Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፡ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ!

ህዝቢ ኤርትራ፡ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ! ኣብ ኣእሙረይ ብዙሕ ሓሳባት ይመጸኒ እሞ ምጥርናፉ ከኣ ይስእን። እዚ’ሞ እንታይ ዘገርም ኮይኑ ዘይ ንኹላትና ኢዩ ትብሉ ትኾኑ ገሌኹም፡ ሓቁ እኮ ኢዩ ኣነ ውን ብፍላይ ኣብ ከምዚ ጽምዋ

ህዝቢ ኤርትራ፡ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ!

ኣብ ኣእሙረይ ብዙሕ ሓሳባት ይመጸኒ እሞ ምጥርናፉ ከኣ ይስእን። እዚ’ሞ እንታይ ዘገርም ኮይኑ ዘይ ንኹላትና ኢዩ ትብሉ ትኾኑ ገሌኹም፡ ሓቁ እኮ ኢዩ ኣነ ውን ብፍላይ ኣብ ከምዚ ጽምዋ ዓይነት ወይ ውን ንበይነይ ጎቦ ኣብ ዝኾንኩሉ ኣዝዩ ብዙሕ ሓሳባት ይመጸኒ እሞ ከመይ ጌረ ኣብ ወረቐት ጠርኒፈ ከምዘቐምጦ’ዩ ሕርብት ዝብለኒ ትብሉ ትኾኑ። ጽቡቕ ኣለኹም ንዓይ ውን ከምኡ ኢዩ ጸገመይ። ኢቲ ዝመጸኩም ሓሳባት ከ ብዛዕባ ምንታይ ኮን ይኸውን ምናልባት ከምዚ ናተይ እንተኾይኑ እቲ ዝተዋህበኩም ርእሲስ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ምሕሳብ ብዛዕባ እታ 24 ዓመተ ልደታ እተብዕል ኣብ ውሽጢ እዚ ክንድዚ ዝኣክል ግዝያት ድማ ቅንጣብ ውን ትኹን ትርአን ሱር በተኻዊ ለውጢ ተምጽእን ሓንቲ ፕሮጀክት ክትሃንጽ ዘይክኣለት ሃገርና ኤርትራ ብዛዕባ ጽቡቕ መጻኢኣ ኣብ ምሕሳብን ምስራሕን ኢኹም ተሕልፍዎ ማለት’ዩ።

ከምቲ ጅግና፡ ውፍይ፡ መስራቲ ህዝባዊ ግምባር ሓርነት ኤርትራ ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ “ኣብ ኤርትራ ልዕልና ሕጊ ነጊሱ ብቅዋም እትምራሕ ሃገር ምህናጽ ካልኦት ስለዝበልዎ ዘይኮና ንብሎን ነተግብሮን ናትና ውራይ ስለዝኾነ ኢዩዝበሎ ኣነ ድማ እንታይ እሞ ካልእ ውራይ ኣለኒ ኮይኑ ኣብዚ ሃገር ንምድሓን ተብተብ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ ግዜ ካልእ ክሓስብ።

ብ ጣዕሚ እየ ዘመስግነኩም ነቶም ድሓን ኣጆኻ ውራይና ድኣ ዳርጋ ኣኺሉ እንድዩ፡ ብሓደ ኮይና ኣብ ባሕቲ መስከረም ንጽምብለሉ ግዜ እኮ ጽባሕ እዩ ፡ ረሲዕናልካ ከኣ’ባ ኣይሰማዕካን ዲኻ ነቲ መምልኢ ባንክታት ዓለም ኮይኑ ዝጸንሐ ትካል ወርቂ ብሻን መኽዘን መሐለዊ ስልጣን ህግደፍ ዝኾነ ኣጽዋርን ክብተን ትብሉኒ ዘለኹም። ኣብ ማእከል ኣስመራ ውን እኮ ክንደይ ስርሒታት ይትግበር ከምዘሎ እሰምዕ ኢየ። ንኣብነት ኣብ’ቲ ሰለይቲ ህግደፍ ሻሂ እንዳ ሰተዩ ክሕልውዎ ዝውዕሉ ጎደናታት ኣስመራ ውን እኮ ንገበናት ኢሳይያስን ገበን መኻፍልቱን ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዝኾኑ ዘቃልዕ ወረቓቕቲ ተጠቒዑ ከምዝውዕል ውን ይከታተል ኢየ።  ክገርመኩም መብዛሕትኡ ግዜ ኣይምሸጥን እየ፡ እዚ ዜና’ዚ ምስ ሰማዕኩ ግና ጸጉረይ ባዕሉ እዩ ዝምሸጥ። ሕጂ ኣጸቢቐ ዘረጋገጽክዎ እንተሎ ሰራውር ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ኣምዑት ህግደፍ ኣትዩ ይብትብቶ ከምዘሎን ህግደፍ መዓልቲ ሞቶም ኣብ ምጽብጻብ ይውዕሉ ከምዘለውን ኢዩ።

ከምዝፍለጥ 1991 ህዝቢ ኤርትራ ብ ዉሑዳት መዳርግቲ ዝርከቦ ዓርሞሽሽ ሰውርኡ ኣቢሉ እቲ ሕጂ ዘይከም ዝሓሰቦ ስማዊ ኮይኑ ዘሎ ናጽነት ተጎናጺፉ ኢዩ። በሉ እስኪ እታ ንነብሰይ ኩሉ ግዜ ዝሓታ’ሞ ባዕለይ ከኣ መልሲ ክረኽበላ ዝፍትን እየ ከዕልለኩም። ግዜ እንተሃልዩኩምስ ቁሩብ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ዶ ክንዝክር? ብ1991 ክንደይ ካብ ሚኢቲ ኢና ኣብ ኤርትራ ውልቀ ምልኪ ክነግስ ይኽእል ኢዩ ኢልና ዝሓሰብና?

መብዛሕትኹም ኣይፋል እዚ ከምዚ ዓይነት ጥርጠራ ጽዩፍን ዘይሕሰብን ኮይኑ ይርኤ ከምዝነበረን እታ ውልዶ ኤርትራ ብ ናይ ፍርቂ ዘበን ቃልሲ ናጽነታ ዝተጎናጸፈት እዚ ሕጂ ዘሎ ቦኽሪ መራሒኣ ውጹእ ውልቀመላኺ ክኸውን ይኽእል ኢዩ ዝብል ግምት ኣይነበረናን ከምትብሉ ነብሰይ ይነግረኒ ኣሎ።

ውሑዳት ኣመጻጽኣ ኢሰይያስ ዝፈልጡ ገዲፍካ ህዝቢ ኤርትራ ኣብታ ቅድስቲ ሃገሩ ዉልቀ ምልኪ ከጋጥመኒ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ዘይሓሰበሉ ምኽንያት ብዙሕ ኢዩ። ገለ ካብቲ ብዙሕ ንምጥቃስ፥ ህዝብና ውርዙይን ክቡርን ህዝቢ ስለዝኾነ እቲ ካብ ማህጸኑ ዝወጽእ መሪሕነት ውን ከምቲ ራዛ ናየቡኡ ሓዛ ከም ዝብሃል ናይ ህዝቡ ክብርን ርዝነትን ክወስድ ኢዩ ብዝብል፡ ህዝቢ ንመሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ብደጊኡ እምበር ውሽጣዊ ስርርዑን ባህርያቱን ብዘይ ምርዳእ፡ መሪሕነት ህዝባዊ ግምባር ካብ ህዝቢ ምስጢር ብምዕቃብ፡ ህዝቢ ንመታለሊን ጨፍላቕን ባህርያት ኢሳይያስ ብዘይምስትውዓል፡ ህዝቢ ኤርትራ ንህዝባዊ ግምባር ውልቃዊት ውድብ ናይ ኢሰያስ ምዃና ብዘይምግንዛብን ካልእን ኢዮም።

ብዘይጥርጥር 1991 ህዝቢ ኤርትራ ብምልኣት ልቡ  ኢዩ ነቶም መሪቑ ዘፋነዎም ደቁ ተቐቢልዎም። ክንዲ ፍረ ኣድሪ ውን ትኹን ኣብ መሪሕነቱ ጥርጥር ኣይነበሮን። እቶም ምኽንያታት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ጠቒሰዮ ዘለኹ ብዙሓት እኳ እንተኾኑ እቲ ቀንድስ ካብ ክብሪ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ዝብገስ ምበልኩ። ህዝቢ ኤርትራ ክቡር ህዝቢ፡ ተማቒሉ ዝበልዕ፡ ትሓላልዩን ተኸባቢሩን ዝነብር፡ ስስዐ ዘይፈልጥ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ስልጣን ዘይብህግ፡ ምርሓና ኢሉ ቆጽሊ የውድቕ እምበር ኣነ እየ ዝመርሓኩም ወይ ንዓይ ምረጹኒ ዘይብል፡ ንኽመርሕ ዝተመርጸ ድማ ኣይ ኣነስ ከመይ ጌረ ክመርሓኩም ክንደይ ካባይ ዝበልጹ እንዶ’ለዉ በጃኹም ድኣ ካልኦት ካባይ ዝሕሹ ምረጹ ዝብል፡ ዝተብኣሱ ዝዓርቕ፡ ትርጉም ሰላም ዝፈልጥ፡ ብዘይ መንግስቲ ብሰላም ክነብር ዝኽእል፡ ውርዙይ ሃይማኖቱ ዘኽብር ህዝቢ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ባህልን ምክብባርን ዘለዎ ህዝቢ ከመይ ጌሩ እዩ እሞ ነቶም ካብ ማህጸኑ ዝወጹ ደቁ ውልቀ መለኽቲ ክህልውዎም ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ። ከመይ ጌሩ ኢዩ እሞ ክጠልሙኒ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ከመይ ጌሩ እዩ እሞ ንብረት ህዝቢ ክሰርቁ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ከመይ ኣቢሉ ኢዩ እሞ ስልጣን ክስስዑ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ከመይ ኣቢሉ ኢዩ እሞ ህዝቢስ ወላ ይጥፋእ ንዓና ጥራይ ይጥዓመና ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ እሞ ዳስ ሓዘን እንዳርኣዩ ኣብ ጎድኑ ክስዕስዑ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ከመይ ኣቢሉ እዩ እሞ 30 ዓመት ስለዝተቓለስናስ ሃገር ብጀካና ካልእ ክመርሓ ኣይነፍቅድን ክብሉ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ከመይ ጌሩ እዩ እሞ ብጀካ ተጋዳላይ ኣብ ስራሕ መንግስቲ ከም ሓላፊ ክቑጸር ኣይክእልን ኢዩ ክብሉና ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ ክሓስብ፡ ወዘተ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ድኣ ግርህንኡን እምነቱን ካብ ክብሩ እዩ ኔሩ። ስለዚ እንድሕሪ ህዝቢ ኤርትራ ብከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስክዎ ብውርጹጽ ባህልን ምክብባርን ዝናበር ኮይኑ እቶም ካብ ማህጸኑ ዝወጹ እንብሎም ውሑዳት መለኽቲ መራሕቱ  ከ ድኣ ከበይ ስለዝመጹ እዮም ዘይ ባህልናን ክብርናን ህዝቢ ዘጽንቱን ሃገር ናብ ደልሃመት ኣእትዮማ ዘለውን? ምናልባት ዶ እቲ ኣብ ጎቦታት ሳሕል ምእንቲ ፍትሒ ኢሎም ካብ ህዝቢ ዝተኸወልዎ 30 ዓመታት ባህሊን ክብርን ህዝቦም ኣረሲዑ ተፈጥሮ ኣራዊት ኣልቢስዎም ይኸውን?  ወላስ እቶም ኣብ ስልጣን ክመጹ ቀጠልያ መብራህቲ ዝተወልዓሎምስ ቀይሕን ጸሊምን ክፈልዩ ዘይክእሉ ክመርሑኻስ ይትረፍ ክትመርሖም ውን ዘጸግመካ ካብ ምህሮን ልቦናን ስለ ዘብኮሩ ኢዩ? ንነዊሕ ዓመታት ምፍላይ ካብ ህዝቦም ኢዩ ለዊጥዎም ክትብል እኳ ኣየድፍረካን ኢዩ ምኽንያቱ ከመይ ጌሮም ድኣ እቶም ጉጅለ ዓሰርተ ሓሙሽተ ፍትሒ ወይ ሞት ኣድሚጾም፡ ክብርን ልምድን ህዝቦም ጠሊቦም።

እዞም ሕቶታት ንምምላስ ኩሉ ግዜ ምስ ሓሰብኩ ኢየ። ሓንሳብ ሓንሳብ ድማ  ኩሉ ግዜ እኮ ከዳዕ ኣሎ፡ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ደርግ ውን ክንደይ ደቂ ሃገር ንቁንጣሮ ስርናይ ክብሉ ዶ ብረቶም ናብ ህዝብን ፍትሓውያን ተጋደልቲ ኣሕዋቶምን ኣቕኒዖም ይትኩሱ ኣይነበሩን ስለዚ እዞም ሕጂ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኮይኖም ህዝቢ ዘበሳብሱ ዘለዉ ውን ከምቶም ዝሓለፉ ከድዓት እዮም ዝብል መልሲ ይህበሉ።

መግዛእቲ ህግደፍ ‘ኮ በእሞሮና እዩ ዝጅምር።  ኤርትራውያን ከም ፍሉያትን ከማና ከም ዘየለን፡ ንሕና ኣዚና ካብ ኣፍሪቃ ዝበለጽናን እናበልና ንነብስና ከም ነተዓሻሽዋ ጌሩ እዩ ህግደፍ ትዕቢት ምሂሩና ። እስኪ ምስ ከባቢና ነወዳድራ መን ኣላ ኣብቲ ወሪድናዮ ዘለና ደረጃ ምዕባለ፡ጥሜት፡ ሕስረትን ስደትን ዝወረደት ሃገር። ብስራሕ ምኽንያት ኣብ ከባቢና ተዘዋዊረ ኣብ ዝተዓዘብኩሉ ግዝያት ከማና ጌራ ብሕሰም ህዝባ ዝተጠላቐየት ሃገር ኣይረኸብኩን፡ ስለዚ ማዕረ ክንደይ መግዛእቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኣተሓሳስባና ኣትዩ የሳቕየና ከምዘሎ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ህግደፍ ኣብ ኣእምሮና ኣትዩ ስለዘታለለና ከኣ ኢና ንምልክታት ውልቀ ምልኪ ከነለሊ ዘይክኣልና። እስኪ ውልቀ መላኺ ኢሳይያስ ኣብቲ ተጋዳላይ ብንጹህ ልቡ ሕድሪ እናበለ ንፍትሒ ክስዋእ ከሎ ንሱ ከኣ ነዚ ሕጂ ዘተግብሮ ዘሎ እከይ ክሓስብ ዝውዕለላ ዝነበረ ናይ ሳሕል ጉድጓዱ ኮይኑ  ዝገበራ ቃለመጠይቕ ንመልከት። ንሱ ምናልባት ሰውራ ኤርትራ ክዳኸም ይኽእል ይኸውን፡ ወይ ውን ክድፋእ ይኽእል ይኸውን ዓወቱ ግና ናይ ግድን ኢዩ፡ ምኽንያቱ ስርዓት ደርግ ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘይተመርኮሰ ስርዓት ስለዝኾነ ውዒሉ ሓዲሩ ምውዳቑ ኣይተርፎን ኢዩይብል ። ዘገርም ኢዩ፡ ከም መርዚ ተመን ናይ’ዚ ክሓዲ መራሒ ውን መርዙ ኣብ መልሓሱ ኢያ። ሕጂ ውን ንባዕሉ ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘይተመርኮሰ ስርዓት ተኺሉ ህዝቢ ዘሳቒ ዘሎ ድኣ እታ ናይ ሽዑ መደርኡ ናበይ ከዊሉዋ? ንሕና ኢና ዘይነስተውዕለሉ እምበር ንሱስ ወትሩ መዓር ዝጥዕም ዘረባ ብመርዚ ኣቖምጢዑ ኢዩ ዘቕምሰና። በቲ ኮይኑ በቲ ግና ኣብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዘይተመርኮሰ ስርዓቱ ሕጂ ውን ከም ቀዳሞት ገዛእቲ ውዒሉ ሓዲሩ በቲ ዓቃል ግን ከኣ ዘይምሕር ህዝቢ ኤርትራ ክድምሰስ ምዃኑ ከዘኻኽሮ ይደሊ።

ጅግና ደጀን ዓንደ ሕሸል “መንግስቲ ኤርትራ ትኣሲሩ እዩ ዘሎዝበሎ ሓቂ እዩ። ኩሉም እቶም መራሕቲ መንግስቲ ኤርትራ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኮይኖም ንዑ ውጹ ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን ኢና እቲ ዝዘራእኩሞ ፍትሒ በቚሉስ ፍረኡ ኣኺሉ ስለዚ ነቲ ጋሕታን ሰውራ ኤርትራ ዘጎበዞ መንደላይ ተመን ከኣ ኣብታ ነቲ ምእሳርኩምን ስቓይ ህዝቢ ኤርትራን ዘውዓላ  ርእሱ ምስዘበጥናዮስ ኩልፍ ኢሉ ክትብልዎም ዝጽበዩ ዘለው ጀጋኑ ዝበልዎ ይትግበር ኣሎ። ንኣብነት ከምቲ ኣሮን ታደሰ ኣብ ፓልቶክ ዘዘንተዎ ሜጀር ጀነራል ብርሃነ ገረዝጊሄር ንሕና ንፍትሒ ክንስዋእ ኢና ፍልሖ ካብቲ ሬሳና ወጽዮም ግና ነቲ ዓማጺ ክነኽስዎ እዮምዝበሎ ክዝክር ከለኹ እቲ መትከሎም ብህዝቢ ይትግበር ከምዘሎ እዚ ንርእዮ ዘለና ሓቂ ኢዩ።

መንእሰይ ኤርትራ ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ ሂወቱ እንዳ ኣወፈየ እንታይ ጸገም ኣለዎ ድኣ ኢሳይያስ ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢሉ ስልጣን እንተ ኣወፈየ። ንረብሓ ህዝቢ ኢሉ ስለዘይወጸ ድዩ ስልጣን ወይ ሞት ኣድሚጹ? እቶም ንረብሓ ህዝቢ ኢሎም ዝተቓለሱ ውፍያት መራሕቲ ንኸጸልሞም ኢሉ G-15 ዝሰመዮም ሂወቶምን እቲ ዝነብሩዎ ዝነበሩ ስልጣንን ምቾትን ምእንቲ ረብሓ ህዝቢ ኢሎም ኢዮም ኣወፍዮሞ። ንዝያዳ መብርሂ እስከ ንድሕሪት ተመሊስና ንዘክር። ድያብሎስን ጉጅልኡን ከታልሉ ከለዉ ዝብልዎ፡ ህዝባዊ ግምባር ከም ውድብ ፍሉይ፡ ዘይናቱ ዘይደሊ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ሓፋሽ ዝቃለስ፡ ከም ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ስልጣን ኮፍ ክብል ዘይብህግ ውድብ ኢዩ እናበሉ ኣእዛንና ከጽሙሙና። ኣይትዝክሩን ዲኹም እቲ ተልእኽኡ ዘይፍለጥ ድያብሎስ መራሒ ንሕና ከምቶም ኣብ ስልጣን ዝመረቱ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክንከውን ኣይንደልን ኢና ዘቃለሰና ዕላማ ዲሞክራስን ፍትሕን ስለዝኾነ ነዚ መትከል እዚ ድማ ዝቕይሮ የለን እና በለ ከዛንየና። ኣበይ ኣሎ ድኣ እዚ መትከል። ዝብኢ ክሳብ ዝደልዎ ይሕንክስ ከምዝብሃል መንደላይ ተመን ኢሳያስ ከኣ ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ደቂ ህዝቢ ክሳብ ዝኽውል ክሕንክስ ጸኒሑስ እነሀልኩም ደልዲለ ኢየ ኢሉ ኣብ ዝሓሰበሉ ምሕንካሱ ኣብቂዑ ኣብ ቅርዓት ወጺኡ ህዝቢ ማይ እንተ ስኢኑ ናብ ማይ ዘለዎ ቦታ ይኺድ፡ ኣብዚ ሃገር ሕብረ ሰልፋዊ ኣመራርሓ ክህሉ ዝጽበ እንተልዩ ናብ ካልእ ፕላኔት ይኺድ፡ ቅዋም ህዝቢ ቀደም ከይትኣውየሉ ዝሞተ ሰነድ ኢዩ ወዘተ እናበለ ኣብታ ጅግና ስውእ ወዲ ዓሊ ድምጺ ህዝቢ ዘጋውሓላ ስቱድዮ ኢሳይያስ ፍርቶ ኮይኑ ይደርፍ። ንለባም ኣምተሉ ንዓሻ ደርጉሓሉ ከም ዝብሃል እቲ ተንኮሉ ምርዳእ ዝሰኣናዮ ዶ መሲልዎ ይኸውን? እዚ ገለ ካብቲ ዓበይቲ ንዕቀት ህዝቢ ዘንጸባርቕ ባህርያት ድያብሎስ ኢዩ። ከምቲ ቆርበት በጊዕ ተከዲና ናብ ኣባጊዕ ዝተጸምበረት ወኻርያ ነተን ንጹሃት ተንኮል ዘይብለን ኣባጊዕ በብሓደ ኩስትር ትውዕለን ኢሳይያስ ውን ክዳን ጅግንነት ተጎልቢቡ ነቶም ናይ ብሓቂ ደቂ ህዝቢ ልክዕ ከም ወኻርያ በብሓደ ኣጥሂምዎም። እቲ ኣብ ሰናጭሮ ሳሕል ትሓቢኡ ነቶም ቀለም ቀመስን ንቑሓትን ዘጽነቶም ከይኣኽሎስ ኣብ ማእከል ኣስመራ፡ ኣብ ማእከል ህዝቢ ኣትዩ ከኣ ብጅምላ መራሕትና ኣብ ጎዳጉዲ ዒራዒሮ ደቢቑዎም ኣሎ። ሓቂ ብርእሳ እንተቐበርካያ ብእግራ ትቕልቐል ከምዝብሃል ፍትሓውያን ተቓለስቲ ብስም ድሕነት ሰውራ እና ኣመኽነየ ኣብ ሰናጭሮታት ሳሕል ዘጽነቶም፡ ብ ምጉንጻፍ ናጽነት ፍትሖም ከዋዊሉ ከጥፍኦ ዝወጠነ ፍትሖምን ስሞምን እነሆ ሎሚ ደሚቑ፡ ተንኮል ኢሰይያስን ካብ ምህሮን ልቦናን ዘብኮሩ ትሓባበርቱን ድማ ሕብሮም ተደዊኑ ።

ስለዚ ኣስተውዕል ኣታ ብቕንዕናኻ ትፍለጥ ጅግና መንእሰይ ኤርትራ። ሞት ኣብ ኩሉ እያ ዘላ። ኣብ ሳሃራ ሞት ኣላ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ሞት ኣላ፡ ኣብ ድፋዕ ሞት ኣላ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞት ኣላ፡ ኣብ ገዛኻ ዓሶ ሓሚምካ እውን ሞት ኣላ። ስለዚ ሞት ዘይትተርፍ ትዕድልቲ ኩላትና ካብ ኮነት ካብ ዓሶ ሓሚምካ ተኾርሚኻ ትመውት ንምንታይ ነቲ ኩሉ ጸገማትካ ጠንቂ ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ኣሊኻ ታሪኽ ሰሪሕካ ክቡር ሞት ዘይትመውት፡ ብሂወት እንተተሪፍካ ድማ ኣብታ ምጭውቲ ሃገርካ ምስ ህዝብኻ ኮሪዕካ ዘይትነብር። ጅግና ወዲ ዓሊ ነዚ ቅዱስ ዕላማ ክስለፍ ከሎ ሂወትካ ዘድሓንካ መሲሉካ ዘድሓርሓርካ ሎሚ ከ ሂወትካ ኣድሒንካያ ዶ? ንሂወቱ ኣብ ቁምነገር ዘውዕላ እምበር ዘድሕና ወላ ሓደ ከም ዘየለ ሕጊ ተፈጥሮ ተወከስ።

እቶም ኣብ ጎረባብቲን ርሑቕን ቦታታት ዘለኹም ከይሰልከኹም መዋእልኩም ከነዕርፍ ከይበልኩም ነዚ ምልኪ ንምእላይ ሙሉእ ዕድመኹም ዘወፈኹም ጀጋኑ ደቂ ሃገር ምስጋናይ ይብጻሕኩም። ብምቕጻል እዚ ኹሉ መዕቆቢ ስኢኑ ናብ እግሩ ዝመርሖ ሃጽ ዝብል ዘሎ መንእሰይ ወዲብኩም ሓያል ህዝባዊ ውድብ ኣቊምኩም ነዚ ስርዓት ዘይመስሃሊኹም እንታይ ኢዩ? ሳላ ሰውራና ንዓማጺ ኣብ ምእላይ ሃብታም ተመክሮ ኢዩ ዘለና። ኣብ ህዝባዊ ግማባር ዝነበረ ውፉይን ጅግናን መንእሰይ እኮ ኩሉ ብወለንትኡ ዝተሰለፈ ኣይነበረን ኣብቲ ቃልሲ ምስ ኣተወ ኢዩ ትርጉም ረኺቡሉ ዝጸንዐን ጸላኢ ዝጸረገን። ስለዚ ነዚ ተሞክሮ እዚ ንምንታይ ክፍተሽ ዘይተደልየ?

እቶም ብ ኣካል፡ ብንዋት ወይ ውን ብሓሳብ ወላ ሓንቲ ኣበርክቶ ዘይብልኩም ክንስኹም ብኾፍኩም ነቶም ብሂወት፡ ብንዋት ወይ ብሓሳብ ዝቃለሱ ዘለው ውድባት ይኹኑ ኣብ ውድብ ዘይተጠርነፉ ተቓለስቲ ዘቆናጽብ እንታይ ኣለኩም።  እቶም ጀጋኑ ንፍትሒ ሂወቶም እናወፈዩስ ንስኹም ስቕ ምባል ክትስእኑ፡ ሂወቶም እናወፈዩስ ኣጆኹም ምባል ክትስእኑ፡ ሂወቶም እናወፈዩስ ካብ ሚኢቲ ዓሰርተ ሳንቲም ምድርባይ ክትስእኑ። ስለዚ እንተኾነ ምሓገዝኩም ካብኡ ዝተረፈ  ካብ ንዝሰርሕ ክትዕንቅፍ  ምጽዓርሲ ስቕ እንተበልኩም እንታይ ትኾኑ።።

ደረፍትን ገጠምቲን ስነጥበባውያን ሃገርና ከ ኣይምልከተኩምን ድዩ? ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ወኒ ንመንእሰይ ዘልዓዕልን ዘነቓቕሕን ሞራል ዘስንቕን ዝነበረ ጥበብኩም ናበይ ኣበለ? ንመኣስ ኢዩ ክኾነኩም? ከም ብዓል ድምጻዊ ዘርእሰናይ ግርማይን ካልኦትን ትዓጢቕኩም ኣብ ምጽራግ ህግደፍ እንተከተትኩም ኣብታ ጽባሕ ንጉሆ እትመጽእ ፍትሒ ርእስኹም ካብ ምድናን ዶ ኣይምሓሸኩምን?

እቶም ንህዝብን ስድራቤትኩምን ዘምሓድር ክእለት እና ወነንኩም ኣብ ምእላይ ስድራቤትኩም ጥራይ ተውዕልዎ ዘለኹም ምሁራን ሰብ ጸጋ፡ እዚ ሕጂ ካብ ገዛ ንስራሕኩም ካብ ስራሕኩም ድማ ንገዛኹም እንዳኸድኩም ተባኽንዎ ዘለኹም ክእለትኩም ሲ ንምምሃርን ምምራሕን ስድራቤትኩምን ህዝብኹምን እንተተውዕልዎስ ዕድመኹም ምስ ኣኸለ ካብቲ ዘይተርፍ ጣዕሳኹም ምድሓንኩም።

ብዓቢኡ ህዝቢ ኤርትራ ከ እንታይ ትጽበ ኣለኻ? ክሳብ እታ ጀጋኑ ሰማእታት ከፊልና ዝሰቐልናያ ባንዴራ ትወርድ ድዩ ወላስ እንታይ። ኣብ ሓምሳታት እኮ ስርዓት ሃይለስላሰ ብሓደ ግዜ ኣይኮነን ነታ ሰመያዊት ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዱዋ ልክዕ ከምዚ ሕጂ ንሃገራዊ ክብርና ከም ፍግረ መሬት ዝብሕጉጎ ዘሎ  ከምኡ ኢዩ ጌሩ እቲ ናይ ሓምሳታት ድያብሎስ ሃይለስላሰ ውን። ኣብ ሓምሳታት ውሑዳት ንቑሓት ኤርትራውያን ኡይ እና በሉ ሃገር ተዘምተት ይብሉ ኔሮም። ዝበዝሕ ህዝቢ ግና ኣቃልቦ ይገብረሎም ኣይነበረን። ህዝቢ ከ ድኣ ምኣስ ተረድኦ? ህዝቢ ድኣ ባንዴራ ካብ ናይ ክብሪ ቦትኣ ምስ ወረደት፡ ቋንቋ ትግርኛን ዓረብን ብ ኣምሓርኛ ምስ ተተክኤ፡ ካልእ ቋንቛ ዝዛረቡ ሰራዊት ምስ መጹ፡ በቃ እዚ እዩ። ሕጂ ውን ከምኡ እዩ ዝፍለ የብሉን ኢሳይያስ ድያብሎስ ድማ ከም ፍግረ መሬት በብሓንቲ ጸጸር ክብሕጉጎ ዝጸንሔ ስለዘየስተውዓልናሉን ንሙሁራትን ለባማትን ደቀባት ኤርትራ ስለዘይ ሰማዕናዮምን በብሓደ ሰብ ውሓደ ከም ዝብሃል በብሓደ ሓንጎል ህዝቢዝኾኑ በላሕቲ እንዳጽነተ ስቕ ስለዝበልናዮን ኣብቲ ናይ መወዳእታ መልክዕ ዕዮ ናይ ኣቦሓጉኡ ኣብጽሒዎ ይርከብ። እንታይ ተሪፉ ኩሉ ኣጻፊፉ። ኣፈርክቡ ከይነርክብ፡ ዝገበርና ጌርና ድማ ሃገርና ከይነናግፍ ንኤርትራ ኣጽዋር ከምዘይትሽምት ጌሩ ንዝበልዕ ኣራዊት ከም በጊዕ ኣብ ገረብ ኣሲሩዋ ይርከብ ስለዚ እዛ ከም ገንሸል ትኣሲራ በላዒኣ ትጽበ ዘላ ሃገርካ ተጓዪኻ እቲ ኣራዊት ከይበትበታ ፍትሓያ። ።  ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ሃገር እተድሕነሉ ግዝየ ይጽንቀቕ ኣሎ ስለዚ በትሪ ኣብ ኢድካ ተመን ኣብ እግርኻ ከሎ እንታይ ምኽሪ ደሊኻ።

እቲ ፈቲና ጸሊእና ጽባሕ ንጉሆ ምምጽኡ ዘይተርፎ ፍትሒ  ይንገስ ምልኪ ይፍረስ!

ካብ ሓሚስ

ዕለት፡05/04/2015

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
29 COMMENTS
  • Gebriela gaul HazHaz April 9, 2015

    Eritrea, fruitless struggle for meaningless so-called independence, what a hopeless nation.

    My question to all so called opposition figures, do we have to go to bloody civil wars to get ‘Democracy’?
    Can we accept a local ‘dictatorship’ as stepping stone to democracy? Even the Greeks who invented the system thousands years ago have to go through several dictatorships from Alexander the Great to Georgios Papadopoulos 1967 – 1974.
    A good picture is worth a thousand words. However, the above picture of Issayas and the snake is worthless and meaningless as Issayas alone is not the main problem of Eritrea and Eritreans.

    • Alem K April 10, 2015

      It is the divide and rule principal of tyrants and dictators create a fertile ground for religious fanatics , political extremists and anarchists which brings a nation into strife and conflict and endless killing. That is why we are witnessing teenagers armed with sophisticated military hardware’s creating a havoc in Yemen, Somalia, Libya, Iraq, and Egypt. The conflict in this nations didn’t happen because of the revolution but rather because of the deep rooted division among the ethnic groups and religions cultivated by the tyrants and criminal dictators. In our Eritrea the criminal murderer ISAYAS AFEWORKI is making sure that at the end of his tyranny that Eritrea falls into abyss and a failed state. That is why the criminal tyrant ISAYAS AFEWORKI is so obsessed on converting our Eritrea into a military state and molding our 16 and 17 years old immature teenagers into a military robots.
      My dear Gabriela to answer your question tyranny and dictatorship is not like cold or flu viral infection which should go through its course so we feel better but rather like a deadly and crippling viral infection which needs to be dealt with swiftly and at the earliest stage.

  • rahwa April 9, 2015

    Those of you bad-mouthing our Ghedli, what are you complaining about? Is it our independence that makes you so sick? If so you will have to live with that. We fought and removed our enemy out of our country. We won because that is what we set out to do. We chose be Eritrean nationals instead of Ethiopians. We as Eritreans we are responsible for what evil is happening right now in our beloved country. If you have Eritrea’s good will at heart do something about that now instead of complaining about Shabia, Jebha and Ghedli. Despite the sacrifices we made back then we will always be proud of our achievement and we will always be proud of who we are. Remember, this too will pass haters. If you are not Eritreans, however, stop putting salt on our wounds. Dr. Rezen have you started manufacturing commentators who hate Eritrea and Eritreans? I salute you for your effort. But don’t you forget that this too will pass. Have some self-respect!

    • AHMED SALEH April 9, 2015

      Rahwa
      Eritreans problem starts from refusing to accept responsibility on
      failing our patriots who challenged the leadership from day one
      after independence . We preferred to enjoy independence sadly
      by disregarding the ones left behind in Sahel prisons dungeons
      of Ghedli era , those who protested in Asmera including disabled
      Tegadelti unnecessary killings .
      Now to cry foul like innocent kids after conveying injustices for long time doesn’t free us from the blame particularly those educated and knowledgeable nationals .

  • Dahlak April 9, 2015

    A Western scholar once said, “For every generation, the previous generation makes it (life) easier”. The Eritrean revolution was primarily about the Eritrean people. However, the very generation that paid high sacrifices to save the Eritrean people and ensure the Eritrean independence failed to make life easier for the new generation.
    What had happened? We fought to save the people in order to save the land in the face of “Ethiopia wants the land and not the people of Eritrea”. And now, we have to save the people in order to save the land in the face of “Isaias wants the power and not the people of Eritrea”.
    In the end one has to ask a serious question and that is WHY is it ALL never want the people of Eritrea????

    • sista April 11, 2015

      because they are NOT eritreans and evil.

  • Thanks a lot Hamis for your detailed and clear contribution.
    Allow me also to thank you Gabriela Gual Hazhaz, Rahwa, Ahmed Saleh, and Dahlak for just boldly spitting out what you feel. I think it is good if we accommodate each other so that this stage is constructively used for the benefit of the Eritrean People and rule of law.

    To give my views truly I commend Hamis for his observation and recommendations on the way to deliver ourselves from the conundrum we are in.

    We are missing our opportunity if we don’t decide once and for all to rise up together and say no to dictatorship and traitors. Let us see the different stages that the EPLF and PFDJ has passed through history is repeating its course.

    Let us respect each other and share our views and encourage every one to come out and forward their ideas without any doubt so that we can finally come to a unanimous conclusion and enhance the demise of Isaiyas and his stooges.

  • Truly Truly i say to you April 10, 2015

    ኦ ሕዝቢ ኤርትራ! ናይ ብሓቂ ክትሓዊ፣ ካብ ስድት፣ ስቃይ፣ጥምየት፣ ውግእን ወረ ውግእን ክትሓዊ ትደልይ ዲኻ?
    እምበኣርከስ በዛ ፍልይቲ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን እየሱስ ክርስቶስ ስለ ሃጥያትናን በደልናን ተሰቂሉ ብሣልሳይ መዓልቲ ንሞት ሲእሩ ንዝተንሰላ ናይ ፋሲካ ኣውደ ዓመት ኣብነብዕለሉ ዕዋን፣ ነዛ ናይ ኢሳያስ ምስ ተመን ተከቢቡ ዝቀረበት ስእሊ ምስተኣዘብኩ፣ ብደይ ምክንያት ኣብ ዕለት ፋሲካ ክትቀርብ ከምዘይከኣለት ስልዝተገልጽለይ፣ ካብዚ ቀጺሉ ብዘቅርበልኮም ቃል ኣምላኽ ነቲ ናይ ሕማምና ፈውሲ ዝርከበሉ ሚስጥር ንክበርሃልኩም ይህግዝ ኢለ ስልዝኣመንኩ ከካፍለኩም ኣፍቅዱለይ።
    ኣብ ኦርት ዘሁልቚ ምበል 21 ምዕራፍ ካብ ፍቅዲ 4-8 ቃል ህያው እግዚኣብሔር ከምዚ ይብል፦
    ” ካብ ከረን ሆር ንምድሪ ኣኤዶም ኪዞሩ ንባሕሪ ኤርትራ ኣቢሎም ተጓዕዙ፡ ነፍሲ እቲ ህዝቢ ኸአ ብመገዲ ዓቕሊ ኣጸበበት እቲ ህዝቢ ድማ፡ ኣብዚ እንጌራ የልቦን፡ ማይ ድማ የልቦን ነዚ ፈኩሽ እንጌራ ኸአ ነፍስና መንያቶ እያ እሞ፡ ኣብ በረኻ ኽንመውትከ ስለምንታይ ካብ ግብጺ ኣደየብኩምና፡ ኢሎም ኣብ ኣምላኽን ኣብ ሙሴን ተዛረቡ። እግዚኣብሄር ከአ ዚነዱ ኣትማን ናብ ህዝቢ ሰደደ። ነቲ ህዝቢ ድማ ነኽስዎ፡ ካብ እስራኤል ከአ ብዙሕ ህዝቢ ሞተ። ሽዑ እቶም ህዝቢ ናብ ሙሴ መጺኦም፡ ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሌኻን ብምዝራብና ሓጢኣት ገበርና፡ ነዞም ኣትማት ኬርሕቐልና ንእግዚኣብሄር ለምነልና በሉ። ሙሴ ድማ ምእንቲ እቲ ህዝቢ ለመነ። እግዚኣብሄር ከአ ሙሴ፡ ዚነዽ ተመን ገበረ፡ ኣብ ባለውን ሰቐሎ። ኮነ ኸአ፡ ገለ ተመን ንሰብ እንተ ነኸሰ፡ ናብቲ ተመን ኣስራዚ ምስ ዝጥምት ይሓዊ ነበረ።”
    እምበኣርከስ ኣብ ውግእ ባድመ፣ ኣብ ላምፓዱዛ፣በብዕለቱ ብዘይ ፍትሕን ሕግን ብሕግደፍ መንደፍ ኣትማናት ስለዝተንከስካ ዝሓመምካ ውጽእ ሕዝቢ ኤርትራ ንክትፍወስ ተደሊካ፣ ከምቲ ሙሴ ዝገበሮ “ነቲ ዝነክሰካ ዘሎ መንደላይ ተመን ኣብ ክተማ ኣስመራ ኣብ ባላ ስቀሎሞ፣ ሽኡ እቲ ዝተነከሰ ዘበለ ኩሉ ምስ ዝርእዮ ክሓዊ´ዩ እዩ ዝብለና ዘሎ።
    እዚ ነነፍሱ ኣምላኽ ዝገበረ ሸይጣን፣ ካም ኣምላኽ ብሳልስቱ እንተተሰዕ ዳሕራይ ክንርእይ ኢና።

  • fthawi April 10, 2015

    ታሪክ ሂወቱ ክገልጽ ትብዓት ዘይብሉ መራሒ ህዝቢ ከማሓድር ኣይክእልን እዩ
    ግን ንሕና`ውን ዓሽና ኢና አብ ደንቤካ ትሕድሮ ሓላፍ መንገዲ እኮ መንነቱ ትሓቶ ግደፎ ሃገር ዝመርሕ ።

    • Kilo April 10, 2015

      ንሕና`ውን ዓሽና ኢና አብ ደንቤካ ትሕድሮ ሓላፍ መንገዲ እኮ መንነቱ ትሓቶ ግደፎ ሃገር ዝመርሕ ።

      fthawi

      You said it all, you are right brother. We need to take our share of the blame.

  • fthawi April 10, 2015

    ደቂ ጾሞቅቲ ስዋ ታሪኽ ሰሪሖም አብ ኤርትራ
    ደቀባት ኣጥፊኦም ሃገርና ወሪሶሙና

  • Estifo.K April 10, 2015

    Given that this is the 21st century, where nations are fiercely competing at a breakneck pace to find their place in an increasingly globalized world, if Eritreans miss the boat now, we might never be able to catch up. So time to move on to the future and join the big family of the world in a competative world of today and the past of good, bad or ugly should all be left to the future writers of history.

  • tewolde April 10, 2015

    እቲ ዲክታክቶር ቀደም ዝመስረቶ ምጽናት ኤርትራዊ ይቅጽል ኣሎ ኣነ ዝገርመኒ ናይቶም ንፍትሒ ቖይምና ዝብሉ መናፍቓን ተቃወምጢ ወረዳነት ኣዉራጃነት ክፍሕትሩ ዝዉዕሉ ዘለዎ ብተዘዋዋሪ ልኡካት ኢሰያስ ጥራይ እየ ክብሎም ዝደሊ ምስጢር ዓወትና ሓድነት እምበር ሕሱር ወርዳዊ እውራጃዊ ሃይማኖታውን ምሽሙሽ ፍልስፍና ኣይኮነን ፡፡

Post a Reply to kiktkat Cancel Reply