Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ብኣርባዕተ ሓለንጊ ይቅጻዕ ኣሎ

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽና ሰሚዕናዮን ኣጋጢሙናን ዘይፈልጥ፡ ንህላወናን ሃገራዊ መንነትናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ዘውድቕ ብድሆታት ተቃሊዕና ንርከብ። መበቆልን ውጽኢትን ናይ ኩሉ ጸገማትና፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዘማትእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ህዝብን ወነንቲ

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኤርትራውያን ኣብ ታሪኽና ሰሚዕናዮን ኣጋጢሙናን ዘይፈልጥ፡ ንህላወናን ሃገራዊ መንነትናን ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ኩነታት ዘውድቕ ብድሆታት ተቃሊዕና ንርከብ። መበቆልን ውጽኢትን ናይ ኩሉ ጸገማትና፡ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑ ዘማትእ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ከም ህዝብን ወነንቲ ዕድላትናን መጠን፡ ነዚ ብኣረሜናዊ ስርዓት ህግደፍ ዝፍጸም ዘሎ መዘና ዘይብሉ ግፍዕን ኣደራዕን ንምውጋድ ብዝግባእ መኪትና’ዶ ዝብል ሕቶ መልሱ” ኣይፋል” ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን ግዳይን ተሰከምትን ሕሰም ህግደፍ ካብ ምዃን ሓሊፍና፡ መናዋሕቲ ጸገማትና’ውን ንሕና ንገዛእ ርእስና ኢና። ንሙጉተይ ዘጫብጥ ኣርባዕተ ነጥታት ንኣንባቢ ከካፍል።

ቀዳማይ ሓለንጊ፡ ህይወት ካብ ዘለዉ ንታሕቲ ካብ ዝሞቱ ንላዕሊ

ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ይኽተልዎ ብዝነበሩ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ኣዕናዊ ሜላታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተጎብጠ መሬቱን ዝተጋህሰ መሰሉን ክረጋገጸሉ ዝጠለቦ ሕጋዊ መንገዲ ብኣፈሙዝ ብረትን ሓይልን ስለዝተመለሰሉ፡ መንበሪ ኣባይቱን ንብረቱን ስለዝዓነወን ኣብ መሬቱ ብሰላም ክቅመጥ ስለዝተሓረመን ናብ ስደት ከምርሕ ተቀሲቡ። ክሳብ’ታ ንኣስታት ፍርቂ ዘመን ብሃረርታ ዝተጸበያ ዕለተ ናጽነት ትረጋገጽ ድማ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከርፋሕ ናብራ እናተጻወረን ንሰውራኡ እናሓብሓበን ንዓመታት ተጸሚሙ። እታ ንዓመታት ክሓልማ ዝጸንሐ ክቡር ዋጋ ዝተኸፍላ ናጽነት ደበኽ ምስበለት ድማ፡ ከይውዓለ ከይሓደረ ናብታ ኣምዕቱ ዝተቀብረትላ መረበቱ ክምለስ ተብተብ በለ። ይኹን እምበር፡ ብሰንኪ ቀይናን ፖሊሲታት ውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ኩሉ ጽቡቅ ሕልምታትን ድሌታትን ህዝቢ ኤርትራ ኣራኣያ በርቂ ኮይኑ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር፡ ሃገሩ ከመሓድርን ዝዓነወ ቁጠባዊ ትካላቱ ክሃንጽን ዕድል ኣይተዋህቦን። ብኣንጻሩ ምሩጻት ደቂ ኣብቲ ህግደፍ ዘሳውሮ ኩናት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክጥበሱ፡ ዳግማይ ናብ ስደት ከምርሕ፡ ብስእነትን ሕጽረትን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክሳቀን ብዘይ ፍርዲ ክእሰር፡ ክቅንጸል፡ ንብረቱ ግዝረፍ፡ መሬቱ ክግበት፡ ክይዛረብ ኣፉ ክዕበስ ከይሰርሕ ኣእዳዉ ክእሰር ተፈሪዱ። ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዘሎ ህዝብና እንኮ ዘላቶ ዕድልን ናጽነትን፡ ክሳብ ሓመድ ኣዳም ዝለብስ ኣብ ድነ ማእሰርትን ሞትን ምጽባይ ጥራሕ’ዩ።

ካልኣይ ሓለንጊ፡ ስደት ናብ ዘይተረፈጠ ቦታ

ድሕሪ ናጽነት፡ እሞ ድማ መዘና ኣልቦ መስዋእቲ ከፊልካ ናብ ስደት ምምራሕ ስጊንጢር’ዩ። ጠንቅን ብዝሕን ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ስርዓት ህግደፍ ዘቅርቦ ኣሽሙርን ሕሶትን ከምኡ’ውን መግለጺታት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን መራኸቢ ብዙሓን ምዕራባዊ ዓለምን ንጎድኒ ገዲፍካ፡ ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ንኽነብር ስለዝሓሰሞን ብኣገዛዝኣ ምልካዊ ሰርዓት ህግደፍ ተስፋ ስለዝቆረጸን’ዩ ዕረ እናጠዓሞ ጉዕዞ ስደት ዝመርጽ ዘሎ። ኤርትራ ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ካብ ዘምርሑ ኣህዛብ ድሕሪ’ተን ብኩናት ሓድሕድን ጣልቃ ምትእትታው ምዕራባውያ ሃገራትን ዝሕመሳን ህዝበን ናብ ስደት ዘምርሕ ዘሎን ሃገራት ሶርያ፡ ኣፍጋኒስታን፡ ዒራቅን ሶማልያን ትስራዕ ሃገር’ያ። እቲ ዝስደድ ዘሎ ኤርትራዊ፡ እቲ ኣብ ቁጠባዊ ልምዓት፡ ጽላታት ትምህርቲ፡ ምርግጋጽ ሰላም፡ ጥዕናን ካልእ ዓውድታትን መሪሕ ተራ ክጻወት ዝኽእል ሕመረት ሕብረተሰብና’ዩ። ምጽናት ናይዚ መንእሰይ ወለዶ ድማ፡ ብቀሊሉን ኣብ ሓጺር እዋን ዘይፍወስስ ማሕበራውን ቁጠባውን ሰለሎ ኣለዎ። ኤርትራ ብሕጽረት ዓያዪ ጉልበት፡ ምሁርን ተመራማርን ኣካል፡ ተካኢ መጻኢ ወለዶ፡ ብዘይ ኣቦ ዝዓብዩ ዘኽታማት ቆልዑን ዘይምምጥጣን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ክትሳቀ’ያ። ኣብ ገጠራት ኤርትራ፡ መቃብር ዝኹዕቱ፡ ሬሳ ዝስከሙ፡ ኣብ መርዓን ካልእ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ዝነጥፍ ጥር ዝብል መንእሰይ ስለዘየለ፡ ነዚ ዝተጠቅሰ ግዴታ ንምምላእ ብምርኩስ ዝተደገፉ ኣራጋውያን ኣቦታትን ኣዴታትን ክፍጽምዎ ምርኣይ ንቡር ኮይኑ’ሎ። ብድሆታት እቶም ኣሽሓት ገንዘብ ተለቂሖምን ተሓሪጦን እግሮም ናብ ዝመርሖም ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ካብ ስድራቤቶም ምፍልላይን መጻኢ ህይወቶም ምዝራግን ጥራይ ዘብቅዕ ኣይኮነን። ኣብ ምድረበዳ ሳህራ ብጥሜትን ጽምእን ይሞቱ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ይጥሕሉ፡ ብነጋዶ ሰብ ይቅተሉ፡ ይእሰሩ፡ ይቅጥቀጡ፡ ተገዊሖም ኮላሊቶም ይሽየጥ፡ ደቂ ኣንስትዮ ይዕመጻ፡ ይጠንሳን ይጭወያን። ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብ ጉዕዞኦምን ዘጋጥሞም ጸገማት ክጻወርዎ ስለዘይክኣሉ፡ ኣእምሮኦም ይስሕቱን ነብሰ ቅትለት ይፍጽሙን። ከምቲ ሓንቲ ኤርትራዊት፡ ሬሳ ኤርትራውያን ካብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዓሳ ተገፊፉ ክወጽእ ምስተዓዘበት ዝርንዝሕ እናነብዐት፡ “ኤርትራውያን ክንመውት ጥራይ ዲና ተፈጢርና” ኢላ ዝገለጸቶ፡ ሞትን ስቃይን ኤርትራዊ ብስደት ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከብቅዕ ኣይክልን’ዩ።

ሳልሳይ ሓለንጊ፡ ኣሰቃቂ ህይወት ኣብ ስደት

ካብ ኣብ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ኩርኳሕ ምንባር፡ ብቅሳበ ኣብ ዝኾነ ኩርናዕ ዓለም ምጽጋዕ ምርጫ ብዙሓት ኤርትራውያን’ዩ። ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ፡ ተመጽዋቲ ምዃንን ዕድልካ ባዕልኻ ዘይምውሳንን’ዩ። ኣማኢት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ ካብ ኣደራዕ ህግደፍ ተገላጊሎም፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ካብ በላዕቲ ሰብን ባህርያዊ ሓደጋታትን ድሒኖም ኣብ ሳልሳይቲ ሃገር ፖለቲካዊ ዕቁባ ምስሓተቱ ክሰግርዎ ዘለዎም መሰናኽላት’ውን ቀሊል ኣይኮነን። ኣብ ዓንቀጻት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንመሰል ስደተኛታት ዝጣበቅ ሕግታትን ዝኾነት ሃገር መሰልን ድሕነትን ስደተኛታት ከተኽብር ዘገድድን’ኳ እንተኾነ፡ ገለ ሃገራት ብሰበብ ውሽጣዊ ጸጥተአንን ቁጠባዊ ጸገማተንን፡ ንኣህጉራዊ ውዕላት ብምጥሓስ፡ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታትን ይፍጽማ። ንኣብነት መንግስቲ እስራኤል ነቶም ካብ ጸበባን ስቃይን ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም ኣብ እስራኤል ዝኣተዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ናይ ፖለቲካ ዑቁባ መሰሎም ብምግሃስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ምድጓንን ብዘይድሌቶም ናብ ካልእ ሃገር ምጥራዝን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ድርብ ሓለንጊ’ዩ። እቲ ምስ ስርዓት ህግደፍ ብርኹስ ረብሓ ኮሸምሸም ዝብል መላኺ ስርዓት ሱዳን’ውን፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ካብ መዓሰከራት ስደተኛታትን ኣብ ጉዕዞ ብቃጽያ ብምኽታርን፡ንኽመቱን ክእሰሩን ንስርዓት ህግደፍ የርክቦም ኣሎ። ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ ዘለው ልዕሊ 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን፡ ወዮ ድኣ ንጸገማቶምን ንመሰላቶምን ዘእውየሎም ሰብ የለን እምበር፡ ብዘይ እኹል መግቢ፡ ኣገልግሎት ጥዕና፡ መጓዓዝያ፡ ዝስተ ማይ፡ መንበሪ ኣባይቲ፡ መብራህቲ ንነዊሕ ዓመታት ብቁሪ፡ ጸሓይን ጥሜትን እናተገርፉ’ዮም ምስ ዕድሎም ዝራገሙ ዘለዉ። እቲ ብኣፉ ወካሊ ህዝቢ ኤርትራ ከመስል ዝፍትን ስርዓት ህግደፍ’ውን፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብዘይ ሕጊ ዋና ስኢኖም ዝእሰሩ፡ ዝባረሩ፡ ንብረቶም ዝዝመት፡ ብሓደጋ ህይወቶም ዝስእኑ ዘለዉ ኤርትራውያን ከበሮም ወሲዱ ኣይፈልጥን’ዩ ጥራይ ዘይኮነ ”ሕራይ ኮነ፡ ኤርትራውያን ኣይኮኑን’’ ዝብል መልሲ’ዩ ዝህብ።

ራብዓይን ናይ መወዳእታን ሓለንጊ፡ ጠባይ ምቅጣንን ዕድልካ ምስባርን

ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ክሰምዖን ብግብሪ ክዕዘቦን ዝጸናሕኩ ዓቢ ቁምነገር፡ “ህዝቢ ኤርትራ ጻዕራም፡ ለጋስ፡ ለባምን እሙንን” ዝብሉ ጉዳያት’ዮም። እዞም ዝተጠቅሱ ክብርታት፡ ዋላ’ኳ ንሚዛኖም ዘፍኩስ ጋሕማጥ ኣሰራርሓ ህግደፍ ዘሳዕረሮን ገለ ሰባት ብስስዐን ፍትሒ ምስተሓረሙ ዘማዕበልዎን ኣብ ፈተነ ይኣትዉ እንተለዉ፡ ከም ቅርሲ ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰጋገሩ ዝግብኦም’ዮም። ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ጭዋ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ቦታኡዶ’ሎ ወይ ተጀሊሑዝብል ሕቶ ፍርዲ ናብ ኣንባቢ ገዲፈ፡ እቲ ኣብ ስደት ኣብ ገለ ገለ ኤርትራውያን ሓሓሊፉ ዝርአ ዘሎ ንስምና ዘነውር ተግባራት ከተንብህ እፈቱ። ዝበሉዃ ግበረሎም ወይ ዓዶም ግደፈሎም ማለት ኣብ ስደት ፈቲኻ ጸሊእካ በቲ ናይቲ ዘለኻዮ ሃገር ሕግታት ተቀይድካ ክትከይድን መሰልካ ክትሓትትን ኣለካ ማለት’ዩ። ብፍላይ ኣብ ምዕቡላት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ብቅሉዕ ከምቲ ንኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝዝውተር ሕዱር ሕማም፡ ጉዳይካ ንምስላጥ ብላዕ ክትህብ፡ ሕግታት ክትጥሕስን ከተደናግርን ዘሎ ዕድላት ኣዝዩ ጸቢብን ድርብ ገበንን’ዩ። ኣብ ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ዘርቀቆ ሕግታት ስለዘየለ፡ ጸገማትና ንምፍታሕን ጉዳያትና ንምስላጥን፡ ንጀነራላትን ኣብ ዝኣተናዮ ኣብያተ ጽሕፈታትን ብገንዘብን ዓይነትን ጉቦ ምሃብ መድሃኒት ዘይብሉ ሕማም ኮይኑ ምህላዉ ዘካትዕ ኣይኮነን። ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ይኣትዉ ካብ ዘለዉ ገለ ኤርትራውያን ሰክራማት’ዮም፡ ብእምባጓሮ ይባኣሱ፡ ብዘይ ፍቃድ ካብን ናብን ይንቀሳቀሱ፡ ጽልኣት ስራሕን ትምህርትን ኣለዎም” ዝብሉ ወረታት ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ይነፍሱ ኣለዉ። ኤርትራውያን ናጽነትና ብደምና ስለዘረጋገጽና ብጅግንነት ተፈሊጥና፡ ኤርትራ ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ተናኻሲት ጎረባብቲ ሃገራትን ተኸሲሳ፡ ኤርትራውያን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ብስደትን ሞትን ተፈሊጥና፡ ሕጂ ድማ ዋላ’ኳ እቲ ኣጸያፊ ተግባራት ብውሑዳት ሰባት ይፈጸም፡ ብሰንኪ ንቁጽ ይነድድ ርሑስ ስለዝኾነ፡ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝሃለና ሃሊና ክንፋቀር፡ ክንተሓጋገዝ፡ ተማእዘዝቲ ሕግታት ክንከውን፡ ብስምረት ንመሰልና ክንጣበቅ ኣሎና። ካብ ሳዕሳዕካ ተቆጻጸ ስለዝኾነ፡ ካብ ንፈትዋ ሃገርናን ስድራቤትናን ካብ ተፈለና፡ ናብራና ከነመሓይሽ፡ ስድራቤትና ክንሕግዝ ኣበርዕና ክንሰርሕ፡ ክንምሃር፡ ዘሎ ዕድላት ክንጥቀመሉ፡ ዓቅልን ተስፋን ክንገብር ኣሎና። መሰረታዊ መፍትሒ ግን እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰይጣናዊ ስርዓት ንምእላይን ኣብ ቦታኡ ህዝባዊ ስርዓት ንምትካልን ብሓባር ምስራሕ’ዩ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (15 ሓምለ 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
4 COMMENTS
  • DESALEGN BERHE July 17, 2016

    ኣብ ሃገራዊ በዓል ምስታፍ “ዉልቃዊ መሰል” ምስ ተቓዋሚ ወይ ደጋፊ ዘተኣሳስር የብሉን!

    ናይ ሓደ ሰብ መምዘኒ ደጋፍን ተቓዋምን ምኻኑ፥ ዝኽተሎም ስነ ሓሳባትን ተግባራቱን ከምኡዉን ንድሕረ ባይትኡን ዝዳህሰሰ ነገራት ኣብ ግመት ብምእታዉ ብዘንጸባርቆም ባህርያት ምስ ዝምዘን ክኸዉን እይግባእ! ሓደ ሰብ ሃገራዊ ባዓላት ናይ ምብዓል ኣበይ ቦታ ወይ ምስ መን ኮይኑ የብዕል ብዘየገድስ “ዉልቃዊ መሰሉ” ጥራሕ ዘይኮነ “ንናይ ገዛእ ርእሱ ሕልና” ዝምልከት ጉዳይ እዩ። ስለዚ ናይ ሓደ ዉልቀሰብ መሰል ክትንክፉ መሰል ዝሃበኩም ሰብ የለን ጥራሕ ዘይኮነ መሰል እዉን የብልኩምን እዩ።

    መዓልቲ ናጽነት ይኹን መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ ምስ ደገፍቲ ህግደፍ ይኹን ምስ ተቓወምቱ ኮይንካ ናይ ምብዓል ዉልቃዊ መሰልካን ምስ ናይ ዝኾነ ጸግዒ ምሓዝ ዘርኢ መለክዒ ፈጺሙ ክኸውን ኣይኽእልን ጥራሕ ዘይኮነ ምኽኑይ ክገብሮ ዝኽእል ምኽንያት እዉን የለን እዩ። ሰንኮፍ ርእሲ (ድኹም ኣተሓሳስባ) ሒዞም ዝጓዓዙ ደገፍቲ ይኹኑ ተቓወምቲ ነዚ ዘይምኹኑይ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ከወግድዎ ይግባ። ዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ በዓል ናጽነትን መዓልቲ ስውኣትን ስጋብ ዝቐረባ ጊዜ ምስ ህግደፍ ዘብዕሎ ዝነበረ ክነሱ ሕጂ ከዋራዝዮ ዝኽእል ነጥቢ የለን ጥራሕ ዘይኮነ ካብ ሓቂ ዝረቐ ምኻኑዉን ክበርሃልና ይግባእ። ነዚ ኣልዒለዮ ዘለኹ ነጥብታት ክኣምነሉ ዘይኽእል ሰንኮፍ ርእሲ ዘለዎ ተቓዋሚ እየ ባሃሊ እንተሎ ግና ንሱ እዉን ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህግደፍ ዝገብሮም ዝነበረ ሃገራዊ ባዓላት ኣብ ሃገርና ከም ኩሉ ዜጋ ይሳተፍ ስለዝነበረ ብገበን ተሓታታይ ክኸዉን ከምዝኽእል ክፈልጥ ይግባእ።

    ምስትውዓል የድሊ!

  • Realistic Eritrean July 18, 2016

    ጽላል invents a totally madeup lie..QUOTE…..”ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ ስርዓታት ኢትዮጵያ ይኽተልዎ ብዝነበሩ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ኣዕናዊ ሜላታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተጎብጠ መሬቱን ዝተጋህሰ መሰሉን ክረጋገጸሉ ዝጠለቦ ሕጋዊ መንገዲ ብኣፈሙዝ ብረትን ሓይልን ስለዝተመለሰሉ፡ መንበሪ ኣባይቱን ንብረቱን ስለዝዓነወን ኣብ መሬቱ ብሰላም ክቅመጥ ስለዝተሓረመን ናብ ስደት ከምርሕ ተቀሲቡ።”END OF QUOTATION

    ነዞም መንእሰያት ናይ ሓሶት ታሪኽን ብሂልን ምንጋር እንተንገድፎ ክንደይ ጽቡቕ ኔሩ።
    ጃንሆይ ንኤርትራውያን ዩኒቨርሲቲ ናይ ሻሂ ገንዘብ (፩፭ ብር) እናሃበ የምህር ኔሩ።መንግስቱ ንኹሉ ጨካን ነበረ እሞ ኣባና ኣብ ደቂ ክፍለሃገር ኤርትራ ግን ህዝብና በረኻ ከይወጸና እናበለ ቀይሕ ራዕዲ ኣብ ሙሉእ ኢትዮጵያ ተኻይዱ እንከሎ ኣብ ኤርትራ ግን ሾሊኹ ዝወጸ ሾሊኹ ይእቶ ብምባል ኣቃባጠረልና ድኣ።ወያነ እንተኾነ ነቲ ሃረር ዝበልናዮ ባርነት ከነምጽኦ ምእንቲ ህዝቢ ትግራይ ኢሉ ኣብ ሳሕል ወዲቑ።ንብረት ኢትዮጵያ እናሰረቐ እውን ቡንን ጣፍን ወርቅን ንህዝቢ ትግራይ ብተጋደልቱ ኣገዲዱ ነዞም ክብረት ገጽና እንተዝሃርመና ዘይነለልዮ ወራዳታት ውሽማ ኣዕራብ ወርቅን ጨርቅን ጌሩና።ግን ንናይ ባርያ ኣተሓሳስባ ዘለዎ ህዝቢ ብፋሽሽቲ እናተገረፍካን በዕራብ ሰብኣይካን ሰበይትኻን እናተዓመጽካ ምንባር ክአምን ክብረትን ነጻነትን ወሲዱ እንሆ እኳ ጽላል ምእንቲ ነቲ ሓሳውን ኣዕናውን ሽፍትነትና ሕጋዊ መገዲ ከትሕዝ ናይ ሓሶት ታሪኽ ይምህዝ።እዚ ናይ ጽላል ጻዕዳ ሓሶት ንምርኣይ ኣይኮነን።ናይ በዝሓና ኣረኣእያ እዩ።ምኽንያቱ ካብ ንሳላሳ ዓመት ንብላሽ ዓሪብና ምእማን፣መሔከም ሙሽሙሽ ሓንጎልና ታሪኽ ብምምሃዝ እቶም ብሻዕብያ ተገዲዶም ኣደዳ ትርጉም ኣልቦ ጥፍኣት ዝኾኑ ኣሕዋትናን ደቅናን ወለድናን ንኽብረት ሓሊፎም ምባል ነቲ መንእሰይ ሓቂ ነጊርካ ነቲ መሪር መድሃኒት ክንዲ ምውሓጥ ዋላ ትንፈር ጤል እያ ምባል ንኹላትና ከሔንሕ ዝግብኦ ሕስረት እዩ።
    The invented lies are getting old ,Eritrean youth are repeating what I cleaerly have been stating forever.That tegadeltis were shefatu ,some misled ,some for adventure m,some came from a municipal police &regular police family born among 12 children read the writing on the wall and relieved their family from more mouthes to feed while claiming manhood.

    • Eritreawit July 19, 2016

      Cow face, your comments here in our forum is invalid , you are one of the dictator’s allies,.

  • Realistic Eritrean July 20, 2016

    Erirreawit/wedi hager/kalighe/Mohammed,

    when and who said..ስርዓታት ኢትዮጵያ ይኽተልዎ ብዝነበሩ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ..etc..I have heard it since I was a kid ,This is the invention of secessionist bandits propoganda ,the Ethiopians must be Idiots ,did they just want the “vegetable donkey” ሓምሊ ኣድጊ of Hamasien or kuintiኩዕንቲ of akele..I mean out of the five million or so Eritreans there are few of us who can reason..I just got sick and tired of this lies ,so did the Eritrean youth..go to simerrr paltalk, specially the one administered by amiche and you will hear my young disciples speaking about the Eritrea’s enemies trhe coward killing robot shefatus.