Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

‘ሃገራዊ ቤትምኽሪ ኤርትራውያን ኣመሪካውያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደጋፊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ማሕበር፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ናይቲ ምልካዊ ስርዓት ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከካይዱዎ መዲቦሞ ዝነበሩ ህዝባዊ ኣኼባ ብምስራዙ ብቑጥዐ ዘውጽኦ ናይ ኩነነ መግለጺ ከም ዘደንጸዎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ይገልጹ ኣለዉ።

‘ሃገራዊ ቤትምኽሪ ኤርትራውያን ኣመሪካውያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደጋፊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ማሕበር፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ዑስማን ሳልሕ ከምኡ ‘ውን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ን 2 ጥቅምቲ ኣብ

‘ሃገራዊ ቤትምኽሪ ኤርትራውያን ኣመሪካውያ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ደጋፊ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝኾነ ማሕበር፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ዑስማን ሳልሕ ከምኡ ‘ውን ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብረኣብ ን 2 ጥቅምቲ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ከካይዱዎ መዲቦሞ ህዝባዊ ኣኼባ ብምስራዙ ብቑጥዐ ዘውጽኦ ናይ ኩነነ መግለጺ ከምዘደንጸዎም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ይገልጹ ኣለዉ።

እቲ ላቔባ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝኾነ ማሕበር ኣብ መግለጺኡ፣ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ መሰረታዊ መሰላት እንተላይ ናይ ምእካብ መሰል ኣመሪካውያን ዜጋታት ግሂሱ ብምባል እዩ ነቲ ቁጥዐ ዝመልኦ መግለጺ ዘርጊሑ።

ይኹን’ምበር እቶም ብስሞም ሸቂጡ ዝዛዝረበሎም ዘሎ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን፣ እቲ ምልካዊ ስርዓት መሰል ናጽነት ምግላጽ ሓሳብን ምእካብን ህዝቢ ኤርትራ ዓምጺጹ ንሃገርና ኤርትራ መወዳድርቲ ሰሜን ኮርያ ገይሩዋ ኣብ ዘሎ እዋን ተቓውሞኡ ንምግላጽ ብጩቕ ኢሉ ዘይፈልጥ ማሕበር ከምዚ ዝኣመሰለ ስግጢራዊ መልግለጺምውጽኡ፣ መጋበርያ ናይቲ ስርዓት ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ተገዳስነት ሰብኣዊ መሰል ይኹን ሓይልዮት ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይብሉ፣ ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣገንዚቦም።

እቲ ዝገርም፣ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ፣ ኣብ ኣስመራ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ካብ ኣስመራ ኣርሒቖም ከይንቀሳቐሱ ናይ ምንቅስቓስ ቀይዲ ገይሩሎም ክንሱ፣ መንግስቲ ኣመሪካ፣ ነዞም መሳርሒ ውልቀምልኪ ዝኾኑ ላዕለዎት ሰበስልጣን ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ቪዛ ምሃቦም እምበር ኣኼባ ከየካይዱ ምኽልካሎም ኣይኮነን ‘ውን ኢሎም።

እቲ ብስም ናይ ኤርትራውያን ኣመሪካውያን ማሕበር ዝተዛረበ ኣካል፣ መሰል ኣኼባ ኣብ ኣመሪካ ተነፊጉኒ ክብል ከሎ፣ ማዕሪኡ፣ ብዛዕባ መሰል ምንቅስቓስ ኣመሪካውያን ኣብ ኤርትራ ‘ውን ክዛረብ ነይሩዎ፣ ድሕሪ ምባል ከኣ፣ እቲ መግለጺ ከዘይውክሎም ብምግንዛብ፣ ነቲ ናይ መንግስቲ ኣመሪካ ስጉምቲ ብምድጋፍ በንጻሩ ነቲ ምስሉይ ማሕበር ኮኒኖሞ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! October 7, 2016

    Some people inside the country used to complain about Eritreans in diaspora
    blind support for HGDF authoritarian government . Unfortunately the denial
    of these group will put them equally responsible on criminalizing our whole
    society . Naked eye can not lie to identify the miseries people face in their
    lives while these crooked with slave mentality defend the strong against the
    weak .
    To stay hostage in USA – WEYANE – BLABLA made boxes for almost 20 years is absurd excuses of narrow minded people . What a shame !
    Arrogance doesn’t discriminate between educated and uneducated to bring
    them together united like we observe with such group .

    • AHMED SALEH !!! October 7, 2016

      Do not blame Eritreans who portray their enemies in three fronts ;
      Weyane , Hgdf and Eritreans in diaspora hypocrisy are the main factors to bring their
      life down for desperate living conditions .
      Weyane declared no war no peace policy to choke their throat .
      Hgdf declared martial law to suppress their citizen .
      Hypocrats outside the country declared NIHNA- NISU loyalty at their people expense.
      Our life starts with birth stage A to end in death stage Z and most of us passed stage
      stage M which means getting closer to stage Z .
      Welcome to the world which nobody own but in reality people live with hope to conquer
      tough times that doesn’t last since Adam and Eva .

      .

POST A COMMENT