Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራውያን ንፍትሒ ህጹጽ ጸዋዒት ንዘድምዕ ሰላማዊ ሰልፊ

ኣብ ምህናጽ ኤርትራ፡  መራሕትን መሃርትን፡ ቀየስትን ፈጸምትን፡ ተፋላሰፍትን ተማራመርትን፡ ተኻላኸልቲ ልኡላውነትን፣ ክኾኑ ዝግበኦም ኣሻሓት መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ደልሃመት ስደት ንዝወርዶም ዘሎ ቀጻሊ ቅዝፈታት ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ። ኣብ ኤርትራ፡ ቅትለት፡ መዋጸኦ ዘይብሉ ጨካን ማእሰርቲ፡ ማሕዩር፡ ሰብኣዊ

ኣብ ምህናጽ ኤርትራ፡  መራሕትን መሃርትን፡ ቀየስትን ፈጸምትን፡ ተፋላሰፍትን ተማራመርትን፡ ተኻላኸልቲ ልኡላውነትን፣ ክኾኑ ዝግበኦም ኣሻሓት መንእሰያትን ህጻናትን ኣብ ደልሃመት ስደት ንዝወርዶም ዘሎ ቀጻሊ ቅዝፈታት ዝተሰማዓና መሪር ሓዘን ንገልጽ።

ኣብ ኤርትራ፡ ቅትለት፡ መዋጸኦ ዘይብሉ ጨካን ማእሰርቲ፡ ማሕዩር፡ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ብሓጺሩ፡ ስግር እቲ ጸላም ብርሃን ዘይራኣየሉ ህይወት፡ ቀንድን መሰረታውን ምንጪ ወሓዚ ስደት ኮይኑ ምህላዉ ዓለም ምሉእ ፈሊጥዎ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ መንጎ እቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሳቕዩ ይኹን ተጸሚሙ ሕልፈት ዘይረኽበሉ ህይወትን፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ንዘጋጥምዎ ሓሳረ-መከራን ቅዝፈታትን፡ ተቐርቂሩ ኣብ መጻብቦ ይርከብ`ሎ። ሰብኣውነት ዝሓረሞም ነጋዶ ሰብ፡ ሓረድቲ፡ ገፋዕትን ዓመጽትን፡ ካብ`ታ መጀመርታ ድርኩኺት ገዝኦም ክሳብ ኣብ ምስጋር ማእከላይ ባሕሪ ከጋጥምዎም ዝኽእሉ ሰፍ ዘይብሉ ናይ ሰብን ናይ ባህርን ሓደጋታት ዋላ እናፈለጥዎ፣  ክመርጽዎ ይርከቡ ኣለዉ።

ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝወርድ ዘሎ ተደጋጋሚ ግፍዒታት፡ ብልክዕ፡ ብቐለምን ቃላትን ክግለጹ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ክፍተንን `ውን ኣይግባእን። እቲ ምንታይ? ንዓና ንኤርትራውያን ጠንቅታቶምን ሳዕቤናቶምን  ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩሃት ስለዝኾኑ።  እሞ እንታይ ንግበር?

ልክዕ`ዩ፡  ተኻፈልቲ ናይ`ቱ ኩሉ ስቓያቶምን ህልቀቶምን፡  ብጽሑፍ፡ ሽምዓ ብምብራህ፡ ኣምሪርና ብምሕዛንን ብምንባዕን፡  ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድን፡  ንሓንቲ መዓልቲ ወይ ንሓደ ሰሙን ዘይኮነስ፡ ቀጻሊ ናይ ውጽዓታቶም ድምጽን ምስክርን ክንከውን ሃገራውን ሞራላውን ግቡእና`ዩ።  እዚ ጥራሕ`ዩ ድማ ንወለዲ፡ ንኣሕዋት፡ ንኣሓትን፡ ንቤተ-ሰብን ንምሉእ ሃገርን ጽንዓት ይሃብኩም ኢልና  ጽንዓት ክንኮኖም ምስ እንኽእል ጥራሕ`ዩ ሞሳን ጽንዓትን ዝኾኖም።

ስለዚ፡ ኩለን ሃይማኖታውያን ትካላት፡ ማሕበረ-ሰባት/ማሕበረ-ኮማት፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ምሁራት፡ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዕዓላት (ነፍሲ-ወከፍ ኤርትራውያን ዝነብሩለን ከተማታት ሰሜን ኣሜሪካ) መንእስያት፡ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ብሓደ ተበግሶ፡ ነዚ ኣብ ሃገርና ዝወርድ ዘሎ ቅዝፈታትን ጽንታን፡ ብሓደ ንምምካት፡ ኩሉ ዓቕማታትና  መሰረታትናን ኣለዓዒልና፡  ብደረጃ ሰሜን ኣሜሪካ ኣድማዕን ህጹጽን ሰላማዊ ሰልፊ ንክንገብር ንጽውዕን ነማሕጽንን።

ጽንዓትን ደበሰን ንኹሎም ቤተ-ሰብ- ግድያት ኤርትራውያን!

ርግኣትን ሰላምን ንሃገርና ኤርትራ!

ህዝባዊ ምልዕዓል ኤርትራያን ንፍትሒ

ሰሜን ኣሜሪካ፡ ግንቦት 2፡ 2015

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • Tesfit May 3, 2015

    “ምልካዊ ስርዓት፣ ኣኺሉዩ ሰዓት”
    ነዋሕ፣ ዘይትውዳእ ሰዓት እንደሞ ኮይና።

    • Hag pag May 4, 2015

      ኢቶም ዚሃድሙ ዘለዉ ኪሳብ ባሕሪ ዚሰግሩ፡ ኢታ ስዓት ዲሒራ ኢያ ።

POST A COMMENT