Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፡ ሴፍን ዋልታን ክትኮኖ ብሃንቀውታ ይጽበየካ’ሎ

ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ እዚ ዘካፍለካ ዘለኹ ሕውነታዊ ምኽርን ምሕጽንታን፡ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ኣውያት፡ ማእሰርትን ስደትን ህዝብና ለይትን መዓልትን ክስምዖ ይመረኒ፡ የሕስበኒ፡ ህላወ ኤርትራ የጠራጥረኒ ስለዘሎ፡ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ንመጻኢ ወለዶ ዘኹርዕ ስጉምቲ

ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

እዚ ዘካፍለካ ዘለኹ ሕውነታዊ ምኽርን ምሕጽንታን፡ ዕድመን ጾታን ዘይፈሊ ኣውያት፡ ማእሰርትን ስደትን ህዝብና ለይትን መዓልትን ክስምዖ ይመረኒ፡ የሕስበኒ፡ ህላወ ኤርትራ የጠራጥረኒ ስለዘሎ፡ ህዝብኻን ሃገርካን ካብ ጥፍኣት ንምድሓን ንመጻኢ ወለዶ ዘኹርዕ ስጉምቲ ክትወስድ ንምዝኽኻር’ዩ። ከምእትዝክሮ፡ ኣብ ግንቦት 1991፡ እታ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ብሃረርታ ክጽበያ ዝጸንሐ ናጽነት ብኸቢድ መስዋእትኻ ምስ ኣረጋገጽካያ፡ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝነብር ኤርትራዊ፡ ስለ ዕዙዝ ክብርኻን ሞያኻን ብዕልልታን ሓጎስን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ተቀቢሉካ። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዝነብር ህዝብና፡ “ሳላኻ ብርሃን ርኢና ብርሃን ተዓደል” ብምባል ንዓኻ ዝግባእ ኣኽብሮትን ፍቅርን ገሊጹልካ። ድሕሪ ናጽነት፡ ካብ 1998 ክሳብ 2000 ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት’ውን፡ ለይትን መዓልትን ካብ ጎድንኻ ከይተፈልየ ብህይወቱን ንብረቱን “ኣለኹ ምሳኻ” ኢሉኳ። ንምንታይሲ ንስኻን ህዝቢ ኤርትራን ክትነጻጸሉ ዘይትኽእሉን ህይወት ክልቴኹም ኣብ ሓንቲ ልቢ ስለዘላን። ኣብዚ እዋን’ዚ’ውን ህዝቢ ኤርትራ ኣባኻ ዘለዎ ኣምነትን ኣኽብሮትን ልዑል’ዩ። እቲ ምንታይ፡ ንስኻን ህዝቢ ኤርትራን ብህግደፍ ብሓባር ትርገጹን ብማእለያ ዘይብሉ ሕሰም ትሳቀዩን ስለዘለኹም።

ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ሕድሪ ስውኣት ብምጥላም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ማእሰርቲ፡ ቅትለት፡ ምዕፋን፡ ምጭዋይ፡ ሕሰም መነባብሮን ንዓኻው’ን ይልብልበካ ስለዘሎ ብዛዕባ ኤርትራ መብርሂ ኣየድልየካን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት፡ ብስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ክድሰትን ብደም ስውኣት ክላገጽን እንከሎ፡ ንዓኻ ሒዙ ይፍጽሞ ከምዘሎ ትስሕቶ ኣይመስለንን። ብርግጽ ካብ ስርዓት ህግደፍ፡ ብዘይካ ሕሰምን ማእሰርትን ትረኽቦ ፋይዳ የለን። ብህግደፍ እሙን ስለዘይኮንካ፡ ኣብ ውሽጥኻ ሰለይቲ የዋፍረልካ፡ ንመሰልካን ጸገማትካ ክፍትሓልካ ሕቶታት ምስእተቅርብን ይኣስረካ፡ ከም ሕሱር ኣቅሓ ይድርብየካ። ካብ ኩሉ ዝኸፍአን ኣንጻር ረብሓኻ ዝቀንዐን ተንኮል ግን፡ እቲ ህግደፍ መሐለዊ ስልጣኑ ኢሉ ዝሃበካ ጠበንጃ ንሰላማዊ ህዝብኻ ክትቀትለለኡን ከተሳቅየሉን የዋፍረካ ምህላዉ’ዩ። እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብስርዓት ህግደፍ ብጭካነ ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ወገናትካ፡ ደቂ ኣሃዱኻ፡ መተዓብይትኻን መማህርትኻን፡ ለይትን መዓልትን ኣውያቶም ክትሰምዕን ብሰንሰለት ተኣሲሮም ሓንከስከስ ክብሉ ብዓይንኻ ክትዕዘብን እንከለኻ፡ ደምካ ከምዝፈልሓካን ዓሕ ኢልካ ከምትጉህን ፍሉጥ’ዩ። እንተኾነ ዝተለጉመ ጠበንጃ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ብስጭትን ምሕንሓንን ንበይኑ፡ ወገንካ ፍታሕ ኣይረክብን’ዩ። ብእሙናት ስርዓት ህግደፍ ተመሪሕካ፡ መንበሪ ኣባይትን ኣብያተ ንግድን ህዝብኻ ከተዕኑ፡ ዓገብ ንዝበለ ኣካልካ ብጥይትን ሰደፍ ጠበንጃን ክትምልሰሉ እንከለኻ፡ እምበርዶ ደቅና’ዮም ትብሃልን ትርገምን። ካብዚ ዝኸፍእ ሓጥያት ድማ የለን።

ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኣሕዋትካን ኣሓትካን፡ እንተላይ ደቂ ስዉኣት፡ ካብ ዓምጠርቲ ኣእዳው ህግደፍ ንምምላጥ ዝፈትውዋ ሃገሮምን ቤተሰቦምን ገዲፎም ናብ ስደት ሃጽ ኢሎም ኣብ ማያት ማእከላይ ባሕሪ ክጥሕሉ፡ ሬሳታቶም ብዓሳ ክብላዕ፡ ንቡር ስነስርዓት ቀብሪ ክሕረሞም፡ ኣብ ምድረ በዳ ሳህራ ብጥሜትን ጽምእን ህይወቶም ክሓልፍ፡ ብነጋዶ ሰብ ክሕረዱ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ክእሰሩን ንሓሳረ መከራ ክቃልዑን ትዕዘብን ትሰምዕን ኣለኻ። ህግደፍ፡ ብቀጻሊ “ተወሪርና” ብዝብል ጉልባብ ስልጣኑ ንምንዋሕ ከም ዝሓለፈ፡ ኣብ ዘይምልከተካ ጉዳይ ኣብ ሓዊ ከምዝጠብሰካን ወለድኻን ደቅኻን ብዘይጠዋሪ ኣብ ሓዘንን ጥሜትን ከምዝነብሩ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ መዓልታዊ ዘጋጥመካ ዘሎ ግድላት’ዩ። ድሌት ስርዓት ህግደፍ፡ ኩሉ ህዝቢ ኤርትራ ክስደድ፡ ክሓስሞ፡ መንነቱ ክጠፍእን ንሓድሕዱ ክባላዕን’ዩ።

ዝኸበርካ ሰራዊት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡

ቃንዛን ሕሰምን ህዝብኻ ድቃስ ከምዝኸልኣካ ኣይስሓትን፡፡ ህግደፍ ቁንጣሮ ናቅፋ ሂቡ ኣብ ርሑቕ ገጠራትን ኣብ ቁርን ሃሩርን ድፋጫኻ የስትየካ’ሎ። እቲ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ልምዓታዊ መደባት ብንጥፈት ይዋሳእ ኣሎ” ዝብል ብካድራትን ማዕከናት ዜናን ህግደፍ ወግሐ ጸብሐ ዝወሃብ ናይ ሸፈጥ መግለጺታት፡ ኣብ መነባብሮ ህዝብኻ ለውጢ እንተዝርአ፡ ድኽነት እንዝጎድል፡ ሕሙማት እንተዝፍወሱ፡ ጽሩይን እኹልን ዝስተ ማይ እንተዝረኽቡ፡ ኣገልግሎት መጎዓዝያ ንምርካብ ንሰዓታት ምጽባይ እንተዘይህሉ፡ ሓረስታይ ክሓርስ ነጋዳይ ክነግድ እንተዝፍቀደሉ፡ ሓላል ነይሩ። ድኻምካ ድማ ፍረን ትርጉምን ምሃለዎ። ስርዓት ህግደፍ ግን ብቅዋም ስለዘይምሓደርን ወካሊ ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይኮነን፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲ ክኣስር፡ ክቀትል፡ ንብረት ህዝቢ ክምንዝዕ፡ ፍትሒ ዝጠልብ ሕቶን ርእይቶን ክዕፍን፡ ብሓለንጊ ጥሜት ክገርፍ፡ ኩሉ ናትካ ኣገልግሎት ድማ ነቲ ህዝብኻ ዝረግጽ ዘሎ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዘህጥርን ብቀጥታ ሕሰም ህዝብኻ ዘጋድድን ስለዝኾነ ከብቅዕ ኣለዎ። ዘይምሕር ዱላን መቁሕን ህግደፍ ክሳብ ዝዓልበካ ኣይትጸበ፡ ተባዕ ስጉምቲ ውሰድ፡ በጃ ህዝብኻ ሕለፍ። ንሱ’ዩ ክቡርን ዘይበርስን ህያብ። በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ እንከሎ ዘራይ እንተሓቲትካ ግን ዓገብ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ስለያ፡ ፖሊስን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡

ተዋሂብኩም ዘሎ መዓርግን ተሓንጊጥኩሞ ዘለኹም ብረትን፡ ድሕነት ህዝብኹምን ልኡላውነት ሃገርኩምን ዘረጋግጽ እንተዝኸውን፡ ሎምን ጽባሕን ዝዓበየ ምስጋናን ኣኽብሮትን ምረኸብኩም። ኣብ ተግባር ግን፡ ብጥቅሚ፡ ብፍርሒ ወይ’ውን ብምድንጋር፡ ናይ ስርዓት ህግደፍ የማናይ ኢድ ብምዃን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብኹም ይቅረ ዘይብሃሎ ገበናት ትፍጽሙ ኣለኹም። ስርዓት ህግደፍ፡ ነቶም ፍትሕን ሰላምን ይንገስ ኢሎም ሕቶ ዘልዓሉ ዜጋታት፡ ከም ከድዓትን ገበነኛታትን ብምቁጻር፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ገሃነብ ክትሕይርዎም፡ ክትቅንጽልዎም፡ ብኣረሜንነት ክትቅጥቅጥዎም፡ ሰብኣዊ ክብሮም ክትግህስዎ፡ ንብረቶም ክትራስይዎ፡ ስድራቤታት ክትበታትኑ፡ ዘይውዓልዎ ገበን ብመግረፍቲ ንኽኣምኑ ከተገድድዎም፡ ጉቦ ተቀቢልኩም ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ከተካይዱ መዓልታዊ ስራሕኩም ኮይኑ’ሎ። ጽዩፍ ተግባራትኩም ግን ይንዋሕ ይሕጸር ገደብ ከምዝህልዎን ኣብ ጸሊም ታሪኽ መዝገብ ኤርትራ ክሰፍርን’ዩ። ኣብ ክንዲ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ንምሕጻርን ፍትሒ ንምንጋስን ትቃለሱ፡ ምርጫኹም ህግደፍ ወይ ሞት ኮይኑ’ሎ፡፡ ንስድራቤትኩም ግን ንዘልኣለም ደም ትተኽልሎም ኣለኹም። መሬት ምስ ወግሐ፡ እቲ ብደምን ስቃይን ንጹሃት ኤርትራውያን ዘጥረኹሞ ቀዋምን ተንቀሳቀስን ንብረት፡ ክተፍኣኩም እምበር ኣይዋሓሰኩምን’ዩ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ስለያ፡ ፖሊስን ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡

ኣረሜናዊ ተግባራትኩም፡ ካብቶም ቅድሚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ኣእጋሮም ኣንቢሮም ዝገዝኡ ባዕዳውያን ዝኸፍአ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ክሳብ ዘሎ፡ ደም ንጹሃት ኤርትራውያን እናኣጉሳዕኩምን ግንዖታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ እናተቀበልኩምን ትነብሩ ኣለኹም። ሰይጣናዊ ክእለትን ብልሕን ናትኩም፡ ኣብ ክንዲ ንተንኮላት ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኽሽሕ፡ ንውሕስነት ኤርትራ ዘረጋግጽ፡ ህዝብኹም ትሃድኑ፡ ብምስጢርን ብስምን ኤርትራውያን ትቀትሉ፡ ጸልማት ተጎልቢብኩም ትጨውዩ ኣለኹም። ኣብ ልዕሊ ኣካለ ስንኩላን ሓርነት ማይ-ሓባር፡ ጉጅለ 15፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ካልእ ብሕቡእ ዝተፈጸመን ዝቅጽል ዘሎን ባርባራዊ ቅትለት፡ ማእሰርትን፡ ተግበርቱ ንስኹም ኢኹም፡ እቶም ብኣፍኩም ኤርትራውያን ኢና ትብሉ። ወዮ ድኣ ብስስዐን ድንቁርናን ኣእዛንኩም ጸሚሙ፡ ኣዒንትኹም ዓዊሩን ሓንጎልኩም ተደፊኑን እምበር፡ ህዝቢ ኤርትራ’ኮ ብሰንክኹም ይጸንት፡ ይስደድን ብኽቱር ጓሂ ይኹምተርን’ዩ ዘሎ፡፡ እቲ ኣዕጽምትን ደምን ስዉኣት ዝወደቆ መሬት ኤርትራ፡ ህግደፍ ብኢደዋኒኑ ክሸጦን ክልውጦን ይርአ’ሎ። ህግደፍ፡ ስድራቤት ስውኣት ምጥላም ሓሊፉ፡ ንመሐለዊ ስልጣኑን መኻዕበቲ ሃብቱን፡ መቃብር ስውኣት ክፍሕርን ብኣዕጽምቶም ክዋገን ዓይኑ ኣይሓስን’ዩ። ዝሓለፈ ይኣክል፡ ካብ ድቃስና ንበራበር፡ ብዛዕባ ጽባሕ ንሕሰብ ኢልኩም ኣስተንትኑ። እቲ ከም ክቡር ሞያ ጌርኩም ትፍጽምዎ ዘለኹም ማእለያ ዘይብሉ ገበናት፡ ነቶም ብድሕሬና ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኢሎም፡ ኣዴታትና ዘንብዑ፡ ህጻናትና ዘዘኽትሙ፡ ኣቦታትና ዘሕዝኑ፡ መንእሰያትና ዘስድዱ ዘለዉ በላዕቲ ሰብ ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ክስቆረኩም ኣለዎ። ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ንጹሃት ኤርትራውያን ንኸተጥፍኡን ከተበሳብሱን እምበር፡ ተመሊሱ ከምዝበልዓኩም ኣይትረስዑ። ኣብ መጻወድያ ህግደፍ ኣቲኹም ኣብ ጎደና ጸልማት ትጓዓዙ ከምዘለኹም ኣስተውዕሉ። ሰብ ኩኑ፡ ልቢ ይሃብኩም፡ ሕልና ይሃልኹም ፡፡

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (12 ሕዳር 2016)

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
6 COMMENTS
  • k.tewolde November 13, 2016

    It is a good call Tsilal,I hope it resonates across the arid planes,rugged mountains,quite creeks,small towns, and shimmering seashores of our homeland.I hope it pierces through the deaf ears of those who have lost their ways.In the meantime,miracle is happening in our midst,the grieved Eritrean people,the one that is going through excruciating pain,torment and suffering of unimaginable magnitude,if somebody is asking why is this happening to us,God is responding, why not.It is a teaching moment,it is character building stage,this adversity is bestowed upon us by the Almighty to mold the person that is going to lead us to that promised land we lost. Apparently,all the sacrifice that was paid during the armed struggle didn’t build the right character,so the lord is asking for more sacrifice to achieve the right one,up to and including crucifixion.His promise,’…I will never forsake you.’

    • k.tewolde November 13, 2016

      My fellow Eritrean brothers and sisters of Muslim and other faith, this has nothing to do with religious message,it is just symbolic.

      • Mohamed November 13, 2016

        Brother it’s understood, you have every right to express your feelings, religious or symbolic.

  • Teclay November 13, 2016

    ኣየ ጽላል!
    Brother,do you know what you are writing or you simply writing for the sake of writing ??? So far ,you don’t know that there is no more EDF??? Whom are you calling EDF ??? Don’t you know there is no internet in Eritrea`????You live in the USA ,and time is precious .Please ,it would be better if you used your time to something else .

  • PH November 13, 2016

    ብርግጽ ኢቲ ጾር ጾር ሰራዊት ኢዩ።ንልዑላውነት ህዝብን መሪየትን ኤሪትራ ንምውሓስ ካብ ማንም ጊዚየ ንላዕሊ ሓላፍነት ክስከም ምስንደሊ ተራ ኣብ ስደት ኢንነብር ከይተፈላለና ኣጆኻ ምስ ንብሎ ሓዲሽ ታሪኽ ክሰርሕ ይኽእል ።እንተዘይኮይኑ መጻወቲ ወኻሩ ህግደፍ በቲ ሓደ፡ መዓንገልቲ ሰብ ሕልሚ ወያንየ በቲ ካልእ ሙኹዋና ኢዩ።

  • Kafil November 13, 2016

    Like Gaddafi of Libya, Iseyas has destroyed the Army as an institution by giving his associates the so-called Generals a free hand to do whatever they want with Warsay. Many are now trying to survive in whatever way they can.
    I don’t think they are ready to remove Filippos and co.

Post a Reply to Mohamed Cancel Reply