Visit the new AsenaTv Website

https://asenatv.com

ህግደፍ ምህርቲ ሓረስቶት ይምንዝዕ አሎ

ህግደፍ ምህርቲ ሓረስቶት ይምንዝዕ አሎ ስርዓት ህግደፍ አብ መላእ ኤርትራ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ጀሚሩ አብ መላእ ሃገር ሓረስቶት ነቲ አብ ዝሓለፈ ክራማት ዝእተውዎ እቶት ንመንግስቲ ነኸረክቡ የገድዶም አሎ። ስርዓት ህግደፍ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳር ዓድታትን

ህግደፍ ምህርቲ ሓረስቶት ይምንዝዕ አሎ

ስርዓት ህግደፍ አብ መላእ ኤርትራ ካብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ጀሚሩ አብ መላእ ሃገር ሓረስቶት ነቲ አብ ዝሓለፈ ክራማት ዝእተውዎ እቶት ንመንግስቲ ነኸረክቡ የገድዶም አሎ። ስርዓት ህግደፍ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ሕርሻን ምምሕዳር ዓድታትን አቢሉ ብስም ኮለላን ከባብያዊ መጽናዕትን ብዝብል ጉልባብ አብ ወርሒ መስከረምን ጥቅምትን ነቲ ምህርቲ ሓረስቶት አብ ግራዊቲ ከሎ አብ አዝመራ ከይበጽሓ ከሎ ደቂቕ ምክትታል ክገብር ስለድጸንሓ፤ ነቶም ሓረስቶት ንቀለብ ቤተሰቦም ሰለስተ ኩንታል ናይ ዓመት ቀለብ እትሪፉም፤ ነቲ ዝተረፈ ብርትዓዊ ዋጋ ንመንግስቲ ከረክቡ የስገድድ አሎ። ብፍላይ አብ ንኡሳን ዞባታት ጎልጅን፡ ላዕላይ ጋሽ፡ ሻምብቆ ዝኣመሰላ ጽቡቕ እቶት ዝኣትዎ ከባቢታት አብ ገዛውቲ ከይተረፈ ተፍትሽ ይገብር አሎ። ነቲ ዝወስዶ ዘሎ እኽሊ ብመንግስቲ ዝሰልዖ ዋጋ ክኽፈሎም ምኻኑ እናሓበረ እቶት ሓረስቶት ይምንዝዕ አሎ። ህግደፍ ነቲ ዝኣከቦ የእኻል አብ ዋጋ ዝኸብረሉ ግዜ ብክልተ ሰለስተ ዕጽፊ ነቲ አብ ከተማ ዝነብር ህዝቢ ምስ ሸጦ፤ ነቶም መሳኺን ሓረስቶት ባዕሉ ብዝሰልዖ ዋጋ ክኽፍሎም ምኻኑ ካብ ናይ ቅድሚ ሕጅ ተሞክሮ ተራእዩ ኢዩ።

ከምዝፍለጥ ህግደፍ ድዛረቦን እቲ ተግባራቱን ነንበይኑ ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ። ብሓደ ሸነኽ ትሕተ ቅርጺ ሰሪሕና ኢና አዋፈርቲ አብ ሃገር መጺዮም ንኽሰርሑ ነተባብዕ አለና እናበለ ክንሱ ነቶም ብብዕራይ፡ ብኣድግን አግማልን ዝሓረሱ እኳ ዓይኒ ብዓይኒ ዘፍረይዎ ምህርቲ ሕርሽኦም ይዘምቶም አሎ። ህግደፍ መንዝዓይን ከሳሳይን ፈራዳይን ብምኻኑ ፤ እዞም ውጽዓት አቤት ዝብልሉ ቦታ የለን። ህግደፍ ዓመት መጸ እናተጸበየ ዘካይዶ ናይ ምምንዛዕ ተግባራቱ ሰባት ንኽይሰርሑን ሃገር ውሕስነት መግቢ ከይተረጋግጽን ከም ፖሊሲ ሒዙ ይሰርሓሉ ከምዘሎ ብግብሪ ንዓመታት አረጋጊጽዎ ኢዩ። ብሰንኪ እዚ ድማ ዋጋታት ሃለኽቲ ነገራት ካብ ዓቕሚ ህዝቢ ንላዕሊ ኮይኑ አሎ።

ከምዝፍለጥ አብዚ ዝሓለፍ ክራማት ብሰንኪ ሕጽረት ናይ ነዳዲ፤ አብ ሃገር ዘለዋ ዝርካበን ትራክተራተውን አገልግሎት ከምዘይሃባ ይፍለጥ። እዞም ሎሚ የእኻሎም ድዝመቶ ዘለው ሓረስቶት ደቆም አብ ሃገራዊ አገልግሎት ተታሒዞም ክንሶም፤ ብዘለዎም ኣቕሚ ዘፍረይዎ ፍርያት ኢዩ። አብ ኤርትራ መንግስቲ ንህዝቢ ዘይኮነ ዘገልግል ህዝቢ ኢዩ ንመንግስቲ ዘገልግል ዘሎ። ስለዝኸነ ድማ ኤርትራ ካብቲ ንቡር ናይ ዓለምና አካይዳ ወጺኣስ ብምልካዊ ስርዓት ትምራሕ ብምህላዋ አብ ፍጽም ድኽነትን ጸበባን ትርከብ አላ።

ካብ ጉዱሳት  ኤትራውያን

ከረን

aseye.asena@gmail.com

Review overview
26 COMMENTS
  • Sara January 17, 2014

    hgsf must leave the country, assenna was late for this news.

  • Tafla Keren January 20, 2014

    It is time to push out EGDEF once for all.

POST A COMMENT