Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህየሳዊ ኣተሓሳስባ (critical thinking)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም "ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን" ብምባል

ኣማኑኤል ሳህለ

ኣብ ግዜ ነጻነት፡ ተጋደልቲ ኣብ ኣስመራ ኪኣትዉ ኸለዉ፡ ህዝቢ ነቲ ጎደና ብኽልተ ወገኑ ብምምዕራግ፡ ሰብኡት የጣቕዑ፡ ኣንስቲ ድማ እልል ይብላ ነበራ። ይኹንምበር፡ ገለ ሰባት ብድሕረና ኾይኖም “ሕጂ ትስሕቃ ኣሎኽን፡ ደሓር ግን ክትበኽያ ኢኽን” ብምባል ትንቢታዊ ምኽሪ ኪልግሱልና ከለዉ ይዝከረኒ። ጀብሃ ዝነበሩ እዮም ዝኾኑ ብምባል ግን ግዲ ኣይገበርናሎምን።

እንተኾነ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ኣብ ገለ ጽምብል፡ ኣብ ሓደ ጽቕጥቅጥን ምድፍፋእን ዝነበሮ ኣጋጣሚ፡ ካብ ገለ ህዉኻት ተጋደልቲ ኣብተን እልል ዝብላ ዝነበራ ኣዴታትን ኣብቶም ዘጣቕዑን ዝነበሩ ኣቦታትን ዘይተጸበዩዎ ናይ በትሪ መዝበጥቲ ተኻዪዱ። ካብዚ ረሓቑ ከም ማለት። ሰብኡትን ኣንስትን ግን ልቢ ብምዕባይ፡ “ክልተ ግዜ ዶ ክንዛረብ ኴንና” ብምባል ነቲ እተጓነፎም ውርደት ቆርጢሞምዎ ትም ምባል መረጹ። ደርሆስ ጻሕቲራ መሕረዲኣ ተውጽእ ዝብሉኹም ከምዚ እዩ።

እዚ ተርእዮዚ ናይቲ ዚመጽእ ኩነታት ምስልን ትእምርትን እዩ ነይሩ። ሰብ ደኣ ኣይተረደኦን ነይሩ እምበር፡ እቲ መሪሕነት ኣብቲ ህዝቢ ዝነበሮ ክቱር ንዕቀት ነቶም ኣብ ሜዳ ከለዉ ኪረኣዮም ወይ ኪስቈሮም ዘይከኣለ፡ ኣብ ግዜ ናጽነት ቅሩብ ኪበርሃሎም ክኢሉ እዩ። ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ፡ ክልተ ግዜዶ ክንዛረብ ኴናን ዚብል ኣተሓሳስባ፡ ነቲ ህዝቢ ትም ከም ዚብል ገይሩዎ። ክሳዕ ለይተሎሚውን እቲ ጉድ ዘይተሰቝሮ ኤርትራዊ ውሑድ ኣይኮነን።

ገለ ሰባት ብዛዕባዚ ወሪዱ ዘሎ መከራን ውርደትን ሕስራንን ኪጽሕፉ ወይ ኪዛረቡ ከለዉ፡ ነቲ መሪሕነት ኪጻረፉን ከስተማስሉን ግዜ ኣይወስደሎምን። ገሌና መርገም እዩ ዚብል ኣረኣእያ ነቃልሕ፡ ገሌና ዓገብ በሉልና ወይ ኣላቕሱና ብዘስምዕ ቃላት ነቲ ጽሑፋትና ንመልኦ። ናይ ሓድሓደ ዘረባን ጽሑፋትን ድማ ሓቢርና ንማህለል ዚብል ዘሎ እዩ ዚመስል። ግን መርገምን እህህታን ጸርፍን ዘለፋን መፍትሔ ኪኸውን ኣይክእልን። እዚ ዘሎ ስርዓት መርገም ደኣ መኣስ ውሒዱዎ፡ ኣይወሓዶን፡ ግን ነቲ መርገም ለሚዱዎ ግዲ ኾይኑ መመሊሱ ዝድንፍዕ ዘሎ እዩ ዝመስል። መርገም ስንቁ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ሰብ ከም ዘሎ ኣይንረስዕ።

ነቲ መሪሕነት ክትጸርፎን ክትኵንኖን እንተ ወዓልካን እንተ ሓደርካን፡ ነቲ መራሒ ክትዘልፎን ከተነኣእሶን እንተ ኸረምካን፡ ስምዒት ናይ ሰብ ካብ ምልዕዓል ሓሊፍካ እተፍርዮ ቁምነገር የልቦን። ስምዒት ሰብ ድማ ከከም ኩነታቱ ይድይብን ይወርድን ብምዃኑ፡ ኣብቲ መሰረታዊ ፍታሕ ንምርካብ ዚካየድ ስነልቦናውን ፖለቲካውን መኸተ ወይ ቃልሲ ምንም ኣበርክቶ የብሉን። ብስምዒት ዚፍታሕ ነገር የልቦን። ፍታሕ ንምርካብስ ንድሕሪት ተመሊስካ ምምርማር እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ብልሃት ኣይርከቦን።

ንኹሉ ነገር መበገስን መንቀልን ኣለዎ። ካብ ባዶ ዚለዓል ነገር የልቦን። ኩሉ ፍጻመታትን ተርእዮታትን፡ ብድሕሪኡ ኮይኑ ዘበግሶ ደፋኢ ሓይሊ ኣለዎ። ምናልባት ኣብ ካልእ ዩኒቨርስ ካብ ባዶ ዚለዓሉ ነገራት ይህልዉ ይኾኑ። ንሕና ግን ኣብዛ ዓለምዚኣ ኢና እንነብር ዘሎና።

ኣብ ኣኽራናት ዝመልኦ ኣጻምእ ቦታ ክትዛወር ከሎኻ፡ ምድሪ ኪጽልምት ምስ ቀረበ፡ ካብ ገለ ጎቦታት ኣእማን እናንከራረወ ኪወርድ ትርኢ። እዚ ተርእዮዚ መደራግሕ እዩ ዚብሃል። ብዙሓት ሰባት ነዚ ካብ ባዶ እተላዕለ ዝመስል ፍጻመ ንምግላጽ ይሽገሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት እተፈላለየ መልስታት ኪወሃብ ከሎ ይዝከረኒ። ገሌና ኣህባይ እየን ዝኾና ነቲ ኣእማን ደፊአንኦ ኢልና። ግን ኣብቲ ቦታ ኣህባይ ኣይነበራን። ገሌና ድማ ሸይጣውንቲ ወይ ዓምደረቦ ከይከውን ኢልና። ገለውን ደቅሕድርትና እየን ዝኾና ዚብል ሓሳብ ኣቕሪቦም።

ግን እቲ ልክዕ መልሲ ካብ ሓደ ምሁር ሰብ ኢና ረኺብናዮ። ንሱ ድማ ከምዚ ዚብል እዩ። ቀትሪ ምሉእ እቲ ኣእማን ብምቖት ተነፊሑ ምስ ወዓለ፡ መሬት ኪዝሕል ከሎ ብመጠኑ ኪጭበጥ ይጅምር። ኣብ ምዝርጋሕን ምጭባጥን ኩነት፡ ናይ ምንቅስቓስ መስርሕ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኣብቲ ጎቦ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተቐሚጡ ዝነበረ ደናጉላ፡ ብናይ ምንፋሕን ብናይ ምጭባጥን ሓይሊ ክንቀሳቐስ ምስ ጀመረ፡ ብግራቪቲ ተሓጊዙ ንታሕቲ ከንኮራሩ ይጅምር። በዝን ክንድዝን ከኣ መደራግሕ ይፍጠር ማለት እዩ።

ኣህባይ ኪኾናውን ይኽእላ፡ ግን ንሳተንውን ከም መበገሲ ኢና ክንወስደን ዘሎንና። ስለምንታይ ደፊአንኦ ንዚብል ሕቶውን፡ ምናልባት ኵዕንቲ ወይ ሓሳኹ ኪፍሕራ ደልየን ይኾና። ካብዚ ሓሊፍካ ማሪታዊ ወይ ሕልማዊ መልሲ ምሃብ ግን ናብቲ ሓቂ ኪወስደካ ኣይክእልን። እዚ ኣብነትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ንኹሉ ነገር መበገሲ ከም ዘለዎ ንምግላጽ እዩ።

ናብቲ ጉዳይና ንምምላስ፡ ስለምንታይ እዩ እቲ ኣብ ሃገርና ኣብ ስልጣን ዘሎ መሪሕነትን እቲ ናይ ባህርያቱ ነጸብራቕ ኮይኑ ዘሎ መራሒን ናይ ዕንወት መገዲ ሒዞም ዝጎዓዙ ዘለዉ? ኣብ ኤርትራ ናጽነት ከምጽእ ዚኽእል እተፈልየ ራኢን ኣመራርሓን ኣቃውማን ዝውንን ሰልፊ ስለምንታይ ኪፍጠር ዘይከኣለ? ወይስ እቲ ታሪኻውን ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ኣቃውማ ህዝብና ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት ጥራይ ድዩ ከፍቅድ ዝኽእል ዝነበረ? ብሓጺሩ፡ እዚ ኣብ ዓለም ፍሉይ ዝኾነ ኣምባገነናውን ፋሉላውን ኣብ ህዝቢ ክብረት ዘይብሉን መሪሕነት፡ ከመይ ኢሉ እዩ ኣብ ስልጣን ክመጽእ ዝኸኣለ? ከመይ ኢሉ እዩኸ ነቲ ናይ ህዝብና ባህላውን ስነልቦናውን ማሕበራውን መርበብ ፈንጢሱ ንላዕሊ ኪድይብ ዝኸኣለ? ድሕሪ ሕጂኸ፡ ኤርትራ ንኸምዚ ዓይነት መሪሕነት እተስተናግድ ሃገር ኮይና ክትቅጽል ድያ?

ነዚ ሕቶታትዚ ዘምጻእኩዎ፡ ደምዳሚ መልሲ ክረክብ ደልየ ዘይኮነስ፡ ናይቲ በቲ ኣብ ሃገሩ ዘሎ ኩነታት ዘስቆርቍር ኤርትራዊ ኣእምሮ ብስምዒታዊ ዘይኮነስ ብህየሳዊ መገዲ ኪሓስብ ከም ዘለዎ ንምሕባር እዩ። ርግጽዩ ብዙሓት ምሁራን ኤርትራውያን ነቲ ጉዳይዚ ነቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ሕቶታት ምርኩስ ብምግባር፡ ሰነዳት ብምፍታሽን ብምምርማርን፡ ሃናጺ ጽሑፋት ኣቕሪቦም እዮም። ከምዚ ዝበለ ትንተና ጥራይ ከኣዩ ነቲ ሕማም ኣለልዩ ኪኣልዮ ዚፍትን።

እዞም ሕጂ ኣብ መሪሕነት ዘለዉ ሰባት ወይ ከኣ እቲ መሪሕነት ብሓፈሻ፡ ኪጅምር ከሎ እቲ ቀንዲ ዕላማኡ እንታይ እዩ ነይሩ ንዚብል ሕቶ ፍጹም ዝኾነ መልሲ ኪርከቦ ኣይክእልን። ምትላልን ምድንጋርን ኣብ ዝመልኦ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ፡ ናብቲ ምንጪ ጸገማት ዚመርሕ ምርመራ ምክያድ ኣዚዩ ኣሸጋሪ እዩ። ኣብቲ ታሪኽ መሪሕነት ብዙሕ ሕልኽላኻት ኣሎ፡ ብዙሕ ምስጢራት ኣሎ። ግን ሓደ እዋንሲ እቲ ሓቂ ይግለጽ ይኸውን።

ገለ ኣዋርሕ ይገብር፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ዝጸሓፎ ንታሪኽ ኣመጻጽኣን ዕላማን ሓርነታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዚምልከት ዘቕረቦ ጽሑፍ ኣብ ኢንተርነት ኣንቢበ ነይረ። መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ነቲ ጽሑፍ ወቒሱዎ፡ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ከም ዝኾነ ንምሕባርውን ርእይቶታቱ ሂቡ። ኣነውን ብወገነይ ነቲ ትንተና ብምሉኡ ክቕበሎ ኣይከኣልኩን። ግን ኣይጸላእኩዎን ከኣ። ዘይመጽልእየይ ምኽንያት ከኣ፡ ዮሴፍ ገብረሂወት ኣብቲ ኩሉ ሰብ ኪረግጾ ዝፈርህ ናይ ምሕሳብ መሬት ወይ ባይታ እዩ ኪጎዓዝ ፈቲኑ። ነቲ ‘ነውሪ’ ወይ ‘ንየው በሎ’ ዚብሃለሉ ናይ ምሕሳብ ማዕጾ እዩ ከፊቱዎ። ግን ከኣ ኣብ ምርምር፡ ነውሪ ወይ ብቛንቋ እንግሊዝ ታቡ ዚብሃል ነገር ኪህሉ ኣይግባእን።

ምምርማር እንተ ኾይኑ ከይፈራህካ፡ ይብሉኒ ከይበልካ ምምርማር እዩ፡ ወላውን ውጽኢቱ ዘሰምብድን ኣብ ልብኻ ራዕዲ ዘእቱን እንተ ኾነ። ሽዑ እቲ ዘንብብ ወይ ዚሰምዕ ሰብ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብስነመጎታዊ መገዲ ከፍርሶ ወይ ኪቃወሞ መሰል ኣለዎ።

ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።

ኣብ ኩሉ እንገብሮ ምርምር፡ ናይ ኣእምሮ ትብዓት ኪህልወና ይግባእ። ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ኣብ ፈራህን ጃጃውን ማሪታውን ኣእምሮ ቦታ የብሉን። ነቲ ሓቂ ንምርካብ፡ ኩሉ ናይ ኣተሓሳስባ መዓጹን መሳኹትን ኪኽፈት ይግባእ። ሽዑዩ እቲ ሓቂ ባዕሉ ዝገሃድ።

ብቐደሙስ ብሓሶትን ብምድንጋርን ደኣ ተሸፊኑ ነይሩ እምበር፡ እቲ ሓቂኮ ኣብ ቦታኡ እዩ ነይሩ!

aseye.asena@gmail.com

Review overview
41 COMMENTS
  • Teclay May 22, 2015

    Tadesse Kidane

    “..ብወገነይ ትንታኔ ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ብላዕሊ መዓር ብውሽጡ ግን መርዚ ኢዩ ኢየ ዝብል”

    Mr.Tadesse ,with all respect,Have you read the tittle of the article ? If not it is “critical thinking “.So Mr.Amanuel’s article is general,he advised us to be critical thinkers not Zombies .He mentioned the great,black African Philosopher YG only as an example..You said that “..ብወገነይ ትንታኔ ዮሴፍ ገብሪሂወት፡ ብላዕሊ መዓር ብውሽጡ ግን መርዚ ኢዩ ኢየ ዝብል” …ስለ እቲ ምኽርኻ የቐንየልና ፣እንተኾነ በሊዕናዮ ተቓዳዲምናሉ ጮማ ብጮማ ኮይኑ ረኺብናዮ።
    ” ተጋደልቲ ንናጽነት ሞይቶምን ሰንኪሎምን እምበር፡ ንህዝቦም ኣብ ሽግር ንምእታው ዕላማ ኣይነበሮምን..”So what ??First of all this so called ተጋደልቲ belongs to all of us including to the great YG …Those so called liberators including the martyrs are not prophets,So their past deeds must be open to evaluation and reevaluation..For your information ,out of 9 brothers and sister in our family 3 were with EPLF army 2 were agents in the capital..Had i known what i know today,, old and mature enough i would have been the first to fight them in all forms.

    Amanuel Assena please do not intimidate by opposing comments invite the great YG .

    መምህረይ የቐንየልና ምስ ጫማና የሕዲርካና።

  • nebelbal7@gmail.com May 22, 2015

    ክቡር ሓው ታደሰ ኺዳነ
    ሪኢቶይ ብዛዕባ YG ዮሴፍ ገብሪሂዎት ኣመልኪትካ ኣብ ዝጸሓፍካዮ እዩ። ንሪእቶካ ድሕሪ ምክባር እዚ ዝስዕብ ክብል ይፈቱ። መጀምርያ ኣብነት ፡- ኣብ ሓንቲ ዓዲ ኹሎም እቶም ደቂ ዓዲ ኣኪባኦም ብጽቡቅ ጽቡቅ ኢሎም ዝወድኡ ነበሩ። ሓደ ዓቢ ሰብእይ ግን (ወዲ ዓዲ) ንዘረበኦምን ተባሮምን ኣዳቒቑ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ክምዚ ዝሶብ በለ። ኣቱም ዓዲ ጽቡቅ ጽቡቕ ትብሉ ንስኩም ፡ጽቡቕ ጽቡቅ ዘይትገብሩ ከኣ ንሱኩም!
    ሕጂ ናይ YG ጽሑፋት ምልስ ኣኢልን እንተ ተመልኪትና ካብዚ ብዙሕ ፈለያ የብሉን። ንሱ ይብል ናጽነት ናጽነት ዝብል ገድሊናጽነት ናጽነት ዝከላኤ ከኣ ገድሊ። ስም ገድሊ ምልዓል እይ ይመስልኒ እቲ ህዝቢ ቁሩብ ጸጊምዎ። መብዛሕታኡ ኣንባቢ ስም ገዲ ክትለዓል ኣይደልን። ግን ንሳ ከየልዓልካ ዘይመልእ። ቆርበት ኣኣብ ምንፋሓ ጥራሕ ተብላስይ ንበል ኢሉ ክሓልፎ ይድሊ። እሞ እታ ቖርበት ኣብ ምጥብሓ እንተኮነ ብልሽታከ? ንጠባሕቲ ፍሪሕካስ ንነፍሕቲ!
    ስለዚ እምባኣር እቲ ፍልልይ ክሳብ ክንድኡ ኣይትኪድ እዩ። ሰብ ግን ብዓቅሚ ብርኹ እዩ ዝጓዓዝ።

  • Truly Truly i say to you May 22, 2015

    Part 2
    Another surprising, please why is for instance the same shit Asmarino com notorious writer Ayte sium Tesfay so offended by Bronwayn Broton speech? Didn´t the woman for Eritrean nation and people interest defended more than any so called Eritrean politician? But he was offended the Ethiopian position because criticized was. If you think by disguising self like opposition you can full all Eritreans, but as my self consider the family of Assena, I assure you here your trick doesn´t work. I many times declare to you, like “apostles” or „Philosophers“ of yours! (YG, Sioum Tesfay)Ki! Ki! Ki! Perhaps I am amateur in speaking, but certainly not in knowledge. (2nd. Corinthians 11, 5.)
    So, i never stop to ask my concern where about the brilliant citizen Dawit Mekonnen disappear? If as you Simon G as lied to me by saying, RIP Dawit) you mean he is persecuted, I recall for
    the fool investigation. We didn´Allow and ignore when brilliant citizens systematical here
    Persecuted like Gedli time in the name of Menka, I totally upseted by none doing of the so called human right protecters. Where is Elsa Chirum? Habtom Yohannes Bla! Bla! My darling Meron Estifanos. I can´t tolerate the so called human right activistes ignorance. Last time Naizgi Kiflu, despite he long left the PFDJ instead using him because the already defected person they were cheesing him in very sad situation he passed away without privileging our struggle. And know they ignoring my concern about the ordinary citizen Dawit Mekonnen where about disappears for asking. So is there a surprise if the oppositions not succeed?

  • tarikh May 22, 2015

    ዝኸበርካ አቶ ታደሰ ኺዳነ ንስለ እቲ ልዙብ ርእይቶኻ ከመስግነካ ይደሊ. ነቲ አብ አሰና.ኮም ይኩን አብ ካልእ ወብሳይት እተውጽኦ ጽሑፋት እውን አድናቒኻ ሙኻነይ ክሕብረካ ባህ ይብለኒ. አብዚ ሕጂ መምህር አማንኤል ብዛዕባ አቶ ዮሴፍ ገብሪሂወት አመልኪቱ ዘቕረበልና ሓሳባት ዘውጻእካይዮ ርእይቶ ግን ተቕላላ ምስ ቃላትን መንፈስን ጽሑፍ መምህር ዘይሳነይ ኮይኑ ረኺበዮ.

    ዝኾነ ሰብ ንዕላማታት፣ኮነ፣ አካይዳ ገድሊ ክቃወም ኮነ ክድግፍ ሙሉእ መሰል አለዎ. ሃደ እዋን አብ ታሪኽና አዝዩ ብዙሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኤርትራ ሓድነት ኤርትራን እትዮጵያን ከምዝደገፈን፣ ነቲ ዕላማ እቲ እውን ብዙሓት መንእሰያት አንድነት መስዋእቲ ከምዝኸፈሉን፣ ብዙሃት ካልኦት እውን ድልዋት ምንባሮም ምፍላጥ አገዳሲ እዩ. እዞም መንእሰያት እዚአቶም እውን ሃገራውያን ሓርበኛታት ምኻኖም አፍልጦ ኽንህብ አገዳሲ እዩ. መልሲ ንህቶ ጉዳይ ኤርትራ ብናጽነት ዝብል መልሲ ጽፉፍ መንገዲ ዝሓለፈ፣ ኩሉ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ዝተቀበሎ ዘይምንባሩ ምዝካር እውን አገዳሲ እዩ. አብዚ ህጂ እዋን እውን ኤርትራ ናጻን ሉእላዊት ሃገር ኮይና ክትከይድ ዘይቅበልዎ ደቂ ሃገር ከምዘለዉን አፍልጦ ክንህቦምን አገዳሲ ምኻኑ ይርደአኒ. ድሕሪ ምፍራስ ምልኪ፣ ነዚ ድለቶም ዘንጸባርቕ ፖለቲካዊ ማሕበር ክምስርቱ ምስ ዝደልዩ፣ ነዚ ካልእን ዘፍቅድን መሰል ዝሕልው ቅዋም ከድልየና ሙኻኑ ምርዳእ፣ ብኸምኡታት ደረጃ ክንሓስብን አገዳሲ ኮይኑ ይስመዓኒ. ገድሊ ከምዚ ሓደ sacred ነገር፣ ብዛዕብኡ ሕቶ ምልዓል እውን ከም ሓጥያት ምርአይ ሓጋዚ ኮይኑ አይስማዓንን.

  • Truly Truly i say to you May 23, 2015

    This is suppose to read as part 1
    As I said, above in my first comment in Tigrigna it is not only our independence hijacked by PFDJ bandits, but most opositions so called parties their media, so called civic and human right activists as well. This is why we didn´t see any progress or fruitful result from their worthless activity. Among few media from those the Eritrean esprit and aspiration more or less in better form consider are hosting and reflecting, in my observation though Assenna at primer could be mentioned, however here also impossible to say everything is going perfect, without disturbance or interference. For instance look the so-called Teklay aka Compishitato without shame what practising a propaganda and some of his applauders by disguising themselves like oppositions, how they despising and insulting not only the Assenna families intelligence, but at worst the purpose our martyrs to that they sacrificed for how they despising the independence. Please when compishitato defines the 24-05- 1991 (the indipendence day) as the darkest day in Eritrean history, can somone tolerate his motive as right freedom of speech? Is he not threatening our nation? I couldn´t understand how some people as oppositions from those disguising for instance Simon G and alike they feel comfort hearing such blasphemy, but they feel offend by Dawit Mekonnen speech? Please as Eritrean by which speech they should to be offended, by Dawit who defending his nation or by Teklay who despises the Gedli history? Whose altitude is more provactive for both nation healthy relation we want to see, the one who belives in Eritrean case Isayas and Woyanes as are one part of the same coin belives, Dawit or the one who despises the gedley history and mocking at us by saying your indipendence day is the darkest day?
    The very amassing and very disturbing matter in this debate please for what reason is YG mentioned as special philosoph like Galelio Galili, or Sokrates? I may not that much surprise by Teklay and others altitude, but by Amanuel in deed. For he dispises Gedli and advocate for unity by saying your Gedly history was for nothing ? Well unity in healthy, for bilateral advantage by mutual understanding if was be recommended atleast we may will have a little understanding, but how by force, provocation, humiliation , jealousy, sabotaging expanding hatter? Please watch the 5th Ethiopian General Election 2015 part 9 the final debate about foreign and security policy that held debate for example,how specially the Isayas friends, Medrik, Kinigit, Semayawi party, almost all chauvinist oppositions they have very dangerous policy towards the Eritrean indipendence, sovereignty and Port Assab. On this Debate atleast the ruling EPRDF Party that have Policy by far more is very friendly seems to Eritrean people, i very satisfied by Dr. Theodros Adhanom specially by the security EPRDF Oficial Ato Getachew Reda healthy argument. Listen and judje self

    http://www.ethiopian.tv/election-debate-ethiopian-political-parties-may-15-2015-round-9-1/
    and watch the next round-9-2 as well

    • Simon G. May 23, 2015

      ትሩሊ ነብሲ፥ ሰብ ብጉዳይ ሃገር ትጭነቕ: ንስኻ ድማ ብደሃይ ዳዊት መኮነን ተሻቒልካ? ከምኡ ድማ ብዛዕባ ናይ ናይዝጊ ክፍሉ መሰሉ ዘይረኸበ የተሓሳስበካ? ወይ ጉድ! በጃኻ ናብ ልብኻ ተመለስ። ሓደ ሓደ ግዜስ ኣለም መሽረፈት ነት ኮይንካ ትስመዓኒ። ንኹሉ ‘ኳ ሸምጢጥካ ወዲእካዮ።
      ኣማኑኤል ዝምህር ዘሎ ብዛዕባ ኣርሒቕካ ምሕሳብ: ወነንቲ ናይ ሓንጎልና ክንከውን ‘ሞ: ብነጻ ክንሓስብ የተባብዐና። ዝኾነ ይኹን ሰብ ነጻ ኮይኑ ክጽሕፍ መሰል ኣለዎ። ኣሰና ድማ ካብ መምርሒ ከይወጻእካ ክትጽሕፍ ዕድል ከፊታትልካ ኣላ። ተጠቀመሉ። ተኽላይ ይኹን ስዒድ ሓሳባቱ ከቕርብ መሰል ኣለዎ። ንስኻ ትቕበሎ ዶ ናቱ ርኢቶ ኣይትቕበሎን ‘ዩ ትሕቶ። ተዘይ ተቐቢልካዮ: ንዓኻ ዝመስለካ ብትሕትና ተቕርብ። ወይ ድማ: መልሲ ከይሃብካ: ቁምነገር የብሉን ኢል፥ ትሰግሮ። እዚ ግን ከምዝተቐበልካዮ ይቑጸር ማለት ኣይኮነን።
      ብዛዕባ ዮሴፍ ገብረሂወት ድማ: ዋላ ‘ኳ ርኢቶኡ ምስ ናትካ ኣይሰማማዕ ምበር: ሓያል ፈላጥ ምኻኑስ በጸሓሕፍኡ ጥራይ ከማን ትፈልጦ። ደሓር ከኣ: ናይ ቀደም ሓያላት ሊቃውንቲ ‘ኳ ዳርጋ ዝቕበሎም ኣይነበረን። ወረ ገሊኦምሲ በተሓሳስበኦም ጥራይ ከማን ተቐቲሎም። እዚ ክብል ከለኹ ግን: ናይ ዮሴፍ ገብረሂወት ትንተና ተቐቢለዮ ማለት ኣይኮነን። ወረ ምስ መርገጹ ርክብ የብለይን። ጌጋ ድኣ ይኽለኣለይ ምብር: ዮሴፍ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዝቕበሎ ኮይኑ ኣይስመዓንን። ግን መሰሉ ስለዝኾነ: ኣነ ዝገብሮ ነገር የብለይን። ምስ ናቱ ርኢቶ ኣይተሰማማዕኩን ማለት ግን: ንሱ ሊቅ ምኻኑ ይኽሕዶ ማለት ኣይኮነን።

  • nebelbal7@gmail.com May 23, 2015

    መቀጸልታ
    ቀንዲ ዕላማ ቃልስና ዝነበረ ፡- ንናጽነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን’ዩ። ልክዕ፡
    ነዚ ኣብ ተግባር ንምውዓል ከኣ > >> “ነዊሕን መሪርን ቃልሲ ከድሊ እዩ” ተክፍለ ከኣ ።
    “ኣብ መጨረሻ ከኣ ዓዋትና ናይ ግድን እዩ”
    ዝክፈል ተከፊሉ ከኣ“ጸላኢ ተሳዒሩ” እዚ ሓደ ጎድኒ ናይቲ ሙሉእ ዕላም እዩ።
    እቲ ካልኣይ ናይቲ ጎድኒከ ናበይ ኣበለ?
    እዘን ክልተ ጨርሖ ከም ተራ ሓሳብ ( simple opinion) እኮ ኣይነበራን። ተራ ሓሳብ ሓቒ ክኸውን ይክእል ወይ ኣይክእልን። በዚ ምክንያት ህይወት ሰብ ኣይክፈሎን እዩ። ስለ’ዚ እቲ ቃልሲ ክካየድ እንከሎ ነዘን “ክልተ ጨርሖ” ኣብ ተግባር ንምውዓል (ክውን ንክገብር) እዩ ኔሩ ቀንዲ ዕላምኡ። ኣብ መጨረሻ ግን ከም ሓቂ ምዃኑ ተሪፉ ከም “ተራ ሓሳብ” እዩ ተወሲዱ። እስኪ ንመልከት ከመይ ከምተዘምተ፡- ስለ ዲሞክራሲ ንዝቀረበ ሕቶ ብከመይ ተመሊሱ? ንሕቶ ብሕቶ ።ነቲ ሕቶ ብሕቶ ክምልሶ እንከሎ ተመሊሱ ፡ ዲሞክራሲ ማለት እንታይ ማለት’ዩ ኢሉ እዩ ንሓታቲኡ ከምእንደገና ዝሓተተ። ቅጺሉ ንዝቀረበሉ ሕቶ እንኪምልስ ….. ዓሰርተ ግዜ ዲሞክራሲ እናበልኹም ሞኽ ተብሉኒ ኣነ ንበይነይ ጥራሕ ድየ ከም’ዚ ስርዓትት ዝክተል? ዲሞክራሲ ኣብ ኤረትራ ምናልባት ድሕሪ 40 ዓመት? መኣስ ኢካ ስልጣን ንህዝቢ ተረክብ? ሓሲበሉ’ኻ ኣይፈልጥን….ወዘተ እዚ ኩሉ ምላሽ እኮ ምላሽ ሓደ ሰብ ጥራሕ ኣይነበረን። ምላሻ ሓደ ሰብ ጥራሕ እንተዝነብር መዓልቱ ምሓጸረ።
    ስለ’ዚ ኣብ’ዚ ህዝቢ ኣይተዘምተን። ተዘሚቱን ፈረቓን። ብመን ተዘሚቱ ተባሂሉ ንዝቀርብ ሕቶ ቑንጭል ኣቢልና ክንምልሶ ኣይንፈትን። ሓቒ ኣይንፍራሕ። ይርዳኣኒ’ዩ እቲ ዘሎ ሕስይስይ መበገሲኡ ከይንብሃል’ዩ። ግን እንታይ ከይንብሃል?
    ህዝቢ ግደፍ ሓዲሽ “ሰብኣዊ መሰል” ከምጽኡልናስ ነቲ ዝነበረና ንኡስ መሰል’ዃ መንጢሎሙና ዶ ኣይኮነን ክብል ዝውዕል ዘሎ። ገድልን/ታሪክ ገድልን ከም ኣብ መጽሓፍ ቕዱስ /ቁርኣን ዝሰፈረ ቅዱስ ዛንታ ጌርና እንተ ወሲድናዮ ንባዕሉ እዚ ነብሱ ዝከኣለ ሓዲሽ ኣምልኮ እዩ። ኣምልኮ ከኣ እንተ ዘይ ኣብዛሕና ይሓይሽ በሃላይ እየ።

  • tarikh May 23, 2015

    መምህር አማንኤል ነዚ እዋን ዝኸውን አገዳሲ ዛዕባ ብምልዓል፣ አዝዩ ጠቓምን፣ ማዓድን ሓሳባት አካፊሉና አሎ እሞ፣ ልቢ ንበል፣ እግዚአብሄር ካአ አእምሮና ይኽፈተልና. ኢዚ ጽሑፍ ምሉእ ሓሳባት እዩ፣ አይንጨራርሞ. አብነት ንዝተዋህበ ቖንጪልና ንሙልእነት ኢቲ መልእኽቲ አይነህስሶ. ምጽውዋር መጀመርያ ናይ ኩሉ እዩ ዝበሃል ዘሎ የሕዋት. ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝጸመመ እዝንና ንኽፈት፣ እሂን ምሂን ንበሃሃል፣ ሓሳባት ንወሃሃብ፣ አብ መስርሕ እቲ ንደልዮ ክኸውን እዩ.

  • Bere May 23, 2015

    ዝኸበርካ መምህር ኣማኑኤል ሳህለ፤
    ነቲ ብኽፉት ልቦናን እምሮን እትጽሕፎ ምስጋና ይብጽሕካ። ህዝቢ ኤርትራን ከባቢናን ነዚ ከምዚ ዓይነት ህየሳዊ ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ዝሕቱል ምዃኑ እኳ ግሁድ እንተኾነ፣ ሕጂ ግና እዋኑ ኣኺሉ እዩ ምባል ይደፍር። ስለዝኾነ ድማ ካብቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደቀስናሉ ተበራቢርና፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ መሃርን ፈዋስን ዝኾነ ጽሑፋት፣ መርበብ ኣሰናን ሰማዕታን ብኽልተ ኣእዳውና ጆባእ ኢልና ክንቅበል እላበው።
    ብዚ ኣጋጣሚ ድማ፣ ነቲ ዓሰርተታት ዓመታት ብኣትሓሳስባን ራእን ቀዲምና ክነሱ፣ ከይሰልከየ ብትዕግስቲ ምስ ትሕትና ኣሰንዩ፣ ኣብ ኣተሓሳስባና ለውጢ፣ ኣብቲ ጽልሙት ብዓትና ጩራ ብርሃን ከርእየና ዝፈተነ፣ ንኣቶ ዮሴፍ ገብረሂወት ዝለዓለ ሞጎስ ይብጸሓዮ።

    መምህር ይብል፤ “ምምርማር እንተ ኾይኑ ከይፈራህካ፡ ይብሉኒ ከይበልካ ምምርማር እዩ፡ ወላውን ውጽኢቱ ዘሰምብድን ኣብ ልብኻ ራዕዲ ዘእቱን እንተ ኾነ። ሽዑ እቲ ዘንብብ ወይ ዚሰምዕ ሰብ ነቲ ዝቐረበ ሓሳባት ብስነመጎታዊ መገዲ ከፍርሶ ወይ ኪቃወሞ መሰል ኣለዎ።

    ስለምንታይ ከምዚ ሓቲትካ፡ ስለምንታይ ከምዚ ሓሲብካ ኢልካ ምዝላፍን ምዝንጣልን ግን፡ ናይቲ ሕጂ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣዕናዊ ባህርይ ስለ ዝኾነ፡ ክንክተሎ ኣይግባእን።”

  • rezen May 23, 2015

    Ladies and Gentlemen of Assenna Readership

    Obviously we are moved by Amanuel Sahle’s Articles which contain ideas and logical dissection of issues of paramount importance and immediate matters of concern to us all – as Eritreans. And still the appetite (መሃረና … ቐጽል — መሃረና…) for more would seem to have no end. But surely there must be an end product of all the lessons! In short, the lessons must be transformed into another entity; otherwise, it would be a never ending roulette!

    Let me share with you an experience that I acquired from a speech given by a university dean to freshmen students. In my case, the expression “freshman” exactly describes my sociological and educational background. I knew nothing, to be frank – but I was good in memorizing, without understanding, the required subjects to have my 13 X 15 inch paper at the end of zigzagging years …….. another sensitive subject that I wouldn’t dare going into any farther at this point in time.

    So, back to the Dean’s speech: Frankly, I didn’t understand everything he said but I remember the following. In a slow clear voice, he said that there are three things the students should always remember: 1st Know your Problem; 2nd Develop Action Plan; and 3rd. Execute. But he added a caveat: the hardest of the three is Number 1 which takes about 80% of energy; 15% for Number 2 and 5% for the Action. Confession: the numerical percentage indicated here may not be exact but the proportion is the MAIN point.

    Dear Eritrean Readers.
    Do we really know our PROBLEMS? Amanuel Sahle may pour his heart out with his brilliant analysis, refreshingly, in indigenous language; Yosief Ghebrehiwot may come out with his truly extraordinary Cartesian dissection of subject matters; and others may do likewise, but the Eritrean cause may never move an inch because we still resist from opening THE PROBLEM HIVE. We are NOT equipped to deal with the consequence thereof. Amanuel reminded us of the old adage of ‘colonial mentality.’ I may add to it the adjective “damaged”! And that is why the ERITREAN CASE can only be handled by external forces – as it has always been for some one hundred years. If you don’t believe it, get together and prove it, without tantrum – the field is wide open.

    That is all I have to say. If you, Dear Readers, find it nonsense, so be it – I get my consolation from knowing that I said it from the bottom of my heart, without any malice to anyone. THE END

  • rezen May 24, 2015

    Assenna Management
    I noticed that the grading of each commentary is dropped. It is a very good idea to do so.

POST A COMMENT