Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍን ጉዳይ ጸባን

ጉዳይ ጸባ አብ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ህግደፍ ንረብሓ ጉጅልኡ ንኽውዕል ካብ 1991 ጀሚሩ ናይ መቆጻጸሪ ሜላታት ጊሩ ክቆጻጸሮ ዝጸንሓ ናይ አታዊ ምንጩ ኢዩ። እዚ ንዓመታት ክጥቀመሉን ክፍሕሶ ድጸንሓ ከይጽዓርካ ጸማ ሰባት ምግፋጥ ስንኩል ሜላ ንጸባ ዳርጋ ካብ

ጉዳይ ጸባ አብ ኤርትራ ሓደ ካብቶም ህግደፍ ንረብሓ ጉጅልኡ ንኽውዕል ካብ 1991 ጀሚሩ ናይ መቆጻጸሪ ሜላታት ጊሩ ክቆጻጸሮ ዝጸንሓ ናይ አታዊ ምንጩ ኢዩ። እዚ ንዓመታት ክጥቀመሉን ክፍሕሶ ድጸንሓ ከይጽዓርካ ጸማ ሰባት ምግፋጥ ስንኩል ሜላ ንጸባ ዳርጋ ካብ ምድሪ ኤርትራ ነበረ ያ ነበረ ንክኸውን ቀሪቡ አሎ። ህግደፍ ቀረብ መግቢ እንሰሳ ዝምስረሕ ፋብሪካ መግቢ ብምቀጽጻርን ከምኡ ድማ ብስም ሕክምና እንሰሳ ቁጽጽርን ዝሕለባ ዝሕለባ ከብቲ ብትሪ ምቁጽጻር ንዝሓለፈ ሓያለ ዓመታት ክገብር ጸኒሑ። ብስም ምጥርናፍ ማሕበር አፍረይቲ ጸባ ብዝብል ስም ነቶም ወነንቲ ስታላ መግቢ እንሰሳ ብማሕበር ተጠርነፉ፤ በዚ መንገዲ ጥራሕ ኢዩ መግቢ እንሰሳ ፉሩስካ ዝዕደል ብምባል ነቲ ቀረብ ጸባ ንዝሓለፎ ልዕሊ 18 ዓመታት ተቖጻሪርዎ ጸኒሑ። ሓረስቶት ነጻ ኮይኖም ወይውን ብመንገዲ ማሕበሮም ዋኒኖም ባዕሎም ከይገብሩ ህግደፍ ብትሪ ሒዝዎም ይርከብ። ህግደፍ ካብ ወነንቲ እስታላ ንሊትሮ ብ15 ናቕፋ እናተቐበለ ብ30 ናቕፋ ንሊትሮ ድማ ንህዝቢ ክሸይጥ ጸኒሑ፡፡ እቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሓ አረጊት ሜላ ‘ዘይጽዓርካሉ ገንዘብ ምግፋጥ’ከምቲ ዝድለ አብዚ ሕጅ ክሰርሕ አይክአለን። ህግደፍ ዋላ እኳ ክቆጻሮ እንተፈተነ፤ ኣብዚ ሕጅ ግን መረረ አቕረብቲ ስለዝበርትዓን ዘይዕግበት ድማ ብቑሉዕ ይግለጽ ብምህላውን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ አብ ዞባ ማዕከል አስታት 5000 ዝገማገማ ዝሕለባ ናይ ስታላ(በጋይት) ከብቲ አብዚ ሕጅ ይርከባ። አብ 2006 ግን ልዕሊ 21000 በጋይት (ስታላ) ዝሕለባ አብ ዞባ ማዕከል ከምዝነበራ መዛግብቲ ህግደፍ የርእይ። እቲ መጉዳል ቁጽሪ ዘጋጠመ ሕማም ዓባይ ስዓል ናይ ከብቲ አትዩ ስለ ዘሎ ቀልጢፍኩም ስጉምቲ ውሰዱ ዝብል መምርሒ ንወነንቲ እስታላ ብምሕላፉ፤ ንመብዛሕትኣን ንማሕረዳን ንመሸጣን ክምዝውዕላ ስለዘገበረ ኢዩ። እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ እቲ አብ ምርባሕ እንሰሳ ክዋፈር ዝኽል ሓረስታይ አብ ጎቦታት ኤርትራ ንዓመታት ጠበንጃ ተሓንጊጡ ከምዘየፍሪ ብምግባሩ ኢዩ። ከም ተወሰኺውን ቀረብ ሕጽረት ማይ ንእስታላ ዝኸውን ሰለ ዘለየለ እተን ዝርካበን ጥሪት እኹል ጸባ ክህባ አይክእላን ኢየን።

እቲ ንምርባሕ እንሰሳ ቀንዲ ማሕነቖ ኩይኑ ህዝቢ ድዛረበሉ ዘሎ ጉዳይ ብልሽውና ኢዩ። አብ ጉዳይ ጸባ ዘሎ ብልሽውና ብቐንዱ አብ መንጎ ሚ/ረ ሕርሻን ናይ ውልቂ ትካላትን ከምኡ ድማ እቲ ነቲ ናይ ምግቢ ትካል ዝተቐጻጸረ ትካል ህግደፍን ኢዩ። በዚ ብልሽውና ሓያለ ገንዘብ ናብ ደገ ደስገሩን አብ ውሽጢ ሃገር ከም ሮማዲ ሳዕሪ ነቲ ብልሽውና ካብ ዞባ ናብ ዞባ ዝተዘርግሓ ሓያል ናይ ምጥፍፋእ መርበብ ተሰርጉሑ ንጸባውን ከም ሓደ ሃብቲ መኻዕበቲ ይጥቀሙሉ አለው። ብፍላይ አብ ከተማ አስመራ ጸባ ከም ክቡር መድሃኔት ኢዩ ዝድለይ ዘሎ። ነዚ ጉዳይ ሓያሎ ግዱሳት ዜጋታት አብ ኤርትራ አብ ዝግበሩ አኺባታት ሕቶታት አቕሪቦሙሉ ብሰንኪ ዘሎ ብልሽውና መልሲ ክርከቦ ኣይተኽኣለን። ብተመሳሳሊ መንገዲ ነቲ ዝግበር ዘሎ ምጥፍፋእ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕሪዝደንት ከይተረፈ አብ 2012 ገለ ጉዱሳት ሓረስቶት ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ጉዳይ ብድሕረ መጋረጃ ዝግበር ዘሎ ብጽሑፍ አቕሪቦም ኢዮም፡፡ እቲ ዝተውሃቦም መልሲ ንከታተሎ አለና ዝብል ኢዩ። ቀረብ ጸባ ድማ ካብ ውሑድ ዳርጋ ናብ ሙሉእ ብሙሉእ ምጥፋእ ገጹ ተበጺሑ አሎ።

እቲ ዘሕዝን ነገር ጸባ መጋየጺ ዘይኮነስ ንወዲ ሰብ ብፍላይ ንህጻናት አዝዩ አገዳሲ ዝኸነ መግቢ ምኻኑ ኢዩ። ብፍላይ አዲታቶም ከጥቡባ ዘየክእላን፡ አዲታቶም ዝሞትኦም ቆልዑን ክምገብዎ ዝኽአሉን ጸባ ኢዩ። አብዚ እዋን አብ ከተማታት ኤርትራ ካብ የመንን ሱዳንን ብኮንትሮባንዳ ዝአትዉ እሹግ ርግኦን ጠስምን ብውሽጢ ውሽጢ ይሽየጥ አሎ። እቲ ዘሕዝን መዓልቱ ዝሓለፎ ዝወደቐ ግዜኡ ዝሐለፈ ጸባታት አብ ዕዳጋት ብብዝሒ ምህላው ኢዩ። እዚ አብ ርእሲ ጥዕና ተጠቀምቲ ከብጽሖ ዝኽእል ጉድኣት ከቢድ ኢዩ።

ጸባ አይኮነን ሎሚ ዓለምና ምስ ዘወነነቶ ምዕቡል ቴክኖሎጂን ሓደሽ አገባብ ምርባሕ እንሰሳን አመጋግባን ቅድሚ 130 ዓመት ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ከምዚ ዝኣመሰለ ሕጽረት አይነበረን። አብ ኤርትራ ንዝነበረ ጥሪት ንምዝማት ራእስታት ኢትዩጵያን፡ ምስሪ፡ ቱረኪ ከይተረፈ ኣሓ ንኽዘምቱ ናብዚ ናይ ሎሚ ኤርትራና ወራራትን ዝምታን የካይዱ ኒሮም ኢዮም።

አብ ግዜ መግዛእቲ ጥልያን ድማ ዘመናዊ ናይ እንሰሳ መርባሕ ከምኡ ድማ ጸባን ውጽኢት ጸባን ዝኣመሰለ ናይ ኤርትራ ዕዳጋ አማሊኡ ንሰደድ ናብ ዕዳጋታት አውሮፓ ተወዳዳሪ ብምኻን የቕርብ ኒሩ። ናይዚ አሰር ተረፍ ድማ ከም ምልክት ዘሎ ሕጅ ዒላበርእድ፡ ጊንዳዕ፡ ማይ ዓይኒ ሕርሻ ኮይነን ህግደፍ ነዘን ዓብይ ተራ ክጻወታ ዝኽእላ ዝነበራ ትካላትውን ቀቲልወን ኢዩ። አብ ዝሓለፈ 22 ዓመታት ህግደፍ ዘቖሞ ዝኸነ ንግዳዊ ሕርሻ አብ ኤርትራ የለን። ህግደፍ ንህዝቢ ዘርብሕ ምፍራይ እንሰሳ ዘይኮነስ፤ ቀጽሪ ቤት ማእሰርትን ወተሃደራዊ መ ዓሰከራት አብ መፍራይ እንሆ 22 ዓመት ኮይኑ።

ራህዋ ንህዝቢ ኤርትራ

ግዱሳት ካብ ኣስመራ 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
14 COMMENTS
  • Kabbire September 29, 2013

    ነዛ ንሰትያ ማይ ስኢና እናበልናስ ናይ ጸባ ኣምጽኢኩም፧ ጸባ እሞ፣ ናይ ቀደም ናይ ግዜ ደርጊ ናይ አቺ ጥርሙዝ ጥራይ ሒዝና፣ ኣብ ቤት ስእሊ ንመዘከርታ ንሰኣለሉ ኣለና።
    ብግዜ ድርጊ ሕማቕ፣ ጸባ መሊኡ፤ ሽኮር ቡን ጣፍ ፊኖ ሩዝ ኣባጌዕ ካብ ኣዲስ ድረዳዋ ጎጃም ብነፋሪት እንዳምጸኤ ብኮፖን ይዕድለና ኔሩ።
    እወ ስርዓት ደርጊ ካብ ስርዓት ተጋደልቲ ብገለ ሸነኹ ይበልጽ።
    ይገርመና ኣሎ !

    • COW FACE September 30, 2013

      Super Respected Kabbire ,

      ናይ ጊዜ ጃንሆይን ደርግን ግፍዒታት ጥራይ ኣይት ዘክር ፣ግፍዒ ወያነ እውን___ህዝቢ ኢትዮጵያ ኡይ እናበለ ገገፊጦም ንኤርትራ ዘሕልፍዎ ዝነበሩ ምግብን፣ናይ ምዓልታዊ ሓገዝ ናውትን፣ብኬንያ ብኮንትሮባንዳ ዝኣተወ ኣቕሑ__ንኤርትራ እዩ ኢሎም እናእተዉ ፣መንግስቲ በረኸኛታት ኤርትራ፣ ብሽጣራ ኣብ ትሕቲ ኣፍንጫ ወያነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተሸጠ፣ህዝቢ ኢትዮጵያ___ኤረ ዓገብ እናበለ እንከሎ፣ቅድሚ ሕጂ ዝ፣ ቦርደር ምሕላፍ እንተኸልኦ ሰብ ጠበንጃ ወየንቲ እናምጽኡ፣ንህዝቢ ትግራይ ደፊኦምን ጎኒጾምን __ንኤርትራ የሕልፍዎ ኔሮም።
      ሕጂ እውን እንተኾነ ቆለውዕ ዓይደር ክጭፍጨፉ ከለዉ ዘንጨብጨብኩም ሕልና ዘይብሎም ፣ዝበልዑሉ ኢድ ዝነኽሱ ለዋጢን ናይ በደዊን ከይበሉ የጸግዑናን፣የምህሩናን ኣለዉ።
      በጃኻ ከቢረ ሓወይ፣ነዚ ጭቆናን ግፍዕን ናይ ኢትዮጵያውያን ኣይተዘክረኒ።ሕጂ ክፉት ቤትማእሰርትን__ክፉት ምዓኮርን (ዕድመ ንበደዊን)ሒዝና ብነጻነት ተሸሽ እንዳልና ንነብር ኣለና።

      ደርፊ ___

      ኤረየ ኤረና ከፊትክዮ እምበር እቲ መቐመጫታትና፣
      መግዛእቲ ኢትዮጵያ (ራህዋ)ነጺጕዎ
      ጅግና ይጉምባሕ ኣሎ ንዑ ርኣይዎ።

      መሰኪን መንእሰያት ኤርትራ እምበር ፣እቶም ኣቦታትኩምን ፣ኣብሓጎታትኩምን ምጉምባሕ ሎሚ ኣይጀመርዎን__ብዙሓት ጫማ ቺፖሊኒ ምስ ካልቾ ዝኣተዎም እዮም ።

      እዚ ኦም ክ ኣ እዮም ንወለደይ ፣ኩሩዓት ማሕበር ፍቕሪ ሃገር ሽዩጣት ዝ ብልዎም ፣ጠረጥቲ ደርፊ ወዲ ትኹልን፣ፍሒራን ከይሰምዑን __ብብርቱዕ ስዋ ከይደንዘዙን ዘየዔምሩን __ፈገረግር ፣ዓመጽቲ ።ከይሰተዩ ፣ጠጠው ደለት ሰስሓ ምዓልዲ (በረኻ ደቀምሓረ ድምበዛን)ዘይጭምቱ ።

      መሳኪን እቶም ቆለውዕ ደቂ ሃገረይ ዘብክዩኒ እምበር ፣ኣቦታቶምን ኣብሓጎታቶምን __ምጉምባሕ ሎሚ ኣይጀመርዎን።

  • Google_ERI September 29, 2013

    your priority is your fat stomach i hate those who talk about their greasy belly like the writer ,shet meanta man kkkk

    • YONAS September 30, 2013

      YES OUR PRIORITY IS OUR STOMACH,EMPTY STOMACH MEANS LOW IQ,WEAK PHYSICAL AND HAMPERS THE GROWTH OF OUR CHILDREN ,WHAT ELSE DO WE HAVE TO LEAVE FOR,YOU THINK WE CAME TO THIS PLANET TO SERVE ISSAYAS TEMBENAY NO NO MOTHERFUCKER YOU HAVE NO SHAME TO FUCK YOUR MOTHER,MOTHER ERITREA
      OUR BELLY FULL THEY GET MAD
      OUR BELLY EMPTY THY GET FAT

    • ERITRAWIT September 30, 2013

      Google ERI who is living for fat stomach please ask u self? i’m sure u are having latte while writing this comment fat belly.

  • ganshera anbetha September 30, 2013

    It is right Derg Regime was better than PFDJ regime we were eating and dying at that time.
    MENGE MENGE please come and coup and kill PFDJ UY UY UY!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!!

  • ERITRAWIT September 30, 2013

    Milk what Milk what is in Eritrea at this time?our people they forgot about it long time ago soon water it will be the same as milk we are only moaning.

  • ahmed saleh September 30, 2013

    Eritrawit
    You didn’t lie . The truth as you said ; the most needed part to survive is water and it become as scarce as milk in Eritreans lives .

  • ተወልደመድኅን September 30, 2013

    ርግጽ’ዩ ወዲ ሰብ ክሓስብ፡ከስተውዕል፡ክመራመር፡ክሰርሕ እንተኾይኑ ክበልዕ ክሰቲ ኣለዎ።ብፍላይ ንዞኣብዩ ቆልዑ ጸባ ወሳኒ’ዩ።ኣብ ህዝብና ናይ ጸባ ምስታይ፡ስጋ ምብላዕ ባህሊ የብልናን።እዚ ስእነት ክከውን ይኽእል።ግን ነዚኦም ምስ ኣን ማለት ንሕማም ድቃስ ምቅላዕ’ዩ።ሕማም ድቃስ ቀጻሊ ትኽስ ምባል ከኣ ሃንጎል ዘድሊ ፕሮቲን ይኹኑ ካልእ ኣድለይቲ ስለዘይረከበ’ዩ።ንሓንጎልና ዋና ስጋን ኣድላይ’ዩ።ካብ ስጋ ቀጺሉ ከኣ ጥረምረ።ጥረምረ ብንዕቀት ኣይንበልዖን ኢና፡ን ኣብነት ጥጥቖ፡ባልዶንጋ፡ዓተር…..እቲ ስጋ ከኣ መብዛሕቱ ብቀሊል ኣይረኽቦን።ስለዚ ንዝኾነ ነገር ብተስፋ ቁርጸትን ብፍርህን ምርኣይና ድኽመት ሃንጎል ዝፈጠሮ’ዩ።ምእንቲ እዚ ጸገማትዚ ካብ ህዝቢ ንምልጋስ’ዩ ከኣ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ዘድልየ።ህግደፍ ከኣ ህዝቢ ኣንተጠምዩ’ዩ ክግዛእ ዝኽእል ብማለት ንመሰልቱ ካሮት ንተቃወምቲ ዝበሎም ከኣ ዱላ ወይ ከምዝጠምዩ ገይሩ’ዩ ስራሑ ጀሚሩ።ስለዚ ሎሚ’ውን ጸገም ጸባ ኣሎ ተባሂሉ።ህግደፍ ክፈትሖ ኣይኮነን ዝጽዕር፡ናብቲ ጸባ ዝርከቦ ክኸይድ ኣለዎ ክበሃልዩ።ልክዕ’ዩ ኣብ ኣስመራ ማይ ተሳኢኑ ተባሂሉ።እዚ ንዝስተ ንጎሮር ማለት’ዩ።ስለዚ ከምቲ ጓል ህበይ ( ቃውጭ ) ነዲ ኣ፡ኣደ ሽራራ ዕድግለይ ኢላ ምስ’ሕሰረታ።ኣደ ከኣ ኣይኮነን ን ኣኺ ሽራራ ነቦኺ ኣይረኽብናን ጭማራ ኣብዘዝሓለፈ ክሳድ ዝረክብ ዘሎ መከራ፡ከምዝበለታ።ህግደፍ ከኣ ኣይኮነን ንከብቲ ንሰብ ዝከውን ማይ ኣይረኸበን።እቲ ዘሎ ንህዝቢ፡ከብቲ ግን ማይ ናብዘለዎ ቦታ ክኸዳ ባህሪያዊ’ዩ ወይ ኣብ ጥቓ ማይ ዘለዎ ይስፈራ።ስለዚ ማይ ተሳኢኑ ከብቲ ዝገደፈኦ ቦታ ጸባ’ውን ክሰኣኖ ግድን ስለዝኾነ ጸባ ዝደልየ ባርካ ይውረድ ክብል’ዩ ህግደፍ።

  • simerrr2012 September 30, 2013

    Higdef has shown many times that they don’t even care about the health of our children and mothers . Remember when Higdef got those infected sheep from Australia no one wanted them to have for free but higdef took them and played Russian roulette with the life of our people. The only thing we can do is to advice our people not to buy unknown products from China , middle east from scrupulous higdef and some individual merchants.

  • ghenet September 30, 2013

    PFDJ and Milk!!!! We can write books about it. Some years after liberation the PFDJ deciede to sell the company to the farmers who produce milk. It promised to help them provide food in the market and give them some plots of land for them to produce some fresh food for the animals. So poor farms somehow managed to buy shares (some selling their animals). But then the control started on price of milk and the amount of food the goverment can provided. A milk producing cow gets 1/2 a killo of food perlitre and the ones that do not give milk for some reason are not allowed any food. In general farmers buy food based on the amount of milk they provide the company and not on the munber of animals they have. But most of the time the food is taken directly from the mill by powerful people like Filipos and his family who somehow managed to have more than 50 cows (begayt). Food that is sold for about 50 Nakfa is mostly sold 300 or more in black market. How can the farmers cope if they do not sell some of their begayt/

    Few years back, this corrupt PFDJ decided to take more than 50% of the share. The farmers agrued that if the PFDJ wants any share in the company it has to buy it. But people were intimidated into keeping quiet. Now the Gvt is back in charge of a company it sold years ago. It is surprise how people’s rights are trodden and crushed in eritrea.

  • zoro,ዞሮ September 30, 2013

    kkkkkkkkkkkk antum sebat eziom ayhafru n Amlak dima ayferhu tsenihom si wereg ndeqom zyada tseba kitebwu nay harasat adietat tseba halibom kiwesduwo eyom, entay gedisuwom nay deqna dea
    kemti weyo rgum tegadalay zbelo “tegadalay temye ember ms belo hade warsay welidega dye kumtrr bele” zbelo meas mengstna koynom eziom gena kehlquna eyom . Amlak dea mhretu yewrdelna baelu.

  • Beyane wedi mendefra September 30, 2013

    I like this important issue, hgdf failed 100 times

    ህግደፍ ካብ ወነንቲ እስታላ ንሊትሮ ብ15 ናቕፋ እናተቐበለ ብ30 ናቕፋ ንሊትሮ ድማ ንህዝቢ ክሸይጥ ጸኒሑ፡፡ እቲ ክጥቀመሉ ዝጸንሓ አረጊት ሜላ ’ዘይጽዓርካሉ ገንዘብ ምግፋጥ’ከምቲ ዝድለ አብዚ ሕጅ ክሰርሕ አይክአለን። ህግደፍ ዋላ እኳ ክቆጻሮ እንተፈተነ፤ ኣብዚ ሕጅ ግን መረረ አቕረብቲ ስለዝበርትዓን ዘይዕግበት ድማ ብቑሉዕ ይግለጽ ብምህላውን ኢዩ።

POST A COMMENT