Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ [ትንሳኤ]

ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ [ትንሳኤ] ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና ሓምለ 2018     ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ! ከም ህዝቢን ሃገርን ሎሚ’ውን ኣብ ዳግማይ ፈተነ ንርከብ። ስለዝኾነ ነዚ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ብዕምቆት ብምምልካት ንባብናን መትከልናን ብምንጻር ንህዝቢ ንሕብር። ብሃገራዊ

ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ

[ትንሳኤ]

ንባብናን መትከልንናን ኣብ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ሃገርና

ሓምለ 2018

 

 

ዎ ክቡር ህዝቢ ኤርትራ!

ከም ህዝቢን ሃገርን ሎሚ’ውን ኣብ ዳግማይ ፈተነ ንርከብ። ስለዝኾነ ነዚ ህልው ፖለቲካዊ ምዕባለ ብዕምቆት ብምምልካት ንባብናን መትከልናን ብምንጻር ንህዝቢ ንሕብር። ብሃገራዊ ሓላፍነትን ረብሓ ህዝብን ሃገርን ብዘውሕስ ክንሕዞን ረዚን ሃገራዊ ጉዳይ ምኻኑ ንኩሉ ብሃገሩ ዝሓስብን መጻኢ ዕድልና ውሑስ ክከውን ዝሓስብ ዜጋ ንጹር እዩ ዝብል እምነት ኣለና። ስለ’ዚ ነዚ ህሉው ፖለቲካዊ ምዕባለ ኣብ ሃገርና ብኸም’ዚ ዝስዕብ ነቕርቦ።

  1. ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥
  2. ጻውዒት “ሰላም” መንግስቲ ኢፌዲሪ፥
  3. ሃገራዊ ክሕደት ኢሰያስ ኣፈርቂ፥
  4. ሃገራዊ ጻውዒት

 

  1. ህሉው ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና፥

ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብሓቂ ናበይ ገጹ ይጎዓዝን፥ ብኸመይን ብመንን ይዝወርን ይናወጽን ምህላዉ ንህዝቢ ኤርትራ ምሕባር ከም ንቐባሪ ምርዳእ እዩ ዝቑጸር። እቲ ብሩህ ነገር ህዝቢ ኣብ ከውሊ፤ ጉዳይ ሃገሩ ግን ኣብ ዕዳጋ ወሪዱ ብፖለቲካዊ ሽሕጣንን ጨለነትን ዳግም ኣብ ናይ ጥፍኣት ፈተነ ኣትዩ ምህላዉ እዩ። እዚ ነቶም ናይ’ዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ፖለቲካዊ ምዕባለ ግዝያዊ ዘወርቲ ዘካይድዎ ዘለዉ ሽኩሽኳን ለዃኹቶን ዝዓይነቱ ጉያጉያ ንጹር እዩ ጥራይ ዘይኮነስ ሕዱር ሕልሞም ተጋሂድሎም ነቲ ኣብ ከስዐኦም ደጉሎሞ ዝጸንሑ ተጻይ መደብ ሎሚ ብዓቐን ከቕርብዎ’ውን ኣይፈተኑን፥ ብኣንጻሩ ህሩፍ ስሚዒቶም ምቁጽጻር ከሊእዎም ፕሮቶኮላዊ ኣደብ ስኢኖም ክድርጉሑዎ ሕንኽ ኣይበሉን፥ ናይ’ዚ ቀንዲ መሪሕ ንዓና መሲሉ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ልኡኽ ጥፍኣትና ዝኾነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ። ቅድሚ ሕጂ ክትገልጾ ኣጸጋሚ ወይ’ውን ብብዙሕ ኤርትራዊ ዕሽሽ ተባህሉ ዝሕለፍ ዝነበረ ኣካይዳን ኣተሓሳስባን ኢሰያስ፥ ሎሚ ኢሰያስ ጸረ-ልኡላውነት ሃገረ ኤርትራን ጸረ-ህዝቢ ኤርትራን ከምዝኾነ ንዝኾነ ኤርትራዊ ዜጋ ግሁድ ኮይኑ ኣሎ።

ዕድል ሃገር ብኢደዋኒኑ ይውስን፥ ልኡላዊ ስልጣን ህዝቢ ንባዕዳዊ መራሒ ሃገር ክመርሕ የረክብ፥ ኩሉ ጸጋታት ሃገርና ብዘይ ዝኾነ ሕጋዊ ሰነድ፥ ኣፍልጦ ተጠቃምነት ንጎረቤት ሃገር ኣረኪቡ፥ ብሓጺሩ ልኡላዊ ፖለቲካዊ ነጻነትና ብባዕዲ ክምእዘንን ክምራሕን ንሃገር ናብ ደረጃ ንእሽቶ ክፋል ጎረበቤት ሃገር ኣውሪድዋ፥ ብሓጺሩ ኣብ ትሕቲ ውክልናን ምምሕዳር ካልእ ሃገርን ከእትወና ተሰማሚዑ።

ሓርበኛታት ኤርትራውያን ድሕሪ’ዚ እንታይ ንጽበ፥ ዳግማይ ሰላሕታዊ ዘለኣለማዊ ኣርዑት ባዕዳዊያን፥ ወይስ ኩሉ ደቀቕቲ ጉዳያት ንጎኒ ሓዲካ ልኡላዊ ክብርኻ ምውሓስ፣ መንነትካ ምዕቃብን ንስኻ ኮንካ ምንባር፣

እዚ ሕጂ ዝሓንን ዘሎ ህቦብላ ሃቐንኡ ፍሉጥ እዩ፥ ተኽእሎኡ ግና ኣብ ሕርሱ ዝበርዓነ’ዩ። ሓደግኡ ብኣግኡ ክግታእ ግን ነቲ ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ሃጸፍጸፍ ብዝርዝር ክንፍትሾን ትርጉሙ ክንርዳእን፥ በዚ መሰረት ሓላፍነትና ክንስከምን ክብርናን መሰልናን ክንመልስን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕብረት ሃገረይ፥ ክብረተይ፥ መንነተይ መሰለይ ትንሳኤይ ክንብል ይግባእ።

 

 

  1. ጻውዒት “ሰላም” መንግስቲ ኢፌዲሪ፥

ሰላም ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝደኸመላ፥ ዝበሃጋ፥ ዝተጋደለላ፥ ዋጋ ዝኸፈለላ የለን፥ ዛጊት ግን ምሉእ ሰላም ኣይረኸበን፥ ምኽንያቱ ሰላም ኣለኒ ክትብል እንተኾንካ ኣብ ሃገርካ ሕረስ ሓረስታይ፥ንገድ ነጋዳይ፥ ስራሕ ሰራሕተኛ፥ ዝብል መንግስቲ፥ ብፍትሒ ዝተዋሕሰት ሂወት ምስ ዝህሉ እዩ። እዚ ኩሉ ግን ኣብ ኤርትራ የለን። ስለዚ ሰላም ኣሎ ክበሃል ፈጺሙ ዝከኣል ኣይኮነን። ሕጂ ድማ ንፍጹም ህላውነቱ ዝፈታትን ብኣዝዩ ረቂቕ ዝመስል ስብከታዊ ህቦብላ ተደቂንዎ ኣሎ። ናይ’ዚ ፈላሚ ተበግሶ እዚ ብዕለት 9 ሓምለ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ “ሰላምን ዕርክነትን” ውዕል ዝተፈረመ እዩ። እዚ ሓሙሽተ (5) ነጥብታት ዝሓዘ ውዕል፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልትኤን ጎረባብቲ ሃገራት ንዕስራ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናትን፡ ሃዋሁ ኲናትን ከምዘኸተመን፤ ኣብ መንጎአን ክህሉ ዘለዎ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህልን፡ ጸጥታ ጥቡቕ ምትሕብባር ዝኣመተ ዝመስል እዩ። ከምዚ ዓይነት ውዕል፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዝምድና ክልቲኤን ዘርሑን፡ ንኻልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ጸገማት ንምፍታሕ ዝኸፍቶ ተኽእሎታት ኣብ ግምት ምስዛኣቱ፡ ነቲ ውዕል ሃንጉፋይ ኢልካ ክትቅበሎ ድንዕ ትብል። ብሕልፊ እቲ ብሰንኪ ደማዊ ኲናት ዝጠፍአ ሂወትን ብሰንኪ ንልዕሊ ዓሰርተ ሾሞንተ ዓመታት ዝጸንሐ ኣይኲናት ኣይሰላም ኩነታትን፡ ብኡ ብምምኽናይ ውልቀ-መላኺ ደማሒ ምሕደራ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርዶ ዘሎ ግፍዕታትን ቁጠባዊ ብርስትን ማሕበራዊ ምብትታን ተተሓሒዙ ምስ ዝረአ፡ ነዚ ኣብ ክልትኤን ሃገራት ተበጺሑ ዘሎ ውዕል፡ ትንፋስ ክህብ እዩ ዝብል ተስፋ ክህሉ ባህርያዊ እዩ። ይኹን ድኣምበር፡ እዚ ውዕል ፖለቲካዊ ባህሪ ስለዘለዎን፡ ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ስለዝምልከት፡ ካብ ስምዒት ተወጺኡ ብዕቱብ ክርአ የድሊ።

 

ሰላም ብሓደ ኣካል ጥራይ ዝመጽእ ኣይኮነን፥ እንታይ ደኣ ናይ ክልተ ወገናት ምዕሩይ ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺን ድልየትን ክህሉ ኣለዎ። ኣብ’ዚ ስምምዕ ሰላም ዝበሃል ዘሎ እዚ ምዕሩይ ዝኾነ ፖለቲካዊ ትሕተ-ቅርጺ ኣሎዶ ንዝብል ሕቶ እቲ መልሲ የለን እዩ። ምኽንያቱ ብወገን ኤርትራ ንህዝቢ ዝውክል መንግስቲ፥ ሓጋጊ ኣካል ዝኾነ ህዝባዊ ሃገራዊ ባይቶ፥ ንሃገር ዝመርሕን ንመንግስቲ ልጓም ዝገብርን ቅዋም፥ መሰረታዊ ነጻነትን ሃገራዊ ልኡላውነትን ዘረጋግጽን ረብሓ ሃገርና ዝሕሉ መሪሕነት ይኹን ትካል ይኹን መባእታዊ ሓርነት ዘውሕስ ስርዓተ ፍትሒ ዘየብሉ ሃውህው እዩ ዘሎ። ስለ’ዚ ነዚ ኩነታት’ዚ ከይቀየርካ ሰላም ከተምጽእ ዝከኣል ኣይኮነን፡ ሃገራዊ ረብሓኻ ከተረጋግጽውን ኣይከኣልን። ስለዚ ኤርትራውያን እዚ ሰላም ዝመስል ግን ድማ ንጎደቦና ድግስ ንዓና ግን ተስካር ዝዓይነቱ ሓደገኛ ምዕባለ ምዃኑ ብኣንክሮ ክዕዘቦን ከም ህዝቢ ካብ ዳግማይ ስእነት ዋንነት ልኡላዊት ሃገር ክንድሕን ሕጂ ግዚኡ እዩ።

ኣስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ! ስሚዒት ኣወጊድና፥ ካብ ክቱር ጭቆናን ጸቕጥን ኢሰያስ ዝፈጠሮ ዘይንቡር ኩነተ-ኣእምሮ ወጺና ንነብስና ኣረጋጊእና፥ ካብ ጭርሖታት ጎሲምካ ምኻድ ተናጊፍና፥ ነዚ ኩነታት ብነቐፈታዊ ዓይኒ፥ ሚዛኑ ብዝሓለወን ብዝበረኸ ደረጃ ነዚ ኩነታት ብዕምቆት ተዓዘቦ፥ ገምግሞ፥ እቲ ሓቂ ኣብ ቀረባ እዩ ዘሎ።

 

እዚ ኣዋጅ “ሰላምን ዕርክነትን” ካበይ መጺኡ፣

ከምዝፈለጥ ኣብ ጉዳይ ዶብ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ “ቅድም ልዘብ ደሓር ምምልካት ዶብ” ዝብል ቅድመ-ኩነት ብይን ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ እዋኑ ክትግበር ኣይተኻእለን። ኢስያስ ብወገኑ “ብይን ኮሚሽን ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትገበር ኣለዎ፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሒዝዎ ዘሎ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ ክወጽእ ኣለዎ!” ዝብል መርገጺ ብምሓዝ ህዝብና ብሰበብ ጉዳይ ዶብ ንዓሰርተ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም ሃዋሁ ጸኒሑ።

ብወገን ኢትዮጲያ ኣብ’ዘን ዝሓልፋ 28 ዓመት ቁጠባኣ ኣብ ምምሕያሽ፥ ኣብ ትምህርቲ፥ መጎዓዝያ፥ መራኸቢን ካልኦት ናይ ልምዓት ትሕተ-ቅርጺ ኣብ ምድንፋዕ ተጸሚዳ ተጸሚዳ ጸኒሓ። ብፖለቲካዊ መዳይ’ውን ንዘጋጠሞም ናይ መሪሕነት ሃጓፍ በቲ ውድባዊ ሕጋዊ መስርሕን ሕጊ መንግስቲ ሃገሮም ብምኽታል ንቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ከም ቀዳማይ መራሕ መንግስቲ ክኸውን መሪጾምዎ።

እዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂ ኣነጻጺርካ ምስ ዝርአ እቲ ዘይምዕሩይ ኩነተ-ህላወ ክልቲአን ሃገራት ምዕሩይ ዝኾነ ኣበርክቶ ንሰላም ክህልወን ከምዘይከኣልን ዘግህድ እዩ።

 

ነዚ ብዝያዳ ንምርድኡ ህሉው ሓቅታት ሃገርና እንታይ ይመስል ንዝብል ሕቶ ምምላስ የድሊ፣ ኣሽሓት ዜጋታት ኤርትራ ኣብ ፈቐዶ ምስጢራዊ ጎዳጉዲ ብዘይፍርዲ ንዓመታት ማሲኖም ይሞቱን ሞይቶም፥ ዝበዝሕ መንእሰይ ኣብ ጎዳጉዲ ተሃድሶታት ዝብል መሳቐዩ መዳጎኒታት ይርከብ፡ ብቐጻሊ መንእሰይ ኣብ ግዱድ ዕስክርና ተቖሪኑ፥ ሓርነት ካብ ሃገር ምውጻእ ወይ ምእታው የለን፥ ሰብ ካብ ቁጽጽር መንግስቲ ወጺኡ ክሰርሕን ነብሱ ክመርሕን ዘይከኣለሉ፥ ኣሽሓት ሰደተኛታት ኣብ ዝተፈላለየ መዓስከር ስደተኛታት ተዳጉኖም፥ ኣብ ፈቐዶ ጎረባብቲ ሃገራት ኣብ ማሕዩር ሓታቲ ወኪል ዘይብሎም ይማስኑ፥ ኣብ ውሽጢ ሃገር ድኽነት ዓቐኑ ሓሊፉ ህዝቢ ድራር እለቱ ክረኽበሉ ዘይከኣል ኩነተ-ህላወ ይርከብ። እዚ ካብ’ቲ ብዙሕ ዉሑድ ሓቀኛ ኩነታት ኤርትራ እዩ። ስለዚ እዚ ኩሉ ኣብ ቦትኡ እናሃለወ፥ ኢሰያስ ሰላም መጺኡ፥ ምስ ኢትጵዮያ ሽግርና ተፈቲሑ ክብልን በነየናይ መለክዒ እዩ፣ ቅድም ከብረት ዜጋታት ይመለስ፥ ህዝቢ ልኡላዊ ስልጣን ይሓዝ፥ ዕድሉ ባዕሉ ይወስን። ድሕሪ’ዚዩ ሰላም ምስ ጎረባብቱ ከጽንዕ ዝኽእል፥ ሓቀኛ ናይ ሰላም መሻርኽቲ’ውን ዝኸውን።

ብወገን ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዘለና ሰናይ ትምኒት ኢትዮጵያ ተረጋጊኣ ኣብ ነብሳ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈና ሃገር ክትከውን እዩ፥ እንተኾነ ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቅታት ከም ሓደ ርጉእ ፖለቲካዊ ኩነታት ክውሰድ ዝከኣል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነስ፥ ብግብሪ ኣብ ዝተፈላለየ ክልላት ኢትዮጵያ ዓሌታዊ ጎንጽታት ብቐጻሊ ዝካየደሉ፥ ብፍላይ ድማ ናብ ክቡር ህዝቢ ትግራይ ዘነጻጸረ ንዝኸፈሎ መስዋእቲ ዝጻረር ከቢድ ሃቀነታት ምህላዉ ንዓና ከም ኤርትራውያን ከቢድ ስክፍታ ክፈጥረልና ባህርያዊ እዩ፡ ምኽንያቱ ሰላም ህዝቢ ትግራይ ቀጥታ ሰላምና ስለዝኾነ።

 

ሰላም ማለት ንረብሓ ክልቲአን ሃገራት ምዕሩይ ክኸውን ኣለዎ።

ነዚ ሕጂ ተፈጢሩ ዘሎ ሓዲሽ ክስተት ቀንዲ ጉዳይ ኣብ ጉዳይ ዶብ ዝነበረ መርገጺ ዝሰረተ እኳ እንተመሰለ እኹል ምኽንያት ኣይኮነን። ስለ’ዚ ነዚ ኩነታት ዝደረኸ ምኽንያታት ብደቂቕ ምትንታኑ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ድሕሪ ስሩዕ ኣኼባ ፈጻሚ ኮሚቴ ገዛኢ ስልፊ ኢትዮጵያ ብዕለት 5 ሰነ 2018 ነቲ ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ተቐቢሉ ከተግብር ድሉው ከምዝኾነን፡ ምስ ሃገረ ኤርትራ ንቡር ርክብ ክጅመር ዘሎ ድልየት ገሊጹ። እዚ ግን ንብዙሓት ሓድሽ መርገጺ መሲሉ ዝርአ ሓዲሽ መርገጺ ኢህወደግ ኣይኮነን። እቲ ፍልልይ መን ኢልዎ፥ መዓስን ንምንታይ ዕላማን ጥራይ እዩ።

ብወገን ውልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፈወርቂ ነዚ ጻዊዒት መልሲ ኣብ ምሃብ ንህዝቢ ከደናግ ኣፉ ሓቲሙ ድሕሪ ምጽናሕ፥ ብኣፈኛ ኢሰያስ ዝኾነ ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ተሓለቕቲ ልኡላውነት ከምስሉ “ስራዊቶም ካብ ልዑላዊ መሬት ኤርትራ የውጽኡ ቅድም!” ትብል ሓጻር መግለጺ እያ ኔራ። ብድሕሪ’ዚ ዝሰዓበ ጉዳጉያ ግን ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ ዘግሃደ እዩ።

ቅድሚ ናብ’ዚ ዘሎ ህቦብላዊ ፖለቲካዊ ምዕባለ ምእታው ግን ክኸዱ ዝጸንሑ ዲፕሎማሲያዊ ድፍኢታትን ፍጻመታትን ምፍላጥ የድሊ፥

ብዶናልድ ያማሞቶ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ኣብ መወዳእታ ማዓልታት ወርሒ ሚያዝያ 2018 ኣብዝገበሮ ዑደት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ሒላብ ቀይሕ-ባሕሪ ንዝምዕብል ጂኦ-ስትራተጂካዊ ምቅይያር ከምዘስክፎን፡ ኣብ’ኡ ወሳኒ ግደ ክህልዎ ክምዝደልን፤ ምእንቲ’ዚ ድማ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብሕልፊ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ርግኣት ኢትዮጵያ ኣገዳሲ ስልዝኾነ፤ ሕቶ ዶብ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ከምዘለዎን፡ ኣመሪካ ዘድሊ ግደ ክትጻወት ምዃና ዝሓዘ መልእኽቲ ኣምሓላሊፉ። ብዘለዎም ውሽጣዊ ድፍኢታት፡ ክልቲኦም መንግስታት ነዚ ምሕጽንታ መንግስቲ ኣሜሪካ ብምቕባል ናይ ሰላም ሓይልታት መሲሎም ቀሪቦም።

ብድሕሪ እዚ፡ ሚኒስተር ውጻኢ ጉዳያት ዕስማን ሳልሕን፡ ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ የማነ ገብርኣብን ዝለውዎ ወኪል ውልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኣሜሪካ ክራኸብ ናብ ዋሺንግቶን ብምኻድ ናብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ መንግስቲ ኣሜሪካ ብዙሕ ግዜ ተመላሊሱ ከምዘነበረ ይፍለጥ። ዕላምኡ ድማ፡ ነቲ ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዘቐረበ ጠለብ ኣተገባብርኡ ንምልዛብን፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ በየናይ ደረጃ ወይ ኣገባብ ርክባት ምግባር እዩ ኔሩ።

 

ብድሕሪ ቀ/ሚ ኣብይ ብዛዕባ ጉዳይ ዶብን ዝምድናን ምስ ኤርትራ ዝገበሮ መግለጺ፡ ኢሰያስ ናብ ስዑድያ ኣብ ዘገበሮ ስቱር ምብጻሕ፡ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ምስ ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ርክብ ክጅምር ብግልጺ ተሓቢርዎ። ብተመሳሳሊ፡ ኢሰያስ ናብ ኣቡዳቢ ኣብ ዝገበሮ ዑደት፡ ምስ ቀ/ሚ ኣብይ ብስቱር ተራኺቦም ነዊሕን ደቒቕን ዝርርብ ከምዝገሩን፡ መንግስቲ ዓረብ ኢማራት ንኽልቲኤን ሃገራት ቁጽሩ ዘይተፈልጠ ግን ብዙሕ ሚልዮናት ገንዘብ ክዋሃቡ ከምተማባጽዐት ዝፍለጥ እዩ። ንኢትዮጵያ ዝውሃብ ገንዘብ ብምልክዕ ሓገዝን ወፍርን 3 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ምዃኑ ኣብ ኣጋጣሚ ዑደት ወራሲ ዓራት ኢማራት ኣዲስ-ኣበባ ተቓሊሑ ኔሩ። ንኤርትራ ዝዋሃብ ግን ከምውትሩ ጉዳይ ውልቀላኺ ኢስያስ ጥራሕ ኮይኑ፡ ይትረፍ ሓፋሽ ህዝቢ እቶም ካቢነ ሚኒስተራት’ውን ዝፈጥዎ ኣይኮኑን።

ብድሕሪ እዚ እዩ፡ ንኹሉ ተስታፍን ተዓዛብን ብሕልፊ ከኣ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘስደምም መንገዲ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ዕለት 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት፡ ንመጸዋዕታ ቀ/ሚ ኣቢይ ከምዝተቐበሎን፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ጭፍርኡ ክልእኽ ከምዘወሰነ ዘፍለጠ። እቲ ንኣዲስ-ኣበባ ዝኸደ ልኡኽ ብዝተገበረሉ ኣቀባብላን እንግዶትን ብምምሳጥ፡ “መድማር፡ ሕብረትን፡ ዶብ ኣገዳሲ ኣይኮነን!” ዝብል መንፈስ መደረታት ሂቦምን ኣብ ምላሾም ንመቐበሊ ቀ/ሚ ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ዝኸውን ባንዴራታት ኢትዮጵያ ጽዒኑ ናብ ልኣኺኦም ኤርትራ ተመሊሶም። ኣብ ሓጺር እዋን ከኣ፡ ቀ/ሚ ኣብይ ወግዓዊ ምብጻሕ ናብ ኤርትራ ኣካይዱ።

 

ህዝቢ ኣስመራ ነቲ ድሕሪ ዕስራ ዓምታት ዝተሓረሞ ወረ ሰላም ብምስምዑ፡ ሓጎሱ ክገልጽ ኣብ ጎደናታት እታ ከተማ ወጺኡ። ብትካላት እቲ ዝተዋደደ ሰልፍታት ባንዴራታት ኢትዮጵያ ብምሓዝ “ተደሚርና ኢና! ሓደ ኢና! ፍቅር ያሸንፋል!” ኢሎም ብምጭራሕ፡ ነቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘነበሮ ቅኑዕ ተስፋ ሰላም ስምዒት “ኣንድነታዊ መልክዕ” ከትሕዝዎ ፈቲኖም እዮም። ምስ’ዚ ውልቀ-መላኺ ዘሰለፎም ዝብልዎ ዘነበሩ ዝመዓራረን ንዝተኣሳሰርን፡ ባዕሉ ኢሰያስ ኣብ ንኽብሪ ቀ/ሚ ኣብይ ኢሉ ዘዳለዎ ናይ ድራር እንግዶት ከምዚ ኢሉ ተዛሪቡ፤ “እዚ ን25 ዓመት ተነፊጉና ዝነበረ ዕድል’ዩ፡ 25 ዓመት ቀሊል ኣይኮነን። ሎሚ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ግን ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና” ክብል ከይሓነኸ ተሰሚዑ። ምስ’ዚ “ዶብ ኣየድልየናን’ዩ፡ እዚ ህዝቢ’ዚ ዝምድናኡ ብዶብ ዝጋረድ ኣይኮነን” ዝብል ብተደጋጋሚ ክዛረብ ተሰሚዑ። እዚ “ንለባም ኣምታሉ፡ ንዕሻ ኻኣ ዶርግሓሉ” ብምባል ክትሓልፎ ቅኑዕ ስለዘይኮነ ምብርሁ ኣገዳሲ እዩ።

መግለጺ ኢሰያስ ብልክዕ ነቲ ናይ ነዊሕ ሃንቀውታኡ ዘግሃደ እዩ። “ኣይከሰርናን፡ ኣይጠፍኣናን፡ ንብረትና ብምሉኡ መሊስና” ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ እንታይ ዓይነት ዝጠፈአት ንብረት ስለዝነበረት እያ ሕጂ ትምለስ ዘላ፥ ኣስተውዕ ህዝቢ።

ኢሰያስ 25 ዓመታት ክብል ዝገለጾ ካበየና እዩ ዝጅምር፥ 25 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ሃገርና  ነቲ ብመሪር መስዋእቱ ዝረኸቦ ነጻነት፥ ብድምጹ ሓንሳብን ንሓዋሩን ነጻን ልኡላዊትን ሃገር ክትህልዎ ዝወሰነሉ ዓመት እዩ። ንህዝቢ ኤርትራ ዘይበረሃሉ ዝነበረ ግን ቅድሚ 25 ዓመት ነጻነትና ብረፈረንዱም ክዛዘም እንከሎ ንኢሰያስ ግን ሓንሳብን ንሓውሩን ኤርትራ እንተስ ብግህዶ ብወረራ ወይ ብሰላሕታ ኣብ መቑሕ ኢትዮጵያ ክትምለሰሉ ከምዘይኮነት መርድእ ዝተቐበለሉን፥ ሕልሙ ዝጸልመተሉን፡ ምንባሩ ሕጂ ኣግሂድዎ፥ ኦሮማይ ድሕሪ ሕጂ ኤርትራ ንዘንተእለት ኤርትራ ኮይና ክትቅጽል እያ ዝብል ስምባደ ኣትይዎ ከም ዝነበረ ሕጂ ንኹልና ተጋሂዱ። እንተኾነ ኣይደቀሰን፥ ነዚ ናይ ጥፍኣት ተልእኾኡ ንምፍጻም ንህዝቢ ንምድኻም ህዝቢ ብግርሁ ክሰርሓሉ ጸኒሑ፥ ሕጂ ሃገር ደኺማ ህዝባ ባዲሙ ዳግም ሕልሙ ኣበራቢሩ ሃገር ከረክባ ብናህሪ ይጋልብ ኣሎ፡ እምበኣር ህዝቢ ኤርትራ ክንዮ’ዚ እንታይ ንጽበ፣

ብሓጺሩ እዚ ብዕለት 09 ሓምለ ኣብ መንጎ ውልቀ-መላኺ ኢስያስን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ውዕል ካብ ካብ ኣፍልጦ ህዝቢ ኤርትራ ዝተኸወለን ብዘይ ዝኾነ ህዝባዊ ተሳትፎ  ብሃንደበት ዝነጠበ ክሓልፎ ዝነበሮ ሕጋዊን ዲሞክራሲያውን መስርሕ ዘይሓለፈን እዩ። ኣብ`ዚ ሃገራውያን ክግንዘቦ ዘድሊ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ንዕቀት፡ እንትርፎ ንስልጣኑ መሳርሒ ክጥቀመሉ፡ ከም ክብርን መሰልን ዘለዎ ህዝቢ፡ ሓሳቡን ድልየቱን ከምኡ`ውን ግዲኡ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ጉዳያት ክዋሓሰሉ ከምዘይብሉ፥ ረጊጹ ከምዝሕዞ ብዘየደናግር መልክዕ ክንግንዘብ ኪኢልና ኣሎና። ብሕልፊ ኣብ ጉዳይ ዶብን ልዑላውነትን ሃገርን ብዘምልከት፡ ህዝቢ ኤርትራ ስፍ ዘይበል መስዋእቲ ደቁ ዝኸፈለሉን፡ ጽንዓቱ ዘመስከረሉ፡ ካብ’ቲ ንነጻነት ሃገር ዘውሓሰ ረፈረንዶም ብዘይንእስ መገዲ፡ ርኢይትኡ ክሕተትን ክሳተፍን ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት እንተ ብቐጥታ ተሳትፎ ህዝቢ ወይ ብሕጋውያን ወከልቱ ኣቢሉ ክዝትየሉን ሓሳቡ ክድምረሉ ይግብኦ ኔሩ። ብኣንጻሩ፡ ኣገዳስቲ ሃገራዊ ጉዳያት፡ ከም ውልቀ ዋኒን ብሓደ ውልቀ-ሰብ ተታሒዙን ተገቢቱን፡ ንናይ ሓደ ሰብ ጥቕምን ድልየትን ሕልምን ክማልእ እዩ ክስራሕ ጸኒሑን ዘሎን። ይትረፍ’ዶ ሓፋሽ ህዝቢ፡ እቶም ዝለዓለ መንግስታዊ ስልጣን ዝሓዙ ሚኒስተራት፥ ዓበይቲ ሓለፍቲ፥ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ክሰምዕዎን ክሳተፍዎ ይትረፍ ብዛዕባ ዝሓለፈ መስርሕ ብዙሕ ዝፈልጥዎ ከምዘየለ ዘግህድ ኩነታት እዩ ንዕዘቦ ዘለና። መስርሕ ናይ’ቲ ብዕለት 9 ሓምለ ዝተኸተመ ውዕል እምበኣር ውልቀ-ልኣኺ ብውልቁ ዝወድኦ መስርሕ እዩ፥ ተሰካሚ ሳዕቤኑ ድማ ባዕሉ ጥራይ እዩ ዝኸውን። ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብሩህ ክኸውን ዘለዎ’ውን ሰላም ውሕስነት ዝህልዎ ኣብ ህዝባዊ ድልየትን ዕግበትን ሰረት ዝገበረ፥ ሕጋውነት ዘለዎ ውዕል ምስዝህሉ ጥራይ እዩ።

 

ሳዕቤን ናይ’ዚ ውዕል እንታይ እዩ፣

ከም ኩሎም ኣህጉራዊ ውዕላት፡ እዚ “ሓባራዊ እዋጅ ሰላምን ምሕዘነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን” ተባሂሉ ተሰምዩ ዘሎ ውዕል፡ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ`ዩ ዘለዎ። ሰለዝኾነ ከኣ፡ ነቶም ዋናታቱን ካልኦት ኣካላትን ብዝተፈላለየ መኣዝን ክትንትንዎን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትግብርዎን ዘሎ ተኽእሎ ሰፊሕ እዩ። ንዓና ትንሳኤ ከም ሃገራዊ ምንቅስቓስ፡ ዝኾነ ዓይነት ሰላም ብቐዳምነት ረብሓ ሃገርናን ህዝብናን ውርሻ ሰማእታትናን ዘረጋግጽ ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ። ኣብ ትንታነ ትሕዝቶን ሳዕቤንን ናይ’ቲ ውዕል ከም ቀንዲ ረቛሒ ንወስዶ ከኣ፡ ባህርን ፖለቲካዊ ድሕረ-ባይንታን ናይ’ቲ ዘይሕጋዊ ውክልና ወሲዱ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ዝኸተመ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ ሰለዝኾነ፡ እዚ ውዕል ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ሳዕቤኑ ኣንታይ ክኸውን እዩ ኣብ ዝብል ሕቶ እቲ መልሲ ከም ጸሓይ ቀትሪ ብሩህ’ዩ።

ናብ’ቲ ትሕዝቶ ናይ’ቲ ውዕል ምስንመጽእ፡ እቲ ውዕል ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ዘለዎም ብብዙሕ መዳያት ዘተኣሳስር ዝምድናታት ዝብገስ ናይ ሓባር ረብሓታት ክምዘለዎም ይጠቅስ። ብምቕጻል ኣብ “ዝሓልፉ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ኣብዚ ሓባራዊ ውርሻ ዝተመስረተ ብሩህ መጻኢ ንምህናጽ ዕድላት ከምዝተነፍጎም[ን]” “ከቢድ ዋጋ ዝኸፈለን. . . ኣሉታዊ ስምብራት ዝገደፈ ምዕራፍ. . .” ክምዘነበረ እቲ ውዕል የዘኻኽር። እቲ ውዕል ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት፡ “ነዚ ምዕራፍ ዓጽዮም፡ ነቲ ዝኸሰርዎ ዕድላት ከምልሱን ካብኡ ዝዓበየ ወርቃዊ ዕድላት ክፈጥሩን ቆሪጾም ተበጊሶም ክምዘለው” ይነግር። ከም ህዝቢ ክንዮ’ቲ ኣብ መቐድም ሰፊሩ ዘሎ ሰሓብቲ ቃላት ምርዳእ ከድልየና እዩ።

ከም ኤርትራውያን ክንዮ መሰጥቲ ቃላት ሓሊፍና ክንግንዘቦ ይግበኣ፡ ምኽንያቱ እቲ ቀንዲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ኣብ ጎረባብቱ ሃገራት ዘለዉ ህዝብታት ዘለዎ ኩለ-መዳያዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ኣይኮነን። እቲ ሕቶ፡ ብዛዕባ ድልውነት ህዝቢ ኤርትራ ንሰላምን ምክብባርን ምዕባለን ብልጽግናን ምጉዓዝን’ውን ኣይኮነን። ከም ዝፍለጥ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ታሪኻዊ መድራኻት ንህላውነቱን ክብርታቱን ዝፈታተን ኲናት ብምምካትን፡ ኣብ 1991 ሃገራዊ ናጽነቱ ብምውሓስ፡ ሓድሽ ምዕራፍ ታሪኽ ምዕባልን ብልጽግናን ሕውነትን ምትሕበባርን ምስ ጎረባብቱ ዝኣንፈተ ህዝቢ እዩ። ነዚ መሰረት ክኸውን’ውን ውሽጣዊ ዴሞክራስያዊ መስርሕ ብምንጻፍ ሃገራዊ ቅዋም ዘጽደቐ ህዝቢ’ዩ። እንተኾነ ብሰንኪ ስእነት ሰፊሕ ልቦና ዘለዎን ካብ ትምክሕቲ ነጻ ዝኾነ መሪሕነት፡ ከምኡ’ውን ኮነ ኢልካ ነቲ ጀሚሩ ዝነበረ ዴሞክራስያዊ መስረሕ ንምዕንቃፍን፡ ስልጣን መንግስቲ ንምብሓትን፡ ኣብ ዘይሓሰቦ ኲናት ከም ዝሽመም ኮይኑ ጸኒሑ። ብሰንኪ እቲ ኣሰቃቒ ዶባዊ ኲናት ናይ ዓሰርተታት ኣሻሓት መንእስያት ሂወት ዝተቐዝፎን፡ ስንክልና ተሰኪሙ፥ ኩለእንትናዊ ምድኻምን ምብትታንን ኣጋጢምዎ፤ ኣብ ርእሲ’ሲ ውልቀ-ምልኪ ጎብሊሉ፡ ዓስርተታት ኣሻሓት ዜጋታቱ ኣደዳ ማእሰርትን፡ ግፍዕን፡ መቕተልትን፡ ሰደትን ፍልሰትን ተሳጢሑ። ኣብ ከም`ዚ ኩነታት ዝርከብ ህዝቢ፡ እቲ ዓቢ ሕቶኡ፡ ሕቶ ግዛተ-ሕጊ እዩ፥ ሕቶ ውክልና፡ ሕቶ ተሓታትነት ዘለዎ መንግስቲ እዩ። ንሕጊ ዝሕተት መንግስቲ ምምስራት እዩ።

ኣብ ኤርትራ ግን ብሕጊ ዝሕተት መንግስቲ የለን ትራይ ዘይኮነስ ኢስያስ ራእን ድልትን ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነ፡ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝሃቦ ውክልና ሰለየለ ብሽሙ ክዛረብን ኣብ ክንድኡ ኮይኑ ክውስንን ክኽትምን ፍጹም ሞራላውን ሕጋውን መሰረት የብሉን። ስለዚ ከምቲ ምስ ነብሱ ሰላም ዘይብሉ ሰብ ምስ መቕርቡ ሰላም ክህልዎ ዘይክእል፤ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ኣብ ትሕቲ መቕተልትን ጭቖናን እንከሎ፡ ቅድሚ ውሽጣዊ ኩነታቱ ብሕግን ኣብ ሕግን ዘረት ዝገበረ ምሕደራ መንግስቲ ዘረጋግጽ ብዛዕባ ሰላምን ሕውነታዊ ዝምድና ምስ ጎረቤቱ ቀዳምነት ሰሪዑ ክሰርሓሉ እዩ ኢልካ ምዝራብ ዘይምኽኑይን ሓደጋ ዘኸትል ፖለቲካዊ መኣዝን ስለዝኾነ፡ ሃገራውያን ክንነቕሓሉ ይግባእ።

ኣብ’ቲ ስምምዕ “ክልቲኦም መንግስታት፡ ህያው ረብሓታት ህዝብታቶም ንዘገልግልን ዘሳጉምን፡ ጥቡቕ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ጸጥታዊ ምትሕብባራት ክሰርሑ እዮም” ዝብል ሰፊሕ መብጽዓ ኣሎ። ብመሰረቱ ኣብ ከም’ዚ ዓይነት ምትሕብባራት ክትበጽሕ፡ ብዙሕ መሰርሓትን ምምኻርን ትካላዊ ምቅርራብን ዘድልዮ እዩ። ብሕልፊ፡ ንሕና ከም ህዝቢ ን30 ዓመታት ንመሰል ርእሰ-ውሳነ መሪር ቃልሲ፡ ዕስራ ዓመታት ብግጭት ዶብ ዘሕለፍና ህዝቢን ሃገርን፡ ከም`ዚ ዓይነት ውዕል ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ክንኣቱ፡ እሞ’ኸኣ ምስ ሰራዊታ ካብ ልዑላዊ መሬታ ገና ዘየውጽአትን፡ ነቲ ብባይቶ ሃገራ ዝኣወጀቶ ኣዋጅ ኲናት ክሳዕ ሕጂ ብባይቶኣ ነቲ እዋጅ ኩናት ዘይሰረዘትን ሃገር ብዕቱብ ክንርእዮ ዘገድደና ጉዳይ እዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ “ህያው ረብሓታት” ዝብል ኣመር፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ መን ኣብክንድኡ ኮይኑ ነዚ ውዕል ሃንዲስዎ ኣጸቢቑ ሰለዝፈልጥ፡ ሃገራዊ ረብሓ ካብ’ዚ ዝግበር ምሕዘነት ምጸባይ፡ ካብ “ደርሆ ጸባ” ምጸባይ ማለት እዩ። ብመሰረቱ’ውን፡ ከም ሃገር ከም ህዝቢ ኣብ’ቲ ዘተሓተ ደረጃ ዓቕሚ ስለዝወረድና፡ ብሕልፊ ከኣ ብዓይኒ ትካላዊ ዓቕሚ መንግስታውን ብሕታዊ ትካላት ሃገርና ትሕቲ ባዶ ወሪድና ከምዘለና ንጹር እዩ። በዚ ዘሎ ትካላዊ ተሓታትነት ዘይብሉ ኣካይዳ፡ ካብ ምትሕብባር ዝርከብ ረብሓ ምሉእ ብምሉእ ናይ’ቲ ውልቀ-መላኽን ኮራኩሩን ክምዝኸውን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ሃብቱ ተመጽዋቲ ኮይኑ ትሕተ-ዜጋ ኮይኑ ዝኸደሉ ኩነታት’ዩ ክፍጠር። እዚ ድሮ ንዲፕሎማሲያዊ ጉዳያት ሃገርና ዝምልከት ብኣላይነትን ውክልናን ኢትዮጵያ ክሰላሰል ምጀማሩ መርኣያ ነቲ በዚ ውዕል መሰረት ክብጻሕ ዝተደልየ ማለት ኤርትራ ጽግዕተኛ ሃገር ዝገብር ዘይሚዛናዊ ምሕዘነት ከም ዘኸውን ንርኢ ኣሎና። እቲ ዝብሃል ዘሎ ምትሕብባር ከም’ዚ እቲ ውዕል ኣቀሚጥዎ ዘሎ ገደብ ከምዘይብሉ ንጹር እዩ። ንምትእትታው ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጣዊ ፖሊቲካ ሃገርና ዘብህግ ርሒብ ኣፍደገ ዝኸፍት’ዩ።

ንሕና ከም ሃገራውን ክንገንዘብቦ ዘሎና፡ ድሕሪ እዞም ውቅባት ቃላት ኩነታትን ረብሓን ህዝብን ኤርትራ በጃ ዝገበረ ፖለቲካዊ ዋጋ-ዕዳጋ ከምዘሎ እዩ። መበገሲ ናይ’ዚ ድማ ኣብ ዞባና ጂኦ-ስትራተጂካዊ ረብሓታት ዘኸተሎን ከምኡ`ውን ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ምርግጋእን ንዕኡ ዘገልግል ምስ ናይ ወደብ ዓሰብ ተጠቃምነት ዝተእሳሰር ቁጠባዊ ጽገና ኢትዮጵያን እዮም። ውልቀ-መላኺ ኢስያስ፡ ነዚ ኣጋጣሚ ንረብሕኡ ክጥቀመሉ ክጓየን፡ ረብሓ ኤርትራን ህዝባን ንምውሳንን፡ ሕድሪ ሰማታትና ንምጥላም፡ ዓይኑ ኣይሓስየን። እዚ ድማ በዚ ናይ ሰላም ስምምዕ ወልቀ-መላኺ ኢስያስ ኣፈውርቂ ክበጽሖ ዝሃቀኖ ባህግን ሃንቅውታን ብሕጽር ዝበለ ንምርድኡ ከምዚ ይመስል፥

  • ነቲ እንዳ ተፈራኸሸ ክመጸእ ዘተራእዮ ህላውነቱ ኣብ ሰልጣን ሰለዘደናጒ፤
  • ካብቲ ንዝሓለፈ ሓያሎ ዓመታት ከም ተናኻሲ ዒኮት ኣብ መቐራቕሮ ተሓቢኡሉ ዝጸንሖ ተነጽሎ ክወጽእ ዕድል ስለዝኸፈተሉ፤
  • ዘይዓግብ ሽውሃት ስልጣኑን ከርውየሉ፤
  • ንዘለዎ ጽልኣተ-መንነቱን ክቱር ጽልኢ ኣብ ልዕሊ ሓውና ዝኾነ ክቡር ህዝቢ ትግራይ ዓወት ዘመዝገበ ስለዝመሰሎ
  • ንህዝቢ ኤርትራ ንሱ ‘ፈጣሪኡ’ ንሱ ‘ኣጥፋኢኡ’ ክምዝኾነ ዋግኡ ብዘየገድስ ከርኢ፤
  • ተሰለጠ ብምኽንያት ‘ዞባዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር` ቆሪንካ ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ‘ምንጋስ’።

ክንዮ ባህጊ ኢሰያስ ሓሊፍና እምበኣር እቲ ዝሃምም ዘሎ ፖለቲካዊ ዕንደራ ንነዊሕ ዕላማ ከገልግል ዝተነድፈ ኮይኑ፥ እዚ ሕጂ ብጉያጉያ ዝትግበር ዘሎ ብህጹጽ ነቲ ሕቡእ ኣጀንዳ ኢሰያስ ኣብ ባይታ ሓቅታት ምውዳድ ምዃኑ ብንጹር ከበርሃልና ኣለዎ። ብሕልፊ ምስ’ቲ፡ ብቕልጡፍ ማዕቢሉ ዝረአ ዘሎ ውልቃዊ ዝመስል ምሕዝነት ቀ/ሚ ኣቢይን ውልቀ-መላኺ ኢስያስን፡ እቲ ዝምድና ክንዮው ዕላውነት ዝሰገረ፡ ሃገርዊ ረብሓ ኤርትራ ንቑልቁል ዝሸምም ሓደገኛ፥ ንመጻኢ’ውን ብኣግኡ ሃገራዊ ሓልፍነትና ወሲድና ናብ ንቡር ሚዛኑ ክንመልሶ እንተዘይኪኢልና ከቢድ ዋጋ ክንከፍል ምዃን ንጹር እዩ።

 

 

 

  1. ሃገራዊ ክሕደት ኢሰያስ ኣፈወርቂ

ዕማምን ሓላፍነትን ሓደ መራሕ መንግስቲን ሃገርን ድሕነት ህዝቢ ምዕቃብ፥ ረብሓ ሃገር ምርግጋጽ፥ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ምሕላው ካብ ዉሑዳት ክጥቀሱ ይከኣል፡ ነዚ ዘይበቅዕ መራሒ ካብ ስልጣኑ ክእለ ትራይ እዩ ዘለዎ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ከም መራሒ መንግስቲ ንድሕነት ህዝቢ ምሕላው ዘይኮነስ ንስቓይ፥ ሕሰም፥ ውርደትን ዜጋታት ዘቃልዐ፥ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ዘዋረደ፥ ንረብሓ ሃገርን ልኡላዊ ስልጣን ህዝቢ ንባዕዲ የሕሊፉ ዝሃበ እዩ። እዚ ድማ ዝለዓለ ደረጃ ገበን ሃገራዊ ክሕደት ፈጺሙ ይርከብ።

ጉዳይ ዶብ ምኽንት ጎንጺን ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ ብሰሩ’ውን ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ተበጺሑን ብይን ክትግበር ኣለዎ ክበሃል ዘኒሑ ከብቕዕ፡ ምትግባር ውዕል ዶብን ምኽባር ልዑላውነት መሬትን ብቐዳምነት ኣብ ባይታ ክንድዝውዕልን እቲ ብሰንኪ እዚ ውግእ ዝዓነወን ዝተተንከፈን ዝደመየን ዝሰንከለን ህዝብን ኣካላትን ግቡእ ፈውሲን ካሕሳን ስሩዕ ሂወትን ክመርሑ ኣብ ክንዲ ምስራሕን፥ ንረብሓን ዕብየትን ባዕዲ ቀዳምነትን ድምቀትን ዝህብን ዝሰርዕን ኣካይዳ ንእዱድ ፖለቲካዊ ጥሙሕ ኢሳያስ ዘርዊ ፖለቲካዊ ዕንደራን ሃገራዊ ክሕደትን ይፍጸምን ይካየድን ኣሎ።

ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንኣሽሓት መንእሰያት ኤርትራ ብምኽንያት ዶብና ተወሪሩ ብምባል ንመስዋእትን ስንክልናን ዘኸተለ ኩናት ዘእተወ ክንሱ ሕጂ ዶብ ኣይኮነን መባኣሲና፥ ዶብ ዋጋ የብሉን፥ ዶብ ዝበሃል የለን ብምባል ብወግዒን በሽካዕላልን ገሊጹ፡ እዚ ንመስዋእትና ኮንቱ፥ ብመስዋእትና ዘረጋግጽናዮ ልኡላውነት ዋጋ ከምዘይብሉ፥ ዶባት ዘለዋ ልኡላዊት ሃገር ከምዘይብልና ብተደጋጋሚ ብወግዒ ገሊጹ፥ እዚ ዝለዓለ ገበን ክሕደት ሃገር’ዩ።

ባዕዳዊ ሰራዊት ካብ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ገና ከይተነቓነቐ እናሃለወ፥ ብመስዋእቲን ብሕግን ዝተረጋገጸ መሬት’ውን ክሳዕ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራ እጀታኡ ከይተረከበ እንከሎ፥ ኢሰያስ ኣብ ባዕዳዊት ሃገር ዝተዳለወሉ ድግስን ዳንኬራታትን ከዳምቕን ንነብሱ ደሚቑ ከርእን፥ ኣለኹ ናትኩም ኢና ብሓባር ክንከውን ኢና ብምባል ኤርትራዊ ዜግነት ዘሕፍርን ዘዋርድን ክብሪ ሃገር ባይታ ዘዝብጥ ተግባር ፈጺሙ፥ እዚ መቐጸልታ ንዝፍጽሞ ዘሎ ሃገራዊ ክሕደት እዩ።

ኢሰያ ንኹሉ ጉዳይ ሃገር ከም ብሕታዊ ንብረቱ፥ ብፍጹም ተሓታትነት ኣልቦ ኩሉ ሰብኣዊ፥ ንዋታውን ባህርያውን ጸጋታት ሃገር ኣብ መዓላ ጥልመትን ንረብሓ ሃገርን ህዝብን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስጉምቲታት ብምውሳዱን፥ ነቲ ናይ ህዝብና መራሒኡ ናይ ምምራጽ ብጹእ ልኡላዊ ስልጣን ህዝቢ ዝኾነ ፖለቲካዊ ስልጣን ብምጥሓስ “ዶብ ኣየድልን እዩ!”፥ ካብ ሕጂ ጀሚሩ ንባዕዳዊ መራሒ ‘መራሒና እዚ እዩ’ ብምባል ነቲ ብምልኪ ሒዝዎ ዝጸንሐ ስልጣን ሃገር ኣብ ክንዲ ናብ ዋንኡ ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዘረክብ፥ መሪሕነት ሃገር ንባዕዳዊ መራሒ ኣብ ዝተዳለወሉ ድግስ ብወግዒ ኣረኪቡ፡ እዚ ንህዝቢ ዘዋርድ ብፍጹም ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ተግባር ኢሰያስ ውጹእ ሃገራዊ ክሕደት ከምዝፈጸመ ነገንዝብ።

ብመዐቀኒ ክብረታ ዝሓለወት ሃገርን ንድሕነትን ንረብሓ ሃገሩ ዝቖመ መሪሕነትን ዝዝውተሩ ልሙዳት፥ ሕጋዊ መስርሓት፥ ፕሮቶኮላዊ ኣገባባትን መትከላትን ክኽተልስ ይትረፍ ብክሕደት ሃገር ዘሕትት ብወልቀ-መላኺ ኤርትራን ልኡኻቱን፥ ኣደብ ኣልቦ ከም ሃገር ዘሕንኽ፥ ዘዋርድ፥ ጠገለ ኣልቦ ዕንደራ ኢሰያስ ንክብረት ነፍሲወከፍ ፈታው ሃገሩን ኣኽባሪ ስውኣቱን ዝኾነ ዜርትራዊ ዜጋ ዘዋረደ ቅሉዕ ሃገራዊ ጥልመት እዩ።

ስለዚ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ብኢሰያስ ኣፈወርቂ ተፈጺሙ ዘሎ ተግባር ዝለዓለ ሃገራዊ ክሕደት ተረዲኡ፥ እዛ ሃገር፥ ሃገር ህዝቢ ኤርትራ ደኣምበር ንሃገር የሕሊፉ ንክህባ ዝጓየ ዘሎ ደማሒን ጉሒላን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ፈጺማ ክትሕደግ የብላን። ስለዚኾነ ድማ ናይ ኩሉ ኣፍቃሪ ኤርትራ፥ ንመንነቱ ዓቂቡ ክነብር ዝሓስብ ኤርትራዊ ሎሚ ኢሰያስ ኣፈውርቂ ሞሳ ክሕደቱ ምሉእ ብምሉእ ክፍደየሉ ዝግባእ በጺሕና ከምዘለና ንሕብር።

 

 

 

  1. እዋናዊ ሃገራዊ መጸዋዕታ፥

ዎ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፥ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ጽፍሒ ሓላፍነት መንግስቲ፥ ኩሉኹም ላዕለዎት ኣዘዝቲን ኣባላትን ሓይልታት ምክልኻ ኤርትራ፥ መንእሰያት፡ ከምኡውን ኣብ ደገን ወጻእን እትርከቡ ኣባላት ህግደፍ ብፍላይ፥ እዚ ዘለናዮ ህሞት ሃገርና ብሓቂ ወካሊ ዘይብላ ሃገር ምዃና ዝተነጸረሉ፥ ካብ ኢድና ወጺኣ ንባዕዳዊ ዋንነት ክትርከብ በቲ ዝኣመንክምዎ ልዑል ሃገራዊ ክሕደት ተፈጺሙ፥ ሃገር ሓንሳብን ንሓዋሩን ዋንነትኩም ትስእንሉ ናይ መጨረሻ ሰዓት በጺሑ ይርከብ።

ስለ’ዚ ሎሚ እቲ ምርጫ ንጹር እዩ። ንውዲት ጉሒላ ኢሰያስ ኣፈርቂ ኢድካን እግራኻን ኣጣሚርካ ብምዕዛብ ሃገር ዘይብልካ ምትራፍ፥ ወይ ድማ ሓንሳብን ንሓዋሩን መንነትካ ንምርግጋጽ ንትንሳኤኻ ደው ምባል እዩ። ልዑል እምነትና እዚ ዳሕረዋይ ምርጫ እዩ። ኤርትራ ኣደ ወራዙት፥ ኤርትራ ኣደ ጅግንነት፥ መኸተን ጽንዓትን፡ ኤርትራ ኣደ ሕግን ኣገባብን ክብረትን፥ ኤርትራ ኣደ ትብዓትን ቆራጽነትን ሃገር፥ ኤርትራ ኣንጻር ክሕደትን ጥልመትን ምዃና ዳግም ነረጋግጸሉ ሰዓት ሕጂ እዩ። ጸላኢና ሓደን ሓደን ጥራይን ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ።

ስለ’ዚ ክህልወና ዝኽእል ፍሉይ ርኢቶ ወይ ሓሳባት ትሕቲ ኤርትራ ዝስራዕ ጥራይ ምዃኑ ኣሚንና፥ ብሓባር ክንለዓልን ንኢሰያስ ወጊድ ብምባል፥ ሃገርና፥ክብረትና ንምለስ፡ ትንሳኤና ነውሕስ።

 

ንትንሳኤ ሃገር፡ ኩልና ንበራብር፡ ኩሉና ንሕበር!

ፈጣሪ ንህዝቢ ኤርትራን ሃገርና ኤርትራን ይባርኽ!!!

ህዝባዊ ተላዕሎ ንትንሳኤ ኤርትራ (ትንሳኤ)።

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
31 COMMENTS
  • AHMED SALEH !!! August 1, 2018

    Ethiopians example of people’s power show us how to resist any
    authoritarian government . It is not
    Issaias but our stupidity to ignore
    events in early 1990’s that showed us signs of unlawful rule was the
    cause on our current predicament .
    At the end Eritrean young generation
    are paying the price which bothers
    to all righteous fellow citizens .
    As we observed Issaias gave honor
    to Ethiopian P.M. to lead the process
    of their leadership while he throw
    into dungeons to every politician who try to promote for constructive policies . The only answer for our
    political issues lies on replacing the
    old mentality with open minded leadership .

    • Debish August 1, 2018

      Fat ugly Muslim asshole, you are the old sick mental Arab run-away slave, JASUS AKUR shit.

      • AHMED SALEH !!! August 1, 2018

        Xerfi newri iyu .
        No need vulgar words .

        • Asmerom August 1, 2018

          Ayte ahmed, Xerfi newri’yu, where is it newri, in your Arab/Afghan culture or in your old Shire – Wolkayit – Tigray – Gonder culture???????
          We will happily give you proper and plenty “Xerfi” or “XifiEt” soon, no worry!

    • meretse August 2, 2018

      ኣሕመድ ሳልሕ
      “Ethiopians example of people’s power show us how to resist any authoritarian government.”
      ንተስእ ምባል ጥራሕንዶ ምኣከለካ። ዋላ’ዃ በዚ ዝተፈጠረ ናይ ኢሰያስ ህዝቢ ኤረትራ ይደናገር እምበር፡ መንእሰይን፡ ከምኡ’ውን ዝሓለፉ ኣቦታትና ንእምበለይ ንመግዛእትስ ቀዳሞት ኢዮም። ነዚ ንምምስካር ንድሕሪት ከምዘይምለስ እመን፡ ዋላ’ዃ ንስካ እንተ ደለካዮ። ወይ ጉድ ሎሚ ኮነ፡ ሓምለ ኮነ በለ ሓረስታይ! ኣንታ ወደይ እዛ ኢትይጵያ ከመይ ኢላ ኢያ መቅራትካ ኣብ ሎሚ በጺሓ?

      • Dawit August 2, 2018

        Ahmed Salih seems to miss his old Ethiopia so much these days!
        May be he was forced (against his wishes) to leave Ethiopia in the past but now
        with his Muslim cousin Dr Abiy Ahmed Biladen in charge of Ethiopia (as PM),
        he feels more safe and confident to return to his once beloved refuge country Ethiopia! Poor Eritrea must have been a short and temporary hiding/resting place
        for him but I don’t see why it is any business of meretse or anybody else?
        As a moslem man his country is his religion, ‘aslamay Adi yeblu Awdi yeblu’, indeed.

  • k.tewolde August 1, 2018

    With all due respect to the writer,I suggest use archived pictures depicting Eritrean people next time,because it is our issue,otherwise it is the perfect call of the season,>>> ‘ጸላኢና ሓደን ሓደን ጥራይን ኢሰያስ ኣፈወርቂ እዩ።’ even though he have the do boys who look like you and me,the statement is glaring true even Stevie Wonder can see it. Yes,he took his time and cleaned house making sure the owners are evicted and the rest are incinerated in the fireplace and in a bright summer day he laid the red carpet and greeted his brothers who dispatched him a long time ago to their colonial home and they coronated him for the dedication for his country of origin.

    • meretse August 2, 2018

      እንጀራ ዓለም ብልዕ። ልክዕ ኣሎካ ሓው ከ. ተዎልደ ( k.Tewolde ) ኪኖ’ዚ ዝብሎ የብለይን። ሓንቲ ስእሊ ኪኖ ሓደ ሚልዮን ቃላት’ያ ዝብል ፈሊጥ ዶ ዘይሰምዔ ኮይኑ?

      • Yohan August 2, 2018

        Son of a bitch k.tewolde {komal teKebre} should be poisoned to death instead.

  • Degoli August 1, 2018

    እወ ! ፍቕርን ሰላምን ንኤርትራ ኢትዮጵያ ፤
    እምቢ ንውግእ ፤
    እምቢ ንዕንወት ፤
    እምቢ ንባርነት ፤
    እምቢ ንስደት ፤
    እምቢ ድኽነት ፤
    እምቢ ንዓረባውነት ፤
    እምቢ ንሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ።

    እወ ንደሞክራሲ ፤
    እወ ንፍትሒ ፤
    እወ ንልምዓት ፤
    እወ ንስራሕ ፤
    እወ ንህንጸት ፤
    እወ ንቋንቋታትና ሕላገትና ፤
    እወ ንመንነትና ፤
    እወ ንናይ መዋእል ታሪኽና ።

    ፍቕርን ሰላምን ንኤርትራ ኢትዮጵያ ፤
    ሰላምን ምሕዝነትን የውርደልና ።

    • Yohan August 2, 2018

      I love your beautiful poem, Degoli. Yes, to peace and love for the people of Eritrea & Ethiopia.

  • Simon G. August 2, 2018

    ኣዘንገዓኩም ዶ ‘ታ ዝርጉም
    ‘ንዳረኣኹም ዶ ‘ታ ተሃሲኹም
    ኣለና ‘ዳበልኩም ዶ ‘ታ ጠፋእኩም
    ክላእ! ብላሽ! ‘ዝውን ‘ንተተረዲኡኩም
    —————————————

    ዝመንቀኛ ልኡኽ ናይ ቀደም
    ተንኮል ክፍሕስ ዘይቅደም
    ክልተ ኢዱ ዝጨቀወ ብደም
    ————————————–

    እወ! ንሕናስ ‘ምበር ኢልና ተጠንቀቑ
    ንጉስ ዝለኣኾ ካብ ቀደም መሪቑ
    ከይገበለ ‘ንከሎ ብረቂቑ
    ደቂ ሃገር ክጭፍልቑ
    —————————–

    ወዲኹም ‘የ በለ ከምስል
    ዝቁሩሕ መስታህብል
    ሃገራዊ ‘የ በለ ከመስክር
    ———————————

    ብውሽጡ ግን ይሕንሕን ነበረ
    ኣይዓርፍን ይብል ሕቖ ሰውራ ከይሰበረ
    ኣርካናት ጀጋኑ ደቂ-ባት ከይቀበረ
    ብኣፉ ካብ ደቂ-ባት ናልዕሊ መደረ
    ማህደሩ ግን መን ከምዝቕንጸል ኣስፈረ
    ከም ሕጉስ ከየማረረ!

    ——–ወይ ጉድ!——————-
    ሕጂ ውን ሓጺር ግዜ ‘ለና
    ጠሪስና ከይጠፋእና
    ኣብ ገዛእ ሃገርና
    ከይኮና ጓና
    ልቢ ንግበር
    ከይተርደኣና ከይንድመር
    ኣብዪ መራሒና ከይኮነ ገለ ንግበር
    ———————————–

    ምጥፋእ ‘ተኾይኑ
    ዝተርፍ የለን ንበይኑ
    ብሓንሳብ’ያ እታ ጥፍኣት
    ንዓያሹ ንለባማት
    ኣልማማ ትልክም
    ደሓር ተጋጊና ምባል ኣይርከቦን ትርጉም
    ተታሒዝና ከይንድርገም ኣብ ጉህም
    ——————————

    ኮፍ ኢልና ንዘቲ
    ሰብኣይ ምስ ሰበይቲ
    ሕድራ ነኽበርላ ነዛ ጅግና ስውእቲ
    ኣለና ንበላ
    ነጻነት ከተምጸአልና ‘ያ ሰንኪላ
    ኣምስያኡ ድማ ሂወታ ከፊላ
    ስለዚ መብጸዓኣ ነኽብረላ

    • k.tewolde August 2, 2018

      Simon, it ain’t over till the fat lady sings as they say,it takes a scalding hot water for the tea bag to give of its flavor,that’s what the Eritrean people are going through.I wish we paid attention to voices of prudence early on.’It tipped over but and never spilled’ an old tigrigna saying,there is always that silver lining and you are one of that,just keep the house fire burning.

      • Yohan August 2, 2018

        Too many morons functioning by digitally switches, what a shameful son of bitches.

        • Simon G. August 2, 2018

          Shilan,
          I don’t think you can remember all your nicks. I can’t say what’s wrong with you because everyone knows it, even your direct family.
          Please, don’t forget your daily pills. OK?

          • Deglel August 2, 2018

            Do you want to bet? I am just about to catch up with your cousin 100% Moslem NEFAHITO – Abdurobo teraAraA, don’t be a jealous and envious HetellaGuzay shit poisonous snake!! Btw, where are your direct/immediate family these days??? I don’t think you can remember all of them {ELF old criminal shefatu/bandits and Arabs used up condoms} either, can you, tsaHitsaHi diKala hatela???

  • meretse August 2, 2018

    ሳ . ጂ ኣይክንዲ እቲ ናትካን ግን እንታይ ከይትብል
    ንኹሉ ሃይማኖት ድሕር በል ኢሉ
    ናይ ጵንጤ ገብሪኤል ኣስመራ ዊዒሉ
    ዶክቶር ኣቢይ ንስካ እንታይ ጌርካ?
    ዘይ ኣያካ ኢሰያስ ኣወናዊንዃ
    ወይ እንዳ መገርሳ ዶር. ኣቢ
    ንገዛኩም ቃጤማ ፡ ንዓና ቅንጭቢ
    በሉ ደሓን ኣይትድከሙ ኣይትመላለሱ
    ሃገር ኣይውኩሉን እንዳ ንሕና ንሱ
    ደሓን! መገዲ ገዛን ስለ እንፈልጦ
    ድካም ኣየድልን ሽማግሌ እንጠጦ
    እንዳ መርገሳ-ኣቢ ኣይትፈታቱኑና
    ንሕማቕ መዓልቲ ሱሑል ቀርኒ ኣሎና

    • Deglel August 2, 2018

      Weak cowards HADEMTI TSAHITSAHITI TEBELETSI
      “Hamema/flies entebeziHu meKiden disti neygilibiTu”. indeed.
      Similarly, no matter how many crippled, lousy poems aren’t going to make any changes.
      Get out of your stinky fucking criminal murderous ELF mendef wheelchairs for a change.

    • Simon G. August 2, 2018

      እዋይ! ኣንታ መረጸ
      ሰብ መረጸኑ ከይመረጸ
      ሰብ ካብ እንስሳ የዕርዩ ከይበለጸ
      ርእሱ ብእምኒ ክላጸ
      ሽም ተመርጸ ባቃ መረጸ
      —————————–

      ሽም ይመርሕ
      ጥዋፍ የብርህ
      ጸቕጢ የብርሕ
      ብዓመጽ ዝተረኽበ ሃብቲ የመክሕ
      ፍለጠት ሓንጎል የብልሕ
      በለ ኣቦይ መዘንግዕ
      ዝጸዓረ ይበልዕ
      ———————————

      በል! በል ኣቶ መረጸ ስምዓኒ
      መን’ዩ ክወድዮ: ናይ ናትካን ከማኻን ሳእኒ
      ንስኻትኩም ‘ኳ ክትሰምዑ ትኽእሉ ብዘይ እዝኒ
      ትሪኡ ብዘይ ዓይኒ
      ምሳና ‘ባ ተዳረኩም
      ወይ ግዜ ሕሱም
      —————————
      እምበር
      በዓል ኣብዪ ‘ኳ መራሕቲ ዝኾኑ
      ምድማር ክላመዱ ዝፍትኑ
      ኣልጀብራ ነጢሮም ካልኩለስ በሊዕናያ ዝብሉ
      ውልዶ ተመን ክንሶም ጥር ኢሎም ዝገበሉ
      ባንዴራ ምድማር ተስኪሞም ክዕብልሉ
      በዓል መረጸ ከምዘለዉ ካን! ርስዕ ‘ካ በሉ
      ———————————————
      ደጊጋ ያመዓለም

      ህድእ ንበል ያሸባብ
      በዓል ኣቢዪ ቅልዕዎ ትጉልባብ
      ፍቕሪ ዝብል መደናገሪ
      ሓቂ ዘይብሉ ዘይፈትዎ ፈጣሪ
      ኣይክሰርሓልኩምን ‘ዩ
      ህዝቢ ኤርትራ ኣይተብክዩ
      ፍረ-እኪትኩም
      ክትመልሰያ ናባኹም
      እዚ ወደሓንኩም!

    • Simon G. August 2, 2018

      Brother Meretse,
      I had replied you with another poem and Assenna deleted it for some reason.
      They delete a simple poem but post many FILTHY comments. Hard to understand.

  • Gezae August 2, 2018

    The two leaders understand the historical significance of their undertaking. They have a useful sense of urgency. They are aware of past failures. They know the status quo can no longer hold. They addressed practical modalities. They understand that the process they now begin is a responsibility they owe their people.

    Thus the people of Ethiopia and Eritrea are increasingly convinced that, before anything else, they need more than ever to restore civil peace and reconciliation. They also place a premium on stability and security as necessary conditions to preserve the standard. The border case was already finished[16 years ago] We Eritrean know our own. So we do not bother if the Woyane Kilil Tigray delaying the withdrawal of the armies and the process of demarcation. Our relation with the Ethiopian central government, the Massawa-Assab-Addis Abeba road and Air transportation will vigorously continue.

    As far as your demonstrations and calls are concerned do not comprehensible enough about the importance of peace and national reconciliation for democratic transitions reform. Thus, our Eritrean people argumentation has shown, outside mediators whether UN or EU what so ever Human right or Human fight and the garbage one person hate mongers so called opposition cannot put peace and national reconciliation on track if the domestic protagonists/principals are not interested.about

    • Yohan August 2, 2018

      Mr Gezae, I couldn’t agree more dear brother.
      “The importance of peace and national reconciliation for democratic transitions reform”.
      Our relation with the Ethiopian central government (and the people to people relation), the
      Massawa-Assab-Addis Ababa road and air transportation WILL vigorously continue. Indeed.

    • Simon G. August 2, 2018

      ብሓንቲ ቃል ንገዛኢ ግለጾ ተዝብሉኒ “በትኪ” ምበልኩዎም።

      • Deglel August 2, 2018

        I would describe Mr Gezae as the most brilliant gifted assenna’s commentator. Would you be interested on how I would describe you in two words, Nooo, I didn’t think so either!

        • Deglel August 2, 2018

          of course, would you be interested ‘to know’ on how I would describe you….

      • Tsehaye August 2, 2018

        simon g, why is it you always pick on the weak {I mean on polite gentlemen like brother Gezae and brother Rezen} all the time, and not the heavyweight punchers like brother Michael Tesfamariam?????? Brothers Gezae and Rezen probably keep ignoring you as an irrelevant noisy baby rather than a worth opponent. Where is the gentleman Mr Rezen anyway??? I hope you have not discouraged or put him off from participating any longer as assenna, if so however it would be a very disappointing and a tragedy indeed.

        • Ermiyas August 2, 2018

          please read as: worthy opponent and not just worth, thx.

          • Danilo August 2, 2018

            Ermiyas,መስሓቅ!!! ሸኺዕካ።that word (worth ) to be read as worthy, isn’t, haven’t, corrected by tsehaye? Boy, you are exposed.

          • Simon G. August 3, 2018

            Danilo,
            ዝፈገር ተኸሺሑ!

  • Danilo August 2, 2018

    ሓዳሽ ደርፊ ካብ ኣስመራ፡
    ወሲዳቶ ወሲዱዋ ሓዲሽ ስብራ፡
    መርዓውን መርዓትን ኮለልቲ ዳመራ።

    ኣቢ ንእፈይ ነጸላ ፈይፈይ፡
    ኣብ ኣዋሳ ሕጽኖት ዱበይ፡
    ኣቢ ኣሽኪዕዋ ን እፈይ።
    ——-++–+-+++++++
    ኩቡራት ኣንበብቲ፡ ቃል ብቃሉ ዘይኮነ፡ብተመሳሰሊ ኣብ ክንዲ ወሲዱዋ ወሲዳቶ፡ንቡር መርዓ ዲዕ ዝበለ ተቃውሞ ንስምምዕ ወይ ፎርሙላ ኣዋሳ ዝቃወም ጓይላ ሻርዕ እዩ።ግን ከምቲጉቡእ ፍቃድ ስለ ዘይረ ኸበ ፡ ” በጊዔይ በጊዔይየ ባዕለይ’ዶ ዘንጊዔየ ” ዳግማይ ከይንብል ይስተረና።

  • Samuel August 5, 2018

    ኢላማ አሰያስ ሎሚ 100% ተጋሂድልና አዩ
    ስለዚ ተበገስ ኩሉካ ወዲ ሃገር መረትካ ምለስ
    ባይቶካ ምለስ
    ደርፊ የማነ ባርያ ኣይሰማኣናያን?????
    ለዋህ አርትራዊ ዘረባይ ስማአኒ ኣፍራ ከይትረግጽ መሲልካ አምኒ! !!!!!!!!!

POST A COMMENT