Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝብና፡ ‘ጓልሲ! ሓላፊ መገዲ እዩ ዋሕሳ!!’ ዝብል ሕጊ ኔሩዎ። ሎሚኸ?

ህዝብና ተኸባቢሩን ተፋቒሩን ዝነባበሩ ሕጊ መስሪቱ ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ክብሪ ልዑል ክም ዝነበረን ኩሉ ዝፈልጦን ዝዝክሮን ኢዩ። ጣልያን ንሃገርና ድሕሪ ምእታዉን ግዝኣቱ ምዃና ካብ ዝኣወጀሉን ንመራሕቱ በብሓደ ኣጥፊኡ ህዝቢ

ህዝብና ተኸባቢሩን ተፋቒሩን ዝነባበሩ ሕጊ መስሪቱ ብሰላም ዝነብር ህዝቢ ኢዩ ኔሩ። ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝነበሮ ክብሪ ልዑል ክም ዝነበረን ኩሉ ዝፈልጦን ዝዝክሮን ኢዩ። ጣልያን ንሃገርና ድሕሪ ምእታዉን ግዝኣቱ ምዃና ካብ ዝኣወጀሉን ንመራሕቱ በብሓደ ኣጥፊኡ ህዝቢ ከም ዝበታተን ምስ ገበረ ኢዩ ባህሉን ልምዱን ክግሃስን ክብለልን ዝጀመረ። ካብ ሃገርና ሓሊፉ ንኢትዮጵያ፡ ሶማልያ ሊብያ ግዝኣቱ ንምግባርን ዝነበሮ ውጥን ንምስጻም ከኣ ንኤርትራውያን ብኣልምማ ገፊፉ ዓሳኽሩ ጌሩዎም። ሰብኡተን ዝተዘምታ ኣዴታትን ማርዑን ከኣ፡ ‘ባቡር መጸት ትኪ ተኸዲና፡ ጓል እነኻ ትበኪ ደኒና!’ እናበላ ይቑዝማን ይበኽያን ከም ዝነበራ ዝዝከር ኢዩ። ብዙሓት ኣብ ሰለስቲኤን ሃገራት ስለ ዝጠፍኡ ከኣ ዘኽታማት ደቀን ንበይነን ናይ ምዕባይን ምንባይን ሓላፍነት ተሸኪመን ዕድመአን ከሕልፋ ተገዲደን። ሰማዒ ስኢነን ዝገብርኦ ጠፊኡወን እምበር ብቐሊሉ ዝጸዓዳ ከም ዘይነበራ በብወገና ንዝክሮ ዛንታ ከም ዘለና ከኣ ርዱእ ኢዩ። ንሕጂ ግን ናተይ ክካፍለኩም። ንወለደይ ዝፈልጥ ብዕድመ ዝደፍአ ኣቦ ምስ ረኺብኩ ነቲ ብቖልዓይ ዘስተውዕሎ ዝነበርኩ ዘኪረ፡ ‘ኣቦይ ለባም ኔሮም’ እብል። ንሱ ከኣ ትቕብል ኣቢሉ፡ ‘ኣዴኻ ትልብም ኔራ። ንሳ  ኢያ ቡንን ቁርስን እናቕረበት፡ ዘሎን ክኸውን ዝኽእልን ኩነታት ኣኪባ ተንቲና፡ ከምዝን ከምቲን’ዩ ዝኸውን፡ ከምቲ ወለድና ዝብሉዎ፡ በርበረ ምርር ክብል ሰብኣይ ከኣ ትርር ክብል ኢዩ ዘለዎ፡ እናበለት’ያ ሰብኣይ ትገብሮም ዝነበረት፡ ስለዚ ኢዮም ሞጒቶም ዘይርትዑን መራሕን መኻርን ዝነበሩ’ ብማለት ዝነገረንን ዝምሃረንን ክሳብ ዘለኹ ዘይርስዖ ጉዳይ ኢዩ። ድቃስ ዝኸልኣኒ ከኣ ብህትወታ ከላ ለባም ምዃና ፈሊጠ እንተዝኸውንስ፡ ኩሉ ብሳልኺ ክብላን ዝግብኣ ክብሪ ክህባን ዕድል ዘይምርካበይ ኢዩ። በብወገና ከኣ ብዙሓት ለባማት ኣዴታትን ኣሓትን ናጽነት ከምጽኣን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ከኽብራ ህይወተን ዝኸፈላን ብሳላኽን! ከይበልናየን ዝሓለፋን ከም ዝነበራ ዘለዋ ርዱእ’ዩ። ጅግንነተንን ሞየአን መዝጊቡ ንዝመጽእ ትውልዲ ዘመሓላልፍ መንግስቲ ክንምስረት ስለ ዘይከኣልና ከኣ ንመን ሓቲትና ከም ንረኽቦ እንድዒ። ሕጂ’ውን ንደቂ ኣንስትዮ ካብ ድርብ ወጽዓ ከናግፋን ክቃለሳ መስዋእቲ ዝኾናን ዝኸፍላ ዘለዋን ‘ብሳላኽን፡ ኣብ ጎድኽን ኣለና! ኣጆኽን! ክንብል ከም ዘይከኣልና ዝክሓድ ኣይኮነን። ዝግብአን ምስጋና’ኳ ከይሃብናየን ከይዓርበና እንታይ ንግበር? ንሕልናና ዘዕግብ መልሲ ክንረብ ተስፋ ብምግባር ክሓልፎ።

ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ናይ ሎሚ ገዲዱ’ምበር ክብረን ሞጎስን ደቂ ኣንስትዮ ሃገርና ክሸራረፍ ዝጀመረ ጸላእቲ ንሃገርና ክወሩ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ ኢዩ። ብግዜ ጣልያንን ኢትዮጵያ ኣሽንዃይ ካብ ድርብ ወጽዓ ንምንጋፍ ክቃለሳስ ይትረፍ ሃለዋተን’ውን ንሓደጋ ዝተሳጠሐ ኢዩ ዝነበረ። እዚ ከኣ ባእዳውያን ጸላእቲ ድእ እንታይከ ዘይገብሩ! ተባሂሉ። ሓሊፉ ከኣ። ግን ብዝኸፍአን ዝመረረን ትንፋስ ዝኸልእን ስቓይ ተተሊኡ። መሪቖም ዘፋነዉዎ ውላዶም ተሓዚሉ ዓዲ ዝኣተወ ጉጅለ ጠላማት ብሔቱዎ ሃገር መሬት። ህዝብና ናጽነት መጺኣ ኢሉ እናተሓጎሰ ከሎ፡ ብርሃን ክርኢ እናተተስፈወ ከሎ፡ መጻኢ ዕድሉ ጸልሚቱ። ናብ ደቂ ኣንስትዮ ዝወርድ ዘሎ ሓሳረ-መከራ ዝተዓጻጸፈ ኮይኑ። ብደቅኽን ኣሕዋትክን ኢና እናበሉ ጸላኢ’ኳ ዘይፈጸሞ ግፍዕን ስቓየን ይውስኽን ይዓብን ኣሎ። መኣስ ከም ዝውዳእ ከኣ ዝፈልጥ የለን። ህግደፋያን መሰል ደቂ ኣንስትዮ ረጊጾም የሳቕዩወን የዋርድወን የጥፍኡወን ከም ዘለዉ ክሓብኡዎን ከዓብጥዎን ንዓለም ከይተረፈ ገበን ከም ዘይፈጸሙ ከእምኑ ምፍታኖም ከኣ ዘሕዝዝን ዘሕፍርን ኢዩ። ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ዝውክላን ዝጣበቓን ከም ዘለዋ ኣምሲሎም፡ መጋሪ ክኾና ብማሕበር ዝወደቡወንን ብሽም ‘ሓማድአ’ ዘጠመቑወን ኣምሱሉታት፡ ኣብ ናይ ዓለም ኣደባባይ ተረኺበን፡ ብክብርቲ 8 መጋቢት መዓልቲ ብዓል ንዓለም ከይተረፈ ከደናግራ ምስግዳዶም ከኣ ይገድድ። ስለዚ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ካብ ድርብ ወጽዓ ምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ብሽመን ዝሽቅጥ ዘሎ ስርዓት ከቃልዓን ዕላምኡ ከፍሽላን ክቃለሳ ኢየን ተገዲደን ዘለዋ።

ስለዚ እዛ 8 መጋቢት 2017 ብዓለን ካብ ድርብ ወጽዓ ንምንጋፍ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ኩሉ ግፍዕታት ዘውርድ ዘሎ ኣረምኔ ስርዓት ናይ ምእላይ ዝተደራረበን ዝተሓላለኸን ቃልሲ ኢዩ ገጢሙወን ዘሎ። እዛ ብዓለን ከኣ ካብ ናይ ዓምስ ሎሚ ዘበን ዝሓሸትን  ገለ ቁሩብ ናይ ዓወት ኣንፈት ዝረኣያ ኮይና! ክትሓልፍን ሕብረተሰብና ብተስፋ ኢዩ ዝጽበያ ዘሎ። ግን ከምቲ ‘ተመን ዝረአስ ብልሕጺ ተዳህለ’ ዝብሃል እዛ ክብርቲ ብዓለን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝተራእየ መናውሒ ስልጣን ኢሳያስን መጸበቒ ዳስ ህግደፍን ኮይና ከይትሓልፍ ስግኣት ስለ ዘለዎ ከኣ ምዩቕ እናበለ ኢዩ ዝጽበያ ዘሎ። ዘካይዳኦ ቃልሲ ዕዉት ክኸውን ዝኽእል ከኣ ብቐዳምነት ክሳብ ሎሚ እንታይ ኣፍሪና፡ እንታይ ተማባጺዕና? ንቕድሚት ዲና ንድሕሪት ንጉዓዝ ዘለና? ዝነበረና ኣጥፊኣና ዶ ዓቂብና? ክሳብ መኣሲ ኢና በዚ ዝሓልየልና መሲሉ መሰልና ዝገፍፍን ህዝብና ዘጽንትን ዘሎ ኣረመኔ ስርዓት ክንታለልን ክንዕሾን ንነብር? ወዘተ… ንዝብሉ ሕቶታት ዘዕግብ መልሲ ምርካብ ኣድላዪ ኢዩ። ናይ ዓወት ኣንፈት ዝረኣየላ ብዓል ክትከውን ከኣ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ቃልሲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ድጋፍ ዝሓትት’ዩ። ዓለምለኻዊ ተበግሶ ኤርትራውያን ንምድንፋዕ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ዝሓንጸጾ ናይ ኤርትራውያን ምጥርናፍን መራሕቲ ምምራጽን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ናይ ምስግጋር  መዓልቲ ክትከውን ምምራጹን፡ ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ኣብ ጀርመን ከኣ “እዛ መዓልቲ እዚኣ ሰብኣዊ መሰልን ጾታዊ ማዕርነትን ብከመይ ይረጋገጽ ብዝብል ንናይ ሓባር ተርድኦ ከነጥሪ ትጽውዓና መዓልቲ ሰለ ዝኮነት ሎሚውን ኣብ ዛልባው  ንክንራከብ ብኽብሪ ንጽውዕ፡” ብማለት ዝተገለጸን 8 መጋቢት 2017 ብዓል ደቂ ኣንስትዮ ናይ ዓወት ጩራ ዝርኣየላ ክትከውን ተኽእሎ ከም ዘሎ ዘመላኽት ኢዩ።

‘ጽቡቕ ግበር ንመን ንማንም፡’ ዝብል እምነትን ሰብኣውነትን ዝተላበሰ ህዝብና ንኹሉ ጽቡቕ ካብ ምግባር ሓሊፉ ብፍላይ ንጓል ኣንስተቲ ዝነበሮ ክብሪ ልዑል ምዃኑ ዘረጋግጽ በብወገና ካብ ቀዳሞት ዝሰማዕናዮን ዘዋህለናዮን መረዳእታታት ከም ዘሎ ዝስሓት ኣይኮነን። ዝጎደለ ብምምላእ ዝተጋገ ብምእራም ክትከታተሉዎ ተስፋ ብምግባር ብወገነይ ዘዋህለልኩዎን ዝዝክሮን ክጥቅስ። መሳፍንቲ ትግራይ ንሃገርና ዝወሩሉ ኣብ ዝነበረሉን እዋንን ወዲ ራእሲ ኣርኣያ ህዝብና ንወተሃደራቱ ዘገልግላ ኣዋልድ ከምጽኡ ምስ ኣዘዘ ብዝተፈጥረ ግጭት ንደጊያት ባህታ ደቂ ሓውቡኦም ዝርከቡዎም ሓሙሽተ ከም ዝሞቱን ክልተ ከም ዝቖሰሉን ይፍለጥ። ነዚ ምስ ሰምዑ ካብ ዝነበሩዎ መጺኦም፡ ንወዲ ራእሲ ክቐትሉዎ ምዃኖም ንህዝቦም ኣፍሊጦም፡ ተኸታቲሎም ይቐትሉዎ። ምስ ቐተሉዎ ከኣ፡ ‘እንተ ምቕጣን ባህታ ይቕጥን፡ ወዲ ንጉስ ክቐትል ዘይብል ዕጥንጥን፡… ጽባሕ ዝኸውን ኣይፈልጥን!’ ተባሂሉ ከም ዝተገጥመሎም ይንገር። ህዝቢ ከኣ ራእሲ ሕነ ወዶም ክፈድዩ ክወሩና ኢዮም ዝብል ስግኣት’ኳ እንተነበሮ ንሶም ግን ‘ወደይ ብጽጋቡ ኢዩ ዝመተ፡ ሞቱ ሞት ክልቢ ኢዩ፡ ስለዚ ሕነ ክፈዲ ዝብል ከይርከብ፡’ ዝብል ትእዛዝ ስለ ዘመሓላለፉ ዝሰዓበ ሓደጋ ኣይነበረን።

ደጊያት ባህታ ብግዜ ጣልያን ናይ ኣከለጉዛይ ሓላፊ ከለዉ ሓደ ላዕላዋይ ብዓል ስልጣን ካብ ዓዲ ጣልያን መጺኡ፡ ‘ካብ ብዓትን ቁርን ኣድሒና ኣብ ምዉቕ ገዛ ኣእቲናካ፡ ናብ ሹመት ኣብጺሕናካ፡ ስለዚ ካብ ህዝቢ ኣከለጉዛይ ካብ ሓደ ገዛ ሓንቲ ጓል ክተምጽኣልና ኣለካ። ህዝቢ ሓማሴንን ሰራየን ከኣ ከምጽኡ ተሰማሚዖም ኢዮም።’ ይብሎም። ንሶም ከኣ፡ ‘ንህዝበይ ደቅኻ ሃብ፡ ገብር ኣይብሎን ኢየ፡ ቃለይ ከኣ ሓንቲ ኢያ፡’ ዝብል ቃል ተዛሪቦም ንገዝኦም ይኸዱ። ብምሒር ሕርቃን ሎምስ ከኣ ብዘይ ምጻእ መጺኡኒ እናበሉ ንበይኖም እናተዛረቡ ግዛ ምስ ኣተዉ፡ ብዓልቲ እንድኦም ‘እንታይ ኮንኩም ሎሚ ክሳብ ክንድዚ ትጣርዑ! ይብልኦም።’ ይነግሩወን። ‘እሞ እንታይ ድኣ ክትገብሩ ሃቡዎም እምበር፡’ ይብላ። ንሶም ከኣ ትቕብል ኣቢሎም፡ ‘እሞ ብጓልኪ ክንጅምር!’ ይብሉ። ንሰን ከኣ፡ ‘እ-ታ ጓ-ለ-ይ!’ ኢለን ነዲረን ይዛረባ። ንሶም ከኣ፡ ‘እተን ካልኦት ከኣ ከማኺ፡ ‘እ-ታ ጓ-ለ-ይ! ዝብላ ኣዴታት ኣለወአን! ብማለት ይምልሱለን። ‘ኩለን ደቀይ ስለ ዝኾና ከኣ ንጣልያን ሎሚ ኣይህብ ጽባሕ ኣይህብ፡ ሓንቲ ኢያ ቃለይ ዝበልኩ፡’ ብማለት ከም ዝመለሱለን ይንገር። ጣልያን ሃገር ክወርስን ህዝቢ ከጥፍእን ከም ዝመጸ ስለ ዝተረድኡ ከኣ ክሳብ ዕለተ መቶም ኣንጻሩ ተቃልሶም። ካቲታኖ ሳንጎነቲ ንዝተባህለ ኣብ ሰገነይቲ ሓለቕኦም ዝነበረ ጣልያን ብኢዶም ከም ዝተሳህሉዎን ‘ባቤነ ባህታ ሓጎስ!’ እናበለ ክሳብ ዝጣራዕ ከም ዝገበሩዎን ይንገር። ድሕሪኡ ከኣ ኣብ ሓላይ ኣንጻር ጣልያን ተዋጊኦም ምስ ተሰውኡ ‘ባህታ ባህታ ሰገነይቲ፡ ኣንበሳ ዶ ትወልድ ሰበይቲ፡ ጎልጎል ሓላይ ይግበረልካ ሰቲ!’ ተባሂሉ ብህዝቦም ተደሪፈሎም።

እዚ ህዝቢ ኤርትራ ንጸላኢ ወገኑ ኣሕሊፉ ዘይህብን ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮ ዝለዓለ ክብሪ ዝነበሮን ዘለዎን ህይወቱ ዘሕልፈለን ከም ዝነበረ ኢዩ ታሪኽ ዘረጋግጽ። ነዚ ዘራጉድ ከኣ፡ ‘ህዝብና፣ ‘ጓልሲ ሓላፊ መገዲ ኢዩ ዋሕሳ! ዝብል ሕጊ ኔሩዎ፡’ ዝብል ዛንታ ካብ ስሞም ክዕቅቦ ዝመረጽኩ፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዝሰማዕኩዎ ከካፍለኩም። እዞም ኣቦ ካብቶም ብግዜ ጣልያን ቀሺ ካቶሊኽ ክኾኑ ብምስጢር ዝለዓለ ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ውሑዳት ኤርትራውያን ሓደ ኢዮም። ካብ ግዜ ጣልያን  ጀሚሮም ብግዜ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ብምምሕዳር ናይ ነዊሕ ዓመታት ኣገልግሎትን ልምድን ዝነበሮም ኮይኖም ጡረታ ድሕሪ ምውጽኦም ናብ እንዳ ቤት መጻሕፍቲ መሸጢ ዝነበሮ ፈታዊኦምን ፈታዊናን መጺኦም፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበርናን ኣጸቢቖም ዝፈልጡናን ኣርባዕተ ሰባት ዘዕለሉና ኢዩ። ስለዚ ነዚ ሕጊ’ዚ መሰረት ብምግባር ክኸውን ኣለዎ ህዝብና ንጓል ኣንስተይቲ ከም ብሌን ዓይኑ ዝሕሉዋን ዘኽብራን ክብሃል’ውን ይከኣል’ዩ። ከምዚ ሎሚ ዘይኮነ ንጓለንስተይቲ ዝደፍር ኣዲኡ ዝረገመቶ እዩ ኔሩ። ኣብ ልቢ ነፍስ ወከፍ ‘ወይልኡ ዝደፍራ!’ ዝብል ኣዋጅ ዝተጻሕፈ’ዩ ዝመስል ኔሩ። ሙሉእ ሕብረተሰብ ከም ምድፋር ስለ ዝቑጸር ተንከስ ኢሉ ንጓል ኣንስተይቲ ጽንጽያ ዓይና ዘንፍረላ ኣይነበረን። ሰብኡት ብሓፍቶም እዮም ዝምሕሉ ዝነበሩ። ‘ኣነ ሓው እከሊት!’ ኢሉ ዝልዓል ጎበዝ መላሲ ኣይነበሮን። ህዝብና ንደቂ ኣንስትዮ ብዘይካኽን ዓዲ ኣይኹን! እናበለ ከም ዝምክሓለን ዘይፈልጥ’ውን የለን። ዕጣቐን ዘይፍታሕ፡ ጸኒዐን ዘጽንዓ፡ ሓቦ ዘስንቓ ምዃነን’ዩ ህዝብና ዝፈልጥ። ኣዴታትና ዋዕሮታት ኒሬን ዝኸምአን ዋዕሮታት ከኣ ይወልዳ ነረን። ብዙሓት ኣብነት ኮይነን ዝሓለፋ ኣዴታት ከም ዝነበራ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ‘ኣነ ጓሉ!’ ኢለን እንተምሒለን ጥሒለን ከኣ፡ ኣኸለ። ኣብ ቅድመአን ዝጸንሕ ወይልኡ!  ህዝብና ንጓል ኣንስተቲ፡ ኣደ ብዓል እከለ፡ ሓውቲ ብዓል እከለ፡ ብዝብል’ዩ ዘለልያን ዘኽብራን። ከምዚ ሎሚ ብጉብዝንኡ ተመኪሑ ወይ ሰብ ኣይረኣየንን ብማለት ምስክር ኣብ ዘይብሉ ንጓል ኣንስተይቲ ዝደፍር ብነብሱ ዝፈረደ እዩ። ንከባቢኡ ዘናውጽ ኣውያት እንተስምዐ’ውን ብጽጋቡ! እዚ’ኳ ክውሕዶ! እናበለ’ዩ ከም ኣርዮስ ዘውግዞ። ሕጊ እንዳባ ‘ጓል ቃላ’ዩ ምስክራ!’ ኢዩ ዝብል። ንጓል ዝዓመጸ ይግባይ ዘይብሉ ብዝሃበቶ ቃል’ዩ ፍርዱ ዝውዳእ። ሎሚኸ!?

ገለ ንቕሓተን ክብ ዘበላ፡ ኮርዐን ንህዝበን ዘኹርዓ፡ ‘ኣነ ጎበዝ ንስኻ ጎበዝ ንከባበር እንተዘየሎ መመገድና ኣለና!’ ብማለት ንመሰለን ደው ዝብላ ደቂ ኣንስትዮ’ውን ኣለዋ። ብኣንጻሩ ብህግደፍ ዝተሃመላ፡ ብጥቕሚ ዝዓወራን ዝተታሕዛን፡ ንደቂ ኣንስትዮ ዘግድዓን ኣለዋ። ደቀንን ኣሕዋተንን እናተሰዱ፡ ኣብ በረኻ ጠፊኦም! ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም! እናሰምዓ ካብ ባሕሪ ተዘቑቑ ዝወጸ ሬሳ ደቀንን ኣሕዋተንን እናረኣያ፡ ነጸልአን ኣጻዕድይን ናብ ጓይላ ህግደፍ ዝጎያ መሕፈር ኣዴታት ከም ዘለዋ ብምርኣይን ምስማዕን ህዝቢ ይሓምም’ዩ ዘሎ። ስለዚ ንቕሓትክን ክብ ዝበለ፡ ኣእምሮኽን  ብህግደፍ ዘይተሓጽበ፡ ሕልናኽን ዘይተሰልበ ኣብ ብዓል ደቂ ኣንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ዝጥዕም ቦታታት ተረኺብክን ነተን ሓደራ ዝጠለማ ምስሊ ኣዴታት ዝተሰከማ ናብ ልበን ክምለሳ ምጽዓር ናባኽን ዝወደቕ ሓላፊነት ኢዩ። ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ክሒዶም ናብ ውሻጠኽን ተመለሳ፡ መኾስክን ሓዛ፡ ዝብሉ ብመቕርብክን ጀሚርክን ናብ ልቦም ክምለሱ ምዓድኦም። ነቶም ማዕረ ኣሕዋተን መስዋእቲ ከፊለን ናጽነት ዘምጽኣ ጀጋኑ  ዝኽሕዱ፡ ባህልና ሂቡወን ዝነበረ ክብሪ’ኳ ዳርጋ ካብ ስሩ ምሕዮም ደርብዮም ብሽመንን ክብረንን ዝንግዱ ካብ ጽላለ ዝድሕኑሉ መዓልቲ ይሃቦም። ኣደ፡ ሓውቲ፡ ጓል ከም ዘይብሎም ናይ ካልኦት ኣዴታትን ኣዋልድን ምድፋር ስብእነት ዝመስሎምን ክፍክሩ ዝስምዑን ሰብ ክፉእ ግብሪ፡ ኣዴታቶም’ውን ብክልተ ኢደን መሬት እናጠፍጠፋ ይረግምኦም ከም ዘለዋ ከስቆርምን ግዜ ከለዎም ንህዝቦም ክኽሕሱን ምኸራ።

ብግዜ ገድሊ ደቂንስትዮ ኤርትራ ማዕረ ደቂ ተባእትዮ ኣብ ኩናት ተሰሊፈን ብዝኸፈለኦ መስዋእትን ብዘመዝገብኦ ዓወትን መሰረት መሰለን ንምኽባር ዓቢ ስጉምቲ ንቕድሚት’ዩ ተባሂሉ ይዝረበሉ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። 30% ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት መንግስቲ ንደቂንስትዮ ዝተሓዝአ እዩ ተባሂሉ’ውን ኔሩ። ግን ጠላማት ቖጺዮሞ። ደቂንስትዮ ኤርትራን ማሕበረንን  ንመናውሒ ስልጣን ኢሳያስን መጸበቒ ውራይ ህግደፍን ኮይነን። ዕላምአን ስሒተን ኣብ ነንሕድሕደን ምንቛት ክዓርበን ህግደፍ ዘይምሃዞ ተንኮል የለን።  እዚ ኣረመኔ ስርዓት ማሕበር ደቂስትዮ ‘ሃመደአ’ ንመናውሒ ስልጣኑ ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ተግባሩ’ዩ ምስክሩ። መጋብሪያኡ ዝኾና ከኣ ምሕረት የውርደለን።

ነቶም ንደቂ ኣንስትዮ ከም ዘየሕዋቶም ዝርእዩ ስምዕታ ዘመሓላልፍ ካልእ መለበሚ ዝኸውን’ውን ኣሎ። ‘ጓልሲ! ዝወለዳ ወሊዱዋ’ሎ ዘይወለዳ ከኣ ኣብ ዝባኑ ኣላ!’ ዝብል። ትርጉሙ ከኣ ዝወለደ ወሊዱዋ’ሎ። ዘይወለደ ከኣ ናይ መዓልቲ ጉዳይ እዩ’ምበር ክወልዳ እዩ።  ስለዚ እቶም ጓለንስተይቲ፣ ኣደ፡ ውላድ ሓፍቲ፡ ምዃና ዘንጊዖም ንደቂ ኣንስትዮ ዘጋፍዑ ውይልኹም! ‘ኢድ ጸናሒት ሸናሒት! ምዃኑ ኣይትዘንግዑ! ዝብል።  ናብተን ከም ብሌን ዓይኖም ዝርእዩወን፡ ኣሓንቂቖም ዘዕበዩወን ኣዋልዶም ጥራይ ዘይኮነ ናብ ኩሉ ክመሓላለፍ ዝኽእል ክፉእ ትምህርቲ ምዃኑ ዘገንዝብ። ነቶም ኣብ 21 ክፍለ ዘበን እናነበሩ፡ መሰለን ከኽብሩን ክሕሉዉን ዝግብኦም ከም ጓል በረኻ ዝሃድኑወን ጨካናት ካብ ክፉእ ግብሮም ክቑጠቡ ዘተሓሳስብ። ብግዚያዊ ስልጣን ወይ ሃብቲ ዝሓበጠ ልቦም ናብ ንቡር ዝምልስ።

ደቂ  ኣንስትዮ ነዚ መሪር ቃንዛ ክሳብ ሎሚ ከቃልዕኦን ክዛረባሉን ዘይምኽኣለን ኢዩ ከኣ ንቃንዝአን ዘጋድዶ ዘሎ። ስለዚ ኩሉ በብወገኑ ዝፍጸም ገበን ንምቕላዕ ክጽዕር ይግባእ። ቁሩብ ፍኹስ እንተበለለይ ብግዜ ደርግ ተፈጺሙ ክብሃል ዝሰማዕኩዎን ክዝክሮ ከለኹ ዘቑስለንን ዛንታ ከካፍለኩም። ራባዓይተን ጎርዞ ጓል ዘላተን ኣንስቲ ምስይ ምስ በለ ካብ ዕዳጋ ክምለሳ ከለዋ ጦር ሰራዊት ደው የብሉወን። ጽንሕ ኢሎም ነታ ጎርዞ ይወስዱዋ። ዝተረፋ ሰለስተ ክቐትሉዋ ድዮም ክምሕሩዋ እናበላ ኣብታ ዝነበራኣ ፈዚዘን ይጽበያ። ንዝተወሰነ ስዓታት ኣጽኒሖም ይመልሱዋ። ብህይወት ተመሊሳ ምስ ተሓወሰተን ዝዛረብኦ ጠፊኡወን ንዓደን ይኸዳ። ንሳ ኣይተዛረበት ንሳተን ኣይሓተታ።

ካልእ ሓንቲ ዮርዳኖስ ሃይለሚካኤል ትብሃል ክብርቲ ጓልናን ሓፍትናን ምስ ራድዮ ኣሰና ዘካየደቶ ቃል-መሕተት ብኣሰና ራድዮ ቀሪቡ ዝነበረ እንደገና እንተ ዝቐርብ መምሃርን መለበምን ክኸውን ምከኣለ። ተመሳሳሊ ግፍዕታት ኣብ ብዙሓት ካልኦት ከም ዝበጽሐ’ውን ጥርጥር ከም ዘይብላን ንድሕሪ ሕጂ ከይድገም ብማለት ከም ዘቕረበቶ ኢያ ትገልጽ። ካብ ታሪኽ ህይወታ ክመሃራ ብማለት’ያ ዕድል ዝኸፈተትለን። ካብ ተመሳሳሊ ግፍዕን ቃንዛን ነብሰን  ክፍውሳ ዝእኽላሉ ብልሓት ክፈጥራ’ያ ዝዓደመተን። ውሽጣዊ ቃንዛ ምዕባጥ ሕማም ዝውስኽ ምዃኑ’ያ ገሊጻ። ታሪኽ ህይወታ ከም ቀዋሚ ሓወልትን ክፉት መጽሓፍን ኮይኑ መምሃሪ ክኸውን’ያ ኣወፍያ። ዮርዳኖስ ትሕቲ ዕድመ ከላ ኣብ ገድሊ ምስ ኤልሳ ሞጎስ ትብሃል ትሕቲ ዓሰርተ ዓመት ቆልዑ ከለዋ ከም ዝተሰለፋ፡ በቶም ክከናኸንወን ዝግባኦም ነባራት ተጋደልቲ ክጽመምኦ ዘይከኣላ ምግሃስን ካልእን ግፍዕታት ይወረደን ከም ዝነበረ ገሊጻ። ልባ ክፉት መጽሓፍ ጌራ ብምውፋይን ንህዝባ ዓው ኢላ ብምዝራብን ክትምህርን ክትመክርን ምሕሳባ ልዑል ምስጋና ይግብኣ። ከምቲ ዝሓሰበቶ ክሰምረላ ከኣ ናይ ኩሉ ሕብረተሰብ ጽቡቕ ትምኒት እዩ። ጻዕራ ሰሚሩ ብህይወታ ከላ ፍረ ጻምኣ ክትሓፍስ ብተስፋ ዝጽበዮ እዩ።

ናይ ባህልና ተጽዕኖ ከቢድ ስለዝኾነ ጓል ኣንስተይቲ ደፊራ ተበደለ ተዓሚጸ ክትብል እይትደፍር’ያ። ሳዕቤኑ ስለ ዝኸፍኣ። ሕብረተሰብና ‘ንስኺ ገጽ እንተ ዘይተርእዪዮዶ ከምኡ ጌሩ!’ ብማለት’ዩ ዝመዓታ። ክትጻወሮ ዘይትኽእል ቆዮቓ’ዩ ዝወርዳ። ክንዲ ሓገዝን ሓልዮትን ተመሊሱ’ዩ ሕብረተሰብና ዝስልበጣ። እንተተዛሪባ ዝገደደ ተነጽሎን ወርደትን ስለ ዝስዕባ ዝወረዳ ጼራ ክትነብር’ያ ትመርጽ። ኣይትፍረድ ከይፍረደካ ከም ዝብሃል ከኣ ካብቲ ክእረም ዘለዎ ጎዳኢ ባህሊ ሓደ እዩ ብምባል ምሕላፉ ዝሓሸ እዩ። ስለዚ እዩ ከኣ ናይ ደቂኣንስትዮ ወጽዓን ቃልስን ድርብ’ዩ ዝብሃል። ሓደ ናይ 8 መጋቢት ብዓል ደቂ ኣንስትዮ ምኽባር ዕላማ ካብዚ ጎዳኢ ባህሊ ተጽዕኖ ንምንጋፍ ምቅላስ’ዩ። ዘደንጹን ዘጉህን ከኣ ምስ ሕልንኦም ዝተፋትሑ፡ ሕፍረታት ዘይብሎም፡ ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ፡ ብስልጣኖም ዝምክሑ ህግደፋያን ምህላዎም ኢዩ። ክሳብ ዘዕግሶም ዝረኽቡ ከኣ ዘይጸረዩ ዝራብዓት ኮይኖም’ዮም ዝነብሩ። ሕብረተሰብና ነዚኦም ንምጽራይ ከቢድ ዕማም’ዩ ዝጽበዮ ዘሎ።

ህዝባዊ ግንባር ዓዲ ምስ ኣተውን ናብ ህግደፍ ምስተለወጠን ኣባላቱ ኣብ በረኻ ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ግፍዒ ምፍጻም ከም ከይዘየቋረጹ  ብብመዓልቲ ዝስማዕ ጉድ ኢዩ። ብዙሓት ብስልጣኖም ተመኪሖም ናብ ደቂ ኣንስትዮ ዘውርድዎ ግፍዒ ማእለያ የብሉን። ኣብ ገዝአን ሓንቂቐን ዝዓበያ ኣዴታት ኣሓትን ደቅናን ኣብ ኢድ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ፍጥረቶም ዝኸሓዱ ጨካናት ወዲቐን መጻወቲ ገፋዕቲ ይኾና ኣለዋ ማለት’ዩ። ወዲሰብ ዝመሓደረሉ ሕጊ ከም ዘሎ ዝዘንግዑን ዝኽሕዱን ናይ ኣራዊት ባህሪ ዝተላበሱን ክኾኑ ኣለዎም ዘየብል’ውን ኣይኮነን። ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከኣ ብኸመይ ኣብ ከምዚኦም ዝበሉ ዝበሓቱዎ ሃገር ኮይነን መሰለን ንምኽባርን ክቃለሳን ካብ ድርብ ወጽዓ ክናገፋን ከም ዝኽእላን እንድዒ። ግን እዞም ናብ ደቂ ኣንስትዮ ኣሓቶም ግፍዒ ፈጺሞም ዝጅሃሩን ዝምክሑን ከምቲ ‘ክምካሕ ክምካሕ ኣብዛ ርእሰይ ካሕ፡’ ዝብሃል ናይ ግዜ ጉዳይ ኢዩ’ምበር ተውጢጦም ናብ ሕጊ ዝቐርቡሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን። ህዝብና ክጥርነፍን ቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕዋት ምስአን ሓቢሩ እንተተሰሊፉ ዘይዕወታሉ ምኽንያት የለን። ናይ ሎሚ ዘበት 8 መጋቢት 2017 ብዓል ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ብናይ ደለይቲ ፍትሒ ዘይተሓለለ ጻዕርን ድኻምን ናይ ዓወት ጮራ ዝረኣየላ ኮይና ክትሓልፍ ተኽእሎ ከም ዘሎ ኩነታት ዘመላኽት ኢዩ። እዚ ቃልሲ’ዚ ግን ብቐዳምነት ነተን ንቕሓተን ክብ ከብላ ዝኸኣላ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራውያን ዝምልከት ምዃኑ ተገንዚበን፡ ነተን መጋበሪ ህግደፍ ዝኾና ዘለዋ ኣሓተን ምዕደን፡ ጥዋፈን ኣብሪሀን ንቃልሰን ክመርሓ ኣለወን። ንቃልሲ ደቂ ኣንስትዮ ዝዕንቅፋ ዘለዋ ከኣ ናብ ልበን ተመሊሰን ምስ ኣሓተን ዝስለፋሉ መዓልቲ ይሃበን።

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 2 መጋቢት 2017

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde March 2, 2017

    The most oppressed segment of our society,the silent and resilient victim of dictatorship,despite all that,she keeps the home lights burning and inviting the feuding brothers to the dinner table.I think a lasting solution to our dilemma will be spearheaded by a woman,a mother,a sister,a niece……because the men are wearing her accessories and parading in the boulevard looking for a mate of the same gendedr.

  • Habeshawi March 2, 2017

    What a bullshit story, do you really call this Eritrean history? Eritrea is an Italian manufactured white man’s disease like malaria of Africa and its sick people are badly poisoned and damaged mentally unstable for life. If poor and sick Eritrea had REAL MEN of action like the rest of black Africa then would have really fought and changed the one man rule that has been fucking them
    up for almost five decades. Just like a normal prostitute, dekhalu Eritreans (half Arabs & half Italian) are only good in empty rhetoric, selling their organs, kidneys, dying in deserts and seas, beheading by the barbaric moslems, giving their backside to their slave masters the savage evil moslem Arabs and the fascist Italians, begging as refugees all over the world and running away for ever!

  • hidat March 2, 2017

    NETEN BIGITMI “””””BKEYA IMO BIKEYA ADETAT ERITRA……….ILKA zibekeyeo keiakilen BIKIAYT ZITEMENEKALEN ADETAT HIGI HALAYI KONKA KITIKERB NIMEN NIMIESHAW EYU.?????????GELE SHIGIR GEZEUU KEKALIL ZIBEZIHE KEA ZITEALEMELU TENKOLAT KEYKILEBE LIBI GOBEZ AB DERETU KOINWO KIDIMEUU ZELLO SHIGIR KEIRAYE NAB SIDET AKUAMITU HADEGA ZEGATIMO ZELO MENESEY MESHEKETI GERKUM …………….ABTEN NETI AB MEALTU ZIBEAL MEALTI NAXINET YIKUN NAY DEKENSTYO BEALT KEBIEL NIZIKEDE SEB IGRI IGRU ENDAKEDKUM BIFILAY NEDETAT KITDIHLUN KITIXAREFUN KINDEY ZEITEAZEBNA……………AB MEALTI NAXINET ERTRA TEKORMINA DINA KINEWIEL:::……………WEY WIN KIDAN HAZEN TEKEDINA IKUM KITREUNA TEDELYU ZELEKUM:…………::tarik dea kigelxo yikewin inber AB GIZIE BEALATNA KE KONE ILKA ZIFIXEMU TENKOLAT YELEWUN DINA KINIBIL???????????NEZI BEBIMEALTU INEBELO BEALAT NAY ISEYAS BEAL MIBALKA KE KABTOM KULOM SIWUAT NISEYAS ILOM EYOM TESEWIEOM ZIBLU BIMINTAY YIFILE????????ITEN MIS AHWATEN HABIREN KEIKALESA::::……..””””M.:NIHINA ANXAR HIGIDEF INA::::::::::::::::GELE KEA ANE NAY SEBEAWI MESEL TEKALESTI INA INDABELA KAB ZITEFELALEYU:::…..::::::KAB GELE GIRUHATIN GELE KEA ANXAR ERITRA ZIKALESU WILKE SEBATN MAHIBERATIN GENZEB DELIBEN AB TIKIMIN ZEWIEELA DEKENSTYO NETEN BIHABAR AB GONI HAGERENI HIZBININ ZITESELEFA KIMIEDAN KIALYAN MESEL YIKUN AKIMIN YEBILENIN AB LIBEN TIRAH YIMLESEN:

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply