Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም "ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን" ብምባል

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም “ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን” ብምባል ትንቢታዊ ምኽሪ ኪልግሱልና ከለዉ ይዝከረኒ። ጀብሃ ዝነበሩ እዮም ዝኾኑ ብምባል ግን ግዲ ኣይገበርናሎምን።

እንተኾነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ገለ ጽምብል፡ ኣብ ሓደ ጽቕጥቅጥን ምድፍፋእን ዝነበሮ ኣጋጣሚ፡ ካብ ገለ ህዉኻት ተጋደልቲ ኣብተን እልል ዝብላ ዝነበራ ኣዴታትን ኣብቶም ዘጣቕዑን ዝነበሩ ኣቦታትን ዘይተጸበዩዎ ናይ በትሪ መዝበጥቲ ተኻዪዱ። ካብዚ ረሓቑ ከም ማለት። ሰብኡትን ኣንስትን ግን ልቢ ብምዕባይ፡ “ክልተ ግዜ ዶ ክንዛረብ ኴንና” ብምባል ነቲ እተጓነፎም ውርደት ቆርጢሞምዎ ትም ምባል መረጹ። ደርሆስ ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ።

እዚ ተርእዮዚ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ምስልን ትእምርትን እዩ ነይሩ። ሰብ ደኣ ኣይተረደኦን ነይሩ እምበር፡ እቲ መሪሕነት ኣብቲ ህዝቢ ዝነበሮ ክቱር ንዕቀት ነቶም ኣብ ሜዳ ከለዉ ኪረኣዮም ወይ ኪስቈሮም ዘይከኣለ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ቅሩብ ኪበርሃሎም ክኢሉ እዩ። ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ክልተ ግዜዶ ክንዛረብ ኴናን ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ህዝቢ ትም ከም ዚብል ገይሩዎ። ክሳዕ ለይተሎሚውን እቲ ጉድ ዘይተሰቝሮ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን።

ገለ ሰባት ብዛዕባዚ ወሪዱ ዘሎ መከራን ውርደትን ሕስራንን ኪጽሕፉ ወይ ኪዛረቡ ከለዉ፡ ነቲ መሪሕነት ኪጻረፉን ከስተማስሉን ግዜ ኣይወስደሎምን። ገሌና መርገም እዩ ዚብል ኣረኣእያ ነቃልሕ፡ ገሌና ዓገብ በሉልና ወይ ኣላቕሱና ብዘስምዕ ቃላት ነቲ ጽሑፋትና ንመልኦ። ናይ ሓድሓደ ዘረባን ጽሑፋትን ድማ ሓቢርና ንማህለል ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል። ግን መርገምን እህህታን ጸርፍን ዘለፋን መፍትሔ ኪኸውን ኣይክእልን። እዚ ዘሎ ስርዓት መርገም ደኣ መኣስ ውሒዱዎ፡ ኣይወሓዶን፡ ግን ነቲ መርገም ለሚዱዎ ግዲ ኾይኑ መመሊሱ ዝድንፍዕ ዘሎ እዩ ዝመስል። መርገም ስንቁ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰብ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።

ነቲ መሪሕነት ክትጸርፎን ክትኵንኖን እንተ ወዓልካን እንተ ሓደርካን፡ ነቲ መራሒ ክትዘልፎን ከተነኣእሶን እንተ ኸረምካን፡ ስምዒት ናይ ሰብ ካብ ምልዕዓል ሓሊፍካ እተፍርዮ ቁምነገር የልቦን። ስምዒት ሰብ ድማ ከከም ኩነታቱ ይድይብን ይወርድን ብምዃኑ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ዚካየድ ስነልቦናውን ፖለቲካውን መኸተ ወይ ቃልሲ ምንም ኣበርክቶ የብሉን። ብስምዒት ዚፍታሕ ነገር የልቦን። ፍታሕ ንምርካብስ ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ብልሃት ኣይርከቦን።

ንኹሉ ነገር መበገስን መንቀልን ኣለዎ። ካብ ባዶ ዚለዓል ነገር የልቦን። ኩሉ ፍጻመታትን ተርእዮታትን፡ ብድሕሪኡ ኮይኑ ዘበግሶ ደፋኢ ሓይሊ ኣለዎ። ምናልባት ኣብ ካልእ ዩኒቨርስ ካብ ባዶ ዚለዓሉ ነገራት ይህልዉ ይኾኑ። ንሕና ግን ኣብዛ ዓለምዚኣ ኢና እንነብር ዘሎና።

ኣብ ኣኽራናት ዝመልኦ ኣጻምእ ቦታ ክትዛወር ከሎኻ፡ ምድሪ ኪጽልምት ምስ ቀረበ፡ ካብ ገለ ጎቦታት ኣእማን እናንከራረወ ኪወርድ ትርኢ። እዚ ተርእዮዚ መደራግሕ እዩ ዚብሃል። ብዙሓት ሰባት ነዚ ካብ ባዶ እተላዕለ ዝመስል ፍጻመ ንምግላጽ ይሽገሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እተፈላለየ መልስታት ኪወሃብ ከሎ ይዝከረኒ። ገሌና ኣህባይ እየን ዝኾና ነቲ ኣእማን ደፊአንኦ ኢልና። ግን ኣብቲ ቦታ ኣህባይ ኣይነበራን። ገሌና ድማ ሸይጣውንቲ ወይ ዓምደረቦ ከይከውን ኢልና። ገለውን ደቅሕድርትና እየን ዝኾና ዚብል ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ግን እቲ ልክዕ መልሲ ካብ ሓደ ምሁር ሰብ ኢና ረኺብናዮ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚብል እዩ። ቀትሪ ምሉእ እቲ ኣእማን ብምቖት ተነፊሑ ምስ ወዓለ፡ መሬት ኪዝሕል ከሎ ብመጠኑ ኪጭበጥ ይጅምር። ኣብ ምዝርጋሕን ምጭባጥን ኩነት፡ ናይ ምንቅስቓስ መስርሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣብቲ ጎቦ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተቐሚጡ ዝነበረ ደናጉላ፡ ብናይ ምንፋሕን ብናይ ምጭባጥን ሓይሊ ክንቀሳቐስ ምስ ጀመረ፡ ብግራቪቲ ተሓጊዙ ንታሕቲ ከንኮራሩ ይጅምር። በዝን ክንድዝን ከኣ መደራግሕ ይፍጠር ማለት እዩ።

ኣህባይ ኪኾናውን ይኽእላ፡ ግን ንሳተንውን ከም መበገሲ ኢና ክንወስደን ዘሎንና። ስለምንታይ ደፊአንኦ ንዚብል ሕቶውን፡ ምናልባት ኵዕንቲ ወይ ሓሳኹ ኪፍሕራ ደልየን ይኾና። ካብዚ ሓሊፍካ ማሪታዊ ወይ ሕልማዊ መልሲ ምሃብ ግን ናብቲ ሓቂ ኪወስደካ ኣይክእልን። እዚ ኣብነትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ንኹሉ ነገር መበገሲ ከም ዘለዎ ንምግላጽ እዩ።

ናብቲ ጉዳይና ንምምላስ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነትን እቲ ናይ ባህርያቱ ነጸብራቕ ኮይኑ ዘሎ መራሒን ናይ ዕንወት መገዲ ሒዞም ዝጎዓዙ ዘለዉ? ኣብ ኤርትራ ናጽነት ከምጽእ ዚኽእል እተፈልየ ራኢን ኣመራርሓን ኣቃውማን ዝውንን ሰልፊ ስለምንታይ ኪፍጠር ዘይከኣለ? ወይስ እቲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኣቃውማ ህዝብና ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት ጥራይ ድዩ ከፍቅድ ዝኽእል ዝነበረ? ብሓጺሩ፡ እዚ ኣብ ዓለም ፍሉይ ዝኾነ ኣምባገነናውን ፋሉላውን ኣብ ህዝቢ ክብረት ዘይብሉን መሪሕነት፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝኸኣለ? ከመይ ኢሉ እዩኸ ነቲ ናይ ህዝብና ባህላውን ስነልቦናውን ማሕበራውን መርበብ ፈንጢሱ ንላዕሊ ኪድይብ ዝኸኣለ? ድሕሪ ሕጂኸ፡ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት እተስተናግድ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ድያ?

ነዚ ሕቶታትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ደምዳሚ መልሲ ክረክብ ደልየ ዘይኮነስ፡ ናይቲ በቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ዘስቆርቍር ኤርትራዊ ኣእምሮ ብስምዒታዊ ዘይኮነስ ብህየሳዊ መገዲ ኪሓስብ ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ። ርግጽዩ ብዙሓት ምሁራን ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይዚ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶታት ምርኩስ ብምግባር፡ ሰነዳት ብምፍታሽን ብምምርማርን፡ ሃናጺ ጽሑፋት ኣቕሪቦም እዮም። ከምዚ ዝበለ ትንተና ጥራይ ከኣዩ ነቲ ሕማም ኣለልዩ ኪኣልዮ ዚፍትን።

እዞም ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ሰባት ወይ ከኣ እቲ መሪሕነት ብሓፈሻ፡ ኪጅምር ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ ንዚብል ሕቶ ፍጹም ዝኾነ መልሲ ኪርከቦ ኣይክእልን። ምትላልን ምድንጋርን ኣብ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ናብቲ ምንጪ ጸገማት ዚመርሕ ምርመራ ምክያድ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብቲ ታሪኽ መሪሕነት ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣሎ፡ ብዙሕ ምስጢራት ኣሎ። ግን ሓደ እዋንሲ እቲ ሓቂ ይግለጽ ይኸውን።

ገለ ኣዋርሕ ይገብር፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ዝጸሓፎ ንታሪኽ ኣመጻጽኣን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዚምልከት ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ ነይረ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ነቲ ጽሑፍ ወቒሱዎ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ንምሕባርውን ርእይቶታቱ ሂቡ። ኣነውን ብወገነይ ነቲ ትንተና ብምሉኡ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ግን ኣይጸላእኩዎን ከኣ። ዘይመጽልእየይ ምኽንያት ከኣ፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ኪረግጾ ዝፈርህ ናይ ምሕሳብ መሬት ወይ ባይታ እዩ ኪጎዓዝ ፈቲኑ። ነቲ ‘ነውሪ’ ወይ ‘ንየው በሎ’ ዚብሃለሉ ናይ ምሕሳብ ማዕጾ እዩ ከፊቱዎ። ግን ከኣ ኣብ ምርምር፡ ነውሪ ወይ ብቛንቋ እንግሊዝ ታቡ ዚብሃል ነገር ኪህሉ ኣይግባእን።

ምምርማር እንተ ኾይኑ ከይፈራህካ፡ ይብሉኒ ከይበልካ ምምርማር እዩ፡ ወላውን ውጽኢቱ ዘሰምብድን ኣብ ልብኻ ራዕዲ ዘእቱን እንተ ኾነ። ሽዑ እቲ ዘንብብ ወይ ዚሰምዕ ሰብ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብስነመጎታዊ መገዲ ከፍርሶ ወይ ኪቃወሞ መሰል ኣለዎ።

ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።

ኣብ ኩሉ እንገብሮ ምርምር፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት ኪህልወና ይግባእ። ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ፈራህን ጃጃውን ማሪታውን ኣእምሮ ቦታ የብሉን። ነቲ ሓቂ ንምርካብ፡ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባ መዓጹን መሳኹትን ኪኽፈት ይግባእ። ሽዑዩ እቲ ሓቂ ባዕሉ ዝገሃድ።

ብቐደሙስ ብሓሶትን ብምድንጋርን ደኣ ተሸፊኑ ነይሩ እምበር፡ እቲ ሓቂኮ ኣብ ቦታኡ እዩ ነይሩ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • mebrahtom May 22, 2015

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኒኤል ሳህለ ይበል ዘብል ኣስተምህሮ። ዕድመን ጥዕናን ይሃብካ።

  • Ahberet H. May 22, 2015

    Thanks Memhir Amanuel.

    Dear Assena readers:

    I think what we need is an attitude shift and say “The past is what it is” and set the vision forward. We have to leave the past to historians and focus all our energy on how to bring change that is more inclusive, and which will not jeoperdise the soverneighty of the country any further!

    We have to condemn collectively any Woyane driven initiatives that are happening all over the world as that will not bring lasting solution in Eritrea. All efforts should be centered around what is in the best interest of the Eritrean

    • Mussie May 22, 2015

      Dear Abrehet:
      It is not surprising to see you reading what is not written by Mr. Amanuel Sahle. Rather, you are reading what is just in your mind.
      The essence of Amanuel’s article amounts to “we have to see things for what they are in order to be able to understand them without fear, prejudice, and pre-judgment.”
      True enough, a mistake must stand on its own, and truth can be the best advocate of itself.
      If truth can demolish sovereignty of Eritrea, then you are trying to tell us that Eritrea’s sovereignty is based on lies!
      Shame on your ideals, and values!
      As to Woyane,bla,blah,that is futile red-herring! Leave them alone, and that is far more sophisticated for your type of faculty! Just focus on your own homework!

  • Dala Ksha May 22, 2015

    Amaneul
    I was always admiring your articles,but not on this one,I feel like you are getting out of the highway.I hope this article will not open a crack to andnet,the reason I said this,Mr.YG don’t believe in Eritrean independence there’s no way he can be mentioned as a role model for the Guinean Eritreans.

    • Rastaman May 22, 2015

      Dala,

      Amanuel did say that he doesn’t agree with all what YG said. However, like myself he admired YG’s courage for opening or questioning the Eritrean Struggle, given the outcome. I don’t agree on the rationale that the Armed Struggle was a mistake just because it hasn’t delivered the dream of the people. The struggle can’t be blamed for what we do with the Eritrean Independence.

      • Mussie May 22, 2015

        But Sir, would you not agree that the product is a direct consequence of the processes through which it has passed?
        If so, if the so called independence (end product) is fiasco,then you should safely conclude the armed struggle (the process) to be a total fiasco!
        Unless, of course, you want to entertain Juggernaut romanticizing the fiasco Gedli!

  • hagerawi May 22, 2015

    btami xbuq astemhro eyu emo qrxelo memher amaniel

  • Almaz Gual Asmera May 22, 2015

    ኣብርሀት እቲ ሽክሚ እኳ ግርም ኔሩ። እንተኾነ እንተስብ ብገርህነት እንተስ ብግሩሒ፡ ካብቲ ክቡር መም. ኣማኑኤል ዝብሎ ዘሎ እርእስቲ ስሒትኪ ኣሎኺ። እዛ ጽሕፍቲ ኣእምሮና ንመርምር እያ ትብል ዘላ፡ ትኩራት ንኹን፡ ነገራት ብገርህነትን ብቤላ ቤልወን ዘይኮነስ ብነቐፌታዊ ዓይኒ ንመምን ንምዘንን..ብድሕረኡ ፈውስናውን (ሕማም ፈሊጥካ ፈውሲ ስለትእዝዝ) ኪንረኽቦ ኢና። ንኹሉ ነገር መንቀሊ ኣሎዎ እሞ ናብዚ ዘብጽሓና ንመርምር እያ ትምህረና። ሕጊ-ግደፍ ወዮ ድማ ከም ሰብ ቆሎ ሕድእ ኢልና ሱር ሽግርና ከይንፍትሕ ብጓይላን ዳንኬራን የላህየና እሞ…ንሕናውን ውሉፋት ስለዝኾንና ኣብቲ መድረኹ ንቖጻጸ። ሕጊ-ግደፍ ከምኡ ዝገብር ጭንቀትና ከቃልለልና (ስትረስ ረልይፍ)፡ ከዘናግዓና ደልዩ ዘይኮነስ ከዘንግዓና እዩ። ጥር ኢልካ ናብ ወያነ ምኻድ…ሓንቲ ካብተን ናይ ሕጊ-ግደፍ ስወርቲ ኩርማጅ እያ። ሕጂውን ናብ ሱር ሽጉርኩም ዘይኮነስ ናብ ወያነ ጠምቱ ትብል መድሃኒት ናይ ሕጊ-ግደፍ እያ። ምስ ወያነ ብዘይካ ጎንጺ ናይ ዶብ ካልእ ጸገም የብልናን። እኳ ድኣ እንቛዕ ናብ ዲሞክራስን ምዕባለን ሶገሙ ክንብል ኣሎና፡ ንሕናውን ቅዱስ ቅንኢ ምእንቲ ኪንቀንእ። ዘይቀንእ ኣይወለድ እኳ ዝብሃል። ሶማልያ ትመስል ሃገር ካብ ጎረቤትካ ትኸውን..ኢትዮጵያ እንተኾነት ንረብሕ እምበር ኣይንጉዳእን..እዞም ኣሽሓት ኣብኡ ተዓቒቦም ዘሎዉ ሕዝብና መንዶ ምኣርነበልና እዩ። ስለዚ እቲ ክቡር ደም ደቂ ሕዝቢ ከፊልና ዝረኸብናዮ ናጽነት ስለምንታይ እዩ እቲ ንደልዮ ዘየምጽኣልና? መም. ኣማኑኤል ክንካታዓሉን ክንላዘበሉን ዝደለየን እዚ እዩ። ከምዚ ዝመስለኒ ኣበጋግሳ እቲ ገድሊ ጥዕና ስለዘይነበሮ እዩ (መራሕቲ ጀብሃን ሻዕብያን ዋላ ኣይእመንሉ)። ምስተፈናጨሉ’ኸ ኣሞ ንዝብልውን። እቶም መራሕቲ ሕዝባዊ ግንባርውን ካብቲ ንሞት ግንባሩ ዝህብ ተራ ተጋዳላይ ያኢ እሙናት ኮይኖም…ንተጋዳላይ ምስጢር ዝኾነ ኣወዳድባ ፈጢሮም ዝዘርእዎ መዓት..ፍሬኡ ንሓፍስ ኣሎና። ተጋዳላይ ብሕቖኡ ኪውቓዕ ከሎ፡ ተተሳሒቡ ኣብ ሓለዋ ሰውራ ኪሓቕቕ ከሎ ኡይ ኪብሃል ነይርዎ። ናባይ ጥራይ ኣይትምጻእ እምበር ድሓን ምባል…እዚኣ ብጻይነት ድያ…ንሕዝብና ድማ ኣነ ኪስዋእ ንስኻ ጽናሕ …ቀዳድ ጁባ ተጋዳላይ…እንዳተባህለ ክሳብ እዝኑ ዝጸምም ኣዶንቂሮሞ። መንዶ እቲ ሓቀኛ ውዕሎ ተጋደልትና፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣያታትናን ኣበሓጎታትናን፡ ነጊሩና እዩ? ገባር ጠንባር ኣበይ ከየስተውዕል ኣናተባህለዶ ኣይኮነን..ተተኻሓሒሉን ተማላኺዑን ብዝቐርብ ድርማታት ዝጸመመን ዝዶንቆረን። ፍሬኡ ኽኣ ንሃለ…ብሰንፈላልን ስንኩፍን ራእይን ዕላማን ዘይብሉ ወለዶ…ይስስን። ስለዚ ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ እዩ። ቁስልና ኣይንሕባእ…እቲ ሓንሳብ ጽቡቕ ጌሮም ዘባህረርዎ ዕቡድ ሰብ …ወያነ እንተበለስ…ሰሎሎ ኣትዮዎ ኪኸውን ይኽእል…ንሕና 15-20 ዓመታት ወያነ እናበልካ ምጭራሕ…ንነስብስኻ ኣናስተስያ (መደምንዘዚ) ምውጋእ ማለት እዩ ይብል። ምስ ምሉእ ኣኽብሮት። ንመም. ኣማኑኤል ደም ከምወትሩ ብዙሕ ምስጋና።

    • Mussie May 22, 2015

      @Almaz:
      A master piece of paragraph that has language beauty, clearance, and flow! Just for a simple reason: it is objective, and free of fear factor!
      I can’t say more for fear of tarnishing the brilliance of the diamond (Almaz)!
      Knowing few people like Almaz exist is a panacea!

  • nebelbal7@gmail.com May 22, 2015

    ቅድሚ 3 ወይ 4 ዓሰርታት ዓመታት ኣብ ዝነበረ ነጻ ክትዕ፡ ሓንቲ ከባድ ኣርእስቲ ተላዒላ ድሕሪ ብዙሕ ህንካን ሃባን፡ ብሓንቲ ቃል ተመሊሳ ይኹን ኢሉ እቲ ዝካታዕ ዝነበረ ካብ ኾፍ መበሊኡ ይዝከረኒ። እታ ኣርእስቲ፡- ድሕሪ እዚ ኹሉ መስዋእትን፣ መቕሰልትን፣ ብርሰት ምጣኔ ሃብትን፣ ድካምን…ኣብ መጨረሽታ ናጽነት ድሕሪ ምጕንጻፉ ህዝቢ ዝሕሸካ ምረጽ ዝብል ምርጫ ምስተዋሃበ ስለ’ቲ ኹሉ ድካምኹም የቀንየልና። ንሕና ግን ምርጫና ምርጫኩም ኣይኮነን እንተኢሉናስ ከሲርና’ዶ ከሲብና? እዛ ሕቶ እዚኣ ምስ ወረደት እንታይ ዓይነት ሕቶ ኢዩ’ዚ ብምባል እቲ ኣከበኛ ብምጕርምራም ክምልሶ ፈቲኑ። ድሕሪ ዝግታ ግን፡ የሎን እዛ ሕቶ መልሲ ይረከበላ ምስ ተባህለ። መጀመርያ መዎዳእታ ዘይብሉ ኣብ ዝመስል መገዲ ተበጽሐ። መልሲ ግድን ኔርዋ እዩ። በዚ ምክንያት ከኣ ኣብ መጨረሻ እቲ ነታ ሕቶ ዘልዓላ ብሓንቲ ቃል መለሳ። ዓዋትና ከምተረጋገጸ እንኣምነሉ እዋን ድልየት ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ዝሶረሉ እዩ። ንድልየት ህዝቢ እንተጓዕጽጽን ግን ንነብስና ከምተቃለስና እዩ።
    ድልየት ህዝቢ ደረት የብሉን። ንስካ ጥራሕ ከምውልቀ ኣነ ድልየተይ እዚ እዩ ኢልካ ዶው በል። ስለ’ዚ እገለ ከም’ዚ ኣተሓሳስብ’ዚ ንምንታይ ኣጥረየ ኢልካ እንተ ኣስቖርቝርካ ኣብ ካልእ ክተውዕሎ ዝግብኣካ ሓይሊ(ኤነርጅይ) ኣብ ዘይከውን ተባክኖ ከምዘሎካ እዩ።
    ደሓር ከኣ ዝኮነ ዎሎዶ ዘርባሓኒ መንገዲ እዙ እዩ ዝበሎ መንገዲ ክክተል መሰሉ እዩ።
    መምህር ኣምኑኤል፡ ምስጋናይ ከም ትማሊ

  • ማሊሻ May 22, 2015

    ዓገናዕ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ።

    መምህር ይብል:
    “ፍታሕ ንምርካብስ ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ብልሃት ኣይርከቦን።” …

    “ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።”

  • Ahberet H. May 22, 2015

    Almaz,

    My comment was general and many of the comments and some parts of Amanuel’s article invites people to evaluate the past or what is or what not the current leadership ought to be. What I was emphasizing was to leave the past to history and set the vision forward. I see value in my comment and again, we should condemn any Wayne driven solutions no matter what! It will not work to say least.

    • Mussie May 22, 2015

      @Ahberet!
      There has never been a future without the past! Therefore, we can’t throw away the past for the sake of anything. We embrace the past in whole for the sake of everything!
      Afterall, there is a thing called reward or accountability for your past!
      The clean hands have no fear of their past!

  • rezen May 22, 2015

    Advance apology for my repetition:

    People who do not heed to their past history are condemned to repeat it — something like that! Better still, Amanuel Sahle’s advice quoted above by ማሊሻ.

  • rezen May 22, 2015

    “እዚ ድማ ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ስርዓት ህግደፍን ሓላፍነት ጥራይ ኣይኮነን ፤ ናይ ኩልና እቶም ተዓሚትና ንሩባ ዝወፈርናን ፣ ንኻለኦት መሳኪንን ገርሂ ልባን ብሓይሊ ኣፈሙዝ ኮብኪብና ዝለከምና ምስሉያትን ኣምሰሉታትን እዩ ።” ማሊሻ

    You said it all 100% It is about time that “Eritreans” FACE the past history squarely, ACCEPT it and OWN the greatest blunder of the past. Responsible citizens do not shy away from their responsibilities. There is no other way to go FOREWARD to sanity and development. Dwelling on past empty and destructive bravado ….መን ከማና …. ብጽፍርና …is not going to change the TRUTH.

    But there is a hopeful sign, nowadays. Daring Eritreans in the Internet are expressing their views freely outside the suffocating age-old BOX and instead gazing towards redemption for the construction of NEW healthy “Eritrea” with a new prism for the benefit of Eritreans. The NEW “Eritrea” must LIVE with the world in harmony for mutual benefit, not madly antagonistic to everybody. THE END

POST A COMMENT