Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን

ህዝባዊማዕበልንድሕነትሃገር ዋሽንግተንዲሲንከባቢኡን መእተዊ: ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ቃልሲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ናብ ናይ መላእ ህዝቢ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ኣብ ክንዲ ዝትርጎም። ብሰንኪ ዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ መላእ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፣ 

ህዝባዊማዕበልንድሕነትሃገር ዋሽንግተንዲሲንከባቢኡን

መእተዊ:

ድሕሪ መሪርን ነዊሕን ብረታዊ ቃልሲ ዝተረጋገጸ ሃገራዊ ነጻነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ናብ ናይ መላእ ህዝቢ ሓርነትን ፍትሕን ሰላምን ራህዋን ኣብ ክንዲ ዝትርጎም። ብሰንኪ ዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ መላእ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ከቢድ ሓደጋ ወዲቑ ይርከብ፣  መወዳእታ ዘይብሉ ባርነታዊ ኣገልግሎትን ሕሱም ጭኮናን። መንእሰያት ኤርትራ ንዝፈትውዋ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱን። ኣብ ዘይፈልጥዎ ምድረበዳን ባሕርን ኣደዳ መጭወይትን ዝምታ ኣካላትን። ዘስካሕክሕ ግፍዕታትን ሓደጋታት ህልቀትን ጅምላዊ ምጥሓልን የጓንፎም አሎ፣ ብ3 ጥቅምቲ 2013 ኣብ ገማግም ደሴት ላምፓዱስ ኢጣልያ ዘጓነፈ ህልቀት ናይ 360 ኤርትራውያን መንእሰያትን ቆልዑን ህጻናትን። ውጽኢትን ጽዑቕ መግለጽን ናይ እቲ ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ጸልማት ምልካዊ መግዛእቲ እዩ፣

ሰፊሕ ህዝቢ ኤርትራን ተቓልስቲ ሓይልታቱ (ውድባት።ማሕበራት። ትካላት። ምኩራት። ምሁራት። ደቂኣንስትዮ። መንእሰያት። ነጻ ውልቀሰባት) ንሕሱም ምልካዊ ጭኮና ንምውጋድ  ዘይሕለል ቃልስታቶም ከካይዱ ጸኒሖምን የካይዱ አለውን፣ ንዝካየድ ዘሎ ዲሞክራስያው ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንምድልዳሉን። ነቲ ንሃገርናን ህዝብናን ናብ ዝኸፍአ ሓደጋ ዝነቁት ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብምልጋስ መሓውራት ምልካዊ ጭኮና ብምድምሳስ ኣብ ኤርትራ ፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ንምትካል። መላእ ደለይቲ ፍትሒ ተቓለስቲ ኤርትራውያን በብቦትኡ ብምጥርናፍ ኣብ ስሙር ኣድማዒ ቃልሲ ንምእታው ጻዕርታት ይካየድ ኣሎ፣  ብ24 ሕዳር 2013  ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ አኼባ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ንምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ንምስዓሩ ዝካየድ ንጥፈታት እትመርሕ ሽማግለ ቆይማ።

 

ኣቋቑማ:

ሽማግለ ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኡን ብመላእ ደለይቲ ፍትሒ ተቐማጦ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝተጋበአ ኣኼባ ብዲሞክራስያዊ መንገዲ ማለት ሓደ ሰብ ሓደ ድምጺ ብዘለዎ መንገዲ ትምረጽ፣

 

ዕላማ:

  1. ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ብሰፊሕ ጥርናፈ ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ዝተመስረተን። ኣብ ብዙሕነትን ሓድነትን። ምክብባርን ምትእምማንን ህዝቢ ኤርትራ ዝምርኮስን ኮይኑ። ህዝብናን ሃገርናን ንምድሓን ኩሉ ዝከኣል ዘበለ ንምግባር ንኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ብምጥርናፍ ኣብ ስሙር ኣድማዒ ቃልሲ ኣንጻር ምላካዊ ስርዓት ብሓደነት ይሰርሕ፣

 

  1. ብህዝቢ ዝቖመን። ምሉእ ተሓታትነቱ ንመላእ ደለይቲ ፍትሒ ህዝቢ ዝኾነን ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ሓይሊን ማዕበልን ብምፍጣር ኣብ ባይታ ተጨባጢ ለውጢ ንምምጻእ ኣብ ዋሺንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝቕመጡ ኤርትራውያን ኣብ ደምበ ፍትሒ ንኽዓስሉ ብዕቱብ ምስራሕን ደምበ ፍትሕን ሓርነትን ዲሞክራስን ኤርትራ ብምድልዳል ንዓምጣሪ ምልካዊ ስርዓት ምስዓርን መሓውራት ምልካዊ ጭኮና ምድምሳስን። ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንመላእ ህዝብናን ዜጋታትናን ሙሉእ ሓርነትን ማዕርነትን ክብርን ዘጎናጽፍ ቅዋማዊ ዲሞክራስያዊ ፍትሓዊ ስርዓት ንምቛም እጃምና ምግባር፣

 

መዝነትሽማግለ:

  1. ውሽጣዊ ሓድነት ኣባላታ ኣርኣያ ኮይኑ። ደምበ ፍትሒ ኤርትራውያን ንምስፋሕን ንምሕያልን ኣበርቲዓ ትሰርሕ፣
  2. ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝካየድ ናይ ደለይቲ ፍትሒ መደባትን ንጥፈታትን ትመርሕን ናይ ደለይቲ ፍትሒ ውደባታት ተካይድን፣ ሓደነት ህዝብና ንምሕብሓብ። ንዳያስፖራ ኤርትራውያን ብሓፈሻ። ኣብ ዳያስፖራ ንዝዓብዩ መንእሰያት ከኣ ብፍላይ ዝከኣል መደባት ትሰርዕን ትትግብርን፣
  3. ንመሰረታዊ ዕላማ ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ዘንጸባርቕ ትምህርታዊ  ሓበሬታታትን መደባትን ትዝርግሕን። ናይ ደለይቲ ፍትሒ ዲሞክራስያዊ ብቕዓታት ንምዕባይ ትሰርሕ፣
  4. ህዝባዊ ሰሚናራትን። ዋዕላታትን። ተግባራዊ ንጥፈታትን ከከም ኣድላይነቶም ትውድብን ትመርሕን፣
  5. ምስ ኣህጉራውን። መንግስታውን። ዘይመንግስታውን ትካላትን ኣካላታን ብምርኻብ። ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስያዊ ቃልሲ ተላልን። ንምዕዋቱ ዝድለ ናይ ግዳም ምትሕብባርን ደገፋትን ንምርግጋጽ ትጽዕር፣
  6. ንዝተፈላልዩ ንጥፈታት መሳለጢ ዘድሊ ገንዘብን ነገራትን። ብንጹርን ሓላፍነታውን ዘመናውን ኣገባባት ካብ ህዝቢን ደገፍትን ብምውጻእ ናይ ህዝባዊ ማዕበል ንድሕነት ሃገር ባጀት ተጽድቕ። ተሓታትነትን ግሉጽነትን ብዘለዎ መንገዲ ትዕቅብን ኣብ መዓላ ተውዕልን ምሉእ ጸብጻባት ተቕርብን፣
  7. አብ ሰሜን አሜሪካ ምስ ዝቖሙ ህዝባዊ ሽማግለታት ብስምረት ትሰርሕ፣
  8. ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ውሳኔታት ብ2/3 ይጸድቕ። ኣብ መዓልታዊ ጉድያት ብተራ ብዝሒ ድምጺ ይጸድቕ፣
  9. ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኡን ዝካየድ። ኣንጻር ምልካዊ ስርዓት ህግደፍ ዝቐንዐ ንጥፈታት ዝተፈላለዩ ኣካላት (ውድባት። ማሕበራት። ትካላት። ውልቀሰባት) ኣድላዪ ምትሕብባር ምግባር፣

10. ቋንቋ ኣኼባ ከከም ኣድላይነቱ ብትግርኛ። ዓረብኛ ከምኡ እውን እንግሊዝኛ ምጥቃም፣


aseye.asena@gmail.com

Review overview
11 COMMENTS
  • Nahom February 14, 2014

    President Obama has invited African leaders for US-African summit on 5-6 July 2014, some countries such as Egypt, Zimbabwe, and Sudan are not invited. This new committee of Washington must make sure the dictator of Eritrea is not invited, if he is invited strong campaign is needed to pressure on US’S stance to cancel the invitation, specially DIA’s case is like his friend Mugabe both are sanctioned by UN and USA

  • Nahom February 14, 2014

    WASHINGTON – President Barack Obama will invite 47 leaders to a landmark US-Africa summit in August, seeking to widen US trade, development and security ties with an increasingly dynamic continent to which he traces part of his ancestry.

    Obama will send out invites to all African nations that are currently in good standing with the United States or are not suspended from the African Union — meaning there will be no place for states like Egypt or Zimbabwe.

    Obama will hold the talks on August 5 and 6, seeking to cement progress from his trip to Africa last year.

    A White House statement said the trip would “advance the administration’s focus on trade and investment in Africa, and highlight America’s commitment to Africa’s security, its democratic development, and its people.”

    The idea for the summit, which takes place with Washington increasingly aware of China’s attempt to enhance its own diplomatic profile in Africa, was first announced by Obama in a speech in Cape Town in June.

    Egypt, which has caused the Obama administration to thread a foreign policy needle with an erstwhile ally after a military takeover, is not eligible to attend as it is currently suspended from the African Union.

    The United States maintains sanctions against the Zimbabwean government of Robert Mugabe and key officials over suppression of democracy and what Washington sees as politically motivated violence.

    Other notable absentees on the invite list include Sudan and Madagascar. Also not on a list distributed by the White House were Guinea-Bissau and Madagascar. Washington has concerns over the subversion of democracy in both nations.

    There will also be no invitation for Sudan, whose president, Omar al-Bashir, has been indicted by the International Criminal Court (ICC).

    One notable inclusion is Kenya, where President Uhuru Kenyatta is currently awaiting a delayed trial at the ICC on charges related to violence after an election in 2007 that left 1,000 people dead.

    The indictment has been one of the reasons why Obama is yet to visit the homeland of his late father as president.

    But Obama has spoken to Kenyatta on the telephone, and the Kenyan leader has enjoyed more interaction with the outside world since a massacre at the Westgate Mall in Nairobi in September claimed by Somalia’s Al-Qaeda-linked Shebab insurgents.

    The summit, together with Obama’s trip to Africa last year, and a promised future visit before he leaves office, might go some way to assuaging disappointment that he did not pay the continent more attention in his first term.

    The president did visit Senegal, South Africa and Tanzania last year, unveiling a series of agricultural, power generation and development initiatives.

    He also held a summit of young African leaders, designed to groom the next generation of the continent’s politicians in 2010.

    The president also paid a short visit to Ghana in 2009, which marked the only visit to sub-Saharan Africa of his first term.

    Obama pledged during his trip to the continent last year to help build “Africa for Africans” and argued that the region’s growing economic potential could help it shake off its reputation as simply a recipient of foreign aid.

    Amid much talk of a US against China power grab in Africa, following billions of dollars of trade and investment by Beijing in the continent, Obama cautioned against the idea that a new proxy Cold War could play out in Africa.

    “This is not a zero-sum game. This is not the Cold War. You’ve got one global market, and if countries that are now entering into middle-income status see Africa as a big opportunity for them, that can potentially help Africa,” the president told reporters.

    At the same time, however, he cautioned that nations that simply saw Africa as a source of raw materials would not serve Africans well.

    The Obama administration has also been increasing its indirect engagement in regional conflicts in Africa.

    The US military last week started transporting the first elements of a Rwandan battalion to the Central African Republic, where they will join an African Union mission.

    International forces are trying to restore order after the country plunged into sectarian warfare following a March coup in which the mainly Muslim Seleka rebel group overthrew president Francois Bozize.

    US forces also last month rescued Americans fleeing violence in the new nation of South Sudan. Washington was a key mediating player in the country’s independence from Sudan.

    In 2011, Obama deployed a small detachment of military trainers to Uganda to aid forces hunting down the Lord’s Resistance Army and its leader Joseph Kony.

    Washington is also increasingly concerned about Al-Qaeda franchises in the continent. In October, US Navy SEALs raided a hideout of a Shebab leader on the Somali coast but withdrew after a firefight.

    AFP

    The statements, comments, or opinions expressed through the use of New Vision Online are those of their respective authors, who are solely responsible for them, and do not necessarily represent the views held by the staff and management of New Vision Online.

    Source

    New Vision Online reserves the right to moderate, publish or delete a post without warning or consultation with the author.Find out why we moderate comments. For any questions please contact digital@newvision.co.ug

  • mesel February 14, 2014

    አሕዋተይን አሓተይን ደቂ ኤርትራ

    ንዓይን ንዓይ ዝመስሉ ኤርትራውያን ከም ዝመስለና፥ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ኤርትራውያን ኣብ ሽግር ወዲቕና ኣለና። ስድራቤታት ተበታቲነን፥ እቲ ወሎዶታት ህይወት እናኸፈሉ ዝሃነጽዎ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ብዓቢኡ ኣብ ናይ ምጅላሕ ደረጃ ወሪዱ ኣሎ። እቲ ንኤርትራውያን ብሃገራዊ መንነቶም ከም ቀደም ሕቡናት ንኸይኮኑ፥ መስዋእቲ ውሉዳቶም ትርጉም ከም ዘይብሉ ዝገብር ዘሎ ሓይሊ ድማ ዝሃበ ምኽንያት እንተሃበ ፈጺሙ ተኣማኒ ክኸውን ዝኽእል ኣይኮነን። ኩሉ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ናጽነት ዓመታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝተፈጸመ በደል ድማ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ”ርግጸተ-ሕጊ” እምበር ካልእ ስያመ ክርከቦ ኣይክእልን። በቲ ድዩ በዚ ነታ ኣብ ሓንጎልና ቀሪጽና ንቃለሰላ ዝነበርና ምልክዕቲ ኤርትራ ገሃነም ዝለወጠ ርኽሰት ጥራይ’ዩ።
    1. ስንኩላን ንህዝቢ ብዘይተነግሮ መመሳመሲ ኣብ ከብዲ’ታ ፍርቂ ኣካላቶም ዝሃቡላ ኤርትራ ብጥይት ዓመጽ ተረሺኖምን ተኣሲሮምን። ኣየናይ ናይ ሕጊ ኣገባብን ትካልን’ዩ ኮን መጋብኣያ ከፊቱ ነታ ዝተቓለሱላ ኤርትራ ከጥፍኡዋ ከም ዝተበገሱ ረቲዑዎም? እንድዒ
    2.ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ምስ ጉጅለ 15 ርክብ ጌሮም ሃገር ንወያነ ክሸጡ ኢዶም ሓዊሶም ተባሂሉስ ብኣባላት ክ/ሰራዊት 32 ብበትሪ እናተሓምሉ ን ኮሎኔል ገብርኤ ክ/ሰላሳን ሓሙሽተን ኣብ ዊዓ ተረኪቦም። ካብኣቶም ድማ ብህሮሮማ ጸሓይ ህይወቶም ስኢኖም። ኣብ መወዳእታ ድማ ድሕሪ ኣኼባ ናይ ውጩ ኣብ ጭራም ወረቐት ብኮረኔላት ኣብ ዓኬሎ ዝበሃል በረኻ ተኸቢቦም፥ ”ንሕና ንሃገርናን ህዝብናን በዲልና ኢና” ንዝብል ጽሑፍ ብሓይሊ ፈሪሞም። ሓንቂቖም ተባሂሉ ብዙሕ ተዘሪቡ። ኣንቱም ሰባት ኣብ ናጻ ኤርትራ ቆልዑ ናጽነት እንተሓቀቑስ የኽፍእ ድዩ?
    3. ጉጅለ 15 ዝበሃሉ ተጋደልቲ ሚኒስተራት ተኣሲሮም። እንታይ ዳኣ ገበሩ? ኢልካ እንተሓተትካስ ”ሃገር ክሸጡ ሓሲቦም” እዋእ! ኢሰያስ ሓላዪ በዓል ወዲ ሰሎሙን ሸየጥቲስ ተገላብጦሽ ዶ ኮይኑ ሓቀይ? ኣየናይ መርማርን ቤት ፍርድን ከ ነዞም ሰባት ዚኣቶም ሸየጥቲ ሃገር ከም ዝኾኑ አእመኖም? በቃ ኢሰያስ ከሳሲ ፈራዲ ሓራዲ ዝኾነላ ናጽነት’ያ ኣማእት ኣሽሓት መንእሰያትን ሕልምታቶምን በሊዓ? እስከ ዝሙጉት እንተሎ ኣበየናይ ቤት ፍርዲ ተፈሪዶም እዞም ሰባት’ዚኣቶም?
    4. ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ኣሰናዳእተንን ተኣሲሮምሲ ብኡ ኣቢሎም ንኣንፎም ሓቒቖም። ኣብታ ኣብ ዘመን እንግሊዝ ኮ ናይ ብሕቲ ፕረስ ዝነበራ ኤርትራ ብደም ደቃ ናጻ ኮይና ምስ ተባህለት ኢሳያስ ነቶም ነዚ ጽላት’ዚ ከበራብሩ ዝተበገሱ ጋዜጠኛታት ብዘይጠበቓን ቤት ፍርድን በሊዕዎም። ኣበይ ዳኣ ኣሎ ናጽነት?
    5. ዓበይቲ ዓዲ በዓል ኣቦና ስነባራ መሓመድ ዳመና ድሕሪ ምንቅስቓስ ጉጅለ 15 ክዓርቁ ሓሲቦም ተበግሶታት ወሲዶም። ”ስለምንታይ ዙፋን ንዝተንከፉ ሓተትኩሙሎም?” ተባሂሎም ሓቂቖም። እዋእ ዓቢ ዓዲ ”እሕሕሕሕ”ዘይብለላ ገደና እንዳ ኢሰያስ ድያ ናጽነት። ናጽነት ውላድ ሰማእታት እግራ ከይደልደለ ኣራዊት በሊዑዋ።
    6.ንዝተጋደለ ኣብ ዝተጋደለላ መሬት መውደቒ መሬት ከሊኡ ብዶላር ናብ መጣቓዕቲ መሬት ዝሸይጥ ለኽሞኛ ስርዓት።
    7.ውሉድን ወላድን ዝፈላሊ ሸራፍ ናጽነት
    8.”ንሱዳን ከይድኩም ተሓከሙ” ዝበሃለሉ ናጽነት
    9.ኣስመራ ብዓባያ ትጽልመተሉ ናጽነት
    10.ዝተማህረ ዝደቀላ፥ ዘይተማህረን እዙዝን ዝፈርየላ ብደናቁር እናተመርሐት ድንቅሩና ከተጥፍእ ተበጊሳ ኣላ ትበሃል ናጻ ኤርትራ
    11. እንኮ ዩኒቨሪስቲ ዝዕጸወላ
    12.ተተወልደ ገዲፉዋ ዝኸይድ ገበል ዝደፈራ ኤርትራ
    13.ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ባንዴራ ተኸዲኖም ዝሳዕሱዑ ዝያዳ ህይወት ዝኸፈሉ ዝኮርዑላ ዓዲ ተገላብጦሽ
    14.ኣደ ስዉእ ትልምነላ፥ ኣብ ወጻኢ 5 ደቃ ዝሰደደት ንኣደ ስዉእ ከዳሚት ጌራ ትነብረላ ሃገረ ጽምኣት ሓቅን ፍትሕን
    ኣንታ መወዳእታ የብሉን ወ ዘ ተ ረ ፈ
    ብዝኾነ ኣንቱም ሰባት ኤርትራን ኤርትራውነትን ወያነን ኢሰያስን በጽቢጾም ይሰትዩዎ ኣለዉ። ግደፉ! ግደፉ! ኤርትራ ኣብ ስክሪን ተለቪዥን ጥራይ ያ ተሪፋ ዘላ። እቲ ታሪኽ ኣብ ሰነዳት እቲ ዘየሉ ምስሊ ጽጋብን ዕብየትን ድማ ኣብ ዘረባ ካድራት ጥራይ ዩ ዘሎ። ግደፉ! ንሕበር። ግደፉ ፍልልያት ንግደፍ።
    ንሕበር ንዕላማ ሃገራዊ ድሕነት።

    መቸም እዚ ጽሑፈይ መልሲ እንድየ ሓሲበዮ ነዚ ዓንቀጽ ግን ከኣ ብዙሕ ዝፈልጦ ነገራት ቅጅል ቅጅል ኢሉኒስ ኣግፊሐ። ሕጅስ ሓዳሽ ውድብ ድያ ኸ ቆይማ ማለት ዩ? እንታይ ትገብር? ነቲ ዝጸንሐ ምንቅስቓሳት ኣብ ክንዲ ምጉልባትሲ ሕጂ ድማ ኣንቆራ። ዘሕዝን’ዩ። በጃኻትኩም ዘለኩም ፍልልያት ኣብ’ታ ክትመጽእ ንደልያ ኤርትራ ኮይንኩም ተዘራረብሉ። ነፍሲ ወከፍ ደቂቕ ህይወት ኤርትራዊ ትወስድ ኣላ’ሞ መጀምርያ ሓቢርና ደው ነብሎ። ንውሕጅ ጥፍኣት እምንን ሓመድን ኮይንና ደው ነብሎ። መጀምርያን ቅድሚ ኩሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ህይወት ሰብናን መንፈስ ሃገራውነትናን ዝወስድ ዘሎ ኩነታት ደው ነብሎ። ኤርትራ ርእሱ ብዝዓሰወ ተንኮለኛ፥ ሰኽራም፥ ጌረ ጥራይ ዝብል፥ ንነበሱ ብዝተቓለሰ ቃንዛ ህዝብና ብዘየሕምሞ ዘይንቡር ሰብ ትጠፍእ ኣላ። መድረኽ ክትብሉ ቀኒኹምሲ ሕጂ ድማ ካልእ፥፡ ኣኪብኩሞ ዘለኩም ኩምራ ቃላት ጥራይ ዩ። ናብ ግብሪ ዝወስድ ኣገባብ ተኸተሉ። ባህጊ ስልጣን ይጽናሓልኩም። ተጋደልቱ ኩኑ። ገድሊ ገድሊ ገድሊ ገድሊ=ነብስኻ ምርሳዕ
    15.

    • Kabire February 14, 2014

      Well said Mesel. Not only these, Eritrea has become a land where the Arab police from Egypt and Sudan or any Jelfaf Arab can kidnap any Eritrean boy, girl, mother, father husband and wife for Arab slave trade.

      The worst is that the Higdef regime and some of the worthless opposition do not open their mouth against the slavery of Eritreans in Eritrea and the Arab world, such is the shame and humiliation of being Eritrean.

  • Tes February 14, 2014

    Well done Deki Ere! Great jump forward. I hope all regions around the world will follow suit.

  • yonas27g February 14, 2014

    ANABS DELEYTI FTHI WASHINGTON DC-KEBABIAN
    ETA WANA SRAH HJI SERIHKUMA AJOKUM

  • z abrehe February 14, 2014

    to support the Eritrean gov. 1st. you have to have a confidence on your self if you elected the white mans slaving life it is yours
    and Eritra is not only for the certain group of Eritreans every Eritrean has the right to get, whether it be education medical clean water and what so ever and that’s what this gov. in Eritrea is doing building a foundation that can not be shaken by the sold out white man yes sirs.

  • halengi February 14, 2014

    niskatkum ke bandera ab zebankum gerkum hagerkum ketekfu kolel teblu tefushat

  • Kabire February 14, 2014

    Many Eritreans hope is that you are working with wedi Vacaro. He is doing a magnificent job. The more separate Eritrean organizations are created every day like an amoeba multiplying by fission, the more disunited and worthless the movements become.
    If this amoeba like organizations multiply creating other minions, the more Eritrean future looks like Somalia, Yemen and Syria.

  • Kabire February 14, 2014

    The recent article of Human Rights Watch said, “Collusion between traffickers and Sudanese and Egyptian police and military is widespread, according to HRW, which says both countries are breaching their obligations under national and international anti-trafficking laws, international human rights law and national criminal law.”

    Did Sewra liberate us from the so called “feudal Ethiopia” to sell us as Arab slaves and to be Arab Abid? How were we liberated from Ethiopia if we are ending up as modern day Arab slaves to build the Arab houses, read pyramids, clean their houses and serve them as the Arabs’ sex slaves?

    What a brilliant transformation from life under “feudal Ethiopia” to a life of an Arab’s slave or Abid in Egypt, Libya and Sudan.
    Is this really called Liberation or freedom, Hurya or tahrir التحرير والحرية in their Arab language.

    What a sad joke! My brother and sister had died in Sewra for my sister to be an Arab sex slave and my nephew to build a small pyramid for a stinky Arab. What a shame!

  • Mereta February 14, 2014

    sayyid Keb bire, here is what one Eritrean said, agree or disagree

    እዚ ዝነኣድ ሰናይ ተበግሶ ብኹሉ ፈታዊ ፍትሒ ክድገፍ ዝግባእ እዩ።
    ንዓይ ዝገርመኒ ግና ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኤርትራውያን ኣብ ሃገራት ኣዕራብ ከም ኣጣል ኩላሊቶም ክጥባሕ፣ ኣሓትናን ደቅናን ከም ሕሱም ግዳያት ጾታዊ ዓመጽ እንዳተሳቐያ፣ በቴለፎን ኣውያቶም እናሰማዕና፣ ብፖሊስ ግብጺ ሱዳን ሊብያ እንዳተረሸኑን ኣንዳተጨውዩን ስለምንታይ ኢና ንሕና ኤርትራውያን ኣብ ቅድሚ ኤምባሲ ናይ ሃገራት ዓረብ ደው ኢልና ዘይጨደርናን ዘይኣእወናን፧ ወረ ገሊኦም እሞ ካብ ገጽ ወብሳይቶም ውን ነዚ ኩሉ ናይ ዓረብ ጭካነ ብፍጹም ኣርሒቖሞ እዮም። ያኢ ሕማቕ ምስሊ ናይ ጨናዊ ዓረብ ምእንቲ ክእለይ።
    ንሕና ኤርትራውያን ፈራሃት ጃጀውቲ ምስሉያት ወይ ከኣ ሓሰውቲ ዲና፧ እሞ ስለምንታይ ደኣ ኣብ ቅድሚ ሳሕሳሕ ዓረብ ደው ኢልና፣ እሞ ኣብ ዓዲ ፈረንጂ ኴንና ዘይሞገትና፧

POST A COMMENT