Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ፡ ንሰማእታትና ድቃስ ዝኸልእን ዘራኽስን ኣረሜናዊ ስርዓት’ዩ – ካልኣይ ክፋል

  ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከብርሆ ከምዝፈተንኩ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓመት- ዓመት፡ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዘዳልዎ ናይ ሓሶት ድራማን ንብዓት ሓርገጽን፡ እቲ ሰማእታትና ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ፡ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ከብርሆ ከምዝፈተንኩ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ዓመት- ዓመት፡ ኣብ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ዘዳልዎ ናይ ሓሶት ድራማን ንብዓት ሓርገጽን፡ እቲ ሰማእታትና ዝኸፈልዎ ክቡር መስዋእቲ፡ ምስቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ኩሉ ዓይነት ገበን ተገራጫዊ ስለዝኾነ፡ ብዛዕባ ሰማእታት ምግዓር፡ ኣነዋሪ፡ ምስሉይነትን ጥልመትን’ዩ። ኣብ ካልኣይን ናይ መወዳእታን ጽሑፈይ ድማ፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ንስድራ ቤት ስውኣት ይጥውርን ሚልዮናት ገንዘብ ወጻኢታት ከምዝገብርን፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ስድራቤት ስውኣት መንግስቲ ኤርትራ ዝህቦ ዘሎ ሓገዝ ልዑል ምስጋና ከምዘቅርቡ፡ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን፡ ኣብ ኣኼባታትን ብመርበብ ሓበሬታን ዘቅርቦ ዘቁጸልጽል መግለጺታት፡ ንፕሮፖጋንዳዊ ሃልኪ ምዃኑ ከጉልሕ ክፍትን’የ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብቶም ቅድሚ ናጽነት ባዕዳዊ መግዛእቲ ንምብራር ድሕሪ ናጽነት ድማ ልኡላውነት ሃገር ንምውሓስ ህይወቶም ዘወፈዩን ኣካሎም ዝሰንከሉን ሓርበኛታት ደቁ ክትፈልዮ ምፍታን፡ ዓሳ ካብ ማይ ኣውጺኻ ህይወት ክትዘርእ ምፍታን’ዩ። ኣብ ግንቦት 1991 ጽባሕ ናጽነትና፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተጋደልቲ፡ ኢትዮጵያ ደርዒሞም ዓወት ዓቲሮም ኣለና ምስ በሉ፡ ዝተሰምዖ ፍስሃን ዘርኣዮ ርህራሀን፡ ብቁጽሪ ክትቅምሮ፡ ብቃላት ክትውርቆ ዝከኣል ኣይኮነን። ብተመሳሳሊ እቶም ብመስዋእቲ ኣሕዋቶምን ወለዶምን ኣብ ናጻ ኤርትራ ቀሲኖም ክነብሩን ክመሃሩን ጀሚሮም ዝነበሩ መንእሰያትና፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ህግደፍ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ብዶብ ኣሳቢቡ ምስ ኢትዮጵያ ኩናት ምስወልዐ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ እግሪ ደቁ ኣይተረፈን። ነዚ ብጽንዓቱን ልቦናኡን ፍሉይነት ዘለዎ ህዝቢ እምበኣር፡ ደቁ ስኢኑ ብጽሞና ሕልምልም ብስእነት ቆፉኡን ቤቱን ገረውረው ኣብ ዝብል ገዛ፡ ካብ ህሉዋት ንታሕቲ ካብ ምዉታት ንላዕሊ ህይወት እናኣሕለፈ፡ ንመናበዪ ኢልካ 500 ናቅፋ ምትኳብ፡ መሕፈር እምበር ዘጃህር ተግባር ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ንስድራቤት ስውኣቱን ሓድጎምን ንርኣዩለይ ስምዑለይን መኻዕበቲ ጁባ ውሑዳት እምበር ንስድራቤት ስውኣት ካብ ድኽነትን ሓሳረ መከራን ዘላቅቅ ኣይኮነን። ብግብሪ ከምዝርአ’ውን፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ነተን ይህበን ኣለኹ ዝብለን ወርሓዊ 500 ናቅፋ ንንጽል ውላዲ ወይ 1000 ናቅፋ ንሰብኣይን ሰበይትን ስድራቤት ስውኣት ክመቱሉ ወይ ናብ ስደት ሃጽ ክብሉን’ዩ ዝጽበ።  ብዙሓት ስድራቤት ስውኣት ብሕማም ዝተደነሱ፡ ዕድመ ዝደፍኡ፡ ድኽነት ዘንገርገረሎምን ኣብ ርሑቅ ገጠራት ስለዝቅመጡን፡ ምምሕዳር ህግደፍ ኣብ ዝኣዘዞም ቦታን ግዜን ክርከቡ ኣዝዮም ኢዮም ዝጽገሙ። ዋላ’ኳ ስርዓት ህግደፍ ንስለያ ኢሉ ክሳብ ቁሸት ወይ ዓዲ ዝዝርጋሕ ምምሕዳር ዓዲ ወይ ከባቢ ዝብል ቅርጺ እንተሎ፡ ብኣካል ክርከቡ ኣብ ዘይክእሉሉ ካብ ምምሕዳር ዓዲ ወይ ከባቢ መሰነይታ ወረቀት ኣምጽኡ ኣብ ዝብሃሉሉ፡ ብፍላጥ እቲ ካብ ኣማሓደርቲ ዝወሃብ ወረቀት ተቀባልነት የብሉን፡፡ እቲ ድሕሪ ክንደይ ኮለል ዝወሃቦ ወረቀት፡ ኣብ ዞባ ወይ ንኡስ ዞባ ምስበጽሐ፡ “ዋላ ብቃሬዛ ተጸይሮም ብኣካል ክመጹ ኣለዎም ወይ ድማ ዝወሃቦም ደበስ ስድራቤት የለን” ዝብል መልሲ ይወሃቦ። ዝጸሮም ሰብ ወይ ንመጓዓያ ዝኸፍልዎ ምስቀበጹ፡ ሞት ዘርክቦም፡ ወይ ድማ ዋጢጥ ምስበዝሖም፡ “ብቆዮቋ ዓጽመ ስጋ ደቅና ምብላዕ ይትረፈና” ዝብሉ ወለዲ ብዙሓት’ዮም።

ድሕሪ ናጽነት፡ ሓደ ክልተ ዕድለኛታት ስድራቤት ስዉኣት፡ ደቂ ደቆም ክስዕሙን ክሓቁፉን ብምኽኣሎም፡ “ደቅና ኣይተሰውኡን፡ ሓድጊ ረኺብና ተመስገን ፈጣሪ” ኢሎም ነብሶም ክደዓዕሱን ክጸናንዑን’ኳ እንተኽኣሉ፡ ተስፎኦምን ሓጎሶምን ነዊሕ ከይጸንሐ ቅሂሙ። “ጠቢብ ብፈታዊኡ ይጅምር” ከምዝብሃል፡ እቶም ብሰሪ ጨካን ምምሕዳር ህግደፍ፡ ግዳያት፡ ቅንጸላ፡ ድኽነት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ዳግማይ መስዋእትን ዝኾኑ፡ ደቂ ስዉኣትን ስድራቤት ስውኣትን ኢዮም። ኣብ ሓምለ ብ1994; ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ’ቶም ጠሚናን ዓሪቅናን ኢሎም ብሰላም ጸገሞ መነባብሮኦም ክመሓየሽ ሕቶ ዘቅረቡ ስንኩላን ኩናት ተጋደልቲ ማይሓባር ዝፈጸሞ ዘስካሕክሕ ጭካነ ድማ፡ ሓደ ኣብነት ንእንታይነት ስርዓት ህግደፍ ዘነጽር’ዩ። ሕማቅ ዕድል ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክንዲ ዝሓብሐበን ደቁ ዝገበረን፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊኡ መድፍዕን ጥይትን ዘይብሉ ኩናት ካብ ዝእውጅ ዓመታት ሓሊፉ’ዩ፡፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ካብ ቅድሚ ናጽነት ኣትሒዙ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ባዕሉ ዝረሸኖም ኤርትራውያን፡ ከም ስውኣት ስለዘይፍለጡ፡ ስድራቤቶም ደበስን ሓገዝን ክረኽቡ መሰል የብሎምን። ስድራቤት ስውኣት ግን፡ ኣሽምባይዶ ደበስን ሓገዝን ክረኽቡ፡ ናይ ቅባጸት ሬሳ፡ ስነ ስርዓት ቀብሪ፡ ምስክር ወረቀትን ናይ ሓርበኝነትን’ውን ክረኽቡ ኣይክኣሉን፡፡ ስድራቤቶም ድማ ሞትን ሕየትን ደቆም ከይተነግሩ ምስ ቃንዘኦም ዝነብሩን ሞት ዘርክቦምን ማእለያ የብሎምን። እዚ ዝፈዲ ስርዓት ህግደፍ ብስድራቤት ስውኣት ይሕለቅ’የ ክብል እንከሎ ድማ ንሞያ ስውኣት ምርኻስ’ዩ። ስድራቤቶም ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ዘዝተወልደ ህጻን ጉብዝ ምስበለ ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወይ ናብ ስደት ክኸይድ ስለዝግደድ፡ ዓያዪ ጉልበትን ስድራቤቱ ዝሕግዝን መንእሰይ የለን። ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ቀብርን ካልእ ማሕበራዊ ህይወትን ብዕድመ ዝደፍኡን ብደቂ ኣንስትዮ ዝተዓብለለን’ዩ።

እቲ ንመጠወርን ንመደበስን ስድራቤት ስውኣት፡ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብዓይነት ይወሃብ ኣሎ ዝብሃል ሓገዝ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጉንዖ ወይ መነየቲ ስለዘይኮነ፡ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ ንመሸፈጥን ንርኣዩለይ ስምዑለይን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክልፍልፈሉን ክጅሃረሉን ኣይግባእን’ዩ። ምኽንያቱ፡ ስርዓት ህግደፍ ካብቲ ንስድራቤት ስውኣት ሓጊዘ ዝብሉ መደናገሪ ጸብጻብ፡ ብሰንኪ ጨካን ፖሊስታቱ፡ ንሞት፡ ንሕሰም፡ ንስደትን ንድኽነትን ዝተቃልዑ ስድራቤት ስውኣት ይበዝሑ። ስርዓት ህግደፍ፡ ይብዛሕ ይሓድ ንስድራቤት ስውኣት ሓጊዘ ክብል እንከሎ፡ እቲ ጥረ ገንዘብ ወይ ንብረት   ብመስዋእቲ፡ ብደም ፡ ብርሃጽን ህዝቢ ኤርትራን ተጋደልቲ ደቁን ዝተጠርየ ስለዝኾነ፡ ዋንነቱ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እምበር ናይ መላኺ ኢሳያስ፡ ናይ ሓጎስ ክሻ ወይ ናይ የማነ ማንኪ ከምዘይኮነ ክስቆሮ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራ “ደቅና ኣበይ ኣለው ጥራይ ክብል ዘይኮነ፡ ንብረት ደቅና ኣበይ ኣሎ” ኢሉ ክሓትት’ውን መሰል ኣለዎ። ሓርበኛ ቢተወደድ ኣብርሃ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ ነቲ ኣብ ወደብ ዓሰብ ብመስዋእን ብርሃጽን ተጋደልቲ ካብ ስርዓት ደርጊ ዝተማረኸ ንብረትን ኣጽዋርን ናይ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ” ስለዝበለ’ዩ ብከዳዕ ኢሳያስ ከም ገበነኛ ተወንጅሉን ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማሕዩ ዝበሊ ዘሎን። ስርዓት ህግደፍ፡ ንየዋህ ከደናግር፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት፡ ኣብ ቅድሚ ካሜራ ነቶም ብጓሂ፡ ብጽሞዋን ድኽነትን ዝተደነሱን ብምርኩስ ተደጊፎም ቁንጣሮ ገንዘብ ዝቅበሉ ስድራቤት ስውኣት ኣብ ቅድሚ ተለቭዥን ምርኣይ ድማ ናይ ለማንን ተዃብን ዘሕዝን ድራማ ኢዩ። ንብረት ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ ንኹሉ ስድራ ስውእ ክጥወረሉ እምበር መሕምበጢ መውደልደልቲ ወይ ህዝቢ ኤርትራ ክሳቀየሉን ክስለየሉን ቅቡል ኣይኮነን።

ኣብ 1991፡ ስርዓት ህግደፍ” ዝዓነወት ሃገር ስለዝተረከብና፡ ጸገማት ክንጻወር፡ ኣኣበርቲዕና ክንሰርሕ ኣለና” ምስ በለ፡ ኤርትራዊ ብዘይ እኹል ደሞዝ ምስራሕ፡ ብገንዘብን ብዓይነትን ሓገዝ ምብርካትን ናጻ ጉልበቱ ምውፋይን ከም ቅዱስ   ዕላማ ወሲዱ ሃገራዊ ግቡኡ ፈጺሙ። ይኹን እምበር እቲ ቀረጽ ዘይክፍልን ተቆጻጻሪ ዘይብሉን መጅራጢ ድኻታትን ገባቲ ሃብቲ ሃገርን ቁጠባዊ ጉዳያት ስርዓት ህግደፍ ዝውንኖን ዘእትዎን ኣበይ ኣትዩ፡ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ’ዩ። ዋላ’ኳ ሃብትን ትካላትን ስርዓት ህግደፍ ብዘይካ’ቶም እሙናት ኢሳያስ ሓጎስ ክሳን የማን ማንኪን ካልእ ዝፈልጦ ሰብ እንተዘየለ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ብዘይ ሕጊ ብኣማኢት ሚልዮናት ዝግመት ሃብቲ ተሓቢኡ ከምዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ግደ ፍትሒ ንምዝራብ፡ ኣብ ርሑቅ ገጠራትን ከተማታትን ዘለዉ ስድራቤት ስውኣት ምስ ናህሪ መነባብሮ በተን ንኣፍ ጠልቆም ንኸብዲ ሓጥያት 500 ናቅፍ ኣብ ገነት ክነብሩን ካብ ሕሰም ክላቀቁን ኣይክእሉን ኢዮም። ስድራቤት ስውኣት፡ ዝዓነወ ቤቶም ዘይጽገን፡ ዝቃደረ ግራቶም ዘይሕረስ፡ ቀውዒ ዘይጥርነፍ፡ ደኺሞም ናብ ሕክምና ዝወስዶም እንተስኢኖም፡ ብጽምዋ እንተተዋሒጦም፡ 500 ይትረፍ 50 ሚልዮን ናቅፋ ሓገዝ እንተዝግበረሎም’ውን መተካእታ ርእዮም ዘይጸገብዎም ደቆም ክኸውን ኣይክእልን ኣብ 20 ሰነ ሽምዓ ብምውላዕ፡ ኣስማቶም ብምርቋሕን ባዶ መብጽዓ ብምእታውን ዝረጋገጽ ክብሪ የለን። ስድራቤት ስውኣት፡ 500 ናቅፋ ውልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ፡ ንመጠወሪ ስድራቤት ስውኣት 500 ናቅፋ ወርሓዊ ስለዝሃበ ክምስገንን ክውደስን ዘይኮነ ዝግብኦ፡ ንሰማእታትናን ስድራቤቶምን ድቃስ ዝኸልእን ዘመራሳሕስን ኣረሜናዊ ስርዓት ስለዝኾነ ብገበን ክሕተትን ክርገምን’ዩ ዝግብኦ።

 

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሓምለ 2019

 

aseye.asena@gmail.com

Review overview
1 COMMENT
  • k.tewolde July 11, 2019

    It is an African story a collusion of the few locals at the expense of the downtrodden masses,they lie,cheat ,kill and maim to keep the scarce resources for themselves and borrow by putting up the sovereignty of their respective nation as a collateral which they will never be able to repay…….it is a story retold over and over again,Eritrea is no exception from its counterparts like Namibia, Burundi,South Sudan ……the dark continent continues to bleed and regurgitates its precious asset into the Mediterranean Sea while the Chinese Imperialists and their competition move in…..it is a story full of melancholy, a self fulfilling social and human tragedy which cannot muster to extract itself from the vicious cycle….. and the saga continues…

POST A COMMENT