Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህሉው ኩነታት ኤርትራ ናበይ ገጹ?

እዚ ብዶ/ር ኣብይ ዝተበገሰ፥ "መስርሕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያ" ተባሂሉ ተጠሚቑ ዘሎ ስም፥ ትርጉሙን ዕላምኡን እንታይ'ዩ? ናበይ ገጹ'ዩ ኸ ዜቐንዕ ዘሎ? ንዝብሉ ሕቶታት ርእይቶይ ብጽሟቕ መልክዕ ከቕርብ ክፍትን። ድሕሪ ባይትኡ ብኹሉ መኣዝናት ይግለጽ ስለዘሎ፡ ኣብኡ ኣትየ ንኣንባቢ

እዚ ብዶ/ር ኣብይ ዝተበገሰ፥ “መስርሕ ሰላም ኤርትራን-ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ተጠሚቑ ዘሎ ስም፥ ትርጉሙን ዕላምኡን እንታይ’ዩ? ናበይ ገጹ’ዩ ኸ ዜቐንዕ ዘሎ? ንዝብሉ ሕቶታት ርእይቶይ ብጽሟቕ መልክዕ ከቕርብ ክፍትን። ድሕሪ ባይትኡ ብኹሉ መኣዝናት ይግለጽ ስለዘሎ፡ ኣብኡ ኣትየ ንኣንባቢ ከሰልቹ ኣይመርጽኩን።
ቀጥታዊ ትርጉሙ፡ ሰላም፥ ራህዋ፥ ቅሳነት ወዘተ. የስምዕ።
ሕቡእ ትርጉሙ፥ ንኤርትራ ከም በጊዕ ፋሲካ ኣሰርካ፡ ንሓደስቲ መራሕቲ ኢትዮጵያ ማለት ነቲ ብteam Lema ዝጽዋዕ ዶ/ር ኣቢይ ዝርከቦ፡ መሪሕነት ደቂ ኦሮሞ ምርካብ’ዩ።
ክትግበርከ ተኽእሎታት ኣሎዶ ንዚብል ኢሳያስ ዚከኣሎ ኪገብር’ዩ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዚፈቅድ ስለዘይኮነ፥ ንኢሳያስ ኣዝዩ እዩ ዘሻቕሎን ዘፍርሖን ጉዳይ እዩ። ስለምታይ እቲ ምእንቲ ናጽነት ዝፈሰሰ ደም ኣጸቢቑ ስለዝፈልጦን፥ኣብ ኣእምሮ ነብሲ-ወከፍ ኤርትራዊ’ውን ምህላዉ ኣጸቢቑ ስለ ዚርዳእን። እቲ ዚወስዶ ዘሊ ስጉምቲ ግን ካብ ክቱር ንዕቀት ህዝቢ ዚብገስ ምዃኑ ኣየጠራጥርን።
እዚ ከኣ ካብ ዶ/ር ኣቢይ (ወይ ካብ Team Lema) ዝተሰወር’ዩ ኣይንብል። ምስ’ዚ ኩሉ ናይ ፍቕርን ሰላምን ጭርሖታቶም ግን ብዛዕባ ወጽዓታትን ግፍዕታትን ህዝቢ ኤርትራ ቁሩብ ብጭቕ ብዘይምባሎም ግን ከየገረመና ኣይሓለፈን። ብናተይ ግምት ረብሓ ጉጅለ ለማ ብቐዳምነት ዚሰርዕዎ፡-
-ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዚብል ድሌትን ሕልሚን ናይ ኢሳያስ ብርዳእ ንዕኡ ብምሕጓስ፥ ወደባት ኤርትራ ንምርካብ፥
-ከም’ቲ ኣምሓሩ፥ ወያነ ጥራይ’ዩ ንሻዕብያ ስዒሩ ዓሰብ ወይ ኤርትራ ከምልሰልና ይኽእል’ዩ ዚብል እምነት ብምሕዳር ዘጣቕዕሉ ዝነበሩ፥ ጉጅለ ለማ እታ ምምላስ ዓሰብ (እንተተኻኢሉ ከኣ ኤርትራ) ናብ ኢትዮጵያ ትብል ካርድ ብምልዓል፥ ሓደ ደገፍ ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ድማ ናይ ኣምሓሩ ንምርካብ፥ ብኻልኣይ ደረጃ ከኣ፥ ነዚ ሕጂ ኣጋጢሙ ዘሎ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ኣብ ኢትዮጵያ ህጹጽ መፍትሐ ንምንዳይን ካልኦት ረብሓታትን ንምርካብን ዚጽዕር ዘሎ።
ብዓብኡ ግን፡ እቲ ስዉር ትርጉም፡ መስርሕ ሰላም ምጽንባር ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ምዃኑ ዘይምርዳእ ንርእስኻ ምትላል ወይ ከምዘይ ኤርትራዊ ምሕሳብ እዩ።
ናበይ ገጽ’ዩ የቕንዕ ወይ የምርሕ ኣሎ እንተደኣ ኢልና እዞም ዚስዕቡ ተርእዮታት (scenario) ኣብ ናይ ቀረባን ርሑቕን መደባት (ንበል ብግምት፡ካብ 3-5 ዓመታት) ኣብ ዘሎ እዋን፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ውሕስነት ዘለዎ ሰላም፡ ዲፕሎማስያዊን ቁጠባዊን ውህደት ንምርግጋጽ ብዚብል ሽፋን፤-
—ናይ ሓባር ቁጠባዊ ፖሊሲ ምሕንጻጽ፥
-ምውናን ሓባራዊ ባጤራ፥
-ሓባራዊ ሚስዮናት ምህላው እዚ ማለት ድማ፡ሓንቲ ኤምባሲ ንኽልቲአን ሃገራት ተገልግል ምግባር፥
– ብባህሊ፡ ብስፖርትን ብመረኸቢ-ብዙሃን ወዘተ. ሓባራዊ መድረኻት እናፈጠርካ ነቲ ከም ናይ መወዳእታ ሽቶ ተወሲዱ ዘሎ ፖለቲካዊ ውህደት ናይ ክልአን ሃገራት፡ መሰረት ንምንጻፍ እዩ።
ስለ’ዚ እዚ እዋን’ዚ ንኣና ንኤርትራውያን ኣዝዩ በዳሂ ዝኾነ እዋን’ዩ። ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንርእዮን እንሰምዖን ዘለና መስርሕ ምጽንባር ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ሓቂን ግሁድን ክስተት (reality) እዩ’በር ሕልሚ ወይ ግምት ኣይኮነን።
ጉዳይ ልዑላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣብ ዝኣትወሉ ዘሎ ግዜ፥ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ምዕዛብን፥ ኮፍ ኢልካ ንኢሳያስ ምውቃስ ትርጉም የብሉን። ኣብ ክንዳና ኮይኑ፡ ዚቃለሰልናን ዝጣበቐልና የለን። ሓገዛትን ጥብቅናን ንምርካብ’ውን ናህና ጻዕሪ’ዩ ዝሓትት። ፈጣሪ’ውን ነቶም ንነብሶም ኪሕግዙ ኩሉ ዚከሎም ዝገብሩ ይሕግዝ’ዩ።
ከምቲ ዝተጠቕሰ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓት ኮነ፡ ዝተፈላለያ ስልፍታትን ኢትዮጵያ፥ ንጭቆናታትን ግፍዒታትን ህዝቢ ኤርትራ ስለዘየገድሶን ክሳብ’ዛ ስዓት እዚኣ ኣልዒሎንኦ ኣይፈልጣን። ንብድሕሪ ሕጂ’ውን ከልዕልኦ ኣይንጽበየንን ኢና። ስለምንታይ ከም’ቲ ኣቦታቶም፥ ቀይሕ ባሕሪ’በር ህዝቢ ኤርትራ ኣየድልየናን እዩ ዝበልዎ፥ ንሳቶም’ውን ሕልሞም ንሱ እዩ።
ኣብዚ ቁሩብ መዓልታት ግን ገለ ሓለፍቲ ወያነ፥ ወላ’ኳ ኣነጺሮም ኣይግለጽዎ’በር፥ ሓድነት ህዝብታት ኤርትራን ትግራይ ንምሕያል፥ ጎስጓሳት የካይዱን ሰላማዊ ሰልፍታት ኪውድቡ ይርእዩ ኣለዉ። ግን ስለዝተቐርቀሩ ከም ስልቲ (tactic) ድዮም ዚርእይዎ ከም ዕላማ (strategic) ሒዘምዎ ዘለዉ ዝብል ሕቶ ግዜ ዚምልሶ ይኸውን። ናይ ብሓቂ ከም ዕላማ ተገይሩ ዚውሰድ እንተድኣ ኮይኑ ግን ንኽልቲኦም ህዝብታት ዘርብሕ ኪኸውን ዚኽእል እዩ።
ዝሓለፈ ኩሉ ረሲዕካ ማለት። ከምቲ ኒልሰን ማንደላ ናጽነቶም ምስ ረኸቡ ዝበሎ፥ ይቕረ ክንብል ኢና ግን ኣይንርስዖን ኢና (we will forgive but we will not forget) ዲና ክንብል ወይ (ዚክኣል እንተኾይኑ)፥ ይቕረ ክንብል ኢና፡ ክንርስዖ ከኣ ኢና (we will forgive and we will forget) ክንብል፥ ናህና ምርጫ ይኸውን። ሓቀይና ምትእምማን እንተተፈጢሩ ግን እታ ካልአይቲ ምፍታን ይሓይሽ ይመስለኒ።
ኣብ መወዳእታ፥ መልእኽተይ ብመልክዕ ሕቶ ክዛዝም። ግን ኢሳያስ ናይ ብሕቂ ድዩ ከምቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንምብራስን ንምብታንን ዝሰርሕ ዘሎ፡ ንህዝቢ ትግራይ ከኣ ከምኡ ኪገብርን ኪሕሰብን? ዶስ ንህዝቢ ኤርትራ ከምቲ መዋእሉ ምሉእ ዝገበሮ ንምዕሻው እዩ? ናይ ብሓቂ ድዩ’ኸ ኢሳያሰ ከምቲ የማነ (ጃማይካ)፡ ካብቶም ሓለፍቲ ወያነ ዝነረ “ወዲ ሓውቦይ’ዩ” ዝበሎ፥ ንደቂ ሓውብኡ ገፊፉ፡ ምስ ደቂ ኦሮም ዝሻረኽ ዘሎ? ዕድል እንተረኺቡኸ ክሳብ መዓስ ኮን ከምኡ ኢሉ ኪቕጽል ይኽእል? ካብ ናይ በዓል ለማ ቲም ወጺኡኸ ምስ ሓፍቲ ወያነ ክሻረኽ ይኽልዶ ዝብሉ ዓበይቲ ሕቶታት ክጒሰዩ ዘይግብኦም እዮም። ፖሊቲካ ፎርሙላ ወይ equation ስለዘይብሉ ንኹሉ ተኽእሎታት ኣብ ግምት ምእታው ናይ ለባማት ስራሕ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ንሉዓላውነቱን ንኽብረቱን ሕቢሩ ዚለዓለሉ ግዜ ርሑቕ ኣይምስልን። ህዝቢ ኤርትራ ንልዑላውነቱን ንኽብሩን ሓቢሩ ዚለዓለልይ ግዜ ግን ርሑቕ ኣይመስልን። ፈጣሪ ኤርትራን ህዝባን ምሒሩ ይሓግዝ።

ተስፋይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
42 COMMENTS
  • Memhr August 17, 2018

    ሓደ መስተውዓሊ ተዓዛቢ ከም ዝጸሓፎ፥
    “መብዛሕትኡ እዚ ኣንጻር ኢሳያስ ዝጸሓፍ ዘሎ ነቲ ናይ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ ሰላም ውዕል ንምዕንቃፍ እኳ እንተኾነ። ኢሳያስ ኣብዚ መስርሕ እዚ ኣዝዩ ከም እተዓወተ ዝኽሕድ ሕልንኡ ኣብ ክንዲ ኣብ ኵውንነት ኣብ ጽልኢ እተላዕጠጠ ንኤርትራውያን ሰላም ከምጽእ ዘይክእል ድኹም ኣእምሮ ዝወለዶ እዩ።
    ኢሳያስ ብዙሕ ዘኽስሶ ገበናት እንከለዎ ፤ “ምስ ኢትዮጵያ ሰላም ጌሩ” ኢልካ ሃለውለው ምባል ፖለቲካዊ ውድቀትካን ስንፍናኻን ክሽፍን ኣይከኣልን።
    ህዝቢ ኤርትራ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ከምዝደሊ ኣብቲ ግንባራት ዘሎ ኩሉ መስኪርዎ እዩ። “ሰላም ኣይደለኻን” ዝበለ ግና ፣ ነቲ ጎዳጉዲ ወኻሩ ንዓመታት ዝንበረ መንእሰይ ኬድካ ኣብርዮ።
    ብመስኮት ኮምፒተር ተሓቢእካ እተምጽኦ ሰላምን ፍትሕን የለን። ስረ እንተለካ ከምቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስረ ዓጢቑ መሰሉ ዝመለሰ ምሰል።
    “ናይ ወያነ ሓገዝ ኣየድልየናን እዩ። ባዕልና ብስሬና ንኢሳያስን ህግደፍን ክንኣልዮም ኢና:” ትብሉዶ ኣይነበርኩምን?
    ሕጂ ተሓቢእካ ነቲ “ሓራ ከውጸኣካ እየ” ኢልካ እትሽቅጠሉ ዝነበርካ ምስኪን ኤርትራዊ ፣ ኣብ ኣሜሪካ ኣውሮጳ ኣውስትራሊያ ተሓቢእካ ትጻረፍ ኣለኻ። ፈሽኳል! ነዚ ፈሊጡ እዩ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ዘይሰዕበካ።”

    ሰላምን ፍቕርን ንኤርትራ ኢትዮጵያ፤
    ልምዓትን ምዕባለን ንባህሊ ልምዲ ቋንቋታት ብሄራት ኤርትራ ኢትዮጵያ።

    • Yohan August 25, 2018

      Indeed Memhir, peace and love to the two brotherly people of Eritrea and Ethiopia.

POST A COMMENT