Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍን ሲ.ኣይ.ኤን

ነገር ለውጥን ዓቀላላዕን ዘምጽኦ እንድዩ፡ እዚ መዕለበጢ ግዜ ከይወሓጠና ኣይተረፈን።። ሰሚዕኩሞ ከምእትኾኑ ሎሚ ቅነ ኣብ ኣስመራ ናይ ይምሰል ማእሰርቲ ናይ ገለገለ ኣብዛ ከተማና ኮይኖም መናገፊ ህይወት ናይ ኣብ ሲና ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ገንዘብ ክቕበሉ ዝጸንሑ ካድረታት

ነገር ለውጥን ዓቀላላዕን ዘምጽኦ እንድዩ፡ እዚ መዕለበጢ ግዜ ከይወሓጠና ኣይተረፈን።። ሰሚዕኩሞ ከምእትኾኑ ሎሚ ቅነ ኣብ ኣስመራ ናይ ይምሰል ማእሰርቲ ናይ ገለገለ ኣብዛ ከተማና ኮይኖም መናገፊ ህይወት ናይ ኣብ ሲና ዝተታሕዙ ኤርትራውያን ገንዘብ ክቕበሉ ዝጸንሑ ካድረታት ህግደፍ ከምእተኻየደ፡፡ ብፍላይ ከኣ ኣተሓሕዛ ናይቲ ጉዳይን መግለጺ መንግስትናን ኣስደሚምና ኢዩ ቀንዩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ’ውን  በተን ዝተራእያ ማሽነሪ ልቡ ዝተሰፈጠ ዓርክና ምሒር ተተስፍዩ ንመንግስቱ ዕድመን ጥዕናን ክምነ እንከሎ፡ ዘረባኡ ቅጭ ዘምጽኣሉ ብጻይና ድማ ገጹ ጠውዩ ክታረኾ ጀመረ።ተራ ኩባንያ ብእትገብሮ “ ኣብ ልምዓት ኢና ዘለና“ ዝብል ፕረፖጋንዳ ተደሪኹ ክንድኡ ካብተደበሰ፡ ነታ “ወርቂ“ ትበሃል’ውን ከይጠቕሰሉ ኢሉ ኢዩ። ብጠመትኡ ሃብቲ ህግደፍ ብሓቂ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይምዃኑ ከእምን ኣይጽገምን። እቲ ሰልፊ ብእገሪ ተኽሉ ነቲ ሽዑ ዝቖመ ስማዊ መንግስቲ ዕዳን ዕንዲዳን ምግባሩ ከምሓደ ጭብጢ ኢዩ ዘቕርቦ። ኣብ ግዜ ምንስሓብ ዳግማይ ዂናት፡ዶላራት ዝዓቀበት ኮንተይነር ህግደፍ፡ ካብ ቁጽጽር ሚኒስትሪ ፋይናንስ ከምእተሰወረት’ውን ይጠቅስ። እምበርከ፡ብዓንተቦኡ’ውን እኾ ስልጣኑ ተጠቒሙ ገንዘብ ህዝቢ ዝመንዝዐ ዓመጸኛ ንብረቱ ንዋያ ክጠፍእ እንተዘይኮይኑ ካብ መዓስ ናብ ዋናታቱ ተመሊሱ ይፈልጥ? ዝኾነ ኮይኑ ክሳብ ተቖራሚምና እንጠፍእ ኣየሰኣእነና ’ምበር ዓርከይ ሰመረ ምስ ሕልናኡ ኣብ ዝታረኸሉ እዋን ናባና ስለዝጎይ ኣይጽምወናን ኢዩ። ሎሚ ሎሚ’ዃ መጸይቲ እዝኒ በዚሖም እምበር ሻቕሎት ምስዘጋጥም ተተሓሒዝና ናብ ቦታ መዘናገዒ ኢና ንጓየ። ዓርከይ ድማ ብፍላይ ንነብሱ ገለ ምስ ነሰዓ ጥዑም ኢዩ!! ሽዑ ሓሓቑ ኢዩ ቦሎኽ ቦሎኽ ዘብሎ ከይንፍዳሕ ድኣ እምበር ጣውላ እናሃረመ “ጎብየ“!! ክብል እንተጀሚሩ ወለላ ምሸት ኢያ። ብሕሹኽታ ይነግረኩም እንተኣልየ ጎብየ ሳጓ መራሒና ኢና እንጥቀመላ። ጎብየ እንተነኺሱ ምሕረት ኣይፈልጥን ኢዩ!!በሉ ኣብዛ ቀዳም ምሸት ኣደሳሳቕ ጣውላ ከይተጀመረ ንብጾተይ ምስ ዕላል እገዳን ጠንቅታቱን ሓዲገዮም ንድሕሪት ነፈጽኩልኩም።

ዘይትርስዓኒ ቢራ ወይዘሮ ሜሎቲ ደስኪሉ ቀንዩ ከተማ ምስተዛወረ፡ ሃንቅሃንቓ ጌርናዮ ከየድለወና ከኣ ክድስክል ስለዝኾነ ብድሎ ጣውላና ከበብናያ’ሞ ንሱ ባራኽ መኣዲ እናመሰለ ቀዲምና ምዑግ ምዑግ ኣቢሉ ምስጎስዐ፡ ንእለቱ ላዕላይ ከንፈሩ ከንቀጥቅጥ ጀመረ። ድፍረት ደሪቡ ዋልታኡ ንኩሉ ዝምክት ዂናቱ ድማ ዘይስሕት ኣብ ዝተሰምዖ ህሞት ኣብ ውሽጡ ካብ ዝኽዘኖ እጓልያ ዱልዱል ዕላላት ፈተወልና። “ . . . እምበርከ፡ ህግደፍ ምዃን ዘየሕፍር እንተኾይኑ፡ ሲ.ኣይ.ኤ. ምዃን ሲ እንታይ ነውሪ ኣለዎ ድዩ“? ክብል ከኣ ክንዲ ጎቦ ግድል ቀረበልና። እምበር ማይ  ኣብ  ዝሰትየሉ እዋን’ዃ ኩሉ ዝቓወም ልኡኽ ኣመሪካን መጋበርያታታን ኢዩ ዝጥምቖ። ከምገዲምን ምኩርን ድማ ንድሕረ-ባይታና ዝድህስስ ፖለቲካዊ ትንታነ ኣጻወተና። መረጋገጺ እንተኣሎ ኣይትሕተቱ። ከምቲ ሓደ ተዋዛይ ብጻ ይና ዝበሎ ብሁል ኢና ክንብለኩም። ከምቲ ናታ ከይረኣየት“ መን ነይሩ? መን ተዛሪቡ? ኣበይ ተፈጺሙ?. . .፡ እናበለት እተውሕዞ ሕቶታት፡ ጥረነገር ቲቪ ኤረይ ከይትገብሩና ሓደራኹም።

ብዙሕ እዋን እዝኒ ንዋናኣ ኣብዲ እያ፡፡ ድሓር ከኣ ነቲ ካልእ ዘስምዕ ኩነት’ውን ኣይነበረን እሞ ክንሰምዕ ኣይደለናን እምበር ብዛዕባና ዝተዘርበስ ኣይወሓደን። እቲ መሰረቱስ ከይርሕቀና፡ ካብቲ ናይ 1973 ናይቲ ግዜ ኢሰይያስ ኣፍወርቂ ቃኘው ምእታው’ዃ ክንደይ ኣዛሪቡ ነበረ። ድሕሪ ነጻነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ቅትለት ናይቲ ነቲ ጉዳይ ዝፈልጥ ኤርትራዊ ዜጋ ሓደ መርትዖ ተቖጺሩ ተዘሪብሉ ኢዩ። ውልዶ ፕረሲደንትና ቀዳማይ እግሩ ኣመሪካ ኣብ ዝረገጸሉ ግዜ፡ ነታ ሃገር ኮነ ብዓለማ’ውን ጸሊም ኮቦርታ ከዲንዋ ብምምጽኡ ወሃ ተባሂልሉ ነይሩ። ሽዑ መስኪን ተጸባይ ፍትሒ ሃገረ-ሰላም ከምዝጨበጠ መጠን ነቲ ዳሕራይ ዝተራእየ ሽግር ከመይ ክትንትኖ ። ገለ ውሑዳት ግና “ እዛ ብርኩታ እምኒ ኣላታ“ ከምዝበሃል ነቲ መግለጺ ዝጠርጠርዎ ነይሮም’ም። ሽዑ ዘይተወድአ ጸብጻብ ተልእኾ ቀዳማይ ምዕራፍ ድሓር ብምኽንያት ሕማም ርእሲ ኣብ እስራኤል ከምዝተዛዘመ ተተንቲኑ ከምዝነበረ’ውን ንዝክሮ ኢና። ነቲ ጉዳይ ተገዲሰን ካብ ዝተኸታተልኦ ገሊአን ሃገራት ኣዕራብ ከኣ ካብ ቀጻሊ ስግኣትን ነቐፌታን ኣየቛረጻን። ንሳተን መቸም ብዓንተቦአን’ውን ኣይቀሰናን። ኣብ መንጎ ያሲር ዓራፋትን ፕረሲደንት ኢሰይያስን ዝነበረ ምትህልላኽ ንርእሱ ጠንቁ ምውንጅጃል ኣገልግሎት ንስለያዊ ስራሓት ኣመሪካ ከምዝኾነ ተናፊሱ እዩ። ከምኡ ድማ እቲ ምብራቓዊ ዓለም ኣንፈትና ኣይተበርሆን። ዋላዃ ንዐዐን ንምምሳል ኩሉ እንተተባህለ ፖለቲካ ኤርትራ ሓደ መዓልቲ ናብ ለኣኺቱ ከምዝሕቆፍ ኣይጠፍአንን። ኮይኑ ከኣ ሰውራ ኤርትራ ብፍላይ ህ.ግምባር ኣይ ካብ ምብራቕ ኣይ ካብ ምዕራብ ዘኽተመን ክወስዶ ዘይነበሮ እዋን ቃልሲ ከኣ ወሰደን። በቲ ግዜ’ቲ ብዛዕባ’ቲ ሰንፈላል ዝፈጠረ ኩነት ብጭቡጥ’ዃ እንተዘይተተንተነ፡ ኣብ ውሽጢ ውድብ ክቀላቐል ዝተራእየ “ ንሕና መን ኢና“ ንዝብል ሕቶ ብዱብዱቡ እናተኾነነ ክድቆስ ዓመታት ኣቑጺሩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ዝና ገሊኦም ጥርዚ ንክበጽሕ ገለ ድኽመት ውልቀ ሰባት ተጋደልትና ከም ዓለማዊ ፖለቲካ ተማሂርናዮ።

1994 ኣብ ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ልክዕ ምስ ኣዋጅ ፍርሰት ናይታ ስውርቲ ሰልፍን ምቓም ህግደፍን ነገር ኣፍ ኣውጺኡ። ነዛ ሓዳስ ሰልፊ ድማ ብውሽጥን ብግዳምን ተቓውሞ ክገጥማ ጀመረ፡፡ ግዳይ ናይቲ ስዉር ልኡኽ ከይኮና ዝሰግኣ ሃገራት ኣዕራብን ኩለን ናይ ከባቢ ሃገራትን ድማ ኣብ ስግኣት ወደቓ። እንተኾነስ እቲ ኣውራ ጽምዶ ህግደፍሲ ህዝቢ እርትራ ብቐንዱ ኢዩ ዝነበረ። ብሓቂ ድማ እቲ ብታነ ሃገር ዕላማኡ ተገላጺ ኣይነበረን። ብኣፍ ገለ ወጆሃላይ መሰልቲ ላዕለዎት መራሕቲ ከምዝተዓዘብናዮ ከኣ ሽዱሽተ ሚሊዮን ዝኣክል ናይ ጎረቤት ሰራዊት ኣሚኖ ም ነቲ ዓወትን ዝናን ዝዓተረ ህዝባዊ ሰራዊትና “ነበረ ያ ነበረ“ ከምዝከውን ረፍተትዎ። ከምኡ ከኣ ኩሉ’ቲ ናጽነት ክዉን ዝገበረ ህዝብን ተጋዳላይን ከምዝብተን ኮይኑ። ስለዚ ህግደፍ ብጋናኡ ድኽምቲ ኤርትራ ክርኢ ዝተመነየ መንቀኛ ኢዩ። ንምንታይ ኢዩ ህግደፍ ብዋጋ ኤርትራውያን ውልቀ ዕምርን ዝናን ተመንዩ?

ዝኾነት ሃገር ከኣለቶ ኣይከኣለቶ ረብሓኣ ከምእተቐድም፡ ኣመሪካ ድማ ምስ ሓደስቲ መራሕቲ ሓዳሽ ርክብ ንምድልዳል ተሸባሸበት። እንተኾነስ መዓስ ድኣ ሓድሽ ኮይኑ? እቲ ጭርጭር ንቕድሚት ክገሃድ ተገድፈ። ህግደፍ ከኣ ሽዑስ ሰሊጥዋ ነይሩ። ምኽንያቱ፡ ምኽንያት ዕንወት ሰራዊታ ንዓለማዊ ልቓሕ ባጤራ ከምዘየፍቅድ፡ብተወሳኺ ብዝሕን ዓይነትን ሰራዊት ኤርትራ ንጎረባብቲ ስግኣት ከምዝፈጠረ ኢዩ ተመኽንዩ። ስለዚ ኣብ ተጋሩን ኣመሪካን ዝተኣማመነት ህገደፍ እጅገኣ ሰብሲባ ኣብ ብርሰት ሰራዊታ ከተዝበጥብጥ ተራእየት። ዝተላእከቶ እንተፈጺማ ከኣ ካብ ኣመሪካ ካልእ ዝዓበየ ዝተኣትወላ መብጽዓ ከምዝነበረ’ውን ይውረ። ፖለቲካዊ መብጽዓ !! ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ስምዒቱ መዝሚዞም “ንክልቲአን ኣሕቢርካ ግዝኣየን እንተዝብሉኻስ እንታይ ምበልካ“? ክብሉ ኣባጨዉሉ።

ኣመሪካ ኣብዚ ዞባና እንታይ ኢያ ደልያ ንዝፈልጥ እቲ ኣሰላልፋ ሓይልታት ኣይተሰወሮን። ጥበብ ኣመሪካ ለካ ብስዉር ንህግደፍን ኢህወደግን ከከምብልጫኦምን ዘድምዕሉ ከባብን ኣዋፊራተን ኢያ። ክልቲኦም ፍቑራትን ሓደስትን መራሕቲ ከኣ ንኣመሪካ ተጸጊዖም ክሳብ ንሳ ዘፍቀደቶ መጠን  ክተዓባለሉ ተዋፈሩ። ደጊመ ዝብሎ ፖለቲካ ሳሕለ-ደደቢት ናይ ዋዛ ተቐላዒ ኣይነበረን። ንዕዑ ዘይምፍላጥ ከኣ ክንደይ ዓሻ የቑጽር!! ኮይኑ’ውን ክልቲኦም መንግስታት ብተመሳሳሊ ግዜን ምኽንያትን ንናይ ውሽጢ ተቓወምቶም ምስ ኣጽረዩ ነቲ ብሃንደበት ዝመጸ ዝመስል ዂናት ጀመሩ። ስለምንታይ ኢዩ ህግደፍ ዂናት ፈትዩ ከባቢኡ ክህውኽ ዝመረጸ? ኢልኩም ኣይትሸገሩ። ንሱ’ሞ ዝተጎልበበ እንተተጎልበበ ሓቅነቱ ከምጸሓይ ቀትሪ ደሚቑ ኢዩ። በቲ ሓደ ኣስመራ ርእሲ ከተማኡ ገይሩ ብመልክዕ ሓድሽ መግዛእቲ ንኩለን ኣሒቢሩ ክገዝእ ንዝነበረ ጥሙሓቱ ከተግብር ብሞሳ ምእዙዝነቱ ጥራይ ከምዝበጽሖ ኣጸቢቑ ስለ ዝፈልጥ ኢዩ። ኣመሪካ ድማ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝተተኽለ “ሓያል ክርስትያናዊ መንግስታት“ ዝብል ስግኣታት ሃገራት ኣዕራብ ከምዝሃድእ ንምግባር ዂናት ከፊታ ክልቲኦም ልኡኻታ ሰወረቶም። ፍጹም ዓብላልነት ሓደ ወገን ንከይርአ ድማ ብናይዂናት ተርሞሜተር ሓለወቶ። እዚ ስዉር ፍጻመታት’ዚ ኣብውሽጢ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ናዕብታት ፈጠረ። ብወገን ኢትዮጵያ ብሰንኪ መለስ ክዕወቱ ከምዘይከኣሉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ብወገን ኤርትራ ድማ ብሰንኪ’ቲ ጎይታን ልኡኽን ክንሱ፡ ብጉጅለ መጸባበቕቲ ብዝንዛሕ ዕምብረ፡ ድኽመት ገለ ናይ ዂናት መራሕትን ጉጅለ ኮረይትን ተባሂሉ ተገለጸን ሰበብ ማእሰርቲ ኮነን። ገለ ትእዛዝ ከይተቐበሉ ሃገራውነቶም ዘመስከሩ ውፉያት መራሕቲ ከኣ ንይምሰል ንግዚኡ መዓርግን ዝናን ኣርእዩ ከብቅዕ ጸኒሑ ኣደስኪሉ ምስ ድስቲ ኩስኩስቲ መዲብዎም ንብለኩም። እቲ ዂናት ስለምንታይ መጺኡ? ንምንታይ ከ ከነንሳሕብ ተመዲቡ ነይሩ? ስለምንታይከ ንሰላም ዋጋ ዘይከፈልና? . . .፡ ተባሂሉ ዝተባልሐ ሕቶ ግን ኣይዓረፈን። ንሱ ግን ከምቲ ዝብሎ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓቂ ኢዩ ፈሊጥዎ። ነቲ ህዝቢ ብኸመይ ከምዝጠርነፎ ስለዝፈልጥ ከመይ ከምዝብትኖ’ውን ኣይጠፍኦን፡፡ብኣፍ ገለ ግሩሃት ሰብ ጽሩራታት ግይሩ ነቲ ኤርትራዊ ናይ ምብታን ስዉር ዕላማኡ ብኣሽሙር “ወያነ ድኣ ክንእክባ ዘየጸገመናስ ክንብትና እንታይ የጸግም“ ክብል ኣባጨወ፡፡ ንዂናት ኮነ ልምዓታዊ ተመኩሮ ዓለም ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈልጦ ስለዘይለ በቲ ኣድላይነት ዘይነበሮ ዂናት ዘይተሰከፈ ኣይነበረን። ጉዕዞ ቻይናን ቬትናምን ከም ኣብነት እንተወሰድና ክልቲአን ኣብቲ ስግር ደምበ እናሃለዋ ምስ ኣመሪካ ዘለወን ሽርክነት ማንም ዝፈልጦ ኢዩ። ቬትናም እታ ብዓረር ኣመሪካ ዝመሮቐት ሃገር ክንሳ ድሕሪ ዓወታ ግን ድርቅምቃም ኣዕጽምቲ ወተሃደራት ኣመሪካ ቀንዲ መስሕብ ቱሪዝም ህዝቢ ኣመሪካ ኮይኑ እናተራኣየ ናህና ድኣ እንታዩ ኢዩ ጸገምና?እምበርከ ምዕባለ፡ ህንጸት እናኣማዕደኻዶ ዅናት ይግበር ኢዩ? መራሒና እንታይ ዓዚምዎ?. . . ። እዝን ካልእ ብዙሕ ብዙሕ ጉዳያትን ተላዕለ። ለካ “መራሒና ኣብ ውሽጢ ዂናት ጥራይ ኢዩ ተሓቢኡ ክነብር ዝኽእል“ ኢሎም ንዝትንትኑ ብገበን እናወንጀልካ ምቕፋድ ኮነ። ነቲ ብስም እስልምናን ዓረባውነትን ኪኖ ሰብ ጉዳይ ንዝፈሰሰ ድሩቕ ንብዓት መራሕቲ ህግደፍ ዝኹንን ብውሽጢ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ ተደናገጽቲ ስለዝረኸበ ብብዙሕ ሽርሕታት ምውጋኖም ኣይተጸገመን። ብሓጺሩ ኩሉ ኒሕ ዘለዎ በዓል ሞያ፡ ፖለቲከኛ፡ ጥበበኛ ኮታ ኩሉ ተሓመለ። ብሓፈሻኡ ኣብ ውሽጢ’ቲ ዂናት ካብ እተሓቖፉ ጉዳያት ከምእኒ ጉዳይ ሶማል፡ ናይ ከባቢና ስርዓታትን ፡ ዓለማውያን ትካላት፡ዓለማዊ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኣከያይዳ ብኸምዚ ዘለዎ ክኸይድ ስለዘይብሉ፡ መራሒና በዛ ዓለም እዚኣ ልቡ ከምዝፈሓመ ኣቃልሐት ቲቪ መቓልሑ። እሞ ከምታ ዘዕበኻያ ድሙ ተመን ተምጽኣልካ፡ እዚ ነብይ ዓለም ነዛ ውጽዕቲ ሃገርና ሓርነት ከምጽኣላ ወፊሩ ክንሱ ብኣፉ “ናህና ኣይንህብን ዘይናትና ኣይንደልን“ ከምዘይበለ፡ ኣማዕድዩ ንብዓለማ እናኣቛመተ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ባርነት ካብ ደርገማ ባሌህ ማለት ከኣ ግድን ኮነ።“ ኣይፋል“ ዘዝበሉ ዓበይቲ ዓዲ ካብ ቀደሞም ኣገልገልቲ መግዛእቲ ከምዝነበሩ ተሸፊጡ ንማእሰርቶም ደቕደቖም፡፡ ነቶም ደራቒምዎም ዝነበረ ግምጃ ዝሰለምዎ ተረፍመረፍ ተቓወምቲ ተጋደልቱ እውን ኣብርእሲ’ቲ ኣብ ክንዲ ከምጎብየ ንጉተትሲ ስለእንኽእል ከም ማንቲለ ዘይንነጥር? ዝብል ርኢቶኦም፡ ምስ ኣ መሪካ ምስራሕ ንረብሓ ሃገርና ምዃኑ ብምእማኖም፡ “ኮቶን ሲ.ኣይ.ኤ ኢዮም“ ብማለት ነሸላኦም ኣእትዩ ኣሕቀቖም ። አእ፡ ሰራቒ መቸም ስርቂ ጥራይ ኢዩ ዛሓስብ።

ኣብ ገባቲ ፖለቲካ እምነትን ሕግን ስለዘየለ ኣመሪካ ድማ ነቲ ዝለኣኸቶ ካልእ ከምእትልእከሉ ፍሉጥ ብምዃኑ፡ ሲ.ኣይ ኤ ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ኣትያ ከይትበታትነና ብዝብል ስግኣት ብክሕደት ሃገርን ኣንድነትን ተመኽንዩ ዝሰዓበ ኩሉ ርኢናዮ። ንምዃኑ ኤርትራ ከመይ ኢላ ኢያ ኣፈኛ ያኢ ናይቲ ውጹዕ ህዝቢ ዓለምን ዓረበ-ሶማልን እሞ ከኣ በየናይ ዓቕምን ድፍረትን ኢዩኸ ኩለን መዳርግቲ ሃገራት ኣድብየን እንከለዋ ንሳ ኣንጻር ዓርመሾሽ ኣመሪካ ዝዓጠቐት? ንገርሀኛ ንግዚኡ ኣታሊሉ ኢዩ። ንተሓለቕቲ ኮኑ ዓረባውረያን ግን ኣብ ማሕነቕቲ ሳዳም ሑሰይን ካብታ “ደንጉየሞ’ዃ“ እትብል ምላቚ ቃል ፕረሲደንትና ሓያል ምስጢር ከምዝሰቶኸት ተንተኑ ተንተንቲ። ንተወሰኽቲ ትንተና ዝሕግዙ ተግባ ራት መራሕትና ድማ ኣይተሳእነን። ወያ ንሃገረ-እስራኤል ዘዘባዘበት ሕማም ርእሲ ደጊሳ ግዲ ሓንቲ ሒዝካ ንቐጠር ጉያ ከኣ ተራእየ፡፡ ምቸም ኣብ ዓረባዊ ጉዳይ መርገጽ ቀጠርን ርክባ ምስ ኤርትራን ዘይፈልጥ የለን። ኣብ ቅዝፈት ሓው ቃዛፊ ቃል ዘየተንፈሰት ኤርትራ ስራሓታን ኣገልጋልነታን ንምርዳእ ከም ሕጊ ምስጢር ኣመሪካ ግድን ሰላሳ ዓመታት ምጽባይ ኣየድልን። ንብዙሕ ምኽንያት፡ በቲ ሓደ መደባት ኣመሪካ ብኣፍን ተግባራት መራሒና ንርእዮ ስለ ዘለና። በቲ ካልእ ፖለቲካ ሎሚዘመን ኣዝዩ ብምዝማኑ ንፈታዊኻ ልኽዕ ከምጸላኢኻ ጌርካ እናተቓወምካዮ ስለእ ትዕቅቦን ትከላኸለሉን ኢዩ፡፡ ሕንከት የለን፡ ምስ ሓድሽ መራሕ ሊቢያ ድማ ሓድሽ ጉዳይ ተጀሚዩ ኣሎ።

ናብ ቃል ዓርከይ ክመልሰኩም። ሲ.ኣይ.ኤ.ስዃ ሃገራዊ ትካል፡ ግና’ስከ ኣባሉ ምዃን ዘነውር እንተኾይኑ፡ ኣካል ናይቲ ብሕቱውን ጣልማይን ህግደፍ ኮነ ሃገራዊ ድሕነቱን ምዃን ከ ኣየሕንኽን ዶ? ኢዩ ዝነበረ’ቲ ሕቶ። ንህዝቢ ኤርትራ’ሞ ህግደፍ ይኸፍኦ። ካብ ሽርሒ ሲ.ኣይ.ኤን መግዛእትን ክናገፍ እዩ’ኮ ተቓሊሱ ሓፋሽ። ኢሰይያስ ድማ ናይ ብጾቱ ብልህነት፡ ቆራጽነትን ሓልዮትን ሰሪቑ “እነኹልኩም“ ምስበለ ኣብ መንፈስ ደቂ ሃገር ነጊሱ። ብሓቂ ድማ ስግኣት ኤርትራዊ ዝነበረስ ንሱ ከምቲ ናይ ደግያትና “ጻዕዳ፡ ጸሊም ተመን እንተነኺሱ. . .“ ከይግጠመሉ፡ ከምቶም ክቡር ራእስና ከይታለል፡ ኢዩ ዝነበረ:፡ ኣማስያኡ መለስ ብብልሑ ብድምጺ ኣልቦ ጠበንጃኡ ንመራሒና ከድምዮ ምስ ጀመረ፡ ጥልመት ሽዑ ተሰቝራቶም“ ደቂ ማይጠላሚት ጠሊሞሙና“ ክበሃል ቀንዩ። ሲ.ኣይ.ኤ ድማ ነቲ ድራማ ንምውጣር ንመለስ መራሕ ኢጋድ ሸመቶ’ሞ፡ ንመጀመርታ እዋኑ ኣብ ትሕቲ መራሕ መስርዕ ዝኣተወ መራሒና ከኣ ኣብ ልቢ ኤርትራዊ ክርቢት ክሽርጥጥ ኣይተጸገመን። ዝኾነ ኮይኑ ብክልተ ጫፋት ናይ ሓንቲ መርከብ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ በቲ ዘይጥቁው ቃላቶም ከደምቲ ናይታ ኣመሪካዊት መርከብ ኢዮም። ነንሕድሕዶም ዘናቑቶም ነገር እንተኣልዩ ናይ ኣነ ይበልጽ፡ “በይነይ ንኩሉ ክሰርሖ ስለዝኽእል ኣጥፍእዎ ነቲ ሓደ“ እንተዘይኮይኑ ዝፈልዮም የለን። ጉዳይ ዶብ ከኣ ከምዛዘላታ ኮይና ክትነብረሎም ንረብሓ ክልቲኦም ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣመሪካ’ውን ካብኦም ዝርከብ ምጽምጸ ክሳብ ዘይተወድአን መተካእታ ድማ ክሳብ ዘይተረኽቦምን ክትዕቅቦም ኢያ። ድሓር ከ? ድሓር’ሞ ከምቶም ካልኦት ኣገልገልታ ነበር፡ ከምቶም ከምዘየገልገሉን እናኣእወዩን ህግደፍ ብዘይንሕስያ ዝወገኖም ዘጣየሶም ዝበተኖም፡ ወይ ድማ ከምቲ ዝተገልጸ ንሲ.ኣይ.ኤ ብወኒ፡ብዘይኩንትራት ሰሪሖም እንተኾይኖ ም፡ ብመሰረት ሕጊ ፈላጥን ሰራሕን ምስጢር ከኣ ሲ.ኣይ.ኤ ከምታ ሰውራ ደቃ ስለእትበልዕ ከምእኒ ሳዳመ-ቢላዲን፡ ከምዝፍረዱ ኣይንጠራጠርን። እቲ ነታ ሃገርና ኣብ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ወጥሪ ከምእትነብር ዝገብር ፖሊሲ መሓብኦን መናውሒ ዕድመን ዘናግፎ ዕምሪ መራሒ ድማ ኣይክህሉን ኢዩ። መቸም ንሳቶም መቐነይ ይህልዎም። እንተ’ታ ሃገርና’ሞ ገና ገና፡ እቲ ብስልጣን ዝዓበደ እኩይ መንፈስ፡ ከምቲ ድልየት ኣመሪካውያን፡ ወዲኣይተነት ኤርትራዊ ብገዛእ ዕሱባት ደቂ ሃገር ሓምሽሹ፡ ንመንእሰያትና ተላኣኽቲ ወተሃደራት ጥራይ፡ ንሃገረ-ኤርትራ ከኣ ውርሻ ሓደ ስቲ ወይ ነባራት ገዛእቲ ከምእትኸውን ገይረዋ ክጠፍእ ኢዩ። ከምዝፍለጥ ብቛንቛ ኣመሪካን እንግሊዝን፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣይእመነሉን ኢዩ። ኮይኑ ድማ ቅልጽም ኤርትራዊ ዲል ከይረክብ ምእንቲ“ ናጽነት ሂብኩም’እንዶ ፈትንዎም ፡ ሰኣን ስምምዕ ባዕሎም ክምለሱ ኢዮም“ ኢዩ ተባሂሉ። በሉ እስከ ካብቲ ክብትነና ዘይኮነሉ ተኹላ መግዛእቲ፡ ብከውሊ ሃገርነት በታቲንና ዘሎ ተኹላ ህግደፍ ዶ ኣይገድድን!! ሎሚ ተሰኪፎሙሉ እንተኾይኖም ድኣ እንድ ዒ’ምበር ወዮም ግሩሃት፡ ኣያ ክፈትወሎም ምእንቲ ከምታ ምሸት ዓዲኣበይቶ  “ ኤርትራዊ ክድሰቕ ኣለዎ “ እናተባህለ ዝወረደ መዓት ኣያታትና ብነብሱ’ቲ ጸልማት ሰኒድዎ ኣሎ። ኣብ ምንቛትን ካልእ ጉልሒንጣዊ ስራሓትን ከም ብልጸት ኣብ ዝተቖጽረሉ ዘመን እንታይ ይውረስ? ነገር ጣቛ እንተዝነብሮ ሃገራውያን እናበተንካ ሃገር መዓስ ትእከብ። ብዛዕባ ሓድሽ ወሎዶ ዘሎ ’ሓልዮት’ መቸም ሰሚዕኩሞ ኢኹም። እታ ዝበለጸት ሓልዮት ግና ንስደት ምግላጾ ዘይኮነት ስልጣኖም ምሃብ ኢያ ነይራ። ብዝኾነ ንሰብ ግዜ እናኣደናገርካ ንምስጢርካ ዝፈልጡ መዛኑኻ ናይ ምጽና ት ፖሊሲ’ውን  ኣየስርርን ኢዩ። ኣብ ጥፍኣት ዓርኪ ኢሰይያስ ቃዛፊ እቶም መዋእሉ ዘደንዘዞም መሳትኡ ክደናገጹ እንከለዉ፡ እቶም ብቅብጥሮሽ ዝዓበዩ ግን ድማ ዝኸሓኑ መንእሰያት ግን ጉድ ከምዝሰርሑዎ ርኢና ኢና። ግዜን ምቕናይን ገና ብዙሕ ከርእየና ኢዩ። ዓርከይ ድማ ምስሕልናኡ እናተጎራፈጠ ብዙሕ ከጻውተና ኢዩ። ድሮ ኣነ ናብ ንቡር ኣብ ዝተመለስኩሉ እዋን፡ “ እቲ ወርቂ ደው እንተኣበሉዎስ ሕርሻናዶ ኣይንሀልናን“ ንዘስምዕ ምርኢት መሳርሒ ሕርሻ ክውስኾ ንዝኽእል ዕድመ ተተሓሒዘሞ ጸንሑኒ።

ድሓን ቀንዩ!!

ጎደፋ።

aseye.asena@gmail.com

Review overview
24 COMMENTS
  • truly, Truly i say to you December 10, 2011

    part 4
    ኾይኖ ግን ከምቲ ዝትገልጸ ፣ ኢሳያስ ሰብ ብአል ፍሉይ ሚስጥራዊ ምህዞ ስለዝኾነ፣ነዚ ናይ ዶብ ውሳኔ ጉዳይ፣ ኣብቲ ግቡእ ናይ ዓለም መድረክ ኣልኢሉ ጨሪሹ ክዛረበሉ ድልያት ከምዛየብሉ ብዙህ ግዜ ተኣዝብናዮ ኣለና፣ ብኣንጻሩ´ኳ ድኣ ኢሳያስ ምስ ሚኒስትራቱ ነዚ አገዳሲን መርትኦ ክረክቡሉ ዝኽእሉሉን ጉዳይ ጎስዮም ብምህላፍ ብዛእባ ሶማል´ዶ፣ ዳርፉር´ዶ፣ ኢትዮጵያ ወዘተ ጥራይ ክሙጉቱ ይመርጹ ከምዘለዉ ኢና ንርኢ ዘለና። እዚ ስለዝኾነ ይትረፍ ሕዝቢ ዓለም፣ ኣብቲ ናይ ሕቡራት ዓለም ናይጸጥታ ምክር ቤት ዝሰርሁ ዘለዉ ሃለፍቲ ውን እንተኮኑ፣ ነዚ ሀገርናን ሕዝብናን ዝሃልፎ ዘሎ ሽግርን መከራን፣ አጸቢቆም ብግቡእ ተረዲኦሞ እዮም ክባሃል ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ ።

  • truly, Truly i say to you December 10, 2011

    part 5
    ብህጂውን ሕልምታት ኢሳይስ ዳግማይ ውግእ ጻሕቲሩ፣ብተዘዋዋሪ ከምቲ ቅድም ሕጂ ብሰንኪ ውግእ ንሕዝብና ከምገበነኛ ኣቑጺሩ፣ ንኢትዮጵያ ኣማኢት ሚልዮን ዶላራት ካህሳ ንምክፋልቁሩብ ዘይሃነኾ፣ ሕጂውን ነቲ ተሪፉ ዘሎ ሃብቲ ሃገርና ውግእ ብምጽህታር፣ ብዕዳን ብካህሳን ብተዘዋዋሪ ንከባድምን ሕዝቢ ከጽንትን ይጓዬይ ከምዘሎ አስተውኢልኩሙሉ ትኾኑ ኢለ ተስፋ እገብር። እቶም ብልውሃት ኢሳይስ ብቅንእና እዩ ንሃገርና ትብሉ ዘለኹም ለዋሃት፣ እንትዋሃደ´ሃገርና ስለምንታይ ብሰንኪ ሶማል ኮነ ካልእ ጎረቤታት ሃገራት ምኽንያት ማዕቀብ ይግበረላ አሎ ንሳቶም ጉዳዮምን ሽግሮምን ባእላቶም ክፈትሁ ንህናውን ጉዳይና ጥራይ ከነስልጥ ደይንፍትን ሕልኽ ምስሃያላን ሃገራት እንታይ ክኣብሰልና እዩ ኢልኩም ንመንግስትኹም ብቅንእና ክትሃቱ ምተገበኤ።
    ሽእኡ ሽጣራን ተንኮላትን ሚስጥራዊ ትልዕኮ ኢሳያስ አጸቢቁ ምበረሃልኩም ነሩ። እዚ ወድሃንኩም።

  • Jocker December 10, 2011

    This writer is comparing the uncomperable,thats pure PFDJ character.While Mr.Zenawi is building more universities more hospitals,clinics etc.DIA is destroying all eritrean instutitions and building more & more prisons.So you’re another undercover higdef mendef pretending to be agianst your boss wedi medhin berad.Just focus at eritrean issue.leave ethiopia to the ethiopians.

POST A COMMENT