Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምልክታ ኤሃባደለ-ሰ/ኣ ዞባዊ ጉባኤ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ንምግባር ይሸባሸብ

ህዝባዊ ምልክታ ኤሃባደለ-ሰ/ኣ ዞባዊ ጉባኤ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ንምግባር ይሸባሸብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ሰሜን ኣሜሪካ ኩሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከቡ መሰረታት ባይቶ ኣለዓዒሉ፣ ናብቲ ዝዓበየ ናይ 2ይ ሃገራዊ ባይቶ ጉባኤ ተሳተፍቲ መሪጹ

ህዝባዊ ምልክታ

ኤሃባደለ-ሰ/ኣ ዞባዊ ጉባኤ ኣብ ደንቨር ኮሎራዶ ንምግባር ይሸባሸብ

ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤሃባደለ) ሰሜን ኣሜሪካ ኩሎም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካናዳን ዝርከቡ መሰረታት ባይቶ ኣለዓዒሉ፣ ናብቲ ዝዓበየ ናይ 2ይ ሃገራዊ ባይቶ ጉባኤ ተሳተፍቲ መሪጹ ንምስዳድ፣ ካብ ታሕሳስ 1-2, 2018 ኣብ ዓባይ ከተማ ደንቨር ኮሎራዶ ዞባዊ ጉባኤ ከካይድ ካብ ዝሸባሸብ ገለ 4 ሰሙናት ሓሊፍውሎ። እዞም ካብ ዞባዊ ጉባኤ ደንቨር ዝምረጹ ወከልቲ መሰረታት ዞባ፣ ናብቲ ናይ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ ዝካየድ ዓቢ ጉባኤ ወከልቲ ኮይኖም ክለኣኹ እዮም። ሓባራዊ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚትን ኣሰናዳዊትን ሽማግለ ከኣ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኩሉ ሰነዳት ባይቶ እንተላይ ቻርተርን፣ ሕገ-ህንጻን፣ ሮድ-ማፕን ናብ ኩሎም መሰረታት ባይቶ ከብጸሓሎም’ዩ። ድሕሪ ኩሉ ናይ ከተማታት ተሳተፍቲ ምንባብን ምክታዕን ከኣ ነቲ ጽሑፋት ብምርጋእን ዝሓሸ መተካእታት ዝብልዎ ሓሳባት እውን ከም ለበዋታት ናብቲ ንዓድና አምእክልዩ፣ ተባሂሉ ዝተመርጸ ቦታ ክልእክዎ እዮም።

ኤሃባደለ ስ/ኣ፣ እዚ ዋሕዚ ስደተኛታ ኤርትራውያን ብሃንደበት ኣኻዕቢቱ፣ ዞባዊ  ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ከኸትል ተኽእሎ ዘለዎ ሓድሽ ዞናውን-ፖለቲካውን ጸጥታውን ኣዋጃትን ናይ ድንግርግር ምዕብልናታትን ብግቡእ መዚኑ ዘለዎ ሰብኣውን ፖለቲካውን ጸጋታት  ኣኽቲቱ ብትስፉውን ሕቡንን መንገዲ ከዐውቶ ተዳልዩሎ። ኤሃባደለን እስትራተጅያዊ መሓዙቱን፣ ቅድም’ዚ ሕጂ ተጋሂዱ ዘሎ ስግረ-ባሕረዶብና ዝርከቡ ግዳማዊ ሓይልታት ዘዋደድዎ ስርሒት፣ ንህዝብና ሓቀኛ ዝኾነ ሰላምን ምርግጋእን ከምጽእሉ ዝኽእሉ ዕድላት ኣጥፊኦሞ’ዮም። ኤሃባደለ ግን በዚ ከይተሰናባደ፣ ንጸላኢኡ ብፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ግንባራት ንምግጣም ሓድሽን ውሕሉልን  ኣገባባት ቃልሲ ኣተእታትዩ ተበጊሱሎ። ብኻልእ መንጽር እዚ ናይ ሰላም ኣዋጅ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓድሽ ዓይኒ ዝኸፍት ዕድላት እውን ፈጢሩሎ። ህዝብታት ክልቲኤን ሃገራት ዶብ ሰጊሮም ዝረኣይዎን ዝረኸብዎን ኩነታት ብምግምጋም፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ፣ ኣየናይ ጽቡቕ ሓሊፍዎም ክቕበሉን፣ ኣየናይ ሕማቕ መሪርዎም ከኣ ክድርብዩን ከምዘዎም ዓቢ ትምህርቲ ረኺቦም ኣለዉ።

እዚ ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ዝግበር ጉባኤታት ንድያስፖራ ህዝብናን፣ መሰረታትናን፣ ካብ ባይቶ ወጻኢ ዘለዉ ፖለቲካዊ ውድባትውን ከይተረፈ ኣለዓዒሉ፣ ኣንጻርቲ  መስፍናዊ ስልጣን ናይ ምትእትታው ሕልሙ ከተግብር ዝሃጽጽ ዘሎ ምልካዊ ስርዓት ብሓባር ንምግጣም ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ዝዓበየ ናይ ተቓውሞ ፖለቲካዊ ግንባር ክፈጥር ከምዝኽእል ብተኣማምነት እንሰርሓሉ ጉዳይ’ዩ። እዞም ናይ ዞባና መንግስታት ንዓመታት ዝተዳመይሉን ዝተጻልኡሉን፣ ክሳብ ማዕቀብ ከይተረፈውን ክለዓል ዝተጓየይሉን 3 ኣዋርሕ ጥራይ ካብ ወድኣሎም፣ ተቓወምቲ ውድባት ፍልልያቶም ኣጸጊዖም፣ ሓባራዊ ዕላምኦም ኣምሪሖም ኣብ ውሽጢ 3 ሰሙናት ተዋሃሂዶም መላእ ህዝብናን፣ ዓለምለኻዊ መሓዙትናን፣ ናይ ልደት ገጸበረከት ክንህቦምን፣ ሓድሽ ዓመት 2019 ከኣ ብልቢ ንኸብዕሉ ምግባርን ኣይከኣልንዶ ትብሉ!!

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!

ዝኽሪ ንስዉእትና!

ቤት ጽሕፈት ኤሃባደለ ሰ.ኣ

ጥቅምቲ 16, 2018

encdcna2018@gmail.com

 

 

Public Announcement

ENCDC-NA Preparing to Hold a Regional Congress in Denver Colorado

 

The Eritrean National Council for Democratic Change (ENCDC) Regional branch of North America, had in the past 4 week reactivated all its constituent members in the United States and Canada to convene a Regional 2nd Congress in the great city of Denver Colorado in December 1-2, 2018 to elect its representatives to attend the Grand 2nd National Congress to be held in Mid to end of December 2018. Constituent members in each city will receive all revised Documents of the Charter, Bylaws, and the Road Map from the Joint Executive and Preparatory Committee Office. The Assembly will review and confirm, and or send alternative ideas and propositions to the Grand National congress to be held in a location closer to home.

Members are enthusiastically proud to revitalize their human and political capital at the time of confusion due to the new strategic regional-political, and security declarations with unexpected chaotic developments that has the potential to destabilize the horn with exodus of refugees from Eritrea. ENCDC along with its strategic partners had lost earlier opportunities of bringing peace and stability in the region without the current influence of external forces from the shadows beyond our maritime boarders. ENCDC has instituted new and smart adjustments to confront the enemy from suitable political and diplomatic positions. The peace declaration between Ethiopia and Eritrea had opened the people of both nations an opportunity to see and learn about what existed beyond the borders, and will not refrain from embracing what was right, and abandoning what was wrong in the past 20 years.

We are confident that the ENCDC regional conventions will inspire the diaspora of Eritrean populace-the constituents, and other non ENCDC political organizations to join hands and create a broader front of political opposition against the authoritarian system that is heading towards establishing a constitutional Monarchy of his dream without the consent of the Eritrean people. If the governments in the region can “forgive and forget” a bloody war and hatred to do business and lift sanctions within 3 months, isn’t it time for the opposition to abandon all their differences and rejoice their commonalities in 3 weeks to deliver a Christmas gift, and a new year of 2019 that can genuinely be celebrated by all the people of Eritrea, and its global friends!

 

Victory to the Eritrean People!!

Glory to our Martyrs!

 

ENCDC-NA HEAD OFFICE

October 16, 2018

encdcna2018@gmail.com

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT