Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

“ህይወት ኣብ ክልተ ዓለም”

ህይወት ንባዕላ ብተፈጥሮ መስተንክር ኢያ። ካብ ተፈጥሮ ወጻኢ ግዳማኢ ጻዕኒ ክውሰኻ ከሎ ከአ ክትጽብኽን ክትከፍእን ናይ ግድን’ዩ። ናይ ባዕላ ዝኾነ መምርሒ ሕጊ ኡኳ እንተሃለዋ፣ ኩሉ ጊዜ ግን በቲ ህይወት ኮይናቶ ዘላ ኣካል እትምራሕ እምበር ባዕላ

ህይወት ንባዕላ ብተፈጥሮ መስተንክር ኢያ። ካብ ተፈጥሮ ወጻኢ ግዳማኢ ጻዕኒ ክውሰኻ ከሎ ከአ ክትጽብኽን ክትከፍእን ናይ ግድን’ዩ። ናይ ባዕላ ዝኾነ መምርሒ ሕጊ ኡኳ እንተሃለዋ፣ ኩሉ ጊዜ ግን በቲ ህይወት ኮይናቶ ዘላ ኣካል እትምራሕ እምበር ባዕላ መሪጻ ነቲ ኣካል ክትመርሕ ኣይትበቅዕን። ምክንያቱ ኩሉ ህይወት ዝተሰከመ (ዘለዎ) ፍጡር ሐደ ኣይኮነን። እንስሳታት ወላ’ኳ ፍጡራት ኮይኖም ይፈጠሩ እምበር፣ እቲ ናይ ምንባር ዓቕሞም ብድሌት ዝተመርጸ ከይኮነ፣ መብዛሕቲኡ እዋን በቲ ናይ ከባቢኦም ጽልዋ ክነብሩ ዝግደዱ ስለዝኾኑ ምርጫ ኮነ ክእለት ክቅይርዎ ዳርጋ ዘይብሎም ፍጡራት ኢዮም። ንአብነት ነቶም ኣብ ዱር ዝነብሩ እንስሳታት ነቲ ጥሻ ዱር ዝነብሩሉ፣ ወዲ ሰብ ንጥቕሙ ኣቐዲሙ ንባዕሉ ብዝጥዕሞ መገዲ እንተ ጸሪግዎ፣ እቶም እንስሳታት ብዘይ ድልየቶም ብዝተገብረ ፍጻሜ ናይ ካልኦት ግድያት ይኾኑ። ድሕሪኡ ብዘይካ ምጽናት ካልእ ዕድል ብናቶም ተበግሶ ንምክልኻሉ ዝገብርዎ ናይተቛውሞ ዓመጽ ከነ ካልእ ምርጫ የብሎምን።

ደቂ ሰባት ግን ብዝተኻእሎም ሓይሊ ኣንጻር እቲ ጉጉይ መርገጽ ክቋወሙን ክዕምጹን ይትንስኡ። እዚ ንዘይገብሩ ግና ካብ’ቶም እንስሳታት በረኻ ኣይሕሹን ኢዮም። ብኣፎም ግን ንሕሽ ኢና ኢሎም ብናይ ቀለዓለም ዘረባ ክካትዑ ወላ ይፈትኑ እምበር ነቲ ውጺት ግን ኣይቅይሮዎን ኢዮም። በዚ ዘለናዮ ዘመን ባዕልና ካብ ኣከባቢና ዝተማህርናዮ ሐቂ ኪሒድና ናብ ዕሙትን ክትሩን እምነት ንነብስና ክትነብር ምስ ንመርጸላ፣ እቲ ናይ ድሌትና ምርጫ ንቅኑዕ ወይ ዝንቡዕ ሃሳብ ክውዕል ናይ ግድን ኢዩ። እቲ ግጉይ ምርጫ ከአ ሓቂ ክኸውነላ ብድሌትና ዘይንፈጥሮን ዘየነማኻንዮ ምኽንያት ኣይክህልን። ንሱ ከአ ብፍርህን ብድሌት ናይ ምንባር ውሕስና ምርግጋጽ ዝተበገሰ ክኸውን ይኽእል።

ስልዚ ካብ እንስሳ ክንፍለ ስለንደሊ ጥራይ ከይኮነስ፣ እቲ ብውሽጥና (ብኣእምሮና) ናይ ምምዝዛን ክእለትን ናይ ንወስዶ ምርጫ ሳዕቤኑ ስለንፈልጥ፣ ነቲ ርኡይ ናይ እንስሳ ባህርይ ምርጫን ሳዕቤን ዘይፍልጥ ገዲፍና ሰብ ምኻና ብግብሪ ምኻሓዱ ንመርጽ። እቲ ሕልና ዘመዛዝን ካብቲ ኣእምሮ ዝሓስብ ነጺልና ነቲ ንጥቕምና ዘርብሕ ጥራይ ንመርጽ። ሓውትናን ሓውናንን ክግፉዑን ክዕመጹን ከለው ኣብ ቅድሜና እንዳራኣና፣ ኣማዕዲና ክንዕዘብን ክንርእን ብዝገደደ ነቲ ሁሉውን ርእዩን ተግባር ክንክሕዶ ንመርጽ። ሽዑ ከአ ነቲ ከም እንስሳ ዝነብሮ ህይወት ንምንባር ንመርጽ’ሞ፣ ሰብ ኣእምሮ ግና ሕልና ኣልቦ ንኸውን።

 

ኣንበሳ ናይ ዱር በረኻ እንስሳታት ንጉስ ዝበሃል ብልምዲ ዝመጽአ ቢሂላ እምበር፣ ኣብቲ ውሽጢ ዱር ብዘይ ናቱ ቁጽጽርን ምምሕዳርን ብተፈጥሮ ሕጊ ዝዕንድሩ ካልኦት እንስሳታት አለው። ኩሎም ከአ ወ ወሰኖምን፣ ክእለት ናብራ ህይወቶም ምምራሕ ፈሊጦምን ኪኢሎምን ማለት፣ ከም ድላዮም ይዕንድሩን፣ ነፃ ከይኖም ይነብሩ ማለት ኣይኮነን። እቲ ምንታይ’ሲ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ስለ ዘሎ፣ ንምንባር ክብሉ ኩሉ ጊዜ ተጠንቂቆም ምንቅስቃስ ከምዘድሊ ልምዲ ተፈጥሮ ባህራዊ የገድዶም። ዓባጢን ሓያልን መጺኡ ነቲ ዝመርሕዎ ዝነበረ ሰላማዊ ህይወት ከምዝጥዕሞን ዘድልዮን ገይሩ ክዘርጎ ከምዝኽእል ፈሊጦም ኢዮም ከአ ብዝተኻእለ መጠን ንዝመጽኦም ጎበጣ ንምክልኻል ተዳልዮም ዝጸንሑ። እዚ ስለዘሎ’ዩ ከአ ብድለቶምን ኣብ ድላዮምን ብወኒኖም ዝመረጽዎን ዝመርሕዎ ህይወት የብሎም።

እቶም ኣሕዋትና ኤርትራውያን ብድሌቶምን ምርጫኦምን ተጠቒሞም ንውልቀ ገባቲ መሰሎም ነቲ ኣንበሳ ናቕፋ ዝብልዎ ናይ ህግደፍ እንስሳታት መራሒ ዘረከቡ። ዓመት መጸ ዓመት ከደ ዝገብረሎም ናይ መዘናግዒ ድስኩርን ብግብሪ ዘይውዕል መብጽዓ ንሰዓብቱን ተበለጽትን እንስታት ህግደፍ ብትግባሬ ዝገብረሎም ስለ ዘየለን ዘይምልከቶም ብምኻኑን፣ ክሓቱ’ውን ስል ዘይክእሉ ካብኣቶም ንላዕሊ ግና ንዓል ወኸርያ ህበይ ብዝበለጸ ሕጉሳት ይማስለኒ። ምኽንያቱ ነቲ ፈትዮም ዘረከብዎ መሰል ዜግነቶም ተመሊሶም ክሓትሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ድሙን ከልብን ህግደፍ ግና ተጠሊምና ኢሎም ዘግረምርሙን፣ ተሓቢኦም ዝሓምዩ ብዙሓት ኮይኖም አለዉ። ኣብ ውሽጢ ብኸብዶም እንዳሓረሩ ንኸምስሉ ክምስታ ናይ ሖሶት ከርእዩ ብኒሕ ከይፈተዉ ዝግደዱ’ውን ብቑጽሪ ውሑዳት ኣይኮኑንን። ካብቶም ናይ ገዛን በረኻን ግን ከመይ ገይርና ክንፈልዮም። ኩሎም ናይ ጥቕሚ ተገዛእቲ ክሳብ ዝኾኑ ሐደ ኢዮም። እንስሳ ተባሂልና ወይ ተጸዊዕና ኢልኩም ግና ብዙሕ ኣይትጉሃዩ። ኩላህና እንስሳ ኢና። ፈቲና ጸሊእና ደቂ ሓንቲ ማሕጸን ኤሬትራ።

ዝፈልየና ግን እንተሎ ሰብ ሕሊናን፣ ሕልና ዝጎድለናን ናይ መትከል ፍልልይ ስለ ዝኾነ፤ ቀንዲ ኣመንጎና ንዘሎ ዓይቢ ጋግ በቲ ዝርደአኩም ቃንቋ ንምግላጽ ዝጥቀመሉ ኣገላልጻ እምበር ሰብ ኣርባዕተ እግሪ ኣይኮንኩምን መብዛሕትኹም። ውሑዳት ከአ ከም ብዕራይ ምተሓረስኩም፣ ከም ላም ምተሓለብክን እንተበልኩ በተሓሳስባ ዘለኩም ድኽመት እምበር ብኽልተ እግሪ ጠጠው ኢልኩም ከምትኸዱ ንምኻሓድ ኣይኮነን። ንሰብ ሕልናን ቅኑዕ ፍትሒ ዝፈልጡን ምስቶም ዘይፈልጡን ከም እንስሳ ህይወት ብሓይሊን ዓመጽን ዝኣምኑ ከመይ ገይርካ ብሓደ ናይ ወል ስም መጸውዕታ ብሽም ክልተ እግሪ ዘለዎ ኢልካ ንኹሉ ብማዕረ ከተቐምጦም ትኽእል ዝብል ሕቶ ስለዘሸገረኒ ንምብርሁ ጥራይ’የ ዝተጠቐምኩሉ።

ነቲ ሓወይ ብዕራይ፤ ነታ ሓፍተይ ላም ከም እንስሳ ክጽውዕ ፈቲየ አይመስለንን። ግና ከአ  እንስሳ ከአ መነጻጸሪ ባህርያትኩም ከም ዝኾነ አዳዕዲዕኩም ከም ትፈልጡ ርዱእ ኮይኑ፤ ኣይ ወሪዱና ኣይኮናን ኢልኩም ናይ ግብራዊ መልሲ ከተሪኡኒ እንተኾይኑ ከአ እስኪ እቲ ደቂ ሰባት ብማዕረ ዝመሓደሩሉ ቅዋም ዓንዲ ሕጊ ብግብሪ ኣብ ኤርትራ ክሰርሕን ክትግበርን ከም ሰብ ሕልና ብግብርኹም ክትዓግቡ እንተደሊኹም ሎሚ ሕተቱ። ውጺኢቱ ከአ ንሕጊ ኣልቦ ናይ ውሑዳት ጥቕሚ ጥራይ ዝነበረ አልጊሱ፣ ንጥቕሚ ሃገርን ህዝብን ከመይ ገይሩ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ከም ዝሰርሕ ክትርእዩ ከምትኽእሉ ጥርጥር የብለይን።

ንደቂ ሰባት ግና እቲ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ጥራይ ንበይኑ ክሰርሕን ከናብሮምን ስለ ዘይክእል፣  ተወሳኺ ሕጊ ብፍልጠትን መጽናዕትን ነቲ ድሌት ሕብረተሰብ ዘዕግብ ናይ ሓባር ጥቕሚ ኣብ ግምት ኣእቲዩ ንኹሉ ብማዕረ ከመሓድር ዝኽእል ቅዋም ዓንዲ ሕጊ ብዕሊ ዝንደፍን ዝጸድቕን። ዝተነድፈን ዝጸደቐን ቅዋም ከአ ኣድላዪ እንተኾነ ይመዓራረን ይመሓሽን፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይስረሓሉ እምበር፣ ብስሩ ሞይቱ ክትብሎ ኣይከአልን። ሞይቱ ኢልካ ብሓቂ ትሓስብን  ትኣምነሉ እተኾይንካ ግና፣ እቲ በቲ ሕጊ ተጠቃሚ ንዝኾነ ህዝቢ ምቕታልን ብዛዕብኡ ዘለካ ስቱር ንዕቀት ካብ ምርግጋጽ ዘፍልዮ የብሉን።

ነዚ ዘይርድኡ ከአ እቶም ኣካል ሰብ ብምስሊ ዝኾኑ ናይ ከተማን ገጠርን እንስስታት ህግደፍ እምበር፣ እቶም ናይ ዱር በረኻ ደአ ሓሊፎሞም’ዶ ኣይኮኑን። ነቲ ሓያልን ተንኮለኛ ከም ተመን ከጥፍኦም ክመጽእ ከሎ ብዘይ ነግ ፈረግ ንህይወቶም ንምድሓን ብቕጽበት ይዘሉን፣ ብዝተኻሎም መጠን ዓይቢ ንእሽትኦም ከአ ንተጻባኢ ሓይሊ ብዕቱብ ተኸላኺሎም ናይ ምስዓር ዕድል ወላ እንተዘይ ሰለጦም፣ ነቲ ናይ ስዕረት ዕጫ ሱቕ ኢሎም ዝጽበዩ ፍጥረታት ኣይኮኑን። ካልእ መጺኡ ከድሕኖም እውን ተስፋን ትጽቢትን ገይሮም ኣይፈልጡን። ደቂ ሰባት ስለ ዘይኮኑ። ንኻልኦት ከጥፍኡ ተላኢኾም ዝዋፈሩ ፍጡራት ኣይኮኑን። ስለዚ ንሳቶም ካብቶም ዕሱባት ህግደፍ ንላዕሊ ሕልና ዘለዎም ፍጡራን ኢዮም።

ሐደ ሐደ ጊዜ ኣብ እንስሳታት እቲ ስዕረት ፍሉጥን ናይ ሓይሊ ሚዛን ከአ ዘይመጣጠን ወላ እንተኾነ፣ ብናይ ተፈጥሮ ባህራዊ ሕጊ ጻዕዳ ጨርቂ ምልዓልን ምምራኽን ስለይብሎም ከም ደቂ ሰባት፣ ውጺኢቱ ብዘየገድስ ክሳብ መውዳእታ እንዳ ተኸላኸሉን መስሎኺን መህደሚን እንዳ ረኣዩ ሓይሎም ክሳብ ትጽንቀቅ ይዋደቑ። እዚ ከአ ትዕበ ትንኣስ ከም ዓቕሞም ክንደይ ነፍሰ ምትእምማን ኣብ ባዕሎም ከም ዘለዎም የረጋግጽ። ህግደፍ ግን ንህዝቢ ብመገዲ ረሳሕ ስለያዊ መሓውሩ ተጠቒሙ ኣብ ነንሕድሕዱ ከይተኣማመን ጥራይ ኣይኮነን ዝገበሮ። ካብ ላዕለዎት ካድሬታቱ ጀሚሩ ክሳብ ታሕቶት ንህዝቢ ወሲኹ ብናይ ባዕላቶም ጽላለት ከይተረፈ ክእርእዩ ከልዉ ዝድንብሩ ዝሽቑረሩን እንስሳ ገይርዎም ከም ድላዩ ደቂሱ ይሓድር አሎ።

ሓቀኛ ደቂ ሰባት ግን ፍልይ ዝበለ ብልጫ ስለ ዘለዎም፣ ኣብ ጊዜ ሽግር ነቲ ሕጊ ናይ ሓባር ተጠቒሞም ንሓያልን ዓማጽን ግፍዐኛ ብሕብረት ክምክትዎ ይኽእሉ። እንተኾነ ብምርጫኻ ነቲ ናይ ሓባር መከላኸሊ ሕጊ ነጺግካ ከም እንስሳ ብውልቂ ይኹን ብብዝሒ ንውልቀ መላኺ ዲክታተር ክትሰግድ ብበለጽ እንተመሪጽካ፥ እቲ ሳዕቤን ናትካ ጉድኣት ጥራይ ከይኮነ ናይ ካልኦት ጉድኣት ስለ ዘስዕብ፣ ካብቲ ዓማጺን ገፋዒን ግብርኻ ተፍልዩ ኣይረኣይን ኢዩ። ምኽንያቱ መሳርሒ ገባትን ጨፍላቕን ምኻን ካብቲ ግፍዐኛ ዝፈልየካ እንተሎ ሕልናኻ ንበለጽ ምሻጥ ክኸውን እንከሎ፥ እቲ ውልቀ መላኺ ግን ብናቱ ድሌትን ዋኒኑ ተጠቒሙ ነቲ ዘገልገሎ ዕሱብ ጊዝኡ ምስ በጽሐ ናይ ምድርባይ ሓይሉ ከረጋግጽ ሽግር የብሉን።

እቲ ውሳነ ዲክታተር ከአ ናህና ወይ ናተይ ኢልካ ክትዛረብ ቀሊል ወላ ይኹን እምበር፣ ኣብቲ ዝውሰን ውሳነ ምንም ዓይነት ምርጫ ኮነ ጊደ ስለ ዘይህልወካ፣ ካብቶም እንስሳ ብዘይ ምርጫ ዝነብሩ ዘፍልይ የብልካን። ስኣን መንነትካ ምፍላጥ ግን ይፍለ ክትብል እንተመረጽካ ነብስኻ ምትላል እምበር፣ ከም ሰብ መጠን መሰልካ ተጠቒምካ ዝገበርካዮ ውሳነ ክሳብ ዘየለ፣ እመነኒ፥ ንስኻም ንሳቶም(እንስሳ) ኢኻ። እንተዘይኮነ ካብቶም ነፍሶም ዝፈትዩን ብኻልኦት ወጸዓን ሽግርን ንብረትን ሃብትን ብደም ውጹዓት ከኻዕብቱ ዝመረጹ፣ ብስልጣን ጨፍለቕትን ዓመጽትን ዕድሚኦም ንምንዋሕ ናይ ጥቕሚ ዕሱብ ስለዝኾንካ ከተመኻኒ ጊዜ ኣይተጥፍእ። ውልቀ መላኺ ብዘይ ተበለጽትን ድሑራትን ክነብር ስለ ዘይክእል ናይ ምንባሩ ጊዛዊን ዕለታውን ውሕስና ክሳብ ብመዓልቱ ትቕየሩ ብኻልኦት ኣገልገልቲ ተድልይዎ ስለዝኾነ፣ ክሳድኩም ኣብ መሸንቆቓ ኣትዩ ትጉተቱ ከም ዘለኹም ጥራይ ኣይትዘንግዑ። ናይ ምውታት ህልዋት ምኻንኩም ከአ ከይኣሓጎሰኩም ኣይተርፍን ይኸውን። ምኽንያቱም ካብቶም ምውታን ንብሎም ንላዕሊ ብእካል ትንቀሳቀሱ፥ ብሕልና ሞይትኩም ስለ ዘለኹም ጥራይ ኢዩ።

ስስዐን ጭካነን ዝወለዶ ስቱር ህርፋን ንስልጣን ደቂ ሰባት ብውልቂ ኮነ ብጉጅለ ዓብሊልካ ናይ ምቁጽጻሩ ዘሕድረሎም ገባታዊ ባህሪ ንምርዋይ ናብ ዓመጽን መገዲ ግፍዒ ከምርሖም ይግደዱ። ነቲ ተፈጥራዊ ሕጊ ኮነ ነቲ ሰብ ዘጽደቆ ሕጊ ረጊጾም ናብ ጥቕሞምን ድሌቶምን ዝውዕል ናይ ውልቀ መልኺ ስርዓት ሕጊ ኣልቦ ክኽተሉ ይመርጹ። ሰዓብቶም ከአ ብዕሙት ዓይኒን፤ ጸማም እዝኒን፤ ነቲ ግሁድ ዕርቃኑ ቅርዓት ዝወጽአ ግፍዓዊ ምምሕዳር ብዘይ ሕጊ ንጹሃን ህዝብን፣ ከም ህግደፍ እንስሳታቱን ዝረግጸሉ ንምድልዳልን፣ ካብ ሕላፊነትን ብሕጊ ተሓታትነትን ንምክልኻል ዝጥቀመሉ ናይ ፕሮፓጋንዳ መናፍሕ አለዎ።

ሐደ ካብቲ ኣዝዩ ዝጥቀመሉ ጎስጋስ ሜላ ከአ ንደገፍቱን ሰዓብቱን ከም ሕጋውን ምዕቡልን ሃገር ገይሮም ንኹሉ ዓለም ብኽሕደትን ብሓሶትን ዝተላዕጠጠ ምስክርነት ከቅርቡ ዘተባብዕ ዝተዋህቦም ትእዛዝ ናይ ቀረባ እዋን ኣብነት ክግለጽ ይከአል። ኣባላትን ደገፍቱን ከአ ካብ መወዳእታ ወርሒ 2015 ክሳብ መፋረቕ መጀምርያ ወርሒ 2016 ዝተዋህቦም ህጹጽ ትእዛዝ ብጽሑፍ ከፈጽሙ ክጋየዩ ቀንዮም።

እዚ ብህግደፍ ዝተዘርገሐ ምስጥራዊ ሰነድ ንጎስጋስ ክልተ ዓበይቲ ዕላማ ክወቅዕ ብዕቱብ መጽንዓትን መደብን ሒዙ ዝተዳለወ ምኻኑ ክንዝንግዕ የብልናን።

1ይ ዕላማ፥

ነቲ ብሕቡራት መንግስቲ ዝቖመ መርማሪ ኮምሽን ንግህሰት መሰል ኤርትራውያን ኣጽኒዑ፥ ብመንግስትን ኣካል መንግስቲ ብዝኾኑ ግለሰባት ኣብ ዜጋታቶም ዘብጽሕዎ በደልን ዓመጽን ዘይሕጋዊ ጥራይ ከይኮነ፤ ዘይሰብኣዊ ሕሉፍ ገበን ከምዝህልዎ ዘረድእን ዘቕረቦን ጸብጻብ ንምቅዋም፤ ብመሰረቱ ካብ ሓቂ ወጻኢ ንምኽሓዱ ንዝግበር ናይ ተቛውሞ ጎስጋስ ከም መምርሒ ከገልግል ዝተዳለወ ናይ ህግደፍ ፕሮፖጋንዳ ፈነወ ሰነድ’ዩ።

2ይ ዕላማ፥

ኣገዳሲ ካብቲ ናይ ቀዳምይ ዕላማ ንላዕሊ ክትኮረሉ ዘድልዮ ኢዩ። ምክንያቱም መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ኣብ ኣውረፓውያን ተፈጢሩ ዝርከብ ቅልውላው ዋሕዚ ዕቑባተኛታት ንምዕጋት ዝተፈጥረ ወጥሪ መዝሚዙ ናብ ጥቕሙ ንምውዓል፤ ኤርትራ ኮነ መንግስታ ሰላም ዝሰፈኖ ሃገር፤ ቅሳነት ዝመልኦ ብሕጊ ዝመሓደር መንግስቲ ከምዝኾነ ገይሩ ንገበርቲ ሰናይ ኮነ ንሕቡራት ኢሮፓውያን ከእምንን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክግበረሉን ከም መእመኒ ሰነድ ገይሩ ዝኣለሞ ሽርሒ ኢዩ። ኤሬትራውያን ኣብ ሃግሮም ብዘይካ ናይ ኢኮኖሚ ሽግር ካልእ ፖለቲካዊ ሽግር የብሎምን። ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ኤርትራውያን  ተመሊሶም ዘጋጥሞም ሽግር የለን። ኣብ ኤርትራ ናይ ፖለቲካ ሽግር ከምዘየለን፣ እቲ ቁጠባዊ ሓገዝ እንተ ገይርኩምልና እቲ ዋሕዚ ዕቑበኛታት ከአ ጠጠው ከብሎዎ ከምዝኽእሉ ከእምንዎም ዝህብዎ ናይ ሓሶት መብጽዓ ንምሽፋን ዝተዳለወ ናይ ዲፕሎማሳዊ ፕሮፓጋንዳ ሰነድ ኢዩ።

እስኪ ትሕዝቶ ምስጥራዊ ጽሑፍ ሐደ ብሐደ ብምንጽጻር ሓቅን ሓሶትን ካብ ክውን ኩነታት ተበጊስና ነቲ ካብ ላዕሎዎት መራሕቲ ህግደፍ ዝተዘርግሐ ናይ ፕሮፓጋንዳ ፈነወ ንመርምሮ።

እቲ ብመርማሪት ኮምሽን ዝቐረበ ጸብጻብ ን99.9% ኤርትራውያን ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ዘየሳተፈ ብምኻኑ ብቑዕ ሐበሬታ የብሉን። ብፍላይ ከአ ናይ ሐደ ወገን(ኣካል) ውሑዳት ክፍሊ ኢዩ ዝውክል ይብሉ።

– እታ ኮምሽን ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ከይትኣቱን ዑደት ናይ ምስ ህዝቢ ኮነ ናይ ካልእ ርኽክብ ንስርሓ ዝሕግዝ መጽናዕቲ ከይትገብር ብመንግስቲ ኤርትራ እንተተኸልኪላ ደአ እንታይ ካልእ ኣማራጺ ክህልያ ይሕሰብ። ብሓቂ እታ ኮምሽን ዕድል ረኺባ ኣብ ባይታ ነቶም ዝተበደሉ መንእስያት፤ ኣብ ሳዋን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ረኺባ ኣዛሪባቶም እንተዝኾውን ነይሩ፣ ነቶም ብዘይ ፍርድን ክስን ኣፈቖዶ ጎዳጉድ ዝሓቁ ዘለዉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ዓመታት ዘቑጸሩ ረኺቦም እንተዘዛርብዎም ወይ ከአ ብዝተሓተ ንስድርኦም ብቐጥታ ክረኽቡዎም ዝከአል እንተዝኸውን ነይሩ፣ ብሓቂ እዚ ረሳሕ ምስጥራዊ ሰነድ ምዝርጋሕ ኮነ ብመሰረቱ ናይቲ መርማሪት ኮምሽን ብሑቡራት መንግስቲ ምቓም’ውን ፈጺሙ ኣየድለየን። ምኽንያቱም ኣብ ነጻ ዝኾናን ብሕጊ ዝመሓደራን ዓድታት ኣድላዪ ኣይኮነን።

እንታይ ደአ፣ ህግደፍ ነቶም ቀንዲ ግዳይ እኩይ ግብሩ ሓቢኡን፣ ንሓቂ ደቑሱ ብሓሶውትን ጠለምትን ህዝቦም ዝኾኑ ዕሱባት ተበለጽቲ ተጠቒሙ ናይ ምድንጋር ፖሊትካኡ ክጥቀም እቲ ዝቐለለ ኮይኑ ስለዝረኸቦ ኢዩ። ቀዳማይ ነገር እቶም ኣብ ክፉት ቁስሊ ሐቀኛ ውጹዓትን ዝተበደሉ ኤርትራውያን ዜጋታትን፣ ቤተስቦምን ዜጋታት፣ ጨው ዝንስንሱን ኣብ ልዕሊ እቲ ቁስሊ ወይ ብዕንጨይቲ ዝፍርፍዑ ልእኻት ህግደፍ’ሲ እንታይ ዓይነት ናይ ሰብ ኣተሓሳስባ ክህልዮም ኢልካ ትጽበዮም። ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ ካብ እንስሳም ዝተሓተ ደረጃ ዝወረዱ ጥራይ ክኾኑ አለዎም። ንኣብነት፣ ነቲ ብኣካል ዝተበደለ/ት ዝወዓለን/ትን ሓሊፉ ተሪፉስ ኣብቲ ገበን ዝተፈጸመሉ እዋንን ቦታን ዝነበረ መንእሰይ ናይ ሓቂ ምዝራብ መሰል ነጺጎም፤ ብሓሶትን ዘይውዓልዎን ዘይተሳተፉዎን ምስክርነት ክህቡን ኣይተበደልካን ወይ ግፍዒ ኣየውረደካን ክብሉስ ከመይ ይደፍሩ?።

ኣብ ሳዋ ወይ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብሓለፍተን ዝተገፍዓን ዝተዓመጻን ደቂ ንስትዮ እሕዋተን ከመይ ደፊረን ኢየን ብሓሶት ኣይተዓመጽክን ወይ ዓመጽ የለን ኢለን ዝምስክራ። ህዝብናሲ ናብ እንስሳነት ተቐይሩ ዘብለና ዘሎ ከአ እዚን ከምዚ ከምዝን ተደማሚሩ ኢዩ።

እዞም ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ዝህቡ ከአ ኣብ ሳዋ ኮነ ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዘይተሳተፉን ካብ ሃገር ኤርትራ ሪሒቖም ንነዊሕ ዓመታት ዝነብሩ ዝነብሩ ሰባትሲ ብኸመይ ተአምር ኢዮም ሎሚ ብዛዕባ ኣብ ሳዋን ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዝተገብረ ግፍዕን ዓመጽን ክዛረቡ ዝኽእሉ ዘለው እንተበልካ ክልተ’ዩ መልሱ። ቀዳማይ ስስዐ ዘንቀሎ ክኸውን ከሎ ካልኣይ መሃይምነት ዘበገሶ ድሑር ኣተሓሳስባ’ዩ። ብቅንዕና ነቲ ሓቂ ክትፈልጡ እንተደለኹም ብዛዕባ ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝተዘርግሐ ምስጥራዊ ጎስጋስ ህግደፍ ኣንጻር መርማሪት ኮምሽን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ኔት (Meskerem.Net) ወጺኡ ነይሩ። ኣብቲ ናይ ህግደፍ ፕሮፓጋንዳ workshop ዝተዘርግሐ ቪድዮ (Video Clips) መብዛሕትኦም ተሳተፍቲ ኣረግቶት ኣብ ጥሮታ ዘለውን ንጥሮታ ዝተቓረቡን ክበዝሑ ከለው፣ ካብ ኩሎም ዝወሓዱ መኣኸላይ ዕድመ ኢዮም።

ነቲ ስእልታት ረኣይዎ። ባዕልኻትኩም ክትፈርዱ ትኽእሉ ኢኹም። እዚኦምን ከምዚኦምን ከአ ኢዮም ነታ ዘይነብሩላ ዓድን ዘይቕመጡላ መረባዕ ገዛ ክብሉ ብዕድመ መንእሰያት ዝጣልዑ ዘለዉ። ኤርትራውያን ብዙሕ ዘሕብን ሙያን ታሪኽን ዘለና ህዝቢ ከለና ግና ብሰንኪ ውሑዳትን፣ ምምሕዳር ኣልቦ ሕግን ዝወለዶ ኣረሜናዊ ግዝኣት ህግደፍ ህዝብና ክበታተንን ከም ጨው ፈቐዶ ባሕርን ምድረ በዳን ክሓቅቕ ንዕዘቦ አለና። እቲ ህግደፍ ከይተከኦ ዝነበረ ሰውራ ዝጭርሖ ዝነበረ መፈክር – “ብቐጻሊ ቀዋሚ ምሕዝነት የለን፣ ቀዋሚ ጥቕሚ እምበር” ዝብል ዝነበረ ሕጂ ብግብሪ እቲ ናይ ቀደም ትምኒቱ የተግብር አሎ። ንስልጣን ጥቕሙ ንምዕቃብ ህዝብና ይበታተንን ይጸንትን፣ ሃገርና ብኢድ ወነኒ ይቆራርማን ይሽንሽናን አሎ ከም ናይ ኣድኡ ዝሰንከትሉ ሕንባሻ። ንሕና ኤርትራውያን መኣስ ኢና ከም ህዝቢ ንናይ ሓባር ጥቕምናን መሰልናን ፈሊጥና ከነኽብር ብሕብረት ኣንጻር ውልቀ መላኺ ንትንስእን ንበራበርን ኣይርድኣንን አሎ። ዋጋ ከይንኸፍል እንተኾይኑ እቲ ቀንዲ ፍርህና፣ እመኑኒ ዊዒሉ ሓዲሩ ብዓይብኡ ኣይክተርፈናን ኢዩ ክሳብ ብዕሊ ብሕጊ ንመሓደር ከም ህዝብን ሃገርን። ሕጂ’ውን ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ንኸፍሎ አለና። ብእዋኑ ገዛኻ ምጽፋፍ ይምረጽ።

ህይወት”

ህይወት ምስ ዝስሕቁ ትስሕቕ

ምስ ዝጉህዩ ትሓዝን ትሓርቕ

ምስ ውጹዓት ትቃለስ ትጭነቕ

ብኣረሜናት ትጭፍለቕ ትሓቅቕ

ዝመጽኣ ትቕበል ብተፈጥሮ

ውልድ ምስ በልካ ትመሃሮ

ይመስለና ነይሩ ብግርህና

ኩሎም ዝስሕቁ ኣሕዋትና

ብየዋህነት ክንጽውዖም ብጾትና

ብድሕሪት ከምትውጋእ ዘንጊዕና

ክሳብ ዝበጽሕ ኣብ ባዕልና

ሓቢርና ንጋዓዝ ተዓሽና

ቀታልን ተቐታልን ተሓቛቑፍና።

 

ህይወት ንህይወት መቐረቱ

ኣብ ንቡር ቅቡል መሰረቱ

ዝተኣሳሰረ ሰንሰለት ሀብቱ

ዝነበረን ዘሎን ካብ ጥንቱ

ንዓል መን ይኾኑ በተኽቱ?

ሕግደፍ’ዶ? ኣኽላባት ሰዓብቱ?

ንህይወት ዘይፈልጥዋ ዝነብሩ ንኸንቱ

አለና እንዳበሉ ብጠጠዎም ዝሞቱ።

 

ህይወት ካብ ተፈጥሮ መንገዲ

ተገዲዳ ምስ ወጽአት ብግዲ

ክትሓዝል ንሐዘን ንስቓይ ከይደለት

ብሓይሊ ብኻልኦት ግፍዒ ምስ ተጻዕነት

ብሓሶትን ስርቅን ብጥልመት ዝተሸመት

በዚሑ ምስ መረረ ምስ ጠዓመት ሓሬት

ህይወት ትስእን ናይ ምንባር መቐረት

ብህግደፍ ቋንቃ ግን ይመስሎም ዝማዕበለት

ብልጽግና ፍትሒ ተቐቢሩ ማዕርነት።

 

ህይወት ኣብ ምንባርን ዘይምንባርን

ተገዲዳ ኣብ ሕቶ ምስ ኣተወት

ካብ ናይ ሓጎስ ውልዶ ዕሸልነት

ናብ ምፍርዛን ምልባም ቁልዕነት

ናብ ጉብዝና ማእኸል መፈተኒት

ትሰግር ከም ዋዛ ከይሓሰበት

ናብ ስድራ ምስካም ሓላፊነት

ናብ እርግና መኻሪ ሽምግልነት

እንተ ተጋዒዛ ብሰላም ከይተኾልፈት

ሃብታም ድኻ ብማዕረ ከይበለት

ህይወት ይህልዋ ትርጉም ህይወት

ብዓቕማ ተሓጉሳ ብፍቕሪ ብምሕዝነት

ህይወት ተኸቢራ ህይወት ምስ ፈጠረት

ህይወት ዝሃብካያ ተጽንሕ ከይጠለመት።

 

ነዚ ኩሉ ጉዕዞ ሓቀኛ ህይወት

መንዚዖም ካብ ውጹዓት ብዘይድሌት

ሰላም ቅሳነት ነፊጎም ንቁንዓት

ብኣካል ከይኣክል ብኣእምሮ ባርነት

ህግደፍ ፈጢሮም ጭፍራ ግህሰት

ንቕሉዕ ባርነት ዝጽውዑ ማዕርነት

ኣሕዋቶም ተውጺዖም ዝብሉ ሓሶት

ወጸዓ ህዝቦም ተሳኢንዎ ደረት

ንስዕረት ካብ መሰሎም ዓወት

ንሕናን ንነብር ብዘይ ክብረት

ንሳቶም ይሕጎሱ ብዜጌታቶም ውርደት

ህዝቦም ይሳቐ ብዕለታዊ ህልቀት

ኣብ ክልተ ዓለም ብዝነብሩ ስሱዓት

ቅንዕና ተጠውዩ ብሓሶት ብጥልመት

ኤርትራዊ ዜጋ ተበታቲኑ ንስደት።

 

ሰለሞን ብርሃነ ሠንጋል

“ሕልና – 01/18/2016”

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
2 COMMENTS
  • meretse June 20, 2018

    I like your comparison those goofy hgdef members with animals. It is worth reading.

    • k.tewolde June 20, 2018

      ‘ውሑዳት ከአ ከም ብዕራይ ምተሓረስኩም፣ ከም ላም ምተሓለብክን እንተበልኩ በተሓሳስባ ዘለኩም ድኽመት እምበር ብኽልተ እግሪ ጠጠው ኢልኩም ከምትኸዱ ንምኻሓድ ኣይኮነን።’……..Mr. Solomon expresses his observation apologetically. meretse you mean like this one in quotations.Let me tell you honestly,this has nothing to do with education.

POST A COMMENT