Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ’ዩ ሓሲምዎን ርህይዎን ሓቀኛ መስካሪ

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህግደፍ፡ ሕጊ፡ ቅዋምን ግሉጽነትን ስለዘየለ፡ ኤርትራውያን ፍትሕን መሰልን ክረኽቡ ትጽቢት ክገብሩ ኣይክእሉን’ዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ ክመርሕን ዕድላቱ ክውስንን ኣእምሮን ልቦናን ከምዘይብሉ ገይሩ ስለዝወስዶ፡ “ኣነ ዝበልኩኻ ጥራሕ ግበር” ብምባል’ዩ ንመዓልታዊ ምንቅስቃሱ

ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ህግደፍ፡ ሕጊ፡ ቅዋምን ግሉጽነትን ስለዘየለ፡ ኤርትራውያን ፍትሕን መሰልን ክረኽቡ ትጽቢት ክገብሩ ኣይክእሉን’ዮም። ስርዓት ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ህይወቱ ክመርሕን ዕድላቱ ክውስንን ኣእምሮን ልቦናን ከምዘይብሉ ገይሩ ስለዝወስዶ፡ “ኣነ ዝበልኩኻ ጥራሕ ግበር” ብምባል’ዩ ንመዓልታዊ ምንቅስቃሱ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ሓኒቁ ዝሕዝን ዝሕምትልን ብልሓታትን ተንኮላትን ብምምሃዝ ሰብኣዊ መሰላቱ ግሂሱ ብሓይሊ ዝገዝኦ ዘሎ። ህዝቢ ኤርትራ እዚ ብስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ መዘና ዘይብሉ ጭካነ፡ ካብ ዝኾነ ወገን መስካሪ ኣየድልዮን’ዩ። ኣብ ትሕቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነበር ዘሎ ኤርትራዊ፡ ተቀቲሉ፡ ጠምዩ፡ ጸሚኡ፡ ተኣሲሩ፡ ሰብኣዊ መሰላቱ ተገፊፉን ንብረቱ ተዘሚቱን፡ ብዘይካ’ቲ ተሰካሚ ናይ ኩሉ ኣደራዕ ዝኾነ ኤርትራዊ፡ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራትን  ውድባት ተጣበቅቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ምስክርን መርትዖን ኣየድልዮን’ዩ። ቀንዲ ዕላማ ምዕራባውያን፡ ናይ ከባቢና ሃገራትን ካልኦት ምስ ስርዓት ህግደፍ ኮሸምሸም ዝብላ ዘለዋ ቁጠባዊ ትካላትን፡ 10 ናቅፋ መጢኻ ወይ መጽዊትካ፡ 1,000 ናቅፋ ምምንጣል’ዩ። ብተወሳኺ ወተሃደራዊ ኣጽዋርን ንግዳዊ ኣቁሑትን ዝሽየጠሉ ርሒብ ዕዳጋታት ንምርካብን ፖለቲካዊ ጽልዋታተን ንምስፋሕን ከምኡ’ውን ባህርያዊ ጸጋታት ንምግሓጥን’ዩ። ኣብ የመን፡ ሶርያ፡ ዓራቅ፡ ሊብያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልያ ዘሎ ግዳማዊ ምትእትታዉ ዝፈጠሮ ቅልውላውን ዕንወትን ጭቡጥ ኣብነት’ዩ።

ኣብ ኤርትራ፡ ዛጊት ከምቲ ኣብ የመን፡ ሶርያ፡ ዒራቕን ካልኦት ሃገራትን ዘሎ ግዳማዊ ጠብሎቅታን ሓድሕድ ኩናትን’ኳ እንተዘይሃለወ፡ እቲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጽሞ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል ግን ልዕሊ ኣዕናዊ ግዳማዊ ምትእትታው’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ 2000 ዓመተ ምህረት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተወልዐ ኩናት ብእዉጅ ደው ምስበለ፡ ኣብ ሃገርና ብኩናት ዝዓነወ ንብረትን ዝተመዛበለ ህዝብን የለን። ብተግባር ግን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን፡ እቲ ዓለቅቲ ህዝብና ዝኾነ ህግደፍ ይኽተሎ ብዘሎ ግሁድን ስዉሩን ቁጠባውን ፖለቲካውን ዕንወት ምጽዋር ስለዝሰኣንዎ’ዮም ሃገሮም ገዲፎም ናብ ስደት ዝበታተኑ ዘለዉ። ኣኽየስ ሜላታት ስርዓት ህግደፍ፡ ካብቲ ኣብ ሶርያን የመንን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ሓድሕድን ግዳማዊ ምትእትታውን ብ10 ኢድ ይብእስ። ህዝቢ ኤርትራ፡ ንኣዕናዊ ተግባራት ህግደፍ ብኣጋ እንተዘይነቂሕሉን ብጥምረት እንተዘይመኪትዎን ድማ፡ ኤርትራ ዕጫ ናይዘን ብኩናት ሓድሕድን መዐንደሪ ካልኦት ሃገራትን ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ክትከውን ትኽእል’ያ። ስርዓት ህግደፍ፡ እቲ ብሕቡእ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክፍጽሞ ዝጸንሐ ክፉእ ተግባራት፡ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ምስወጸ፡ “ኣይውዓልኩዎን፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምብርካኽ ዝተኣልመ ውዲት’ዩ፡ ጸለመ’ዩ፡ ግዳማዊ ምትእትታው’ዩ” ብምባል ባርባራዊ ተግባራቱ ክኽውል ሸበድበድ ይብል ኣሎ። እተን ወትሩ ሃገራዊ ረብሓታተን ንምሕላውን ምስ መቀናቅንተን ንምውድዳርን ክብላ፡ ድምጸን ዝዕቅባ ወይ ድማ ንርእይቶ ምዕራባውያን ሃገራት ዝቃወማ ሩስያን ቻይናን ዝርከብአን ሒደት ሃገራት፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳን ኣጽዋርን መራሕቲ ህግደፍን ሓለውቲ ስልጣኑን ብምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክቀርቡ ዝጠልብ ውሳነ፡ ብሩስያን ቻይናን ስለዘይተኾነነ፡ ህግደፍ ሓጥያት ከምዘይብሉ ከም መማጎቲ ክጥቀመሉ ይፍትን ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን፡ ልዕሊ ብይንን መርገጽን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይኹን ካልኦት ኣካላት ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ጥራሕ’ዩ ወናንን ወሳንን ጉዳዩ።

ቀወምቲ ኣባላት ውድብ ሕቡራት ዝኾና ሩስያን ቻይናን፡ ብስቃይን ንብዓትን ህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ መዓልቲ’ኳ ሓሲበን ኣይፈልጣን’የን። ሕሉፍ ታሪኽ ከምዘረጋግጾ፡ ሩስያን ቻይናን ድምጸን ክኸልኣ ወይ ክህባ እንከለዋ፡ ንሃገራዊ ጥቅመን ቀዳምነት ብምሃብ እምበር ናይቲ ብኣታተን ክፍረድ ዝተወሰነ ሃገር ወይ ህዝቢ ወጽዓን ሓቅነትን ኣብ ግምት ብምእታው ኣይኮነን። ርሑቅ ከይከድና፡ ህዝቢ ኤርትራ ንፍርቂ ዘበን ንሓርነቱን መሰላቱን ክቃለስ እንከሎን ፍትሒ ክረክብ ናብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተደጋጋሚ ጥርዓን ምስኣቅረበን፡ ሩስያን ካልኦት ጎብለላት ሃገራት፡ ህዝቢ ኤርትራ ክቅትቀጥን ክመውት ፈሪደን እምበር ንመሰላትን  ናጽነትን ህዝቢ ኤርትራ ኣይተጣበቃን። ብኣንጻሩ ንስርዓታት ኢትዮጵያ፡ ማእለያ ዘይብሉ ወተሃደራዊ፡ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ሓገዛት ለጊሰን። ስለዚ ሩስያን ቻይናን ንእማመ ውድብ ሕቡራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ፡ ናይ ኣይፋል፡ እወ፡ ወይ ናይ ስቅታ መርገጺ ምውሳደን፡ ጁባታተን ከይጎድለንን ምስ ምዕራባውያንን ዞባውያን ሃገራት ዘለወን ናይ መን ዓብለለ ውድድር ንምጉላሕ’ዩ። ስለዚ ኤርትራውያን፡ ነቲ ብውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ግፍዕታትን ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ፈታሕቱ ንሕና ክንስና፡ ጉዳይና ዓለም ክትፈልጠልናን ንህግደፍ ዓገብ ክትብለልናን ክንጽበ የብልናን። ንኣብነት፡ መንግስቲ እስራኤል፡ መሬት ህዝቢ ፍልስጤም ጎቢጡን ሰላማውያን ፍልስጠማውያን ካብ ቤት ንብረቶም ኣመዛቢሉን መሰላቶም ግሂሱን ክንሱ፡ ዕሽሽታ ማሕበረ ሰብ ዓለምን እንተላይ ናይተን ህዝቢ ፍልስጤም ናትና’ዩ ዝብላ ጎረባብቲ ሃገራት ምጥላመን መሪር ሓቂ’ዩ። ውድድር ናይተን ሓሙሽተ ቀወምቲ ኣባላት ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንውልቃዊ ረብሓ ሓቂ ምድፋናን ምስጢር ኣይኮነን። እተን ኣብ ኤርትራ ኣብ ንጥፈታት ዕደና ተዋፊረን ዘለዋ ኩባንያታት ካናዳ፡ ኣብ ወደባትናን ማያትናን ወተሃደራዊ መሓውረን ዝዝርግሓ ዘለዋ ስዑድያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን’ውን ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ክህልወለንን እቶተን ከኻዕብታን እምበር፡ ብድሕነት፡ ብልጽግናን መሰልን ህዝቢ ኤርትራ ፋዕራ የብለንን። ዋላ እታ ብዓይኒ ህግደፍ ጸላኢት ህዝቢ ኤርትራ ትቁጸር ሕቡራት መንግስታ ኣመሪካ፡ ሃገራዊ ረብሓታታ ንምሕላው፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ቀንዲ መሻርኽቲ ስርዓት ህግደፍ ክትክወን ናይ ግዜ ሕቶ ጥራይ’ዩ። ስርዓት ህግደፍ ድማ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ፡ ዓለም ምትላልን ህዝቢ ኤርትራ ምክፍፋልን ብዝለዓለ ይሰርሓሉ’ሎ፡፡ ስለዚ ኤርትራውያን ሓደ ኣገዳሲ ዕማም ክንፍጽም ኢና ንጥለብ ዘሎና፡ ካልኣዊ ፍልልያትና ወንዚፍና ነቲ ደም ህዝብና ዝመጺ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምውጋድን ኣብ ቦታኡ ፍትሕን ምዕባለን ንምርግጋጽ። ስደት፡ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ድኽነትን ሓሳረ መከራን ከኸትም፡ ስምረትን መኸተን ኤርትራውያን ምስ ዝህሉ እምበር፡ ካብታ ምስ ረብሓታታ ትጓዓዝ ዓለም ፍታሕ ምጽባይ፡ ሕብስቲ ካብ ሰማይ ክወርደልና ምምህላልን’ዩ። ኤርትራውያን፡ ነቶም ስርዓት ህግደፍ ዝጠለሞምን ዝኸሓዶምን፡ ብኢትዮጵያን ጅቡትን ዝተማረኹ ጀጋኑና ኣበይ ኣለዉ ኢልና ክንሓትት ኣይክኣልናን፡፡ ነቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝቅተል፡ ዝእሰር፡ ዝጭፍጠፍ፡ ዝስደድ፡ ኣብ ምድረበዳን ባሕርን ዝቅዘፍ፡ ብሓለንጊ ጥሜትን ሕማምን ዝሳቀ ዘሎ ኣካልና ክንማጎተሉ ትብዓት ኣየጥረናን፡፡ ካብኡ ሓሊፍና ድማ ንተንኮላት ህግደፍ ርዒምናን ሕድሪ ስውኣትና ጠሊምናን፡ ንሓድሕድና ክንወናጀል፡ ስንፍናና ክንሓብእን ዓለም ክትዘርየልና ምምሕጻንን፡ ምስ ዓይነ-ብርክኻ ምልማስ ማለት’ዩ። ውልቀ መላኺ ስርዓት ኢሳያስ ዘሻድኖን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ሸይሸይ ክብል ዘኽእሎ ዘሎን ቀንዲ ምኽንያት፡ ደቅናን ኣሕዋትናን ክርሸኑ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክበልዩን ክሳቀዩን፡ ኣባይትና ክዓኑ፡ መሬትና ክውረስ፡ ደቅና ተተገፊፎም ኣብ በረኻ ክነብሩ፡ ብዘይ ክፍሊት ክግብሩ፡ ብጥሜትን ሕጽረት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክንሕረም፡ ብዘይ ቅዋምን ሕግን ንዓመታት ክንመሓደር እንከሎና ብጩቅ ኢልና ስለዘይተዛረብናን፡ ኣብ ክንዲ ንፈትዋ ዓድና ገዲፍና ናብ ስደት ነምርሕ፡ ካብ ዘረባን ሕሜትን ሓሊፍና ንህግደፍ ስለዘይበዳህናዮን’ዩ። ኤርትራውያን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ነቀዝን  ባርኖስን ነጥፍእ፡ ሃገርና ገዲፍና ኣብ ስደት ክብርና ክቅንጠጥ ምምራጽናን ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ተመሊኽናን ንሱ ዝኣዘዘና እሺ ኢልና  ምቅባልናን ዓለም ገሚታትናን መስሓቅ ጸላእትናን ኮይናን ኣሎና። ንሕና ኤርትራውያን ንመሰልና ባዕልና ዘይተጣበቅናን ዘይመከትናን፡ ሓንሳብ ንኢትዮጵያ ካልእ እዋን ድማ ንኣመሪካን ካልኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ምኽሳስ ሕፍረት ክስምዓና ኣለዎ። ስቅታ፡ ምብትታን፡ ስደት፡ ስቃይን ንተንኮላት ህግደፍ ማዕጾና ምርሓውን ከኸትም ኣለዎ።

 ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ( ሕዳር 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT