Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ – ካብ መባህረር (nightmare) ተበራበር

ህዝቢ ኤርትራ ካብ መባህረር (nightmare) ተበራበር ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ዝጅመር ነዊሕ እዋን ዝገበረን ዝቕጽልን ዘሎ ምኳኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን፡ ብብዝሒ ተዘሪቡሉን ተሰሪሑሉን፡ ክሳራታት ዘጓነፎን ዓወታት ተሓፊሱሉን ዝሓለፈ መስርሕ ከምቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ብረታዊ ቃልሲ መጻኢ ኤርትራ

ህዝቢ ኤርትራ

ካብ መባህረር (nightmare) ተበራበር

ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ ካብ ዝጅመር ነዊሕ እዋን ዝገበረን ዝቕጽልን ዘሎ ምኳኑ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ የለን፡ ብብዝሒ ተዘሪቡሉን ተሰሪሑሉን፡ ክሳራታት ዘጓነፎን ዓወታት ተሓፊሱሉን ዝሓለፈ መስርሕ ከምቲ ኣብ ኣጋ መወዳእታ ብረታዊ ቃልሲ መጻኢ ኤርትራ ስርዓተ ሕጊ ዝኽተል ደሞክራሲ ዘንግስ ብሕገ መንግስቲ እትምሓደር ምዕብልቲ ሃገር ከም ትኸውን ብመብዛሕትኦም ተጋደልትን ህዝብን ዝተመነዩዋን ብገለ ውሑዳት ከኣ ብሓሶት ንህዝቢ ንምትላል ዝተነበዩላን ጸኒሓ 91 መጸት። ብ1993 ድማ ብዘስተንክር 99.8 % ድምጺ እወ ንናጽነት ረፈረንዱም ኣካይድካ መሰል ርእሰ ውሳኔኻ ዘረጋገጽካ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መሰልካ ምርግጋጽ ግን ኣብ ምእማኑ ዝጽግም የለኹን ዘበልካ።

ካብ 1994 ምፍራስ ህግሓኤን ምምስራት ህግደፍን ክሳብ ሎሚ ካብ መሪሕነት ህግደፍ ብግልጺ ዝተመሓላለፈ ኣገዳሲ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ የለን፡ ከም ዘየሎ ኩሉ ዝፈልጦ ኢዩ፡ ብፍላይ እቶም ኣብ ምምሕዳር ዘሎዉ ተጋደልቲ ብኸመይ ህዝቦም እናጠፍአ፡ ብጾቶም በብቑርብ እናሓቐቑ፡ ኮታ ብኸመይ ህላውነት ሃገሮምን፡ ቋንቋምን፡ ዘርኢ ዘርኦምን ኣብ ምድምሳስ እናኣምርሐን ኣብ መባህረር ኣትዮም።   ሓይሊ እሰያስ ድዩ ወይስ ድኽመት ህዝቢ ኤርትራ?

ብዝኾነ እቲ ዝበሃል ተባሂሉ እንተ እቲ ግብሪ ሓኪሉ ኣብ ዘሎሉ እዋን፡ እንተ እተን ኣሓ ወሲዶመን እንተ እቲ ጸርፊ ዝገደፍናሎም የብልናን ከም ዝተባህለ፡ ውልዶ ሃገረ ኤርትራ ከምዘይነበርት ትኸውን ኣላ።

1         ኣብ ምምሕዳር ሃገር ንስሙ ዘሎኹምን፡ ኣብ ሓለዋ ሃገር የለኹን ዘበልኩምን ዝተረፍኩም ህዝቢ ኤርትራን፡ ተጋዳይ ብርሃነ     ኣብርሀ ዘመሓላለፎ እማመ ዝሓዘ መጸዋዕታ ሰሚዕኩም ስቕ ብምባኩም፡ እታ ሃገርን ህዝባን ንድሕነት ኢትዮጵያ መስዋእቲ         ከወፍያ እንከሎ፡ ገለኹም ካብ ስራሕ ደው ኣቢለ ገለኹም ካብ ስልጣነይ ወሪደ፡ ገለኹም ድማ እቲ ዶብ ብዘያኣግባብ ክኽፈት ምስ ረኣኹም ማዕጾ ቤትኩም ዓጺኹም እሕዋትኩምን፡ ደቅኹምን፡ ኣቦታት ኣዴታትኩምን ተጋዲሎም፡ ተሰዊኦምን ኣካሎም ሰንኪሎምን ዘምጽኡልኩም ናጽነት ክንድቲ ጊዜ ቃልሲ 30 ዓመት ከይመልአ ናጽነትኩምን ሃገርኩምን ራሕሪሕኩም ንትግራይ ክትስደዱ ብድሕረኹም ከኣ ጸላኢኹም፡ “ንሕና ገዛና ክንገድፈልኩም ንስኻትኩም ከኣ ትኣትውዎ” ኢሉ ከም ዝጨርሓሎም ከተተግብሩ፡ ናብ ምዓስከር ስደተኛታት ተዓቚብኩም ዘሎኹም፡ ሃገር ጥራይ ዘይኮነትስ ዘርኢ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ዘርኢ          ከበሳ ብሱሩ ናይ ምድሳሱ ተሓባበርቲ ኮይንኩም ኣሎኹም።

ክኸውን ዝግብኦ፡

ሰበስልጣን ኣኼባ ምስ ገበረልኩም፡ ከምቲ እማመ ናይ ተጋዳላይ ብርሃነ ኣብርሀ ካብ ስልጣን ወሪድካ ኢኻ፡ ብዝበደልካዮ      ተሓታቲ ከም ምኻንካ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕጊ ትቐርብ፡ ኩሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት ክፍትሑ ክትእዙዙ፡ ዶብ    ናይ ሃገረ ኤርትራ ክስብ ዝሕንጸጽ ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ካልእ ሃገር ዝመጽእ ወይ መጺኡ ዝርከብ ሓይሊ ናብ ሃገሩ      ክምለስ፡ ብውልቁ ንዝተገብሩ ውዕላት ብቕልጡፍ ምስራዝ፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ንምስግጋር ስርዓተ ሕጊ ንምትካል      ባይቶ ህዝቢ ኣምሪጽኩም ዘድሊ ስጉምትታት ምሕንጻጽ።

ህዝቢ፡ ኣብ ዘሎኻዮ ቀጥ ኢልካ መዓንጣኻ ሸጥ ኣቢልካ ኣብ ኣድባባይ ብሰላማዊ መንገዲ መሰልካን ድምጽኻን ብንጹርን         ጉሉሕን ብዓውታ ነዚ ዝካየድ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ንዕቀትን ተጻዊዱልካ ዘሎ ብርሰትን መኪትካ ሃገርካን ህዝብኻን ከተድሕን           እምበር መገዲ ተረኺቡ ኢክላ፡ እንዳኻ ራሕሪካ ክትከይድ፡ ነሽሓት ዓመታት ዓደቦካ ዝተኸሉልካ ሪም እዲታትካ ድግድጊት ተዓጢቐን ዝተዋጋኣላ ርስቲ ናብይን ንመንን ገዲፍካያ ትስደድ። ብዓውታ ኣብ ኣደባባይ ወጺእኩም ዘይድላይኩምን ኮነ ኢሉ       ዘጥፍኣኩምን  ተግባራት ኣብ ልዕለኹም ይፍጸም ከም ዘሎ እንተዘይ ተቓዊምኩም፡ ተቓዊምኩም ድማ ናብ ትደልይዎ ለውጢ           እንተዘይፈጺምኩም፡ ኣየናይ ባዕዳዊ መንግስቲ ሎሚ ዝርህርሃልኩም። ነዚ ብሃንደስቱ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ስጉምቲ፡  ብፍርሒ ይኹን ብስቕታ ክትቅበሉዎ ወይ እንታይ እሞ ክንገብር ብምባል ተስፋ ዝቖረጽኩም፡ ህይወት ብዘይ ክብረት ኢሎም ንናጽነት           ዝተሰውኡልኩም ደርቢኹም፡ ሃብታም ሃገር እንከሎኩም ናብ ስደት ኣብ ክንዲ ምዕላም፡ ሓሞት ግበሩ፡ ሕጂ ብርቱዕ ድምጺ    ኣስምዑ። ለውጢ ዝመጽእ ብተቐማጦ እታ ሃገር ጥራይ ምኻኑ ኣሚንኩም ምስ ትለዓሉ፡  ኣብ ግዳም ዘሎ ዜጋኹም ንዓመታት       ተቓውሞኡ ከቃልሐ ዝጸንሐ ሕጂውን ዝቕጽል ዘሎ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ እንተ ኾይኑ፡ ንስኻትኩም ምእንቲ ድሕነትኩም       ብቐጻሊ ተሪር ተቓውሞን ክኒኡን ሕሰቡ።

ድሕሪ ናጽነት ዝትሰደድኩም መንእሰያት፡ ብሕልፊ ድሕሪ 1998-2000 ወራራት ናይ ኢትዮጵያ ኣፍሺልኩም ልኣላውነት         ኤርትራ ኣውሒስኩም ዝወጽእኩም ዋርሳይ፡ ናይ ኣወጻጽኣኹም ኩነት ትፈልጡዎ ፍሉይ ታሪኽ ስለ ክህልወኩም ዝኽእል፡   ኣዘንትውዎን ሰንድዎን፡ እቶም ኣብ ዓዲ ፍትሒ ዘሎኹም፡ ነንሕድሕድኩም ብመርበብ ሓበረታ እናተራኸብኩም፡ ናይታ      ዝደመኩምላ ሃገርኩም ሕጂውን ዋርሳይ ኢኹም፡ እቲምንታይ ወለድኩምን መሳትኦምን ብናይ 30 ዓመት ተጋድሎን፡ ብናይ 27      ዓመት ሓለንጊ ተዳኺሞምን ተጓዲሎም ኢዮም እሞ፡ ተመሃሩ ተራኸቡን ተጠርነፉን፡ ብመጀርያ ጽን ኢልካ ሰማዒ፡ ቁምነገርን    ተሰማዕን ተዛራቢ፡ ሃናጺን ንቕድሚት ዘሰጐም ኣተግባሪን፡ ክትኮኑ ሃርኩቱ። እዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ክከውን ዝግብኦ ዘርእስቱ  ብዘይካትኩምን ኣብ ሃገር ተሪፎም ዘሎዉ መንእሰያትን ትርጉም ስለዘይህልዎ፡ ተስፋ ብዘይምቕራጽ ንኹሉ በድህዎ፡       ዓወት ድማ ከም ወትሩ ናትኩም ክትከውን ኢያ፡ ንኤርትራ ድማ ዳግም ክትሃንጹዋ ኢኹም ።

  1. ኣብ ግዳም ዘሎና ተራና፡

ብሓብር ተጠርኒፍና ንኸይንቃለስ ምኽንያት ዘይርከቦ ህሉው ሓቂ ኮይኑ ጸኒሑ። እዚ ክከውን ዝኸኣለ ድማ ነፍስወከፍና        ንሕተተሉ ድኽመት ስለ ዘሎናን፡ ኣብ መንጎና ዘይምርድዳእ ይኹን ዘይምስምማዕ ሰፊኑ ስለ ዝርከብን። ሕጂ ጽሓይ ዕራርቦ        ኮይናትና ምህላዋ ዝዝንግዕ እንተሃልዩ ኣብ ሕልሚ ዝነብርን ካብ ካልእ ኣካል ፍታሕ ዝጽበን ጥራይ ኢዩ። ፍታሕ ህሉው      ኩነታትና፡ ኤርትራውያን ኣብ ዘሎና ሃሊና ካብ መባህረር(nightmare) ተበራቢርና ብሓባር ምስ እንሓስብን ዝሓሰብናዮ ኣብ    ግብሪ ምስ እነውዕልን ጥራይ ከም ንዕወት ብኹሉ ልብናን ቀልብናን ምስ እንኣምን ጥራይ ኢዩ። እዚ ኣበሃህላ መብዛሕትና    ንፈልጦን ብዙሓት ኣብ ምዕከናት መርበብ ሓበረታ ብድምጺ ይኹን ብጽሑፍ ዝንበዩዎ ብምኻኑ ፈለጥቱ ብዙሓት ኣተግበርቱ   ግን ውሑዳት ኣብ ዘሎናሉ እዋን፡ ነዛ ጻውዕት ካብ ናይ ኩልና ኣእምሮ ብሓንቲ ካልኢት ከም ዝወጸት ኣሚንና ኣብ ዘዘለናዮ           ብኸመይ ኣብ ግብሪ ንትርጐማ ንሕሰብ እሞ ንካፈሎ። ዕላማና ሓደ፡ ንጽበዮ ውጽኣኢት ሓደ ክኸውን ኣተሓሳስብና ንለውጦ።           ብረታዊ ቃልሲ ሃገርና ናብ ዓወት ዘበጽሐ ምስጢሩ ንሱ ኢዩሞ፡ ዳግም ነተግብሮ።

ጸላእትና ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ድኽመትና፡ ጊዜ ፡ እኩይ ዕላማ ውልቀመላኺ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ገለ ጎረባብቲ ሃገራት፡ መሪሕነት           ሕቡራት           ሃገራትን ዝርከቡዎም ሓይልታት ዘይስዓሩ እንተመሰለ፡-

ንድኽመትና ብነንሕድሕድና ስኒት

ንጊዜ ናባና እንመልሶ ብፍልጠት፡

ንውልቀ መላኺ ንስዕሮ ብትብዓት፡

ንሰላም ምስ ኢትዮጵያ ብብልሓት፡ ከምቲ ንስኹም ቤትኩም ዘመዓራረኹም፡ ከምኡ ክሳብ ንገበር ኣብ ቦታኹም ጽንሑልና

ንምስ ጎረባብትና ሃገራት ብትኩርነት፡

ንመሪሕነት ሕቡራት ሃገራት ብምምጓት

  1. ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ በደላት፡-

(ሀ)      1952 ካልኦት ኣብ ግዝኣት ዝነበራ ነጻ ክወጻ እንከሎዋ ንኤርትራ ኣብ ዳግም ግዛኣት ዘእቱ እማመ፡

(ለ)      1962 ንጉስ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብሓይሊ ክጎብጣ እንከሎ ድምጺ ኣልቦ ምዃን፡

(ሐ)     ካብ 1962 ክሳብ 1991 ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣብ ኤርትራ ዘውረዱዎ ዕንወትን ሰብኣዊ ህልቂትን፡ ድምጺ ኣልቦ ምኻን፡

እዚኣተን መሰል ርእሰ ውሳኔ ዝምልከታ፡ ኤርትራ 1991 ብዓወት ከምኡውን ብ1993 ብረፈረንዱም ኣረጋጊጻቶ ክነሳ፡

(መ)     ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡውን ኣህጉራዊ ኪዳን ኣብ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ባህላዊን መሰላት፡           ስርዓት ህግደፍ ኤርትራ ነዞም ውዕላት ይኹን ነቲ ቅድሚ ናጽነት፡ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ንህዝቢ ዝኣትዎ               መብጽዓታትን ብምሉኡ ከየተግበር ጸኒሑን ኣሎን።  ብኹሉ መዳያት ንስምምዕ ሕቡራት ሃገራት ከም ዘይተኸተሎ                        ኣብ 27 ሰነ 2014 ኣብ መበል 39 ኣኬባኡ ዘመዝገበ  ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ሃ.፡ ከምኡውን ብተደጋጋሚ                              ጸብጻባት ምምሕያሽ ከም ዘየሎ ክሳብ ሰነ 11, 2018 ዝቐረቡ ጸብጻባት እናሃለዉ፡- ከምኡውን ኩነታት ሰብእዊ መሰላት           ኣብ ኤርትራ ብዝብል ኣርእስቲ 38/15 ናይ 6 ሓምለ 2018 ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡-ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከም                        ቀደሙ ከም ዘሎ፡ ኣስዒቡውን ካብ 1991 ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂ-ሰብ ኣብ ኤርትራ ከም ዝትፈጸም፡ እንተላይ ብጃምላን                     ሃለዋት ኣብ ዘይፍለጠሉ ማእሰርቲን፡ ጨዊኻ ምሽራብን፡ ምስቓይን ዝኣመሰሉ ግህሰታት፡ ኣስዒቡውን ህዝቢ ኤርትራ            ሃገሩ ከመሓድር፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ክሳተፍ ብዓል ምሉእ መሰል እኳ እንተኾነ ድሕሪ 1993 ዝተኻየደ ረፈረንዱም                            ምንም ዓይነት ምምራጽ ከም ዘይተኻየደ ዝገለጸ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕ.ህ. ኣስዒቡ’ውን ምዝነት ናይታ ፍልይቲ                       መርማሪት ንሓደ ዓመት ከም ዝተናወሐ ዝወሰነ ኣካል፡ ብዙሕ ነጥብታት ዝሓለፎ እማመን ውጽኢታዊ ጸብጻብ ናይ                 መርማሪት ኣብ ዝቕጽል ኣኼባታትን ኣብ ሓፈሻዊ ዋዕላ ባይቶ ሕ.ሃ. መበል 73 ጉባኤ ክቐርብ እናተባህለ፡ ብዓቢኡ                        ድማ ህዝቢ ኤርትራ ክርህወሉን ፍትሒ ክረክብን እናተጸበየ፡

ብኸመይ ኤርትራ  ብዕለት 29 ነሓሰ 2018 ዝተጻሕፈ ናይ ኣብልነት  ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ናይ ሓሶት መብጽዓ ሓቂ ዘይብሉ       ብወኪል ኤርትራ ዝተጻሕፈ ብምሉኦም እቶም ኣንቀጻት ዝጠሓሰ ስሮዓት፡ ኣብቲ ክፈርዶ ትጽቢት ዝተገብረሉ ኣካል ሕ.ሃ. ከም           ፈራዲ ኮይኑ ዝቐርብ።  ምስ ዝምልከቶም ኣካልት ሕቡራት ሃገራትን ምስ ዋናጸሓፊን ዘይሕለል መጐተ ከነካይድ ይግባእ።     ምእንቲ ተሰማዕነት ክርክቦን ክዕወትን ከኣ ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ምስ ትለዓሉን ነቲ ስሮዓት ምስ ትምክቱዎን ኢዩ ዝሰልጥ፡           እንተዘይኮነ ትም እንተ ኢልኩም ነዚ እከይ ዕላም ከም ዝተቐበልኩሞ ኢዩ ይውሰድ።

 

ብምጽላይን እምነት ብምጭባጥን፡ ነንሕድሕድና ብምትእምማንን ምትሕልላይን ዘይስዓር እከይ ሓይሊ የልቦን።

ዓወት ንህላወ ሃገረ ኤርትራ

ንዘልኣለም ብኽብርታ ትንበር

ይኣክል 2018

aseye.asena@gmail.com

Review overview
7 COMMENTS
  • Wedi Hagher October 21, 2018

    ” .. ናብ ምዓስከር ስደተኛታት ተዓቚብኩም ዘሎኹም፡ ሃገር ጥራይ ዘይኮነትስ ዘርኢ ኤርትራዊ፡ ብፍላይ ድማ ዘርኢ ከበሳ ብሱሩ ናይ ምድሳሱ ተሓባበርቲ ኮይንኩም ኣሎኹም።”

    Those in refugee camps are victims.
    But the question should be:
    Why people are not following a few brave nationalists like Birhane Abrehe, Wedi Ali and others before them ?
    Why people did not support the G15 ?
    Why people did not react when His Holiness Abune Antonius was jailed or Haj Musa and his students were arrested ?.
    Why people did not protest when the disabled veterans were killed ?
    Essentially all the above is about one critical question: Why Eritreans are not willing to take risks or not interested at all / indifferent ?
    This is a fundamental question we should ask and reply to it, each one of us depending on our knowledge, political affiliation/experience.

  • Sol October 21, 2018

    ድሕሪ ኣቢን ኤሱን ናይ ሰላም ስምምዕ ምፍራሞም ንሕና ኤረትራውያን ከም ቤተሰብ ኦፐረሽን ክገብር ዝኣተወ ሕሙም ዶክተር ካብ ክፍሊ ኦፐረሽን ወጺኡ ኦፐረሽን ተዓዊትናላ ሕሙም ክሓዊ’ዮ ክብለና ንጸበ ኣለና ግን ዶክተር ሓንጊዱ

    • Asmerom October 21, 2018

      Wedi Hagher aka Sol aka Kalighe aka Hagherawi aka with hundreds garbage nicknames.
      Abdurobo TeraAraA, comedian Ali (the former Iraqi defense minster), you are NOT that smart!
      Kindly stop abusing this forum and stick to ONE nickname, will you?
      Why are you so restless and desperate to repeatedly act wild and childish? Inferiority complex?

      • Wedi Hagher October 21, 2018

        Asmerom,

        You rootless rascal get out of this Eritrean forum ?
        You and your boss go to Tembien.

        • Danilo October 21, 2018

          Wedi Hager, please ignore this rut let’s focus how to deal with current issue. This most ignorant person will go nowhere. He and his like must face justice before they go to grave .

          • AHMED SALEH !!! October 22, 2018

            We know where they come from and what is their intention in this forum .
            Do they have identity crisis ?
            Do they have grudges against Eritreans ?
            I really can’t tell but their comment speaks
            for itself .

  • Eritrea ziweledeto, Eritreawi November 4, 2018

    ንበል ሻማ ሻማ

    ንበል ሻማ ሻማ
    ንበል ሻማ ሻማ ብሓደ ሓቢርና
    ነርሕቆ እቲ ኽፉእ ካብ ማእከል ሕጓና

    ድሕሪ ደጊም ንቕደም
    እወ ከይንቕደም

    ብቑጽሪ ውሑዳት
    ብኽፍኣት ምሉኣት
    ብደዎም ምውታት
    ስረ ዝዓጠቑ ግናኸ ዕሩቓት

    ደው ዝበሉ ግናኸ ብደዎም ዝሞቱ
    ህዝቢ እንክሃልቕ ስቕ ኢሎም ዘቋምቱ

Post a Reply to Asmerom Cancel Reply