Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ማሕበር ሚላኖ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣኼብኡ ኣሳላሲሉ።

መንእሰያት፣ ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቍፍ ህዝባዊ ማሕበር ሚላኖ ብ16 ጥሪ 2016 ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ዝምልከት ኣኼብኡ ኣሳላሲሉ። እቲ ኣኼባ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብሰፊሑ ዘትዩሎም። 1 - ህልው ኩነታት ኤርትራ ሲርዓት ኢሳይይስ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ

መንእሰያት፣ ነባራት ተቓለስቲ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዝሓቍፍ ህዝባዊ ማሕበር ሚላኖ ብ16 ጥሪ 2016 ንህሉው ኩነታት ሃገርና ኤርትራ ዝምልከት ኣኼብኡ ኣሳላሲሉ።

እቲ ኣኼባ ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ብሰፊሑ ዘትዩሎም።
1 – ህልው ኩነታት ኤርትራ
ሲርዓት ኢሳይይስ ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ኣመኽንዩ ገንዘብ ህዝቢ  ብምዝማት ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ገንዘቡ ኣብ ጥምየትን ሕሰም መነባብሮን ከምዝርከብ ገምጊሙ
2 – ንህልው ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ሚልኖ ብዝምልከት ብቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ሚልኖ ዝግበር ዘሎ ግዱድ ምእካብ ፌርማታት ኣብ ዝተመልከቱሉ ዛዕባ፡ –
ሀ – ደገፍቲ ህግደፍ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ገዛ ገዛ ኣዋፊሩ፣ እገዳ ክእለየልና ምእንቲ ኣብ ቤትጽሕፈት ቆንስል እናኸድክን ፈርማ ኢለን ንመዛኑኤን ከምዝጕስጕሳ ይገብር ምህላዉ
ለ – ካልእ ጉዳዩ ከስልጥ ናብ ቤት ጽሕፍት ዚኸደ ኤርትራዊ
ሃንደበት ብግዴታ የፍርሙዎ ከምዘለዉ
ሐ – ብስርዓት ህግደፍ ሰብኣዊ መሰላቶም ተጋሂሱን ብማእሰርቲ ተሳቕዮምን ብ ምድረበዳ ሰሃራ፣ ሊብያ፣ ማእከላይ ባሕሪ ኤውሮጳ ዚኣተዉ
ካብ ዘለዉዎ ሃገራት ንምሕባእ ናብ ሚላኖ ምጺኦም 2% ከፍሎም ይፍርሙ ናብታ ብስቓይ ዝገደፉዋ ሃገር ይምለሱን ምህላዎም ብምግንዛብ፣ ነዚ ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝግበር ዘሎ ን ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብጸለመ ናይ ምኽሳስ ኣብ ሓባራዊ መረዳእታ በጺሖም።

ዝኽሪ ን ጀጋኑ ስዋኣትና
ዓወት ን ዉጹአ ህዝቢ ኤርትራ

Email fithi Alem፣ fithialem100@gmail.com

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • yemane January 24, 2016

    Ajokum aythmeku ktefa alowo eseyas Afewerki 2016.

  • Eritrawi January 24, 2016

    BRAVO! BRAVO! Milano Eritreans. Now is time to stand TALL behind your beloved Eritrean populations.

  • Musa Ali January 24, 2016

    He would have been a forgotten history if those armed had used the gun to assacinate him instead of running away throwing the gun. Things would have been much better now. Surprisingly, wedi Ali has been the only man Eritrea delivered so far

  • negusse January 26, 2016

    Bravo Milano,
    Good job.

  • yemane January 29, 2016

    ኣብ ሚላኖ ብዕሱባት ህግደፍ ካብ ነዊሕ ኣዋን ጀሚሩ ኣብ ኩለን ዘባታት ሚሎኖ ወከልቲ ዝተዓሰባ ኣድታት ገዛ ገዛ ብምኻድ ኪፍርምስ ገንዘብ ክዋጽእ ብሓሶት ክምስክርስ ኣብ ቤት ክርስትያን ኣብ ሓዘን ወረ ዘቀባብልስ ኩነታት ተቕወምቲ ክከታተሉ 03 ተዋፊሮም ኣብ ኣብ ማሕበርኮም ዘምጽእ ኩንታቶም ምሕባር መዓልታዊ መደቦም እዩ። ባራትን ቤት መግቢ ዕሱባት ህግደፍ ቀንዲ መዋፍርሪን 03 ኮይኑ፡ ቶንኮላት ህግደፍ ዝማሃዘሉ ምደበርዩ፡፡ ስለዚ ማሕበርኩም ዝዝርተይሉ ነጥብታት ኣገደስቲ ኣዋናዊን ኣዩ። ኣጆኹም በርትዑ ኩሉ ጉዱሳት ነበርቲ ሚላኖን ደለይቲ ፍትሖ ኣብ ጎንኹም ኣለኖ። ንከደምቲ ህግደፍ መቀባበልቲ ብወሮጦ ሚሒና ከየዉጻእንና ዕይኒ ደላይ ፍትሒ ሰለም ኣይብልስን ኢየን።

Post a Reply to negusse Cancel Reply