Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፋውያን ጉዶም ፈሊሑ – ካብ ዝድግፎም ዝቛወም በዚሑ

  ህግደፋውያን ጉዶም ፈሊሑ ካብ ዝድግፎም ዝቛወም በዚሑ Tesfamariam W/Giorgis 05/07/2014 Norway ኣንታ ናይ ሎም ዘመንሲ ንበይናያ ከካብ ዘላቶ ተኣኪባ ፍትሒ ደልያ ተቓውሞ ከርኢ ኣብ ቦሎኛ ኢታልያ ዓገብ ሬሳ ረጊጽክን ክብለን ንዝላሃያ   ኣውራ ዘሐጎስና ዘሎ ናይ ሎም ዘመን ዓበይቲ ዓዲ ዝተኻፈሉ ምስ ሙሁራን ተበራቢሮም ህዝብን ሃገርን

 

ህግደፋውያን ጉዶም ፈሊሑ

ካብ ዝድግፎም ዝቛወም በዚሑ

Tesfamariam W/Giorgis

05/07/2014 Norway

ኣንታ ናይ ሎም ዘመንሲ ንበይናያ

ከካብ ዘላቶ ተኣኪባ ፍትሒ ደልያ

ተቓውሞ ከርኢ ኣብ ቦሎኛ ኢታልያ

ዓገብ ሬሳ ረጊጽክን ክብለን ንዝላሃያ

 

ኣውራ ዘሐጎስና ዘሎ ናይ ሎም ዘመን

ዓበይቲ ዓዲ ዝተኻፈሉ ምስ ሙሁራን

ተበራቢሮም ህዝብን ሃገርን ንምድሓን

እዚ ምልክት ውድቀትዩ ንህግደፋውያን

 

ብድያቆናት በቕሽሽቲ ብሸኻት ተዓጂቡ

ህዝቢ ጥልያን ናይ ሕልና ደገፉ ኣቕሪቡ

ናይ ላምፓዱሳ ቅዝፈት ነዊሕዩ ሰበቡ

ንዘለና ከይኣክልስ ስውእ እውን ኣዛሪቡ

 

ዝወዓለ ይንገርካ ሓቀኛታት መሳኻኽር

ኣቃሊዖሙልና ንህግደፍ ግብረ መንክር

ደም ሰብ ከይስተየ ደቂሱ ከምዘይሐድር

ኣስራተ ካሳ CIAን ዝለኣኹዎ ከተግብር

 

ብኹሉ መዳያት ፈቲኑ ምኳን ምስ ኣበዮ

ድሕሪት ተመሊሱ ናይ40 ዓመት ተረኣዮ

ዝግሕጦ ዝነበረ ገንዘብ ገርሂ ልቡ ዝወፈዮ

ሓቂ መሲሉዎ ምቁር መልሐስ ጌሩ ዘጋገዮ

 

ሕጂ ገደደ እንተ ብገርሂ እንተ ብፍላጥ

አብ ሃገርና ኮይኑ ብሓንጎሎም ዝሽቅጥ

ሙሁራት ኢና ዝብሉ ዘይረብሑ ገሳርጥ

ሓንጎሎም ሰሪቑ ዘብሎም ዘሎ ፈጥፈጥ

 

እንቋዕ ከማኹም ኣይኮና ድኹማት ሕልና

ካብ መላእ ዓለም ታኣኪቡ ቆራጽ ህዝብና

ዕድመ ህግደፍ ከሕጽር ክጉሕፎ ካብ ዓድና

ትሕቲ ቁጽጽሩ ገይሩዋ ቀንዩ ከተማ ቦሎኛ

 

ራዕ ራዕ ኢሉ ሰንቢዱ ዓማጺ ስርዓት

ከምቀደም መሲሉዎ ተጸቢዩ ጣቒዒት

ጪር ተበለ ተለፎን ቦሎኛ ኣብ ህውከት

ሃንደበት ወሪዱዎ ኣደራዕ ዑቑር መዓት

 

ህግደፍ ምስ ረአዩ ኣብ ሓደ ሰሚርና

ፍትሒ ብዝብሉ ተኸቢባ ከተማ ቦሎኛ

ኣብ ዘብሎ ጨነቖ ህግደፋዊ ዓመጸኛ

ክበርሃሎም ጀመረ ከምንዕወት ንሕና

 

ብሰንኪ ህግደፍ ንቡዙሕ ዓመታት ነቢዐ

ሕጂ ግን በዞም ጀጋኑ መንእሰያት ኮሪዐ

እዝጊ ዝጸልኣሉ ምስ ቀንጻሊ ዝተሰርዐ

ኣገናዕ ኣገናዕ ክቃለስየ ምሳኹም ተጸጊዐ

 

ህዝባዊ ናዕቢ እንተተላዒሉ ብቖራጽነት

ብቐሊል የውድቖ ንጸረ ሓቂ ጸረ ናጽነት

ኣብ ቀረባ ግዜ ናይ ግድንዩ ከም ንዕወት

ወይለኻ ጠላም መጣቕዒ ደጋፊ ስርዓት

 

ዝሕልሕል ቦሎኛ ዓማዊላ ጠፊኦም

ብዘይካ ዛህሮም ዘጥፍኡ  ዝጸሞዎም

ሃጠውቀጠው ንኽሰምዑ መቃነይቶም

ንኽሕክዩላ ምስ ገልጣማት ከምኣቶም

ጨካናት ሬሳ ደቅኽን ረገጽክን ትዕለላ

ኣብ ክንዲ ትሓዝናሎም ክንዲ ትምህለላ

ህዝቢ እናነብዐ ሓዘኑ ከይዓጸወስ ጓይላ

ይኣክል ህግደፍ ቻው መዓልቱ ኣኺላ

ነውራማት ብዕሉጋት ሰዓብቲ ህግደፍ

ቀሪባያ ግዜኹም ክትድርበዩ ከም ጎሓፍ

ሪኢና ብቲቪ ሕፍረትኩም ክመሓላለፍ

መቃነዪ እንተኾኖ ውድቀቱ ንዘይተርፍ

በሎኛ ቀደም ሪኢኻ ሎሚ ክትሪኦ ከለኻ

ሕጂ ክትሪኣ እሳድያ ኣይንሳን እዩ ዘብለካ

ብዘይካ ፎኮስቲ ምዕሩጋት ኣይትርእንኒኻ

ነዞም ዘይረብሑ ክጥብር ጥራዩ ዓቕምኻ

ደቃ ላምፓዱሳ ዝዋሓጦም ተደርሚማ

ጨካን ህግደፋዊት ኣደ ትስዕስ ተሸሊማ

ወርቅን ቁኖኣን ከተርኢ ሕልና ሑርማ

እዚኣስ ኣደና ኣይትኹን ነውራም ዝስማ

ክብረት ይሃብኩም

ክምስገኑ ዝግባኦም ቱጉሃት ኣሕዋትና

ደኺምና ከይበሉ ነሽሓት ዘአንገዱና

ሚላኖን ከባቢኣን ኣውራውን ንቦሎኛ

ብዘለኹሞ ሰላም ይሃብኩም ንዓመታ

ዓድና

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

aseye.asena@gmail.com

Review overview
13 COMMENTS
  • Fikre July 8, 2014

    ተዓወት ዝሓወይ! ይበል ስራሕ። ኣጆኻ ክንዕወት ኢና።
    ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

  • Kentiba July 8, 2014

    what is GUDOM FELIHU?

    • Saba July 8, 2014

      “Gudom felihu” means that they are in trouble.

  • ERITRAWIT July 8, 2014

    Very nice poem keep it up Brother!!!!!!!!!! Gerewrew endeya ela. eten abew znebera anstey chefleka tetserhen hantey sbekteen werzeyten aymterekebetene-n elfey sekaramat.

  • We July 8, 2014

    ጉዶም ፈሊሑ ዝበሃል ትግርኛ የለን።
    ካብ ኣምሓርኛ ከምዝጥዕመካ ጌርኩም ስንዕ ስንዕ ኣቢልኩም ቋንቋና ኣይተባላሽዉ።

    • Saba July 8, 2014

      “ጉዶም ፈሊሑ” ጽሩይ ትግርኛ እዩ፤ “ኣብ ዓቢ ሽግር ኣቲዮም” ማለት እዩ።

      • We July 8, 2014

        ሳባ ሽኮር እመንኒ ጉድ ፈሊሑ ዝብሃል ትግርኛ የለን።
        ኣብ ከባቢኺ ዘለዉ ሓበሻ ሕተቲ።
        ካብ ኣምሓርኛ ቃል ንቓሉ አንዳተርጎሙ ትግርኛ የባላሽዉ ኣለዉ።

  • habte K. July 9, 2014

    YIBEL GHITMI!!!
    Bravo, Bravo, Bravo!!!!

    Note:
    Once again, “ጉዶም ፈሊሑ” ጽሩይ ትግርኛ እዩ፤ “ኣብ ዓቢ ሽግር ኣቲዮም” ማለት እዩ።
    Regardless of your intention, if the message is conveyed that is good enough!!!
    We are not in a grammar school here, he is conveying a message and the message is well understood regardless!!!
    Don’t try to take us out of the message to your grammar class!!!!

  • rafu July 9, 2014

    It is pure tigrigna.But why do you worry about the language rather than your country?Please brother s let’s focus on point of talking.

  • Barantu July 10, 2014

    “Gudom Felihu” it is Tigray Tigrigna. and it well spoken in eritrea border with ethiopia too. clear

  • Semhar July 10, 2014

    Thank you Tesfamariam W/Giorgis,

    It is TIME for all of us, Eritrean freedom fighters to raise only one flag,
    OUR LIBERATION FLAG!

    Tesfamariam W/Giorgis, did you see OUR LIBERATION FLAG in HIGDEF’S camp?
    NO, NO.
    You can see only ISAYAS’s FLAG!

    Tesfamariam, you can only see two flags made by the tyrant Isayas! {Before and after Independence}
    These two flags were made by Isayas, they belong to the tyrant ISAYAS, 
and represent the dictator Isayas and his blind followers HIGDEF!

    Tesfamariam W/Giorgis, the only way to victory is to untie all our nationalities, our original provinces and raise our original flag, (SEMAYAWIT BANDERANA).

    We did it in our struggle for independence and we succeeded.
    We will do it again!
    Our victory is certain!

  • tezare July 10, 2014

    kulen abagi agame belian belian niaden eyen

  • tezare July 10, 2014

    hidma dia kedem eyu neru lomi ay konen
    30 amet wun kinkales kelena biret eyom gedifom zihadmu nerom bikemzis ay tidenek eka

POST A COMMENT