Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ – ብ ገ.ወልደሚካኤል

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ ብ ገ.ወልደሚካኤል ብሓፈሻ፡ ንኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብደረጃ ምዕባለ ሃገሩ፡ ብዝሑን ዓይነቱን ይፈላለ ድኣእምበር፡ ብዙሓት ጸላእቲ ኣለውዎ።  ካብቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዝኹእሉ ጸላእቲ፡ ብምዕባለ ለጠቕ ንዝበለት ሃገር፡ ከም ድንቁርናን ድኽነትን፡ ናይ ጥዕና ጉድለትን ጥሜትን

ህዝቢ ኤርትራ ቀንዲ ጸላኢኻ ኣለሊ

ብ ገ.ወልደሚካኤል

ብሓፈሻ፡ ንኩሉ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ብደረጃ ምዕባለ ሃገሩ፡ ብዝሑን ዓይነቱን ይፈላለ ድኣእምበር፡ ብዙሓት ጸላእቲ ኣለውዎ።  ካብቶም ብቐዳምነት ክስርዑ ዝኹእሉ ጸላእቲ፡ ብምዕባለ ለጠቕ ንዝበለት ሃገር፡ ከም ድንቁርናን ድኽነትን፡ ናይ ጥዕና ጉድለትን ጥሜትን ክጥቀሱ ይክኣል። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ናይ ተፍጥሮ ተጻባእቲ፡ ከም ዋሕዲ ዝናብ ዘኸትሎ ድርቂ፡ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምልኣት ውሓይዝን ኣፍላጋትን ዘኸትልዎ ምጥልቕላቓት፡ ወራር ኣንበጣ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ቮልካኖ፡ ዘራጊቶ/ህቦብላ፡ ሱናሚ፡ ህሩከይ ዝኣምሰሉ ዘስዕብዎ ዕንወት ክንጠቅስ ንኽእል። ዝበዝሑ ካብዞም ዝተጠቕሱ ብጆግራዊካዊ ኣቀምምጣ እታ ሃገር ስለዝጽለዉ፡ ኣብዛ ድኻ ሃገርና ስለዘየጋጥሙ ከነመስግን ይግባእ።

 

ዝኾነ ኾይኑ፡ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተስምዩ ሕብረተ-ሰብኣዊን ተፍጥሮኣዊን ጸላእቲ፡ ብደረጃ ምዕባለ ሃገርን ብድልየትን ዕቱብ ጻዕሪ መራሕቲ ሃገራትን፡ ገሊኦም ፈጺሞም ክውገዱ ከለዉ፡ ገሊኦም ክኣ ዘምጽእዎ ጉድኣት መጠኑ ኣዚዩ ክንከ ይክኣል እዩ። እቲ ካልእ ኣገዳሲን ፍሉይ ግንዛቤ ዝግብኦን ክጥቀስ ዘለዎ ጸላኢ፣ ጉዳይ ወረርትን ባዕዳዊ ገዛእቲ ሃገራትን፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሃገርን ህዝብን ዘውርድዎ፡ ብዝበዛ ባህርያዊ ሃብተን፡ ማሕበራዊ ምድቋስን ምዝንባልን እዩ።

 

ስለዚ መርሒነት ሓደ ሃገር፡ ኣብ ከም ደርጃ ምዕባሌ ኤርትራ ዝርከባ ሃገራት፡ ቀዳምነታት ሰሪዑ ኣብ ምውጋድን ምንካይን ብዙሓት ጸላእቲ ከም ድኽነት፡ ድንቁር፡ ክንክን ጥዕና ዝኣምሰሉ፡ ይነጥፍ። ኣብ ርእሲ’ዚ እውን ፡ ኣብ ምድኳንን ምህናጸን ምጽጋንን ከተማታት፡ ወደባት፡ መራኸቢ ጽርግያታት፡ ግድባት፡ይሰርሕ፣ ምእላይን ዉሓይዝን ምክልኻል ኣንበጣን ካልእን ይተግህ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ፡ ኣብ ምቕራብ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ከም ማይን መብራህትን(ጽዓት ብሓፈሽ)፡ መጓዓዓዚ፡ ምፍጣር ጠለብ ህዝቢ ዘዕግብ ህጡር ዕዳጋ ፡ ኣብ ምንጻፍ ምሕደራዊ፡ ጸጥታዊ፡ ፍትሓዊ ትካላት ከይሰልከየ ይሰርሕ። ዜጋታት ምዩቕ ከይበሉ ብናጻ፡ ብዘይ ስግኣት፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ክንቀሳቐሱ ኣበርክትኡ የዕዝዝ። መሰል ምዝራብ፡ ምእካብ፡ መሰል ናጻ ሓበሬታ ምርካብ፡ መሰል ምረረኻ ኣብ ጎደናታት ወጺካ ምቅላዕ፡ መሰል ተሳትፎ ምድማጽ ምሉእ ህዝቢ ኣብ ምርጫ ፖለቲካዊ መራሕቱ ፡ መሰል ሕጋዊ ርእሰ-ምክልኻል ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ፣ ብሓጺሩ ሃገራዊ ቅዋማዊን ትካላዊን ምሕደራ ግብራዊ ኣብ ምግባር ከይሰልከየ ይሰርሕ።ልዕሊ ኩለ ድማ ልዑላውነት ዘውሕስ  ሃገሩ ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ዘየእቱ ድልዱል ዘበናዊ ሃገራዊ ሰራዊት ይሃንጽ

 

እቲ ቀንዲ ሓላፍነት መንግስቲ እዚ ካብኮነ፡ እቲ ቀንዲ በዳሂ ዝልዓል ሕቶ እምብኣር፡ ስርዓት ህግደፍ ከም መሪሕነት ሓደ ሃገር፡ ኣብ ላዕሊ ካብ ተዘርዘሩ መለክዒታት ክንደ’ዩ ዘማልእ? ኣብቲ ኣገደስቲ መልክዒታት ጥራይ እኳ እንተ ኣተኮርና፡ ምውሓስ ልዑላውነት ሃገርን ዶባትን፡ ምትካል ቅዋማዊን ትካላዊን መንግስቲ፡ ምንካይ ድኽነት፡ ምጥፋእ ድንቁርና፡ ምቕራብ ኣገልግሎት ማይን መብራህትን፡ ምሕላው መሰላት ዜጋታት፡ ምህናጽ ስጡምን ድልዱልን ሕብረተ-ሰብ ፈጺሙ ፈሺሉ እዩ። ንምዃኑኸ ነዚ ዝተባህለ ክገብሮ ካብ መጀመርይኡ ድልየት ነይርዎ ድዩ? ፈቲኑደኸ? ፈጺሙ ድልየት ኣይነበሮን ኣፈተንን ክኣ። ስኣን ዓቕሚ ድዩ? ኣፋልን። ብዕላማ ህዝብን ሃገርን ንምድካይን ምልማስን እዩ።

 

እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ እቲ ቀንዲ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር እቲ ከም ፍልሖ ንሕብረተሰብና ብውሽጢውሽጢ ከቦኽብኾ ዝጸነሐ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ከም ቁርዲድ ነኸሱ ሒዝና ዘሎ ዘይሕጋዊ ስርዓት ህግደፍ እዩ። ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝብእስ ጭቆና፡ ወልቀ-መላኺ፡ ንህዝብና ቀፊዱ ስለዝሓዞ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ኤርትራ ብኹሉ መዳያት ንድሓር ክትስጉም እያ ጸኒሓ። ርሑቕ ከይከድና ምስ ጎረቤት ሃገርና ዝኾነት ኢትዮጵያ ብተዛማዲ መገዲ ምንጽጻርን ምውድዳርን፡ ክሳዕ ክንደይ ንድሓር ከም ዝተረፍና ክንግንዘብ ይክኣል። ሕጂ ክኣ ዝሓለፈ መጺኡና ንብዓል ነጎዳስ ሓዊ ይድብሶድዩ ዝብሃል፣ ኢትዮጵያውያን ካባን ጭማራን ዋልታን ስለ ዝሸለምዎ ፕረሲደንት ኢሳያስ ልዕላውነት ሃገርና ኣብ ዋጋን ዕዳጋን ንከውድቖ ክቀራረብ ንዕዘብ።

 

ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ጸላኢ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ብዘይጥርጥር፡ ንሕና፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ንገዛእ ርእስና ኢና። ስኣን ሓደ ኮይና ሓቢርና ምቅላስ፡ ኣብ ልዕላውነት ሃገርና ንዝወርድ ዝኾነይኹን ሓደጋ ብቐዳምነት ትሓተቲ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ኣብዚ ህሞት’ዚ፡ ንጸላኢና ከይንብድሆ ነቕርቦም ምኽንያታት ፈጺሞም ርትዓዊ ክኾኑ ኣይክእሉን’ዮም ። ኣብ ባይታ ዘለዉ ሒደት ዝቐርቡ ጭቡጥ ምኽንያታትን እስከ ንፈትሽ፥

 

  1. ማሕበራዊ ሕማማት፥ ወገናዊ ፡ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ዘይምጽውዋር፡ ዘይምክብባር፡ ምውንጃላትን ወዘተ….
  2. ፖለቲካዊ ኣራኣእያታት፥ደገፍቲ መንግስትን ተቓወምትን፡ ሻዕብያን ጀብሃን፡ዝብሉ፡ትሕተ-ሃገራዊ ኣረኣእያታት
  3. ደምበ ተቓወምቲ፥ ብሄራዊ፡ ሃይማኖትዊ፡ ወገናዊ፡ ውልቃዊ ቅርሕንቲ፡ ስሰዐ ስልጣን፡ ዘይምትእምማን፡ ግብዝና
  4. ፍርሓት፥ ንስርዓት ህግደፍ ከም ቁርን ኣስሓይታን ስለዝፈራህና፡ ኣፍና ዓቢሱ እንዳደሃኸና፡ ካብዚ ሓሊፉ ድማ ኣብ ምሕካኽ ልዑላውነት ሃገርና እንዳተደናደነ ከሎ፡ ለሚስና ኣማዕዲና ተዓዘብቲ ኮይና ምትራፍና
  5. ሓድሕዳዊ ምክሳስ፥ ዝተፈላዩ ምኽንያታት ብምቕራብ፡ ከም ቃንጢሻ ኣብ ጽባሕ ጽባሕ ዝራብሑ፡ ንርእሶም ዘይሰመሩ፡ ዘይሰርሑ ክንብል፣ ውድባት ድማ ብዘይ ሰብ’ሞ እንታይ ክንገብር ትደልዩና፡ ሓግዙና፡ ክብሉ ዓሪቡ
  6. ርእሰፍትወት፥ እቶም ዝተወደቡ እንታይ ሰሪሖም፣ መንእሰያት ነፍሶም ፍትዮም ሃገር ራሕሪሖም ወጺኦም፡ ኣብ ዓዲ ዘለዉ ስድራይ ክርኢ፡ ኣብ ዓዲ ዘሎኒ ንብረት ክይጥፍኣኒ፡ ኣነስ ክቃለስ ኣክእልን እየ። ወይ ጉድ፡ “ዘይስንኻስ ሑጻ ቆርጥመሉ” ዝብልዎስ ለካ ከምዚ እዩ። መንድኣሉ ክቃለስ’ሞ።
  7. ግቡአይ ፈጺመ እየ፥ ግቡኡ ዘይገበረ ይግበር። ያእ! ሃገራዊ ግቡእ ከምቶም ልዕሊ 100 ሽሕ ሂወቶም ዝኸፈሉ ክሳብ ሂወት ምኽፋል ስለዝኾነ፡ ኩሉ ዜጋ ብብዓቕሙ ንሃገሩ ከበርክት ይግባእ። ሃገር ናይ ኩሉ ዜጋ እያ።
  8. ከይብሉኒ፥ ኣባል ህግደፍ፡ ደጋፊ’ዚ ስርዓት ጸኒሐ፡ ሕጂ ብጾተይ ኣዕሩኽተይ ኣዝማደይ ክሓዲ ክይብሉኒ! ዓገብ፡ ልዕሊ ልዕላውነት ኣማት ኣሻሕት መስዋእቲ ዝተኸፍለላ ሃገር፡ ልዕሊ ሃገራዊ መንነት ዝስራዕ፡ ፍቕሪ ዕርክነት እሙንነት ከይብሉኒ ክህሉ ዘይፈቅድ፡ ጽንኩርን ትኣፋፍን ሓደገኛ መድርኽ ኢና ንርከብ ዘሎና።
  9. ህንጻን ምምዕባልን ሃገር፥ ስርዓት ህግደፍ ብዝተፈላለየ ምስምስ ኤርትራውያን ምሁራንን ሞያውያንን ዜጋታት ብኽእለቶም፣ ሰብ ጸጋ ድማ ብወፍሪ ገንዘቦም ኣብ ህንጻ ሃገር ከይሳተፉ ብመደብ ከም ዝኣገዶም መርትዖ ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። ብሓፈሻ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓሶት ጉልባብ ዶብ ዘይምሕንጻጽ ኣሳቢቡ ጅሆ ሒዝዎ ጸኒሑ። ብስርዓት ተማሃራይ ከይማሃር ነጋዳይ ከይነግድ፡ ሓረስታይ ከይሓረስ፡ ሰራዊት ምክልኻል ብቐንፈዘው ሓሊፉ።

 

ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ኣዋርሕ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ገይሹ ዘርኣዮ ሕግብግብ ” ኣዲኣ ገዲፋ ሓትንኣ ትናፍቕ” ከም ዝብሃል፡ ብዋጋ ልዑላውነት ኤርትራ ጽግዒ “ናይ ምድማር ጨርሖ” ጠ/ሚ ኢትዮጵያ ዶር ኣቢይ ብምሓዝ፡ ካብ ክልል ትግራይ ክመጽ ንዝኽል ተቓውሞ ንምፍርራህን ኢትዮጲያ ንምርግጋእን ዝእምት ክድዓት ትዓዚብና። ኮይኑ ግን፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ብሄራውን ሕብረ-ብሄራውን ባርዕ፡ ምፍላስን ምዝንባላትን ዜጋታቶም፡ እግዚኣብሄር ድኣ ይሓግዞም እምበር፣ ይትረፍዶ ብምውጥዋጥ ኣጻብዕ፡ (Game Over) ብፈኸራ ኢሳያስ “ጽንብላሊዕሲ ምዓኮራ ዘይከደንት መሬት ክደነት“፣ ኢትዮጵያ እውን እንተኾነት ምስ’ቲ ኩሉ ጸጋታታ ነቲ ባርዕ ከተጥፍኦ ኣዚዩ ከሸግራ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈቕዶን እዩ እምበር፡ እንተዝኾነሉ ስርዓት ህግደፍ ንኤርትራ “ካብ መቕሎ ናብ ጓህሪ” ከም ዝብሃል፡ ካብቲ ዘላቶ ንሱ ዝኣጎዶ መቕሎ፡ ናብ ጨርሖ ‘ንደመር’ ጠ/ሚ ዶር ኣብይ ዝኣጎዶ ባርዕ ሃልሃልታ ኢትዮጲያ ክሸማ ዝቖረጸ እዩ ዝመስል ዘሎ። ኣብዛ ህሞት’ዚኣ መትከልን ዕላማን ፕረሲደንት ኢሳያስ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኮይኑ ስለ ዘሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ደመኛ ጸላኢኡ ስርዓት ኢሳያስ ምዃኑ ኣረጋጊጹ እዩ። ድሕሪ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ፡ ሓደ ኾይኑ፡ ብዘይ ወገነይ ወገንካ፡ ንስርዓት ህግደፍ ክምክቶ እንተዘይኮይኑ ካልእ ኣማራጺ የብሉን። እቲ ካልእ ተሪፉ ዘሎ እንኮ ኣማራጺ፡ ምጥፋእ ልዕላውነትካን ምሕካኽ መንነትካን ስለዝኾነ፡ ብሓጺሩ ናብ’ቲ ኤርትራ ብዘይ ሕግን ብዓመጽን ናብ ኢትዮጲያ ዝተሓወሰትሉ መጀመርያ መዋእል ስሳታት(60th) ምምላስ እዩ ክኸውን። ድሕሪ ናይ’ዚ ኩሉ ወለዶታት ቃልስን፡ መስዋእቲ ኣማት ኣሻሕትን፡ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኣማራጺ እዩ።

 

ዝሓለፉ ወለዶታት፡ በብመድርኹ፡ ኣሰላልፋ ወሽጣውያንን ግድማውያንን ጸላእቶምን ተሓባበርቶምን እንዳጽንዑ፡ ምስ ውድዓዊ ክውንነት እንዳትዓጻጸፉ፡ ቅድም ንምሉእ ናጽነት፡ ምስ ጽበቦም ድማ ሕብረት ምስ ኢትዮጲያ ብውዕል፡ ድሓር ክኣ ፈደረሽን ከይፈርስ፡ ካብ 40ታት – መጀመርያ 60ታት፡ ኮታ ክሳዕ ኢትዮጵያ ብዘይ ሕጊ ብዓመጽ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጲያ ትሕውሳ ተቕሊሶምን ሂወቶም ከፊሎምን እዮም። ክፋል ታሪኽና ስለዝኾነ፡ ጎሲናዮ ክንሓልፍ ዘይግብኣና፡ ንሓድነት ወይ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ዝተቓለሱ ብስልጣንን ብገንዘብን ዝተገዝኡ፡ ብጉድለት ንቕሓት ዝተታለሉ፡ ብሽበራ ኢትዮጲያ ዝላኸቶም ሸፋቱ ዝርዓዱ፡ ድሓር ግን ዝተጣዕሱ ኤርትራውያን ምንባሮም እዩ።

ኣብ ሓምለ 1957 ብቋንቋ ዓረቢኛ ዝተበተነ፡ ብትግርኛ ተተርጒሙ ዝቐረበ ጽሑፍ ገይረ ክድምድሞ እመርጽ። ካብ መጽሓፍ ታሪኽ ኤርትራ ዝተወስደ ግዚኣዊ ምዕዶ ስለዝኾነ ከተንብቡዎ እላቦ(ደራሲኡ ኣብ ታሕቲ ተመልከት)።

 

ልዑላውነት ኤርትራ ንዘልኣለም!

ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጎበጣን ሰውራን 1956-1962 ( ገጽ 341) ብ ደራሲ ኣለምሰገድ ተስፋይ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • Hagherawi April 6, 2019

    “ኣብዚ መድረኽ’ዚ እቲ ኣብ ካልኣይ ዝስራዕ ጸላኢ ሃገርና ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ብዘይጥርጥር፡ ንሕና፡ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ንገዛእ ርእስና ኢና።”

    ወልደሚካኤል

    ሕብረተ-ሰብ እንታይ ገበረ፣ ዝብል ኣይሳኣንን።
    – ሰብ ከማኻ ክግፋዕ ርእኻ እየህ ! እይበልካን።
    በንጻሩ ፣ “ገለ ገይሩ ክኸውን ኣሎዎ ” ክትብል ትስማዕ።
    – ጎረብትካ ካብ ሑቅፊ ስድሩኡ ተመንጢሉ ምስ ተሰወረ ፥ “ሱቅ ዘይብል ! ባዕሉ ይፈልጥ ” በልካ።
    ሕጂ ፥ “ዲሕሪ’ኣቦኻ ሞት ግደኻ” ኮይኑ ነገሩ፥ ዎዮ እቶም ፥ ንሓደ ኣረመናዊ ጉጂለ “መንግስትና” ዝብሉ ዝነበሩውን ፥ ግዜ ኣርኪቡሎም።
    ኣዛ ሎሚ ንኤሪትራዊ ዜጋ (መን እዪ ብዘየግድስ) ዘጓነፈት ጸገም፥ ሎሚ ተቃዉሞይ እንተ ዘየስሚዐ ፥ ጽባሕ ናዓይ ክትረኽበኒ እያ ዝብል ኣታሓሳስባ ዝጎደሎ ሕብረተሰብ ፥ ከምዚ ናትና ፥ ጸላኢ፥ ብብእብረ እዪ ዘረኻኽበሉ። ሓደ እንዳ ተገርፈ ፣ እቲ ሓደ ንገፋዒ የመኽንይ።
    ግፍዒ ርእዪ ዘይስንብድ ሕልና የቡሉን ፥ ማዓልቱ ይጽበ ምህላዉ ድማ ኣይፈልጥን።
    ጸላኢ ፥ ግላዊ ቅርሕንትን ጽልእን ኣይኮነን ዝድርኾ ዘሎ ፥ ጉዳይ ሃገር ዝግድሶ ዜጋ ሙዃኑ እዩ እቲ ቀንዲ ግዳይ ዝገብሮ ዘሎ።
    ስለዚ ፥ ሎሚ ዝተዛረበ ክጭወ ስቅ እንተበልና፥ ድሕነትና ተረጋግጽና ማለት ኣይኮነን።
    ገፋዒ ስርዓት ጸላኢ ኩሉ ዜጋ እዪ።

POST A COMMENT