Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝባዊ ኣኼባ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን

ህዝባዊ  ኣኼባ  ኤርትራውያን  ደለይቲ ፍትሒ  ሽቱትጋርትን  ከባቢኣን „ ታሪኻዊ መጸዋዕታ ንታሪኻዊ  ዘተ „“ ብህዝቢ  ካብ ህዝቢ  ንህዝቢ         ክቡራትን  ክቡራንን ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን  እትነብሩ           ደለይቲ  ፍትሒ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ሽሕ`ኳ ብኸቢድ መስዋእቲ ኣሽሓት ክቡራት ደቃ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ

ህዝባዊ  ኣኼባ  ኤርትራውያን  ደለይቲ ፍትሒ  ሽቱትጋርትን  ከባቢኣን

ታሪኻዊ መጸዋዕታ ንታሪኻዊ  ዘተ „“

ብህዝቢ  ካብ ህዝቢ  ንህዝቢ

        ክቡራትን  ክቡራንን

ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን  እትነብሩ

          ደለይቲ  ፍትሒ

ናጽነት ሃገርና ኤርትራ ሽሕ`ኳ ብኸቢድ መስዋእቲ ኣሽሓት ክቡራት ደቃ ዝተረኸበ እንተኾነ፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብሰሪ ገባቲ ዲግታቶርያዊ ስርዓት እቲ ኲሉ ዝተኸፍለ መስዋእቲ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ዝሓሸ ህይወት ዕላምኡን ባህጉን ከግህደሉ ኣይከኣለን። ሎሚ በዚ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳኸፍአን እንዳገደደን ዝኸይድ ዘሎ ኲነታት ሃገርና ዘይሓዝንን ዘይጒህን ኤርትራዊ የለን።እዚ መሪር ሓቂ ኲልና ዜጋታት ብሓባር ናጽነትና ንምጒንጻፍ ዝኸፈልናዮ መስዋእቲ ከንቱ ኮይኑ ከምዘይተርፍ ከነረጋግጽ ሃገራዊ ሓላፍነት ኣለና።

ኣብ ሃገርና ኤርትራ ዴሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእን ልዕልና ሕጊ ንምንጋስን ዝካየድ ዘሎ መሪር ቃልሲ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝሓዘ ኢዩ። ህዝብና ኣብ ገዛእ ዋኒኑ ተዓዛባይ ካብ ምዃን ሓሊፉ ቀንዲ ተዋሳኣይን ናይ ቃልሲ ቀላሳይን ክኸውን ምስ ዝበቅዕ ጥራሕ ኢዩ ዘተኣማምን ህዝባዊ ስልጣን ከረጋግጽ ዝኽእል። ምልኪ ንምልጋስን ውሑስ ዴሞክራስያዊ ምስግጋር ንኽረጋገጽን ህዝቢ ተጠርኒፉ ብሓባር ክቃለስ ከምዘለዎ ኲልና ዘይንስሕቶ ሓቂ ኢዩ። ህዝባዊ ጥርናፌ ብሓደ ዕላማን እስትራተጅን ከምኡ`ውን ብሓደ ማእከላይ መሪሕነት ተጠርኒፍና ንጎደና ዓወት ምስ እንምርሽ ጥራሕ ኢና ንመዋጽኦ ሽግርና ፍታሕ ክንረኽበሉ እንኽእል።

መብዛሕትና ኣብ ወጻኢ ሃገራት ተሰዲድና እንርከብ ኤርትራውያን ንጒዳይ ሃገርና ብዝግባእ ከይንነጥፍ ዓንቂጹና ዘሎ ምኽንያት ንዂልና ዝጥርንፍን ዝውክልን ጥርናፌ ብዘይምህላውና ኢዩ። ነቲ ምእንቲ ዝዓበየ ዕላማ ድሕነት ህዝብናን ሃገርናን እነማዕብሎ ዘለና ምጽውዋር ዓቂብና በብዘለናዮ ቦታን ኲርናዕን ብምጥርናፍ ንዓቕምናን ፀጋናን ኣወሃሂድና ብዘይ ናይ ብሄር፡ ኃይማኖት፡ ኣውራጃ፡ ጾታን ዕድመን ኣፈላላይ ኲሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝሳተፎ ጥርናፌ ክንምስርት ኣዝዩ ኣገዳስን ህጹጽን መድረኽ ዝሓቶ ጠለብ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ጊዝያዊት ሽማግለ ህዝባዊ ምጥርናፍ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ንዂሉም  ኤርትራውያን ዜጋ ኣብ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን ዝነብሩ ቦኽሪ ኣኼባ ንምክያድ ኣብ ታሕቲ ተሓቢሩ ዝርከብ ዕለትን ቦታን ንክትመጹ ብኽብሪ ትዕድም።

ዕለት/Datum :       02. 10. 2016   ካብ ሰዓት  14፡00 ድ.ቀ  ዝጅምር

ቦታ/Ort :   St. Martinus Gemeinde, Johannes Str. 21

70806 Kornwestheim

ብድሓን ምጹ !

ጊዝያዊት ሽማግለ ንህዝባዊ ምጥርናፍ ሽቱትጋርትን ከባቢኣን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
NO COMMENTS

POST A COMMENT