Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ፣ ለውጢ ስርዓት ደኣምበር ለውጢ ምስለኔታት ኣይኮነን ዘድልዮ ዘሎ

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ፍራንክፈርት ቀጺሉ ድማ ኣብ ናይሮቢ “ተቓወምቲ ውድባት ንምቅርራብ” ብዝብል ምኽንያት ብመድረኽ ዝተበገሱ ክልተ ምስጢራውያን ኣኼባታት ድሕሪ ምክያዶም፣ መድረኽ “ከምዚ ዝበሉዎ ዓወት የለን፣ ተዓዊትና!” ኢሎም፣ ስዋኣ ከምዝመቀረላ ብዓልቲ ውራይ በብዝረኸቡዎ ማይክሮፎን

ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ፍራንክፈርት ቀጺሉ ድማ ኣብ ናይሮቢ “ተቓወምቲ ውድባት ንምቅርራብ” ብዝብል ምኽንያት ብመድረኽ ዝተበገሱ ክልተ ምስጢራውያን ኣኼባታት ድሕሪ ምክያዶም፣ መድረኽ “ከምዚ ዝበሉዎ ዓወት የለን፣ ተዓዊትና!” ኢሎም፣ ስዋኣ ከምዝመቀረላ ብዓልቲ ውራይ በብዝረኸቡዎ ማይክሮፎን ክእንተቱ ቀንዮም ኣለዉ።

እቲ ምስሌኔ ንምስሌነ ተራኺቦም ዘካየዱዎ ድግስ፣ ንዓኣቶም ኮነ ንመወልቶም ዓወት ክኸውን ይኽእል እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ግን ፋይዳ የብሉን። ፋይዳ-ኣልቦነቱ ቅድሚ ምትንታና ግን፣ እቲ “ዓወት” ብኣተሓሳስባኦም እንታይ ምንባሩ ንመልክት።

1ይ – ብናቶም ኣገላልጻን መረዳእታን እቲ ቀዳማይ ዓወት፣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ተራኺቦም ዘይፈልጡ ብዓል መስፍን ሓጎስ፣ ዓንደብርሃን፣ ዶክተር ኣሰፋው ዝኣመሰሉ መራሕቲ ሻዕብያ ምስ ብዓል ሕሩይ ተድላ፣ ሑሰን ከሊፋ፣ ወልደየሱስ ዓማር ዝኣመሰሉ መራሕቲ ጀብሃ ምርኻቦም እዩ።

እንተኾነ፣ እቶም ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝርከቡ መራሕቲ ሻዕብያን ጀብሃን፣ ተራኺቦም ደኣ ቁምነገር ኣይገበሩን እምበር፣ ክራኸቡስ ሎሚ ፋልማዮም ኣይኮነን።

ሰብ ብርኪ መድረኽ፣ ገሊኦም ክሳብ ቀረባ ዓመታት ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ዘንጊዖም ስለዝጸንሑ፣ ገሊኦም ‘ውን ሰልክዩዎም ካብ ተቓውሞ ግልል ኢሎም ምንቅስቓስ ሓፋሽ ተጓሃሂሩ ጽፍሒ ሰድያ ክሳብ ዝማምቜሎም፣ ምዓልቲ ጡረታኦም እናጸብጸቡ ኣብ ውልቃዊ ጉዳዮም ኣድሂቦም ስለዝጸንሑ እንተዘይኮይኑ፣ መራሕቲ ጀብሃን ሻዕብያን ኣብ ሓደ ጠሬጴዛ ኮፍ ካብ ምባልን ምዝርራብን ንላዕሊ፣ ‘ኪዳን’ ዝብሃል ሓደ ግሩም ስም ዘለዎ ጽላል መስሪቶም ካብ ዝነጥፉ ሓያለ ዓመታት ሓሊፉ ከምዘሎ ማንም ዝፈልጦ እዩ።

መድረኽ፣ መስፍን ሓጎስን ኣድሓኖም ገብረማርያምን ንነዊሕ ዓመታት ምስቶም ናይ ጀብሃ መራሕቲ ተጸናቢሮም ስለዝጸንሑ ሻዕብያ ምንባሮም ረሲዖሞ እንተዘይኮይኖም፣ እቲ ሓቂ ንሱ እዩ። መስፍን ሓጎስን ወልደሱስ ዓማርን ኣባላት መሪሕነት ናይቲ ኣባላት ጀብሃን ሻዕብያን ዝሓቖፈ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኾኑ ከለዉ፣ ኣድሓኖም ገብረማርያም ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ ናይ ዝተባህለ ኣባላት ሻዕብያን ጀብሃን ናይ ዝሓቍፍ ካልእ ወድብ ኣባል መሪሕነት እዩ።

ብቐንዱ ግን፣ ንመድረኽ ገዲፍካ፣ ሊስታ ተሳተፍቲ ናይቶም ኣብ ኣኼባ ናይሮቢ ዝተራኸቡ መራሕቲ ውድባት ምስ ኣባልነት ኪዳን እተኣወዳዲርካዮ ኣብቲ መዝገብ ድሮ ኣሎ።

እቲ ንተቓወምቲ ውድባት ንፈለማ ኣራኺብናዮም ዝብል ቀዳማይ ኣርእስተ ዜና ‘ዓወት’ መድረኽ እምብኣር ውጹእ ሓሶት እዩ።

2ይ – ብኣኣቶም እቲ ካልኣይ ዓወት እቲ ኣኼባ ኣብ ክንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ምክያዱ እዩ።

ብግብራዊ መለክዒታት ክርአ ኸሎ፣ ብመንጽር ተቓውሞ ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ዘለዋ ብልጫታት ብዙሕ እዩ፣

1ይ – ከምቲ ዝብሉዎ ምስ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ተቓዋሚ ወገን ቀጥታዊ ምትእስሳር ናይ ምግባር ሓሳብን ዓቕምን እንተደኣሃልዩዎም፣ እታ ብቐጥታ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ኢትዮጵያ ዝቐረበትን ዝመችአትን ምዃና

2ይ – መብዛሕትኦም እቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ይኹን ዘይተሳተፉ ተቓወምቲ ውድባት መደበሮም ኣብ ኢትዮጵያ ምዃኑ

3ይ – መንግስቲ ኢትዮጵያ ብውሑዱ ብርኡይ ጸላኢ ስርዓት ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምዃኑ

4ይ – ጸላኢ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከምቲ ስርዓት ኢሳይያስ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዝሕብሕቦን ዝምውሎን፣ ኢትዮጵያ ‘ውን ግብረ መልሲ ክትህብ ግዴታን ድሌትን ስለዘዋ

5ይ – ብዓይኒ ጸጥታ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝያዳ ዘተኣማምን ውሕስነት ክርከብ ስለዝከኣል

6ይ – ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ ባህልን ጥቡቕ ርክብን ዝምድናን ስለዘለዎ

7ይ – ኢትዮጵያ ቀንዲ ማእከል ሕብረት ኣፍሪቃ ምዃና

8ይ – ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ምህላዎም፣ ብመንጽር ተቓውሞ ኤርትራ ከም ኣብነት ናይቶም ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኬንያ ዘለዉዋ ገለ ርኡያት ብልጫታት ምጥቃስ ይከኣል። ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ነዚኣቶም ብግቡእ ክጥቀመሎም እንተዝኽእል፣ ንሕጂ መአክቢ ንቐጻሊ ኸኣ ዘተኣማምን ደጀን ምረኸበ ነይሩ።

እታ ሓንቲ መድረኽ ከም ብልጫ ዝሓሰቡዋ፣ ልክዕ ከምቲ ስርዓት ኢሳይያስ ዝደጋግሞ ንህዝቢ ኤርትራ ንምትላል ዝጥቀመሉ ፕሮፖጋንዳ፣ ‘ህዝቢ ኤርትራ፣ ንኢትዮጵያ ከም ጸላኢት ሃገር ስለዝርእያ ነቲ ኣኼባ ኣብ ኬንያ እንተጌርናዮ ብህዝቢ ተቐባልነት ክንረክብ ንኽእል ኢና’ ዝብል እዩ።

እዚ ግን መሰረት ዘይብሉ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብሰመሰረቱ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽልኢ የብሉን። እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ብፖለቲከኛታት ክልቲኤን ሃገራት ዝተባርዐ ክልተ ኣሰቃቒ ዙርያታት ኵናት ከቢድ ስንብራት ‘ኳ እንተለዎ፣ ነዚ ሓቂ ‘ዚ ዘይምቕያሩ፣ ዝምድናን ርክብን ናይዚ ክልቲኡ ህዝብታት ካብ ‘ቲ ኣብ መንጎኡ ጽልኢ ንምፍጣር ብመራሕቱ ዝተኣጕደ ሓዊ ከምዝብርትዕ ዝእምት እዩ።

እዚ ናይ ገለ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሎ ናይ ጽልኢ መንፈስን ኣረኣእያን፣ ልክዕ ከምቲ ገለ ሰብኡት ቀትሪ ኣብ ቅድሚ ሰብ ውርዙያት ንኽመስሉ ብዛዕባ ኣመንዝራ ከክፉኡ ትዝርብ ውዒሎም፣ ንምሸቱ ጸልማት ተኸዲኖም ህሩግ ዝብሉዋ ዓይነት ኣመል ጌርካ ክምሰል ይከኣል።

ብዙሓት ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ንኢትዮጵያ ክዅንኑዋ ዝውዕሉ ደገፍቲ ናይቲ ስርዓት ይኾኑ ተወራዘይቲ ተቓወምቲ ኤርትራውያን ዓውዓው ከይበሉ ናብ ኢትዮጵያ ክመላለሱ ምርኣይ ግን ልሙድ እዩ። ካብ ኤርትራ ከይተረፈ፣ እንተስ ብዱባይ እንተስ ብሱዳን ናብ ኢትዮጵያ በጺሖም ጉዳዮም ዘሳልጡ ‘ውን ኣለዉ። ንርእሶም ገለ ካብዞም “ንሃገራዊ ጉዳይ ዝምልከት ውራይ ኣብ ኬንያ ‘ምበር ኣብ ኢትዮጵያ ኣይሰልጥን እዩ” ዝብሉና ዘለዉ ኣባላት መድረኽ ከይተረፈ ውልቃዊ ጉዳዮም ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘሳልጡ ክዉል ኣይኮነን። ስለዚ መድረኽ፣ ነቲ ኣብ ልቢ ዘሎ ገዲፎም ናይ መልሓስ ምእማኖም ‘ዩ እቲ ጸገም።

ከምዚ ክንብል ከለና፣ ናይቶም ብቐጥታ ዶብ ኤርትራ ጥሒሶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝዕቆቡ ዘለዉ ካብ ህጻናት ቆልዑ ክሳብ ናይ ኮለኔል መዓርግ ዘለዎም ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤትራዉያን ኮነ ናይቶም ኣብ ዶባት ክልቲኤን ሃገራት ዝነበሩ ብትሕቲ ራዳር እትው ውጽእ ዝብሉ መሳኪን ምስ’ዚ ምስሉይ ኣመል ‘ዚ ከይጸብጸብና ክንዛረብ ከለና ጥራይ ማለት እዩ።

እምብኣር መድረኽ ነቲ ዝዘርዘርናዮ ብልጫታት በቲ ብኣመንዝራ ዝመስለናዮ ልብወለዳዊ ጽልኢ ክድምስሱዎ ምፍታኖም ክሳራ እምበር ዓወት የብሉን። ምኽንያቱ፣ ከምቲ ናይ ፍራንክፈርት ኣብ ናይሮቢ ‘ውን ምዝርራብ ዝከኣል ‘ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ባይታ ስራሕ ክትጅምር፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ “ኣሎ” ኣትብሎ ምንቅስቓስ ክትተኣሳሰር እንተዄንካ፣ ኣብ መወዳእታ፣ ኣብዚ ሱዳንን የመንን ካብ ምርጫ ወጻኢ ዝኾናሉ እዋን፣ ኢትዮጵያ ከተድልየካ እያ። ፍቕርን ዝምድናን ብኣግኡ እንተዘይመድሚድካዮ፣ እታ ሎሚ ዝጸላእካያ ኢትዮጵያ ጽባሕ ክትፈትወካ ምዃና ግን ዋሕስ የብልካን። ስለዚ ንፍቕሪ ብኣግኡ ክትኵስክሶ ኣለካ።

ብርግጽ ንጉዳይ ሃገር ካብ ጣልቃ ኣእዳው ወጻኢ ምክልኻል መሰረታዊ ኣተኵሮ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋን ፖለቲከኛን ክኸውን ኣለዎ። እዚ ኣብ ኩሉ ደላዪ ጽቡቕ መጻኢ ኤርትራ ዝኾነ ሃገራዊ ዘሎ ኣድማሳዊ ባህጊ እዩ፣ ምህዞ መድረኽ ኣይኮነን። ነዚ ንምትግባር ግን ጆግራፍ ዘይኮነ መትከል እዩ ዘድሊ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ‘ውን ነዚ ዕላማ’ዚ ክትከላኸለሉ ድልዉነትን ትብዓትን ክህልወካ ክኽእል ኣለዎ።

ንምዃኑ፣ ብዘይካ ገሊኦም ኣባላት መድረኽ፣ ዳርጋ ዝበዝሑ እቶም ኣብ ምስጢራዊ ኣኼባ ናይሮቢ ዝተሳተፉ መራሕቲ ተቓወምቲ፣ ብኢትዮጵያ እናተመወሉ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ፣ ድሕሪ ኣኼባ ናይሮቢ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሱ ዶ ኸ ኣይኮኑን?

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክብሉዎ ዘጸገሞም ‘ሞ ኣብ ናይሮቢ ዓው ኢሎም ክብሉዎ ዝኽእሉ ዘረባ ኸ እንታይ እዩ? እዚ ዘሰከፍ እንተደኣ ኮይኑ ኸ፣ ነቶም ናብ ኢትዮጵያ ዝምለሱ ተባዓት፣ ግዳያት፣ ነቶም ጥንቁቓትን ጎራሓትን ከኣ ሰማዕቲ ኣጀንዳ መድረኽን መማልእቲ ፌርማን ጥራይ ምግባሮም ሲ በለጽ ዶ ኣይኮነን?

በንጻሩ መድረኽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም፣ ከምተን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዋ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት ገንዘብ ከፊሎም ነጻ ኣዳራሽ ብምኵንታር ንሰበስልጣን ኢትዮጵያ “ጉዳይና ባዕልና ኣለናዮ፣ ኢድኩም ኣክቡልና፣ ውሽጣዊ ዘተ ኣለና” እንተዝብሉዎም፣ ኣብ ቅድሚ እቶም ሓድሽ ሓሳባትን ዝተጸፍጸፈ ገንዘብን ኣለና ዝብሉዎም ዘለዉ ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ ተወሳኺ ክረዲት ‘ኳ ምረኸቡ ነይሮም። ንባዕልኻ ኣብ ዝምእምኣካ ማዕዶ ኣጣጢሕካ ብናይ ካልኦት ጋዶ ዘይምግዳስ ግን ሞራላዊ ‘ውን ኣይኮነን።

ንምዃኑ ንተቓወምቲ ኢትዮጵያ መሳርሒ ወይ ሳትላይት ኢትዮጵያ ካብ ምዃን ከ ናይሮቢ ከመይ ገይራ እያ ተንጽሆም። ከምቲ ዝበልናዮ፣ ካብ ጅኦግራፊ ንላዕሊ እቲ ዘተኣማምን መትከል እዩ። በዚ እምብኣር፣ እቲ ካልኣይ ዓወት ዝበሉዎ ‘ውን ውድቀት እዩ።

3ይ – እቲ ሳልሳይ ደጋጊሞም ክምክሑሉ ዝህቅኑ፣ ኣብ ናይ ናይሮቢ ምስጢራዊ ኣኼባ ኸኣ “ብገዛእ ዓቕምና ዝተኻየደ ውራይ” ኢሎም ከም መርኣያ ዓወት ዝደገሙዎ ምወልኡ እዩ።

ብዘይ ገንዘባዊ ምወላን ደገፍን ክግበር ዝከኣል ምንቅስቓስ ኣዝዩ ውሱን እዩ። ኣሽንባይ ዶ መድረኽ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጸጋታት ሃገር ተቖጻጺሩ ዘሎ ስርዓት ‘ኳ፣ እንተነፍዐ፣ ፍርቂ ባጀቱ ሓንሳብ ካብ ኣዕራብ ሓንሳብ ካብ ምዕራብ እናለመነ ብረዲኤት እዩ ዝምልኦ። መድረኽ ቅድሚ ብዕላማን ስራሕን ብገንዘባዊ ምወላ ከምዝጀመሩ ፍሉጥ ክንሱ፣ ንህዝቢ ኤርትራ “ካብ ርኹባት ኤርትራውያን ዝተለገሰልና ገንዘብ ጌርና ኢና ንካየድ ዘለና” ኢሎም ብጻዕዳ ሓሶት ከታልሉዎ ምፍታኖም ከኣ ሃየንታ እዩ። ኣብ ዕላምኦም ዝተኣማመኑ እንተደኣኮይኖም እንታይ ዘሕብእ ኣለዎም። ብስም ኤርትራዊ ኣብ ስዊዝ ባንክ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ኣቐሚጡ ተባሂሉ ናይ ዝሕመ ቁጽሪ ሕሳብ ረኺቦሞ እንተዘይኮይኖም፣ ነዚ መድረኽ ዘውጽኡዎ ዘለዉ ገንዘብ ዝምውል ኤርትራዊ ምህላዉ ዝእመን ኣይኮነን። ኣብዚ እቲ ቀንዲ ጸገም ምወላ ምርካቦም ዘይኮነ፣ ነቲ ናይ ወጻኢ ምወላ ናይ ኤርትራውያን ኣምሲሎም ብምቕራብ ከም ዓወት ምግላጾም እዩ። ኣብዚ ልክዕ ከምቲ ንኣዳራሽ ኣዲስ ኣበባ ፌንጂ ኣለዎ ኢሎም ናብ ናይሮቢ ዘቃይሑ ዘለዉ፣ ነቲ ካብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ገንዘብ ጥራይ ከም ስሚ ዝርእዩዎ እንተኾይኖም ግን ተጋግዮም ኣለዉ። ኩሉ ናይ ወጻኢ ምወላ ጽልዋን ዝጽበዮ ሞሳን ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ሃገራዊ ረብሓ፣ በቲ ካልኣይ ናይ መወልቲ ረብሓ ከምዘይዕብለል ንምግባር ትኵርነትን ጥበብን መትከላዊ መርገጽን ጥራይ እዩ እቲ ካብ ዋጋ ዕዳጋ ዘድሕን ምስጢር።

ክሳብ ሕጂ፣ እቲ ኣብ ኣእምሮኦም ዝፈጠሩዎ ፈንጠንዝያ ዓወትን ትርጉም ኣልቦነቱን ኢና ንምልከት ዘለና ‘ምበር፣ ኣብቲ ቀንዲ ትሕዝቶ ፋይዳ-ኣልቦነት ወይ ከኣ ከም መርዓ መኻናት ክምሰል ዝኽእል ቀንዲ ጉዳይ ኣይበጻሕናን ዘለና።

ከም መጠቓለሊ ናይዚ ናይ ዓወት ፕሮፖጋንዳኦም ንምድህሳስ ዘልዓልናዮ ንኡስ ኣርእስቲ፣ መድረኽ፣ ኣእምሮ ህዝቢ ንምስራቕ ዝጥቀሙሉ ሜላ እቲ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ኮርፖረሽናት ፍርያቶም ንምሻጥ ዓድግቲ ንምውንዋን ዝጥቀሙሉ ኣብ ምጽብባቕ ደገኣዊ ሕብርን መልክዕን ኣቝሑ ዘተኮረ ረቂቕን መደናገርን ናይ ምውዕዋዕ ስልቲ (Advertisement) ምዃኑ ምጥቃስ ዝቐለለ መረዳእታ ክህበና ይኽእል።

እንተኾነ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት መንግስቲ ይኹን ኣብ ጥዕናን ኣገልግሎትን ህዝቢ ዝግደሱ ትካላት ንሳዕቤናት ናይቲ መደናገሪ ምውዕዋዕ ተገንዚቦም ስለዝከታተሉዎ ህዝቢ ውሕስነት ኣለዎ። መድረኽ፣ ነቲ ትኽ ኢልካ ምዝራብ ዝባህርያቱ ቅኑዕን ገርሀኛን ምቕሉልን ህዝቢ ሜላ ኣቑሑ መሸጣ ተኽቲሎም ፖለቲካ ክሸጡሉ ምፍታኖም ግን ሃየንታ እዩ።

ከምዚ ልዕሊ ኢልና ተምሳል ዓወቶም ንምፍታሽ ኣብ ዝገለጽናዮም ሰሰለስተ ነጥብታት፣ ማለት ባህጊ ስምረት፣ ፍርሒ ኢትዮጵያን ምወላ ወጻእን ዝረኣናዮ፣ ንባህግን ፍርሕን ህዝቢ ኤርትራ ከም መጠቕለሊ ወረቐት ተጠቒሞም ንህዝቢ ናይ ዓወት ስምዒት ክሸጡሉ እዮም ዝፍትኑ ዘለዉ። ነቲ ወረቐት እንተቐሊዕካዮ ግን ከሬሜላ ዝርከቦ ኣይኮነን።

እሞ ናብቲ መእተዊ ቀንዲ ትሕዝቶ፣ ማለት ፋይዳ-ኣልቦነት ናይቲ ኣኼባ ክንሰግር።

መድረኽ ከምዝኾነ ኤርትራዊ ወገን ኣብ ዝደለዩዎ ቦታ ኣኼባ ጸዊዖም ምስ ዝሰዓቦም ወገን ክመያየጡ መሰሎም ከምዝኾነ ኣየካትዕን። ነቲ ጉዳይ ኣልዒልና እንዛረበሉ ዘለና ምኽንያት፣ ንዓኣቶም ንምቅዋም ዘይኮነ ህዝብና ንምድጋፍ እዩ። እዚ ንተደጋጋሚ እዋን ከቢድ ዋጋ ህይወት ከፊሉ፣ ነዊሕ ግዜ ኣጥፊኡ ዛጊት ጻምኡ ዘይረኸበ ህዝቢ፣ ንኻልኣይ ሳልሳይ እዋን ክታለለን ክብደልን ክጥለምን ስለዘይብሉ፣ ፍልጠቱ ክብ ኣቢሉ ንሃገራዊ ጉዳያቱ ምስ ተመክሮኡ ብምዝማድ ኣብ ንቕሓት ዝተመስረተ ውሳኔ ክወስድ ኣእምሮኣዊ መሳለጥያታት ክረክብ ኣለዎ። እዚ እነቕርቦ ዘለና ርእይቶ፣ ምስቲ ድሕሪ ኣኼባ ፍራንክፈርትን ቅድሚ ኣኼባ ናይሮብን፣ “ሓቅን ፍትሕን ስለ ህዝብን ሃገርን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረብናዮ ኣርእስቲ ብምትእስሳር ክርአ ወይ ከም መቐጸልትኡ ክውሰድ ‘ውን ይከኣል።

ነቲ ብውልቀመላኽነት፣ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፣ ሕገ-ኣልቦነት፣ ስእነት ፍትሒ፣ ብልሽውና፣ ቅሳነት ኣልቦነት፣ ጊላነት መንእሰያት፣ ድኽነት፣ ድሕረት፣ ምረት መነባብሮ፣ ስደት፣ ሞት ዝመለለይኡ ህልው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፣ ብኣፍና ኩልና ረብሪብናሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ህዝቢ ብቐንዱ ይነብሮ ስለዘሎ ምትንታን ዘድልዮ ኣይኮነን። ካብዚ ሎሚ ኣስጢሙ ሒዙና ዘሎ ዓዘቕቲ ክንወጽእ ግን ናብቲ ትማሊ ናብዚ ደልሃመት’ዚ ሸተት ኣቢሉ ዘእተወና ሓደገኛ ጉድጓድ ኣይኮናን ቁሊሕ ክንብል ዘለና። እቲ ናብ ጸገም ዘእተወና ኣፍደገ ካብ ጸገም ከውጽኣና ይኽእል እዩ ኢልና ክንሓስብ የብልናን። ሎሚ ካብቲ ናይ ትማሊ መእተዊ ዝተፈልየ መዋጽኦ ክንምህዝ ኣለና። እንተዘይኮይኑ ጽባሕ ‘ውን ኣይክቐድወናን እዩ።

ፖለቲካዊ ተመክሮና ገንጺልና ተመሊስና እንተደኣርኢናዮ፣ ንሃገርና ኣብ እዋን ናጽነት ናብዚ ውልቀምልካዊ ዓዘቕቲ ‘ዚ ዝደቕደቓ እቲ ኣብ ግዜ ሰውራ ዝተኸተልናዮ ንጡፍ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዘየፍቅድ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ባህሊ እዩ።

መጀመርያ መራሕቲ ተጋድሎ ሓርነት ደሓር ከኣ መራሕቲ ህዝባዊ ግንባር፣ ኣብ ገግዚኦም ነተን ዕጥቃዊ ውድባት ኣብ ትሕቲ ዕላማ ሃገራዊ ናጽነት በብዝደለዩዎ ውድባዊ ቅርጽን መልክዕን ኣዋዲዶም፣ ንህዝቢ፣ “ንሕና ወከልቲ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ኢና፣ ስዓበና” ኢሎም ጥሩምባ ምስ ነፍሑሉ እቲ ብኣጽፋር ባዕዳውያን ገዛእቲ ተቐርቂሩ ዝነበረ ህዝቢ ደረጃ ብደረጃ ደጊፉዎም እዩ። ብግብሪ ክትርእዮ ከለኻ ግን፣ ህዝብን ሓፋሽ ውድባትን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ተጋዳላይ ንገዛእ ርእሱ፣ ሰዓቢ ደኣምበር ከም’ቲ ዝመስሎ ዝነበረ ወናኒ ናይቲ ቃልሲ ኣይነበረን።

ኣብቲ እዋን ‘ቲ “ገባር” “ተጋዳላይ” እናበልካ ዝነበረ ናይ ኣጸዋውዓ ፍልልይ ንኣብነት ነዚ ኩነታት ‘ዚ ዘንጸባርቕ እዩ። ሽዑ ብግብሪ ክርአ ኸሎ ንተጋዳላይ ካብቲ ህዝቢ ዝፈልዮ ዝነበረ ሓደ ረቛሒ ዋጋ ህይወት ክኸፍል ኣብ ግንባር ኵናት ቅሩብ ምንባሩ ደኣምበር ዋንነት ናይቲ ቃልሲ ስለዘለዎ ኳ እንተዘይኮነ፣ እቲ ኣሽንባይ ዶ ነቲ ውድብ ንህይወቱ ‘ኳ ከምዘይውንና ንምምልካት ዝወሃቦ ዝነበረ “ተጋዳላይ” ዝብሃል ስም ይኹን እቲ ምስ ሓለፈ ብብጾቱ ዝዝከረሉ “ስዉእ” ዝብል መጸውዒ፣ ዝያዳ ህዝቢ መዓርግ ዋንነት ናይቲ ውድብ ከምዘለዎ ስምዒት ፈጢሩ ካብ ህዝቢ ጸብለል ከምዝብል ይገብሮ ነይሩ ‘ዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ተጋዳላይ ንገዛእ ርእሱ ብግሁድ ዝፍለጥ ሓዱሽ፣ ገዲም፣ ካድር፣ መሪሕነት ዝብል ክሳብ ላዕሊ ዝበጽሕ ቀጸላታት ‘ውን ነይሩ። ስምዒት ዋንነት ናይቲ ውድብ ከኣ ብኡ መጠን እናዓበየ ይኸይድ ማለት ‘ዩ።

“ዋንነት ዘይምህላው” ክንብል ከለና፣ ብቐጥታ ወይ ብውክልና ኣብ ውሳኔታት ድምጽን ርእይቶን ዘይምህላው ማለት ደኣምበር፣ ከም ናይ ኮርፖረሽናት ብርኪ ምውናን ማለትና ኣይኮነን። ኣብ ውሽጢ ህዝባዊ ግንባር ብፍላይ፣ እቲ ዋንነት ህይወቱ ዘረከበ ተጋዳላይ፣ ንሱ ዘይፈልጦ ምስጢራዊ ውድብ ብስዉር ውሳኔታት ይወስድ ምንባሩ ነዚ ደጋጊምና ዝጠቐስናዮ ዋንነት-ኣልቦነት ድርብ መረጋገጺ እዩ።

እቲ ወሳኒ ወይ ድማ ዋና ናይቲ ሰውራ እምብኣር እቲ መሪሕነት ዝብሃል ዝነበረ እዩ። እዞም ኣብ ቦታ መሪሕነት ዝነበሩ ባእታታት፣ ንህዝቢ ከም ገባራይ፣ ንተጋዳላይ መስዋእቲ ዝግቡኡ ፍጥረት፣ ንርእሶም ከኣ ንሓዋሩ ሕዙኣት መራሕቲ ገይሮም ነነብሶምን ንህዝብን ዘእመኑዎ ላዕለዎት ቀጸላ ወይ ከኣ ምስሌኔታት ኢልና ክንጽውዖም ንኽእል።

እቶም ኢሳይያስ ዝኣውርኦም፣ ብዘይካ ከም መሪሕነት ኣብ ስልጣን ምንባር ካልእ ኣማራጺ ህይወት ከምዘይብሎም ዝኣምኑ፣ ናይ ምስለኔነት ስምዒት (entitlement) ኣብ ደሞም ዝሰረጾም ቀጸላ፣ እቲ ዘይንቡር ኩነታት ኣብቂዑ ናጽነት ምስ ተረጋገጸ ካብቲ ሕማም ‘ቲ ክገላገሉ ስለዘይከኣሉ፣ ምስኡ ‘ውን ብተዋስኦ ዲሞክራሲ ብርኮም ካብ ዋንነት ውድብ ናብ ዋንነት ሃገር ምስግጋር ስለዘጸገሞም፣ ኣምሳያ ስልጣን ንህዝቢ ምርካብ፣ ንኤርትራ ናብ ህላዌኻ ናብ ናይ ምርግጋጽ ኩነታት (Survaival Mode) መሊሶም ሕምስምስ ኣቢሎማ።

እንተኾነ እቶም ነዚ ቅልውላው ’ዚ ክንቅይር ኢና ኢሎም ኣብ ስደት ኣብ ደምበ ተቓውሞ ተሰሊፎም ዘለዉ፣ ኣባላት መድረኽ ይኹኑ እቶም ናይ ጀብሃ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ተቓወምቲ ባእታታት ‘ውን ነቲ ድሑር ፖለቲካዊ ባህሊ ኣብ ምፍጣር እጃም ዝነበሮም፣ ሕጂ ‘ውን ገና ኣብቲ ኣመል ‘ቲ ጥሒሎም ዝነበሩ ዘለዉ ምስሌኔታት እዮም። ፋይዳ ኣልቦነት ናይዚ ንህዝቢ ጎሲኻ ንምስለኔታት ኣራኺብካ ነቲ ዓሚቝ ሰረት ዘለዎ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ቅልውላው ለላዕላዩ ናይ ምፍታሕ ተበግሶ ኸኣ እዚ ሕዱር ጸገም እዚ እዩ።

ክቡራት ሰማዕትና፣ ኣብ ካልኣይ ክፋል ናይዚ ዓንቀጽ’ዚ፣ እቲ ኣብ ጽላሎት ናይተን እዚ ዝጠቕስናዮ ፖለቲካዊ ድሕረባይታ ዘለወን ሓርነታዊ ውድባት ኤርትራ ዝነበር ዘሎ ደምበ ተቓወሞ፣ ልክዕ ከምቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ነቲ ኣሉታዊ ፖለቲካዊ ባህሊ ይቕጽሎ ከምዘሎ ብኣብነታት ብምርኣይ፣ ምስዚ እዋናዊ ኣኼባታት ብምዝማድ መድረኽ ‘ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ህዝቢ ዝሕመረቱ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዕሽሽ ኢሉ ናብ ስምረት ምስሌኔታት ምትኳሩ ዘለዎ ፋይዳ ኣልቦነት ብሰፊሑ ክንምልከት ኢና።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!

ኣማኑኤል ኢያሱ

06 ታሕሳስ, 2015

aseye.asena@gmail.com

Review overview
87 COMMENTS
  • abraham December 13, 2015

    እንታይ ወሪድካ ዓቢ ሰብ.ንሳቶም ክኣ ከማኻ ኤርትራውያን እዮም ድላዮም ይግበሩ.ኣበይ ከም ዝገበርዎስ ዓቢ ነገር ኣይኮነን መስለኒ.

  • Yohannes Tekie December 15, 2015

    Dear Amanual, i wish you didn’t put yourself in such a lower level, i thought you are better than that, you would influnce the trend instead of talking about single incident. For sure this event will pass like the other but you missed the chance to be influncer by mitigating conversation and leading the young movement.

    • Asmerom December 26, 2015

      Yohannes;

      Amaniel is enlightening the youth and the people to watch out the power greedy opportunists who are trying to hijack the movement for change. No more confusion, hypocrites like you and Medrek will be dumped in the drain while Amaniel will shine as ever. Mark my word my dear, who will prevail, the ever persistent Amaniel or the leftovers of the dictator who are pretending as justice seekers after sucking the blood of the poor people. it is too late for them.

1 4 5 6

POST A COMMENT