብ ምስ ሓደ ኤርትራዊ ወዲዓደይ ምስ ሓደ ቺናዊ ዝያዳ ዝምድና ይህልወኒ ይኸውን። ምናልባት ናይ ኣመሪካ ፕረሲደንት-ነበር ጆርጅ ቡሽ ካብ ምስ ዓዲ እንግሊዝ ዝያዳ ምስ ናይ ኣፍጋኒስታን ጣሊባን ዝምድና ይህሉዎ ይኸውን….።

ኩሉ ህዝቢ ሃገራት ዓለም: ካብዝን ካብትን እተኣኻኸበ እዩ። እዛ ቅድሚ ሰብ እተፈጥረት ዓለምና: ቀደም ጥራያ እያ ነይራ። ኣብ ሓደ ሃገር ከም ሳዕሪ ዝበቖለ ህዝቢ የልቦን። ወድሰብ ካብ ጥንቲ ብሓያላት ወረርትን ገፋዕትን ኪስጎግን: ኪስደድን: ብዂናት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ኪፈናቐልን: ብጥሜት ምኽንያት ኣብ ዘይዓዱ ኸይዱ ኣስፍሩና ኪብልን ዘመናቱ ኣሕሊፉዎ እዩ። ስለዚ ዶብ ሓንጺጽካ ባንዴራ ተኺልካ ሃገር ብምስራሕካ: ህዝቢ ፈጢርካ ማለት ኣይኮነን። ህዝቢስ ተሰዳድን ተፋናቓልን ወትሩ ዓዋድን እዩ። ሃገራዊ ህዝቢ ንምዃን ግን መብዛሕታኡ ግዜ ቀስ እናበለ ዚጎዓዝ መስርሕ እዩ።

ይኹንምበር: ሓደ ኣብ ሓደ ክልል ንነዊሕ ዘመናት ብሓደ ተሳኒዩ ዝነብር ዝነበረን: ሕደ ተመክሮን: ተመሳሳሊ ሽግርን ሓጎስን ዘሕለፈ: ናይ ሓባር ጸላእን ፈታውን ዘጥረየ: ብንግድን ብሓድሓደ ባህልታትን ወግዕታትን እተኣሳሰረ: ሕደ ራእይ ዘለዎ: ከም ሃገር (nation) ኪፍለጥ ይኽእል። በዚ መሰረትዚ: ልኡላውነቱን መንነቱን ናጽነቱን ባህሉን ንምዕቃብ ዶባቱ የጠናኽር: ባንዴራኡ ድማ ይተክል።

ኣብ ኤርትራ: 9 ብሔራት ኢና። እቲ ንትሽዓተና ዝኣስረና ማሕበራዊ ኣፋትል: ብዝያዳ: ናይ መግዛእቲ ተመክሮን (ብሓደ እተኻፈልናዮ ስቓይን: ቃልስን: ዝኻዕበትናዮ ግብረመልስን ወዘተ..): ንግድን ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ብዶብ እተደረተ ሃገር ብምህላውና እዩ። ካብዚ ቀጺሉ ዚመጽእ ድማ: ንኹሉ ዚጥርንፍ እኳ እንተ ዘይኮነ: ሓፈሻዊ ባህልታትናን ክብርታትናን እዩ። ይኹንምበር: እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደ ናይ ሓርነት ቃልሲ: ካብ ኩሉ ንላዕሊ ነቲ ሓድነትናን መንነትናን ኣጠናኺሩዎ እዩ። ስለዚ እቲ ኤርትራዊ ዚብሃል ህዝቢ ብደም ስዉኣታትናን ብተጋድሎ ህዝብናን እተፈጥረ ከም ዝኾነ ኪርሳዕ ኣይግባእን።

ሓድሓደ ሰባት ናብ ወጻኢ ሃገር በጺሖም ይምለሱሞ: እቲ ዘመድ ቤተሰብ: እሞ ከመይ እዮም እቶም ህዝቢ: ብሩኻት ድዮም: ተቐብልቲ ኣጋይሽ ድዮም? ብምባል ይሓትት። እቲ ዝምልሽ ከኣ ነቲ እተጓነፎ ኣጋጣሚታት ብምዝካር: ፍርዱ ይህብ፤ ሕያዎት እዮም…. ክላ: ተባኣስቲ እዮም… ህዉኻት እዮም… ተንኮለኛታት እዮም ወዘተ..። ብሓደ ክልተ ሰባት: ብጽቡቕ ይኹን ብሕማቕ: ኩሉ ይልከም ኣሎ ማለት እዩ።

እሞኸ: ናይ ሓደ ህዝቢ ባህርያት ኣብ ምግምጋም: ከምዚ እዩ ከምቲ እዩ ክንብል ንኽእልዶ? እንተ በልናኸ: ኣብ ምንታይ ተሞርኪስና ኢና ንፈርድ ዘሎና?

ብመሰረቱ: ብዙሕ ሰብ ደጋጊሙን ንሓያሎ ዓመታትን ብዛዕባ ሓደ ህዝቢ: ከምዚ እዩ ባህርያቱ ኪብል ከሎ: ገለ ሓቅነትስ ኪህልዎ ይኽእል እዩ ዚብል ገምጋም ኪውሰድ ይከኣል።

ሓደ ህዝቢ ብእተፈላለየ ምኽንያታት: ሓፈሻዊ ሃገራዊ ባህርያት ከጥሪ ይኽእል እዩ። ንነዊሕ እዋን ብሓደ ዝነብር ህዝቢ: ብሕሱም መግዛእቲ ይኹን: ብሓባራዊ ናጽነት: ብሓባራዊ ስቓይን ደስታን: ብዂናትን ብጥሜትን: ብስደትን ብምፍንቓልን: ነዚ ኹሉ ብድሆታት ድማ ብምምካት: ወይ ነቲ ጽቡቕ ኣጋጣምታት ኣብ ተመክሮኡ ብምምዝጋብ ዚፈጥሮ ሓባራዊ ስእሊ: ከምኡውን ኣብ ሓድሓደ ፍጻመታት ብዘርእዮ ሓባራዊ ግበረመልስታትን: እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምሮኡ ብዚፈጥሮ ሓባራዊ በሰላታትን: ሓባራዊ ዝኾነ ባህርይ ከንጸባርቕ ይኽእል እዩ።

ሓንቲ ኣብ ኣኼባታት ኤርትራውያን ብተደጋጋሚ መገዲ እትቃላሕ ንናይ ኤርትራውያን ባህርይ እትምልከት ዘረባ: ዘይምስምማዕን ትዕግስቲ ዘይምህላውን ሓሓሊፍካ ድማ ምብኣስን እትብል እያ። እዛ ዘረባዚኣ ሓቂ እንተ ደኣ ኾይና: ከመይ ገይሩ እዩ እቲ ዘይምስምማዕ ኣብ ሓንጎል ኤርትራዊ ኪሰፍር ክኢሉ?

ቅድሚ ኣብ ትንተና ምእታውና ግን ሓደ ክንዝክሮ ዘሎና ነገር ኣሎ። ዘይምስምማዕ ብመሰረቱ ሕማቕ ባህርይ ኣይኮነን። ሰብ ኮይኑ: ምስ ካልእ ሰብ ብኹሉ ሸነኻት ኪሰማማዕ ኣይክእልን። ኩሉ ሰብ ሕደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኪህሉዎ ኣይክእልን። ማሺን ጥራይ እዩ በቲ ዝተመልኦ ፕሮግራማት ተመሪሑ ሕደ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘቕርብ። ኣብ ዚሓስብ ሰብ ግን ናይ ርእይቶታትን ትዕዝብትን ግምገማን ፍልልያት ኪህሉ ባህርያውን ኣድላዪንውን እዩ።

እቲ ጸገም: ነቲ ዘይምስምማዕ ኩነታት መዕለቢ ክትረኽበሉ ዘይምኽኣል እዩ። እተፈላለዩን ዘየሰማምዑን ሓሳባት ይቐርቡ: ይዝተየሎም: ርእይቶታትን ገለጻታትን ይወሃቦም: ብድሕርዚ ናብ ድምጺ ይሓልፉ: ሓደ ካብቲ ዘከራኸረ ነጥቢ ድማ ብድምጺ ይዕብልልን ይስዕርን። ብኸምዚ መገዲ ከብቅዕ ዚግባኦ ዘተ: ኣብ ገለ ወገናት ናይ ምእዳም ባህርያት ይረአ። እቲ ክትዕ ኣብቲ ጉዳይ ክንዲ ዘተኩር ኣብ ውልቀሰባት የተኩር። ጓል መገዲ ይፍጠር: ዘይምርድዳእ ይመጽእ: ብባእስን ቆየቓን ብምብትታንን ድማ ይዛዘም። ስለምንታይ ግን?

ገለ ካብቲ ኣብ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ዘይምስምማዕ ባህርያት ብግምት ከምዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ መበገሲታት ኪህልዎ ይኽእል፤

  1. ባዕዳዊ መግዛእትን ናይ ፈላሊኻ ምግዛእ ሜላኡን

ባዕዳዊ መግዛእቲ: ካብቲ ንሓደ ህዝቢ ነንሓድሕዱ ከም ዘይሰማማዕ ዚገብሮ ምኽንያታት ሓደ እዩ። ከም ናይ ኤርትራ ተኸታታሊ መግዛእቲ ኸኣሞ: ሱር ዝሰደደ ናይ ዘይምስምማዕ ባህርያት ኪፈጥር ባህርያዊ እዩ። እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ: ዕምሩ ንምንዋሕ ኣብ መንጎ ሰባት ምፍልላይ ንምእትትታው እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሉን። ፈላሊዩ ጥራይ እዩ ኪገዝእን ኪምዝምዝን ዚኽእል። ስምምዕ እንተሎ: ህዝባዊ ውዲት ኪእለም ስለ ዚኽእል: እቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ስምምዕን ስኒትን ኣይፈቱን እዩ። ስለዚ እቲ ህዝቢ: ናይ ዘይምስምማዕ መንፈስ ይሓድሮ: ከይተፈለጦ ድማ ነዚ ኣሉታዊ ባህርይዚ ከም ኣመል ወይ ከም ባህሊ ገይሩ ይርዕሞ።

  1. እኹል ተመክሮ ምሕደራ ዘይምህላው

ቅድሚ ምምጻእ ኢጣልያውያን: ኤርትራ ልሕሉሕን ፊውዳላውን ምትእስሳር ብዝነበረንን: ምሉእ ናጽነት ብዘይወነናን ኣውራጃታት ወይ ከባቢታት ዝቖመት ኮይና መረብ ምላሽ ወይ ባሕርነጋሽ ዚብል ስም ሒዛ እያ ትመሓደር ዝነበረት። ግን ከም ናጻን ልኡላዊትን ሃገርን ኮይና ብገዛእ ዜጋታታ ክትመሓደርን ክትምራሕን ዝጀመረት ሕጂ ድሕሪ ናጽነት እዩ። ስለዚ ሃገራዊ ዝኾነ ብቑዕ ናይ ምምሕዳር ወይ ምሕደራ ባህሊ: ወይ ተመክሮ ኣጥሪና ክንብል ኣይንኽእልን። እዚ ድማ ብገለ ሸነኻቱ ኣብቲ ኣብ ምምሕዳር እነርእዮ ባህርያት ከንጸባርቕ ክኢሉ እዩ። ኣብቲ ናይ ዘይምስምማዕ መንፈስና ድማ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ።

ምናልባት ካብ ህግደፍ እተመሃርናዮ ኣገባብ ምሕደራ እንተሎ ድማ: ብስድነትን ፋሉልነትን እተዓብለለ ምሕደራ እዩ። ኣብ ኣኼባ: ጸርፊ። ኣብ ዘተ: ምዝንጣልን ምስትንዓቕን። ኣብ ኣኼባ ሚኒስትራት ድማ ኣሽካዕላልን: ምድሃልን: ምቍንጻብን እዩ። ገሊኡ ድማ ብጽፍዒታትን ብቴስታታን እተሰነየ እዩ። እሞ: እንታይ ደኣ ዘይገበርና? መብዛሕትና: ንኣታቶም ዶ ኣይኮናን ከም ኣብነት እንወስዶም ዘሎና? እዚ ስርዓትዚ: ካብቲ ክፉእ ዚገብረካስ: ክፉእ ዚምህረካ ይበዝሕ።

  1. ናይ ምጥርጣርን ዘይምትእማንን ኩነታት

ብባዕዳዊ መግዛእቲ ዝተኣታተወን ብህግደፍ ዝጸደቐን ናይ ቀቢላነትን ኣውራጃውነትን ሃይማኖታውነትን ስምዒታት ኣብቲ ህዝቢ ናይ ምጥርጣር ባህርያት ኣተኣታትዩ እዩ። ወድመን እዩ ዝገዝኣኒ? እንታዋይ እዩ ኣብ ገዛእ መሬተይ ዝጉይትተለይ? ንሱ ኣብ ስልጣን እንተ ደዪቡ: ወገነይ ጥራይ ኢዶም ኪኸዱ እንድዮም…እስከ ዘይወዲ ዓደይ ኣብዛ ዓደይ መጺኡ ጃርዲን ይጀምር: ኣብኣ ይረኽባ….ወዘተ.።

  1. ጉድለት ሓድሕዳዊ ምክብባር

ብብዝሒ ደኣ ኣይኮነን እምበር: ገለ ካብቲ ባህርያትና ንሓውና ምንዓቕ እዩ። ንሓውኻ ክትንዕቕ ከሎኻ ድማ: ብተዘዋዋሪ መገዲ ንጓና ከተኽብር ግድን እዩ: ማለት ነቲ ናይ ጓና ዝኾነ ኩሉ ነገራት ከም ልዑል ጌርካ ትወስዶሞ: ነቲ ናትካ ወይ ናይ ሓውኻ ድማ ኣትሒትካ ትርእዮ። ከምዚ ዓይነት ባህርያት: ብግዜ ጣልያንን እንግሊዝን ብፍላይ ድማ ብግዜ ሃይለስላሴ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ይረአ ነይሩ እዩ። ባህርያት ድማ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ካልእ ወለዶ ብወግዕን ያታን ታሪኽን ጽውጽዋይን ወረታትን ደርፍን ምስላታትን ወዘተ. ስለ ዚተሓላለፍ: ከምዚ ዓይነት ተርእዮ ኣብ ህዝብና ብገለ ሸነኻቱ የንጸባርቕ እዩ።

ምናልባት እዝን ክንድዝንዶ ይኸውን ኣብ መንጎና ዘይምስምማዕ ዚፈጥር ዘሎ? ከምዚ ኪብሃል ከሎ ግን: እቲ ናይ ዘይምስምማዕ ባህርያት ኣብ ደምና ኣትዩ ምሳና ይነብር ኣሎ ማለት ኣይኮነን። ምስ ግዜን ኩነታትን ዚልወጥን ዚበንንን እዩ።

ይኹንምበር ምፍላጡ: ወይ ምኽንያቱ ክትፈልጥ ምፍታን: ነቲ ሽግር ንምፍታሑ ይጠቅም እምበር ኣይጎድእን።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
18 COMMENTS
  • Berhe Tensea August 8, 2015

    An excellent article again Thank you very much……..

  • Tes August 9, 2015

    Very true and enriched article. Thank u sir. It is very educational.really really good
    Btw how can rashaida be one of Eritrean national? I am not sure about that. They have blood in their hand. They are more like our enemy than one of ours

    • Mightyembasoyra August 9, 2015

      Rashaida should be replaced by Jeberti. 9 tribes hgdf creation.

      • mighty karneshim August 9, 2015

        Mightyembasoyra ,

        We can not exchange bihers at will. I believe both are Eritrean bihers.

        • MightyEmbasoyra August 9, 2015

          mighty karneshim,
          Rashaidas are Arabs and the Eritrean citizenship was given by King isayas. On the contrary, the Jebertis are the founders of Eritrean revolution. This history was twisted by isayas and he tried very hard to discredit them. Truth always comes out.

  • Amdemariam Berhane August 9, 2015

    እዚ ሳይንሳዊ ትንተና እጺ ብጣዕሚ ንኩነታትና ኣዝዩ ሓጋዚ ኢዩ።

    የቐንየልና መምህር

  • ብቐዳምነት ሰላምታይ አቕርብ፡ ከምኡውን ናይ ክቡር ኣቦይ መምህር ኣብርሃም ሳህለ ሞት ብልቢ እናሓዘንኩን ንኹልኹም ቤተሰብ ጽንዓት ይሃብኩም እብል። ብምቅጻል ድማ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ ወትሩ ተቕርቦ ጽሑፋትካ ተሃንጥየ እየ ዝከታተሎ። ንትግሃትካን ተወፋይነትካን እንዳ’ድነቕኩ ዕድመን ጥዕናን እምነየልካ። በዚ ኣጋጣሚ ድማ ኩላትና መንእሰያት ኤርትራ ካብዚ ብቐሊል ክርከብ ዘይከኣል ሃናጺ ጽሑፋት ክቡር ኣቦና ተጠቀምቲ ክንከውን እላቦ።

    የቐንየለይ።

POST A COMMENT