Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ፡ ወሸለ ከይተወልደ ቆሊዑ

ዝኾነ ወልቀሰብ፡ ጉጅለ/ውድብ ወይ መንግስቲ፡ መጠፋፍኢ፡ ተንኮለኛ፡ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐን ብጋሕማጥ ምምሕዳር ዝፍለጥን እንተድኣኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣበራት፡ ጉቦን ዘይቅርዑይ ኣሰራርሓን ክምድር ኣየምሕረሉን’ዩ። ብመቁጸልጸልትን ኣምሰሉን ቃላት ንነብሱ ካብ ኣበሳ ሓራ ክገብራ እንተፈተነን ንኻልኦት ወገናት ክውንጅልን እንተጽዓረ’ውን ምስሉይነትን ምልክት

ዝኾነ ወልቀሰብ፡ ጉጅለ/ውድብ ወይ መንግስቲ፡ መጠፋፍኢ፡ ተንኮለኛ፡ ብብልሽውና ዝተቆማጥዐን ብጋሕማጥ ምምሕዳር ዝፍለጥን እንተድኣኮይኑ፡ ብዛዕባ ኣበራት፡ ጉቦን ዘይቅርዑይ ኣሰራርሓን ክምድር ኣየምሕረሉን’ዩ። ብመቁጸልጸልትን ኣምሰሉን ቃላት ንነብሱ ካብ ኣበሳ ሓራ ክገብራ እንተፈተነን ንኻልኦት ወገናት ክውንጅልን እንተጽዓረ’ውን ምስሉይነትን ምልክት ቅልውላው መንነትን’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ በዞም ክብ ኢሎም ዝተተንብሀ ኣምራትን ፍልሰፋን ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ኣብ ቀዳማይ ቦታ ዝስራዕ ስም መንግስቲ ጥራይ ለቢሱ፡ ደምን ርሃጽን ህዝቢ እናመጸየ ዝነበር ነውራም ስርዓት’ዩ። ስርዓት ህግደፍ፡ ኣብ ኤርትራ ብቅዋም ዝምእዘዝ ግሉጽነትን ተሓታትነትን ዘለዎ ህዝባዊ ስርዓት ምትካል ከም ኣስሓይታ ‘ዩ ዝፈርሖ። ንምንታይ’ሲ፡ ህላወ ቅዋምን ብህዝቢ ዝተመርጸ ስርዓትን፡ ደረት ስልጣንን ሓላፍነትን ስለዘነጽር፡ ስርዓት ህግደፍ ከም ቃሕታኡ ክዕንድር፡ ህዝቢ ገጋፍዕ ንብረት ሃገር ክዘሩ፡ ጉዳይ ሃገር ካብ ህዝቢ ኤርትራ ክጨዊ ዕድል ኣይህቦን’ዩ። እቲ ሓቂ እዚ ክንሱ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ገንዘብን ክኢላዊ ዓቅምን ፈሲስዎ ዝተነድፈ ቅዋም ኤርትራ ኣብ ስራሕ ከይውዓለ ኣብ ከብሒ ከምዝበሊ ገይሩዎ። ስርዓት ህግደፍ ጉድለታቱ ንምኽዋል ድማ ንዓመታት፡ “ኣብ ኩናት ስለዘሎና ቅዋም ምንዳፍ ቀዳምነታትና ኣይኮነን” ብምባል ናይ ቀምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ ኣጉል ምኽንያታት ከቅርብ ጸኒሑ። ህግደፍ ሓቀኛ መንነቱ ጎልቢቡ፡ ተሓላቂ ህዝብን ሃገርን ንምምሳል፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ንሃልክን ንምድንጋርን ቅዋም ንምንዳፍ ምስንዳእ የካይድ ከምዘሎ ይሕብር ኣሎ። እንተኾነ ኩሉ ብህሎታት ህግደፍ፡ ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማጨባ’ዩ።

ህግደፍ፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘለዎ ተነጽሎ ንምጽጋን፡ ኣብቲ ንክውንነት መነባብሮን ሰብኣዊ መሰላትን ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቅ፡ መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ዝሳተፉ ደገፍቱን ዲፕሎማሰኛታትን ብምዕዳም፡ “ኤርትራ ደሴት ሰላምን ኣብ ጎደና ምዕባለ ትምርሽ ዘላ ሃገርን’ያ” ኢሎም ክምስክሩሉ ልዑል ገንዘባዊ ወጻኢታት ናይ ሓሶት ድራማታትን ኣዳልዩ’ሎ። ህግደፍ ኣብ ዝመረጾ ቦታታት ዝዕዘቡን ንሱ ደስ ዝብሎ ቃላት ዝዛረቡን ጋዜጠኛታትን ውልቀሳባትን ኣብ መራኸቢታቱ ከቅርቦም’ዩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቀርጸ ፊልምታት፡ ቃለ-መጠይቃትን ደርፍታትን ከጋውሕ’ዩ። ኣብ ኣዳራሻት፡ ዳሳትን ጎደናታትን ጓይልን ናይ መን ኣሎ ከም ህግደፍ መግለጺታትን ክደጋገም’ዩ። እሙናት ትካላት ጸጥታ ህግደፍን ፍሉያት ኣሃዱታትን ናዕቢ ከይፍጠር ኣብ ዝለዓለ ተጠንቀቕ ክኾኑ እንከለዉ፡ ዝበዝሐ ሰራዊትን ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎትን ግን ኣብ ጸምጸም በረኻ ከምዝጸንሕን ክሳብ መዓልቲ ናጽነት ዝሓልፍ፡ ካብን ናብን ክድረት’ዩ ። ኣብ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ምልካዊ ኢሳያስ፡ ብዙሕ ናይ ይምሰልን ሓሶትን መግለጺታት ከቅርብ’ዩ። ምናልባት’ውን ትንፋስ ንኽረክብ ሓቂ ዝመስል ጽገናዊ ለውጢ ከምዝገበረ ክእምት’ዩ። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ኹሉ ዘገድሶ ጉዳያትን ጸገማትን ግን ከምቲ ልሙድ ክዱን ብኣፈ ስላሴ ክኸውን’ዩ።

መበል 25 ዓመት ብሩራዊ ኢዮበልዩ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ትርጉም ክውልዎ እንተኾይኑ፡ ስርዓት ህግደፍን መሰልቱን ክምልስዎ ዘለዎም ቀንዲ ጉዳያት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ቅዋማዊ ስርዓት ዘይምምስራት፡ ዜጋታት ብዘይ ፍርዲን መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ንዓመታት ምስቃይ፡ ኣፍራዪ መንእሰይ ኣብ ገደብ ዘይብሉ መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብምሓዝ ምብትታን ስድራቤታትን ኣደዳ ጥሜትን ስደትን ምዃን፡ ኤርትራዊ ነጊዱን ሓሪሱን ከይነብርን ነብሱ ከይክእልን ዕድላት ምኽላእ፡ ህዝቢ ሓሳቡን እምነቱን ከይገልጽ ምዕባስ ገለ ካብቶም ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ዝፍጸሙ ገበናት’ዮም። ብርግጽ እቲ ዝዓበየ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፡ ንመዓልቲ ናጽነቱ ከም መዓልቲ ሓዘን’ዩ ዘኽብራ። እቶም ኣብ ትሕቲ ኣሰቃቂ ምሕደራ ህግደፍ ዘለዉ ዜጋታት፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርትን ስደትን፡ ኣብ በረኻ ተደርብዮም ዘለዉ ኣባላት ሰራዊትን፡ ተኻፈልቲ ናይቲ ህግደፍ ዝጽምብሎ ድግስ ኣይኮኑን። እቶም ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ክቡር ህይወቶም ዝኸፈሉ ሰማእታት ግን፡ ነቶም ሕድሪ ስውኣት ጠሊሞም ኣብ መቃብሮም ዝዕንድሩ ዘለዉ ፈተውቲ ነብሶምን እቶም ኣብ ገዛእ ሃገሮም ዘኽቲሞም ንውርደትን ስቃይን ተቃሊዖም ዘለዉ ዜጋታትን ንምዕዛብ ንሓንቲ ካልኢት’ውን ዕድል እንተዝረኽቡ እንታይ ምበሉ?

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (7 ግንቦት 2016)

aseye.asena@gmail.com

Review overview
5 COMMENTS
  • Berhe Tensea May 7, 2016

    Excellent piece of writing and well said,keep it up Thank you very much.

  • AHMED SALEH !!! May 8, 2016

    Xilal
    If our fallen martyrs observed the misery we brought to our helpless
    people , I can imagine the betrayal will force their eyes to shed tears .
    When your own betrayed you it hurts deep to the bone .

  • k.tewolde May 8, 2016

    No one can photo shop this grotesque spectacle that we witness today in our homeland, even a skilled plastic surgeon, it is like reconstructing a grossly obese pt into a svelte runaway model. HGDEF is ugly in every sense of the word and it has changed the natural beauty of the motherland we know so well beyond recognition. 25 years folks!,this is the same age as my niece working in her dissertation in law school and another one doing residency in medical school,as Apple company under Steve Jobs evolved from a concept to a multi-billion industry that we cannot do without….What accomplishments is this moronic tyrant is going to tell us on that podium of shame on the 24th. May be there is a remote chance he might choke and concede.

    • Simon G. May 11, 2016

      k.tewolde ,
      Eritrea would be blessed if one of your nieces was its leader.
      Some people think 25 yrs is a short period but for the good people of the greater Bay Area, it is light years. Maybe some day Eritrea will be lucky enough to have a leader of your family’s caliber.

POST A COMMENT