Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፡ ናይ ሕልና እሱር’ዩ

ኣብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራ ብሳላ ዘለዋ ሰላም፡ ምጣነ ሞት ህጻናትን ኣዴታት፡ ለበዳ ዓሶን ካልኦት ተላባዕቲ ሕማማትን ንምቁጽጻር ከምዝተኻእለን፡ ኤርትራ ድማ ብመለክዒታት ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገባ ሃገራት ምዃና

ኣብ ማዕከናት ዜና ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራ ብሳላ ዘለዋ ሰላም፡ ምጣነ ሞት ህጻናትን ኣዴታት፡ ለበዳ ዓሶን ካልኦት ተላባዕቲ ሕማማትን ንምቁጽጻር ከምዝተኻእለን፡ ኤርትራ ድማ ብመለክዒታት ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና፡ ሓንቲ ካብተን ኣብ ዓለምና ዓበይቲ ዓወታት ዘመዝገባ ሃገራት ምዃና ይሕብር። ከምቲ “ዕዉር እንታይ ትደሊ ብርሃን ነጋዳይ እንታይ ትደሊ ሰላም” ዝተባህለ፡ ነቲ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ዝቀርብ ዝተጋነነ በይንኣዊ ዘሕጉስ ዜና፡ “ይበሎ፡ ኣፍኩም ይስዓር” ኢልና ምሓለፍናዮ። ስለምንታይ’ሲ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ካልእ ሕብረተሰብ፡ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ድኽነትን ይሳቀ ስለዘሎ፡ ቁጠባዊ ምዕባለን ምስፋሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይግብኦ’ዩ። እንተኾነ ስርዓት ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ኣዝዩ ወሳንን ኣገዳስን ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ብፍላጥ ክጎስዮን ክሓብኦን’ዩ ዝመርጽ። ንኣብነት እቲ ካብ ፈለማ ኣዋርሕ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ መንጎ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ቀጠር፡ ስዑድያ፡ ግብጽን ቱርክን ዝተራእየ ጽልዋታት ንምስፋሕ፡ ኣብ ስልጣን ንምቅጻልን ሃብቲ ካልኦት ንምዝማትን ዝርአ ዘሎ ቁርቁስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብቤላቤለው እምበር፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ወግዓውን ሓቀኛን መግለጺ ኣይተዋህበን። እዚ ድማ፡ ሕዱር ሕማምን ዘዕበዮን ግዕዙይ ጠባያት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት’ዩ ዘነጽር። ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓረስታይ መሬቱ ክሓርስ ነጋዳይ ክሽቅጥ፡ ብሰላም ወፊሩ ክኣቱ እንተዝፍቀደሉ፡ ካብ ስርዓት ህግደፍ ጉንዖ ኣይምደለየን፡ ናብ ስደት ኣይመምርሐን፡ ጾሙ ኣይምሓደረን።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራ ምስ ኩለን ጎረባብታ ንቡር ፖለቲካዊ ዝምድናን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ክፉት ዶባትን ስለዘይብላ፡ ብእሾኽ ዝተኸበትን ብዝገላበጥ ፖለቲካዊ ቅልውላውን ዝናወጽ ዘሎ ከባቢ ትነብር ሃገር’ያ። ስርዓት ህግደፍ ድማ፡ ልኡላውነት፡ ሃብትን መሬትን ህዝቢ ኤርትራ ንባዕዳውያን እናመጠወን ኣምሳያኡ ቢልዮናት ዶላርን መህደኒ ህዝቢ ኤርትራ ዝኸውን ኣጽዋርን መሳርሒ ስለያን እናተቀበለ፡ ቀንዲ ተለኣኣኺ ናይተን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ሃገራዊ ረብሓታተን ንምሕላው ዝጓየያ ዘለዋ፡ ሃገራት ግብጺ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑድያን ኮይኑ’ሎ። ስርዓት ህግደፍ፡ ብትዕቢትን ምስሉይን ዝተላዕጠጠ ኣካይዳ ስለዝኽተልን ዘጥዕመሉን ዘኽፍኣሉን ስለዘይፈልጥን፡ ሎሚ ንሓንቲ ሃገር ክጸርፍ ከይደንጎየን ከይሓፈረን “ዘባኣስ የብልናን” ኢሉ ክውድስ ጸገም የብሉን። ንኣብነት፡ ብ23 መጋቢት 2018፡ ስርዓት ህግደፍ ነታ ትኽ ትንፋሱን ሚልዮናት ዶላራት ትምጥወሉ ዝነበረትን ቀጠር፡ “ሰማዕን ተዓዛብን ምእንቲ ከስተብህለሉ ጸጸኒሕካ ሓቅታት ምንጋር ኣይጽላእን’ዩ” ብምባል ንመንግስቲ ቀጠር ዘነኣእስን ዝዝልፍን መግለጺ ኣቅሪቡ። ስርዓት ህግደፍ፡ ክጥዕመካ ብኢድካ ክሓስመካ ብማንካ ፖሊሲ ስለዝኽተል፡ ምስ ጸላኢየይ ዝብሎ ክፋቀርን ምስ ፈታዊየይ ዝብሎ ክብኣስን፡ ግዜ ኣይወስደሉን ምኽንያት’ውን ኣይደልየሉን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ዶላራት ምስወድአ ጅብኡ ዝመልኣሉ መንግስቲ ወይ ትካል እንተረኺቡ፡ ምስ ዝኾነ ሓላፍ መንገዲ ክመሓዞ ሰገጥ ኣይብልን’ዩ። እተን ምስ ስርዓት ህግደፍ ስልታዊ ሽርክነት መስሪተን ወይ ተቀሓሒረን ዘለዋ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ክጽረፋን ክንኣዳን ዝጸንሓ ኢየን። እዘን ሃገራት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ርጉእ ኣእምሮን መወቀፍን ከምዘይብሉ ኣዳዕዲዐን ስለዝፈልጣ፡ በትሪ ሂበን ኣብቲ ንረብሓታተን ዝሳወር ሓዊ ክጥበስን ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ክጉሕጉሓን ጥራሕ’የን ሕግብግብ ዝብላን ዘይቅዱስ ውዕላት ዝፍርማ ዘለዋን።

ብሰሪ ቀይናን ሜላታትን ስጊንጥር ባህርያትን ስርዓት ህግደፍ፡ ኤርትራ፡ ካብተን ዝዳወብኣ ሃገራት ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ጁቡቲ፡ የመን ከብድን ሕቆን ስለዝኾነት፡ ብቀረባን ብዝቀለለን ናይ እንካን ሃባን ንግዳዊ ልውውጥ ከተካይድ ኣይትኽእልን’ያ። ተሰካሚ ናይቲ ስርዓት ህግደፍ ዕምሩ ከናውሕ ዝካየድ ዘሎ ዕንደራ ድማ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ፈትዩ ጸሊኡ፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት እንተፈጺምካን ኣብ ህግደፍ ዘዳለዎ ኣኼባታትን ጓይላታትን እንተተሳቲፍካን ጥራይ ብመቁነን ዝዕደልን ብህግደፍ ዝውነና ቁጠባዊ ትካላትን ተመጽዋቲ ኮይኑ’ሎ። ሎሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚ ዝኣገረ ብጥሜትን ስእነትን’ዩ ዝጣራዕ ዘሎ። ዋላ እቲ ርኹብ ዝብሃል ዜጋ’ውን፡ ካብቲ ርሂጹ ዘጥረዮን ኣብ ባንኪ ዘቀመጦን ገንዘቡ፡ ኣብ ወርሒ ልዕሊ 5 ሽሕ ናቅፋ ከውጽእ ስለዘይፍቀደሉ፡ ንግዳዊ ትካሉ ከንቀሳቅስን ወጻኢታቱ ክሽፍንን ኣይክእልን’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብስርዓት ህግደፍ ስለዝህደንን ናብ መሬቱ ክኣቱ ብዙሕ ዘይምኽኑይ ዕንቅፋታት ስለዘጋጥሞን፡ ኣብ ስደት ክስርትን ጸጋታቱ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ከዋፍርን ይቅሰብ ኣሎ። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ፡ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃን ካልእ ኩርናዓት ዓለምን ተሰዲዱ ዘሎ ክኢላዊ ዓቅሚ፡ ዝዋፈር ገንዘብን ንብረትን፡ ኣብ ምምሕያሽ መነባብሮ ህዝብና ልዑል እጃም ከምዘበርክት ንምግማቱ ኣየጸግምን። ኣብ ኤርትራ፡ ብዘይ ፍርድን ገበንን ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝበሊ፡ ንግዳዊ ትካሉ ዝዕሸግ፡ መሬቱን ንብረቱን ዝምንዛዕ፡ ክስደድን ናብ ሃገሩ ከይምለስ ዝኽልከልን ህዝቢ’ዩ ዘሎ። ኣብ ኤርትራ፡ ብቁዕን ስሉጥን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ከም ከም መሰል ጥሮታ፡ ስንክልና፡ ሕርስን ጥንስን፡ ቀለብ ቆልዓን ስለዘየለ፡ ህዝቢ ኤርትራ ነብሱ ጥራይ ዘይኮነ ተኣሲሩ ዘሎ፡ ሓንጎሉ፡ ንብረቱን ገንዘቡን’ውን ጅሆ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ’ዩ።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 25 መጋቢት 2018

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • k.tewolde March 25, 2018

    A relative who just visited home and painted a grim picture of the situation there pleads with me, ” why don’t you visit and get a whiff of the missed fresh air and come back..” I almost chocked on the American coffee I was sipping and ……a Kodak moment ensues. Indeed Tsilal, A prisoner of his/her own conscience

    • AHMED SALEH !!! March 25, 2018

      Unfortunately the country became a hostage of selfishness , fear and silence
      that failed our people’s expectations . Eritrea needs a young generation like
      high school students movement we watched yesterday to awake the dormant
      conscience .
      K.Tewolde
      People who are blind by choice and refused to hear might prefer to reject truth
      and pure facts inside our homeland because they know better about the whole circumstances inside the country but as you know – $$$$$$$$$$$$$$$$$$$-
      is the source of EVIL .
      Let them have fun if it truly satisfy their soul and let them know that you rather
      stay as your brothers keeper than become a sold out puppet .
      DO THEY CARE ABOUT THE FATE OF OUR YOUNG GENERATION ?
      DOES THEY CARE ABOUT THOSE CONDEMNED TO ROT IN HGDF’S PRISONS ALL
      OVER THE COUNTRY ?

      • k.tewolde March 25, 2018

        Yes Ahmed,it is a mind set which defies logic,its rudiments molded in defunct families and packaged by indoctrination and distributed everywhere including diaspora from where the bloodsucking regime draws its core sustenance.

  • Danilo March 25, 2018

    ህዝቢ ኤርትራ ፡ብርግጽ ናይ ሕልና ኡሱር ካብ ኮነ እንታይ ይገበር? ትሓይርካ ምንባር መቸም፡ ጽድቂ ድዩ መርገም፡ፍጹም ዘይምለስ ሑቶ ኣብ ዝኾነሉ’ኸ? ደጊምና-ደጋጊምና ክንሓትትን ክንምልስን እዋኑ እዩ ምበልኩ።

  • Grar March 26, 2018

    The JanJawid in Sudan obey Europe and terrorize civilians on the borders with Eritrea

    Cornelia I. Toelgyes Rov, Special for Africa ExPress
    Quartu Sant’Elena, March 24, 2018

    Residents and leaders of the state of Kassala, in Sudan, are tired of the presence of the Rapid Support Forces (the new name given to the janjawids), and have again asked the government to withdraw as soon as possible. The umpteenth request was sent to Khartoum after the arrival in the homonymous capital of Mohamed Hamdan ‘Hemeti’, commander of the RSF, for an inspection.

    Abdallah Musa , a civilian leader of the area, told reporters from Radio Dabanga, a well-informed broadcaster that broadcasts Europe, that since their arrival, paramilitaries have started killing residents during attacks on local communities. “They are the nightmare of our people, they cause panic everywhere, under the guise of involvement in illicit trafficking and trafficking in human beings,” Abdallah said.

    In addition to the fearsome Janjawids , a contingent from the central police force reserve has also been present in Kassala since early February . …

Post a Reply to Grar Cancel Reply