Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህዝብን ኣመሉ ዘይገድፍ መንግስትን

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ዝኾነ፡ ህዝቢ ወይ እኩብ ሰብ ዚነብረሉ ክልል፡ ስርዓትን ርግኣትን ንኺህሉ፡ ህዝቢ ድማ ብሰላም ሓሪሱን ነጊዱን መታን ኪነብር፡ ሓደ ብላዕሊ ኾይኑ ዘመሓድር "ኣያ''ን ንኣኡ ምስ ታሕቲ ዘራኽቡዎ ደገፍትን ኣውታራትን ኪህልዉ ግድን እዩ። እዚ

ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ዝኾነ፡ ህዝቢ ወይ እኩብ ሰብ ዚነብረሉ ክልል፡ ስርዓትን ርግኣትን ንኺህሉ፡ ህዝቢ ድማ ብሰላም ሓሪሱን ነጊዱን መታን ኪነብር፡ ሓደ ብላዕሊ ኾይኑ ዘመሓድር “ኣያ”ን ንኣኡ ምስ ታሕቲ ዘራኽቡዎ ደገፍትን ኣውታራትን ኪህልዉ ግድን እዩ። እዚ ድማ መንግስቲ ይብሃል።

እንስሳታት ከይተረፉ፡ ብወገኖም ከም ዕስለ ወይ ጉጅለ ኮይኖም ኪነብሩ ኸለዉ፡ ሓደ ዚመርሖም ሽደን ወይ ኣያ ይደልዩ እዮም። ብዘይ መራሒ፡ ዝኾነ ናይ ሰብ ይኹን ናይ እንስሳታት ማሕበራዊ ህይወት ወይ ንጥፈት ኪካየድ ኣይክእልን።

ሽሕኳ ብምኽንያት ትሑት ደረጃ ምስትውዓሎም፡ እንስሳታት መንግስቲ ኪህሉዎም እንተ ዘይከኣለ፡ ኣብ ገሊኣቶም፡ ንኣብነት ከም ኣብ ንህብን ኣብ ጻጸን ግን ብመጠኑ ምዕቡል ዝኾነ ምምሕዳራዊ ኣንፈታት ወይ ኣሰራት ይረኣዩ እዮም። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ፡ ኣብቲ ዕስለ ወይ ኣብቲ እኩብ ንህቢ ወይ ጻጸ፡ ሕንፍሽፍሽን ህውከትን ኪለዓል ስለ ዘይተደልየ እዩ። ኪበኣሱን ኪናጠቑን ዚውዕሉ ንህቢ፡ መዓር ኪሰርሑ ኣይክእሉን፡ ሓድጊ ከይገደፉ ንኺጠፍኡ ዘለዎም ተኽእሎ ድማ ብዙሕ እዩ። ኪቃተሉ ዚውዕሉ ጻጸ ድማ፡ ጕላ ኪሰርሑ ኣይክእሉን፡ ብጸላእቲ ኪጥቅዑ ዘለዎም ዕድል ድማ ክብ ዝበለ እዩ። ኩላቶም በቲ እተወሰነሎም መገዲ፡ ሕጊ ተኸቲሎምን ንመሪሕነት ተኣዚዞምን ይሰርሑን መግቦም ይምእርሩን። ንዘመናት ድማ ከምዚ እናገበሩን ብዙሕ ለውጢ ከየርኣዩን ይነብሩ ኣለዉ።

ይኹንምበር፡ ኣእምሮ እንስሳታት ብደመነፍሳዊ (instinct) መገዲ ስለ ዚሰርሕ፡ ብሕጊ ደመነፍስ ድማ፡ ተቓሊስካ ምንባርን ዘርእኻ ምትሕልላፍን ግዜ ዘይወሃቦ ህጹጽ ጉዳይ ብምዃኑ፡ እቲ እንስሳታት ዚኽተሉዎ ምሕደራ፡ ንእምባገነንነት እምበር ንደሞክራሲ ዘፍቕድ ኣይኮነን።

ብመሰረት ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ሓሳባትን ኣብነታትን፡ መንግስቲ፡ ናይቲ ዘመሓድሮ ህዝቢ ብሰላም ምቕጻልን ምብልጻግን ዋሕስ እዩ ክንብል ንኽእል። ግን ከኣ ኣብዚ፡ ሓደ ክንሓልፎ ዘይብልና ግንዛበ ኣሎ፥ ንሱ ድማ ወድሰብ ኣብ ውሽጡ ናይ እንስሳታት ተረፍ ዝኾነ ደመነፍስ (instinct) ስለ ዚውንን፡ ኣብቲ መንግስቲ ኢሉ ዘቑሞ ስርዓት፡ ኩሉ ግዜ ናይ ሽደንነትን እምባገነነትን ገባትነትን ኣሰራት ከም ዚርአ ክንርስዕ ኣይግባእን።

ደሞክራስን ተማኻኺርካ ወይ ተመያዪጥካ ምምሕዳርን ናይ ወድሰብ መሰረታዊ ወይ ጥንታዊ ኣካይዳ ኣይኮነን። እዝስ ቀስ እናበለ እተበጽሐን እተጠርየን ዓይነት ምሕደራ እዩ። ወድሰብ ብጥንቲ፡ እቲ ምምሕዳሩ ካብቲ ናይቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነብሩ ዝነበሩ እንስሳታት ብዙሕ ዚፍለ ኣይነበረን። ደሓር ግን ቀስ እናበለ (ማለት፡ ካብቲ ደመነፍሱ ንላዕሊ፡ ንኣእምሮኡ ኪኽተል ምስ ጀመረ) ኣብቲ  ሓደ ህዝቢ ብመጠኑ ኪሳተፈሉ  ዚኽእል ዓይነት ምሕደራ ኪበጽሕ ክኢሉ። ይኹንምበር፡ ሓሓሊፉስ እቲ ናይ ደመነፍሳዊ ናይ ኣባላላዕ ወይ ጠሊፍካ ሓይሊ ናይ ምግባት መንፈስን ድራኸን ኣብቲ መንግስቲ  በጨቕ ካብ ምባል ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን።

ወድሰብ ገና ንእሽቶ ወይ ህጻን ከሎ፡ ነቲ ልዕሊኡ ዘሎ ሰብ ወይ ነቶም ወለዱ ኪእዘዝ ወይ ብኣታቶም ኪምራሕን ካባታቶም ድማ ምኽሪ ኪቕበልን ኣማራጺ ዘይብሉ መገዲ እዩ። ከምዚ ምግባር ድማ ስምዒት ውሕስነትን ድሕንነትን ይህቦ፡ ብከባቢኡ ከይተዳህለ ኪዓቢ ዕድል ይረክብ፡ ብምሩዝ ኣታኽልትን ብመንጠልቲ ኣራዊትን ዕምሩ ከይሓጸረ ድማ ዘርኡ የተሓላልፍ።  እምበኣር፡ እዚ ናይ ወድሰብ ኣብ ላዕለዎት ኣካላት ወይ ኣብ ሰበስልጣን (authority) ናይ ምምርኳስ ባህርይ፡ ምስ ወድሰብ እተፈጥረን ኣብ ኢቮሉሽናዊ ጕዕዞኡ ድማ ሓጋዚ ዝነበረን ረቛሒ እዩ ነይሩ ክንብል ንኽእል። ይኹንምበር፡ እቲ ህጻን ምስ ዓበየን እኹል ተመክሮ ምስ ኣጥረየን ነቶም ከም ሰበስልጣን ገይሩ ዚወስዶም ዝነበረ ወለዱ እናተኣዘዘ ኪነብር ኣይደልን። እናዓበየ ምስ ከደን ናይ ባዕሉ ህጻናት ምስ ኣጥረየን፡ ባዕሉ እዩ ነቲ ናይ በዓልስልጣንነት ተራ ዚጻወቶ። ከምዚ እናበለ ድማ እቲ ወለዶታት ይቕጽል።

ነቲ ከም በዓልስልጣን ኮይኑ ዚነጥፍ ወላዲ ናይ ምእዛዝ ድራኸ፡ ኢቮሉሽናዊ ምኽንያት እኳ እንተለዎን፡ እቲ ውላድ ባዕሉ ደቂ ምስ ወለደ ድማ ከቋርጽ እንተ ነበሮን፡ ከም ባህሊ ኾይኑ ግን ኺቕጽል ክኢሉ እዩ።  እዚ ባህልዚ ኣብቲ ናይ ወድሰብ ባህርይ ብምእታው ነቲ ንህዝቢ ኪመርሕ ተባሂሉ ዚምስረት በዓልስልጣናዊ መንግስቲ እውን ከገልግሎ  ክኢሉ እዩ። እዚ ናይ ምእዛዝን ምምላኽን ባህልዚ ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ምስ መንግስቲ ዚወዳደር ቤተክህነት ኪሰግር ግዜ ኣይወሰደሉን።  በዚ መሰረትዚ  ድማ ንስድራኻ ምድፋርን ንመንግስቲ ወይ ንመራሒኻ ዘይምእዛዝን ንቤተክህነት ዘይምንብርካኽን ከም ዓቢ ሓጢኣት ተቖጺሩ ንዘመናት ቀጺሉ።

ኣብዚ ጕዕዞዚ፡ እቲ ቤተመንግስቲ ምስ ቤተክህነት ብምምሽጣር፡ ኣብ መበል 18 ክፍለዘመን ኤውሮጳ፡ መለኮታዊ መሰል ነገስታት (divine right of kings) ዚብል ኣምር ብምምጻእ፡ ነቲ ህዝቢ ንመንግስቲ ምድፋር ልክዕ ከም ንኣምላኽ ምድፋር ገይሩ ኣእሚኑን ኣፈራሪሁን ንነዊሕ ዓመታት ተጓዒዙ እዩ። ስለዚ ብሓደ ወገኑስ፡ ምቕጻል እምባገነንነት፡ ናይ ቤተክህነት ኢድ ከም ዘይተፈልዮ ንምግማት ዘሸግር ኮይኑ ኣይስመዓንን።

ስለ ዝኾነ ድማ፡ ዝኾነ ዓይነት መንግስቲ ብብዙሕ መገዲ ሓይሉ ከደልድልን ብእተፈላለየ ስልትታት ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ስጋውን መንፈሳውን ስልጣኑ ከስፍንን  ኣውታራቱ  ኪዝርግሕን ንምቕላስ ኩሉ ዓይነት ሜላታት ከም ዚጥቐም፡ ኩሉ ናይ ትንተናን ትዕዝብትን ተውህቦ ዘለዎ ሰብ ኪፈልጦን ኪግንዘቦን ከም ዚኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣብዚ ናይ ቤተክህነት ሓይሊ ወይ ስልጣን እናሃሰሰሉ ዚኸይድ ዘሎ ዘመንዚ፡ ጥሩፋውያን ጨንፈራት ሃይማኖትን ዘይተኣደነ ሃብቲ ዚውንና ብዝሐ-ብሄራዊ (multinationals) ትካላትን ባንክታትን፡ ኣብቶም ምሕደራውያን ወይ መንግስታውያን ኣውታራት ጽልዋ ብምግባር ናይ ባዕላተን ኣጀንዳታት የገስግሳ ከም ዘለዋ ንኹሉ ዘስተውዕል ሰብ ግሁድ እዩ። ብፍላይ አተን ጥሩፍነት ዚኽተላ ምንቅስቓሳት፡ ብጥቕሚ ተደሪኸን ነቲ መንግስታዊ ስልጣን ወይ ሓይሊ ይድግፋኦን ዕምሩ የንውሓሉን፡ ናይ ኣምላኽ ተሓለቕቲ ብምምሳል ድማ፡ ሓይለን ንምድልዳል ናይ ልዕለ-ተፈጥሮ ዝንቡዕ ተስፋን፡ ናይ ርሱን ስምዒት መንፈስን ከምኡውን ናይ ሂስ-ኣልቦ ኣተሓሳስባን (irrationality) ኣብቲ ህዝቢ ከም ዚሰርጽ ብምግባር ናይ ኣእምሮ ምልማስን ናይ ተገዛእነት ዕሩብ ሕልናን ፈጢረን እየን፡ ቀጻሊውን ይፈጥራ ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ላዕሊ እተባህለ፡ መንግስቲ ብመሰረቱ ብቐሊሉ ዘይልወጥን ብድኽመትን ብግርህነትን ህዝቢ ዚጻወትን ዕምሩ ዘንውሕን ጨቋንን ገባትን ትካል ምዃኑ ክንግንዘብ ንኽእል። መንግስቲ ብመሰረቱ ዓብላልን ጨቋንን ብምዃኑ ነቲ በብዘመኑ ዚለዓሎ ተቃውሞን ብድሀን ንምግታእን ጸኒሑ ድማ ንምሕምሻሽን፡ እተፈላለየ ሜላን ስልትን ብምጥቃምን ምስ ዘርብሖ ኩሉ ብምሽራኽን ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ኪቀያየርን ከም ኣሜባ ቅርጽታቱ ኪለዋወጥን ከም ዚፍትን ንኹሉ ተዓዛቢ ግሁድ ኪኸውን ይግባእ።

እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ እቲ ንህዝቢ ከገልግል ተባሂሉ ዚገሃድ መንግስቲ፡ ወላውን ኣብተን ደሞክርስያውያን ዚብሃላ ሃገራት፡ ነቲ ዓብን ቀንድን መሰረታውን ዝኾነ ናይ ምፍልላይ ሓይልታት ኣምር፡ ማለት ናይ ፍርድን ኣፈጻምን ሓጋግን ኣካላት (the separation of powers: legislative, executive, and judiciary) ደረት ብምጥሓስን፡ ነቲ ቀንዲ ተቓላሳይ ዝኾነ ናይ መራኸቢ ብዙሃን ትካላት ብምፍርራህን ነቲ መሰረታዊ ባህርያቱ ዝኾነ ናይ ጭቆናን ናይ ምግባትን ድራኸታቱ ገና የተግብሮ ብምህላዉ እዩ። ወድ ድሙ ነይገድፍ ግብረ እሙ፡ እኮ ተባሂሉ እዩ።

እሞኸ ናይ ሓደ መንግስቲ መሰረታዊ ባህርይ ከምዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ካብ ኮነ፡ ከመይ ጌርካ ደኣ ጥዑይ መንግስቲ ኪምስረት ይከኣል፡ ዚብል ሕቶ ኪለዓል ይከኣል።

ጥዑይ መንግስቲ ብሓደ ለይቲ ወይ ብሓደ መውጽእ ሓራ ዚምስረት ምሕደራ ኣይኮነን። ጥዑይ መንግስቲ ብሓያል ኣእምሮኣውን (intellectual) ጽሑፋውን ብረታውን ቃልስታት ዚጥረ ምሕደራ እዩ። ዓንድታቱ፡ ሲቪካዊ ማሕበራት፡ ትምህርትን ንቕሓትን እዮም። ተጻረርቱ ድማ ዕዉር እምነትን ጥሩፍነትን ደረት ዘይብሉ ሃገራውነትን ኣውራጃውነትን እዮም።

ጥዑይ መንግስቲ ንምምስራት፡ ኣብ ኩሉ ኣብያተትምህርቲ ናይ ደሞክራስን ናይ ሂሳዊ ኣተሓሳስባን (critical thinking) ናይ ምሕድራን ስልጠና ኪወሃብ ይግባእ። ኣዚ ድማ ብተዮሪን ብተግባርን ኪካየድ ይኽእል እዩ። ተምሃሮ ማሕበራቶም ምስ ዚምስርቱን ብደሞክራስያዊ መገዲ ድማ መራሕቶም ምስ ዚመርጹ፡ ሽዑ እዩ እቲ ናይ ደሞክራሲ ባህርያት ኣብ ኣእምሮኦም ዚስኳዕ፡ ኣብ ደሞም ድማ ዚሰርጽ።

ኣብ ልዕልዚ፡ ናይ ሃይማኖትን ሃገርን ምፍልላይ  (separation of state and religion) ኣምር፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብቲ ቅዋም ኪሰፍርን፡ ንመተግባሪኡ ዘገልግል መካኒዝም ኪቕየስን ይግባእ።

ዝኾነ መንግስቲ ስቕ ኢልካ ምስ እትርእዮ፡ ናብቲ ጥንታዊ ባህርያቱ፡ ማለት ናብቲ ጫካዊ ምሕደራ (the law of the jungle, survival of the strongest) ገጹ እዩ ዚኸይድ። ስለዚ እቲ መንግስቲ ብገለ ናይቲ ህዝቢ ድኻምን ገርህነትን ናብቲ ጥንታዊ ባህርያቱ ንኺምለስ  ዕድል ንኸይረክብ፡ እቲ ዘድሊ መድሃኒታትን መጥባሕትታትን ብኣጋኡ ኪወሃብ ወይ ኪካየድ ኣማራጺ ዘይብሉ ጉዳይ እዩ።

እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ግን፡ ኣብቲ ጫካዊ ባህርያቱ ካብ ዚእለኽ ነዊሕ ስለ ዝገበረ፡ ንኺዕረ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ውሑድ ኮይኑ ይስመዓኒ። ካብ ምፍንቃሉ ሓሊፍካ ዚግበር ድማ የልቦን።

ይኹንምበር፡ ዝሓለፈስ ሓሊፉ፡ ነታ መጻኢት ኤርትራ ግን፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ደልሃመት ንኸይትጥሕል ከንገብሮ ዘሎና ስራሕ ወይ ኣበርክቶ፡ ሕጂ እዩ። ነቲ ጸገማትና ኣብዚ ወለዶዚ ከነዐርዮ ምስ ዘይንፍትን፡ እቲ ዚጽበየና ኩነታት ካብዚ ናይ ሕጂ ዝኸፍአ ኪኽውን ይኽእል እዩሞ፡ ኣዕሚቝና ክንሓስበሉ ይግባእ!!

 

Subscribe ASSENNA YouTube to get Radio Assenna shows on time:

aseye.asena@gmail.com

Review overview
3 COMMENTS
  • k.tewolde January 9, 2018

    ‘እዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ግን፡ ኣብቲ ጫካዊ ባህርያቱ ካብ ዚእለኽ ነዊሕ ስለ ዝገበረ፡ ንኺዕረ ዘለዎ ተኽእሎ ኣዚዩ ውሑድ ኮይኑ ይስመዓኒ። ካብ ምፍንቃሉ ሓሊፍካ ዚግበር ድማ የልቦን።’ Indeed Mr.Sahle,over half of a century to be exact.Yes it is a primitive order driven by animal instinct where the alpha male mows down his competition to submission and pounds his chest and mounts any bitch he desires.This scenario can be summarized in the tyrants few growling statement made to his compatriots..’ABZI A’ADDI KEMAI DEW ILU ZISHEYIN YELEN’ marking his territory.The compatriots retort ..’ EWE AYAY!!’ For a civil and democratic minded person to operate in this atmosphere and bring about law and order is mission GUERRILLAS IN THE MIST- you die studying their behavior. The only solution like Mr. Sahle said you destroy their habitat (HGDEF).. If there is other plausible solution out there, I am all ears.

  • Debre January 10, 2018

    Good expression.

  • Robiel Gebrehiwey January 10, 2018

    Memher Amanuel,
    As usal insightful article and full of meanings. Keep writing and thanks a lot.

Post a Reply to k.tewolde Cancel Reply